S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክርስቶስ - ምእንታና ዚልምን መንጎኛ መድሓኒ

ሰላምታ ብምቕዳም፣ “ኣብ የማን ኣቦ ኮይኑ ስሌና የማልድ” ማለት እንታይ ማለት እዩ? ክብል ንዝሓተተ ሓውና ተኪኤ መልሲ እንሆ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ንሮማውያን "እቲ ዚዅንንከ መን እዩ? ክርስቶስ ኢየሱስ፡ እቲ ዝሞተ፡ ኤረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስኤ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ እዩ"(ሮሜ 8.34) ክብል ጽሒፍሎም። ከምኡውን ኣብ እብራውያን "ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኲሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ” (እብ 7.25) ዝብል ጽሑፍ ንረክብ።

“ኣብ የማን ኣቦ ኮይኑ ስሌና የማልድ” ዝብል ሓሳብ ብምስትውዓል ክንርድኦ ይግብኣና። ክርስቶስ ንድሕነት ደቂ-ሰባት ኣብ ምድሪ እዩ ፈጺምዎ። እዚ ማለት ክርስቶስ ስጋ ለቢሱ ኣብ ምድሪ ኣብ ማእከልና ተመላሊሱ፣ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ፣ ድሕነት ኣዊጁ፣ ንሞት ደምሲሱ ናብ ሰማይ ከምዝዓረገ ጽሑፋት ዝገልጽዎ ሓቂ እዩ። ሕጂ ግና ኣብ ሰማይ፣ ኣብ የማን ኣምላኽ እዩ ዝነብር ዘሎ። ኣብ ሰማይ ኮይኑ ድማ እዩ ነቲ ኣብ ምድሪ ኮሎ ዝፈጸሞ ድሕነት ዘካይዶ [ዘመሓድሮ?] ዘሎ። እቲ ጥቕሲ ደጊምና እንተርኢናዮ ክልተ ሓሳብ ዝሓዘ እዩ። ኣብ ክልተ ከፊልና ድማ ዳግማይ ክንርእዮ ኢና።

እቲ ቀዳማይ (1ይ) ሓረግ "…ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኲሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ” (እብ 7.25) እትብል እያ።

ካበየናይ ሃገር ትብገስ ብዘየገድስ፣ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ከይሰገርካ ናብ ደሴት ዳህላክ ክትኣቱ ዝክኣል ኣይኮነን። በተመሳሳሊ መገዲ፣ ናብ ኣምላኽ ብቐጥታ ክሓልፍ ወይ ክመጽእ ዝኽእል ኣካል የለን። እታ ናብ ኣምላኽ እትወስድ መገዲ ብክርስቶስ ኣቢልካ ጥራይ እያ እትእቶ ምኽንያቱ ክርስቶስ "…መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን" (ዮሃ 14፣6) ክብል ምሂሩና'ዩ። ስለዚ ናብ ኣቦ ቅድሚ ምብጻሕና ናብ ክርስቶስ ግድነት ክንመጽእ ኣሎና። ተወሳኺ ከነስምረሉ ዘለና ነጥቢ፣ ክርስቶስ ኣፍደገ መንግስተ ሰማይ እዩ። ክርስቶስ "ኣነ ኣፍደገ ኣባጊዕ እየ" (ዮሃ 10: 7) ኢሉ ስለዝመሃረና እቲ ስፍራ ኣባጊዕ (ስፍራ ቅዱሳን) ብዘይካ ብኣፍደገ-ክርስቶስ ብኻልእ ኣይእቶን እዩ። እታ መእተዊት ኣፍደገ ሓንቲ እያ ንሳ ድማ ክርስቶስ እዩ።

እቲ "ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ” ዝብል: ልኽዕ ከምቲ ሰባት ስሌና ዘማልዱ፣ ዝጽልዩ ወዘተ፣ ክርስቶስ'ውን ስሌና ጸልዩን ኣማሊዱን እዩ። እዚ ዘብርሆ ነገር ድማ ነቲ ሰባዊ ባህርያቱ ዝውክል እዩ ምኽንያቱ ክርስቶስ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ እዩ። ክርስቶስ ስጋና ስለዝለበሰ: ባህርይ ናይ ሰባት ስለዝተኻፈለ: ስሌና ብስቕለቱን ሞቱን ድሕነት ሂቡና’ዩ። እዚ ሓደ እዋን ተፈጺሙ ዘብቖዐ ጉዳይ ኣይኮነን ነቶም ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት ኣብቲ እዋን ስቕለቱ ዝነበሩ ሰባት ጸልይሎምን ኣድሒንዎምን እዩ። ነዞም ሕጂ ብህይወት ዘለና ድማ ከምኡ እቲ ደሙ የማልደና እዩ (ተበጃውነት)። ንኣብነት፣ “የሱስ ድማ፡ ኣቦይ፡ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም፡ በለ”(ሉቃስ 23: 34) ኢሉ ስለ እቶም ዝሰቐልዎ ሰባት ከምዝጸለየ ነንብብ። ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ሓድነት ምእንቲ ክህበና ዝጸለዮ ጸሎት'ውን ከምዚ ዝስዕብ ነንብብ:- "ብሓድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፡ ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፡ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ሃብክዎም" (ዮሃ 17.23) ይብል። ኣብ ካልእ ጽሑፍ እንተርኣና'ውን “እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነየ። ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩ” (ሉቃ 22:31-32) ዝብል ንረክብ። እዚ ዘግህዶ ሓቂ ድማ ክርስቶስ ስሌና ጸልዩን ኣማሊዱናን እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ “ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይ ወርቂ፡ ከም ዘይደሐንኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም” (1ይ ጴጥ 1: 18-19) ክብል ብደሙ ዝተዓደግና ምዃንና ምሂሩና። ሰለዚ’ውን እያ ቤተ ክርስቲያን "መድሓኔ ዓለም" እናበለት ክትውድሶ ጸኒሓን ዘላን፣ ንዘለኣለም ድማ ከተመስግኖ ክትነብር እያ።

እቲ ካልኣይ (2ይ) ሓረግ “ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ” (ብ 7.25) ዝብል ድማ ነቲ ኣምላኻዊን መለኮታዊን (ተበጃውነት) ባህርዩ ዝውክል ግሩም ሓሳብ እዩ። ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ኣብ ምድሪ ተመላሊሱ ጥራይ ዘይኮነስ ብደሙ ሓድሽ ኪዳን መስሪቱ እዩ። “…እቶም ጽዉዓት ነታ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሉ፡ ንሱ [ክርስቶስ] ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን ዀነ።”(እብ 9:15 ከምኡውን 1ጢሞ.2፡5-6። እብ.8፡6፤ 12፡24)። ስለዚ፣ ክርስቶስ ስጋና ስለዝለበሰ ምእንታና ይልምን፣ ኣምላኽ ስለዝኾነ ድማ ከድሕነና ተኽእሎ ኣለዎ።

ኣብ ብሉይ ኪዳን፥ እቲ ሊቀ ካህናት ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ይኣቱ'ሞ ብምንጻግ ደም ነቶም ህዝቢ የንጽሆም ነበረ። እቲ ሓደ ጊዜ ዝነጸጎ ደም ድማ ንዓመት ምሉእ ብንጽህና የንብሮም ነበረ። እዚ ኣብነት ናይዚ ሕጂ ዝተበጀወና ደም ክርስቶስ'ዩ። ዘሌ 16:11; 9:9; 17:10-11።

“ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን” ወይውን “ምእንታና ዚልምን” ማለት ግና እንታይ ማለት እዩ?

“ማእከላይ” ዝብል ቃል ኣተዓራቒ፣ ዕርቂ ዝገብር፣ ሓደ ኣካል ምስ ካልእ ኣካል ዘራኽብ ወይ ዝሽምግል ሰብ ማእከላይ ወይ መንጎኛ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ኣብ መንጎ ኽልተ እተፈላለዩ ወገናት ኣትዩ ንኽልቲኦም ኬተዓርቕ ዚኽእል ማእከላይ ሰብ ክበሃል ይከኣል።

ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽ ስለዝኾነ፡ መንጎኛ ኮይኑ ብደሙ ሓድሽ ኪዳን ምስ መስረተ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪ ኣፍሪሱ፡ ሓንሳእን ንሓዋሩን ምስ እግዚኣብሔር-ኣቦ ኪዓርቀና ከምዝኸኣለ ቅዱስ ጽሑፍ ደኲንዎ'ሎ (ኤፌ 2፣ 13-15)። እዚ ድማ ተበጃውነት ይበሃል። ስለዚ፣ ክርስቶስ ብደሙ ፍጹም ድሕነት ሂቡና እዩ ብዘይክኡ ድማ ካልእ መድሓኒ የብልናን (ግብ 4:12)።

ደጋፊ ምኽሪ (ሓሳብ)

“ምእንታና ዚልምን” ዝብል ቃል ክልተ ሓሳብ ዝሓቖፈ እዩ። እቲ 1ይ ሓሳብ መንጎኛ፣ ማእከላይ ወይ ሸምጋሊ ዝብል ክኸውን ኮሎ እቲ 2ይ ሓሳብ ድማ ዕርቂ ንኽግበር ዝልምን፣ ዝሓትት ወይ ዝጽሊ ዝብሉ ሓሳባት እዮም። ኣብ ቋንቋ እንግሊዘኛ እንተረኣና'ውን mediator (መንጎኛ) intercessor (ኣማላዲ) ዝብሉ ተመሳስሊ ሓሳብ ዘሎዎም እኳ ይኹኑ እምበር ብንጹር ዝፈላለይሉ ነጥብታት ኣለዎም። እዛ mediator እትብል ቃል ነቲ ክርስቶስ ብመለኮቱ ዝፈጸሞ ድሕነት (ተበጃውነት) እትገልጽ ቃል ክትከውን ኮላ፣ intercessor ዝብል ግና ንክርስቶስን ነቶም ስሌና ዝጽልዩ ካልኦት ሰባትን እትገልጽ ቃል እያ። ሓደ ጻድቕ ሰብ: ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ሰባትን መንጎኛ ክኸውን ኣይክእልን፣ ኣማላዲ (ናይ ጸጋ ልመና) ግና ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ነዚ ኣርእስቲ ጽሑፍና ሓጋዚ ኮይኑ ዝስምዓኒ ሓደ ኣብነት ከቕርብ። ንኣብነት እቲ ቅዱስ ጽሑፍ፣ ንኣምላኽ “ጻድቕ” (ዮሃ 17: 25) ይብሎ። ቆርኔሌዎስ ድማ “ብዂሉ ህዝቢ ኣይሁድ እተመስከረሉ፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ ጻድቕ ሰብኣይ”(ግብ 10:22) ከምዝነበረ ይገልጽ። ኣብ መንጎ ኣምላኽን ቆርኔሌዎስን ግና ዓቢ ናይ ቅድስና ፍልልይ ኣሎ። ቆርኔሌዎስ ብክርስቶስ ዝጸደቐ ከማይን ከማኻን ሰብ እዩ ጽድቂ ኣምላኽ ግና ፍጹም (absolute) እዩ። ኣብ ካልእ ጽሑፍ’ውን፣ እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን “ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኰኑኒ ኢኹም (ዘጽ 19፥6) ይብሎም (relative term)። ኣብ ራእይ ዮሃንስ ድማ “…እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን ኲሉ ዚከኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ቅዱስ እዩ…”(ራእ 4: 8) ይብል። ይኹን እምበር: ሕጂ'ውን ቅድስና ኣምላኽ ምስ ቅድስና ህዝቢ እስራኤል ክነጻጸር ኰሎ መዘና-ኣልቦ'ዩ (absolute term)። እዚ ድማ ተዛማዲ ናይ ኣገላልጻ ሓረግ (relative term) ተባሂሉ ይግለጽ። ኣብ ቋንቋ እንግሊዘኛ እዛ ቅዱስ እትብል ንመን ከምእተመልክት በታ ቀዳመይቲ ፊደል እያ እትልለ። Holy ንኣምላኽ ጥራይ እትወሃብ ቃል እያ ብኣንጻሩ holy ግና ንዝኾነ ካልእ ሳልሳይ ኣካል (ንሰብ: ንቦታ…) ዝገልጽ ቃል እዩ። ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ግና ንኣምላክ ይኹን ንሰብ ብሓንቲ "ቅዱስ" እትብል ቃል ንገልጾም። ኣብ ከምዚ እዋን፣ ኣብ ክንዲ ኣብ ቃላት እነድህብ ነቲ ምሉእ ሓሳብ ምርኣዩ ኣገዳሲ ይኸውን ምኽንያቱ ናብቲ ቃላት ጥራይ እንተድኣ ኣድሂብና ከጋግየና ስለዝኽእል። ስለዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ "ፊደል ይቐትል፡ መንፈስ ግና ህያው ይገብር እዩ” (2 ቆረ 3:6) ክብል ናብቲ ንቓል ወይ ንሓረግ ሰጊርካ ዝርከብ ጸጋን ምሕረትን ክንጥምት ዝምዕደና።

መደምደምታ

ቅዱሳን ስለ ኻልኦት ሰባት ብጸሎት የማሉዱ እዮም ድሕነት ክዕድሉ ግና ዝከኣል ኣይኮነን። ክርስቶስ ብሰባዊ ባህርዩ ሰብ ስለዝኾነ (ስጋና ስለዝለበሰ)፣ ናብ ኣቦ “ምእንታና ይልምን”። ብመለኮታዊ ባህርዩ ኣምላኽ ስለዝኾነ ድማ “ፈጺሙ ኼድሕነና ይኽእል እዩ”። ሓደ ጻድቕ: ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ሰባትን መንጎኛ ክኸውን ኣይክእልን፣ ኣማላዲ ግና ክኸውን ይኽእል'ዩ። ክርስቶስ ግና ንኽልቲኡ (ምልማንን ምድሓንን) ክፍጽሞ ተኽእሎ ኣለዎ። ምኽንያቱ ክርስቶስ ብደሙ እዩ ኣማሊዱና፣ ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ ዕርቂ ሰላም ሂቡና፣ ኣብ የማን ኣቦ ኮይኑ ድማ ስለቶም ብደሙ ዝዓደገና ኣመንቲ “ምእንታና ክልምን” ይነብር ኣሎ። “…ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ፡ ጠበቓ ኣብ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ጻድቕ፡ እዩ” (1 ዮሃ 2:1)።

ኣብ ኦርቶዶክሳዊ እምነት ኣርባዕተ ነጥቢ ከነንብረሉ ዝደሊ ሓደ ነገር ኣሎ፣ ብዘይካ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሰባት ምስ እግዚኣብሄር ኣቦ ዘተዓርቕ ዝኾነ ካልእ ኣካል የለን። ንወዲ ሰብ ምስ ኣምላኽ ዘተዓረቐ እንኮ ኣካል፡ እቲ ገንሸል ፋሲካና ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ በይኑ ጥራይ እዩ። እዚ ጽሩይ እምነት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ስለዝኾነ ኣብ ጽላት ልብና ክንውቕጦ ኣብ ኣእምሮና ክንጽሕፎ ይግባእ። ምኽንያቱ እቲ ቅዱስ ጽሑፍ "…ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ ኢየሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ።" ስለ ዝብለና (1 ጢሞ 2.5)።

ድሕነት ብክርስቶስ መድሃኔ-ዓለም እምበር ብኻልእ ከምዘይርከብ ንኣምን (ግብ 4:12) ንክርስቶስ ጥራይ ድማ ንሰብኽ። ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንክርስቶስ ጥራይ ተምልኽ ምኽንያቱ ብዘይክኡ ስሌኣ ደሙ ዘፍሰሰ ካልእ መድሓኒ የብላን። (ብዛዕባ ድሕነት ዝምልከት ስነ-ጽሑፍ ንምንባብ ኣብዚ ተወከስ)።

እግዚኣብሔር ዘስተውዕል ልቢ ይሃበና!

ዑቕበ ዘመደ

ዲያቆን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div