S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብግዲ ኽንገሃድ ኢና [መበል 38 ሰንበት: ቊ.50/፶]

ነፍሲ ወከፍ ነቲ ብስጋኡ (ብህይወት) ከሎ ዝገበሮ፡ ሰናይ ኰነ ወይስ እከይ (ግብሪ) ምእንቲ ኪቕበል ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንገሃድ ኢና። ስለ ድማ ኣብ ስፍራና እንተሊና ወይስ ኣብ ወጻኢ (ብህይወት እንተሊና ወይስ እንተ ሞትና) ንእኡ ኸነሐጒሶ ንጽዕት ኣለና።” 2ቈረ 59,10

እዚ ሰንበት ኻብ ትንሳኤ ሻድሻይ ሰንበትዩ። ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ነዚ ዕለት ተመዲቦምልና ኻብ ዘለዉ ንባባት ሓደ ኸኣ፡ እዚ ናይ ዕለት ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን ዝሓዘ ብሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝተጻሕፈ፡ ናይ 2ቈረ 51-10 ንባብዩ። እዚ ንባብ ኣብ ቐዳማይ ፍርቂ ኽፋሉ፡ ብዛዕባ ብኢድ ኣምላኽ ተሃኒጻ ተዳልያትልና ዘላ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ኣበሲሩና ኣሎ። ናብኣ ምእታው ግን ብፍርድን ብፍትሕንምበር፡ ስቕ ኢልካ ብሃውሪ ዚርከብ ኣይኰነን። ስለ ኸኣዩ፡ ንፍተው ንጽላእ፡ ብግዲ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ክንቀርብ ምዃንና ዚንገረና ዘሎ። ገለ ገለ የዋሃት ሰባት፡ እዚ ናይ ፍርዲ ኣርእስቲ፡ ሰበኽቲ ሰዓብቲ ምእንቲ ኺረኽቡ ዜዘውትርዎ ናይ ምፍርራህ ድራማ ገይሮም ይሓስብዎዮም። እዚ ኣተሓሳስባካብ ኣእምሮ ናይ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ ዚወጽእኢልካ ኽትሓስቦ ኣዝዩ ዜጸግምዩ። ሰይጣን ነእምሮኡ ዘጸልመቶ ሰብ ግን፡ ካብ ዚኸፍእ እንተ ሓሰበን እንተ ተዛረበንውን ፈጺሙ ኼገርመና ኣይግብኦንዩ። ምኽንያቱ፡ እናተነግረካ ኸሎ ብዛዕባ ፍርዲ ምሽክዕላልን ሸለል ምባልን፡ ካብ ዘመን ኖህ ካብ ዘመን ሎጥ ኣትሒዙ ዝተራእየን፡ ከቶ ዘየባትኽ እኩይ ታሪኽ ደቂ ሰብ ኰይኑ ኽሳዕ ሕጂ ዚቕጽል ዘሎንዩ። እዚ ናይ ፍርዲ ኣርእስቲ ነቶም ንህላወ መዓልቲ ፍርዲ ፈትዮም ዝኸሓዱ ሓጥኣን ሰባት፡ ናይ መርድእ ዜናዩ። ነቶም ንመዓልቲ ፍርዲ እናሓሰቡ፡ መገዶም ዘቕንዑን ዘጸበቑን ጻድቃን ግን ዓብይ ብስራትዩ። ምኽንያቱ ነታ ዝተባረኸት መዓልቲቲኣ ስለ ዝናፈቑዮም፡ ንሓጢኣት ኪጽየፉ ዓቕሚ ዝረኸቡ። እዚ ኣርእስቲ ነዚ ዕለት ተመሪጹሉ ዘሎ ምኽንያትምበኣር፡ ካብቶም ብስምባድን ራዕድን ዝሓስብዋ ሰባት ካብ ምዃን ድሒንና፡ ብሃንቀውታን ብምድፍናቕን እንጽበያ ሰባት ምእንቲ ኽንከውንዩ።

ፍርዲ ግና ንምንታይ ኣድለየ፧

መጽሓፍ ቅዱስና፡ ንፍርዲ ኸም ቀውዕን ዓውድን ዚገልጾ (ማቴ 312 1330,39) ቀውዕን ዓውድን ከኣ ናይ ዝዘራእካዮ ፍረ እትሓፍሰሉ ወቕዕዩ። እቲ ዝበተንካዮ ሒደት ዘርኢ፡ ብዕጽፍታት ተኻዕቢቱ ዚምለሰካ እዋንዩ። ሰብ ከኣ ነቲ ኣዝዩ ኺበዝሓሉን ኪረብሓሉን ኬስተማቕሮን ዚደልይ ዘርኢ ዚዘርእ። እቲ ኣብ ዘመን ምድራዊ ህይወትና እንገብሮ ዅሉ ግብሪ፡ ዘርኢዩ። በቚሉ ኻዕበት ኪፈርይ ከኣ ናይ ግድንዩ። ናትካ ዘርእን ፍረ ጻዕርን ስለ ዝዀነ ኸኣ ስቕ ኢልካ ኽትሓድጎ ወይ ንኻልእ ክትህቦ ኣይከኣልንዩ። ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ኺዓጽድ ናይ ግድንዩ። ሕጊ መለኮት ኰነ ሕጊ ሰብ ከምኡ ዚእዝዝ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን፦

ሰብ ነቲ ዚዘርኦ ንእኡ ኺዓጽዶሞ፡ ኣይትጠበሩ፡ ኣምላኽ ኣይዕሾንዩ። እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ፡ ካብ ስጋስ ጥፍኣት ኪዓጽድዩ። እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዓጽድዩ። እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ኽንዓጽድ ኢናሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።

ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ገላ 67-9) ስለ ዝተዘርአ ኺዕጸድ፡ ዝተጠንሰ ኺውለድ ናይ ግድንዩ። ፍርዲ ኸኣ ነቲ ፈቲኻን ተገዲስካን ዝዘራእካዮ ዘርኢ ዜዕጽድን ዜሕቍፍን መስርሕ ፍትሒዩ። ዝዘርኦ ኺዓጽድ፡ ዘይደልይ እቲ ኽፉእ ዝዘርአ ጥራሕዩ። ምኽንያቱ እቲ ኽፍኣቱ ኣብ ምድሪ ተሓቢኡን ተዋሒጡን ዚተርፍ ስለ ዝመስሎዩ፡ ዓይኑ እናረኣየ ዘይዝራእ ዘርኢ ዝዘርአ። ትምኒት እንተ ዘሪእካ ወይ እንተ ጠኒስካ፡ ሓጢኣት ክትዓጽድን ክትወልድን ምዃንካ፡ ሓጢኣት እንተ ዘሪእካ ድማ መወዳእታኡ ሞት ክትዓጽድ ምዃንካ፡ ብግህዶ ዝተነገረና ሓቂዩ። ነብዪ ሆሴእ፦ ንፋስ ይዘርኡለው፡ ህቦብላ ኺዓጽዱዮም። .... ረሲእነት (ዘራእኩም) ኣበሳ ዓጸድኩም፡ ፍረ ሓሶት በላዕኩም።ብምባል ነቲ ሓቂ ገሊጽዎ (ሆሴ 87 1013) ስለ ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ሰናይ ኰነ እኩይ ዘርኢ ምእንቲ ኺዓጽድዩ፡ መዓልቲ ፍርዲ ዝተወሰነ፡ መንበር ፍርዲ ኸኣ ዝተተኽለ። እቶም ንሕጊ ዘርእን ዓጺድን ከም ዚግባእ ዘስተውዓልዎ ሰባት፡ ብዛዕባ ዚዘርእዎ ዘርኢ ኣዝዮም ይጥንቀቑ። ነታ ናይ መወዳእታ ናይ ዓጺድን ዓውድን መዓልቲ ብዓይኒ እምነት የማዕድዉዋሞ፡ ብዙሕን ጽቡቕን ፍርያት ምእንቲ ኺሓፍሱ፡ ሎሚ ኣብ ምድሪ ኸለው እንታይ ኪዘርኡ ኸም ዚግብኦም ኣጸቢቖም ይፈልጡ። እቲ ዚዘርእዎ ዘርኢ-ሰናይ ግብሪ ኣብ ዚዘርኡሉ እዋን ክብድ ዝበለ ዋጋን መስዋእትነትን ከም ዜኽፍሎም ብንጹር ፈሊጦም ዋጋኦም ተሚኖምዮም ዚዘርኡ።

ንዘርእና ብኸመይ ኢና እንመርጾ፧ መንከ ነቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚፈልጦን ዚመርጾን፧

ነዚ ሕቶ እቲ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ገላ 67,8 ጥቕሲ ከም ዚግባእ መሊስዎ ኣሎ። ንመን ኢልና ኸም እንነብር፡ ማለት ንስጋ ወይ ንመንፈስና ኢልና እንነብር ምዃንዩ፡ ንምርጫና ዚውስኖ። እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚነብር ሰብ፡ ንዅለንተን ንስጋ ዜሐጒሳ ጥራሕ ዚመርጽን ዚዘርእን። ንስጋኡ ኢሉ ዚነብር ሰብ ምንዝርናምበር፡ ቅድስና ኺመርጽ ፈጺሙ ኣይክእልንዩ። ንዅላቶምቶምግብሪ-ስጋዝተሰምዩ ግብርታት ጥራሕ ዚመርጽ (ገላ 519-21 ሮሜ 128-32 1ቈረ 69,10 1ጢሞ 19,10 2ጢሞ 31-9 ራእ 218 2215) ሓሳብ ስጋ ብዘይካ ሞት ካልእ ኬዕጽድ ስለ ዘይክእል፡ ብፍርዲ ዚርከብ ዓስቢ ናይ ዝተዘርአ ግብሪ-ስጋ፡ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ዚኸውን። ግብሪ ስጋ ዚገብር ሰብ ኣብ መንፈሳዊ ዑረት ስለ ዘሎ፡ ናይ መወዳእታ ፍረ ናይ ኽፉእ ምርጫኡ ኺፈልጦ ኣይክእልንዩ።

ብኣንጻሩ እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና፡ ፍረ-መንፈስ ዚዘርእ። ነዚ ዜምርጾ ዘሎ ኸኣ፡ ኣብታ መዓልቲ ፍርዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዜዕጽድ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠዩ። ብዘይካ ዘለኣለማዊ ህይወትን ክብርን ካልእ ስለ ዘይደልይ፡ ንዅሉ ናይ ስጋ ረብሓታት፡ ህይወቱውን ከይተረፈ፡ ኪስውእ ፍቓደኛዩ። ምኽንያቱ ነዘን 80 ዘይመልኣ፡ ክብረተን ጻዕርን መከራን ዝዀነ ዓመታቱኼስተማቕርኪብል፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ናብራኡ ዜበላሽው ዓሻ ሰብ ኣይኰነን። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ብዛዕባ ዚወሃብ ብይን ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

“. . . ሃብቲ ሕያውነቱን ትዕግስቱን ዓቕሉንዶ ትንዕቕ ኣሎኻ፧ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኺመርሓካ ኸም ዚኽእልዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ ግናኸ ብትርኻን ብሰሪ ምንሳሕ ዝኣበየ ልብኻን፡ በታ ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ ዚወርደላ መዓልቲ ቝጥዓ። ንርእስኻ መቕዘፍቲ ትእክብ ኣለኻ። ከመይ እግዚአብሔር ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮዩ። ነቶም ሰናይ እናገበሩ ግርማን ክብርን ዘይሙማትን ብትዕግስቲ ዚምነዩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦምዩ። ነቶም ንዓመጻምበር፡ ንሓቂ ዘይእዘዙ ፈተውቲ ርእሶም ግና ቊጥዓን መዓትን ኪወርዶምዩ።  እከይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ሰብ፡ ስቓይን ጸበባን ኪወርዶዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንግሪኻዊ። ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሃቦዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንግሪኻዊ። ከመይ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ የልቦን።ሮሜ 24-11 .

ፍርዲ ኣምላኽ፡ ናብ ናይ ምርጫኻ መዓልቦ ዜብጽሕ፡ ኣዝዩ ተበሃጊ ግብሪ-ኣምላኽዩ። ሞትን መቓብርን፡ ካብ ዝመረጽናዮ ናብራን ቅዲ ህይወትን ዚፈልዩናን ዜትርፉናን ጸላእትናዮም። ፍርዲ ኣምላኽ ግን ካብዞም ዓንቀፍትና ኺገላግለናዩ። እታ መዓልቲ ምስ ኣኸለትሞ፡ ጐይታና ምስ ጭፍራ መላእኽቱ ምስ ተገልጸ፡ ካብ ድቃስ-ሞት ተበራቢርና፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ብግዲ ኽንገሃድ ኢና። በቲ ሽዑ ዚወሃበና ፍርዲ ኸኣ፡ ናብ ናይ ምርጫና ዘለኣለማዊ ጫፍ ክንከይድ ኢና። ምርጫና፡ ክልተ ጫፍ ዘለዎ። እቲ ቐዳማይ ጫፉ እቲ ኣብ ምድሪ እንነብሮ ዓይነት ናብራዩ። እቲ ኻልኣይን ናይ መወዳእታን ጫፉ ግን፡ እቲ ድሕሪ ትንሳኤ ሙታን ዚገሃድ ዘለኣለማዊ ናብራናዩ። እቲ ምድራዊ ጫፉ ናይ ናብራና፡ ሓጢኣትን ርኽሰትን እንተ ዀይኑ፡ እቲ ዘለኣለማዊ ጫፉ ድማ ሲኦልን ገሃነምን (ራእ 218 2215) እቲ ምድራዊ ጫፍ ናይ ናብራና ጽድቅን ቅድስናን እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ እቲ ዘለኣለማዊ ጫፍ ኣብ መንግስተ ሰማያት ብዘለኣለማዊ ህይወትን ብዘለኣለማዊ ክብርን ምንባርዩ። ስለ እቲ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ብግዲ ምግሃድና፡ እግዚአብሔር ብፍትሓውነቱ ዝመደበልና ዓብይ ክብሪዩ። እቶም ክብረቶም ኣብ ነውሮም ኪገብሩ ዝመረጹ ሰባትውን ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ናይ ምርጫኦም ስለ ዝበጽሑ ኪሕጐሱ ምተገብአ ነይሩ። ንሓጐስ ዚኸውን ምርጫ ስለ ዘየልዓሉ ግን፡ ነቲ ናይ ሞትን ስቓይን ምርጫኦም ብዘይ ደረት ንዘለኣለም ኬስተማቕርዎዮም።

መን ዚፈርድ ኣካል፧

ጐይታና ባዕሉ ኸም ዝገለጾ፡ ንሱ ባዕሉ ዚፈርድ። ነቲ ኣብ ቅድስት ስላሴ ዘሎ ሓድነትን ምክብባርን ምእንቲ ኼርእየና፡ እግዚአብሔር ኣቦ ዅሉ ፍርዲ ንወዱ ዝሃበሉ ምኽንያት ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

ኣቦ ንሓደ ኣይፈርድንዩ፡ እንተ ዀነ ዅሉ ፍርዲ ንወልድ ሃቦ። እዚ ኸኣ ከም ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ፡ ኵሉ ሰብ ንወልድ ምእንቲ ኬኽብሮዩ። እቲ ንወልድ ዘየኽብሮ፡ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮንዩ። ....  ወዲ ሰብ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኪፈርድ ስልጣን ሃቦ።ዮሃ 522,23,27 .

ወዲ ሰብ ብኽብሩ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኽመጽእሞ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽህቦዩ።ማቴ 1627

ጐይታና፡ ኣብ መወዳእታ ንዓለም ዚፈርድ ንሱ ምዃኑ፡ ኣብ ዝተጠቕሰ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ካልእ ብዙሕ ክፍልታት ወንጌልውን ገሊጹ ኣሎ (ማቴ 2430-33) እቲ ዚፈርድ ንሱ ምዃኑ ቕዱሳት ሃዋርያትውን ደጋጊሞም ኣረጋጊጾምልናዮም (ሮሜ 26) ንኣብነት ዚኣክል፡ ነዚ ዚስዕብ ክንጠቅስ ንኽእል ኢና።

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ንምዉታትን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ ኢየሱስን ብምጽኣቱ ብመንግስቱን ከም ዚስዕብ ክትገብር አማሕጽነካ ኣሎኹ።” 2ጢሞ 41 .

ብደረጃ ትምህርታዊ ጽሑፍ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብግሁድ ራእይውን ፈራዲ ንሱ በይኑ ምዃኑ ንሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ተገሊጹሉዩ። እቲ ንሱ ዝጸሓፎራእይ ዮሃንስከኣ፡ ነዚ ቕሉዕ ራእይዚ፡ ብስእላዊ ጥበብ ንኣናውን ኪረኣየና ኸም ዚኽእል ገይሩ ኣስፊሩልና ኣሎ።

ብድሕሪ እዚ ዓብይ ጻዕዳ ዝፋንን ነቲ ኣብኡ ዝተቐመጠን ረኣኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሃደሙ። ኣሰር ዘይብሎምውን ጠፍኡ። ምዉታት ድማ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ረኣኹ። መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ። መጽሓፍ ህይወት ዝዀነ ካልእ መጽሓፍውን ተገንጸለ። እቶም ምዉታት ድማ፡ከምቲ ኣብ መጻሕፍቲ ተጻሒፉ ዝጸንሐ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ሃበት። ሞትን ሲኦልንውን ኣብኣቶም ዘለዉ ምዉታት ሃቡ። ነፍስ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።ራእ 2011-13 .

እቲ ምስ እግዚአብሔር ኣቦኡ ምእንቲ ኺዓርቀና፡ ስጋና ብምልባስ ንኣና ዝመሰለ፡ ብዘይካ ሓጢኣት ካልእ ኵሉ ድኻምና ዝተኻፈለ፡ ገንሸል ኣምላኽን ፍጹም ሊቀ ካህናትን ኰይኑ ዝዓረቐና ጐይታ፡ ፈራዲና ዀይኑ ኣብ ዓብይን ጻዕዳን ዝፋን ዚጸንሓና ምዃኑ ንኣና ዓብይ ክብርን ሓለፋንዩ። ምኽንያቱ ንሱ ንዅሉ ድኻም ስጋና ስለ ዝተኻፈሎ ብዓይኒ ምሕረት ዚርእየናን ድኻምና ዚርድኣልናንዩ። ነቶም ንእኡ ብምፍራህ ዝተመላለስና ቕዱሳኑ፡ ጽድቅና ናብ መንግስቱ ኽንኣትው ዘየብቅዓና እንተ ዀነ፡ ጽድቁ ኼልብሰናን ንመንግስቱ ኼብቅዓናንዩ። ዋላ ጻድቕን ፍጹምን ሰብኳ፡ ነዛ መንግስቱዚኣ ብምሕረቱ ጥራሕ ዚበቕዓ። ነቶም ኣብ ምድሪ ንደሙ ረጊጾም ብዘይ ንስሓ ዝሞቱ ረሲኣን ግን እዚ ምሕረት ፈጺሙ ኣይምልከቶምንዩ። ነቶም ብደሙ ዝተዓደግና ግን፡ እቲ ዘድሓነና ገንሸል፡ እቲ ዝተዓርቀናን ዘተዓረቐናን ሊቀ ካህናት፡ ጻድቕ ፈራዲ ዀይኑ ዚጽበየና ምዃኑ ፍሉይ ክብርናዩ።

ነቲ ናብ ህይወት-ዘለኣለም ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናተጸበኹም ከኣ፡ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ።ይሁ 121

ፍልጠት ሓቂ ምስ ተቐበልና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ደጊም ምእንቲ ሓጢኣት ዚቐርብ መስዋእቲ የልቦን። ኣብ ክንድኡ ግና፡ ፍርድን ነቶም ንኣምላኽ ዚጻረሩ ዚበልዕ ብርቱዕ ሓውን ኢና ብራዕዲ እንጽበይ። እቲ ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብቓል ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ብዘይ ድንጋጽ ዚመውት። ንወዲ ኣምላኽ ዝነዓቐ፡ ነቲ ዝተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሰ፡ ነቲ ጸጋ ዚህብ መንፈስውን ዝጸረፈ ግደ፡ ክንደይ ዝገደደ ቅጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም፧ ከመይ ንሕና ነቲ፡ <ምፍዳይ ሕነ ናተይዩ፡ ኣነ ሕነ ኽፈድይ> ዝበለ፡ ደጊሙ ኸኣ፡ <እግዚአብሔር ንህዝቡ ኺፈርዶ> ዝበለ፡ ንፈልጦ ኢና። ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዜስካሕክሕዩ።እብ 1026-31 .

ብኸመይ ኺፈርድ፧ ኣቐዲምና ጠቒስና ኸም ዝጸናሕና (ኣብ ራእ 2011-13) ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ግብርና መሰረት ዝገበረዩ። ንመብዛሕትኡ ሰብ እዚ ኣበሃህላ ኣዝዩ ዜርዕዶ። ብዙሓት ሰባት ከኣ፡ብግብርና ዘይንጸድቕን ዘይንድሕንን እንተ ዄንና፡ ንምንታይ ብግብርና ንፍረድ፧ዚብል የዋህ ሕቶ ኺሓትቱ ይስምዑዮም። እዚ ሕቶ ዓሚቝ ናይ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ዚሓትት ስለ ዝዀነ፡ ብሓጺር ዓንቀጽ (pragraph) ክትገልጾ ኣይከኣልንዩ። እንተ ዀነ፡ ብግብርና ደኣ ኣይንድሓንምበር፡ ምእንቲ ኽንገብር ከም ዝደሓንና ኽንዝንግዖ ግን ኣይግባእንዩ። ምዉት ግብሪ (ሓጢኣት)’ ንሞትናን ጥፍኣትን ዝመጠወና። ብመስዋእቲ ክርስቶስ ኣሚንና ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ተቐዲስና ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ካብ ዝዀንናሉ እዋን ንደሓር ግን፡ ህያው ግብሪ (ግብሪ ጽድቂ)’ምበር፡ ምዉት ግብሪ (ግብሪ ዓመጻ) ኸነዘውትር ኣይግባእንዩ። እሾዅን ተዀርባን፡ ናይ ወይኒ ፍረ ኼፍርይ ኣይክእልንዩ። ወይኒ ኼፍርይ እንተ ዀይኑ፡ ቅድም ናብ ተኽሊ ወይኒ ኺልወጥ ኣለዎ። ናብ ተኽሊ ወይኒ ድሕሪ ምልዋጡ፡ እሾዅን ተዀርባን ናብ ምፍራይ እንተ ተመሊሱ፡ ወይውን ኪልከፍ ዘይክእል ካብ ዕረ ዚመርር ወይኒ ኼፍርይ እንተ ጀሚሩ ግን፡ ነቲ ኣብኡ ዝተገብረ ዓብይ ለውጢ ደርብዩ ንድሕሪት ተመሊሱ ማለትዩ። ፍረኻን ግብርኻን ምእንቲ ኺልወጥ፡ ወዲ ኣምላኽ ከቢድ ዋጋ ኸፊሉልካ ኼብቅዕ፡ ብደሙ ድሕሪ ምድሓንካ እንደገና ናይ ሞት ፍረ ትፈርይ እንተ ዄንካ፡ ንነገርካ ባዕልኻ ኣበላሺኻዮ ኣለኻ። ግብርኻን ፍሬኻን ንኺልውጥ ንዝተኸፍለ መስዋእቲ ትረግጾን ተርክሶን ስለ ዘለኻ፡ ናይ ግድን ብግብርኻ ኢኻ እትፍረድ። እቲ ብእምነት ዝተኻፈልናዮ ምስጢራት ከም ዘድሓነና ርግጸኛታት እንኸውን፡ ህይወትናን ግብርናን ከም ዝተለወጠ ምስ እነረጋግጽ ጥራሕዩ። ስለ ኸኣ ጐይታና ንእምነትና ዘይኰነ ንግብርና ዚፈርድ። ጐይታና ባዕሉውን፦

ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእሞ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮዩ።” ኢሉና (ማቴ 1627 .) እዚ ኸኣ ካብ ብሉይ ኪዳን ኣትሒዙ ዝተገልጸ፡ ከቶ ዘይልወጥ ዘለኣለማውን ፍትሓውን ሕጊዩ። ዝተኣዘዝካዮ ዘይምግባር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን ዚገብር ዝኸፍአ ኽሕደት ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

ንኣምላኽ ንፈልጦኢና ይብሉ፡ ግና ፍንፉናትን ዘይእዙዛትን ንሰናይ ነገር ዘበለ ኺገብሩ ዘይበቕዑን ስለ ዝዀኑ፡ ብተግባሮም ይኽሕድዎ።ቲቶ 116 .

ከከም ግብርኻ ከም እትፍረድ እናተነግረካ፡ ግብርኻ እናበላሸካ ምንባር ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ዚፈርድ ጐይታ ናይ ዘሉካ ዕዙዝ ንዕቀት መርኣያዩ። ነቲ ኣቐዲምና ዘንበብናዮ ናይ ሮሜ 24-11 ጥቕሲ ደጊምና ነንብቦ።

እቲ ፍርዲኸ መፈጸምታኡ ኣበይዩ፧ ከም ሰባት መጠን፡ እቲ ዝለዓለ ኣፍልጦና ብዛዕባ ምድራዊ ስርዓተ ፍርድን ፍትሕንዩ። ኣብ ዓለምዚኣ ሞት እንተ ተፈሪዱካ፡ ምስ ቀተሉኻ እቲ ፍርዲ ኣብቂዑዩ። ሕልፈት እንተ ፈረዱኻውን፡ መዓልቲ ሞትካ ምስ መጸት እቲ ፍርድኻ ኣብኡ የቋርጽ። ንገለ ዓመታት እንተ ተፈሪድካ ኸኣ፡ እተን ዝተበየናልካ ዓመታት ምስ ወዳእካ፡ ሞት እንተ ቐዲሙ ድማ ምስ ሞትካ፡ ፍርድኻ የብቅዕ። ኣብ ፍርዲ ኣምላኽ ግና፡ ነቲ ፍርድኻ መወዳእታ የብሉን፡ ንዘለኣለም ኢኻ ኣብ ፍርዲ እትነብር። ምኽንያቱ፡ ሓጢኣት ዘለኣለማዊ በደልዩ።መዋቲ ሰብ ዝፈጸሞ በደል ከመይ ኢሉ ዘለኣለማዊ ይኸውን፧ዚብል ሕቶ ኺለዓለና ይኽእልዩ። ኵሉ ዓይነት ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ዚፍጸም። ኣብ ልዕሊ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ዝተፈጸመ በደል ከኣ ብዘለኣለማዊ ፍርዲ ኺፍደይ ዚኽእል። መዋቲ ሰብ ንዘለኣለማዊ ፍርዲ ኺፍደዮ ስለ ዘይክእል፡ ብትንሳኤ ሙታን ዘይመውት ዘለኣለማዊ ሰብ ኰይኑ ኺትንስእ ብግዲ ኣድለየ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ጻድቃን ዚወሃብ ፍርዲውን ዘለኣለማዊዩ። ምኽንያቱ እምነቶም ኰነ ሰናይ ግብሮም ኣብ ልዕሊ ዘለኣለማዊ ኣምላኽዮም ፈጺሞምዎ። ነቲ ሰናይ ግብሮም ኣብ ምድሪዚኣ ጥራሕ ዚፈድዮም እንተ ዚኸውን፡እግዚአብሔር ጻድቕን ፍትሓውንኺበሃል ኣይምተኻእለን ነይሩ። ብሓቂ ጻድቕን ፍትሓውን ስለ ዝዀነ ግና፡ ነቲ ዝሞተ በስባሲ ስጋኦም ኣተንሲኡ፡ ነቲ ናይ ውርደት ስጋኦም፡ ነቲ ኽቡር ስጋ ክርስቶስ ናብ ምምሳል ለዊጡ፡ ኣብ የማኑ ኣብ ዝተዳለወሎም ዝፋን ክብሪ የቐምጦም፡ ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ይገብሮም። ጻማ ግብሮም ምእንቲ ኺፈድዮም፡ ነቲ መዋቲ ስጋኦም ናብ ዘለኣለማዊ ስጋ ይልውጦ። ፍትሓዊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ነቶም ብስጋኦም ዘኽበርዎ፡ በታ ንእኡ ዘኽበሩላ ስጋኦም የኽብሮም። ነቶም ትሕቲ ስጋኦም ከም ዝዀነ ጌሮም ዘሕሰርዎ ድማ፡ በታ ንእኡ ዘሕሰሩላ ስጋኦም ምእንቲ ኼዋርዶምን ኬሳቕዮምን፡ ብትንሳኤ-ፍርዲ ንዘለኣለም ኣብ ገሃነም ይድርብዮም። እቲ ብኣምላኽ ዚወሃበና ፍርዲ፡ ንጻድቃን ይኹን ንሓጥኣን፡ መወዳእታን መለሳን ዘይብሉዩ።

ብኸመይ ኢና ነዚ መዓልቲ ፍርዲ ናብ ረብሓና እነውዕሎ፧

እቲ ብልሂ ክርስትያን ነዛ ሕቶዚኣ መዓልቲ መጸ ዚሓትታ። ንዅሉ ተግባሩን ባህርዩን ቃላቱን ስምዒታቱን ዝምድናታቱን፡ በዚ ሕቶ የማእዝኖ፡ ነታ ህይወቱን ናብራኡን ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ይነብሮ ከም ዘሎ ገይሩ የመሓድሮ። ከም ዝመሰሎን ከም ዝተበርሆን ቅጅል ከም ዝበሎን ኪገብር ውዒሉስ፡ ምሸት ናብ መንበሪኡ ምስ ተመልሰ ኣይኰነን ርእሱ ዚምርምር። ገና ዝዀነ ነገር ቅድሚ ምግባሩ፡ እቲ ፈራዲ ምስኡ ዀይኑ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ይዕዘቦን ይመዝኖን ከም ዘሎ እናሓሰበ ዚገብር። ቅዱስ ዳዊት ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ እቲ ነቲ ፈራዲ ጐይታ ኣብ ቅድሚኡ ገይሩ ዚነብር ሰብ፡ ብሓጢኣት ኣይናወጽንዩ። እቲ ይትረፍ ኣብ ቅድሚኡ ኺገብሮ፡ ነዛ ንማለቱ ዘይዝክሮ ሰብ ከኣ፡ ኣብ ሰልሚ ሓጢኣት ተኣሊኹ ዚነብር። ዋላ ምሸት መጸ እንተ ተነስሐኳ፡ ልክዕ ከም ከልቢ፡ ነቲ ዝተፍኦ ጽያፉ እናልመጸ ዚነብር።

ንእግዚአብሔር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ፡ ብየማነይ ስለ ዝዀነ፣ ኣይክናወጽንየ።መዝ 168

ከመይሲ ጓኖት ተንሲኦምኒ፡ ዓመጽቲውን ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ። ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይገበርዎን።መዝ 543

ኣምላኽ፣ ትዕቢተኛታት ተንሲኦምኒ፡ ኣኼባ ገፋዕቲ ኸኣ ንነፍሰይ ይደልይዋ ኣለዉ፡ ንኣኻውን ኣብ ቅድሚኦም ኣይገበሩኻን።መዝ 8614

ኣብ ዝኣተናዮ ዘለናዮን ኵሉ፡ ኣዒንቲ ኣምላኽ ኣባና ተተኺለን ይቋመታናን ይመዝናናን ከም ዘለዋ እናሓሰብና፡ ብእኡ መንጽር ንኣካይዳናን መጋብርናን እንተ ዘየጥዒናዮ፡ ኣብ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ብግዲ እንገሃደላን እንቘመላን መዓልቲ፡ ንጸላኢና ዘይንምነዮ ፍዳምበር፡ ነፍስና እትምነዮ ደሓን ከም ዘይንረክብ ከቶ ኣይንጠራጠር!!

እምበኣር ንህይወትናን ንግብርናን ሃሰስ ኢልና ኣዳቒቕና ንመርምሮ። ንርእስና ብዓይንና ዘይኰነ ብዓይኒ ኣምላኽ ንመርምራ። ንነፍሲ ወከፍ ከም ዋዛ ኻብ ኣፍና ዝመለቘት ቃል ጸብጻብ ክንህበላ ኢና። ብዝሒ ዝተዛረብናዮ ንፈልጦዶ ንኸውን፧ እቲ ኣብ መንበር ፍርዲ ዝተቐመጠ ጐይታ ግን ብዜሰምብድ ልክዕነት ዘርዚሩ ይፈልጦዩ። ኣብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ባህርይ፡ ግብሪ፡ ቃል፡ ስምዒት የለን። እምበኣር፡ ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ ኣብ ቅድሚኡ ብግዲ ቕድሚ ምግሃድና፡ ብፍታውና ባዕላትና፡ መዓልቲ መጸ ንህይወትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ደው ኣቢልና፡ ብዓይኒ ኣምላኽ ብቓል ኣምላኽን ንመርምራን ንጸባጸባን!! ባዕላትና ኣብ ርእስና እንተ ፈረድና መገድና እንተ ኣቕናዕና፡ ኣብ መዓልቱ ወዲ ኣምላኽ ብርግጽ ንጽቡቕና ኺፈርድዩ።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ግንቦት ፳፩, ፳፻፲፬  ግዕዝ (29 ግንቦት 2022 ).[መበል 38 ሰንበት: ቊ.50/፶]በል 38 ሰንበት: ቊ.50/፶]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ

ዲያቆን

ንፍቀ ዲያቆን

ንፍቀ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

2ቈረ 51-10  1ጴጥ 44-11  ግብ 1039-43  ዮሃ 211-14  ዘዲዮስቆሮስ 

መዝ ፻፲፯(፻፲፰)፡፳፬,፳፭

ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።

እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣያ፡ ብእኣ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ።

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div