S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መልሲ ንሕቶታትኩም

ብክርስቶስ ፍቁር ሓውና ተኪኤ፣ ስለ ሕቶታትካ እናመስገንና ዚ ዝስዕብ ሓጺር መልሲ እንሆ፣

ሕቶ: “ኣብ የማን ኣቦ ኮይኑ ስሌና የማልድ” ማለት እንታይ ማለት እዩ?

መልሲ: እዛ ሕቶ’ዚኣ ብውሑድ ሓረግ እትምለስ ስለዘይኮነት፣ ከምኡውን ዘይተደልየ መልእኽቲ ወይ ትርጉም ከይተመሓላልፍ ዘሎና ስኽፍታ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ብስነ ጽሑፍ መልክዕ ኣስፍሕ ኣቢልና ክንምልሳ መሪጽና ኣሎና። ክትከታተለና ድማ ተስፋ ንገብር።

ሕቶ: “መጋረጃ ቤት መቕደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ“ ማለትከ? ቀንዲ ትርጉሙን ታሪኹን ኣስፍሕ ኣቢልኩም ክትገልጹለይ ብትሕትና እሓትት።

መልሲ: “እንሆ፡ መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሉ ኽሳዕ ታሕቱ ኣብ ክልተ ተተርተረ። ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፡ ኣኻውሕ ድማ ተጨዱ።” (ማቴዎስ 27፥51) እወ፣ እቲ መጋረጃ ቤት መቕደስ ብግብሪ ኣብ ክልተ ተቐዲዱ እዩ። እዚ ዘመሓላልፎ ትርጉም ብውሑዱ እዞም ዝስዕቡ እዮም፣

1. ሓዳስ ቤት መቕደስ ከፈተልናመጋረጃ ቤት መቕደስ ነቲ መስዋእቲ ብሉይ ኪዳን ንኸይርአ ዝሽፍን እዩ ኔሩ። ሓድሽ ኪዳን ድማ ኣብ ውሽጢ ብሉይ ኪዳን ተሸፊኑ እዩ ኔሩ ሎሚ ግና ብደም ክርስቶስ እቲ ምስጢር (ሕቡእ) ዝነበረ ግህዶ ኮይኑ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ከምእነንብቦ፣ ሙሴ ገጽ እግዚኣብሄር ኣይርኣየን ምስሉ ጥራይ እዩ ዝረኣየ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ'ዚ ክምህር ኮሎ "ከምቲ ደቂ እስራኤል መወዳእታ እቲ ሓላፊ ኸይርእዩ፡ ሙሴ ኣብ ገጹ ጒልባብ ዚገብር ዝነበረ፡ ኣይንገብርን ኢና።" (2 ቈረንቶስ 3፣ 13) ይብል። ንሓደ ሰብ ኣብ ተንቀሳቓሲ-ስእሊ (ቪድዮ) ክትርእዮን ብኣካል ክትርእዮን ከም ማለት እዩ።

እቲ መጋረጃ ነቶም ቀዳሞት ሰባት ካብቲ ቅዱስ ስፍራ ዝኽልኽል እዩ ኔሩ። እዚ ማለት: ኣብቲ ቤት መቕደስ ዝግበር መስዋእቲ ብዘይካ እቲ ሊቀ ካህናት ካልእ ሰብ ኣይርእዮን ኔሩ። "እዚ ኸምዚ ዀይኑ ምስ ተዳለወ፡ እቶም ካህናት ኲሉ ሳዕ ኣብቲ ናይ ቅድሚት ድንኳን፡ ኣገልግሎቶም ኬብጽሑ፡ ይኣትዉ እዮም። ኣብቲ ኻልኣይ ግና እቲ ሊቀ ኻህናት በይኑ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ይኣቱ፡ ግናኸ ብዘይ እቲ ምእንቲ ርእሱን ምእንቲ ስሕተት ህዝብን ዜቕርቦ ደም ኣይኣቱን እዩ። (እብራ 9: .6-7; ኤርም 30.21)። ሎሚ ግና ፣ እቲ መጋረጃ ብደም ክርስቶስ ተቐንጢጡ እዩ፣ ድሕነት ድማ ብግህዶ ርኢናዮ። ሎሚ ካህን ይስርዓዮ እምበር ኩልና ተሳተፍቲ እቲ ቅዱስ ምስጢር ኢና።

2. ነቶም ተስፋ ዘይነበሮም ምስቶም ሰብ-ተስፋ ኣኽበረና። "ሕጂ ግና፡ ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ የሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም። ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ እሞ፡ (ኤፌ 2፣ 13-15)

3. ሕብረት ሃበና: "ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዚኣምኑ ድማ እምበር፡ ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ዓለም፡ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኲላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን ኣሎኹ። ብኣንድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፡ - ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፡ - ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም።" (ዮሃንስ  17: 20-23)።

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div