S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኣብ ሕርያ ፓትርያርክ ሃገረ ምስሪ ትሳተፍ ኣላ

ልኡኽ ኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ፡ ኣብ ሕርያ መበል 118 ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ምስሪ ንምስታፍ ንካይሮ ኣምሪሑ። 

ትማሊ ሰኑይ 29 ሕዳር 2012 ዓ፡ም ኣብ ዝተገብረ ዛዛሚ ምርጫ ድማ ንኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ወኪሉ ምሉእ ድምጺ ሂቡ ኣሎ። እዚ 10 ሰባት ዝሓቖፈ ልኡኽ'ዚ፡ ካብ ኣህጉረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ዝተላእከ ወኪል እዩ። እዚ ነቲ ኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ምስ ቤተ ክርስትያን ምስሪ ዘለዋ ታሪኻውን ሃዋርያውን ሕውነት ዘደልድል ታሪኻዊ ህሞት እዩ። ብተወሳኺ፡ ልኡኽ ኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ብዘውጸኦ መደብ መሰረት ምስ ዝተፈላለያ ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያን ንምዝዝርራብ መደባት ሰሪዑ ከምዘሎ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ዝርዝር መደባቱ ኣብ ዝቕጽል እዋን ክንሕብር ኢና።

ድሕሪ ናይ ነዊሕ ምጽራይ መስርሕ፡ ሕርያ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ኣብ ኣጋ ምዝዛሙ በጺሑ ቁጽሪ ሕጹያት ድማ ካብ 30 ናብ 3 ወሪዱ ይርከብ። ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፡ ንመዓርግ ፓትርያርክ ክምረጽ ዝኽእል (ጳጳስ ይኹን ፈላሲ ብዘየገድስ) መናኒ ክኸውን ይሕተት። ከም ውጽኢቱ: ኣብዚ እዋን እዚ ክልተ ጳጳሳትን ሓደ መነኮስ (ፈላሲን) ተመሪጾም ናይ መወዳእታ ሕጹያት ኮይኖም ኣለዉ። ንሳቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ 

  1. ኣባ ሩፋኤል:- መነኮስ (ፈላሲ) ናይቲ ኣብ ከባቢ ከተማ ኣለክሳንድርያ ዝርከብ ገዳም እንዳባ ሚናስ ፈላሲ ኮይኖም: ኣብዚ እዋን እዚ ኣብቲ ገዳም ዝነብሩ ዘለዉ ወዲ 70 ዓመት እዮም።
  2. ሊቀ ጳጳስ ቴዎድሮስ:- ወዲ 60 ዓመት ተሓጋጋዚ ናይቶም ብግዚያውነት ንቤተ ክርስትያን ምስሪ ዝመርሕዋ ዘለዉ ጳጳስ ጳኩሚስ ኮይኖም: ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተ ክርስትያን ግብጺ እዮም።
  3. ሊቀ ጳጳስ ሩፋኤል:- ወዲ 54 ዓመት ተሓጋጋዚ ናይ ፖፕ ሽኖዳ ዝነበሩ ሊቀ ጳጳስ ከተማ ካይሮ ኮይኖም: ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተ ክርስትያን ግብጺ እዮም።

ኣገባብ መስርሕ ምርጫ ቤተ ክርስቲያን ምስሪ ከምቲ ኣብ ግብረ ሃዋርያት፡ "ዕጫ ከኣ ኣውደቑሎም። እታ ዕጫ ድማ ናብ ማትያስ በጽሔት። ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ሃዋርያትውን ተቘጽረ"(ግብ 126) ዝብሎ: መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረቱ ተኸቲሉ ዝኸይድ: ኣመንቲ ብግቡእ ዘሳትፍ ደሞክራስያውን ርትዓውን ምርጫ እዩ። እቲ ዕጫ ቤተ መቕደስተባሂሉ ዝጽዋዕ ወሳኒ ዝኾነ ዕጫ ንምክያድ፡ ሓደ ህጻን ካብቲ ጉባኤ ይጽዋዕ እሞ፡ ዓይኑ ይዕመት፡ ሓንቲ ካብተን ጥቕሉላት ወረቓቕቲ ከምዘልዕል ድማ ይግበር። እታ ዝተመርጸት ወረቐት ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ተኸፊታ ህዝቢ ከምዝርእያ ትግበር በዚ ድማ እቲ ኣብ መንበር ቅዱስ ማርቆስ ዝቕመጥ መበል 118 ፓትርያርክ ይኸውን። እዚ ዛዛሚ ምርጫ (“ዕጫ ቤተመቕደስ”) ሰንበት 4 ሕዳር 2012 ክካየድ እዩ። 18 ሕዳር 2012 (ድሕሪ ክልተ ሰሙን) ድማ ጽምብል ናይቲ ዝተመርጸ ፓትርያርክ ኣብ ካተድራል ቅዱስ ማርቆስ ክግበር እዩ።

ቤተ ክርስቲያን ምስሪ 12 ሚልዮን () ዝኾኑ ኣመንቲ ዝርከብዋ ኣብ ከባቢና ካብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ብብዝሐ ቁጽሪ ህዝቢ ብኻልኣይ ደርጃ እትስራዕ ብዓይነትን ትሕዝቶን ዝለዓለ ግደ ዘለዋ ሃዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን እያ።

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div