S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ድሕነት ዝብል ሓሳብ ቅድሚ ምርኣይና፣ ነቲ ቅድሚኡ ዘሎ ነገራት ምድህሳስ ብዛዕባ ድሕነት ምሉእ ስእሊ ስለዝህብ ሃዲእኩም ክትከታተሉኒ ተስፋ እገብር። ጽሑፈይ ካብቲ ኣብ ኮለጅ .ኣትናቴዎስ ንመምሃሪ ክኸውን ዝተዋህበ ጽሑፍ ምርኩስ ብምግባርን ካብቲ ንመጽናዕቲ ዘዳለኽዎ ዳህሳሳዊ ጽሑፍን (term paper) ዝተዳለወ እዩ። እዚ ጽሑፍ' ሕጽር ብዝበለ መልክዑውን ኣብ መበል 11 (2009) ጉባኤ . ተዋህዶ ቀሪቡ ነይሩ። ኣርእስቲ ጽሑፈይ ኣርባዕተ ክፋላት ኣለዎ ንሎሚ ግና ኣብቲ 1 ክፋል ከድህብ እየ።

ትሕዝቶ ስነ-ጽሑፍ

  • ሓጢኣት ኣዳምን ነጻ ምርጫ ወዲ-ሰብን
  • ነጻ ምርጫ ወዲ-ሰብን ምሕረት እግዚኣብሔርን

መእተዊ

ሰብ ብምስሊ ኣምላኽ ዝተፈጥረ (ዘፍ 126) ክሓስብ፣ ክመራመር፣ ከስተንትን ዝኽእል ፍሉይ ፍጥረት እዩ። ካብ ካልእ ፍጥረት ዝፈልዮ ድማ እዚ ባህርያት' ስለ ዝውንን እዩ። በዚ ፍሉይ ትዕድልቲ' ምስ ኣምላኽ ይራኸብ፣ ይላዘብን የስተንትን። ካልእ እግዚኣብሔር ንወዲ-ሰብ ካብ ዝሃቦ ብሉጻት ነገራት ሓደ ናይ ምምራጽ ናጽነት (Free will) እዩ። ወዲ-ሰብ ምስ ምሉእ ናጽነቱ እዩ ተፈጢሩ። ሰብ በቲ ዝወስዶ (ዝኽተሎ) ናይ ናጽነት ምርጫ ተሓታቲ እኳ እንተኾነ፣ ናጽነት ግና ካብ ሰብ ዘይኮነ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበሎ መለኮታዊ ህያብ እዩ። ሎሚ እተን ናይ ናጽነት ጎብለላት ዝበሃላ ሃገራት ኮነ ካልኦት፣ ብዛዕባ መሰል-ደቂ-ሰባት፣ መሰል-ርእሰ-ውሳኔን ሰብኣዊ ናጽነትን ዝምጉታ፣ ነቲ ኣምላኽ ዝዓደለና ናጽነት: ሰባት ክግህስዎ መሰል የብሎምን ዝብል መሰረታዊ ኣምር ሒዘን እየን። ንኣብነት፣ ሕጊ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብዚ ኣምር' ዝተሰረተ ኮይኑ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረትን ጽልዋን ዘለዎ ዕልመናዊ ሕጊ'ዩ።

ሓጢኣት ኣዳምን ነጻ ምርጫ ወዲ-ሰብን

ኣዳም (እቲ ቀዳማይ ሰብ) ካብ ዝኾነ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ነጻ ዝኾነ ንጹህ ኣእምሮ ነይርዎ። በዚ ንጹህ ኣእምሮኡ ድማ ንኣምላኽ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዘስተንትኖ ነገር ኣይነበረን። ኣዳም ትእዛዝ ኣምላኽ ምስ ኣፍ ረሰ ግና ንፍጥረቱ ኣበላሸይዎ: እቲ ዝነበሮ ናጽነትውን (ነጻ ምርጫ) ለሚሱ። ሕጂ እንተኾነውን "ምሉእ ናጽነት ኣሎና፣ ግና ኣእምሮና ንሓጢኣትን ዓለማዊ ረብሓን ስለ ዝተቓልዐ፣ ናብ ኣምላኽ ቀሪብና ሰማያዊ ሓሳብ ጥራይ ክንሓስብ ኣይከኣልን እዩ። ከም ሳዕቤኑ: ካብ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ነጻ ኣውጺኡ ምስ ኣምላኽ ሕብረት ምእንቲ ክህልወና ጸጋ-ኣምላኽ ደለናይብል ግብጻዊ . ኣትናቴዎስ። እቲ ቀዳማይ ሰብ ውሉድ-ኣምላኽ ስለ ዝነበረ ምሉእ ናጽነት ተዋሂብዎ ኣብ ገነት ይነብር ነይሩ። ብባህግን ትምኒትን ተሓቢሉ ምስ ወደቐ ግና ካብ ገነት ተሰጒጉ።ሕጂ በቲ ብወለንትኡ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ተቐይዱ ይርከብ" (ግብጻዊ ቀሌሚንጦስ) ኣዳም ክንብል ኰለና፣ ኣዳምን ወዲ-ሰብ ብምሉኡ ማለትና እዩ።  ኩሎም ሰባት ካብ ባህርያት ኣምላኽ ተኻፊሎም እዮም። ንሕጊ ኣምላኽ ክስዕብዎ ወይድማ ክነጽግዎ ምሉእ "ናጽነት" ኣለዎም። ሰባት ንሓጢኣትን ክፉእ ግብርን ስለ ዝተገዝኡ ግና ብዘይካ ክርስቶስ ኩሎም ሓጢኣተኛታት እዮም። ብስጋ ካብ ኣዳምን ሄዋንን ስለ ዝተወለድና፣ እቲ ሓጢኣቶምን መርገምን ዘይኮነስ፣ ዝምቡል ስምዒትን ዘይምፍላጥን (disordered sensuality and ignorance) ወሪስና። እዚ ድንቁርናን ዝምቡል ኣተሓሳስባን ድማ ሓጢኣት ኣኸቲሉ። ሎሚ "ብዝተኻእለ መጠን ሓጢኣትና ከነውሕድ ድኣ ንጽዕት እምበር ኣብ ሞንጎና ንጹህ ዝበሃል ሰብ የሎን። ካብ ሓጢኣት ንጹህ' እግዚኣብሔር በይኑ ጥራይ እዩ። እቶም ለባማት ሰባትን እቶም ሓቐኛታት ክርስቲያንን ግና ወለንታዊ ኣበሳ ከይፍጽሙ ኩሉጊዜ ይጽዕቱይብል ግብጻዊ ቀሌሚንጦስ። ሃዋርያ ዮሃንስ'ውን "ሓጢኣት ኣይገበርናን፡ እንተ በልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉ'ውን ኣባና የሎን" (1 ዮሃ 1: 10) እናበለ ሰብ ሓጢኣት ካብ ምፍጻም ከምዘይዓርፍ ጽሒፉሎ።

ነጻ ምርጫ ወዲ-ሰብን ምሕረት እግዚኣብሔርን

ምሕረት እግዚኣብሔር ምስ መሰል"ነጻ ምርጫ" ብኸመይ ይዛመድ? ኣምላኽ ንኹሉ (ጸጉሪ ርእስና ከይተረፈ, ማቴ 10 30) ይርእን ይሕልዎን እዩ ግና ሓደ ሰብ መሰል "ነጻ ምርጫ" ተጠቒሙ እንተ ቐተለኒ ብኸመይ እቕበሎ?

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብሰናይ ፍቓዱ ንሰብ "ነጻ ምርጫ" (ምሉእ ናጽነት) ዓዲልዎ እዩ። ኣምላኽ ኩሉ ዝፈልጥን ኣቐዲሙ ንነገራት ዝርእን እኳ እንተኾነ ኣብ "ናጽነት" መሰል ወዲ-ሰብ ግና ኢዱ ኣየእቱን እዩ። ኣምላኽ ክፉእ ነገር ኣይፈጠረን: ሰባት ክፉእ ነገር ክገብሩ ኰለዉ ግና ኣይክልክሎምን'ዩ። "ነጻ ምርጫ" ወዲ-ሰብ በቲ ክንገር ዘይከኣል ጥበቡ ንረብሓ ደቁ ከምዝውዕል ይገብሮ'ዩ። ሰናይ ብኽፉእ እንተዘይተፈቲኑ ድማ ሰናይ ምዃኑ ብኸመይ ምተፈልጠ? እስከ ንሎሚ ክልተ ኣብነታት ንርአ፣

1 ኣብነት (ደቂ ያእቆብን ዮሴፍን)

ደቂ ያእቆብ ነቲ ንእሽቶ ሓዎም ዮሴፍ ብተንኮል ንግብጺ ምስ ሸጥዎ ኣምላኽ ግና ንዮሴፍ ኣብ ግብጺ ሰናይ ነገር ኣዳልዩሉ ጸኒሑ። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት እቶም ብተንኮል ዝሸጥዎ ዓበይቲ ኣሕዋቱ በቲ ዝገበርዎ ክፉእ ነገር ክሓፍሩ ኮለዉ ድማ ንርኢ።ኣምላኽ እዩ ህይወት ንምድሓን ቀቅድሜኹም ዝለኣኸኒ እሞ፡ ሕጂ ድማ ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጉሀዩ ኣይትጨነቑ። ኣብዛ ምድሪ ጥሜት ካብ ዝኸውን ሕጂ ክልተ ዓመት ኮይኑ፡ ዘይሕረስንን ዘይዕጸደንን ድማ ገና ሓሙሽተ ዓመት ኣለዋ። ኣምላኽ ግና ኣብ ምድሪ ተረፍ ምእንቲ ኼትርፈኩም ብዓብዪ ምድሓን ድማ ህይወትኩም ክትድሕን፡ ቀቅድሜኹም ለኣኸኒ። ሕጂ ኸኣ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን ናብዚ ዝለኣኽኩምኒ። ንሱ ንፈርዖንን ኣቡኡን ጐይታ ኹላ ቤቱን ገዛእ ኩላ ሃገር ግብጽን ገበረኒ። ቀልጢፍኩም ናብ ኣቦይ ደይቡ እሞ በልዎ፡ ዮሴፍ ወድኻ ከምዚ ይብል፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኹላ ግብጺ ጐይታ ገበረኒ ናባይ ውረድ ኣይትደንጉይ” (ዘፍጥ 45: 5-9) ዮሴፍ ድማ ኣይትፍርሁ፡ ኣነዶ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እየ፡ ንስኻትኩም ንኽፉኤይ ሓሰብኩም፡ እግዚኣብሄር ግና፡ ከምቲ ሎሚ ኾይኑ ዘሎ ኽገብር ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኼድሕን ንጽቡቕ ሓሰበ (ዘፍጥ 50: 19-20)

2 ኣብነት (ይሁዳ ኣስቆሮታዊ)

ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ንመሰል "ነጻ ምርጫ" ብግጉይ መንገዲ ተጠቒምሉ እግዚኣብሔር ግና ንድሕነት ብዙሓት ሰባት ምኽንያት ኪኸውን ብጥበቡ ለዊጥዎ (ማቴ 2647)ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ንመሰልነጻ ምርጫተጠቒሙ ዝተፈላለየ ባህርያት ከንጸባርቕ ባህርያዊ እዩ። እግዚኣብሔር ግና ምስ መሰል ነጻ ምርጫ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ብዝቃዶ መንገዲ ንኩሉ ፍጥረት ይሕልዎን ይኸናኸኖን እዩይብል ኦሪጅን።

ይሁዳ ንክርስቶስ እንተዘይክሕዶ እሞ ስቕለት ክርስቶስ ድማ እንተዘይፍጸም ድሕነት ብዙሓት ሰባት ኣይምተጋህደን። ስቕለትን ሕማማት ክርስቶስን እንተዘይህሉ ድማ ኣሕሉቕን ስልጣናትን ኣይመሓፈሩን (ቆሎ 2:15) ብተመሳሳሊ መገዲ: ሞት ክርስቶስ እንተዘይህሉ ተሰፋ ትንሳኤ ኣይምተረኽበን። ሰይጣን ብሓይሊ ካብ ሓጢኣት እንተ ዝኽልከል ነይሩ እቲ ኣንጻር ሰይጣን ዝግበር ቃልሲ ኣይምሃለወን: ዓስቢ ኣኽሊል ዓወት ድማ ኣይምተረኽበን።

ይቕጽል|

1 ክፋል ስነ-ጽሑፍ | 2 ክፋል ስነ-ጽሑፍ | 3 ክፋል ስነ-ጽሑፍ | 4 ክፋል ስነ-ጽሑፍ |

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div