ልኡኽ ኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ፡ ኣብ ሕርያ መበል 118 ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ምስሪ ንምስታፍ ንካይሮ ኣምሪሑ።
ትማሊ ሰኑይ 29 ሕዳር 2012 ዓ፡ም ኣብ ዝተገብረ ዛዛሚ ምርጫ ድማ ንኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ወኪሉ ምሉእ ድምጺ ሂቡ ኣሎ። እዚ 10 ሰባት ዝሓቖፈ ልኡኽ'ዚ፡ ካብ ኣህጉረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ዝተላእከ ወኪል እዩ። እዚ ነቲ ኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ምስ ቤተ ክርስትያን ምስሪ ዘለዋ ታሪኻውን ሃዋርያውን ሕውነት ዘደልድል ታሪኻዊ ህሞት እዩ። ብተወሳኺ፡ ልኡኽ ኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ብዘውጸኦ መደብ መሰረት ምስ ዝተፈላለያ ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያን ንምዝዝርራብ መደባት ሰሪዑ ከምዘሎ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ዝርዝር መደባቱ ኣብ ዝቕጽል እዋን ክንሕብር ኢና።
ድሕሪ ናይ ነዊሕ ምጽራይ መስርሕ፡ ሕርያ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ኣብ ኣጋ ምዝዛሙ በጺሑ ቁጽሪ ሕጹያት ድማ ካብ 30 ናብ 3 ወሪዱ ይርከብ። ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፡ ንመዓርግ ፓትርያርክ ክምረጽ ዝኽእል (ጳጳስ ይኹን ፈላሲ ብዘየገድስ) መናኒ ክኸውን ይሕተት። ከም ውጽኢቱ: ኣብዚ እዋን እዚ ክልተ ጳጳሳትን ሓደ መነኮስ (ፈላሲን) ተመሪጾም ናይ መወዳእታ ሕጹያት ኮይኖም ኣለዉ። ንሳቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦
ኣገባብ መስርሕ ምርጫ ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ከምቲ ኣብ ግብረ ሃዋርያት፡ "ዕጫ ከኣ ኣውደቑሎም። እታ ዕጫ ድማ ናብ ማትያስ በጽሔት። ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ሃዋርያትውን ተቘጽረ"(ግብ 1፡26) ዝብሎ: መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረቱ ተኸቲሉ ዝኸይድ: ኣመንቲ ብግቡእ ዘሳትፍ ደሞክራስያውን ርትዓውን ምርጫ እዩ። እቲ ብ“ዕጫ ቤተ መቕደስ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወሳኒ ዝኾነ ዕጫ ንምክያድ፡ ሓደ ህጻን ካብቲ ጉባኤ ይጽዋዕ እሞ፡ ዓይኑ ይዕመት፡ ሓንቲ ካብተን ጥቕሉላት ወረቓቕቲ ከምዘልዕል ድማ ይግበር። እታ ዝተመርጸት ወረቐት ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ተኸፊታ ህዝቢ ከምዝርእያ ትግበር። በዚ ድማ እቲ ኣብ መንበር ቅዱስ ማርቆስ ዝቕመጥ መበል 118 ፓትርያርክ ይኸውን። እዚ ዛዛሚ ምርጫ (“ዕጫ ቤተመቕደስ”) ሰንበት 4 ሕዳር 2012 ክካየድ እዩ። 18 ሕዳር 2012 (ድሕሪ ክልተ ሰሙን) ድማ ጽምብል ናይቲ ዝተመርጸ ፓትርያርክ ኣብ ካተድራል ቅዱስ ማርቆስ ክግበር እዩ።
ቤተ ክርስቲያን ምስሪ 12 ሚልዮን (ግምት) ዝኾኑ ኣመንቲ ዝርከብዋ ኣብ ከባቢና ካብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ብብዝሐ ቁጽሪ ህዝቢ ብኻልኣይ ደርጃ እትስራዕ ብዓይነትን ትሕዝቶን ዝለዓለ ግደ ዘለዋ ሃዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን እያ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ