S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እዛ ሰንበት እዚኣ፡ መጋቢት 4, 2018 ራብዐይቲ ሰንበት ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ናይ ጾመ ኣርብዓ እዋን እያ።መጻጕዕተባሂላ ድማ ትስመ። መሰረተ ሓሳብ ናይዚ በዛ መዓልቲ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ድማ ካብ ታሪኽ ናይቲ 38 ዓመት ተደኒሱ ዝነበረ ሰብኣይ እሞ ጐይታ ዝፈወሶ ዝነቐለ እዩ።

በዓል ኣይሁድ ቀሪቡ ስለ ዝነበረ ክርስቶስ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። ኣብ እምነት ኣይሁድ፡ ዝዀነ ተባዕታይ ክኸደን ዚግባእ ሰለስተ ዓበይቲ በዓላት ኣለዋ። ንሳተን ከኣ በዓል ፋሲካ፡ በዓል ሓምሳን በዓል ዳስን እየን (ዘዳ 1616) ብዘይካ እውን ኻልኦት ኣርባዕተ በዓላት ማለት በዓል ሰንበት፡ በዓል ሰዊት፡ በዓል መለኸትን በዓል ዕርቅን ኣለዋኦም (ዘሌ 231-38)

ናብ ኢየሩሳሌም ዘእቱ ሓያሎ ደጌታት ነበሩ። ንሳቶም ከኣ ደገ ኣባጊዕ፡ ደገ ዓሳ፡ ደገ ለሰ፡ ደገ ጐዱፍ፡ ደገ ዔላ፡ ደገ ኣፍራስን ደገ ምብራቕን እዮም (ነህ 31-29) ኣብታ ደገ ኣባጊዕ ኣብ ጥቓኣ ሓሙሽተ ገበላ ዘለዎ ቀላይ ነበረ። እቲ ገበላ እቶም ንኽሕጸቡ ዝመጹ ሰባት ዘጽልልሉ እዩ። ደገ ኣባጊዕ ብእብራይስጢ ቤት ሄስዳ ይበሃል። ንሓንሳእ መልኣኽ እግዚኣብሄር መጺኡ ነቲ ማይ የንቀሳቕሶ ካብቶም ሕሙማት ቀዲሙ ናብቲ ቀላይ ዝኣተወ ይሓዊ ነበረ። ስለዚ ዝረድእዎ ሰባት ምስኡ ዘለዎ ወይ ከኣ ዝሓሸ ጉልበት ዘለዎ እንተ ዘይኰይኑ ነዛ ፈውሲ እዚኣ ክዕወተላ ዚኽእል ሕሙም ኣይነበረን። ነዛ ሳሕቲ እትርከብ ዕድል ከኣ ኣዝዮም ብዙሓት ሕሙማት ይጽበይዋ ነበሩ። ስለዚ ንነፍሲ ወከፎም ኺበጽሓሉ ዚኽእል ዕድል ዝማህመነዩ። ኣብ መንጎ እዞም ሕሙማት ድማ ሓደ 38 ዓመታት ምሉእ ዝሓመመ ሰብኣይ ኣብቲ ገበላ ደቂሱ ነበረ። ጐይታ ናይቲ ሕማም ምንዋሕ ዘመንን ከምኡውን እቲ ሕሙም ኪረድኦ ዚኽእል ከም ዜብሉን ተረደአ፡፡ ሕማምና ክጸውር ንመርገምና ኣብ ነብሱ ክጽዕን ዝመጸ ጐይታ፡ ሕማም ናይዚ ሰብ ከሕዊ ብልቡ ተደረኸ (ኢሳ 534) ንዝሓመመ ዅሉ ምሕዋይ ከም ዜድልዮ ግሁድ ክነሱ ድማክትሓዊ ትደሊዶ፧ኢሉ ሓደ ዜገርም ሕቶ ሓተቶ። ምናልባትስለምንታይ ከምኡ ኢሉ ይሓቶኢልና ክንሓስብ ይከኣልዩ። እንተ ዀነ እዚ ሕቶ ዝሓተተሉ ናይ ርእሱ ዝዀነ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘለዎ ከኣ ክንዝንግዕ የብልናን። እቲ ሰብኣይ ግን ንጐይታ ስለ ዘየስተውዓሎ፡ ቅልጡፍን ቅኑዕን ዝዀነ መልሲ ክንዲ ዝህብ፡ ዘይሓወየሉ ምኽንያት ክዝርዝር ጀመረ።

ጐይታ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ኣልዒሎም ናብቲ ቀላይ ዘብጽሕዎ ሰባት ዘይኰነስ ባዕሉ ዓራቱ ኣልዒሉ ዝኸደሉ ጥዕናን ጉልበትን ሃቦ። ከምቲ ነቲ መጻጉዕ ዝገበረሉ፡ ነዚ ከኣ ዓራቱ ክጸውር ፈቐደሉ (ማቴ 95-6) እቲ ሰብኣይ ዓራቱ ኣልዒሉ ከደ። ካልኦት ተኣምራታት ኣብ እነንብበሉ ጊዜ ድሕሪ እቲ ፈውሲ ብዙሕ ኣድናቖትን ምስጋናን እምነትን ምስዓብን ኣሎ። እዚ ሰብኣይ ግን ዓራቱ ኣልዒሉ ከም ዝኸደ እምበር ከም ዝተሓጎሰ እኳ ኣይተጻሕፈን። ምናልባት እቲ ጸሓፊ ደኾን ረሲዕዎ ይኸውን፧

እታ እዚ ተኣምራት ዝተፈጸመላ መዓልቲ ሰንበት ነበረት። ዓራቱ ኣልዒሉ ክኸይድ ኸሎ ድማ ፈሪሳውያን ረኸብዎ። ብመዓልቲ ሰንበት ክግበር ዘይግብኦ ስለምንታይ ከም ዝገብረ ድማ ሓተትዎ። እዚ ድማ ነቲ ዓራቱ ተሰኪሙ ምኻዱ ዘመልኽት እዩ። ኣይሁዳውያን ንሰንበት ኣዝዮም እዮም ዘኽብርዋ።ሰንበትዝብል ቃል ቋንቋ እብራይስጥ ትርጉሙምሕዳግወይምቁራጽ” (ጠጠው ምባል) ምባል ማለት እዩ። ሰንበት ክትክበርን ክትቅደስን ዝኣዘዘ እግዚኣብሄር እዩ (ዘጸ 208-11) ሰንበት ኣብ መንጎ ሰብን ኣምላኽን ምልክት እያ (ዘጸ 3117) ስለዚ ሰንበት ዘይምኽባር ከቢድ መቕጻዕቲ የስዕብ ነበረ (ዘሁ 1532-36) ሰንበት ስራሕ እግዚኣብሄር ተዘክር እያ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣብ ሳብዓይቲ መዓልቲ ካብ ግብሩ ዝዓረፈ፡ ከምኡ ከኣ ሰብ ካብዚ ናይ ምድሪ ዕዮ ዝዓርፈላ ሰንበት ከም ዘላ ይሕብረና (ዘፍ 22-3 ዘጸ 208-11 እብ 41-11) ከምኡ ከኣ ሰንበት ነቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ካብ ናይ ግብጺ ባርነት ዘውጸኣሉ የመልክት እዩ (ዘዳ 512-16) እስራኤላውያን ነታ መዓልቲ ከም ዝግባእ ስለ ዘየኽብርዋ ተወቒሶምን ተቐጺዖምን እዮም (ዘጸ 1627-28 ዘጸ 3114 ዘሁ 1532,35 ነህ 1315 ኤር 1727 ህዝ 2012-16 ህዝ 228,15 ኣሞ 84-6) ንሰንበት ኬኽብርዋ ዘተባብዕ ቃል ተስፋ ከኣ ተዋሂቡ እዩ (ኢሳ 562-4 ኢሳ 5813-14) ብሰንበት ሰናይ ዝዀነ ነገር ዅሉ ክንገብር የፍቅደልና እዩ (ማቴ 1212 ማር 62 ሉቃ 66 ዮሃ 723 ዮሃ 914 ግብ 1613 ግብ 172 ግብ 184-5) ክርስቶስ እኳ ጐይታ ሰንበት ክነሱ ንሰንበት ኣኽቢሩ እዩ (ሉቃ 416 ማቴ 121-14) ናይ ፈሪሳውያን ናይ ሰንበት ኣከባብራ ግን ኣትሪሩ ተቓዊምዎ እዩ። ንሳቶምሸዊት ኣይትቐንጥብ፡ ድዉይ ኣይትፈውስእናበሉ ክሳዕ ዝኽልክሉ፡ ብዙሕ ወግዕን ሕግን ደንጊጎም ንሰንበት ዘይመልክዓ ኣትሒዞምዋ ነበሩ። እዛ ሎሚ እነብዕላ ዘሎና ሰንበት፡ ካብታ እግዚኣብሄር ዝኣዘዛ ኣይሁድ ዘብዕልዋ ሰንበት ዝተፈልየት እያ። ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሰሙን ክርስቶስ ምስ ተንስኤ፡ ሰዓብቲ ጐይታ በታ መዓልቲ እቲኣ ክእከቡ ጀመሩ።መዓልቲ ጐይታኢሎም ከኣ ሰመይዋ (ሉቃ 241 ግብ 206 1ቈረ 162 ራእ 110) እዚ ከኣ ምስቲ ናይ መዓልቲ ሰንበት መሰረታዊ ሓሳብ ዝሰማማዕ እዩ። ምኽንያቱ ክርስቶስ ብትንሳኤ ድሕነት ፈጺሙ እዩ። ኣመንቲ ከኣ ብስርሖም ዘይኰነ ክርስቶስ ብዝፈጸሞ ስራሕ ናብ ናይ ዘለኣለም ዕረፍቶም ይኣትዉ (እብ 41-11) ስለዚ ሰንበት ክርስትያንን ሰንበት ኣይሁድን (ቀዳም) ዝፈላልየሉ ቀንዲ ሓሳባት ንሱ እዩ።

በቲ ምሕዋዪ ክንዲ ዝሕጎስሉ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ዓራቱ ስለ ዝጸረ ጥራሕ ተጻረርዎ። እተን 38 ዓመታት ሕማሙ ጸይሩ ዜሕለፈን ሰናብቲ ግን ኣይግዶምን እየን። ነቲ ናብቲ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር ማለት ምሕረትን ፍትሕን ገዲፎም ብዘይጠቅም ስርዓት ተኣሲሮም ነበሩ (ማቴ 2323-24) ካብቲ ንሱ ጸይርዎ ዘሎ ዓራት ግን ንሳቶም ጸይሮምዎ ዘለዉ ኣበሳ ይገድድ (ማቴ 73-5) እቲ ዘሐዝን ግን እቲ ዝተፈወሰ ሰብ፡ እቲ ክሲ ናብ ጐይታ ከሐልፎ ደልዩእቲ ዘሕወየኒ እዩ ዓራተይ ኬልዕል ዝኣዘዘኒኢሉ ንጐይታ ኣጥበቐሉ።ንሱ መን እዩ፧ንእትብል ሕቶኦም ግን መልሲ ኣይነበረቶን። ጐይታ እቲ ሰብኣይ ነዊሕ ዘመን ዝሓመመ ሰብ ምዃኑ ፈሊጡ ፈወሶ። እቲ ሰብኣይ ግን ይትረፍ መንነቱስ በቲ ስጋዊ መልክዑ እኳ ኣየለለዮን። ከምቲ ኣብ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ፡ ምናልባት ክፈልጦ ዘይከኣለሉ ምኽንያት ክህሉ ይኽእል ይኸውን። ብዝሒ ህዝቢ፡ ከምኡ ከኣ ጐይታ ድሕር (ርሕቕ) ኢሉ ምንባሩ እዩ። ድሕር ድኣ ይበል እምበር ጐይታ ክዘራረቦ ኣብ ዝኽእለሉ ርሕቀት እዩ ነይሩ። ዋላ ድኣ ሰብ ይብዛሕ እምበር ክልቲኦም ግን ይረኣኣዩ ነይሮም። እንተ ዀነ ግን እቲ ሰብኣይ ነቲ ፈዋሲ ይትረፍ፡ ነቲ ንርእሱ ዝተቐበሎ ፈውሲ ኣይመስልን። ምኽንያቱ ምስ ተፈወሰኣመስገነተሓጎሰወይሰዓበዝብል ኣየነንብብን ኢና። ስለዚ እቲ ኣካላዊ ስጋ እምበር ኣእምርኡን መንፈሱን ግን ኣይተፈወሰን። እንተ ዀነ ጐይታ ፈውሲ ምእንቲ ፈውሲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምእንቲ ውሽጣዊ ዝዀነ መንፈሳዊ ለውጢ ኢሉ እዩ ዝህበና። ከምቲ ዝተመሃርናዮ እግዚኣብሄር ዝዀነ ተግባር ዝገብር ንሱ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ክንፈልጥ እዩ። ናይ ምግባር ልማድ (ወልፊ) ሃልይዎ ወይ ከኣ ንኸንቱ ኢሉ ዝገብሮ የልቦን (ኢሳ 453 ህዝ 67-13 ኤር 247) ክርስቶስ ከኣ ንዂሉ ግብሩ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ክገልጽ ኢሉ እዩ ዝገብሮ (ማቴ 96 ዮሃ 1038 ዮሃ 1431 ዮሃ 1723) እንተ ዀነ እዚ ሰብኣይ ናይ ስጋ ጥራይ ዘይኰነስ ብርቱዕ ናይ መንፈስ ደዌ ነበሮ።

ስለዚ ከኣ ጐይታ ኣብ ቤት መቕደስ ዳግም ምስ ረኸቦመሊስካ ኣይትበድልበሎ። ስለዚ እቲ ቀዳማይ ሕማሙ ብምኽንያት በደል ምንባሩ ንርዳእ። ከምኡ እንተ ዘይከውንመሊስካ ወይ ዳግም ኣይትበድልኣይምበሎን። ካብቲ ዝነበሮ ሕማም ዝገድድ ኣይነበረን። ጐይታካብዚ ዝገድድ ከይረኸበካዝበሎ ከኣ ነቲ መንፈሳዊ ሕማም ወይ ከኣ ነቲ ብነፍሲ ዝቕጽዖ መቕጻዕቲ ክሕብር ስለ ዝደለየ እዩ። ጐይታ ነተን ብዙሕ ተኣምራት ገይሩለን ግን ከኣ ዘይተነስሓ ከተማታት ናተን ፍርዲ ካብ ሶዶምን ጎሞራን ዝገደደ ከም ዝኸውን ነጊርወን እዩ (ማቴ 1120-24) ነዚ ሰብኣይ ከኣ ከምኡ እዩ ዚብሎ ዘሎ።

እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ እቲ ሰብኣይ እዚ ምስ ሰምዔ ክንዲ ዝጥንቐቕ ጎይዩ፡ ነቶም ከሰስቱ እቲ ዘሕወዮ ክርስቶስ ምዃኑ ነገሮም። ክርስቶስ ፈዋሲ ምዃኑ ክምስክረሎም ዘይኰነስ ምእንቲ ክሕዝዎ ወይ ከኣ ንርእሱ ካብ ክሲ ነጻ ኪኸውን ደልዩ ይኸውን። ካብዚ ዝኸፍእ በደል የለን። መሊሱ ካብ በደለ ከኣ ዝገደደ ነገር ክረክብ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ሰብ ዝዘርኦ እዩ ዝዓጽድ (ገላ 67-10 ሮሜ 813) ብሰንኪ እዚ ከኣ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ይሃድንዎ ነበሩ።

ስለዚ ንሕና ድማ ካብዚ ሰብኣይ ተማሂርና፡ ነቲ ካብ ብዝሒ ምሕረቱ ዝተላዕለ ካብ ዝነበረናዮ መንፈሳዊ ሞት ኣሕውዩ ቅድስቲ መቅደሱ ክንኸውን ንዝገበረና ጐይታ ብዘመስግን ልቢ፡ መን ምዃኑ ክንፈልጦ ክንስዕቦ ይግብኣና (ሆሴ 63) እንተ ዘይዀነ ግና ወገን ጸላእቲ ጐይታ ዀንና ነቲ ፈዋሲና ኣብ ምጽራር፡ በዚውን ዳግማይ በደልቲ ኴንና ምርካብና ዘይተርፍ እዩ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

ዕለት፥ ሰንበት 4 መጋቢት 2018 (25 ለካቲት 2010 ግእዝ)

ናይቲ መዓልቲ ስብከት

መዝ 41(40)፡3

እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዐራተ ሕማሙ ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቤሁ እምደዌሁ አንሰ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ።

ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፣ እግዚኣብሄር ይድግፎ። ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ።

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት

ንባብ

ኣንባቢ

ገላ 5፡1-ፍጻሜ

ዲያቆን

ወንጌል፡ ዮሃ 5፡1-25

ያቆ 5፡14-ፍጻሜ

ንፍቀ ዲያቆን

ቅዳሴ፡ ዘእግዚእነ (ንኣኵተከ)

ግብ 3:1-12

ንፍቀ ካህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div