S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2001 ግእዝ

ሎሚ 1 መስከረም 2001 ግእዝ (መስከረም 11, 2008) በዓል ቅዱስ ዮሓንስ እነብዕሎ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ፍልይ ብዝበለ ኣበዓዕላ እዩ። 

እዚ ድማ ናጽነት ቅድስና መንበር ቤተ ክርስትያን ዝተጋህሰሉ፡ ካብ ናይ ዓለም ኦሬንታል ቤተ ክርስትያናት ጉባኤ ዘሓዋርያት ዝተወገድናሉ፡ ቅዱስ ፓትርያርክ ካብ ቅድስና መንበር ብዓመጽ ዝተኣልዩሉ፡ ካብ ቅብኣት ቡራኬ ቅድስና ኣዚና ንታሕቲ ወሪድና ብተራ ብፅዕና መዓርግ ዘለዎም ጳጳሳት ዓውደ ዓመት እንባረኸሉ: ናይ 2000 ዓመት ቀኖናን ሓዋርያዊ ሥርዓተ እምነትናን ዝተጣሕሰሉ ግዜ ኢዩ።

ጳጳስ ውግዘት ቃለ ሓዋርያት ዝሰዓሩሉ፡ ሓድሽ ዓመት ነብዕሎ ብምህላውና፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ናይ ሓጎስን ሰላምታን ቡራኬን፡ ናብ ናይ ንብዓት: ጸሎት: ሰባኤን ምህልላን ዘድልዮ እዋን ዝያዳ ዓዚዙ ዝበዓል ኮይኑ ኣሎ።

ስለዚ እዚ ኣብ ሃይማኖትና ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ፈተና ናይ ሰይጣን፡ በዚ ሓድሽ ዓመተ ምህረት 2001 ዘመነ ማቴዎስ ወንጌላዊ፡ ብጸሎትን ምህልላን ኩሉ ኣማኒ ሓድሽ ዓመት ራህዋን ሰላምን ዝመልኦ ኪኾነልና።

ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያንና ዚዕንድር ዘሎ ናይ ምፍልላይ መንፈስ ተወጊዱ፡ ሰላምን ቅድስናን ሕውነትን ዝመልኦ ሕይወት ኪወርደና ኩላትና ብጸሎትን ሱባኤን ክንነቅሕ ኣምላኽ ይደግፈና።

ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ

ኤርትራዊት  ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div