S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ህጹጽ መንፈሳዊ መልእኽቲ፥ ፍሉይ ጸሎተ-ሱባኤ ምእንቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ!

በስመ ኣብ ወወልድ፥ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ፡ ኣሜን።

ናብ ኵሎም ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን ምሉእ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ውሽጥን ወጻእን!

ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3 ፓትርያርክ ሃገረ-ኤርትራ፥ ዝኾነ ሕክምና ኣይደልን እንዳበሉ፥ ብዘይ ፍቓዶም፥ ብልኡኻት መንግሥቲ ተገዲዶም፥ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮም መድሃኒት ክወሃቦምን መርፍእ ክውግእዎምን ከም ዝጸንሑ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

በዚ ምኽንያት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ብከቢድ ቃንዛ ሥጋን ብጽኑዕ ኣካላዊ ሕማምን ይሳቐዩ ብምህላዎም፥ ኩልና ደቂ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፥ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን ውሉደ-ክህነትን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝብና፡ ካብ ሰኑይ ዕለት 6 ክሳብ 10 መስከረም 2021 . (ካብ ክሳብ ጳጉመን) ብጾምን ጸሎተ-ምህለላን፥ ቀዳመ-ሰንበት ድማ ብጸሎተ-ቅዳሴ ምእንቲ ቅዱስ 3 ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ኩለን ኣብያተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ፍሉይ ጸሎተ-ሱባኤ ክግበር፥ ጳጳስ-ዲበኩሉ ብጹዕ ኣቡነ መቃርዮስ ህጹጽ መንፈሳዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ከም ዘለዉ፥ ንኹሉ ቃንዛ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝስምዖ ንሕብር።

"ምንኣኽ እቶም እሱራት ናብ ቅድሜኻ ይምጻእ፣ ነቶም ንሞት እተመደቡ ብሥልጣን ቅልጽምካ ኣድኅኖም።" መዝ 7911

ቀኖናዊ ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን

4 መስከረም 2021 . (፳፰ ነሓሰ ፳፻፲፫ / ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div