S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሳዕቤን ሕማቕ ዕርክነት [መበል 44 ሰንበት: ቊ.63/፷፫]

 “ኣይትታለሉ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦዩ።ቈረ 1533

 ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብኣቈጻጸራ ግእዝ ካብ ሰነ 25 (ምእታው ክረምቲ) ኽሳዕ ቂርቆስ (ሓምለ 15) ዘሎ ቕንያትዘርዕ ደመና ጤልተባሂሉ ዚጽዋዕ (ሓምለ 2 - ሓምለ 22 .) ካብ እዋን ጀሚሩ ኽሳዕ ቅዱስ ዮሃንስ ዘሎ ንባባትን መዛሙርን፡ ምስ ክራማት፡ ማለት ምስ ደበና፡ ዝናም፡ ዘራእቲ ዝተተሓሓዘዩ። እዚ ንሕማቕ ዕርክነት ዚምልከት ትምህርቲ ዝተወስደሉ ንባብ ናይ መልእኽቲ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስውን፡ ንዘራእትን ትንሳኤ ሙታንን ኣዛሚዱ ዜስተምህር ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ዚጠራጠሩ ንኼረድእ፡ ከም ዚስዕብ ጸሓፈሎም።

ገለ ሰብ ግና፡ምዉታት ከመይ ኢሎምዮም ዚትንስኡ፧ ብኸመይ ዝበለ ሰብነትከዮም ዚመጹ፧ዚብል ይህልው ይኸውን፡ ኣታ ዓሻ፡ እቲ ንስኻ እትዘርኦ ኸይሞተ ህይወት ኣይረክብንዩ። እቲ እትዘርኦ ድማ ናይ ስርናይ ወይ ናይ ካልእ ዓይነት ፍረ ጥራይምበር፡ ነቲ ተኽሊ ኣይኰንካን እትዘርኦ። ኣምላኽ ግና ኸም ዝደለዮ ገይሩ ሰብነት ዚህቦ። ንነፍሲ ወከፍ ዘርኢውን ሰብነቱ ይህቦ።”1ቈረ 1535-38 .

እዚ ድማ ኣበቛቚላ ዘርእን ትንሳኤ ሙታንን ዘለዎ ጥቡቕ ምምስሳል ዜርእየናዩ።

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ሰፊሕ ኣስተምህሮ ዝሃበላ ምዕራፍ፡ ኣብ መንጎ፡ ነቲ ምዕራፍ ኰነ ነቲ ኣርእስቲ ጋሻ እትመስል ሓሳብ ጠቒሱ ኣሎ። ንሳ ኸኣ እዛ ኸም መሪሕ ጥቕሲ ወሲድናያ ዘለና ንሕማቕ ዕርክነትን ሳዕቤኑን እትገልጽ ጥቕሲያ። ብዛዕባኣ ኣስፊሑ እንተ ዘይገለጸ፡ እዚትንሳኤ ሙታን የልቦንዚብል ስሑት ትምህርቲ፡ ብመገዲ ሕማቕ ዕርክነት ኣቢሉ ይተኣታተውን የስፋሕፍሕን ከም ዝነበረ ኣመት ሂቡና ኣሎ። ስሑት ትምህርቲ ከም መንሽሮ እናተላብዐን እናተባልዐን ስለ ዜስፋሕፍሕ፡ ምስቶም ስሑት እምነት ዘለዎም ሰባት ዕርክነት ክንምስርት ከም ዘይግባእ ርዱእዩ። ስለ ድማ ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ካብቶም ሰብ ስሑት እምነት ክንርሕቕዮም ዚምዕዱና (1ጢሞ 620,21 2ጢሞ 216,23 35-7) ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ እሞ ኸኣ፦

ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙሓት መስሓትቲ ናብ ዓለም ወጺኦም ኣለዉ። እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚዩ። ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉምበር፡ ነቲ ዝጸዓርናሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ፡ ርእስኹም ሓልዉ። እቲ ጐቦ ዚዘብል፡ ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብ ምህሮ (ክርስቶስ) ዚጸንዕ፡  (ንእኡ) ኣቦን ወድን ኣለዉዎ። ዝዀነ ይኹን (ሰብ) ናባኻትኩም እንተ መጸሞ፡ ነዚ ምህሮ እንተ ዘየምጽአ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡ ሰላምውን ኣይትበልዎ። እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብ እኩይ ግብሩ ሓቢርዎዩ።ክሳዕ ምባል ኣጠንቂቑና (2ዮሃ 7-11) እዚ ኣበሃህላ ድማ፡ ስሑት እምነት ምስ ዘለዎም ሰባት ጥቡቕ ዕርክነትን ዝምድናን ምግባር፡ ናብ ተለሎ (ምትላል) ዜቃልዕ፡ ንጽቡቕ እምነትካን ልማድካን ዜጥፍእ ምዃኑ ዜረድእዩ።

ዕርክነት ሕማቕ ዚኸውን ምስ ስሑት እምነት ዘለዎም ምስ ዚኸውን ጥራሕ ድዩ፧  ኣይፋሉን። ጽቡቕ ልማድ ኣጥፊእካ ሕማቕ ልማድ ከተጥርይ ዚገብር ኵሉ ዕርክነት፡ ሕማቕዩ።ሕማቕዚብልንጽቡቕዚብል ቃልን ኣንጻራውን ኣዝዩ ዝተረሓሓቐንዩ። ሕማቕ ንኸተጥርይ ኢልካ ንጽቡቕ ምድርባይ ድማ ኪምኽነየሉ ዘይክእል ከቢድ ዕሽነትዩ። ዕርክነትን ልማድን ድማ ተመጣጣኒ ኣይኰነን። ዕርክነት ነባሪ ኣይኰነን። ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኪፈርስ ይኽእልዩ። ናይ ቦታ፡ ግዳሰ (interest) እምነት ፍልልይ፡ ባእሲ ወዘተ ኼፍርስ ይኽእልዩ። ልማድ ግና ሓንሳእ ምስ ተጠርየ ዳርጋ ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕዩ፡ ብባህልናውንኣመል ምስ መግነዝይበሃልዩ። ስለ በቲ ሕማቕ ዕርክነት ዘጥረኻዮ ሕማቕ ልማድ፡ ዋላ ዕርከነት ፈሪሱ ኸሎውን ምሳኻ ዚነብር። ከምኡ ስለ ዝዀነ ሕማቕ ዕርክነት ገና ብኣጋኡ ኺህደመሉ ዚግባእ። ካብ ንሕማቕ ልማድ፡ ንሕማቕ ዕርክነት ምፍራስ ስለ ዚቐልል፡ ከይተረድኣካ ንዝኣተኻዮ ዕርክነት፡ ሕማቕ ልማድ ከይዘርኣልካን ሱር ከይሰደደን ኸሎ ቀልጢፍካ ኸተፍርሶ ዚግባእ። ስለ ሕማቕ ባህርይ፡ ሕማቕ ልማድ፡ ሕማቕ ወልፊ፡ ሕማቕ እምነት ምስ ዘለዎ ውልቀ ሰብ ይኹን ጉጅለ ምሕዝነት ንዘይምግባር ኣዚና ኽንጥንቀቕ ይግብኣና። ዚበዝሕ ጊዜ፡ እቲ ሕማቕ ባህርይን ልማድን፡ ኣብ መጀመርታ ዕርክነት እትምስርተሉ እዋን ኣይረኣይንዩ። ቀስ እናበለ ዚቕላዕ። ስለ ነቲ ሓቀኛ ምስሉ ብምልኣት ክሳዕ እነስተውዕሎ፡ ናብ ጥቡቕ ዕርክነታዊ ጽምዶ ዘይምእታው ዚምረጽ። ንውሕ ዝበለ ናይ ትዕዝብቲ ጊዜ ኺህልወና ዚግባእ።

ሰብ ኵሉ ጊዜ ተለዋዋጢ ስለ ዝዀነ፡ ጽቡቕ ዝጸንሐ ዕርክነትና ሕማቕ መኣዝን ኪሕዝውን ይኽእልዩ። ንኸነቕንዖ እቲ ዚግባእ ጻዕሪ ድሕሪ ምግባርና ከይሰለጠና ምስ ዚተርፍ፡ ካብ ሓደገኛ ጽምዶ ርእስና ኸነድሕን ይግብኣናዩ። ምኽንያቱ ሕማቕ ባህርይን ልማድን ልክዕ ከም ሕማም፡ ተላጋቢ ወይ ለበዳዊ መልክዕ ኣለዎ። ኣቦታት ኪምስሉውንመን ምዃንካ ኽነግረካስ ምስ መን ከም እትኸይድ ንገረኒይብሉዮም። እቲ ምኽንያት ከኣ ናይ ሓባር ባህርይ እንተ ዘይህልወና መኻይድቲ ኽንከውን ስለ ዘይንኽእልዩ።

መጽሓፍ ቅዱስከ ብዛዕባ ዕርክነት እንታይ ዚብል፧ ንጉስ ሰለሞን፡ እቲ ጥበበኛ፡ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ገና ኣብ ቐዳማይ ምዕራፍ ብዛዕባ ሕማቕ ዕርክነት ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ወደየ፡ ሓጥኣን እንተ ሓባበሉኻ፡ ሕራይ ኣይትበሎም። ንሳቶምምሳና ንዓ፡ ደም ከነፍስሲ ነድብይ፡ ነቲ ንጹህ ብዘይ ምኽንያት መጻወድያ ነጻውደሉ። ጠሪሶም ናብ ጒድጓድ (ኪወርዱ) ብህይወቶም ከለዉ ከም ሲኦል ኴንና ንውሓጦም፡ ክቡር ገንዘብ ክንረክብ፡ ነባይትና በቲ ዝዘመትናዮ ኽንመልኦ ኢና። ዕጫኻ ምሳና ኣውድቕ፡ ናይ ኵላትና ማሕፉዳ ብሓደ ይኹን እንተ በሉ፡ ወደየ ኣእጋሮምሲ ናብ ክፉእ ይጐይያ፡ ንምፍሳስ ደም ይቕልጥፋየን መኻይዲ መገዶም ኣይትኹን፡ እግርኻስ ካብ መገዶም ደኣ ኸልክል። ....ንሳቶም ንገዛእ ደሞም የድብዩሉ፡ ንገዛእ ነፍሶም ከኣ ውዲት ይገብሩሉ።” ምሳ 110-16,18

በዚ ኣገላልጻ ናይ ንጉስ ሰለሞን መሰረት፡ እዞም ሓጥኣን ዓርኮምን መሻርኽቶምን ኪኸውን ዚሓባብልዎ ዘለዉ ሰብ፡ ካብኣቶም ዝተፈልየ ንጹህን ጥዑይን ሰብዩ። ንሰብ ቀቲልካ ናይ ምዝማት ረብሓ ኣወዓዊዖም በቲ ናቶም ሓጢኣት ኪጸምድዎ፡ ንእኡ ንርእሱ ኣድብዮምሉ ኣለዉ። እዚ ዕርክነት ረብሓ ዝመሰረቱ ዕርክነትዩ። ከም ዝበለ ናይ ረብሓ-ዓመጻ ዕድመ ዚቐርበልና ሓያሎ ሰባት ክንህልው ንኽእል ኢና። ኬርብሑና ዝደለዩ መሲሎም ኣብ ዘይሕጋዊ መጻወድያ ኼእትዉና ዚፍትኑ ሰባት ኣለዉ። ዋላ ቕትለት ዘይተሓወሶ ይኹን፡ ናብ ስርቂ፡ ናብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ዚደፍኡናን ዜተባብዑናን ሰባት ኪህልዉ ይኽእሉዮም።

ንጉስ ሰለሞን ደጊሙ ዝሃበና ሓያሎ ምኽርታት ኣሎ።

መገዱ ኸይትመሃር ንነፍስኻ ከይተፈንጥረላ፡ ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሓዞ፡ ምስ ተቘጣዒ ኸኣ ኣይትኺድ።” ምሳ 2224,25

ንመላገጺ ስጐጎሞ፡ ቘየቛ ኺወጽእዩ፡ ባእስን ጸርፍን ከኣ ኪውዳእዩ።” ምሳ 2210

ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ፡ ድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን (የድክይ) እዩሞ፡ ኣብ ማእከል ሰተይቲ ወይኒ (ስኽራማት) ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን። ምሳ 2320-21

ወደየ፡ ንእግዚአብሔርን ንንጉስን ፍርሃዮም፡ ምስ ዓለወኛታት ኣይትጸምበር።” ምሳ 2421

እዚ ወርቃዊ ምዕዶን ትእዛዝንዚ፡ ናይ ባህርይን ናይ ልማድን ጸገም ምስ ዘለዎም ሰባት ዕርክነትን ሕብረትን ከይንገብር ዜጠንቅቐናዩ። ዓርከ መሓዛ ኸቢድ ናይ ምጽላው ዓቕሚ ስለ ዘለዎም፡ ዘይነበረና ባህርይ ኪምህሩናን ኬውርሱናን ይኽእሉዮም። ስለ ኸኣ ምስ ኰራይ ሰብ ከይንመሓዞ ምኽሪ ዝተዋህበና። ዳርጋ ኵላትና ብዕርክነት ወይ ምሕዝነት ስለ ንሓልፍ ባህርይ ናይ ዓርከ መሓዛ ብኸመይ ከም ዚጸልውን ከም ዚሰርጽን ብተመክሮ ንፈልጦ ኢና። ካብ ብተፈጥሮ ሒዝናዮ እንውለድ ባህርይ፡ እቲ ብልምምድ (ብታዕሊም) እነጥርዮ ባህሪ ይበዝሕን ይሕይልን። ስለ እቲ ጽቡቕ ልማድ ኬጥርይን ኪዕቅብን ዚደልይ ሰብ፡ ንኸምኡ ዚሕግዙን ዜተባብዑን ኣዕሩኽን መሓዙትን ኪመርጽ ከም ዚግብኦ ርዱእዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ሓሳብ ንጹር ትእዛዝ ሂቡናሎ።

““ምስ ኣመንዝራታት ኣይትጸምበሩኢለ ኣብ ደብዳቤይ ጽሒፈልኩም ኣለኹ። ግናኸምስ ኣመንዝራታት ዓለምዚኣ ወይስ ምስ ስሱዓትን ዘረፍትን ወይ ምስ መምለኽቲ ጣኦትኢለ ኣይኰንኩን ዝጸሓፍኩ። እንተ ዘይኰነ ኻብ ዓለምዚኣ ኽትወጹ ምተገብኣኩም ነይሩ። ሕጂ ግና ምስ ሓደሓው” (ክርስትያን) ዚብሃል ኣመንዝራ፡ ስሱዕ፡ መምለኽ ጣኦት፡ ተጻራፊ፡ ሰካር ወይ ዘራፊ እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ ኸይትጽምበሩ፡ ምስ ኸም ዝበለ (ሰብ) ከቶ ኸይትበልዑ ጽሒፈልኩም ኣለኹ። .....ነቲ እኩይ (ሰብ) ካባኻትኩም ኣርሕቕዎ። 1ቈረ 59-11,13

ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንስኻትኩም ግና ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ። ሓደ ነቲ በዛ ደብዳቤዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተሎ፡ ኣለልይዎ፡ ምእንቲ ኺሓፍር ከኣ ምስኡ ኣይትሕበሩ። ግናኸ ኸም ሓው ደኣ ምዓድዎምበር፡ ከም ጸላኢ ኣይትቚጸርዎ። 2ተሰ 313-15 (. + .)

እዚ ሃዋርያዊ ትእዛዝን ምዕዶን ኣዝዩ ሓያል ምዃኑ ኽንግንዘቦ ይግባእ። ስለ ምስ ዘጓነፈካ ዅሉ ሰብ ክትሓብርን ዓርከ-መሓዛ ኽትከውንን ግቡእ ኣይኰነን። ምስ ኣመንዝራ ሰብ ዕርክነት ንምስርት እንተሊና፡ ነቲ ሓጥእ ባህርዩ ነጽድቐሉ ኣለና ማለትዩ።ኣመንዝራ ምዃንካ ንኣምላኽምበር ንኣይ ዋላ ሓንቲ ኣይኰነን። ገና ምስ ጽያፍካ ከለኻ እፈትወካን አኽብረካንየ። ምሳኻ ብምዃነይ እሕጐስን ክብረት ይስምዓንንዚብል መልእኽቲ ኢኻ እተመሓላልፍ። ንርእስና ኣብ ሓደጋ ነእትው ምህላውና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ሰብውን ብሓጢኣቱ ኺሓፍርን ኪንሳሕን ኣብ ክንዲ ንድግፎ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ሓጢኣቱ ኺጸንዕ ነተባብዖ ኢና ዘለና። ብዛዕባ ዅሉ ኻልእ ሓጥእ ባህርያትውን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ኺህልወና ዚግባእ። ብዛዕባ ሕብረትን ዕርክነትን ኣመልኪቱ ካብ ኢሳ 5211 ብምጥቃስ፡ ደጊሙ ኸም ዚስዕብ ብምባል ጽሒፉልና ኣሎ።

ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ጽድቅን ሓጢኣትንከ ኣበይ ይራኸቡ፧ ወይ ከኣ ብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣለዎ፧ ክርስቶስ ምስ ድያብሎስ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ፧ ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ሕብረት ኣለዎ፧ መቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ፧ ኣምላኽ፡ምስኣቶም ክነብር፡ ኣብ መንጎኦምውን ክመላለስየ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውንየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑዮም፡ከም ዝበለ፡ ንሕና ቤት መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና።ስለ ካብ ማእከሎም ውጹ፡ ከምኡውን ተፈለዩይብል እግዚአብሔር....” 2ቈረ 614-17 .

ስለ ምስ ዝዀነ ውልቀ ሰብ ይኹን ጕጅለ ዕርክነት ወይ ሕብረት ቅድሚ ምምስራትና፡ ብመንጽር እምነት፡ ባህርይ፡ ልማድ ወዘተ ኣጸቢቕና ኽንምርምሮ ይግብኣና። ዋላ ነቲ ናቱ ባህርይን ልማድን እምነትን ኣይንውረሶ፡ እቲ ምስኡ ምሕባርና ጥራሕ ሓጢኣት ኪቚጸረልናዩ። ነብዪ ኣሳፍ ኣብ መዝሙሩ ነዚ ሓቂ ገሊጹልና ኣሎ።

ንረሲእ ግና ኣምላኽ ይብሎ፡ኣታ ተግሳጸይ እትጸልእ፡ ቃላተይውን ንድሕሬኻ እትድርብስ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ስርዓታተይ እትነግር፧ ንኺዳነይውን ብኣፍካ እተውስኦ፧ ሰራቒ ምስ ረኣኻ ምስኡ ሓበርካ፡ ክፍልኻውን ምስ ኣመንዝራታት ነበረ። .....” መዝ 5016-18

እዚ ኽፍልን ሕብረትን ንግብራውን ምሕዝነታውን ሕብረት ንኽልቲኡ ኼጠቓልል ዚኽእልዩ። ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፡ ንኣምላኽ ኣዝዩ ዘሐጐሶ ጻድቕ ሰብ ዝነበረ። እንተ ዀነ ምስ ርእሱ ንሓጢኣት ዝሸጠ ንጉስ ኣከኣብ ምሕዝነት ገበረ። እግዚአብሔር ከኣ ብነብዪ ገይሩ ገንሖ። በዚ ኸይተኣረመ ድማ ምስ ኸም ኣቦኡ ረሲእ ዝዀነ ንጉስ ኣሓዝያ (ወዲ ኣከኣብ) ሓበረ። እግዚአብሔር ከኣ ደጊሙ ገንሖ፡ ነቲ ዅሉ ግብሩ ኣፍሪሱ ድማ ቀሊል ዘይኰነ መቕጻዕቲ ኸም ዝቐጽዖ ቃል እግዚአብሔር ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ግና ብሰላም ናብ ቤቱ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሰ። እቲ ረኣዪ (ነብዪ) የሁ ወዲ ሓናኒ ኸኣ ኪራኸቦ ወጸ። ንንጉስ ዮሳፋጥ ድማ በሎንረሲእዶ ኽትሕግዞ፡ ነቶም ንእግዚአብሔር ዚጸልእዎስ ኽትፈትዎም ኢኻ፧ በዚ (ግብርኻ) ካብ ቅድሚ እግዚአብሔር፡ ኵራ ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ።....” 2ዜና 191,2

ድሕሪ ግና ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፡ ምስ ረሲእነት ዝግብሩ ኣሓዝያ ንጉስ እስራኤል (ወዲ ኣከኣብ) ተሓባበረ። ንተርሲስ ዚኸዳ መራኽብ ኪሰርሑ ምስኡ ሓበረ። ሽዑ (ነብዪ) ኤሊዔዘር . . . ኣብ ልዕሊ ዮሳፋጥ፡ምስ ኣሓዝያ ስለ ዝሓበርካ፡ እግዚአብሔር ድማ ነቲ ስራሕካ ኬፍርሶኢሉ ተነበየሉ። እተን መራኽብ ከኣ ተሰብራሞ፡ ንተርሲስ ኪኸዳ ኣይከኣላን።” 2ዜና 2035-37

እዚ ኽልተ ኣብነታት እግዚአብሔር ንሕማቕ ዕርክነት ማዕረ ኽንደይ ከም ዚሓዝነሉን ከም ዚፈርዶን ዜረጋግጸልናዩ። ስለዚ፡ደስ ኢሉኒ፡ ፈትየዮኢልካ ምስ ዝገጠመካን ዝመሰለካን ሰብ ምሕዝነት ምግባር፡ ዕሽነታዊ ስጒምቲ ምዃኑ ኸነስተውዕል ይግባእ። ነቲ ናይ ኣዕሩኽትኻ ባህርይን ልማድን ስለ ዝወረስካዮ ጥራሕ ኣይኰነን ፍርዲ ዜስዕበልካ። እቲ ምሳታቶም ሕብረት ምግባርካ ጥራሕ እኹል በደልዩ። ዮሳፋጥ ምስቶም ንሓጢኣት ዝተሸጡ ኣከኣብን ኣሓዝያን ኰይኑ ሓጢኣት ኣይገበረን። ዋኒን (ቢዝነስ)’ ዜካይድ ነይሩ። እግዚአብሔር ግን ጒህይሉስ ክልተ ሳዕ ገኒሕዎ፡ ነቲ ዝሰርሖ ስራሕ ድማ ኣፍሪሱሉ። ሕሉፍ ሓሊፍዎ ንበዅሪ ወዱ ምስ ጓል ኣከኣብ ኣመርዕዩ፡ ንመንግስቱን ንህዝቡን ናብ ኣምልኾ ጣኦት ዚኣትዉሉ መገዲ ጸረገ። እግዚአብሔር ከኣ ንወዱ ብዜሰክሕ ሕማም ቀዚፉ ንህዝቢ እስራኤልውን ንዘመተ ኣሕሊፉ ሃበ (2ዜና 211-20) እዚ ዅሉ፡ ውጽኢት ናይ ሕማቕ ዕርክነትዩ። ስለ እግዚአብሔር ንዕርክነትናን ምሕዝነትናን ኣዝዩ ዚግደሰሉ። ንእኡ ዜኽብር ምርጫ ኽንገብር ድማ ልዑል ትጽቢት ይገብረልናዩ። ስለ ኸም ቅዱስ ዳዊት፦

ኣነ ብጻይ ናይቶም ዚፈርሁኻ ኵሎምን ትእዛዛትካ ዚሕልውንየ።ዚብል ቅዱስ ምርጫ ኸነልዕል ይጽበየናን ይእዝዘናን (መዝ 11963) ቅዱስ ዳዊት ነዚ ውሳነኡ ብግብሪ ኸም ዝተግበሮ፦

ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን፡ ምስ ኣምሰሉታትውን ኣይከድኩን። ንማሕበር እኩያት እጸልኣ፡ ምስ ረሲኣንውን ኣይቅመጥንየየ።

ነቲ ንብጻዩ ብሕቡእ ዚሓምይ አጥፍኦ፡ ነቲ ዕቡይ ዓይንን ኵሩዕ ልብን ዘለዎ ኣይዕገሶንየ። ....ተንኰል ዚገብር ኣብ ውሽጢ ቤተይ ኣይነብርን፡ ሓሶት ዚዛረብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ (ኣይቀውምን)’ዩ።” ብምባል ኣረጋጊጹ ኣሎ (መዝ 264,5 1015,7)

እዚ ናይ ዕርክነት ኣርእስቲ ኺለዓል ከሎ፡ ዚበዝሕ ጊዜ ናይ መንእሰያት ጸገም ከም ዝዀነ ጌርና ጥራሕ ኢና እንወስዶ። ብርግጽ ዕርክነት ኣብ ጊዜ ቚልዕነትን ንእስነትን ከም ዚጅመር ዘይከሓድዩ። ናይ ኣብ ጊዜ ንእስነት ዝተተኽለ ሕማቕ ዕርክነት ፍረ ግና፡ ኣብ ዕብየት ዚገሃድን ዚዕጸድን። ብሰሪ ዓርከ መሓዛ ዝተጠርየ ሕማቕ ወልፍታት፡ ልማዳት፡ ባህርያት ምሳና ኣሪጎም ክሳዕ መቓብርዮም ዜፋንውና። ንሕና ድማ ንደቅና ነውርሶም። ብኸም ሰንሰለታዊ መልክዕ ሒዙ ንወለዶታት ይቕጽል። ስለ እዚ ናይ ሕማቕ ዕርክነት ነገር፡ ዕድመ፡ ጾታ፡ ደረጃ ትምህርትን ቊጠባን፡ ማሕበራዊ ደረጃ ኸይፈለየ፡ ንዅሉ ዜጥቅዕ ምዃኑ ኣስተውዒልና፡ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ኰነ ናይ ስድራ ቤት ሓላፍነት ዘሎና ወለዲ ዅላትና፡ ኣብ ገዛእ ህይወትና ዀነ ኣብ ህይወት ናይ ሓላፍነቱ ዝወሰድና ስድራ ቤትን መጓሰን ብዙሕ ክንዋግኦን ከነሕውዮን ይግባእ። እሾዅ ዘሪእካስ ወይኒ ኽትቅንጥብ ኣይከኣልንዩ። ሕማቕ ዕርክነት ተኺልካ ድማ ጽቡቕ ልማድን ባህርይን ኪህልወካ ምጽባይ ከንቱ ትጽቢትዩ። ሕምየት፡ ላግጺ፡ ምክፋእ ልግሚ፡ ትህኪት፡ ስሰዐ (ናይ ገንዘብ፡ መስተ፡ ብልዒ) ዝሙት፡ ምንዝርና፡ ቊጥዓ (ኵራ) ብኽነት (ናይ ጊዜ፡ ገንዘብ ወዘተ) ፍቕሪ ተድላ (Pleasure) ርእሰ-ፍትወት፡ ጽልኢ፡ ሻራ፡ ጸርፊ፡ ቅልለት ወዘተ ሕማቕ ዕርክነት ዚዘርኦምን ዜዕብዮምን ባህርያትዮም። ስለ እዚ ኽፉእ ባህርያት ኻብ ዚዝውተረሉ ናይ ሕማቕ ዕርክነት ጽምዶ ኣምሊጥና፡ ኣብ ጽድቅን ቅድስናን ዝመለለዪኡ ጽቡቕ ዕርክነት ክንዕቈብ ይግብኣና። ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት (ኣባላት ስድራና፡ ቤተ ክርስቲያንና ወዘተ) ብምስትውዓል ይኹን ብዘይ ምስትውዓል፡ ኣብ ታኼላ ሕማቕ ዕርክነት ኪወሓጡ ምስ እንርእይ፡ ብጸሎትን ብምኽርን ብግብራዊ ስጒምትን ክንብጀዎም ይግብኣና። ዝዀነ ይኹን ካህን፡ ኣበ-ነፍሲ ዀይኑ ናይ ዝሓዞም ስድራ ቤታት ዕርክነት ኪሓትተሉን ኪከታተሎን ኬማእዝኖን ይግባእ። ኣበልገን እመልገንውን ናይቶም ብልግነት ዝሓዝዎም ደቂ፡ ወለዲ ናይቶም ዝወለድዎምን ናይ ሰብ ኪዳኖምን ዕርክነት/ምሕዝነት ኪግደሱሉ፡ ኪፍትሽዎ ዀነ ኼማእዝንዎ ኪዝንጋዕ ዘይግብኦ ሓላፍነቶምዩ። እምበኣር ናይ ሕሉፍን ህሉውን ምሕዝነትና ፍረን ሓድግታቱን ክንምርምር፡ ካብ ማእሰርቲ ሕማቕ ዕርክነት ኣምሊጥና፡ ኣብ ጽላል ጽቡቕ ዕርክነት ኣጽሊልና ምህላውና ኸነረጋግጽ ይግባእ።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ሰነ ፳፮, ፳፻፲፬  ግዕዝ (10 ሓምለ 2022 ).[መበል 44 ሰንበት: ቊ.63/፷፫]፶]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ

ዲያቆን

ንፍ ዲያቆን

ንፍ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

1ቈረ 15፡31-44 2ጴጥ 2፡17-ፍጻመ ግብ 14፡8-18  ዮሃ 13፡1-12 ዘእግዚእነ

መዝ ፷፬(፷፭)፡፲,፲፩

“አርውዮ ለትለሚሃ። ወአሥምሮ ለማእረራ። ወበነጠብጣብከ ትበቍል ተፈሢሐ።”

“ንነግሕታታ ተስትዮ፡ ንድንኵላታ ትምድምዶ፡ ብዝናም ተለምልማ፡ ንብቚላ ትባርኾ። ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ፡ ኣሰርካ ስብሒ የንጠብጥ።”

 

 

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div