እቲ ኣብ ሕርያ መበል 118 ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ምስሪ ዝሳተፍ ዘሎ ልኡኽ ኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ብዘውጽኦ መንፈሳዊ ዲፕሎማሲ ውጥን፡ ብሓሙስ 1 ሕዳር 2012 ዓ.ም ምስ ዓቃቢ-መንበር ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ብጹእ ኣቡነ ጳኹሚስ ተራኺቡ። እቲ መንፈሳዊ ርክብ ኣብቲ ክርስቶስ ዝሰረቱ ብቅዱስ ማርቆስ ዝተዘርገሐ ሃዋርያውን መንፈሳውን ክልቲአን ቤተ ክርስቲያናት ዘተኮረ ልዝብ እዩ ኔሩ። ልኡኽ ኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ፡ ብግብጻዊት ቤተ ክርስትያን ንዝተገብረሉ ዕድመ ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ብመከራ ኣብ ዝተረበጸትሉ እዋን፡ ቤተ ክርስትያን ግብጺ ንዘርኣየቶ ነቅ ዘይብል መርገጽ ኣሞጊሱ። ጸሎትን ደገፍን ቤተ ክርስትያን ግብጺ ስለዘሰነያ ድማ እንሆ ንጸገማ ኣምላኽን ዓለምን ፈሊጥዎ ይርከብ ክብል ገሊጹ።
ብጹእ ኣቡነ ጳኹሚስ ብወገኖም "ኣምላኽ ረድኢኩም ኣብቲ ሃዋርያዊ ሕጊ ደው ብምባልኩም ዘሕጉስ እዩ፡ ቤተ ክርስትያን ግብጺ ድማ ኣብ ጎድንኹም ኣላ" ክብሉ ደገፎም ገሊጾም። ብተወሳኺ፡ ብመሰረት እቲ ልኡኽ ኣውጽኢዎ ዘሎ መንፈሳዊ ዲፕሎማሲ ውጥን፡ ምስ ዝተፈላለያ ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያን ንምዝዝርራብ መደባት ሰሪዑ ከምዘሎ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ከምኡውን፡ ገዳማትን ታሪኻዊ ቦታታትን እናተዘዋወረ ይዕዘብ ኣሎ። እዚ 10 ሰባት ዝሓቖፈ ልኡኽ'ዚ፡ ካብ ኣህጉረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ዝተላእከ ወኪል እዩ። ተመሳሳሊ ዜና ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቕ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ