S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዘኒቆዲሞስ(7ይ ሰንበት ጾመ-ኣርብዓ)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበብ ቅዱስ ጽሑፍ
ዲያቆን:- ሮሜ፣ 7.1-19 (Rom)
ተሓጋጋዚ ዲያቆን:-1 1 ዮሃ፣ 4.18-21 (1st  John) 

ተሓጋጋዚ ካህን:- ግብ  5፡34-42 (Acts)
ካህን:- ዮሃ፣ 3.1-20 (John) 
ያሬዳዊ መዝሙር፡ሖረ ሃቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ (ኒቆዲሞስ ዝበሃል ሰብ ናብ ጎይታ ኸደ)
መዝሙር ዳዊት፡- ሃወጽከኒ ሌሊተ ወፈተንኮ ለልብየ፣ ኣመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላእሌየ፣ ከመ ኢይንብብ ኣፉየ ግብረ እደውየ። 
መዝሙር ዳዊት፡- ንልበይ ተዐዚብካዮ፣ ብለይቲ በጺሕካዮ፣ መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፣ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ (መዝ 17.3)።
Psalms:- You have put my heart to the test, searching me in the night; you have put me to the test and seen no evil purpose in me; I will keep my mouth from sin. ” Psalms 17:3.
ቅዳሴ፡- ማርያም

ኒቆዲሞስ

ኒቆዲሞስ ፍሉጥ መምህር እዩ ኔሩ (ዮሃ 3.10)። በቲ ጎይታ ኣብ ቤት መቕደስ ዝገበሮ ተኣምራት ድማ ኣዝዩ ተማረኸ (ዮሃ 2.13-23)። ኒቆዲሞስ ሓላፊ ናይ ኣይሁድ ስለዝነበረ፣ ምስ ክርስቶስ እንተተራእዩ ፈሪሳውያን ክቃወምዎ ከምዝኽእሉ ተረዲኡ ብለይቲ እምበር ብመዓልቲ፣ ብጸልማት እምበር ብብርሃን ምስ ክርስቶስ ክራኸብ ኣይደለየን (ዮሃ 3.1)። ስለዝኾነ ድማ ብጸልማት ናብ ክርስቶስ መጸ። ድሒሩ'ውን ኣብታ ክርስቶስ ዝተሰቕለላ ዕለት-ዓርቢ፣ ጸሓይ ምስ ተኸወለት ብርሃን ብጸልማት ምስተተክአ: ስጋ ክርስቶስ ሓመድ ከልብስ ብጸልማት ናብ ክርስቶስ ከምዝመጸ ንዕዘብ (ዮሃ 19.38)። ኣይሁድ ንትምህርትን ተኣምራትን ክርስቶስ ክቃወምዎ ኰለዉ፣ ኒቆዲሞስ ግና እቲ ብለይቲ ዝጠዓሞ ትምህርቲ ክርስቶስ ንልቡ ስለዝረትዖ ንክርስቶስ ይድግፍ ነበረ (ዮሃ 7.51)።

ኒቆዲሞስ ንትእምርትታት ክርስቶስ እኳ እንተኣመኖ፣ ንኣምላኽነት ክርስቶስ ግና ኣይተቐበሎን ኔሩ። ይኹን እምበር ክርስቶስ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ ምስ ጎይታ ንምዝርራብ ከምዝመጸ እቲ ጽሑፍ ይገልጽ። ኒቆዲሞስ ትንቢት ነቢያት ንምምርማር ዕድል ዝረኸበ ሰብ እዩ ኔሩ። እንተኾነ ግና፣ ነቲ ክርስቶስ ዝሃቦ ትምህርቲ ንምቕባል ስለዝኸበዶ ክርስቶስ በዚ ነገር እዚ ተገሪሙ፣ "መምህር ኣይሁድ ክንስኻስ ነዚ ነገር ነዚ ኣይትፈልጥን?" ክብል ንኒቆዲሞስ ሕቶ ሓተቶ። ኣስዒቡ፣ ክርስቶስ መምህርን ኣምላኽን ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ ህይወቱ በጃ ክህብ ዝመጸ "መድሃኔ-ዓለም" ከምዝኾነ ኣጸቢቑ ክሳብ ዝስወጦ ገለጸሉ (ዮሃ 3.2፣ 3.14-18፣ 13.13-15፣ ማቴ 23.8)።

ክርስቶስ ነቲ ኒቆዲሞስ ኣብ ኦሪት መርገም ምዃኑ ዝፈልጦ ናይ ኣስራዚ ምስሊ-ተመን ጠቒሱ፣ በዚ መስቀል እዚ በረኸት ከምዝርከብ ሓበሮ (ዘሁ 21.8፣ ገላ 3.13 2 ቆሮ 5.21፣ ዮሃ 3.14-15)። ክርስቶስ ካብ ዝመሃሮ ትምህርቲ ንኒቆዲሞስ ዝኸበዶ ክፋል፣ ትምህርቲ ካልኣይ ልደት እዩ ኔሩ። ጎይታ ካብ ስጋ ዝተወልደ ስጋ እዩ ስለዚ ካብ መንፈስ ክትውለድ ኣሎካ ስለዝበሎ፣ ኒቆዲሞስ ምስቲ ንሱ ዝርድኦ ምድራዊ ኣወላልዳ(ልደት) ብምምስሳል "ሰብ ምስ ዓበየ ካልኣይ ከመይ ጌሩ ይውለድ?" ክብል ንክርስቶስ ሓተቶ። ጎይታ ግና "ካብ ማይን ካብ መንፈስን ክትውለድ ግድን እዩ" ክብል ብዘይ ጥምቀት መንግስቲ ኣምላኽ ክኣቱ ከምዘይክእል ሓበሮ።

ጎይታ ኣብ ወንጌሉ ብዘይ ካልኣይ ልደት መንግስቲ ኣምላኽ ክንወርስ ከምዘይንኽእል ምሂሩና እዩ። ሓደ ሰብ ብስጋ ካብ ወለዱ እንተዘይተወልደ ኣብዚ ዓለም ክነብር ኣይክእልን። ከምኡ'ውን ብመንፈስ ካብ እግዚኣብሄር ዘይተወልደ ሰብ ኣብታ መንፈሳዊት መንግስቲ-ኣምላኽ ክነብር ዝከኣል ኣይኮነን። ሰብ ብምስሊ ኣምላኽ እኳ ኣንተተፈጥረ፣ ኣብ ሓጢኣት ስለዝወደቐ፣ ሰይጣናዊ ሓሳብ ንኣእምርኡ ወሪስዎ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ካብ ንኣምላኽ ንሰይጣን ኪግዛእ ክኢሉ እዩ። እቲ  ንመጀመርያ እዋን ብዳርባ እምኒ ንሓዉ ዝቐተለ ሰብ'ውን ሰይጣናዊ ሓሳብ ንኣእምርኡ ስለዝወረሶ እዩ (ዮሃ 8.44-46)። ከምቲ "ኩሎም ሓጢኦም ክብሪ እምላኽ'ውን ሰኣኑ" ዝብሎ፣ ወዲ ሰብ ኣብ ትሕቲ ሞት ዝወደቐ ፍጡር ብምዃኑ፣ መንግስቲ-ኣምላኽ ኽወርስ እሞ ብህይወት ምእንቲ ክነብር፣ ብጥምቀት ወንጌል ብእምነት ካብ እግዚኣብሄር ዳግም ክውለድ ግድን ኮነ።

ክቡር ኣንባቢ፣ ትርጉም ካልኣይ ልደት፣ ነቲ ኣረጊት ሰብካ ምስ ኩሉ ክፉእ ሓሳቡን ባህርዩን ኣሊኻ ሓድሽ ሰብ ክርስቶስ ምልባስ ማለት እዩ። ነቲ ኣዳማዊ ባህርይ ብቓል ኣምላኽ ጌርካ ስዓሮ፣ ካብ ኣምላኽ ዳግማይ ብጥምቀት ተወለድ። ኣምላኽ ውሉዱ ክትኮኖ ጸዊዑካ እዩ'ሞ መንግስቱ ክትወርስ ውሉድ ኣምላኽ ንምዃን እዙዝ ኩን። ዳግማይ ብእምነት እንተተወሊድካ ድማ ንልደትካ ሸለል ኣይትበሎ። ንክርስቶስ ብኹሉ ህይወትካ ምሰሎ፣ ኣሰር ክርስቶስ ተኸተል፣ ህይወት ድማ ክትረክብ ኢኻ።

ኣምላኽ ጸጋ ይሃብካ።

ትርጉም ዲን.ዑቕበ ዘመደ። ብፍቓድ  ደራሲ መምልዑለቃል ኣካሉ።

ኢየሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። (ዮሃ 3:3)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div