S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ትምህርቲ ስነ-መለኮት “ደቂቀ እንጦንዮስ” ብቑጽርን ዓይነትን ይዓቢ ኣሎ

ተማሃሮ ስነ-መለኮት ቀውዒ 2005 ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰመስተር ብቑጽርን ብዓይነትን እንዳዓበየ ናብ ዝልዓለ ደረጃታት ኣብ ምድያብ ይርከብ ኣሎ። ልዑል ዘመናዊ ትምህርቲ ዙቐሰሙ ካህናት፣ ድያቆናትን መማህራን ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ . ኤርትራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ተጠቀምቲ ናይዚ ኣብ ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዚውሃብ ፍሉይ መደብ ካብ ዚኾኑ ድሮ ሳልሳይ ዓመት ሒዙ ኣሎ። ገዳም ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ ሕቡራት ሃገራት አመሪካ: ክፍለ ሃገር ቴክሳስ ዚርከብ ብጂኦግራፍያዊ ኣቐማምጣኡ ይኹን ብትሕዝቶኡ ከም ሽሙ ነታ ብጽርየት ስነ-መለኮታዊ ትምህርቲ እትፍለጥ መንበረ ማርቆስ ዚውክል ቅዱስ ናይ ትምህርትን ጸሎትን ቦታ እዩ።

ክሳብ ሕጂ ኣስታት 15 ኮርሳት ኪውዳእ ከሎ፡ ኣብዚ ሰመስተር እዚ ከኣ ሃዋርያዊ ተልእኾ (Theology of Mission) ቀኖና ቤተክርስትያን (Canon part I and II) ድማ ኣብ ክልተ ኮርስ ተኸፋፊሉ ይውሃብ ኣሎ። ሃዋርያዊ ተልእኾ ብደረጃ ቤተክርስትያንን ብውልቅን ብንጹር እንታይ ምዃኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ብፍላይ ከኣ ውሉደ ክህነት ቅድሚ ናብ ተልእኾኦም ምውፋሮም ኪፈልጥዎን ኺዕጠቕዎን ዚግብኦም መንፈሳዊ ኣጽዋር፡ ከም ወተሃደራት ክርስቶስ ኣገዳስነት ንጹርነት ዕላማን ትብዓትን፡ ከምኡውን ኣብዚ ሒጂ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለማት ብግብሪ ዝፍጸም ዘሎ ናይ ወንጌል ዕዮን ኣብነታውያን መንእሰያት፡ ካህናትን ጳጳሳትን ብዝርዝር ቀሪቡ። ኣብቲ ቀኖና ቤተክርስትያን ከኣ መሰረት ሃዋርያዊ ስርዓትን መንፈሳዊ ትርጉምን፡ እግዚኣብሔር ናይ ስርዓት ኣምላኽ ብምዃኑ ኣገልገልቱ ከኣ ብስርዓትን ብኣኽብሮትን እምበር ከምዊንትኦም ኪኸዱ ከምዘይብሎም፡ ኣብ ኣገልግሎቶም ኪጥንቐቕሉ ዝግባእ ምስ ምእመናን ዘራኽብ ጉዳያን ስርዓቱን ብሰፊሑ ቀሪቡ። ብፍላይ ነዚ ካልኣይ ኮርስ ዘቕረቡ ካህን ሽኖዳ ማህር (Phd, MD)፡ ንልዕሊ 40 ዓመት ፕሮፌሰር ናይ ኦክስፎርድ ዪኑቨርሲቲ ኮይኖም ስነ-መለኮት ዝምሃሩ ኣብ ልዕሊ ምዃኖም ናይ ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ዝልዓሉ ሊቕ ብምዃኖም ኣብ ዝተፈላለየ ዓለም ለኻዊ ጉባኤታት ንናይ ግብጺ፡ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ወኪሎም ዝተጋብኡን፡ ንቤተክርስትያን ብዝምልከት ብቐዳምነት ዚሕተቱ ኣብ ዘመንና ካብ ዘለዉ ምሁራት ሓደ እዮም።

ነዚ ፍሉይ ዕድል ብምጥቃም ተመሃሮ ስነ-መለኮት ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ከኣ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ዘላትሉ ኩነታትን ብዝምልከት ፍሉይ ቃለ-መጠይቕ ምስ ካህን ሽኖዳ ማህር ኣካይዶም። ካህን ሽኖዳ ማህር ቀኖናን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ቤተክርስትያን ተዋሕዶ ብምዝርዛር ዕሙቕ ዝበለ ኣዝዩ ኣገዳሲ መብሪሂታት ሂቦም። ንሶም ኣብ መግለጺኦም ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዘላ ድሕሪ ምዝዝኽኻር፡ እቶም ብፍርሕን ምትላልን ነዛ ጥንታዊት ቤተክርስትያን ካብቲ ሃዋርያዊ መገዳ ከተላግስ ዝገበሩ ጳጳሳትን ካልኦት ሰባትን ኣምላኽ ናይ ንስሓ ግዜ ኪህቦም፡ ነቶም ስለ ሓቂ ህይወቶም ዝወፈዩ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ከኣ ናይ ዘመንና . ኣትናቴዎስ ብምዃኖም ኩላተን ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኣብ ቅዳሴአን ስለኦም ኣብ ጸሎት ተጸሚደን ከምዘለዋ ሓቢሮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተና ንቤተክርስትያን ሓድሽ ከምዘይኮነ ብምብራህ ከኣ ኩሎም ምእመናን ናብ ኣምላኽ ኪጽልዩን እግዚኣብሔር ዚገብሮ ተኣምራት ኪጽበዩን ከምዝግባእ መኺሮም። እቲ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ኣብ ቀረባ እዋን ተቶርጊሙ ናብ ምእመናን ኪዝርጋሕ ምደብ ተታሒዙ ኣሎ። 

እዚ ካብ ወጋሕታ ክሳብ ምሸት ብመዓልታዊ ቅዲሴ፣ ጸሎተ ነግህን ጸሎተ ሰርክን እንዳተሰነየ ብሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ዮሴፍ እንዳተመርሐ ዚውሃብ ጽዑቕ ትምህርቲ፣ ንኤርትራውያን ውሉደ ክህነት ዓቢ መንፈሳዊ ዕጥቅን ምትብባዕን ይኾኖም ኣሎ። ተመሃሮ ስነ-መለኮት ካብቲ ውሑድ ናይ ድቃስ ግዜኦም ሰዓታት ብምውፋይ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዕዮኦም ገምጊሞም። ዝተራእየ ድኻማት ዝእረመሉ መገድታት ብምድህሳስ ነታ ዓሚ ዝቖመት ኮሚቴ ስራሓ ክትቕጽል ተሰማሚዖም።

ከምቲ ነብዪ ሆሴእ ዝበሎ ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለ ዝኣቤኻ፡  ኣነ ድማ ካህን ከይትኾነኒ ኽኣብየካ እየ።ሆሴእ 46” ቀንዲ ጸገም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ድሕረት ትምህርቲ (ዘመናውን  ሃይማኖታውን ትምህርቲ) ብምዃኑ ነባሪ ፍታሕ ዚርከብ፡ ዓለም ለኻዊ መምዘኒ ዘማልአ ናይ ስነ-መለኮት ኮለጅብምኽፋት ንኣገልገልትን ምእመናን ብምስትምሃር ምዃኑ ኹሎም ተሳተፍቲ ዓጊቦምሉ። ተመሃሮ ሰነ-መለኮት “ደቂቀ እንጦንዮስ” ናይ ዓጺርን ነዊሕን መደባት ብምውጻእ ናይ ዕዮ ምክፍፋል ገይሮም ንሰርሑ ድማ ተሰማሚዖም።  

እዚ ሰመስተርዚ ክሳብ ነሓሰ ኪቕጽልዩ፡ ኣብ መጀመርታ መስከረም ድማ ሓድሽ ሰመስተር ኪጅምርዩ። እዚ ብሉጽ መደብ፡ ኣኣብ ከባቢናን ዓይነታዊ ኣገልግሎት ከነብርክት ዚድግፍ ብምዃኑ፡ ክሉኹም ኪትምሃሩ ትኽእሉ ኣቦታት ካህናት፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ መደብኩም ከተእትውዎ ንላቦን ንመክርን። ንተወሳኺ መብርሂ፡ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን፡ /ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ www.tewahdo.org ተወከሱ።

/ስነ ጽሑፍ ኣብ ክፍሊ ትምህርትን ስብከትን ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን፡ /ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ (May 23-26/2008)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div