S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኺረክብምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከም ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግብኦዩ። ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ (ሰብ) ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንዲ ንዓለም ኣፍቀራ።ዮሃ 315,16

እንሆ እዚ ዕለትዚ፡ ሻብዓይ ሰንበት ናይ ዘለናዮ ዘመነ ጾምዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ እዚ ሰንበትዝን እቲ ድሕሪኡ ዘሎ ሰሙንን (ክሳዕ ድሮ ሆሳእና)ኒቆዲሞስተባሂሉ ዚጽዋዕ። ኒቆዲሞስ፡ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ኰይኑ፡ ፈሪሳዊ መምህር ዝነበረዩ። ዘይ ከም ካልኦት ፈሪሳውያን ብጾቱ ግን ፍሉይ ሰብ ዝነበረ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መምህር ኰይኑ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝተላእከ ዚኣምን ፈሪሳዊ ነበረ። ዘይከም ካልኦት ፈሪሳውያን መንፈሳዊ ብርሃን ዝረኸበ ቕኑዕ ፈሪሳዊ ምንባሩ፡ ካብ ዝተዛረቦን ዘንጸባረቖ ባህርይን ምርዳእ ይከኣልዩ። ካብቶም ንጐይታና ዚጻብእዎ ፈሪሳውያን ስግኣት ስለ ዝነበሮ ግን ጕልባቡ ቐሊዑ ዅሉ ሰብ እናረኣዮ ምስ ጐይታ ኺዘራረብ ኣይተብዐን። ንጸልማት ከም ከውሊ ተጠቒሙ ግን ብዛዕባኡ ዝነበሮ ኣረኣእያ እንታይ ከም ዚመስል ንጐይታ ብቕንዕና ገለጸሉ። ጐይታ ድማ፡ ኣመላልሳኡ ቝሩብ ትርር ዝበለ እንተ መሰለ፡ ንዝዀነ ይኹን ካልእ ሰብ ዘይተዛረቦ ፍሉይ ምስጢር ደኣ ገለጸሉ። እዚ ንእኡ ዝገለጸሉ ናይ ካልኣይ ልደት ምስጢር፡ ናይ እምነት ክርስትና እምኒ-መኣዝንዩ። ናይ ምስጢረ ጥምቀትን ምስጢረ ሜሮንን መሰረተ እምነትና፡ ኣብ ንመምህር ኒቆዲሞስ ዝተነግሮ ቓል ዝተሰረተዩ።ካብ ማይን ካብ መንፈስን ምውላድማለት፡ ነቲ ብምስጢረ ጥምቀት ካብ ማይ እንውለዶ፡ ብምስጢረ ሜሮን ከኣ ካብ መንፈስ ቅዱስ እንረኽቦ መንፈሳዊ ልደት ዜመልክትዩ። በዘን ምስጢራትዚኣተን ዝሓለፈ ክርስትያን፡ካብ ላዕሊ፡ ካብ ኣምላኽተወሊዱ ይበሃል። ካብ ኻብ ላዕሊ ዝተወልደላ መዓልቲ ጀሚሩ ድማ፡ ኣብ ዓለምዚኣ ጓናን ስድደተኛን ይኸውን። ዓለም ብግህዶ ትጸልኦ፡ ንሱ ኸኣ ጸላኢኣ ይኸውን። ነዛ ልደትዚኣ ድሕሪ ምርካቡ፡ ኵሉ ቐልቡ ኣብ ሰማያዊት ሃገሩ ይገብር። ዋላ ህይወቱ ድሮ ኣብ ክርስቶስ ተሰዊራ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጣ እንተ ስጋኡ ኣብ ምድሪዚኣ ተሪፉ ገና ምድሓኑ ይጽበይ ስለ ዘሎ ናብ ሰማያዊት ሃገሩ ዚግዕዘላ ዕለት ብልዑል ሃንቀውታ ዚጽበያ (ቈሎ 31-3 ኤፌ 26,7 ፊሊ 320,21 ሮሜ 822,23 .) ናብ ዝተወልደላ ሰማያዊት ሃገሩ ኽሳዕ ዚምለስ ዘሎ ናይ ምድራዊ ህይወቱ ዘመን ከኣ፡ ነቲ ሰማያዊ ልደቱን መንነቱን ዚምጥንን ዚውክልን ናይ ጽድቅን ቅድስናን ናብራ ዚነብር። ሰማያዊ ልደቱን መንነቱን ዘንጊዑ፡ ብሓጢኣትን ርኽሰትን ዝተበከለ ዓለማዊ ናብራ ዚነብር እንተ ዀይኑሞ፡ ብንስሓ ንልደቱ እንተ ዘይሓዲስዎ፡ ነቲ ብመስዋእቲ ክርስቶስን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ዝረኸቦ ኽቡር ልደትን መንነትን ንሓዋሩ ኺስእኖ ይኽእልዩ። ከም ኒቆዲሞስ፡ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጽቡቕ ኣረኣእያ ስለ ዘሎካን፡ ብዛዕባኡ ግሩም ቃላት ስለ ዝተዛረብካን ጥራሕ፡ መንግስተ ሰማያት ምእታው ኣይርከብንዩ። ካብ ላዕሊ ካብ መንግስተ ሰማያት ብማይን ብመንፈስን ክትውለድ ናይ ግድንዩ። ካብ ላዕሊ ምውላድ ጥራሕውን ኣኻሊ ኣይኰነን። ነቲ ሰማያዊ ልደትካን መንነትካን ኣብ እክይትን ጸላኢትን ዝዀነት ዓለም ብግብሪ ኽትነብሮ ናይ ግድንዩ። ስለንመንግስቲ ኣምላኽ ተወሊደላጥራሕ ዘይኰነስ፡ንመንግስቲ ኣምላኽ ሕጂ እነብራለኹኪብል ዘይክእልን ኣምላኽውን ዘይምስክረሉ ክርስትያን፡ ምስቶም ጐይታና፡ብዙሓት ኪኣትዉ እናደለዩ ከም ዘይኰነሎም (ብሓቂ) እብለኩም ኣለኹኢሉ ዝተዛረበሎም ሰባት ዚስራዕምበር፡ ነታ ምእታው ኣይኪረኽባንዩ። ምስቶም ብዙሓት ኰይኑ ማዕጾ እናዃሕኵሐ  ኣነ ካብኣ ተወሊደየ፡ ክኣትው ይግብኣኒዜስምዕ ናይ መርትዖ ቓላት እንተ ኣብዝሐ ድማ፡ እቲ ብእኡ ዝተበደለን ዝተዋረደን ንጉስ ናይ መንግስቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ዅላትኩም፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምንየ፡ ካባይ ርሓቁኢሉ ኺመልሰሉ (ሉቃ 1322-30) ኣብ ኣምላኽ ብዛዕባ ሰማያዊ ልደትን ሰማያዊ ናብራን፡ ዋጋ ዕዳጋ ፈጺሙ የልቦን። ናይኒቆዲሞስዝተሰምየ ቅዱስ መዓልቲ ዝዓበየ መንፈሳዊ መልእኽቲ እዚ ዝተባህለዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኣብ ዘመነ ጾም ናይ ኒቆዲሞስ መዓልቲ ዝሰርዓትልና፡ በዚ መንፈሳዊ ሓቂ ተመሪሕና መፈጸምታና ምእንቲ ኸነጸብቕዩ። ነቲ ብቕዱሳን ኣቦታትና ገይሩ ነዚ ዕለትዝን ነዚ ምስጢርዝን ዝሰርዓልና እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ፡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ኣብ ኵሉ ወለዶታት ክብሪ ይዅኖ!! ኣሜን!!

ናይ ዕለት መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ሖረ ኀቤሁዘርእስቱ ዀይኑ፡ ነቲ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል መሰረት ብምግባር ዝተደርሰዩ። እቲ በዚ መዝሙር መሰረት ዝተሰርዐ ናይ መዝሙረ ዳዊት ምስባክ ድማ፡ ነዚ ልዕል ኢልና ኸነንብቦ ዝጸናሕና ሓሳብ ዚድርዕዩ። ቅዱስ ዳዊት፡ ብእግዚኣብሄር ተመርሚሩስ ዝዀነ ዓመጻ ኸም ዘይተረኽቦ ተኣሚኑ ኣሎ። ምኽንያቱ ኸኣ ኣብ ልሳኑ ቓል ዓመጻ ኸይወጽእ ቈራጽ ውሳነ ወሲዱ ስለ ዘተግበሮን፡ ንቓል እግዚኣብሄር ብምእዛዝ፡ ካብ መገዲ ዓመጸኛታት ስለ ዝረሓቐንዩ። ሰማያዊ ልደትና ንዅላትና ዚጠልበና ህይወት ድማ ከምዩ። ናይ ዕለት ትምህርትና፡ እግዚኣብሄር ንሕና ሰማያዊ ልደት ረኺብና ኻብ ጥፍኣት ድሒንና ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ብህይወት ወዱ ኽሳዕ ዚብጀወና ኽሳዕ ክንዲ ኸም ዘፍቀረና ዚገልጽዩ። ዘለኣለማዊ ህይወት፡ ናይ ሰማያዊ ልደት ህያብዩ። ሰማያዊ ልደት ከኣ ናይ መስዋእቲ ክርስቶስ ፍረዩ። መስዋእቲ ክርስቶስ ድማ ናይ ዕዙዝ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝለዓለ መግለጺዩ።

ንኣና ንዓለም ከይነፍቅራ ኣዚዙናስ፡ ንምንታይ ባዕሉ ንዓለም ክሳዕ ክንዲ ዘፍቀራ፧ ወይስ ብዛዕባ ዝተፈላለያ ዓለማት ዚዛረበና ዘሎ፧ ናብ መሪሕ ጥቕስና ምልስ ኢልና ብምስትውዓል ደጊምና እንተ ኣንበብናዮ፡ እቲ መልእኽቱ እንታይ ምዃኑ ብቐሊሉ ኺበርሃልናዩ። ብዛዕባ ሰባትምበር፡ ብዛዕባ ህይወት ዘይብላ ግእዝቲ ዓለም ይዛረብ ከም ዘየለ፡ ድሮ በቲብእኡ ዚኣምን ኵሉ (ሰብ) ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብምበር፡ ከይጠፍእሲዚብል ቃል ስለ ዘብርሃልና፡ኣብ ዓለም ንዘሎ ዅሉ ሰብንምባልምበር፡ ብቐንዳ ነዛንነብረላ ዘለና ዓለም ማለቱ ኸም ዘይኰነ ብሩህዩ። እዛ ዓለምዚኣ ቦታ ኽሳዕ ዘይርከበላ ኣሰር ዘይብላ ዀይና ብሓዊ ነዲዳ ኽትጠፍእ፡ ገና ቕድሚ ምፍጣራ ዝተወሰነላ ዓለም (ራእ 2011 . + . 2ጴጥ 37,10-12) እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ዓለምዚኣ እንነብር ብምስሉን መልክዑን ዝፈጠረና ደቂ ሰባት ዘፍቀረ (1ዮሃ 31,16 49,10) እቲ ንሕና ንዓለም ከይነፍቅራ ዝተነግረና ድማ፡ ነቲ ኣብ ዓለምዚኣ ዚገዝእ ዘሎ፡ ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ኣነባብራንምበር፡ ነዛ ግእዝቲ ዓለምዚኣ ኸም ዘይኰነ ብተደጋጋሚ ተማሂርናዮ ኢና። እዛ ዓለምዚኣ በቲ እኩይ ድያብሎስ እትመሓደር እክይቲ ዓለም (1ዮሃ 519 ገላ 13,4) ንጊዚኡ እንጸንሓላ ድንኳናምበር፡ ነባሪት ሃገርና ኣይኰነትን። ጥፍኣት ኣወናዊኑናን ኣብሂጉናን እንተ ዘይኰይኑ፡ ምስኣ ብፍቕሪ ዜዛምድ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብልናን። ፍቕሪ ዓለም፡ ነቲ ኣምላኽ ኣባና ዘለዎ ዕዙዝ ፍቕሪ ናብ መሪር ፍርዲ ዚልውጥ ዓሻ ምርጫዩ። እቲ ኣብ ልብና ብዘይ ልክዕ ዝፈሰሰ ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ነቲ ዚፈታተነና ፍቕሪ ዓለም እንተ ዘይኣጥፊእዎ፡ እቲ ጥቕሲ ተገልቢጡ፡ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ኪረክብምበር፡ ከይድሕንሲኪዀነልና መሪጽና ኣለና ማለትዩ።

ፍቕሩ ንምግላጽሲ ንምንታይ ናይ ግድን ህይወት ወዱ በጃ ኺህብ ኣድለዮ፧ ህይወት ወዱ እንተ ዘየሕለፈ፡ እቲ ፍቕሩስ ፍቕሪ ኣይከውንን ማለት ድዩ፧ እዚ ኣገዳሲ ሕቶ ብዛዕባ ባህርይ እግዚኣብሄርን ብዛዕባ ኽብደት ሓጢኣትን ኣዕሚቝና ኽንምርምር ዚድርኽዩ። እቲ ኸቢድ ጸገም ዚዀነና፡ ነዚ ዓሚቝን ረቂቕን ምስጢርዚ፡ ኣብ ሓጺር ናይ ስብከት ጊዜን ኣብ ንእሽቶ በራሪ ወረቐትን ክትገልጾ ኣዝዩ ዜጸግም ምዃኑዩ። ብመሰረቱውን፡ ዋላ ኣዝዩ ይብላሕ፡ ኣእምሮ ሰብ ኪግንዘቦን ኬቋጽሮን ዘይክእል፡ ዋላ ኣዝዩ ብሉጽ ይኹን፡ ቋንቋ ሰብ ኪገልጾ ዘይክእል፡ ጊዜ ስለ ዝነውሐ፡ ወረቐትውን ስለ ዝበዝሐ ዘይፍታሕ ግድልዩ። በቲ እግዚኣብሄር ዝገለጸልና መጠን ግን ብዓቕምና ኽንድህስሶ ዘይከኣል ኣይኰነን። ንምርድኡ ምእንቲ ኺጥዕመና ግን ኣብ ክልተ ንኡሳን ኣርእስቲ ኸፊልና፡ ብኸም ዚስዕብ ንዳህስሶ።

1) ክብደት ሓጢኣት፦ ኣምላኽን ንሕና ብዛዕባ ኽብደት ሓጢኣት ዘሎና ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ፡ ብዝዀነ ዓይነት ሰብኣዊ መለክዒ ኺግለጽ ዘይክእል እምብዛ፡ ኣዝዩ፡ ኣመና፡ ምሒር፡ እምበረ መጠን ገፊሕዩ። ንሓጢኣት እምብዛ ኣቕሊልና ኻብ ምርኣይና ዝተላዕለ፡ ብዘይ ሓጢኣት ኪንበር ከም ዘይከኣል ክሳዕ ምድምዳም ዝተበላሸናን ዝጋዕዘናን ፍጥረት ኢና። እዚ ኸኣ፡ ንሓጢኣትና ኣዝዩ ኸም ዚበዝሕ ኣብ ርእሲ ምግባሩ፡ ንኣድላይነትን ክብርን ናይ ንስሓ ድማ እምብዛ ኣሕሲርዎን ኣቕሊልዎን ኣሎ። ሓጢኣት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ግን ኣዝዩ ኸቢድ ምዃኑ፡ በቲ ንሓጥእ ሰብ ኬድሕን ንሓደ ወዱ መስዋእቲ ምግባሩን፡ ንሓጢኣተኛ ንዘለኣለም ኣብ ቀላይ ሓዊ ኪሳቐይ ኪነብር ምፍራዱ ብመጠኑ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። ናይ እግዚኣብሄር ጽድቅን ቅድስናን ኣዝዩ ፍጹም ስለ ዝዀነ፡ ነታ ንሕናዝነኣሰት ሓጢኣትእንብላ በዒንቱ ኺርእያን ሸለል ኢሉ ኺሓልፋን ኣይክእልን (ኣን 113 ህዝ 3617) ፍትሓዊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንሓጢኣት ግቡእ ዓስቡ ኸይሃበ ኣይሓልፎንዩ። ናይ ኵሉ ሓጢኣት ፍርዲ ድማ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይንዩ። ምኽንያቱ ይዕበይ ይንኣስ፡ ይብዛሕ ይውሓድ፡ ኵሉ ሓጢኣት ኣብ ልዕል ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ዚፍጸም ከቢድ በደል (መዝ 514) እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ዝተፈጸመ ሓጢኣት ግቡእ ፍርዲ ኸይሃበ ሸለል እንተ በሎ፡ ነቲ ጻድቕን ቅዱስን ፍትሓውን ባህርዩ ሸለል ምባል ስለ ዚኸውን፡ ፈጺሙ ኣይውዕሎንዩ። ነዚ ሓጢኣት ሕድገት ዚገብረሉ፡ ንእኡ ነቲ ሓጢኣት ዚምጥኖ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣዝዩ ዚዓብዮ ሞት ሞይቱ ነቲ ዓስቢ ሓጢኣት ዚኸፍል ኣካል ምስ ዚርከብዩ። ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ንዝተፈጸመ ከቢድ በደል ብሞቱ ኪኸፍሎ ዚኽእል፡ ካብ ፍጥረት ዋላ ሓደ የልቦን። ሰብ ከይከፍሎ፡ ንርእሱ ሞት ዚግብኦ ስለ ዝዀነ፡ ይትረፍ ናይ ምሉእ ህዝቢ ዓለም፡ ነታ ናቱውን ኪኸፍላ ኣይክእልንዩ። ዋላ መልኣኽ ስጋና ለቢሱ እንተ ዚሞተልናኳ፡ ንኣምላኽ ዚምጥን ክብሪ ስለ ዘይብሉን፡ ድሕሪ ሞት ትንሳኤ ዚረኽበሉ ናይ ገዛእ ርእሱ ዘለኣለማዊ ህይወት ስለ ዘይብሉን፡ ሓጢኣት ዓለም ብሞቱ ኼተዓርቕ ኣይክእልንዩ። ስለ ብሞቱ ዓስቢ ሓጢኣት ብምልኣት ከፊሉ ብድሕሪኡ ብትንሳኤ ህይወት ኪህብ ዚኽእል፡ ብዘይካ ኣምላኽ ዋላ ሓደ ኻልእ ኣካል ኣይነበረን፡ የለን ከኣ። እዚ ኸኣ ሓጢኣት ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ምዃኑ ዜብርሃልናዩ።

2) ባህርይ እግዚኣብሄር፦ እግዚኣብሄር ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእትዎ፡ ማለት ሸለል ዘይብሎን ዘይግህሶን ጻድቕን ቅዱስን ፍትሓውን ባህርይ ከም ዘለዎ ድሮ ጠቒስና ኣለና። ናይ እግዚኣብሄር ባህርይ ግን እዚ ዝተጠቕሰ ጥራሕ ኣይኰነን። ፍቕሪ፡ ሕያውነት፡ ምሕረትውን ሸለል ዘይበሃልን ዘይገሃስን ባህርዩዩ። ጽድቁን ፍትሑን ኪፈርድ እንተ ደረኾ፡ ፍቕሩን ሕያውነቱን ድማ ኪምሕር ይድርኾዩ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ዘይከም ሰብ፡ ኣብ መንጎ ባህርያቱ ምብልላጽ ዘይገብር ሚዛናዊ ኣምላኽዩ። ንፍትሓዊ ባህርዩ፡ ነቲ መሓሪ ባህርዩ መስዋእቲ ብምግባር ኣይኰነን ዚፍጽሞ። ከምኡውን ብኣንጻሩ፡ ነቲ መሓሪ ባህርዩ፡ ነቲ ፍትሓዊውን ጻድቕን ባህርዩ ብምጕሳይ ኣይፍጽሞንዩ። ከኣል-ኵሉ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ብሓንቲ ተግባሩ ንዅሉ ባህርዩ ብማዕረ ብዜዕግብ መገዲ ኺገብር ዚኽእል ኣምላኽዩ። ንሓጥኣትን ንሓጢኣተኛን ኬጥፍእ ፍትሓዊ ባህርዩ ኺድርኾ ከሎ፡ ነቲ ብመልክዑ ዝፈጠሮ ግን ከኣ ብሓጢኣት ዝነወረን ዝበደሎን ዘርኢ ኣዳም ኪምሕር እቲ ፈቃርን ሕያዋይን ባህርዩ ደረኾ። ንፍትሓውን መሓርን ባህርዩ ብማዕረ ኽትግብረሉ ዚኽእል ረቂቕ መለኮታዊ ምኽሪ ድማ መኸረ፡ ብዕብየት ሞቱ ንሞት ናይ ኵሉ ሰብ ከፊሉ፡ ብትንሳኤኡ ድማ ንዅሉ ሰብ ምሕረትን ህይወትን ኪህብ ዚኽእል ድማ፡ እቲ ፍጹም ኣምላኽ፡ እግዚኣብሄር ወልድ ኰነ። መለኮት ግና ኪመውት ስለ ዘይክእል፡ ዚፈስስ ደምውን ስለ ዘይብሉ፡ ምስ ስጋ ተዋሂዱ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ኪኸውን ናይ ግድን ኣድለየ። እዚ ምስጢር ኸኣ ኣብ ማህጸን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተፈጸመ። ብመልክዑ ስለ ዝተፈጠርና ንሕና ብመንፈስ ኣካሉ ኢና፡ ስጋና ብምልባሱ ድማ ንሱ ምሳና ሓደ ኣካል ኰነ። ስለ ሞቱ ናትና ሞት፡ ትንሳኤኡ ድማ ናትና ትንሳኤ ዚዀነሉ መሰረት ተነጽፈ። እግዚኣብሄር ኣቦ ድማ፡ ነዚ ሓደ ወዱ ንሞት ኣሕሊፉ ብምሃብ ነቲ ፍትሓዊ ባህርዩ ኣብኡ ፈጸሞ። ናይ ኵሉ ሓጢኣት ዓለም ዓስቢ ልዕሊ ዚግብኦ ብዜዕግብ መገዲ ስለ ዝተኸፍለ ድማ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ብምሃብ ነቲ መሓሪ ባህርዩ ተግበሮ። እዚ ዅሉ ኺገብር ዝደረኾ ድማ፡ እቲ ንኣና ብመልክዑን ምስሉን ዝፈጠረና ደቂ ኣዳም ዘለዎ መግለጽን መለክዕን ዘይርከቦ ዕዙዝ ፍቕሩዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ከም ዝገለጾ፡ ኣምላኽ ፍቕሪ (1ዮሃ 48,16) ነዛ ባህርዩን መንነቱን ዝዀነት ፍቕሪ ኺጐስያ ኣይኰነሉንዩ። ስለ ኸኣ፡ ንሓጢኣት ኣዝዩ ዚጽየፎ ኽነሱ፡ ነቲ ኪፍቀር ዘይግብኦ ሓጥእ ሰብ ግን፡ ብዋጋ ህይወት ናይ ሓደን ቅዱስን ወዱ ኣፍቀሮ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ኵሉ ዋጋ ስለ ዝኸፈለስ፡ ንምንታይ ኢና ንሕና ኻብ ተሓታትነት ሓራ ንኸውን፧ እዚ ተግባር ናይ ብሓቂ ፍትሓዊ ድዩ፧ ወይስ ተኻፈልቲ ናይ ፍርዲ እንዀነሉ መገዲ ኣሎዩ፧ ናይ ጐይታና ዝኸፈሎ ዋጋ ተኻፈልቲ እንተ ዘይኴንናሞ፡ ናይ ብሓቂ ፍትሓዊ ኺበሃል ኣይምተኻእለን ነይሩ። ነቲ ፍርዲ ብቀጥታ ባዕላትና ኽንቅበሎ ዘይተፈርደልና ክንጾሮ ዘይንኽእል ዘይዓቕምናን ስለ ዝዀነዩ። ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዘልኣለማዊ ኣምላኽ ዝፍጸምናዮ በደል፡ ብዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን እንፍረደሉ ምኽንያት፡ ከም ናይ ክርስቶስ፡ ብሓንትን ሓጻርን ሞት ክንከፍሎ ስለ ዘይንኽእልዩ። ክርስቶስ ግና በዛ ናይ ሳልስቲ ሞቱ፡ ንናይ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ዓስቢ ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ከፊሉ ስለ ዝወድአ፡ ካብ ዕዳ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ገበረና። እቲ ንሱ ዝኸፈሎ ሞት ናትና ሞት ኪኸውን ግን ናይ ግድንዩ። ስለ ብዓቕምና ኣብ ሞቱ ተኻፈልቲ እንዀነሉ ምስጢራት ተሰርዓልና። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብኸመይ ምስ ክርስቶስ ሓቢርና ኸምንመውትንንቕበርንንትንስእን ብብሩህ መገዲ ገሊጹልናዩ።

“......ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፡ ያእ ኣይፋልናን፡ ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ (ኣብ ሓጢኣት) ክንነብር ወይስ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተጠመቕና ዘበልና ዅላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም። እምበኣርሲ ኸም ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኣ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና (ብትንሳኤ) ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዄንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሓብሮ ኢና፡ ...... እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም ዝተሰቕለ ፈሊጥና ኣለና።ሮሜ 61-7

ብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ ናይ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም፡ .... ምስኡ ህያዋን ገበረኩም።ቈሎ 212,13

ስለጥምቀትማለት ምስ ክርስቶስ ሙማትን ምቕባርን ምትንሳእን ማለትዩ። ነቲ ክርስቶስ ዝሞቶ ናይ ስጋ ሞት ድሕሪ ሙማትና፡ ተንሲእና ብህይወት ክንቅጽል ስለ ዘይንኽእል፡ ብጥምቀት መንፈሳዊ ሞት ብሙማት ኣብ ናይ ክርስቶስ ሞት ክንሓብር እግዚኣብሄር ብረቂቕ ምኽሩ ረድኣና። ብምስጢረ ቍርባን ካብ ኣብ መስቀል ዝተቘርሰ ስጋኡን ዝፈሰሰ ደሙን ስለ ንካፈል፡ ተኻፈልቲ ናይ ምእንታና ዝሞቶ ሞት ንኸውን። ምስጢረ ንስሓውን፡ ካብ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ከም ንመውት (ከም ንፍለይ) ስለ ዚገብረና፡ ተኻፈልቲ ሞቱ ዚገብረና ምስጢርዩ። ብሞቱን ትንሳኤኡን ኣሚንና ክርስትያን ኴንና ኸነብቅዕ፡ ካብ ምስጢራት እንተ ተረፍና ግን፡ክርስቶስ ብዛዕባ ሓጢኣተይ ክሞተለይ ኣይደልንየ፡ ኣብ ንሱ ዝሞቶ ሞት ክሓብር ኣይደልንየ፡ ነቲ ዝተመደበለይ ዘለኣለማዊ ሞት ባዕለይ ክኸፍሎ ዝደልይዚብል ዓሻን ኣነዋርን ምርጫ መሪጽና ኸም ዘለና ንፍለጥ። ነቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘይፈለጦ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣቦን ቅዱስ ወዱ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ዝኸፈልዎ መሪር ዋጋ ዘየስተውዓለን ዘይተቐበሎን ሰብ ዚመርጾ ሓደገኛን ሰንካምን ምርጫ ድማዩ። እዞም ዝተጠቕሱ ሰለስተ ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ሕድገት ሓጢኣት ዜውሕሱልና ናይ ድሕነት ምስጢራትዮም። ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ሕድገት ሓጢኣት ዜውሕሱልና ናይ ድሕነት ምስጢራትዮም። ምስጢረ ጥምቀት ዘይድገም ምስጢር ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ንሱ ዝተፈጸመሉ ዕላማ ብምንባር፡ ማለት ንሓጢኣት ምዉታት ንጽድቂ ግን ህያዋን ኴንና ብምንባር ኢና ተኻፈልቲ ሞትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ እንኸውን። እተን ክልተ ምስጢራት፡ ምስጢረ ንስሓን ምስጢረ ቍርባንን ግን፡ ብዘይ ምቍራጽ ኵሉ ጊዜ ብምክፋል ኢና ኣብ ሞቱን ትንሳኤኡን ሕቡራት እንኸውን። እቲ ኣዝዩ ዜሕፍርን ዜሕዝንን ግና፡ ብዘይካ ኣብ ጊዜ ህጻንነትና ዝተፈጸመት ምስጢረ ጥምቀት፡ ንንስሓን ንቝርባንን ከም ዘይምልከተና ጌርና ረጊጽናዮን ጐሲናዮን ንቕጽል፡ ገና ኸኣ ክርስትያን ምዃንና ንኣምንን ንሓስብን ምዃንናዩ። እዚ ምርጫ ንፍቕሪ ኣምላኽን፡ ነቲ ብእኡ ዝተፈጸመ መሪር ሞትን ከም ዝነዓቕናዮን ከም ዝኸሓድናዮን፡ ኣብ እምነት ከም ዘየለናን ዜቃልዕዩ። ፍቕሪ ንእግዚኣብሄር ክሳዕ ክንዲ ኸም ዚምጠጥ ገይርዎዩ። ንሕናውን ብደረጃ ናይ ሰብኣዊ ዓቕምና፡ ንኣምላኽ ብዘለና ፍቕሪ ክንድኡ ኽንምጠጥ መድለየ። እዚ ፍቕርና ንሓጢኣት ምዉታት ኴንና ብምንባርን ንጽድቂ ህያዋን ብምዃንን፡ ኣብ ሕድገት ሓጢኣት ኣውሒሱ ብህይወት ኽንነብር ዜኽእለና ምስጢራት ብምክፋልን ዚግለጽዩ።

እምበኣር ናብ ገዛእ ህይወትና ምልስ ኢልና ንመርምርሞ፡ ብመንጽር ኣምላኽ ዘፍቀረና ቤዛዊ ፍቕሪ ኸመይ ከም ዘለና ርእስና ንፈትሽ። እቲ ብወገን ናይ ኣምላኽ ኪግበር ዚኽእል ኵሉ ተገይሩልናዩ። ዚተርፍ ዘሎ እቲ ናትና ንእሽቶ ብጽሒትን ሓላፍነትዩ። ክንዲ ንሱ ዝገበሮ ኽንገብር እንተ ዘይከኣልናኳ፡ ክንዲ ሰብ ኪገብሮ ዚኽእል ክንገብር ግን ናይ ግድንዩ። እዚ ሕጂ ኣብ ምድሪንነብረሉ ዘለና ዕድመ፡ ፍቕርን ምሕረትን ናይ ኣምላኽ ክንቕበል ዝተሰርዓልና ኣዝዩ ሓጺር ናይ ትዕዝብቲ ዘመንዩ። ብድሕሪኡ ተሰሪዑ ዘሎ ዘመን ግና ናይ ፍርዲ ዘመንዩ። እቶም ነቲ ዝተገብረሎም ፍቕርን ምሕረትን ዚምጥን ግብረ መልሲ ዝሃቡ፡ ዘለኣለማዊ ህይወትን ክብርን ሓጐስን ዕረፍትን ምጽንናዕን ኪፍርደሎምዩ። ነቶም በቲ ዝተገብረሎም ፍቕርን በቲ ዝተኸፍለሎም ሞትን ዘላገጹን ዝተጻወቱን ግን ናይ ዘለኣለም ስቓይን ውርደትን ኪፍረዶምሞ፡ ነቲ ዜሕሸናን ዜርብሓናን ንምረጽ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

21 ሚያዝያ 2024 | ሚያዝያ 13, 2016 ግዕዝ (መበል 32 ሰንበት: ቊ.፴፪/32)

ምስባክ

 መዝ.፲፮(፲፯)፡፫-፬

“ሐወፅከኒ ሌሊተ ወፈተንኮ ለልብየ። አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ። ከመ ኢይንብብ አፉየ ግብረ ዕጓለ እመሕያው።”

“ንልበይ ተዓዚብካዮ፡ ብለይቲ በጺሕካዮ፡ መርሚርካንስ ገለ’ኳ ኣይረኸብካን፡ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ’የ። ብዛዕባ ግብርታት ሰብሲ ንቓል ከናፍርካ ብምእዛዝ፡ ካብ መገድታት ዓመጽቲ ተዓቂበ።”

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 7፡1-14

ዲያቆን

1ዮሃ 4፡1-10

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 5፡34-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 3፡1-21

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም| መዝሙር፦ ሖረ ኅቤሁ

   

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div