ጾመ ነነዌ: ካብ 29 ጥሪ ክሳብ 1 የካቲት 2017 (ሰኑይ, ሰሉስን ረቡዕን) ይውዕል። ምሕረት ዝህብ ጾም ይግበረልና። ኣሜን።
እዚ ሰንበት እዚ ናዝሬት ሕፅነት ተባሂሉ ይስመ። ጐይታና ካብ ስደት ግብጺ፡ ናብታ ከም ቆልዓ ዀይኑ ዝዓበየላ ናዝሬት ዝተመለሰሉ ፍጻሜ እንሓስበሉ ግዜ ድማ እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርትና ድማ ካብቲ ናብ ስደት ዘምርሖ ኵነታት ኣትሒዝና ክንርእይ ኢና።
ንገባሬ ሠናያትን መሓርን ኣምላኽ፥ ኣቡኡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ። ሰቲሩናን ረዲኡናን፥ ዓቂቡናን ተቐቢሉናን፥ ራኅሪኁልናን ደጊፉናን ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣውን ኣብጺሑና እዩ እሞ ነመስግኖ ኣሎና።
ናብ ክቡራን ህዝበ ክርስቲያን ኣብ ርሑቅን ቀረባን እትርከቡ፥ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ኣብ ዘዘሎኹሞ ንዓኹም ይኹን።
ህዝቢ ተዋህዶ ካብ ጻት ንጻት ካብ ቃል ኣቡኡ ኣቡነ እንጦንዮስ ቡራኬ ክሰምዕን ኣብ መንበሮም ክርእዮምን፥ ከምዚ እዋን እዚ ገይሩ ተገዲሱን ተሃንጥዩን ብሃንቀውታ ዝተጸበየሉ ዘመን ፈጺሙ ኣይተራእየን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ