S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ብዛዕባ ጸረ ቤተ ክርስቲያን ጉዕዞ "ሲኖዶስ"

ብዕለት 17 ሓምለ 2019 ኣ.ፈ (፲ ሓምለ ፳፻፲፩ ዓ. ም ግእዝ) ብስም "ሲኖዶስ" ካብ ኣሥመራ ዝተዘርግሐ ዘይመንፈሳዊ መግለጺ፥ ንብዙሓት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ዘሕዘነ ጉዳይ እዩ። ሕጋዊ  3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሎሚዶ ጽባሕ ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ይምለሱ ኢሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሃረርታን ጸሎትን እንተጸበዮም ከሎ፥ እቲ ብፖለቲከኛታት ተጎቲቱ ዝኸይድ ጉባኤ ጳጳሳት ዘስደምም ዘይሓላፍነታዊ መግለጺ ምውጽኡ፥ መምዘኒ ሕጊ-ኣልቦ ጉዕዞኡ ዘነጽር ዳግማይ ነቲ ጸሊም ታሪኹ ዝድርዕ ገበን እዩ።

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፥ይትረፍዶ ሎሚ ብዙሕ ሰብ ምሉእ ሓበሬታ ረኺቡ፡ ኣብ ጎድኒ ሓቅን መንፈሳዊ ሕግን ደው ዝበለሉ እዋን፥ ኣብቲ ገርህነትን ሕጽረት ሓበሬታን ዝነገሰሉ ኣብ 2005 መጀመርታ ብመሪሕነት ኣቶ ዮፍታሄ ተመሳሳሊ ገበን ክፍጸም ከሎ፥ ምእንቲ ኦርቶዶክሳዊ እምነቱን ቤተ ክርስቲያንን ክብል ንእግዚኣብሔር ኣሚኑ ብጽንዓት ኣብ ጎድኒ ቅዱስ እንጦንዮስ ኮይኑ ኣብ ቀኖናዊ መትከሉ ደው ከም ዝበለ ናይ ትማሊ ታሪኽ እዩ። ሕጂውን፡  “ሕጊ ዝተሰርዐ፥ ንመፍረስቲ ሕጊ እዩ! (1 ጢሞ 1፡9) ዝብል ሓዋርያ ዕላማ ሒዝና፥ ነዚ ብፖለቲከኛታት ተሃንዲሱ ብስም ሲኖዶስን ዝወጸ፡ “ዓቃቤ መንበር መሪጽና ኣሎና፥ 5ይ ፓትርያርክውን ክንሸይም ኢና” ዝበሃል ዘሎ መንፈሳዊ ሥምረት ይኹን ሕጋዊ መሠረት ዘይብሉ ናይ ዕንወት ውሳኔ፡ ከም ቀደምና ኣትሪርና ንቃወሞ ኣሎና።


ከም ዝፍለጥ፥ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ ፖለቲኸናታትን ልብሲ ክህነት ዝለበሱ ተሓባበርቱን ንመንፈሳዊ ሕጊ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ረጊጾም፡ ንልብሲ ቅዱስ ኣቦና ቀንጢጦም፥ ንኣቡን ዲዮስቆሮስ “4ይ ፓትርያርክ ክትኮኑ መሪጽናኩም” ኢሎም ናይ ዓመጽ ሽመት  ከም ዝሃብዎም ዝዝከር እዩ። ይኹን እምበር፥ ኣምላኽ ተግባር’ቶም ሃንደስቲ ስለፈልጥ፡ እቶም ብዘይ ሕጊ “4ይ ፓትርያርክ ተባሂሎም” ዝተሾሙ ኣቡን ዲዮስቆሮስ ቅውም-ነገር ከይገበሩ፡ ብዘገርም መገዲ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስንክልና ኣጋጢምዎም  ቅድሚ 4ተ ዓመት ካብዛ ዓለም ብሞት ሓሊፎም እዮም። ብሰንኪ እቲ ዘይሕጋዊ ሽመት ኣቡን ዲዮስቆሮስ ድማ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ መንበረ ማርቆስ እስክንድርያ፥ ካብ ሕብረት ኦሬንታልን ማሕበር ኣብያተ-ክርስቲያን ዓለምን ተፈልያ ኣብ ተነጽሎ ትነብር ኣላ።


ስለዚ፥ ሕጂውን ኣብ ክንዲ ብፍቕርን ምኽርን ናብ ዕርቂ ምእታው፥ ብህልኽን ዓመጽን 5ይ ፓትርያርክ ክንሸይም ኢና ኢልካ ምጕያይ ልቦናን ምስትውዓልን ዝጎደሎ፥ ዘይመንፈሳዊ ውሳኔ ምዃኑ ኩሉ ክርድኦ ይግባእ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ድማ ነዚ ናይ ዕንወት ጉዕዞ ዓገብ ንዝበሉ ምእመናን ይኹኑ ዲያቆናት፥ ካህናት ይኹኑ ገዳማውያን መነኮሳት፥ ማእሰርቲ፥ ዘለፋን ውግዘትን ይበጽሖም ምህላዉ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን እኳ ሓሙሽተ ኣቦታት መነኮሳት ደብረ ቢዘን ነቲ ዝግበር ዘሎ ጌጋ ርእዮም ዓገብ ስለዝበሉ ከም ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ ማሕዩር ተኣሲሮም ኣለዉ።


ዝኸበርኩም፥ ኦርቶዶክሳውያን ውሉደ-ክህነትን፥ ምእመናን ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፥ ነዚ ብፖለቲከኛታት ተሃንዲሱ ዝመጸና ዘሎ ናይ ዕንወትን ናይ ቀቢጸ ተስፋን ገበን፥ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዝግባእ! (ግሓ 5፡29) ዝብል ሕድሪ ሓዋርያት ተኸቲልና፥ ፍርሕን ምፍልላይን ኣወጊድና፥ ኣሰር ክርስቶስን ቡራኬ ቅዱስ  ኣቡነ እንጦንዮስን ክንስዕብ መንፈሳዊ መልእኽትና ናብ ኩሉ ኣማኒ ተዋሕዶ ነመሓላልፍ።


ሓደ ጎይታ፥ ሓንቲ እምነት፥ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን፥ ሓደ ሕጋዊ ፓትርያርክ!


መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን
19 ሓምለ 2019 ኣ.ፈ (፲፪ ሓምለ ፳፻፲፩ ዓ.ም ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div