S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካብ 10 ክሳብ 12 የካቲት 2020 ዓ. ም (ሰኑይ, ሰሉስን ረቡዕን)  ይውዕል። ምሕረት ዝህብ ጾም ይግበረልና። ኣሜን።

ኣብዚ ዕለታት ዝዝመር መዝሙር ከአ፡ሠርዐ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ። (ንዕረፍቲ ሰብ ሰንበት ሰርዔ) ዝብል ኮይኑ፡ ስለ ክርስቶስ ካልኣይ ምምጻእ፡ ብዛዕባ ሓጥኣንን ጻድቃንን ዘሎ ፍርዲ እንዳተዘከረ ትምህርቲ ዝዋሃበሉ ዕለታት እዩ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እምበኣር፡ ቤተ ክርስትያን ንምእመናን ተመሓላልፎ ትምህርቲ ከምቲ ዘማራይ ዳዊትንሲሳያ ኣጸቢቐ ኽባርኾ፡ ንድኻታታ እንጌራ ኸጽግቦም እየ። ንኻህናታ ምድሓን ከልብሶም እየ፣ቅዱሳና ኸኣ ብሓጐስ እልል ኪብሉ እዮም።ዝበሎ፡ ንጐይታ ተዳሊና እንተጸኒሕናዮ፡ ካብ እንጌራኡ ኣጽጊቡ ምድሓን ጽድቁ ከልብሰና፡ ኣብቲ ናይ ሓጎስ ጽድቂ ንካፈለሉ መገዲ ንጸርገሉን ንዳለወሉን እዩ። ኣብ ህይወትና ሎሚ ዝያዳ ኩሉ ክንዓቁሮ ዝግባኣና ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኖም ምርኣይ እዩ፡ እዚ ጽሑፍ ተዳልዩ ዘሎ እሞ ሰናይ ንባብ ይግበረልና።

ናይ ምስጋና ጸሎት:- ንገባሬ ሠናያትን መሓርን ኣምላኽ፥ ኣቡኡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ። ሰቲሩናን ረዲኡናን፥ ዓቂቡናን ተቐቢሉናን፥ ራኅሪኁልናን ደጊፉናን ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣውን ኣብጺሑና እዩ እሞ ነመስግኖ ኣሎና። ሕጂውን ንዕኡ በዛ ቕድስቲ ዕለት እዚኣን፥ ብዅሉ ዘመን ሕይወትናን ብፍጹም ሰላም ኪዕቅበና ንዅሉ ዝመልኽ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንለምኖ።

ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያንና ካብ ጥቅምቲ 10 ክሳብ 16 ኣብዚ ለይቲ እዚ ኺዝምርዎ ዝሓድሩ መዝሙር፡ “ወመኑ መሃሪ ዘከማከ” ዚብል እዩ።” ከማኻ ዝበለ መሓሪ መን ኣሎ” ዚብል ትርጉም ዘለዎ ኸኣ እዩ። ጐይታና’ውን ኣብቲ ዝተነበበልና ንባብ ወንጌል፡ ነቶም ንሰብ ምፍራድን ምዅናንን እምበር ካልእ ጥበብ ዘይነበሮም ፈሪሳውያን፡ “ምሕረት እፈትው፡ መስዋእቲ ኣይኰነን” ዚብል ሃይለ ቃል ከም ዝተዛረቦም ተጻሒፉልና ኣሎ። ቅድሚ ሕጂውን፡ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ኣብ ሓደ መኣዲ ተቐሚጡ ኺበልዕ ርእዮም ምስ ወቐስዎ፡ “ኣነ ንሓጥኣን እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ‘ምሕረት እፈትው፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡’ ዚብል (ቃል) እንታይ ማለት ምዃኑ ኪዱ ተመሃሩ” ኢልዎም ኼብቅዕ፡ ምስማዕ ስለ ዝኣበዩ፡ ንሰባት ካብ ምፍራድ ኪናገፉ ፈጺሙ ኣይተኻእሎምን (ማቴ 9፡13)። ነዚ ቓል እዚ ጐይታ ዚጠቕሶ ዘሎ፡ ካብቲ ነብዪ ሆሴእ፡ “ኣነስ ምሕረት እየ ዝፈትው መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ካብ ዚሓርር መስዋእቲ ድማ ፍልጠት ኣምላኽ እፈትው።” ዝበሎ ትንቢታዊ ቓል እዩ (ሆሴ 6፡6)።

ህዝቢ ነቲ ሓቂ ክፈልጦ፥ ቃለ መሕትት ምስ ኢንጂነር ዑቕባዝጊ ሥዩም (1ይ ክፋል)

ኢንጂነር ዑቕባዝጊ ሥዩም ምስ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ዝነበሮም ርክብ ከመይ ይመስል? ምስ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ዝነበሮም ርክብ ምስቶም ካልኦት ጳጳሳት ተዋህዶ ካብ ዝነበሮም ርክብ ዝተፈልየ ድዩ? 

ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ኦሬንታል፥ ጳጳሳት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ እንጦንዮስ ንዝወሰዶ ውሳኔ ብትሪ ነጺግዎ

መልእኽቲ ካብ ገዳም ደብረ ቢዘን – ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡

መልእኽቲ ካብ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ– በቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ሲኖዶስ ኣይንምራሕን ኢሉ ነጺግዎ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div