S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በዓል መስቀል ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ

ቅ. ማርያም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ በይ ኤርያ

“…ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ነቶም እንድሕን ግና ኃይሊ ኣምላኽ እዩ።” 1ቆረ1፡18

ናብ ምእመናንን ህዝበ ክርስቲያንን ብሩኽ በዓል መስቀል ኪገብረልና እንዳተመነና። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ንወዲ ሰብ ዘሎዎ ፍቕሪ ብግብሪ ዝገለጸሉ መስቀል፡ ንኹሉ ክርስትያን ምስ መንነቱ ዝተኣሳሰር ረዚን ትርጉም እዩ ዘሎዎ። ጸላእቲ መስቀል ነቲ መሎኮታዊ ሓይሊ ዘንጊዖም፡ ነቲ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል ብምቕባር ትርጉም ዓርቢ ስቕለትን ትንሣኤን ከጥፍኡ ሃቂኖም፡ ግን ኣይከኣሉን። ብመንገዲ ንግስቲ ኢለን እቲ ንዓመታት ተሰዊሩ ዝነበረ መስቀል ዝተረኽበሉ ዕለት ቤተክርስትያን “መስቀል ኃይልነ፡ መስቀል ጽንዕነ፡ መስቀል ቤዛነ፡ መስቀል መድኃ ነፍስነ” እናበለት ዓመት ዓመት ተኽብሮ ትነብር ኣላ።

ኣብ ቤተክርስትያን ቅ. ማርያም በይ አርያ ብምኽንያት ቅዱስ በዓል መስቀል ፍሉይ መደብ ተሰሪዑ ኣሎ። ትሕዝቶ መደብ ከኣ እዚ ዝስዕብ እዩ፡- ብኣገልገልቲ ቤተክርስትያን፡ ውሉደ ክህነት፡ ዝውሃብ መንፈሳዊ ሰሚናር፤ ብሞያውያን ደቂ ቤተክርስትያን ዝውሃብ ኣስተምህሮን ብክፍሊ ህንጻ ዝውሃብ ሓበሬታን ይሓቁፍ።

ዕለት፡-     ቀዳም መስከረም 27/2008

ሰዓት፡-     5፡00 – 9፡00 ድ. ቀ.

ቦታ፡-      390   27th St. Oakland, CA 94612

ትሕዝቶ መደብ፡-

1.መኽፈቲ ጸሎትን ምህለላን ብመራሕቲ ቤተክርስትያን

2.ናይ እንቛዕ ድሓን መጻእኩም መልእኽቲ ብኣቦ ወንበር ሰበኻ ጉባኤ

3.ብሞያውያን ደቂ ቤተክርስትያን ዝቐርብ ኣስተምህሮ

ሀ. ሜላ ኣተሓሕዛ ገንዘብን ኣሰራርሓ ግብሪ/ቀረጽ ሃገረ ኣመሪካን ብወ/ሮ ታደሉ ተ/ማርያም

ለ. ምስ ምግዛእ ገዛ ዝተኣሳሰር ኣስተምህሮ (ሪል እስቴት) ብወ/ሮ ፍረወይኒ ገ/ህይወት

 4.ብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ዝቐርብ መዛሙር

5. መንፈሳዊ ሰሚናር “በጊዜ ኣብዳን ኩኑ ጠቢባን” ብውሉደ ክህነት

6.ድራር

7.ብኮ/ህንጻ ዝቀርብ መደብ ካብዛ ብብዙሕ ክፍኣትን ሓጢኣትን ትሳቐ ዘላ ዓለም ብሓይሊ መድኃኔ ዓለም፡ ብኣማላድነት ቅ. ድንግል ማርያምን ብጸሎት ቅዱሳንን፡ ካብ ኩለ ክፉእ ምእንቲ ክንድሕን ኣብ እንገብሮ መንፈሳዊ ጉባኤታትን ሓበራዊ ጸሎትን ምህለላን ምስ ስድራ ቤትኩም ክትሳተፉ/ፋ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንምሕጸን። 

ብደሓን ምጹ!

ንብፁእ ውቅዱስ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና! ንቤተክርስትያንናን ሃገርናን ድማ ሰላሙ ይሃብ። ኣገልገልትን ምምሕዳር ሰባኻ ጉባኤን ቅ. ማርያም ቤተክርስትያን በይ ኤርያ።

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div