S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ማሕላ ኣይትምሓሉ [መበል 43 ሰንበት: ቊ.62/፷፩]

 ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ (ኣምላኽ) ከይትወድቁስ፡ (ኣይትምሓሉ) እቲ እወኹም እወ፡ እቲኣይኰነንዝበልኩምዎ ኸኣ ኣይኰነን ይኹንምበር፡ ቅድሚ ዅሉ ብሰማይ ብምድሪ ወይስ ብኻልእ፡ ማሕላ ኣይትምሓሉ።ያእ 512

እዚ ቕንያት ኣብ ሃገርና፡ ናይ ክራማት ወቕቲ ዚጅምረሉን፡ ዘርኢ ዚዝርኣሉን ወቕቲዩ። ስለ ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ካብ ምእታው ክረምቲ (ሰነ 25) ክሳዕ ቂርቆስ (ሓምለ 15) ዘሎ ቕንያትዘርዕ፡ ደመና፡ ጠልተባሂሉ ይጽዋዕ። ሓደ ኻብቶም ነዚ መበል 43 ሰንበት ናይ ዓመት ተሰሪዖምልና ዘለዉ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ እዚ ናይ ያእ 512-ፍጻመ ንባብዩ። ኣብ ንባብ ኻብ ዘለዉ ብዙሓትን ዓበይትን ኣርእስታት ሓደ ኸኣ፡ እዚ ንማሕላ ዚምልከት ናይ ዕለት ኣርእስቲዩ። ንሕና ኸኣ ማሕላ ኣብ ዜዘውትርን ናብ ማሕላ ኣብ ዚደፋፍእን ባህሊ ዝዓበና ኢና። ብዚጠቅምን ብዘይጠቅምን፡ ብሓቅን ብሓሶትን ክንምሕል እንውዕልን እንነብርን ህዝቢ ኢና። ክርስትያን ህዝቢ ኽነስና፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ዝኸልከልዎ ሓጢኣት ከነውዘውትር ንነብር ኣለና። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ኸኣ ከም ዚግባእ ገይራ ወንጌል ንህዝባ ናይ ምስትምሃር ሓላፍነታ ስለ ዘይፈጸመት፡ ህዝባ ነቲ ብናይ ስጋን መለኮትን ተዋህዶ ዘድሓነና ጐይታ ዝሃቦ ትእዛዝ ኬፍርስ ይነብር ኣሎ። እቲ ዜሕዝን ከኣ ንቡር ነገር ዚገብር ዘሎምበር፡ ሓጢኣት ይፍጽም ንጐይታኡ ኸኣ ይጻረር ከም ዘሎ ዘይፈልጥ ምዃኑዩ። ነዚ መንፈሳዊ ድኻም ኣዝዩ ዜኽብዶ ኸኣ እቲ ሓፋሽ ምእመን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ከይተረፉ ዚፍጽምዎ ምዃኑዩ። ሕጊ ኣምላኽ ኣፍሪስና ምምሓልና ኸይኣክል ድማ፡ ነቲ ማሕላውን ብሓሶት እነዘውትሮ ምዃንና ነቲ ኣበሳና ተደራራቢ ዚገብሮ። ኣብ መንጎቶም ማሕላ ዜዘውትሩ፡ማሕላ ንመን ቀተለ፧ዚብል ብሂል ኣዝዩ ዝውቱር ምዃኑ፡ በቲ ኣምላኽ ዝኸልከሎ ሓጢኣት ክንጻወት ምምራጽና ዜመልክትዩ።

ንምንታይ ማሕላ ማዕረ ኽንድ ኸቢድ ኰይኑ፧

1. መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ምምሓል ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኣምላኽ ዜውድቕ ተግባርዩ። ኣምላኽ ዚፈርዶ ተግባር እንተ ዀይኑ፡ ምምሓል ሓጢኣት ምዃኑ ርዱእዩ። ሓጢኣት ዚገብሮ፡ ብሓሶት ምምሓልካ ወይ ነቲ ዝመሓልካሉ ብዘይ ምፍጻምካ ጥራሕ ኣይኰነን። ናይ ማሕላ ኣበሳነት ኣብ ውጽኢት ናይ ማሕላ ዚምርኰስ ኣይኰነን። ፈጽሞ ኣይትፈጽሞ፡ ሓቂ ይኹን ሓሶት፡ እቲ ማሕላ ንበይኑ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ሓጢኣትዩ። ስለ ኸኣ ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ማሕላ ኸይንምሕል ብንጹርን ብኣጽንዖትን ዝተኸልከልና።

2. ምንጪ ወይ መበቈል ናይ ማሕላ እቲ ኽፉእ ድያብሎስ ምዃኑ ጐይታና ገሊጹልና ዘሎ። ጐይታና ነተን ሽዱሽተ ሕገ ወንጌል ኣብ ቅድሚ ቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ኺገልጽ ከሎ፡ ንማሕላ ኸም ራብዓይቲ ሕጊ ናይ ሕገ-ወንጌል ገይሩ ብንጹር ኣስፊርዋ ኣሎ። እዘን ብሕገ-ወንጌል ዝተኸልከላ ሽዱሽተ ተግባራት፡ ኣብ ሕጊ ብሉይ ኪዳን ግን ፍቑዳት ነይረን ማለት ኣይነበረን። ሽዑውን ክልኩላትየን ዝነበራ። ጐይታና ግን ካብ ዝነበሮ ደረጃ ክብ ኣቢሉ ፍጹምን ጽኑዕን ሕጊ ገበሮ። ነዘን ሽዱሽተ ሕገ-ወንጌል ቅድሚ ምግላጹ፡ ዕላማ ናይ ዝገበሮ ለውጢ ብኸም ዚስዕብ ብንጹር ገሊጽዎዩ።

ንሕጊ ሙሴ ዀነ ንነብያት ክፍጽሞም (ፍጹማት ክገብሮም) ደኣምበር፡ ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሓልፍ፡ ኵሉ ሕጊውን ክሳዕ ዚፍጸም፡ ካብ ሕጊ የውጣ (ፊደል) (smallest letter or jet) ወይ ሓንቲ ሕንጻጽ ከም ዘይትሓልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።ማቴ 517,18 .

ነዚ ሓቂ ንምብራህውን፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንኽልቲኡ ኪዳንን ሕግን፡ ናይ ብሉይን ናይ ሓድሽን፡ ብምንጽጻር ገሊጽዎ ኣሎ።

ነታ ቐዳመይቲ ኺዳን ኣበር እንተ ዘይርከባ፡ እታ ኻልኣይቲ ኣይመድለየትን ነይራ። .... ነዚ ኺዳን ሓድሽ ኢሉ ብምጽውዑ፡ ነቲ ቐዳማይ ኣረጊት ገበሮ። .... እቲ ዝሓለፈ ትእዛዝ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝዀነ ዝተሳዕረ። ከመይ ሕጊ ሙሴ ንሓደ ናብ ፍጻሜ ዘብጽሖ የልቦን። ሕጂ ግና ናብ እግዚአብሔር እንቐርበሉ ዝበለጸ ተስፋ መጺኡልና ኣሎ።እብ 87,13 718,19 .

ሕጊ ሙሴ ብሓሶት ከይንምሕል ኸልኪሉ፡ ሕጊ ክርስቶስ ግና ብመሰረቱ ኸይንምሕል ዚእግድ። ስለ ደቂ ሓድሽ ኪዳንን ክርስትያንን ከም ምዃንና መጠን፡ በቲ ሓድሽን ፍጹምን ሕጊ ክርስቶስ ክንምራሕ ዚግብኣና። ጐይታና፡ በዚ ሓድሽን ፍጹምን ሕጉ፡ ማሕላ ኻብ ኽፉእ ድያብሎስ ምዃኑ ኣረጋጊጹልናዩ። ነገርኩምስ፡እወ፡ እወ ወይኣይኰነን፡ ኣይኰነንደኣ ይኹን። ካብ እንድሕሪ በዚሑ ግና ካብ ኽፉእዩ።ማቴ 537 .

ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱምስላ ስርናይን ክርዳድንኪትርጒመሎም ከሎ፡ ነቶም ብኽርዳድ ዝተመስሉ ሰባት፡ደቂ ኽፉእ፡ ደቂ እኩይብምባል፡ ደቂ ድያብሎስ ምዃኖም ገሊጹ ኣሎ (ማቴ 133-39 .+.) ነቲእወ፡ ኣይኰነንዚብል ናይ መረጋገጺ ቓላት ሓሊፉ፡ ብገዛእ ርእስኻ፡ ብኻልእ ሰብ፡ ብስም ኣምላኽ ወይ ብስም ቅዱሳን፡ ወይውን ብዝዀነ ኻልእ ኣካል ዚግበር ማሕላ፡ ካብ ኽፉእ ድያብሎስዩ። ሓቅነትካ ንምርግጋጽ ኢልካ ዚግበር ደኣ ይመስለና ዀይኑምበር፡ ፍቓድ ሰይጣን ንምፍጻም ምምላእ፡ ንእኡ ንምግልጋል እንኣትዎ ማሕላዩ። ካብ ኽፉእ ድያብሎስ ምዃኑ ንርእሱ፡ ማሕላ ንእግዚአብሔር ዜጒህይ እኩይ ተግባር ምዃኑ ዓብይ መረጋገጺዩ። ሰይጣን ኵሉ ጊዜ ነታ እግዚአብሔር ዝኸልከላን ዚጒህየላን ነገር ክንገብር ዚደፋፍኣና። ሓጢኣት ከኣ ብኸምኡ ጀሚሩ። ንኣዳምን ሄዋንን ካብ ኣብ ማእከል ገነት ዘላ ኦም ከይበልዑ እግዚአብሔር ምስ ኣዘዞም፡ ሰይጣን ከኣከም እግዚአብሔር ደኣ ኽትኰኑ ኢኹምምበር፡ ኣይክትሞቱን ኢኹም፡ እግዚአብሔር ሓስዩኩምዜስምዕ መልእኽቲ ብምሃብ ንምብላዕ ኣስሓቶም። ኵሉ ሰናይ ግብሪ ብናይ እግዚአብሔር ደራኽነት ከም ዚፍጸም፡ ኵሉ ሓጢኣት ከኣ ብናይ ሰይጣን ኣስሓትነትን ደራኽነትን ዚግበር። ናይ ማሕላውን ልክዕ ከምኡዩ። ናይ ኣቦታትና ዀይኑና ወይውን ንቡርን ዝውቱርን ባህሊ ዀይኑና ጥራሕ ንገብሮ ዘለና ይመስለና ኣሎምበር፡ ንናይ ሰይጣን ፍቓድ ነገልግል፡ ንድርኺቱ ንእዘዝ ከም ዘለና ፈጺምና ኣይነስተውዕሎን ኢና። ስለ ምስ ሰይጣን ግምባር ፈጢርና፡ ንእግዚአብሔር ንዋግኦ ኸም ዘለና ጐይታና ባዕሉ ነጊሩና ኣሎ። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፡ ኣብ መሪሕ ጥቕስናኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኣምላኽ ከይትወድቁስ፡ ኣይትምሓሉዝበለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። መዓይይቲ ሰይጣን ኴንና፡ ምስ ሰይጣን ወጊንና እንድሕር ተዋጊእናዮ ደኣ፡ ብኸመይ ካብ ፍርዲ ኽንመልቍ ንኽእል፧!

3. ማሕላ፡ ርእስኻ ከም ኣምላኽ ክትገብር፡ ኣምላኽነት ክትለብስ ናይ ምህቃን ኣበሳዩ። ማሕላ ኺምሕል ዚኽእል፡ እት ነቲ ዝኣተዎ ማሕላ ኼተግብር ዚኽእል ጥራሕዩ። ነዚኣ ኺገብር ዚኽእል ከኣ ብዘይካ እግዚአብሔር ዝዀነ ኻልእ ኣካል የለን። ይትረፍ ሰብ ዚኣክል ድኹም ፍጥረት፡ ምስ ዅሉ ዝሃቦም ዓብይ ሓይልን ክእለትን፡ መላእኽቲ ዝደለይዎን ዚኽእልዎን ኵሉ ኺገብሩ ኣይክእሉንዮም። ቅዱሳን መላእኽቲ፡ ብመሰረቱ እግዚአብሔር ዘይፈቐዶ ዘይገብሩ እሙናት ኣገልገልቱዮም። እቶም መላእኽቲ ጸልማት፡ ሰይጣንን ኵላቶም ሰራዊት መላእኽቱንውን እንተ ዀኑ፡ ኪገብርዎ ዝደለዩ ኺገብሩ ዜኽእሎም ሓይሊ ዘለዎም ክነሶም፡ እግዚአብሔር ዘይፈቐዶ ነገር ኪገብሩ ዝዀነ ይኹን ስልጣን የብሎምን። ዝደለይዎ ኺገብሩ ስልጣን እንተ ዚህልዎም፡ ንዅላቶም ፈራህቲ ኣምላኽን ንቤተ ክርስቲያንን ሓደ መዓልቲ ኣብ ዘይመልእ ጊዜ ካብ ገጽ ምድሪ መጥፍእዎም ነይሮም። እግዚአብሔር ንኼጥፍእዎ ኢሉ ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉን ዘይሃቦም ሰብ። ካብ ብሚልዮን ዚቝጸር ጸጒሪ ርእሱ ሓንቲ ኼውድቑሉ ኣይክእሉንዮም። ነዚ ሓቂ ካብ ታሪኽ ኣቦና እዮብ ኸነረጋግጾ ንኽእል ኢና። ሰይጣን ንእዮብ ኣዝዩ ይጸልኦን ኬጥፍኦ ይደልይን እንተ ነበረ፡ ኪገብሮ ግን ኣይከኣለን። ምኽንያቱ ኸኣ፡ ንሒፍዎ ወይይጽንሓለይኢሉ ዘይኰነስ፡ እግዚአብሔር ንእዮብ ካብ ፍቓድ ሰይጣን ሓጺሩ ስለ ዝሓለዎን፡ ናብ እዮብ ገጹ ኸይቀርብ ስለ ዝኸልከሎን ምዃኑ፡ ሰይጣን ባዕሉ ተኣሚኑ (እዮ 16-22 21-7) ንእዮብ ንኺፍትን ካብ እግዚአብሔር ፍቓድ ምስ ረኸበ ኺፍትኖ ዝኸኣለ። እቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ መወዳእታ ናይ ዓለም ኣመልኪቱ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ነዚ ሓቂ ዜረጋግጸልናዩ።

ብትንቢት ኰነ ብወረ ወይ ካባና ከም ዝተጻሕፈት መልእኽቲ ብምምሳል፡መዓልቲ ጐይታ መጺኣብምባል ብቐሊል ኣይትረበጹን ኣይትተሃወኹን። ክሕደት ቅድሚ ምምጽኡ፡ እቲ ሕጊ ዘይብሉ ሰብ፡ እቲ ንጥፍኣት ዝተመደበ፡ ከይተገልጸ፡ መዓልቲ ጐይታ ኣይትመጽእን እያሞ፡ ሓደ ብገለ ነገር ኣየስሕትኩም። ንሱኣምላኽኢሉ ብምእዋጅ ኣብ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ተቐሚጡ፡ ነቲ ኣምላኽ ተባሂሉ ዚጽዋዕን፡ ነቲ ዚምለኽን ዘበለ ነገር ኵሉ ኺቃወም ኪለዓልዩ። .... ንሱ ኣብቲ ዝተመደበሉ ጊዜ ምእንቲ ኪግለጽ፡ እቲ ሕጂ ዚኽልክሎ እንታይ ምዃኑ ትፈልጥዎ ኢኹም። እቲ ብሕቡእ ዚዓይዪ ሕጊ ኣልቦነት ድሮ ጀሚሩሎ። እንተዀነ፡ እቲ ኪዀኖ ዘለዎ፡ እቲ ዓጊትዎ ዘሎ ኻብ መገዱ ክሳዕዜልግስ ኣይኪኸውንንዩ። ሽዑ እቲ ሕጊ ዘይብሉ (ሰብኣይ) ኪግለጽዩ። ጐይታ ኢየሱስ ከኣ በቲ ካብ ኣፉ ዚወጽእ ትንፋስ ኬጥፍኦዩ። ብግርማ ምጽኣቱ ኸኣ ኪድምስሶዩ። ናይ ሕጊ ዘይብሉ (ሰብኣይ) ምምጻእ በቲ ሰይጣን ዚዓዮ ዅሉ ናይ ሓይልን ሓሳዊ ትእምርትን ተኣምራትን ዝተሰነየ ኪኸውንዩ።” 2ተሰ 23,4,6-8 .

ኣብ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ብዛዕባ ኸም ኣራዊት ከም ነብዪ ሓሶትን ተገሊጹ ዘሎ ሰብኣይ ዓመጻ ኣብ ራእ 131-18 201-10 ብስፍሓት ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ሰብኣይ ዓመጻን ጥፍኣትንዚ፡ ናብ ዓለም ኪመጽእን ናይ ጥፍኣት ተልእኾኡ ኺፍጽምን ይደልይ እንተ ዀነ፡ ግናኸ ብኣምላኽ ተኸልኪሉን ተዓጊቱን ከም ዘሎ ቅዱስ ጳውሎስ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ዝደለኻዮን ዝዀንካዮን ኩን፡ መንነትካን ሓይልኻን ብዘየገድስ፡ እቲ ኽትገብሮ እትደልይውን ጽቡቕ ይኹን ክፉእ ብዘየገድስ፡ እግዚአብሔርግበሮ፡ ይኹነልካ ኸኣኢሉ እንተ ዘይፈቐደልካ፡ ዋላ ሓንት ኽትፍጽም ኣይትኽእልን ኢኻ። እግዚአብሔር እንተ ዘይፈቒዱሎም፡ ኣጋንንቲ ይትረፍ ናብ ሰብ ናብ ሓሰማ ኺኣትዉ ኸም ዘይኽእሉ፡ ቅዱስ ወንጌል ኣረጋግጹልና (ማቴ 828-34 ማር 51-20)

እዞም ብወግዒ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ኰብሊሎም ጸላእቱ ዝዀኑ ኣዝዮም ሓያላት ኣጋንንቲ ዝደለይዎን ዝመደብዎን ኪፍጽሙ ዘይክእሉ እንተ ዀይኖም፡ ንሕና ሰባት ደኣ ማዕረ ኽንደይ ድሩታት ዘይንኸውን፧ ዝደለናዮ ኽንገብር ፈጺምና ዘይንኽእል እንተ ዄንናስኸ ኸመይ ጌርና ብርጉጽነት ክንምሕል ንኽእል፧ እቲ ዚምሕል ነቲ ዝኣተዎ ማሕላ ኼተግብር ዓቕምን ስልጣንን እንተ ዘይብሉ፡ ንእግዚአብሔር ንምብዳልን ንሰይጣን ንምግልጋልን ኰነ ኢሉ ተዓጢቑ እንተ ዘይኰይኑ፡ ዜምሕል ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብሉን። ጽባሕ ንግሆ ወይ ንዓመታ ከም እዋን ክትህልው ዘይክትህልው ዘይትፈልጥ ክነስኻ፡ጽባሕ ከም ኽህበካየ፡ ንዓመታ ኸም ኽገብረልካኢልካ ምምሓል፡ ከይተረዳካ ኽሳዕ ጽባሕ ወይ ክሳዕ ንዓመታ ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዓቕምን ስልጣንን ከም ዘሎካ ትእመን ኣለኻ። እዚ ስልጣን ኸኣ ናይ እግዚአብሔር ጥራሕ ካብ ኰነ፡ እዚ ዘረባኻን ማሕላኻን ንርእስኻ ኣምላኽ ናይ ምግባር ሰይጣናዊ ፈተነ ወይ ሃቐና ይኸውን ማለትዩ። ኣብ ጐይታ ዝመሰሎምስላ ግራቱ ዝቐደወሉ ሃብታም ሰብኣይ ንማሕላ ኣመልኪቱ ዝተመሰለ እንተ ዘይኰነ፡ ነቲ ናብ ማሕላ ዚድረኸና ናይ ዕልወት ኣተሓሳስባ ይገልጽዩ።

ከም እናበለ ከኣ ምስላ ነገሮም፡ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቀደወሉ። ብልቡ ከኣ እኽለይ ዝእክበሉ ስፍራ የብለይን እንታይ ደኣ ክገብር እየ፧ ከምዚ ኢሉ ሓሰበ። ከምዚ ድማ በለ ከምዚ ድኣ ክገብር ንማዕከነይ ኣፍሪሰ ኣግፊሐ ክሰርሖየ። ኣብኡ ከኣ ዅሉ እኽለይን ሃብተይን ክእክብየ። ንነፍሰይ ከኣ ነፍሰይ ንብዙሕ ዓመታት ዚኣክል ብዙሕ ዝተደለበ ሃብቲ ኣሎኪ ኣዕርፊ ብልዒ ስተዪ ተሓጐሲ ክብላ እየ በለ። ኣምላኽ ግና ኣታ ዓሻ በዛ ለይቲ እዚኣ ንነፍስኻ ካባኻ ክወስድዋዮም። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧ በሎ። እቲ ንርእሱ ሃብቲ ዚእክብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ሃብታም ዘይኰነ ከምኡ እዩ።ሉቃ 1216-21 .

ናይ ሰብኣይ ዕሽነት ኣብተን፡ክሰርሖየ፡ ክእክብየ፡ ንነፍሰይ .... ክብላዚብላ ቓላት ተገሊጹ። ንሓንቲ ለይቲ እተሕድር ህይወት ከይሓዘስ፡ ንብዙሕ ዓመታት ዚኣክል ሃብቲ ኣከበ። ናብ ማሕላ ዚድርኸናን ዜስሕተናን ከኣ እዚ ሰብ ክነስኻ ከም ኣምላኽ ኴንካ ናይ ምውሳእ (act ናይ ምግባር) ዓመጸኛ ኣተሓሳስባዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብውን ዕሽነት ናይ ኣተሓሳስባ ዚገልጽ ግሩም ትምህርቲ ጽሒፉልና ኣሎ።

ንስኻትኩም ኣቱምሎሚ ወይ ጽባሕ ናብ ከተማ እቲኣ ኽንከይድ ኢና። እናነገድና ምእንቲ ኽንረብሕ ከኣ ኣብኣ ዓመት ክንቅመጥ ኢናእትብሉ ስምዑ። ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ህይወትኩምከ እንታይ እያ፧ ንቝሩብ ጊዜ ተራእዩ ደሓር ዚበንን ሃፋ ኢኹም።ጐይታ እንተ ፈቒድዎ ብህይወት ክንነብር ኢና፡ ከምዚ ወይ ከምቲ ኽንገብር ኢናእዩ ኽትብሉ ዚግብኣኩም ነይሩ። ሕጂ ግና ትጀሃሩ ትምክሑን ኣሎኹም። ከም ዝበለ ትምክሕቲ ዅሉ ኸኣ ክፉእዩ።ያእ 413-16 .

ናይዞም ነጋዶ ኣበሳ ድማ፡ ብዛዕባ ኣብ ኢዶም ዘየሎ መዓልታት ምጅሃሮምዩ። እቲክንነግድ ኢና፡ ክንቅመጥ ኢናዚብል ስጋዊ ውጥናትውን ከም ናይ ዓሻን ሃብታምን ሰብኣይዩ።

እቲ ትምክሕትና ኣብ ጊዜ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኽንገብሮ እንውጥኖ ተግባራትውን ዚግለጽ። ክሳዕ ዝደለናዮ እዋን ብህይወት እንተ ጸናሕናኳ፡ ነቲ ዝወጠንናዮ ኽንገብር ንኽእል ኢና ማለት ኣይኰነን። ብሕማም፡ ብስእነት ይኹን ብዅነታት ምኽንያት፡ ካብ ዝሓሰብካዮ ተዓንቂፍካ ምትራፍውን ኣሎ።ክኸፍለካየ፡ ክህበካኢልና ብማሕላ ዝኣተናዮ ቓል፡ ይትረፍ ክንህብ ተመጽወትትን ሰብ ዕዳን ክሳዕ እንኸውን፡ ኣብ ክሳራን ኣብ ድኽነትን ክንወድቕ ንኽእል ኢና። ሽዑ እቲ ብድፍረት ዝበልናዮ ማህላ እንታይ ኪኸውን፧

ብዛዕባ ሓቅነትና ንምርግጋጽ እነዘውትሮ ማሕላውን፡ እቲ ሓቂ ኻብ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ ዝተፈልየ ኣይኰነን። ብዛዕባኢለ፡ ኣይበልኩን፣ ኢልና ዝተኣመንናሉ ጒዳያት፡ ሓቀኛታት ምዃንና ንምርግጋጽ ዜምሕል ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብልናን። ማሕላ፡ ሓቅነትና ኣየረጋግጽንዩ። ሓቅነትና በቲ ከየቋረጽና እነርእዮ ሓቀኛ ባህርይ ጥራሕ ዚረጋገጽ። ኣብ ማእከል ሕብረተሰብና፡እከለ ፈጺሙ ዘይሕስው ሓቀኛ ሰብብምባል ብናይ ሚእቲ ሚእታዊት ርጉጽነት እንምስክረሎም በጻብዕ ዚቝጸሩ፡ ሒደት ሰባት ኣለዉ። ሓቅነቶም ንኼረጋግጹ ኺምሕሉን ኪጥሕሉን ስለ ዚውዕሉ ኣይኰንናን ማዕረ ኽንድኡ እንተኣማመነሎም። ሓቅነቶምን ንሓቂ ዘለዎም ፍቕርን፡ ኣብ ብዙሕ ኵነታትን ኣብ ዝተናውሐ ጊዜን ዘረጋገጹ ሰባትዮም። እዚ ባህርይ ዋላ ኣብ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመታት ዝዕድሚኦም ቈልዑውን ይረኣይዩ። መቕጻዕቲ ናይ ዝበደልዎ በደል ደኣ ብጸጋ ይቕበሉምበር፡ኣይገበርክዎንኢሎም ኪሕስዉ ፈጺሙ ዘይኰነሎም፡ ብዘይወዓልዎ ተግባር ብጌጋ ኪቕጽዑ ኸለው ድማ ምእባዱ ዘይከኣለ ብኽያትን ጓህን ዜርእዩ ውሑዳት ቈልዑ ኣለዉ። ስለ ንተኣማንነትና ብተግባር ኢና እንሃንጾምበር፡ ብማሕላ ኣይነረጋግጾን ኢና። ግደ ሓቂ፡ እቶም ሓሶት ዜብዝሑዮም፡ ማሕላ ዜብዝሑ። ኣብ ምስላ ኣቦታትናሓቂ ኼምስሉስ፡ ኢድ ይጠቕዑ፡ዚብል ምስላ ኣሎ። ሓቅነት ንምርግጋጽ ክንጥቀመሉ ዝተፈቕደልና መረጋገጺ፡እወወይኣይኰነንክንብል ጥራሕዩ። ዋላ ሓቀኛ ማሕላ እንተ መሓልናኳ፡ እቲ ምምሓል ንርእሱ ሓጢኣት ስለ ዝዀነ፡ ዓይነት ሓጢኣትና ደኣ ኢና ለዊጥናምበር ንጹሃትን ሓቀኛታትን ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና።

እቲ እንምሕለሉ ስምን መንነትንከ ብዓይኒ ቓል ኣምላኽ ብኸመይ ዚጥመት፧ ነዚ ሓሳብ ብዚምልከት ጐይታና ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ።

ከምኡ ድማ ነቶም ቀዳሞት፡ማሕላኻ ንእግዚአብሔር ሃቦምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሓል፡ከም ዝተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም። ኣነ ግና ወይ ብሰማይ፡ ዝፋን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ወይ ብምድሪ፡ መርገጽ እግሩ ስለ ዝዀነት፡ ወይ ብኢየሩሳሌም፡ ከተማ እቲ ዓብይ ንጉስ ስለ ዝዀነት፡ ከቶ ኣይትምሓሉ እብለኩም ኣለኹ። ካብ ጸጕሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተጻዕዱ ወይ ከተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻሞ፡ ብርእስኻውን ኣይትምሓል። ነገርኩምሲ፡እወ፡ እወ  ወይኣይኰነን፡ ኣይኰነንደኣ ይኹን። ካብ እንድሕር በዚሑ ግና ኻብ ክፉእዩ።ማቴ 533-37 .

ካብ ጐይታና ዝበሎ ቓል ኸም እንርድኦ፡ እስራኤላውያን ኣብ ዘመኖም፡ ብሰማይን ብምድርን ብኢየሩሳሌምን ይምሕሉ ነበሩ። ነዚኣቶም ጠቒሶም፡ እንታይ ኢሎም ከም ዚምሕሉ ኣይተነግረናን፡ ንፈልጦ ነገርውን የለን። በዞም ነገራትዚኦም ክንምሕል ከም ዘይግብኣና ግና ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ። ዝዀነ ኻልእ ጠቒስናውን ክንምሕል ኣይግባእንዩ። ምኽንያቱ ካብ ሰማይን ምድርን ዚዓብይ ካልእ ፍጡር የልቦን። ብሰማይን ምድርን ክንምሕል ዘይንኽእለሉ ምኽንያት ማሕላና ንምርግጋጽ፡ ኣብቶም ንማሕላ ዝተጠቐምናሎም ሰማይን ምድርን ክንፍጽሞ እንኽእል ዋላ ሓንቲ ነገር የለን። ጐይታና ነቲ ኣይሁድ ብዛዕባ ማሕላ ዝነበሮም ግጉይ ርድኢት ኪቐልዕ ከሎ፡ ነዚ ሓቂ ግሩም ገይሩ ኣብሪሁልና ኣሎ።

ኣቱምብቤት መቕደስ ዚምሕል ደሓንዩ፡ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ንዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡እትብሉ ዕዉራት መራሕቲ፡ ወይለኹም። ኣቱም ደናቝርትን ዕዉራትን፡ ኣየናይ ይዓብይ፡ ወርቅዶ ወይስ እታ ንወርቂ እትቕድሶ ቤተ መቕደስ፧ብመሰውኢ ዚምሕል ደሓንዩ፡ በቲ ኣብ ርእሲኡ ዘሎ ቝርባን ዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ትብሉ። ኣቱም ደናቝርትን ዕዉራትን፡ ኣየናይ ይዐቢ፡ ቍርባንዶ ወይስ እቲ ንቝርባን ዚቕድሶ መሰውኢ፧ እምብኣርስከ እቲ ብመሰውኢ ዚምሕል፡ ብእኡን ኣብ ልዕሊኡ ብዘሎ ዅሉን ይምሕል አሎ። እቲ ብቤተ መቕደስ ዚምሕል ከኣ፡ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዚነብር (ኣምላኽን) ይምሕል ኣሎ። እቲ ብሰማይ ዚምሕል፡ ብዝፋን ኣምላኽን በቲ ኣብኡ ዚቕመጥ (ኣምላኽን)’ ዚምሕል።ማቴ 2316-22

እምበኣር ዝዀነ ይኹን ነገር ጠቒስካ ዚግበር ማሕላ ውዒሉ ሓዲሩ ብስም ንእኡ ዝፈጠረን ኣብኡ ዚነብርን ኣምላኽ ዚፍጸም። ንእግዚአብሔር ዚኣክል ዓብይ ኣምላኽ፡ ናይ ዚጠቅምን ዘይጠቅምን መምሓሊ ኽትገብሮ ኸኣ፡ ንስሙ ብኸንቱ ምልዓልን ምቅላልን ዚኸውን።

ብገዛእ ርእሱ ወይውን ብኻልእ ቀረባ ሰቡ ዚምሕልውን ብዙሕዩ። ብፍላይ ኣብ ባህልና ኸኣ ዝውቱርዩ። ማሕላና ንምርግጋጽ፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ኽንገብሮ እንኽእል ዋላ ሓንቲ የለን። ሕብሪ ናይ ሓንቲ ጸጒርና ኽንልውጥውን ኣይንኽእልን ኢና። ብወለድና፡ ኣሕዋትና፡ ሰብ ኪዳንና፡ ደቅና ጠቒስና እንምሕሎውን፡ ልክዕ ከም ናይ ገዛእ ርእስና፡ ካብ ዝተፈልየ ሓቂ የብሉን።እከለ ይሙትኢልና እንምሕሎ ማሕላ፡ ነቲ ዝኣተናዮ ቓል ከይፈጸምናዮ ምስ እንተርፍ፡ ነቲ ብስሙ ዝመሓልናሉ ሰብ፡ ከም ዚመውት ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና። ዋላ ኽንገብሮ ንኽእል እንተ ንኸውንከ ምእንቲ ዘይጠቅምን ፈኲስን ነገራት፡ ነታ መዳርግቲ ዘይብላ ኽብርቲ ህይወት ከነሕልፍ ማለት ድዩ፧ኣምላኽምበር ንሕና ኽንገብሮ ኣይኰንናን እንምሕልኢልና ኸነመኽንየሉ ንፍትን ንኸውን። ከምኡ እንተ በልና ኸኣ እቲ ኣበሳና ይብእስምበር ኣይጐድልንዩ። ምኽንያቱ ንእግዚአብሔር ናይ ንሱ ዝኣገዶን ዚፈርዶን ሓጥእ ማሕላና ኣገልጋሊ ኽንገብሮ ንፍትን ምህላውናዩ። ብስም ቅዱሳን መላእኽትን ጻድቃንን እንተ መሓልናውን በቲ ንኣታቶም ዝቐደሰን ዘጽደቐን ኣምላኽ ንምሕል ከም ዘለና ኽንክሕድ ኣይግባእን። ንስም ናይቶም እግዚአብሔር ዘኽበሮም ቅዱሳንን ጻድቃንን፡ መጋበርያ ናይ ሕሱር ማሕላና ምግባር ኣኽብሮት ዘይኰነስ ምውራድ ዚኸውን። ንሳቶም ነቲ ቕድስናን ብጽእናን ዝበጽሕዎ ንዅሉ ትእዛዛት፡ ነቲኣይትምሓልዚብል ትእዛዛትውን፡ ስለ ዘኽበሩዩ። ምኽንያቱ ሕጉ ንዜፍርሱ ሰባት፡ እግዚአብሔር ኣየጽድቖምንዩ። ናይ ብሓቂ ነፍቅሮምን ነኽብሮምን እንተ ንኸውን ኣሰሮም ደኣ ምሰዓብናምበር፡ ናይ ሓሶትና መጐልበብን መጋበርያን ንምግባሮም ብስሞም ብምምሓል ኣይምሓጣእናን ኔርና።

እቲ ዝኸፍአ መልክዕ ናይ ማሕላና ኸኣ፡ ኵሉ ማሕላና ናይ መርገም ማሕላ ምዃኑዩ።ከም ይግበረኒ፡ ከም ይድገመኒዝዓይነቱ ማሕላ- መርገም ኢና ነዘውትር። ብመሰረቱ እቲ ማሕላ ንርእሱ መርገም ዜስዕብ ሓጢኣት ስለ ዝዀነ፡ ናይ ጽድቅን በረኸትን ማሕላ ኽንምሕል ኣይንኽእልን ኢና። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ብፍርሃት እናመሓለ ዝኸሓደሉ ኣጋጣሚ፡ ናይ መርገም ማሕላ ዝተጠቕመ (ማቴ 2672-74) እቶም ንቅዱስ ጳውሎስ ኪቐትሉ ዝተመሓሓሉ 40 ሰባትውን ብመርገምዮም ዝተመሓሓሉ (ግብ 2314) ማሕላ ናይ ኽፉእ ድያብሎስ ተግባር ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ሕሉፍ ናይ ማሕላ ኣበሳና፡ ብሓቀኛ ንስሓ ኣሕዊና፡ ንመጻኢ በቲ ጐይታና ዝኣዘዞ ኣገባብ ጥራሕ ክንምራሕ ይግብኣና። ሕጂምበኣር ርእስና ናብ ምምርማር ዘይኰነስ ትኽ ኢልና ንስሓ ምእታውን ዘይንቕነቕ ቈራጽ ውሳኔ ምውሳድን ጥራሕ ዚተርፈና። ካብ ኣበሳ ሓንሳእ ንሓዋሩ ርእስና ነንጽህ። እግዚአብሔር ከኣ ብተግባርና ኪሕጐስን ኪጻምወናንዩ።

 ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

ዕለት፥ ሰነ ፲፱, ፳፻፲፬  ግዕዝ (26 ሰነ 2022 ).[መበል 43 ሰንበት: ቊ.62/፷፩]፶]

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ

ዲያቆን

ንፍ ዲያቆን

ንፍ ካህን

ወንጌል

ቅዳሴ

እብ 6፡7-ፍጻመ ያእ 5፡12-ፍጻመ ግብ 27፡6-15  ሉቃ 8፡1-21 ዘኤጲፋንዮስ

መዝ ፻፵፮(፻፵፯)፡፰

“ዘይገለብቦ ለሰማይ በደመና። ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር። ዘያበቍል ሣዕረ ውስተ አድባር።”

“ነቲ ንሰማያት ብደበና ዜጐልብብ፡ ንምድሪ ዝናም ዜዳሉ፡ ናብ ኣኽራን ሳዕሪ ዜብቊል፡”

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div