S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ትሕዝቶ ስነ-ጽሑፍ

  • ስለምንታይ ክርስቶስ ብስጋ ተጋህደ?

 1.እግዚኣብሔር ንፍጡራቱ ሰናይ ምዃኑ ምእንቲ ከነጽር ብስጋ ተጋህደ

ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣት መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ” (1 ዮሃ 410)

ሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ፣ ንክብሪ ሰብ ኢሉ እግዚኣብሔር መጀመርያ ንዓለም ደኲንዋ። ብድሕሪ' ንሰብ ካብ ዘይነበረ (እምሃበ-ኣልቦ, nonexistence) ፈጠሮ። እግዚኣብሔር ንሰብ ብዝተፈላለየ መንገዲ ድሕነት ኣዳለወሉ ኣብ መወዳእታ ዘመን (እብ 1:2) ድማ ነቲ ሓደ ወዱ ልኢኹ ክርስቶስ ስለ ድሕነት ወዲ-ሰብ ደሙ ኣፍሲሱ"ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ…” ንወዲ-ሰብ ኣፍቀሮ (ዮሃ 316) ዮሃንስ ኣፈወርቅ,ሓደ ካብ ኣበው ቤተ ክርስቲያን፣ ነዚ ፍቕሪኣየ ፍቕሪ! ክንድዚ ዝኣክል ንሰብ ምፍቃር! ንወዲ ኣምላኽ ካብ መንበሩ ፍቕሪ ሰሓቦ፡ ክሳብ ሞት ከኣ ኣብጽሖ” (ቅዳሴ ዮሃንስ ኣፈወርቅ) ክብል ብምስትንታን ገሊጽዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ "…እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ" (ገላ 220) ይብል።እግዚኣብሔር ነቲ ብሰናይ ድሌቱ ዝደኰኖ ሰብ ሰይጣን ኣስሒትዎ እዩ' ይጥፋእ ኢሉ ብኸምኡ ንኽጠፍእ ኣይሓደጎን ምኽንያቱ ካብቲ ብኣዳም ዝተፈጸመ በደል ምሕረት-እግዚኣብሔር ስለዝዓቢ። ፍቕርን ሕያውነትን ክምህረና ኢሉ ናይ ሓሳር-ስጋና ለቢሱ መጸ። እቲ ዘገርም ድማ ኣምላኽ ማዕረ ክንደይ ሰናይ ምዃኑ እዩይብል ቅዱስ ኣትናቴዎስ። ግብጻዊ ቀሌሚንጦስ (Clement of Alexandria) “እቲ ዓለም ዝፈጠረ፣ እቲ ካብ መጀመርታ ህይወት ዝሃበናን ዝፈጠረናን ቃል...ከም መምህርና ኮይኑ ተገልጸ። ከም መምህርናን ኣምላኽናን መጠን እቲ ሰናይ ዝኾነ ህይወት መሃረና፣ ዘለኣለማዊ ህይወት ድማ ዓደለና። ሕጂ ምስ ዓለና ጥራይ ዘይኮነስ፣ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝርሕርሓልና፣ ብዝያዳ ግና ሕጂ ምስ ጠፋእና፣ ንምድሓንና ዝተጋህደ ኣምላኽና እዩይብል።

2.እግዚኣብሔር ምስ ገዛእ ርእሱ ብሓድነት ክጽምብረና (ሕብረት ክህልወና) ብስጋ ተጋህደ

ሕመረት ድሕነት ብቐንዱ፣ ምስቲ መበቆል-ህይወት ዝኾነ ኣምላኽ ሕብረት ምህላው ማለት'ዩ። ብዘይካ እቲ ምእንታና ስጋ ለቢሱ፣ ናብ ሕቑፊ እግዚኣብሔር-ኣቦ ዘደየበና መድሃኔ-ዓለም፣ ካልእ ከቶ ምስ ኣምላኽ ከሕብረና ዝኽእል ኣካል የልቦን። ንሱ እዩ ምእንታና ደሙ ኣፍሲሱ ምስ እግዚኣብሔር-ኣቦ ሓደ ዝገበረና። ክርስቶስ እቶም ክሰቕልዎ ኢሎም ዝመጹ ሰባት ቅድሚ ምምጽኦም "ብሓድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፡ ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፡ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ  ሃብክዎም" (ዮሃ 17.23) እናበለ ስሌና ጸለየ።ክርስቶስ [እግዚኣብሔር-ወልድ] ፍጡር እንተዝኸውን ነይሩ፣ ወዲ-ሰብ ከም ቀደሙ መዋቲ ኮይኑ ምተረፈ ነይሩ፣ ምስ ኣምላኽ ዘሕብሮ ነገር ድማ ከቶ ኣይምሃለወን፣ ምኽንያቱ ካልኦት ፍጥረታት ምስ ኣምላኽ ከሕብሮም ዝኽእል ነገር የብሎምን..."ይብል ቅዱስ ኣትናቴዎስ።

እዚ ሕብረት ብምፍሳስ ደም ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበ እዩ። "...ምስ ኣምላኽ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰላም ኣሎና"(ሮሜ 5: 1) ይብል ሃዋርያ ጳውሎስ። ኦሪጂን፣ ሓደ ካብቶም ሊቃውንቲ ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ድማ፣ "ክርስቶስ፣ እቲ ሓቀኛ ሊቀ ካህናት፣ ብደሙ ንእግዚኣብሔር-ኣቦ ህያው መስዋእቲ ብምቕራብ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቐኩም" ክብል ነዚ ሓሳብ ኣስሚርሉ ኣሎ። ሕጽር ብዝበለ፣ ክርስቶስ ዕርዲ ጸላኢ ክድምስስ፣ ሰላም ከንግስ፣ ካብ ኣምላኽ ኣዚና ርሒቕና ንዝነበርና ምስ ኣምላኽ ከተዓርቐና መጸ። ነቲ ብሰንኪ ሓጢኣትና ካብ ኣምላኽ ዝጋረደና መንደቕ-ኣበሳ ብመስቀሉ ገይሩ ኣፍረሶ፣ እግዚኣብሔር ይመስገን! ሰላም ድማ ኣወጀልና (ቆሎሴ 1: 19)

3.ንሞት ሓንሳእን ንሓዋሩን ክስዕሮ ኢሉ ብስጋ ተጋህደ

ክርስቶስ እቲ ስጋ ዝለበሰ ወዲ-ኣምላኽ ስሌና ደሙ ኣፍሲሱ ንነፍሱ ኣብ ክንዳና ከም ክቡር መስዋእቲ ገይሩ ንሞት ወፈያ።እምብኣርከ ሓደ በጃ ዂሉ ሞተ፡ ስለዚ ዂላቶም ሞቱ” (2 ቆሮ 5:1314) ንሱ ኣብ ክንዲ ዂላትና ሞተ። በቲ ናቱ ሞት ድማ ዂላትና ንሞት ከምዝተኻፈልናዮ ተቖጽረልና። እቲ ውጽኢት ሓጢኣት ዝኾነ ሞት ብክርስቶስ ንዘለኣለም ተሳዕረ፣ "…ሞት ብዓወት ተዋሕጠ" (1 ቆሮ 15:54) ሞት ብትንሳኤ ተተክአ (1ቆሮ:15:21) ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ ”(1 ቆሮ15 55)ኣብ ቲሕቲ ፍርዲ-ሞት ዝነበሩ ዂላቶም፣ ብሞቱ ካብ ሓጢኣትን ካብ መርገምን ሓራ ክወጹ: ካብ ሞት ክትንስኡ፣ ዘይመውት፣ ዘይበላሾን ዘይጽምሉን ልብሲ ድማ ንዘለኣለም ክለብሱ እዮምይብል ቅዱስ ኣትናቴዎስ (ራእይ 7: 9)

4.ሞት ክጥዕም ኢሉ ብስጋ ተጋህደ

ኣዳም ትእዛዝ ኣምላኽ ምስ ኣፍረሰ ሓጢኣቱ እኳ እንተተሓድገሉ እቲ ሽግር ግና ኣብኡ ኣየብቅዐን ክሳብ ሞት እዩ ኣብጺሕዎ። "ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳም ሓጢኣት ዘይገበሩውን ሰልጠነ፡ ኣዳም ከኣ ምስሊ እቲ ዚመጽእ እዩ" (ሮሜ 514) ንኣብነት ኣቡን ቄርሎስ ሓደ ካብ ኣበው ቤተ ክርስቲያን "ንምድራዊ ስጋና ካብ ዕያግ-ኣበሳ ከንጽሆ ዝኽእል እንኮ ኣካል እቲ ፍጹም-ሰብ ዝኾነ ክርስቶስ ጥራይ እዩ" ይብል። ግብጻዊ ቀሌሚንጦስ ብወገኑ ድማ "ጎይታ ስጋ ለቢሱ ንሰብ ካብ ማእሰር-ሓጢኣት ሓራ ከውጽኦ ከመይ ዝበለ ምስጢር እዩ! በዚ ስጋ እዚ ገይሩ ነቲ ተመን ሰዓሮ ነቲ መላኺ ድማ ግዙእ ገበሮ። ካብዚ ኩሉ ኣዝዩ ዘገርም ድማ ነቲ ብባህጊ ተሓቢሉ ዝነበረ ኣዳም ካብ ማእሰርቲ ነጻ ኣውጽኦ። ብመስቀሉ ንሞት ናብ ህይወት ለወጦ፣ ነቲ ብድኻም ተሓሊሉ ዝነበረ ኣዳም ናብ ገነት ኣደይቡ፣ ነቲ መዋቲ ብዘይመወት፣ ነቲ ምድራዊ ድማ ናብ ሰማያዊ ለወጦ” (1ቆሮ:15:49) ይብል። ስጋ ክለብስ ካብ ዝደረኾ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እዚ እዩ። ሞት እንተዘይነብር፣ ትንሳኤ ኣይምሃለወን፣ መዋቲ ስጋ ሰብ እንተዘይለብስከ ክርስቶስ ከመይ ኢሉ ምሞተ? ውሉድ፣ ካብ ወላዲኦም ስጋን ደምን ካብ ዝካፈሉስ፣ እቲ ወላዲ ግዳ ክንደይ ካብቲ ስጋን ደምን ዘይካፈል! ብሞቱ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣዳም ምልኪ ዝነበሮ ሞት ደምሰሶ። "ስለዚ፣ ኸምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፣ ከምኡ ኸኣ ትንሳኤ ምውታት ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ” (1ቆሮ:15:21) ቅዱስ ኣትናቴዎስነቲ ብስጋ ሰብ ገይሩ ዝመጸ ሞት ክድምስስ፣ ብስጋ-ሰብ ገይሩ ድማ ትንሳኤ ሃበናይብል። ንገዛእ-ርእሱ ዘይኮነስ፣ ስለ ድሕነትና፣ ንሞት ክድምስሶ፣ ንሓጢኣት ክኹንኖ፣ ንዕዉራት ብርሃን ንምውታት ድማ ትንሳኤ ክህብ' ዝመጸ። እቲ ምስ ኣምላኽ ማዕረ ዝኾነ ፍጹም ወዲ-ኣምላኽ፣ ብተስፋ ትንሳኤ ገይሩ ንኹሎም ዘይበላሾ ልብሲ ኣልበሶም፣ እቲ ሞት ዝወለደ በደል ድማ ኣብ ልዕሊኦም ክጸንዕ ኣይከኣለን።

እቲ ብሰሪ ዘይምእዛዝና ዝስዓበ ብልሽውና ኣብ ኣካልና ደጋዊ ኣበር (ቁስሊ) ኣይኮነን ነይሩ፣ ምስ ኣካልና ዝጠበቐ እዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ሞት ኣኸቲሉ። ግና ኣበሳ በይኑ ንሰብነትና ኣብ ክንዲ ዝብሕቶ ክርስቶስ ድማ ንስጋና ለበሶ። ከም ውጽኢቱ ድማ ህይወት ረኸብና። ሞት ኣብ ሰብነትና ደጋዊ ጥራይ ነይሩ እንተዝኸውን፣ ህይወት'ውን ደጋዊ ጥራይ ክኸውን ግድን ምኾነ ነይሩ። በዚ ምኽንያት' ድማ እዩ ክርስቶስ ንስጋና ለቢሱ ንሰብነትና ህይወት ዝሃቦ። ሰብነትና ድማ መዋቲ ኮይኑ ምስ ሞት ክነብር ዘይኮነስ ዘይመውት ህይወት ክርስቶስ ረኺቡ ክነብርን ክትንስእን ምእንቲ'ዩ። ንሞት ምእንቲ ክጥዕሞ ብስጋ ኣመኽንዩ ኣተዎ፣ ንስጋና ድማ ብስጋኡ ካብ ኣበሳ ኣንጽሆ። “…ኣምላኽ ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ልኢኹ፡ ነቲ ሓጢኣት ብስጋ ዀነኖ (ሮሜ 83)

5.ንሰይጣን ነቲ ጸላኢና ክስዕሮ ኢሉ ብስጋ ተጋህደ

ምምጻእ ክርስቶስ ንሰይጣን ኣየቕሰኖን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዓቢ ተርባጽ ኣእትይዎ እዩ። ምልኪ/መንግስቲ ሰይጣን ከተብቕዕ ምዃና ስለዝፈለጠ ሰይጣን ክሳብ ክንድዚ ተረበጸ። ካብ ድሮ ልደት-ክርስቶስ ክሳብ ዕለት ስቕለት ድማ ንክርስቶስ ብብዙሕ መገዲ ፈቲንዎ እዩ። እንተኾነ ግና ክርስቶስ ስዒርዎ እዩ! ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕቢ' ክምስክር ከሎነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም” (ቆሎሴ 2:15) ክብል ጽሒፉሎ። ዮሃንስውን "…ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ዲያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ እዩ ነዚ እተገልጸ"(1 ዮሃ 38) ይብል።

ከምቲ ኣዳም ምስ ዓመጸ፣ እቲ በደል ናብ ኩሎም ደቂ-ኣዳም ዝሰረጸ፣ ከምኡ ድማ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ንሰይጣን ምስ ዓለዎ፣ እቲ ሓይሊ-ክርስቶስ ናብ ደቂ-ኣዳም ሰሪጹ ውዲት ሰይጣንኣይንስሕቶን ኢና" (2 ቆሮ 2.11) ክንብል ድማ ኣኽኣለና። ሎሚ፣ ከምቲ ሰይጣን ንክርስቶስ "ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ..."(ማቴ 43) እናበለ ዝፈተኖ፣ ነታ ኣብ ክርስቶስ ዝተሰረተት እምነትና ከጥፍእ ብብዙሕ መገዲ ይፍትነና እዩ ግና ከምቲ ጎይታ "ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣኣባይ ሓንቲ እኳ ምልኪ የብሉን"(ዮሃ 1430) ዝበሎ፣ ዓወት ናይ ኣምላኽን ደቂ-ኣምላኽን እዩ። ብሓይሊ ኣምላኽ ድማ ኩሉግዜ ሰዓርቲ ኢና።

6.ናብ ላዕሊ ናብ ገነት ከደይበና ኢሉ ብስጋ ተጋህደ

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኒቆዲሞስ ብዛዕባ ሓድሽ-ልደት (ዳግማይ-ልደት) ክዘራረብ ኰሎ፣ "ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን።"(ዮሃ 313) እናበለ ሰማያዊ ምዃኑ ብግልጺ ሓበሮ። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ንሱ ሰማያዊ እዩ። ምስኡ ሕብረት ክህልወና እሞ ናብ ላዕሊ ድማ ከደይበና ኢሉ ካብ ሰማይ ወረደ። እቲ ርእሲ-ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ክርስቶስ ምስ ተንስአ ንሕናውን ምስኡ ከም እንትንስእ ዝተገንዘበ ሃዋርያ ጳውሎስ: "ምስኡውን ኣተንስኣና፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ የሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ የሱስ ምስኡ ኣቐመጠና"(ኤፌ 26) እናበለ ጸሓፈ።

"ምስ ኣምላኽ ሕብረት ካብ ሃለወና፣ ምድራውያን ክንከውን ኣይንግደድን ኢና። ጎይታ ከምዝበሎ፣ ንሱ ኣብ ዘለዎ ንሕና'ውን ምስኡ ክንህሉ ኢና። ምኽንያቱ በቲ ስጋና ዝለበሰ ጎይታ ንሱ ናብ ሰማያዊት-ገነት ዘእቱ መገድና እዩ። ንሱ ናብ ኣቦ ዝመርሕ ጎደና-ሰላምና እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ኢየሱስ "መገዲ..ኣነ እየ"(ዮሃ 146) "እቲ ደገ ኣነ እየ፣ ኩሉ ድማ ብኣይ እዩ ዚኣቱ"(ዮሃ 109) ዝብለና። ቀሌሚንጦስ, (ሓደ ካብ ኣበው ቤተ ክርስቲያን) “ወዳጀ ምስጢር! ወዲ-ሰብ ካብ ገነት ተሰጐ፣ ሕጂ ግና ካብቲ ብምእዛዝ ዝርከብ ዓስቢ ንላዕሊ ሰማያዊ-ህያብ ተቐበለክብል ብምስትንታን ገሊጽዎ ኣሎ።

7.ፍጥረትና ንኸሐድሶ ብስጋ ተጋህደ

ኣምላኽ ንሰብ ብምስሊ ኣምላኽ ከምዝፈጠሮ (ዘፍ 1: 26) መጽሓፍ ቅዱሳዊዩ። እንተኾነ፣ ኣዳም ትእዛዝ ኣምላኽ ምስ ኣፍረሰ ንፍጥረቱ ኣበላሸይዎ፣ እቲ ዝነበሮምስሊ ኣምላኽብገለ ወገኑ ለሚሱ፣ ሞራላውን መንፈሳውን ኣተሓሳስብኡ ተበሪዙ እዩ። ኣእምሮና ንሓጢኣትን ዓለማዊ ረብሓን ስለ ዝተቓልዐ፣ ናብ ኣምላኽ ቀሪብና ሰማያዊ ሓሳብ ጥራይ ክንሓስብ ኣይንኽእልን። ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ሓድሽ ኪዳንእቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ” (ኤፌ 4:24) እናበለ ዝምዕደና። ቀጺሉውንንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ (ቆሎሴ 3.9-10) ክብል እንደገና ነዚ ሓሳብ ኣስሚርሉ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ እብራውያን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፣ ኣብ ሞንጎ መስዋእቲ እንስሳን መስዋእቲ ክርስቶስን ዘሎ ፍልልይ ብንጹር ገሊጽዎ እዩ። መስዋእቲ እንስሳ ንሰብ ካብ ውሽጣዊ ኣበስኡ ከንጽሆ ኣይከኣለን፣ ስለዚ ድማ እዩ እናሻዕ ዝደጋገም ዝነበረ። መስዋእቲ ክርስቶስ ግና ውሽጣዊ ኣበሳና ከንጽህ ክእለት ስለዘለዎ ሓንሳእ ጥራይ እዩ ተፈጺሙ።ብእኡ ንዝኣምኑ ኩሎም ድማ ስሙ ክጾሩ፣ ብስሙ ክጽውዑ ምሕረት እናሃበ ካብ ሞት ናብ ህይወት የሰጋግሮምይብል ኦሪጀን እቲ ሊቅ። ኦሪጀን ደጊሙ ከምዚ ይብል፣ "እቲ ቃል መምህርና እዩ፣ ወሃቢ-ሕጊ እዩ። ምስኡ ሕብረት ብምርካብና፣ ካብ ሞት ኣምሊጥና ኢና። ብምሕዳስ-ሓሳብና ተለዊጥና፣ ብቕድስና ዝተመላእና ሓደስቲ ፍጥረት ኢና። ንሱ ኣብነት እታ መንገዲ ቅኑዕ-ህይወት እዩ፣ ንሱ ኣብነት ሓቀኛ ግብሪ-ሰናይ እዩ፣ ንሱ ብግብሩ ንኣመንቲ ዝለወጠ፣ ኣብቲ መለኮታዊ ሓይሉ ንኽሓብሩ ዝገበረ ዓይነታዊ ኣብነትና እዩ።

"ከንጽሃና ኢሉ ናብ ምድሪ ወረደ፣ ከንጽሃና ኢሉ ስጋና ለበሰ፣ ከንጽሃና ኢሉ ብድሌቱ መከራ ተቐበለ፣ ከበርትዓና ኢሉ ንዓና መሰለ (by being reduced to the measure of our weakness) ድኻምና ተኻፈለ ካብ ድኻምና ድማ ኣበርትዓና። ደጊሙ "ሰብ ንእሽቶ-ኣምላኽ ከምዝኾነ ክምህሮ ምእንቲ' እቲ ቃል-ኣምላኽ ሰብ ኮነ" ይብል ቀሌሚንጦስ። ኣትናቴዎስ ኣንጻር ኣርዮሳውያን ኣብ ዝጽሓፎ መልእኽቱ "እቲ ስጋ ዝለበሰ ወዲ-ኣምላኽ ጠመየ፣ በኸየ፣ ደኸመ፣ ከም መንጎኛ/ኣማላዲ (1ጢሞ 25) ኮይኑ ድማ ነቲ ድኻምና ወሲዱ፣ ሓይሊ ኣልበሰና፣ ብእኡ ድማ ፍጥረትና ተሓደሰ (ዮሃ 1:14) ሃዋርያ ጴጥሮስ ድማንሱ ውሉድ እግዚኣብሔር ክንከውን ሓረየና። ነቲ ድኹም ስጋ-ሰብ ለቢሱ ንሰብነትና ክብሪ ሃቦ። ተማቐልቲ ኣምላኻዊ-ባህርይ ምእንቲ ክንከውን ኢሉ ንሱ ካብ ድንግል ተወልደ፣ ስጋ ለቢሱ ሰብ ኮነ ቅዱስ ህዝቢ ድማ ገበረና። ሃዋርያ ጴጥሮስ ድማ:- “ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም” (1 ጴጥ 2.9)

ምድሪ ኣብ ክንዲ መርገም በረኸት ተቐበለት። ንሽፍታ ገነት ተኸፍተሉ፣ ሲኦል ሓፈረት፣ መቓብራት ተኸፍቱ፣ ምውታት ተንስኡ፣ ኣፍደገ ሰማይ ተኸፍተ፣ ኤዶም ኣፍደጊኣ ኣርሒባ ነቲ "ካብ ኤዶም" ዝመጽእ" ተቐበለቶ (መዝሙር ዳዊት 24.7 ኢሳ 631)

እቲ ቃል ስጋ ኾነ፣ ብእኡ ድማ ኩሉ ነገር ቀንዐ። ብድኻሙ ዕረፍቲ ረኸብና፣ ንሲኦል ወሪዱ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ኣውጽኣና፣ ንፍጥረትና ኣሐዲሱ ናብቲ ቀዳማይ ክብርና መለሰና (ሉቃ 1022)

8.ንወዲ-ሰብ ድሕነት ክእውጀሉ ‘Universalism’ ብስጋ ተጋህደ

ከምቲ ገለ ኣብ ክርስትና ከይተረፈ ዝብልዎ ንውሑዳትን ምሩጻትን ሰባት ጥራይ ዝተኣወጀ ዘይኮነስ ድሕነት ንኹሉ ሰብ እዩ ተኣውጁ። ወንጌላዊ ዮሃንስነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዂሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሀቦም” (ዮሃንስ 1:11-12) ክብል ሰናይ ዜና ኣበሲሩና'ሎ። ቀሌሚንጦስውን (ሓደ ካብ ኣበው ቤተ ክርስቲያን) “እቲ መድሓኒ ጎይታ-ኣይሁድ ጥራይ ዘይኮነስ ጎይታ ኩሎም እዩ። ነቶም ብስሙ ዝኣምኑ ድሕነት ክህብ ተጋህደ። መስዋእቱ ድማ ኣብ ኩሉን ንኹሉን ተንኪፍዎ እዩይብል።

9.እቲ ዘይምርመር ሓቀኛ ፍልጠት (Gnosis) ንኸፍልጠና ብስጋ ተጋህደ

ሓደ ቀንዲ ካብ ተልእኮ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ እቲ ክንገር ዘይከኣል ምስጢር-ህላዌኡ ነቶም ዝኣምንዎ ንምግላጽ እዩ።"ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን፡ ዚፈልጦ የልቦን።"(ማቴ 1127) ቀሌሚንጦስ  "ክርስቶስ እቲ ምስ ኣቦ ዘፋለጠና ሓቀኛ መምህር እዩ። ንኣቦ ክንፈልጦ ድማ ብወልድ ክንኣምን ይግባእ ምኽንያቱ ክርስቶስ ኣብነትና ስለዝኾነ። ኣቦ ብወዱ ብክርስቶስ ገይሩ ካብ እምነት ናብ ፍልጠት-ምልኣቱ ጸውዓና እዩምስ በለ ደጊሙ፣ እቲ ዘይምርመር ሓቀኛ ፍልጠት (Gnosis) “ካብ እግዚኣብሔር-ኣቦ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐበልናዮ ጸጋ እዩይብል ግብጻዊ ቀሌሚንጦስ። ኦሪጀን እቲ ምሁር ድማ "እቲ ቃል [ክርስቶስ] ናብቶም ዝኣምንዎ ምስ መጸ፣ ነቲ ቅድሚ ክርስቶስ ምምጽኡ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ኣቦ መን ምዃኑ ኣግሃዶይብል። ወንጌላዊ ዮሃንስውንእቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ እቲ በዒንትና ዝርኤናዮ፡ እቲ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውናውን ዘረምሰሳኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቓል ህይወት፡- ህይወት ድማ ተገልጸት፡ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንኣና ኸኣ እተገልጸት ናይ ዘለኣለም ህይወት ርኢናያ ኢና እሞ፡ ንምስክር ንነግረኩምውን ኣሎና፡- ንስኻትኩም ድማ ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ንኣኻትኩም ንነግሮ ኣሎና“ (1 ዮሃ 1: 1-3) ኣነጺርዎ።

ሕጽር ብዝበለ መልክዑ፣ ተራ ኣግዚኣብሔር ኣብ ምድሓን ወዲ-ሰብ ብኸምዚ ዝስዕብ ምጥቕላል ይከኣል፣-

  1. ብሓድነት ምስ ኣምላኽ ፍጹማት ክንከውን፡-"ብሓድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፡ ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፡ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም" (ዮሃ 17.23)
  2. ህይወት ምስ ተረፉ ክህበና
  3. ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ከቕርበና፡- “ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኼቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ” (1 ጴጥሮስ 3: 18; ዮሃንስ 17:23)
  4. ካብ ሞት ናብ ትንሳኤ ከሰጋግረና፡- "ስለዚ፣ ኸምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፣ ከምኡ ኸኣ ትንሳኤ ምውታት ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ” (1ቆሮ:15:21)
  5. ብሞቱ ከድሕነና፡- እምብኣርከ ሓደ በጃ ዂሉ ሞተ፡ ስለዚ ዂላቶም ሞቱ፡ ካብ እንብልሲ፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞ፡ እንተ ተጸለልና፡ ንኣምላኽ፡ ምስ ቀልብና እንተ ዀንናውን፡ ንኣኻትኩም ኢና።  (2 ቆሮ 5: 1314) 3- ንሕጊ፡ ብስጋ ስለ ዝደኸመ፡ ኪገብሮ ዘይኰነሉስ፡ ኣምላኽ ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ልኢኹ፡ ነቲ ሓጢኣት ብስጋ ዀነኖ” (ሮሜ 8:3)
  6. መሰል ውሉድ ኣምላኽ ክህበና፡- ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሀበና፡ ከምኡውን ኢና። ስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞ፡ ንኣና ኣይትፈልጠናን እያ (1 ዮሃንስ 3:1)
  7. ኣብ ሰማያት ምስኡ ከቐምጠና፡- ምስኡውን ኣተንስኣና፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ የሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ የሱስ ምስኡ ኣቐመጠና። (ኤፌሶን 2:6-7)
  8. ተማቐልቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ምእንቲ ኽንኰውን፡- ብእኡ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ዝረኸብና፡ ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ ኻብ ዘሎ ጥፍኣት ወጺእኩም፡ ተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ . (2 ጴጥሮስ 1:4)
  9. እቲ ክንገር ዘይከኣል ምስጢር-ህላዌኡ ክገልጸልና፡- “ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን፡ ዚፈልጦ የልቦን። (ማቴ 11:27)
  10. ኣምላኽ እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበብ ሕጂ በታ ማሕበር ገይሩ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሽመታትን ስልጣናትን ምእንቲ ኼፍልጦም፡ (ኤፌ 3:6)
  11. እዚ ኹሉ ግና ብሰብ ተቐባልነት እንተዘይብሉ ድሕነት ኣብ ህይወት ሓደ ሰብ ትርጉም ኣይህልዎን።

ይቕጽል

1 ክፋል ስነ-ጽሑፍ | 2 ክፋል ስነ-ጽሑፍ | 3 ክፋል ስነ-ጽሑፍ | 4 ክፋል ስነ-ጽሑፍ |

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div