S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣቡነ መቃርዮስን ሓዋርያዊ ዑደቶምን

ብጹዕ ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ፡ ኣብ እስራኤል፡ ጀርመን፡ ስዊትዘርላንድ፡ ስዊድንን ዓድ እንግሊዝን ሓዋርያዊ ዑደት ንምክያድ ጉዕዞኦም ድሮ ብሃገረ እስራኤል ፈሊሞሞ ኣለዉ። ከም

ናይ ሃገረ-ስዊዲን ተቐማጢ መጠን፡ እዞም “ናይ ክፉእ ዘመን ኣቦ” ዝተሰምዩ ብጹዕ ኣቦና፡ ኪበጽሑና ይመጹ ኣለዉ፡ እየ ዝብል ዘለኹ’ሞ “ ኣብ ሃገረ ስዊዲንን ከባቢአን እትርከቡ ምእመናን፡ ሓቢርኩም ምሳና ትቕበልዎም ዶ?” ኢለ ከይሓትት ሕልናይ “ግጉይ ሕቶ እዩ” ይብለኒ ኣሎ። ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ናይ እምነት ጀጋኑ ዘይተቐበልና ደኣ እሞ ንመን ክንቅበል ከምእትብሉኒ ዳርጋ ርግጽ ጌረ እየ ወሲደዮ ዘለኹ። እወ እቶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ስዊዝን ኣብ ጀርመንን እትርከቡ ምእመናን’ውን መልስኹም ከምኡ ከምዝኸውን ተረዲአዮ ኣለኹ፡ ሓደው እቲ ናይ እስራኤል ፈላሚ ዝረአኽዎ ስእሊ ከምኡ ይብለኒ’ሎ።

ንብጹዕ ኣቦና፡ ምናልባት በቲ እናነብዑ ናብ ህዝቢ ዘመሓለለፍዎ መልእኽቶም ኢኹም ትዝክርዎም ትኾኑ። ምናልባት’ውን ኣብ ሜዳ በቲ ብ1985 ንናይ ኲናት ኣካለ-ስንኩላን ዘስምዕዎ ተረካብ ዘረባ፡- "ሩዝቨልት ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም ኣብ ሰድያ ኮፍ ኢሉ ውግእ መሪሑ ተዓዊቱ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ትፈትውዎ ኣካልኩም’ኳ እንተሃብኩም፡ ኣዴኹም ግን ኣይትጸግበኩምን እያ’ሞ ብዙኃት ሩዝቨላት ክትኮኑላ ኢኹም" ዝብል ሓቦ ዘስንቕ ተረካብ ዘረባ ነበረ፡ እቲ ሽዑ ዝሃብዎ ምኽሪ። ምናልባት’ውን ኣብቲ ናይ ቤተክርስቲያንና ዋና ኣመሓዳሪ ዝነበሩሉ ወቕቲ፡ ኣብ ኣደባባይ ባሕቲ መስከረም፡ ብቛንቋታት ዓረብ፡ እንግሊዝን ትግርኛን ዝሰብክዎ ዝነበሩ መሳጢ ትምህርትታት ትዝ ይብልኹም ይኾኑ።

ወዲ 82 ዓመት፡ ጳጳስ ዲበ ኵሉ፡ ብጹዕ ኣቡነ መቃርዮስ፡ ብሥነ መለኮት ማስተርስ ዲግሪ ዘለዎም እንኮ ኤርትራዊ ኦርቶዶክሳዊ ጳጳስ እዮም። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣለዉ ካብ ዝበሃሉ ምሁራን ከኣ (እንተላይ ን ኮፕቲካውያን ሓዊስካ) ካብቶም ውሑዳት ኣቦታት ንሶም ብቐዳምነት ይጥቀሱ። ብዘይካ እቲ ዓሚቝ ናይ ስነ-መለኰት ኣፍልጦኦም፡ ቋንቋታት ግእዝ፡ ትግርኛ፡ ኣማርኛ፡ ዕብራይስጢ፡ ግሪኽ፡ ኮፕቲክ፡ እንግሊዝኛ፡ ኢጣልያንኛ፡ ዓረበኛ፡ ክዛረቡን ክጽሕፉን ይኽእሉ።

ብጹዕ ኣቡነ መቃርዮስ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቀይዲ ዝርከቡ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ዓቃቤ መንበር እዮም። ናይተን ኣብ ትሕቲ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምእከላ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣህጉረ ስብከታት ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣሜሪካን ማእከላይ ምብራቕን ከኣ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጳጳስ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ድማ ንሶም እዮም።

እንታይነት ናይ ብጹዕ ኣቦና ዘይፈልጥ ካህን ይኹን ምእመን ዝህሉ ኣይመስለንን። እንተስ ብጸለመ እንተስ ብናእዳ ብሓዲኡ ስም ኣቡነ መቃርዮስ ክጥቀስ ከምዝሰማዕኩምሲ ርግጸኛ እየ። ዝኾነ ኮይኑ ግን፡ ምስ መምህሩ ክታረኽ ዝደፍርን፡ ንእሽቶ ቀለም ጥዒሙ ምስቶም ዕድመ-ልክዖም ቀለም ዝጸገቡ ክዳፈር ሕንኽ ዘይብልን ወለዶ ሰልጢኑሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ንነብር ስለዘለና ግን፡ ገለ ካብ ታሪኾም ቍንጭል ኣቢልካ ምቕራብ ኣገዳሲ ይመስለኒ።

ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን ዓበዩ

በቑሎም ዝዓበዩሉ ቦታ ገዳም ደብረ ቢዘን እዩ። ዲቁናን ክህነትን’ውን ኣብዚ ገዳም እዚ ዝበጽሑዎ መዓርግ እዩ። መዝገብ-ቅዳሴን ቅኔን ድማ ኣብቲ ብዙሓት ሊቃውንቲ ዝፈረዩሉ ደብረ ኣባይ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ዓቢ ደብሪ ተማህሩ።

ኣብ ግብጺን ኢየሩሳሌምን ዝለዓለ ትምህርቲ ቀሰሙ

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ 1951 ኣብ ሃገር ግብጺ ኣብ ዝርከብ ዮሓንስ- ከማ ኣብ ዝብሃል ገዳም ኣትዮም  መንፈሳዊ ኣገልግሎት እናፈጸሙ ክመሃሩ ድሕሪ ምጽንሖም፡ 1959 ናይ ሥነ- መለኮት ዲግሪ ክምረቑ ምኽኣሎም ይፍለጥ። ብ1960 ከኣ ማኅደረ ትምህርቲ (scholarship ) ረኺቦም ናብ ኢየሩሳሌም ድሕሪ ምኻድ: ኣብ 1964 ዓ.ም ብማስተርስ ዲግሪ ተመረቑ።

ፍሉይ ወኪል ሓበሻዊት ቤተክርስቲያን ተሰምዩ

ብ1959 ዓ.ም ሓበሻዊት ቤተክርስቲያን ቀዳማይ ፓትርያርክ ኣብ ዝረኸበትሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያን ግብጺን ሓበሻን ንዝተገብረ ስምምዕ፡ ዋና ተርጓማይ ኮይኖም ዘገልገሉ ብጹዕ ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ ነበሩ። ብዘይካ’ዚ፡ ብ1962 ኣብ ቫቲካን ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ከምኡውን ብ1965 ኣብ ሌጎስ ዝተገብረ ጉባኤ፣ ወኪል ቤተ ክርስቲያን ሓበሻ ኮይኖም ዝተሳተፉ ብጹዕ ኣቦና፡ ኣቡነ መቃርዮስ እዮም።

ኣብ ቅ-ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣመሓዳርን መምህርን ነበሩ

ኣብ ኢትዮጵያ ብዓይነቱ ዝዓበየን ቀንድን መንፈሳዊ ኮሌጅ እንተሎ፡ ቅ-ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ እዩ። ብጹዕ ኣቡነ መቃርዮስ ናይቲ ቤት ትምህርቲ፡ ኣመሓዳርን መምህርን እዮም ኔሮም እንተበልናኩም ከ?! ብጹዕ ኣቦና ኣብ ቅ-ሥላሴ-መንፈሳዊ-ኮለጅ ኮይኖም እናኣገልገሉ ኮለው፡ ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺቦም ናብ ኣሜሪካ ብምኻድ ኣብ ሃርቫርድ ዩኒቨርስቲ ትምህርቶም ቀጸሉ። ብመጸዋዕታ ንጉስ ኃይለ-ሥላሴ ግን ብ1967 ከምብሓድሽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመልሱ። ብሓደ ወገን መምህር ኮለጅ ቅ.ሥላሴ (comparative Theology )፡ በቲ ካልእ ድማ ኣማሓዳሪ ቤተ-ክርስቲያን-ኣማኑኤል ኮይኖም ክሳብ 1974 ዓ.ም ኣገልግሎቶም ቀጸሉ።

ምስ ምምጻእ ስርዓት ደርግ ናብ ስደት ኣምርሑ

ብ1975 ኣብ ጉባኤ-ኦሬንታል-ኣብያተ ክርስቲያናት ንምስታፍ ንኣውስትርያ ምስ ከዱ፡ ደጊም ኤርትራዊ  እየ ኢሎም ኢዶም ሂቦም ናብ ኣሜሪካ መጹ። ኣብ ስደት ንዝነብሩ ኤርትራውያን ናይ መጀመርታ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣብ ወጻኢ ብቋንቋ ግእዝን ትግርኛን እንግሊዝኛን ኣገልግሎት ጀመሩ። ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ (ኣሜሪካ) ድማ መጻሕፍቲ ካብ ግእዝ ናብ ትግርኛ እናተርጎሙ ብቋንቋ ትግርኛ ቅዳሴ ጀመሩ።

1985 ናብ ሓራ መሬት ሳሕል በጽሑ

ኣብ 1985፡ ፈላሲ ኮይኖም ንጥይትን ካልእ ነገርን እኳ ከዋጽኡ እንተ ዘይከኣሉ፡ ኣብ በረኻ ብምኻድ፡ ውጉኣት ብምጽንናዕ ኣበርክቶ ገበሩ። "ሩዝበል ኣብ 2ይ ውግእ ዓለም ኣብ ሰድያ ኮፍ ኢሉ ውግእ መሪሑ ተዓዊቱ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ዋላ ትፈትውዎ ኣካልኩም እንተሃብኩም ኣዴኹም ኣይትጸግበኩምን እያ ብዙኃት ሩዝበላት ክትኮኑላ ኢኹም" ኢሎም ዘጸናንዕዎም ብብዙኃት ይጥቀስ እዩ። ጥይትን ብረትን ከወፊ ኣይግብኣንን ብምባል ድማ፡ 18300 መራፍእ፡ 7303 ትቦ ናይ ፈትሊ፡ ክዳን እንተ ተቀደደኩም ትልግብሉ፡ እሾኽ እንተ ወግኣኩም ትነቕስሉ፡ ብምባል ወፈዩ።

ጳጳስ ዲበ ኩሉ ዝብል መዓርግ ተሾሙ

20 ግንቦት 1991 መዓርግ ጵጵስና ተቐቢኦም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ዝርከቡ ምእመናን፡ ጳጳስ ዲበ-ኩሉ (General Bishop) ዝብል መዓርግ ተሾሙ።

ድሕሪ ናጽነት ናብ ኤርትራ ተመልሱ

መስከረም 1991 ናብ ኤርትራ ኣትዮም ዋና ኣመሓዳሪ ቤ.ክ. ኮይኖም ከገልግሉ ጀመሩ። ምስቲ ዝነበሮም ተሞክሮን ናይ ቋንቋ ክእለትን  ብ1994 ናይ ወጻኢ ርክባትን ዝምድናታትን ሓላፊ ኮይኖም ተመዲቦም ኣገልግሎቶም ቀጸሉ። ብ1995 ዝሽየሙ ሓደሽቲ ሓሙሽተ ጳጳሳት ሒዞም ንግብጺ ብምኻድ ን4 ወርሕን ፈረቓን ኣብ ገዳማት ኣብ ዕጽዉ ቤተ ትምህርትን ገዳማትን ምሂሮም ናብ ሃገር ተመልሱ።

ብ1997 ናብ ግብጺ ዳግማይ ስደት ተሰዱ

ቅንዕና ዝመለለይኡ ባህርይ ብጹዕ ኣቦና ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳራዊ ስርዓት ስለዘየቃደዎም፡ ስሞም ብምጽላም ካብ ኤርትራ ከምዘወጹ ተገብረ። ብ1997 ከኣ ዳግማይ ናብ ግብጺ ተሰዲዶም፡ ኣብቲ ዝተሾሙሉ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እናተዘዋወሩ ንምእመናን ብቋንቋ እንግሊዝኛ፡ ትግርኛ፡ ዓረብኛን ኣገልግሎት ኪህቡ ጸኒሖምን ኣለዉን።

ኣቃቤ መንበር ዘኣቡነ ቅዱስ እንጥንዮስ ተሰይሙ

ብ26 መስከረም 2009 ዓ.ም በቲ ዝተቐብኡሉ መዓርግ ጵጵስና፡ ነተን ብሕጋዊ ቀኖናን እምነትን ቤተ ክርስቲያን ዝኸዳ ኣብ ትሕቲ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝመሓደራ፡ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ኣብያተክርስቲያን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጳጳስን ኣቃቤ መንበር ዘኣቡነ ቅዱስ እንጦንዮስን ኮይኖም የገልግሉ ኣለዉ።

 

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል

ደብረ ኢየሱስ መድሃኔ-ዓለም ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኣብ ከተማ ኡምዮ: ስዊድን

 

መወከስ ጽሑፋት

ድሕረ- ባይታ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ, www.tewahdo.org

ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div