S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዜና ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ እንቋዕ ናብ በዓለ ትንሣኤ ኣብጽሓና ብማለት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን 2ይ ፓትርያክር ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከብ ምእመን ብምኽንያት በዓል ትንሣኤ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ቅድስነቶም፡ ካብ 1ይ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ 13-1 መወዳእታ፡ ኣምላኽ ብፍቕሪ ሰብ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ኣብ ቅድስት ድንግል ማርያም ኃዲሩ፡ ምእንታና ተሰቒሉ ሞይቱ ብትንሣኤኡ ድማ ሓራ ኣውጺእና እዩ።

ስለዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ኣማኒ ድማ፡ ብዘይፍቕሪ ንኣምላኽ ከነሥምሮ ስለ ዘይከኣል፡ ብፍቕሪ ተሓቛቚፍና እምነትና ሓሊና ክንከይድ ይግባእ ኢሎም ናይ ቡራኬ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ድሕሪ ዕረፍቲ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ 1ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ዓቃቢ መንበር ኮይኖም ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብምልኣት ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ 2ይ ፓትርያርክ ኮይኖም ምምራጾም ዝዝከር እዩ።

ዜና ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ

ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ምእመናን እናተጠርነፉ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ምምሥራት ይርከቡ ኣለዉ።

ኣደራዕ መግዛእትን ኲናትን ዘመዛበሎ ሕዝብና፡ መብዛኅትኡ ኣብቲ ናይ ሃይማኖትን ባህልን ዝፈልጠሉ ጊዜ ብሰንኪ ኲናት ኣብ ስደት ፋሕ ፋሕ እኳ እንተበለ፡ ነቲ ብጊዜ ንእስነቱ ዓቂብዎ ዝመጸ፡ እምነት ምስ ጽልዋታትን ተጽዕኖታትን ባህልን ስደትን ከይረስዐ፡ ከም ድጉል ሓዊ ሃይማኖቱ ዓቂቡ ብምጽናሕ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ብብዝኂ ኣብያተ ክርስቲያናት ምሥራሕን ምጥርናፍን የርኢ ኣሎ።

በዚ መሠረት፡ ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርኒያን ከባቢኣን ዝርከቡ ምእመናን መድኃኔ ዓለም፡  ኣብ ሲያትልን ከባቢኣን ዝርከቡ ምእመናን ቅድስት ሥላሴ ፡ኣብ ዳላስን ከባቢኣን ዝርከቡ ምእመናን መድኃኔ ዓለም፡ ኣብ ሂዩስቶን ቴክሳስ ዝርከቡ ምእመናን ኢየሱስ ቤተ ክርስቲያን፡ ኮሎምቦስን ከባቢኣን ዝርከቡ ምእመናን ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ኣትላንታን ከባቢኣን ዝርከቡ ምእመናን መድኃኔ ዓለም ኣብ እንዲያናን ከባቢኣን ዝርከቡ ምእመናን ናይ ኪዳነ ምሕረት ዝብል ኣብያተ ክርስቲያናት ሃኒጾም፡ ኣብ ምሉእ ኣገልግሎት ክርከቡ እንከለዉ፡  ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝርከቡ ምእመናን ቅድስት ሥላሴ፡ ኣብ ሎስ ኣንጀሎስን ካባቢኣን ዝርከቡ ምእመናን፡ ናቶም ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ምህናጽ ይርከቡ፡ ከምኡውን ምስ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናት ብመልክዕ ልቓሕን ክራይን ድማ ተጸጊዖም ምእመናን ብምእካብ መደበ ኣውጺኦም ካህናቶም ሒዞም ኣብ ኣገልግሎት ዝርከቡ፡ ኣብ ችካጎን ከባቢኣን ዝርከቡ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ካባቢኣን ዝርከቡ ናይ መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ሚነሶታን ከባቢኣን ዝርከቡ፡ ናይ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ኒው ዮርክን ከባቢኣን ዝርከቡ፡ ናይ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ካናዳ ቶሮንቶ ናይ መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ሳንዲያጎን ካባቢኣን ዝርከቡ ናይ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ሲንሲናቲን ከባቢኣን ዝርከቡ ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል፡ ምስ ዝነብርዎም ኣብያተ ክርስቲያናት ብምስምማዕ፡ ልዑል ጻዕርታትን ናይ ገዛእ ርእሶም ዝውንንዎ ቤተ ክርስቲያንን ንምስራሕ ኣብ ጉዕዞ ይርከቡ፡ ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ተጠርኒፎም፡ ምእመናን ብምእካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ካህን ንምምጻእ ኣብ ጉዕዞ ዝርከቡ ድማ ኣብ ቦስቶንን ከባቢኣን ዝርከቡ ምእመናን፡ ናይ ጻድቕ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ (ጋብር) ስም ታቦት ብምሃብ፡ ካህን ሕዝቢ ኣብ ምጥርናፍን፡ ካህን ዝረኽቡሉ መንገዲ ኣብ ምንዳይን ይርከቡ፡፡ ካልኦት ከተማታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ብብዝኂ እናተኣኻኸቡ፡ ቤተ ክርስቲያን ዘቑሙሉ መጽናዕትታት የካይዱ ብምላዎም ንቤተ ክርስቲያንና ዓቢይ ሓበን እዩ።

ኣብ ሲያትል ዝርከብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ፡ ሓዲሽ ቤተ ክርስቲያን ተመሪቑ።

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስያትልን ከባቢኣን ዝርከብ ኣማኒ ተሓባቢሩ ናይ ገዛእ ርእሱ ቤተ ክርስቲያን መሥሪቱ።

እዚ ቤተ ክርስቲያን እዚ ንምውናን ምእመናን ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን፡ ጉልበቶምን ገንዘቦምን ብምውፋይ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ እዩ። ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ንዑደትን ቡራኬን ኣብ ዝመጹሉ እዋን፡ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም፡ ማዕዳን ቡራኬን ብምሃብ፡ እቲ ቤተ ክርስቲያን ንምህናጽ ሕዝቢ ጉልበቱ ኣወሃሂዱ ክሰርሕ ተላብዮም ምኻዶም ዝዝከር እዩ።

 

 ካብ ሥርዓት ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ተረኺቦም እተባህሉ ክልተ ካህናት ሥልጣነ ክህነቶም ተታሒዞም።

ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣገልጋሊ ዝነበሩ ቀሺ ዳዊት ኣኮሎም። ኣብ ዋሽንግቶን ሲያትል ዝርከቡ ቀሺ ተስፋይ ወልደሚካኤልን፡ እተባህሉ ካህናት፡ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳት ሃገረ ኤርትራ፡ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዑደት ኣብ ዝገበሩሉ እዋን፡ ኣብ ርእሲ እዞም ክልተ ካህናት ብዘቕረብዎ ጸብጻብ መሠረት፡ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ኣብ ሰነ 2003 ኣብ ዝገበሮ ጉባኤኡ፡ ክልቲኦም ሥልጣነ ክህነቶም ከም ዝተሓድጉ፡ ናብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝተላእከ መምርሒ ተሓቢሩ።

 

ኣብ መላእ ሰሜን ኣሜሪካ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ጸሎተ ፍትሓት ናይ ስዉኣት ተኻይዱ።

ካብ ዕለት 22-24 ግንቦት 2003 ኣብ ኮሎምቦስ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተገብረ ዓመታዊ ጉባኤ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ሰነ ዕለት 22 2003 ዓ.ም. ኣብ መላእ ኣብያተ ክርስቲያን ጸሎተ ፍትሓት ክግበር ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።

በዚ መሠረት፡ ኣብ ኩላተን ኣብያተ ክርስቲያናት ጸሎተ ፍትሓት ተገይሩ። ኣብቲ መዓልቲ ዝተዋጽአ ሞባእ ድማ ሰንኪ ኲናት ኣቦን ኣንደን ዝሰኣኑ ህጻናት መርድኢ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ክለኣኽ እዩ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div