S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ንሕና ምስ ኣቦና” ብዝብል ቴማ ንቅዱስ እንጦንዮስ ዝድግፍ ሰልፊ ተኻይዱ

ንቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ዝድግፍ ሰልፊ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ሃገረ ሽወደን ተኻይዱ። እቲ “ንሕና ምስ ኣቦና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብቀዳም 3 ነሓሰ 2019 ዝተኻየደ ሰልፊ፣ ውሉደክህነት ናይ ዝተፈላለያ ከተማታትን ምእመናን ዝተሳተፍዎ እዩ ኔሩ። ብተወሳኺ፥ ኣመንትን ወከልትን ካልእ እምነታትን'ውን ተረኸቢቦም ኔሮም። እቲ ሰልፊ ብስም ቅዱስ እንጦንዮስ እኳ እንተተኻየደ፣ ንኹሎም እቶም ኣብ ኤርትራ ስለ እምነቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ወገናት ዝውክል’ዩ ክብሉ እቶም ኣዳለውቲ ገሊጾም።

ከምዝዝኸር፥ ብዕለት 17 ሓምለ 2019, እቲ ብፖለቲከኛታት ዝምራሕ "ሲኖዶስ?" ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ንፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ካብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ "ብውግዘት" ፈሊናዮም ኣለና ክብል ዘስደምም መግለጺ ኣውጺኡ እዩ። እቲ ዘይሕጋዊ "ሲኖዶስ?" ዝሃቦ ውግዘት፣ ንሕጊ ቤተ ክርስቲያን ዝገሃሰ ተወሳኺ ታሪኻዊ በደል ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያንን ቅዱስ እንጦንዮስን ፈጺሙ ኣሎ።

ይኹን እምበር፥ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹን ኣብ ደገ ሓያል ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ኣሎ። ብዘይካ እቲ ብውልቂ ዝግበር ተቓውሞ፥ ገዳማት ኤርትራ ብትሪ ኮኒነንኦ ኣለዋ። ኣብ ስደት ድማ እቲ ዝበዝሐ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ምሉእ ብምሉእ ናይ ኩነኔ መግለጺ ኣውጺአን ኣለዋ። ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ሓደ ሕጋዊ ፓትርያርክ ጥራይ ኣለዋ፥ ንሶም ድማ ቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ጥራይ ምዃኖም መንበረ ጵጵስና ኣህጉራዊ ስብከታት ኣቐድም ኣቢሉ ንህዝቢ ሓቢሩ እዩ። ሕጂውን ህዝቢ ኤርትራ ካልእ ፓትርያርክ ከምዘይቅበል እቲ ብፖለቲከኛታት ዝምራሕ ዘይሕጋዊ "ሲኖዶስ?" ክሓስበሉን ናብ ልቡ ክምለስን በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽር።

እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያን ጽድቂ፥ ፍትሕን ሰላምን ይሃባ። 

ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ዕድመን ጥዕናን ይሃብ፥ ንሃገርና ይባርኽ። ኣሜን።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div