S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መግለጺ ብዛዕባ ምሻም ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ኣብ ኦርቶዶክስ - 2007-04-24

ኣብ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ታሪኽን ህልውናን ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ዘሕፍርን ዘጸይፍን ተግባር ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብምኽሳቱ፣

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ብዝተፈጥረ ዘይሕጋዊ ኣከያይዳ፣ ተጠርኒፉ ንዝጸንሐ ምእመን ከፋፊልዎ እዩ ብፍላይ እዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ዘፍርስ ሽመት ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ግና ኣብ እዛ ቤተ ክርስቲያን ከቢድ ዕንወት ኣኸቲሉ ኣሎ። ንናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና መንፈሳዊ ክብርን መዓርግ ቅድስናን ድማ ኣብ ኣተሓታቲ ኩነታት ኣውዲቑዎ ይርከብ። እቶም ሓቀኛ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀኖና፣ ጽድቅን ስርዓትን ዝኽተሉ ኣመንቲ፣ ናይዚ ከቢድ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ምስዓርን ውግዘት ስም ሥላሴ ምርጋጽን ድማ ንኽብሪ ቅድስና ቤተ ክርስቲያንን ውግዘታን ታራ ቃል ከም ዝኸውን ገይሩ እዩ።

ንኡስ ሃገረ ስብከትና ነዚ “ፓትርያርክ ብህይወት እንከሎ ካልእ ፓትርያርክ ኣይሽየምን” ዝብል ዓለም ለኻዊ ቀኖና ናይ 2000 ዓመት ሕጊ ሃይማኖት፣ ብ325 ዓ.ም. ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ብዝተኣከቡ 318 ቅዱሳን ኣቦታት ዝቖመ፣ ከምኡውን ነቲ ኣብዚ ቀኖና እዚ ተመስሪቱ ዝቖመ ሕጊ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ እናፈረሰን እናተጣሕሰን ብዝኾነ መንገዲ ተዓሚትና ክንቅበሎ ሃይማኖታዊ እምነትና ኣይፈቕደልናን ጥራይ ዘይኮነ ደው ኢልና ክንከላኸለሉ መንፈሳዊ ሓላፍነትና እዩ።

 ስለዚ፣ ኩሉ ወዲ እዛ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብግልጺ ክፈልጦን ክርድኦን ንሃይማኖቱ ደው ኢሉ ክከላኸልን ነዘኻኽር። ብተወሳኺ፣-

  1. ፓትርያርክ ብሕይወት እንከሎ ፓትርያርክ ኣይሽየምን ዚብል ቀኖና ብምስዓሩ።
  2. ኩሎም ጳጳሳት ብቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ፓትርያርክ ከይሾሙ ብሥልጣን ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ውጉዛት ብምዃኖም።
  3. ናይዚ ከቢድ ገበን እዚ ብዝለዓለ ተሓታትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ገበነኛን ብውግዘትቓለ ሃዋርያት፣ ካብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተፈልዩ ክነሱ ብሓይሊ ኣብ ስልጣን ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ዝመርሕ ዘሎ ጭዋ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ እኳ እንተ ኾነ፣ እቶም ብቅድስና ሃይማኖትና ኮነ ብሕይወት ቅዱስ ፓትርያርክን ኣብዚ ውግዘት እንተ ብፍላጥ እንተ ብድፍኢት ኢዶም ዝሕውሱ ዘለዉ ሰባትውን ተሓተቲ ምዃኖም ክፍለጥ ኣቐዲምና ንሕብር።
  4. ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከቡ ኣቦታት ካህናት፣ ዲያቆናት ምእመናን፣ ነዚ ኣብ ሓዋርያዊትን ቅድስትን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ወሪዱ ዘሎ ድፍረትን ምፍራስ ቀኖናን ከቢድ ግህሰትን ተገንዚብኩም ንሃይማኖትኩም ደው ኢልኩም ክትከላኸሉን፣ ብደም ክርስቶስ ዝተዓደገት፣ ብተራዳኢነት መላእኽቲ፣ ብኣማላድነት ንጽሕት ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ብትንቢት ነቢያት፣ ብስብከት ሃዋርያት፣ ብጸሎት ጻድቃንን ብመስዋዕቲ ሰማዕታትን ንኣስታት 2000 ዓመት ዝጸንሐት ሓዋርያዊት ቅድስት ቤተክርስቲያን፡ ኩልኹም ኣቦታት ካህናት፣ ዲያቆናትን ምእመናንን ሃይማኖትኩም ኣጽኒዕኩም ክትሕዙን ብትግሃት ክትከታተሉን ንኡስ ሃገረ ስብከትና ጸዋዒቱ የመሓላልፍ።

 ዕድመን ጥዕናን ንቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ
እግዚኣብሔር ሰላምን ቅሳነትን ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ የውርድ።
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን
ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ።
ሚያዝያ  ፲፮ ፲፱፻፺፱ ግእዝ። (ሚያዝያ 24, 2007)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div