S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ

ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ዓቃቤ-መንበር። ካብ ዕለት 09/03/2020 ኣትሒዞም፥ ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ፥ ሓዋርያዊ ዑደት ፈኢሞም። እዚ ዑደት’ዚ መቐጸልታ ናይቲ ብእስራኤል ዝጀመረ ዑደት ኮይኑ። ኣብ ከተማ-ማንችስተር ምስ በጽሑ ድማ፥ እቶም ናይ እንዳ መድሃኔ-ዓለም ቤተ-ክርስቲያን ማኅበረ-ምእመናን፥ ብዓቢይ ፍቕርን ኣኽብሮትን ተቐቢሎሞም።

ኣብ ዕለት 15 ድማ ብፁዕነቶም ሠራዒ ኮይኖም ዝመርሑዎ ቅዳሴ ተኻይዱ። እዚ ቅዳሴ’ዚ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጸ ብዙሕ ሕዝቢ ዝተሳተፎ ኮይኑ። ካብ ትጽቢት ዝተገብረሉ ንላዕሊ ድማ፥ ብዙሕ ሕዝቢ ተሳታፊ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን ኮይኑ ክርከብ ምኽኣሉ እዩ። ከም ዝፍለጥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ከሕምዮ፥ ወይ ብእወንታ ከጠምቶ ካብ ዘይጸንሐ ሓደ፥ እቲ ኣብ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን ንክቐርብ፥ ትጉህ ኮይኑ ዘይምጽንሑ ምዃኑ ዘጠያይቕ ኣይኮነን።

ፍሉይ ዝገብሮ ከኣ፥ ካብቶም ናይ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን ተሳተፍቲ ዝነበሩ፥ እቲ ዝበዝሕ ክፋሉ ብመንእሰያት ዝተዓብለለ ምንባሩ እዩ። እዚ ፍሉይ ዝኾነ ተርእዮ’ዚ ድማ፥ ብኣጋጣሚ ዝኾነ  ዘይኮነስ፥ እቶም ናይቲ ቤተ-ክርስቲያን ኣገልገልቲ፥ ይገብሩዎ ብዘለዉ ጻዕርን ድኻምን ደኣምበር፥ ብኣጋጣሚ ዝኾነ ናይ ሓደ መዓልቲ ተርእዮ ኣይኮነን። ከመይሲ ዝደፍእን ዝስሕብን ከይሃለዎ፥ ባዕሉ ክንቀሳቐስ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ነገር የልቦን። ኣብዚ ቤተ-ክርስቲያን’ዚ ግና፥ ንኣገልግሎት ቤተ-ክርስቲያን ዉፉያት ዝኾኑ ዲያቆናት ስለ-ዘለዉ። እቶም መንእሰያት ብብዝሒ ተሳተፍቲ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን፥ ክኾኑ ናይ ምኽኣሎም ምስጢር እዚ’ዩ።

ስለዚ እዚ ንብዙሓት ኣብ ኣገልግሎት ዝርከቡ ውሉደ-ክህነት፥ ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝኽእል፥ ንመንእሰያት ኣብ ግምት ዘእተወ ኣገባብ ኣሠራርሓ’ዚ። ብዙሓት ክስዕቡዎ ዝግባእ ኣብነታዊ ተግባር’ዩ ተባሂሉ ክግለጽ ግቡእ’ዩ። ከመይሲ ንሕቶ መንእሰያት ኣብ ግምት ከየእቶኻ ዝግበር ንጥፈታት ኩሉ፥ ውጽኢታዊ ኮይኑ ክርከብ ከም-ዘይክእል፥ ኣብ ብዙሕ እዋናት ክርአ ጸኒሑ’ዩ። እዚ ከኣ’ዩ ንጉዕዞ ቤተ-ክርስቲያንና፥ ከም ዓቢይ ዕንቅፋት ኮይኑ ክግለጽ ዝጸንሐ። ስለዚ’ውን ኣብ ዕድመ ጉብዝናን ግርዝውናን ዝርከቡ ኣወዳትን ኣዋልድን። ብመንፈሳዊ ርድኢትን ኣፍልጦን፥ ተሳተፍቲ መኣዲ ቅዱስ-ቁርባን ኮይኖም ምርካቦም። ካብዚ ዝዓቢ ካልእ ዕዉት ኣገልግሎት ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። 

ብዝኾነ እቲ ናይ ቅዳሴ ኣገልግሎት፥ በዚ ኣገባብ’ዚ ምስ ተፈጸመ። እቲ ተሳታፊ ኮይኑ ዝወዓለ ሕዝቢ፥ ናብቲ ብማኅበረ-ምእመናን ቤተ-ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም ማንችስተር ተዳልዩ ዝነበረ ኣዳራሽ’ዩ ኣምሪሑ። ኣብዚ ድማ ብልግሲ’ቶም ማኅበረ-ምእመናን ዝተዳለወ መኽፈልቲ ስለ-ዝነበረ። ኩሉ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተረኺቡ ዝነበረ ሕዝቢ። ተሳታፊ’ቲ ብልግሲ ተዳልዩ ዝነበረ መኣዲ ክኸውን ክኢሉ። ስብሓት-ለኣብ ተባሂሉ መኣዲ ምስ ተላዕለ ድማ፥ ብቡራኬ ብፁዕ ኣቦና ተፈጺሙ።

ካብዚ ብምቕጻል ድሕሪ ምሳሕ ኣብ ዝነበረ ግዜ ከኣ። እቲ ጉባኤ ማኅበረ-ምእመናን ንቤተ-ክርስቲያን ብምምላስ፥ ብፁዕነቶም ናይ ዝሃቡዎ ትምህርቲ ተሳታፊ ኮይኑ ኣምስዩ። ብፁዕ ኣቦና ኣብ ህልው ኩነታት ሃገርናን ቤተ-ክርስቲያናን ዝጠመተ ኣርእስቲ መበገሲ ብምግባር’ዮም መልእኽቶም ከተሓላልፉ ዝኸኣሉ። ብፁዕነቶም ከም-ዝበሉዎ ድማ፥ እቲ ሕጂ ሕዝብና ከሕልፎ ዝርከብ ዘሎ ስቓይን መከራን። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽ’ታ ሃገር፥ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ምዃኑ’ዮም፥ ብፁዕ ኣቦና ከምዚ ኢሎም ብምረት ክገሉዎ ዝተሰምዑ። “...እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ንሕጊ ኣኽብሮት ዘይብሉ ጨቋኒ ሥርዓት። ልዕልና ሕጊ ረጊጹ ኣብ ልዕሊ መሰልን ክብርታትን እቲ ሕዝቢ ክዕንድር፥ እንሆ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። መወዳእታ ዘይብሉ ነገር ግና የልቦን። መወዳእታ ዝስዕር ከኣ ሕዝቢ’ዩ። እቲ ግፍዒ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር መሊኡ ክፈስስ ከሎ፥ ውልቀ-መለኽቲ ደው ዝብሉሉ ባይታ ኣይረኽቡን’ዮም...”  

ብፁዕ ኣቦና ዘረባኦም ብምቕጻል “...ፍትሒ ዝርከብ ግና ካብ ሰማይ’ዩ። ግዳስ ሕዝብና ምስ እግዚኣብሔር ዕርቂ ክገብር ከይከኣለ፥ ምሕረት ኣምላኽ ብኸምኡ ዝርከብ ኣይኮነን። ስለዚ ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን። ካብ ጸሎት ዝተፈልየ ሕይወት ክህልወና ኣይግባእን። ከመይሲ ብመንገዲ ጸሎት ጥራይ ኢና፥ ምስ እግዚኣብሔር ክንራኸብ እንኽእል። ብኃይሊ ጸሎት ክስገር ዘይከኣል ፈተና  የልቦን። እቲ ንዓና ንምሕላው ዘይድቅስን ዘይታኸስን ኣምላኽ ከኣ፥ ንቃሉ እሙን ስለ-ዝኾነ ንጥፍኣት ኣሕሊፉ ኣይህበናን እዩ ...” ብምባል’ዮም ብፁዕ ኣቦና ዝመሃሩ።

ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ኣቦና “...ኣብዚ ምድሪ ዝኾነ ዝርከብ ፍትሒ የልቦን። ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ-ጳውሎስ፥ ካብቶም ንዘመን ጸልማት ዘማሓድሩ፥ ገዛእቲ እዛ ዓለም’ዚኣ እንጽበዮ ተስፋን ምሕረትን የልቦን። ሓቀኛ ፈራዲ ግና እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ። ስለዚ ናብኡ ናብዚ ሓቀኛ ዝኾነ ኣምላኽ’ዚ  ይግባይ ኢልና ኣሎና። እዚ ይግባይ’ዚ ከኣ መልሲ ዘይብሉ ኮይኑ ዝተርፍ ኣይኮነን። ከመይሲ ኣምላኽና እሙንን ሓቀኛን ኣምላኽ’ዩ። ኣብቲ ንሱ ዘቐመጠና መጺኡ ከይስእነና ግና፥ ኣብ እምነትና ጸኒዕና ደው ኢልና ክንጽበዮ ከም-ዘድሊ፥ እዚ ክጠፍኣና ኣይግባእን...”  ዝብል መልእክቲ ዘለዎ ቃል’ዮም ብፁዕ ኣቦና ዘመሓላለፉ።

እቲ ኣገልግሎት ንጽባሒቱ ሰንበት’ውን ክቕጽል፥ ኣብ መደብ ኣትዩ ስለ-ዝነበረ። እቲ መደብ ብኸምኡ’ዩ ተታሒዙ ዝነበረ። ግዳስ ብምኽንያት’ቲ “ኮሮና-ቫይረስ” ዝተባህለ ሕማም። መንግሥቲ ኣሜሪካ ዜጋታቱ ኣብ ዘለዉ ኣልዮም፥ ብህጹጽ ክምለሱ ጻውዒት ስለ-ዝገበረ። ብፁዕ ኣቦና’ውን ናይ ኣሜሪካ ፓስፖርት ዝውንኑ ከም-ምዃኖም መጠን። ብህጹጽ ክምለሱ ዘገድድ ኮይኑ ተረኺቡ። ከምዚሎም ብሃንደበት ድማ፥ ሰንበት 16/03 ናብ ሃገረ-ኣሜሪካ ክምለሱ ግድነት ኮይኑ።

ይኹን እምበር ንብፁዕ ኣቦና ድሕሪ ምፍናው፥ እቲ ኣገልግሎት ከምቲ ኣቐዲሙ ወጺኡ ዝነበረ መደብ፥ ብውዕዉዕን ድሙቕን ኣገባብ ክካየድ ክኢሉ። እቲ መደብ ዝተጀመረ ብጸሎተ-ዕጣን ኮይኑ። ነቲ ብጸሎተ-ዕጣን ዝተጀመረ ኣገልግሎት ዝመርሑዎ ድማ፥ ቀሲስ ዮናስ ተሾመ እዮም። ብድሕሪ’ዚ እቲ መድረኽ ቀሲስ-ሺኖዳ ኢዮብ ከም-ዝርከቡዎ ኮይኑ። ንሶም ድማ ኦሪት ዘዳግም ምዕራፍ-28 መበገሲ ብምግባር። እዋናዊ ዝኾነ ሓናጺ ስብከት ኣስሚዖም። እዚ ምዕራፍ’ዚ ነቲ ሕጂ ኣብ ዓለምና ተፈጢሩ ዘሎ ኣስጋኢ ኩነታት፥ ኣብ ግምት ዘእተወ ስለ-ዝነበረ። እቲ ሕዝቢ ብተገዳስነትን ብዓቢይ ተመስጦን’ዩ ተኸታቲሉዎ ክበሃል ይከኣል። 

ኣብ መወዳእታ ምዝዛም እቲ ኣገልግሎት ድማ፥ ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ዝመርሑዎ ጸሎተ-ምህልላ ምስ-ተገብረ። “-ፍትሓት-ዘወልድ-” ብምድጋም፥ ናይቲ መደብ ፍጻሜ ኮይኑ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ክንብሎ እንደሊ። ማኅበረ-ምእመናን መድኃኔ-ዓለም ማንችስተር። ነቲ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጸ ጋሻ ንምእንጋድ፥ ዝገበሩዎ ጻዕርን ድኻምን ብዉሑዳት ቃላት ገሊጽካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ልዕሊ ኩሉ ድማ እተን ሠሪሐን ዘይደኽማ ኣዴታት። ክንደይ’ኳ ክምስገና ዝግብአን እየን። ከምዚ ኢሉ ድማ እቲ ጠቕላላ መደብ፥ ዲያቆን ዮሓንስ ገብረ-ሕይወት ዝመርሖ መዝሙር፥ እናተዘመረ ክፍጸም ክኢሉ። 

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር

(ዘኣንበሳ-ማርቆስ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div