S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ግቡዛት ጸወምቲ ኣይትዅኑ (መበል 27 ሰንበት: ቊ.፳፯/27, 2024 ፈ | 2016 ግዕዝ

እቶም ግቡዛት፡ ጸወምቲ ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺረኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉዮምሞ፡ ክትጾሙ ኸሎኹም ከምኣቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ።ማቴ 616 .

እዚ ሰንበት ናይ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝጀመርናዮ ዓብዪ ጾም ካልኣይ ሰንበትዩ። እግዚኣብሄር ጾምና ብሰላምን ብበረኸትን ክንፍጽም ይሓግዘና። መሰረተ እምነት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኸም ዚገልጸልና ጾም ካብቶም ዓበይቲ ስነምግባር ሓደዩ። ስለ ድማ ቅዱሳን ኣቦታት፡ ኵላትና ምእመናን ብሓባር እንጾመሉ እዉጅ ኣጽዋማት ሰሪዖምልና ኣለዉ። ጾመ ነብያትን እዚ ጀሚርናዮ ዘለና ዓብዪ ጾምን (ጾመ ኣርብዓ) ንልደትን ትንሳኤን ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ልምዳዊ ካብ ዝዀነ ኣበዓዕላ ወጺእና፡ ንመንፈሳዊ በረኸት ብዚዀነና መገዲ ብምስትውዓል ምእንቲ ኽንዝክሮ ዝተሰርዑ ኣጽዋማትዮም። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ካብ ሰንበት ክሳዕ ቀዳም ዘሎ ናይ ሰሙን መዓልትታትቅድስትተባሂሉ ይጽዋዕ። ነዚ ዕለት ተመሪጾም ዘለዉ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ ቅዱስ ህይወት ዘሎና ኽንከውን ፍቓድ ኣምላኽን ጽውዓናን እንተ ዀነ፡ ኣብ ጊዜ ጾምና ኸኣ ፍሉይ ትዅረት ሂብና ክንጽልየሉን ቃል እግዚኣብሄር ከነጽንዓሉን ብግብሪ ድማ ክንሰርሓሉን ከም ዚግብኣና ዜዘኻኽርዩ። ኣብ ዝተነበበልና ናይ 1ተሰ 41-12 ንባብ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኵሉ ኣነባብራና ንኣምላኽ ዜሐጕስ ምእንቲ ክኸውን ካብ ኸንቱ ዝዀነ ትምኒት ወጺእና ብቕድስና ኽንነብር ከም ዚግብኣና ምዒዱና ኣሎ (41,3) ፍቓድ ኣምላኽን ጽውዓናን ንቕድስናምበር ንርኽሰት ኣይኰነን። ስለ ዅላትና ኻብ ዝሙትን ምንዝርናን ርሒቕና፡ ንሓድሕድና ብምፍቓርን ብምክብባርን ብቕንዕናን ብቕዱስ ህይወትን ክንመላለስ መኺሩና ኣሎ። እቲ ኻልኣይ ተሰሪዑ ዘሎ ንባብ ካብ 1ጴጥ 113-ፍጻመዩ። ኣብውን ብተመሳሳሊ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ብዘይ ምእዛዝ ክፉእ እናተመነና እንነብሮ ናብራ ኸንቱ ናይ ድንቍርና ህይወት ምዃኑ ተገሊጹልና ኣሎ (114) ካብ ናይ ድንቍርና ህይወት ነቲ ህያውን ዘለኣለም ዚነብርን ቃል እግዚኣብሄር ኣሚንናን ተቐቢልናን ብኽቡር ደም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሒንና ኣነባብራና ዅሉ ብቕድስና ኪኸውን ከም ዚግባእ ተነጊሩና ኣሎ። እዚ ቅዱስ ህይወት ኸኣ ንቓል እግዚኣብሄር ብምእዛዝ ብግብዝና ዘይኰነስ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድና ብምፍቓርን ዚግለጽ (122-23) ናይ ግብሪ ሃዋርያት ንባብ ድማ ባዕሉ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቤት መቕደስ ናይ ዝሰበኾ ስብከት መዛዘሚ (ግብ 317-26) እዚ ድማ እቲ ኻብ ቅድስና ዜጕድለና ሓጢኣት ምእንቲ ኺድምሰሰልና ናብ ምእንቲ ድሕነትና ዝተላእኸ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብንስሓ ክንመላለስ ንሱ ዚብለና ዅሉ ኽንእዘዝን ከም ዚግብኣና ዜዘኻክር ንባብዩ፡ እዚ ዓብዪ ጸም ነቲ ጐይታና ብቕዱስ ዮሃንስ ድሕሪ ምጥማቑን ኣገልግሎቱ ቕድሚ ምጅማሩን ንኣርብዓ መዓልቲ ዝጾሞ ጾም መሰረት ብምግባር ቤተ ክርስትያን ዝኣወጀትልና ጾምዩ። ጐይታ ነዚ ጾም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ጾይምዎ (ማቴ 41) ነቲ ሰይጣን ቅድስናኡ ንኺፈታተን ዘምጽኣሉ ዅሉ ፈተናታት ከኣ ሰለስተ ጊዜ ነቲ ኣብ ኣእዳውና ዘሎ ቓል ቅዱስ መጽሓፍጽሑፍእናበለ ብምጥቃስ ሰዓሮ (ማቴ 44,7,10) ንሕና ድማ ከም ቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ሰሪዓትልና ዘላ፡ ኣሰር ጐይታና ብምኽታል ብሓፈሻ ኵሉ ጊዜ፡ ኣብ ናይ ጾም ጊዜ ኸኣ ብፍላይ ንቓል እግዚኣብሄር ጽቡቕ ጌርና ነንብቦን ንተኣዘዞን፡ ነቲ ሓጢኣት ክንገብር ዚፈታተነና ሰይጣን ከኣጽሑፍእናበልና ብምጥቃስ ቅድስናና ብምሕላው ንስዓሮ።

እምበኣር ናይ ሎሚ ትምህርትናግቡዛት ጸወምቲ ኣይትዅኑዚብል ካብ ናይ ዕለቱ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ዝተወስደ ኪኸውንዩ። እዚ ኽፍሊ ናይከረን ስብከትተባሂሉ ኻብ ዚፍለጥ፡ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝሃቦ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ዚርከብ (ማቴ 51 ማቴ 727) ኣብ ምዕራፍ 6 ብዛዕባ ጾም ቅድሚ ምምሃሩ ብዛዕባ ምጽዋትን ጸሎትንውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ምሂርዎምዩ። ብሓፈሻ ነቶም ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ብፍላይ ግን ንደቀ መዛሙርቱ ኪምጽውቱ፡ ኪጽልዩ ዀነ ኺጾሙ ዀታ ዝዀነ ዚገብርዎ ኸም ናይ ግቡዛት ሰባት ገይሮም ከይገብሩ ዜጠንቅቕ ኣስተምህሮ ሂብዎም።

ግብዛና እንታይዩ፧ ምስ ጾምከ ብኸመይ ዚተኣሳሰር፧ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ይኹኑ ኵሎም ሰዓብቱ ፈጺሞም ግቡዛት ምእንቲ ዀይኰኑ ኻብ ቐዳመይቲ ኣስተምህሮኡ ጀሚሩ ኽሳዕ መወዳእታ ኣትሪሩ ምሂሩ። ሃዋርያት ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽታትውን ትምህርቲ ኣንጻር ግብዛና ብተደጋጋሚ ተንጸባሪቑ ኣሎ። እዚ ድማ ኣምላኽ ንግብዝና ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚጽየፎን ሓደገኛ ምዃኑን ዜርእይዩ። ግብዝና፡ ውሽጥኻ ከምኡ ዘይኰነ ኽነሱ ብሓድሓደ ደጋዊ ተግባራት ግን መሲልካ ክትረኣይ ናይ ምፍታን ባህርይዩ። ጐይታ ኣብ ትምህርትታቱ ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ግቡዛት ብምዃኖም ደጋጊሙ ይገንሖም ነበረ። ብዛይካ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝገለጾ እቲ ዝበዝሐ ግቡዝ ባህርያቶም ኣብ ማቴ 23 ተገሊጹ ኣሎ። ካብ ናይ ጾም ኣርእስትና ወጻኢ ምእንቲ ኸይሰፍሓና ምስ ኣርእስትና ዚተሓሓዙ ሒደት ናይ ግብዝና ባህርያት ጥራይ ክንወስድ ኢና። ጐይታ ነዚ ናይ ግብዝና ባህርያት ካብ ዚገብርዎ ዝነበሩ ጭቡጥ ኣብነታት እናጠቐሰ ገሊጽዎ።

1. ኵሉ ግብሮም፡ ሰብ ምእንቲ ኺርእዮም ይገብሩ ነበሩ (.5)

2. ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር (ማለት) ፍርዲ፡ ምሕረት፡ እምነት ሓዲጎም ንኣብነት ዕሽር የውጽኡ ነበሩ (.23)

3. ውሽጦም ከትርን ስስዐን መሊኡ ኸሎ ደጋዊ ኣካላቶም ግን የጽርዩ ነበሩ (.25)

ግብዝና ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ባህርያቱን ርኡይን ከቢድ ዓመጽ ክንፍጽም ዚገብረና ኽፉእ ባህርያዩ። እግዚኣብሄር ኵሉ ዚፈልጥ፡ ኵሉ ዚርእይ፡ ኣብ ኵሉ ዚርከብ መለኮታዊ ኣምላኽ ክነሱ፡ እቲ ንሱ ኽንፍጽሞ ዝሃበና ትእዛዛት ውሽጥና ክፍኣት ተንኰልን መሊኡ ኸሎ ንሰብ ክነሐጕስ፡ ሰባት ምእንቲ ኺንእዱና እንተ ጌርናዮ ንዕቀትና ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ሰማይ ዓረጉ ኸም ዘሎ ኽንርዳእ ይግብኣና። ንሰብ፡ ኣብ ልብና ዘሎ ሓሳብን ስምዒትን ሓቢእና፡ ብኣፍና ጥዑም ቃላት ተዛሪብና ኽንጥብሮ ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ግን ልብን ኰላሊትን መርሚሩ ዚፈልጥ ስለ ዝዀነ በቲ ግብዝ ተግባርና ይኹን ብቓላት ኣፍና ኣይዕሾን (ገላ 67) እታ ንዅሉ ትእዛዛት ኣምላኽ ጠርኒፋ ዝሓዘት ትእዛዝ፦

ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን (ብዅሉ ሓይልኻን) ኣፍቅሮ።” እትብል (ማቴ 2237 ዘዳ 65) እዚ ማለት ኵሉ እንገብሮ ንፈጣሪናን መድሓኒናን ብምሉእ ልብና ኣሚንና፡ ብፍቕሪ ተደሪኽና ንእኡ ኸነሐጕስ ክንገብሮ ይግብኣና ማለትዩ። ካብ ዝጐደለ ተግባር ኵሉ ግን ብግብዝና ዝተገብረ ምዃኑ ኽንፈልጥ ይግብኣና። ነዚ ኸም ዝበለ ግብዝና ዝመልኦ ተግባር ከኣ ከም ንእስራኤላውያን፦

“.... እዚ ህዝቢ ብኣፉ የምልኸኒ፡ ብኸናፍሩውን የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕዩ። ንኣይ ከኣ በቲ ዝተማህርዎ ባህሊ ሰብ ገይሮምዮም ዜኽብሩኒ ዘለዉ። ......እቶም ንምኽሮም ካብ እግዚኣብሄር ኣዕሚቖም ዚሓብኡ፡ ተግባሮም ከኣ ኣብ ጸልማት ዚገብሩዚርእየና የልቦን፡ ዚፈልጠና የልቦንዚብሉ ወይለኦም።” ብምባል ዚነጽጎ (ኢሳ 2913,15 .) ጐይታናውን ነቶም ምእንቲ ስርዓቶም ኪብሉ ንቓል ኣምላኽ ከንቱ ዚገብርዎ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ነዛ ብነብዪ ኢሳይያስ ዝተነግረት ቃል ጠቒሱ ገኒሕዎም (ማቴ 156-9)

ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል፡ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱክትጾሙ ኸለኹምብምባል መምርሒ ብምሃቡ ሰዓብቱ ኸም ምዃንና መጠን ክንጸውም ከም ዚግብኣና ዜረጋግጽ ኣበሃህላ (ማቴ 616) ደቀ መዛመርቲ ዮሃንስ መጥመቕ መጺኦም፡ስለምንታይ ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንጸውም ደቀ መዛሙርትኻ ግና ዘይጾሙ፧ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ደቀ መዛሙርተይ ኪጾሙ ኣየድልዮምንዘይኰነስኣነ ኻብኦም ምስ ተፈለኹ ሽዑ ኺጾሙዮምዚብል መልሲ ሂብዎም (ማቴ 914-15) እዚ ድማ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዘበልና ዅላትና ኽንጸውም ከም ዚግብኣና ዜረጋግጽዩ። ኣብ ኣንጾክያ ዝነበረት ቤተ ክርስትያን ምስ ነብያታን መምህራናን ትጸውም ከም ዝነበረት ከም ብምባል ሰፊሩልና ኣሎ፦

ኣብ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበረት ቤተ ክርስትያን ከኣ ነብያትን መምህራን ነበሩ። ንሳቶም ከኣ በርናባስን፡ እቲጸሊምተባሂሉ ዚጽዋዕ ስምኦንን፡ ሊቅዮስ ቀሬናውን፡ እቲ ምስ ሄሮድስ ንጉስ ዝዓበየ ምናሔን፡ ሳውልን ነበሩ። እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ኬገልግሉን ኪጾሙን ከለዉ፡ መንፈስ ቅዱስነቲ ኣነ ዝመረጽክዎም ኣገልግሎት ንበርናባስን ሳውልን ፍለዩለይበሎም። ምስ ጾሙን ምስ ጸለዩን፡ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም ኣፋነውዎም።ግብ 131-3.

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን ብዙሕ ጊዜ ይጸውም ከም ዝነበረ ኣብ መልእኽቱ ጠቒሱ ኣሎ (2ቈረ 65 1127) ትምህርቲ ናይ ጐይታን ኣሰር ቅዱሳን ሃዋርያትን ብምኽታልምበኣር ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኣገደስቲ ዝበለቶም ጊዜያት መሪጻ ኵላትና ምእመናን ብሓባር እንጾመሉ ኣጽዋማት ሰሪዓትልና ትርከብ። እዚ ድማ ምስ እግዚኣብሄር ብነብዪ ዩኤል ገይሩ ንኻህናት ይሁዳ፦ ጾም ኣውጁ፡ ኣኼባ ጸውዑ፡ ንዓበይትን ኣብ ሃገር ንዚነብሩ ዅላቶምን ናብ ቤት መቕደስ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣክብዎም፡ ናብ እግዚኣብሄር ከኣ ተማህለሉ።” ዚበሎ ዚሳነይ ተግባር (ዩኤ 114 212,15) ብዛዕባ ጾም ምሉእ መረዳእታ ንምርካብ ኣብ ብሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ መሰረተ እምነት ንምስትምሃር ዝተዳለወፍኖተ ህይወትዘርእስቱ መጽሓፍ ምውካስ ይግባእ።

ጐይታ ብዛዕባ ጾም፡ መዓስ መዓስ ንጸውም ክንደይ መዓልታት ወይ ሰሙናት ንጸውም ኣመልኪቱ ኣይመሃረን። ኣብ ኣስተምህሮኡ ፍሉይ ትዅረት ሂቡ ዘቕረቦ፡ ጾም ክርስትያን ናይ ግቡዛት ዓይነት ጾም ኪኸውን ከም ዘይብሉ ነገረ። ሰብ ብፍጥረቱ ማሕበራዊዩ። ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ከኣእዝስ ከምተባሂልካ ከይትንጸልን ብዅሉ ቕቡል ምእንቲ ኽትከውንን እቲ ዅሉ ሰብ ዚገብሮን ዚርእዮን ናይ ምግባር ዝንባለ ኣሎ። ነቲ ስጋውን ዓለማውን ባህርይ ኣብ ኸም ሓቀኛታት ሰዓብቲ ክርስቶስ ክንገብሮ ዚግብኣና ነገራት ምስ እንጥቀመሉ ኢናምበኣር ግቡዛት ንኸውን። ጾም፡ ከም ጸሎት፡ ከም ምጽዋትን ካልኦት ስነ ምግባርን ደጋዊ ምልክታትን ተግባራትን እንተለዎ፡ እቲ ጐይታ ዚግደሰሉን ንሕና ድማ ከነተዅረሉን ዚደልየና እቲ ውሽጣውን ሓቀኛን ምልክታትዩ። ስለ ድማከምቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኽትረኣዩን ክትነኣዱን ከይትጾሙብምባል ኣጠንቀቐና (ማቴ 616) ውሽጥና ሓሶት፡ ስስዐ፡ ቂም፡ ጽልኢ፡ ተንኰልን ዝሙትን መሊኡ ኸሎ ኣብ ጊዜ ጾም ከይተመገብካ ምርፋድን ውጽኢት እንስሳ ዝዀኑ ምግብታት ኣብ ምግዳፍን ጥራይ እንተ ደኣ ኣተኲርና ነዚ ግሁድ መጠንቀቕታ ናይ ጐይታ ጥሒስናዮ ኣለና ማለትዩ። ስርዓተ ኣመጋግባና ናይ ጾም ምዃኑ ዝረኣየ ሰብ ጸወምቲ ምዃንና ኸም ዚፈልጥ ርዱእዩ። ንሕና ግን ኣብ መፈንጠራ ናይ ግቡዛት ጸወምቲ ወዲቕና ኸም ዘለና ፈጺምና ኽንዝንግዕ የብልናን። ነቲ ኣመጋግባና ጥራይ ኪርእይ ዚኽእል ሰብ እንተ ኣዐሸናዮ፡ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዜርክስ ሓሳባትን ተግባራትን ዚርእይን ዚፈልጥን ኣምላኽ ግን ከነዐሽዎ ኣይንኽእልን ኢና። ህዝቢ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ብጾሞምን ኣምልኾኦምን ኬደናግርዎ ኸም ዘይከኣሉ ንሕናውን ከነደናግሮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ሽዑ ብነብዪ ኢሳይያስ ገይሩ ዝበሎም ንኣናውን ይበሃለና ኸም ዘሎ ጌርና ነዚ ዚስዕብ ቃል ነንብቦን ነኰማስዓዮን።

እግዚኣብሄር ከም ይብል ኣሎ፡ኣፍካ መሊእካ ጨድር፡ ኣይተቋርጽ፡ ድምጽኻ ከም መለኸት ዓው ኣብል፡ ንህዝበይ ኣበሳኦም፡ ንቤት እስራኤል ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም። ንሳቶም ብመገደይ ኪመላለሱ ኸም ዝፈተዉ (መሲሎም) መዓልተ መዓልቲ የምልኹኒ፡ ከም ጽድቂ ዚገብርን፡ ሕጊ ኣምላኹ ዘይሓደገን ህዝብስ ቅኑዕ ሕጊ ኻባይ ይደልዩ፡ ፈትዮም ዜምልኹኒ ኸኣ ይመስሉ።እቶም ህዝቢእግዚኣብሄር ዘይርእየና እንተ ደኣ ዀይኑስ ስለምንታይ ጾምና፧ ንሱ ግድና ዘይገብር እንተ ደኣ ዀይኑኸ ስለምንታይ ነፍስና ኣሕሳእና፧እናበሉ ይሓትቱ ኣለዉ። እግዚኣብሄር ከኣ ከም ይብሎም ኣሎ፡እንሆ፡ ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባርኩም ኢኹም እትገብሩ (ዘለኹም) ንግዙኣትኩም ትገፍዕዎም ኣለኹም። ክትጾሙ ኸለኹም ትበኣሱን ትከራኸሩን ብሕሱም ጕስጢን ትዋቕዑን ኣለኹም። ጸሎትኩም ኣብ ላዕሊ ኸም ዚስማዕ ጌርኩም ሎሚ ኣይትጾሙን ኢኹም ዘለኹም። እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምን፡ እታ ሰብ ነፍሱ ዜሕስኣላ መዓልትን ከም ዘመሰለ ድዩ፧ ከም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንን፡ ክሻን ሓሙዅሽትን መንጸፍካ ምግባርን፡ ነዚ ዲኹም ጾምን እግዚኣብሄር ዚቕበሎ መዓልትን እትብልዎ ዘለኹም፡ኢሳ 581-5 .

ሎሚ ብሰንኪ ዋሕዲ መንፈሳዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ኣጽዋማት ዝሰርዓትሉ ትውፊትን ጐይታ ድማ ክንጸውም ከለና ኽንክተሎ ዚግብኣና ኣገባብ ጾምን ፈሊጦም ዚኽተልዎ ምእመናን ኣዝዮም ውሑዳትዮም። እቶም ዝበዛሕና፡ ኣቦታትና ዘጽንሑልና ስለ ዝዀነ ጾም መዓስ ጀሚሩ መዓስ ከም ዚውዳእ፡ ኣብ ጊዜ ጾም እንታይ ክንበልዕን ክንሰትይን ከም ዘይግብኣና ፈሊጥና ብልምዲ ኢና ንጸውም። ኣብ ደጋዊ ምልክታት ናይ ጾም ጥራይ ብምትኳርና ድማ ግቡዛት ጸወምቲ ዚገብረና። ግቡዛት ጸወምቲ ብምዃንና ክሳራና ድርብዩ። እቲ ቐዳማይን ዓብይን ክሳራ ኸም ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ፡ እቲ ብሕቡእ ዚርእይ ኣምላኽና ዘይቅበሎ ምዃኑዩ። እቲ ኻልኣይ ከኣ ስጋና ቀጺዕናን ኣሕሲእናን ከነብቅዕ ክፉእ ሓሳብን ሓጢኣትን ግን ብዘይ ምግዳፍና ንነፍስናን መንፈስናን ዘይጠቅም ምዃኑዩ። ጾምና ንመንፈሳውን ዘለኣለማውን ክሳራ ምእንቲ ኸይከውን ኢናምበኣር ግቡዛት ጸወምቲ ኽንከውን ዘይብልና።

ብኸመይ ኢና ደኣ ግቡዛት ጸወምቲ ካብ ምዃን ወጺእና ሓቀኛታት ጸወምቲ ኽንከውን እንኽእል፧ ጾም ከም ስነ ምግባር ንበይኑ ጥልላት ብዘይ ምምጋብ ጥራይ ብብቕዓት ኪፍጸም ዚኽእል ስነ ምግባር ኣይኰነን። ጾምና እግዚኣብሄር ዚቕበሎ፡ ንሕና ድማ መንፈሳውን ዘለኣለማውን በረኸት እንረኽበሉ ቕዱስ ጾም ምእንቲ ኪዀነልና ኽንክተሎ ዚግብኣና ኣገባብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ብዙሕ ኣብነታት ሰፊሩልና ኣሎ።

1. ምንባብን ምስትንታንን ቃል እግዚኣብሄር፦ ኣብ ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስ ብስሩዕ (መዓልታዊ) ናይ ምንባብ ልምዲ ይትረፍ ኣብ ጊዜ ጾም ኣብ ዝዀነ ጊዜውን ዝተረስዐ ልምዲዩ። ኣብ ኸም ኣካል ናይ ዘወትር ጸሎትና መዓልታዊ ኸነንብቦ ዚግብኣና መዝሙር ዳዊት ኣብ ቐዳመይቲ መዝሙሩ፦

ምኽሪ ኽፉኣት ሰባት ዘይሰምዕ፡ ብመገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይከይድ፡ ኣብ ኣኼባ መላገጽቲ ድማ ዘይጽምበር፡ እኳ ደኣ ንሕጊ እግዚኣብሄር ብምእዛዝ ዚሕጐስ፡ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን ዜስተንትኖ ሰብ ዕዉት (ብጹእ)’ዩ። ንሱ ኸም በብእዋኑ ፍሬኣ እትህብ፡ ቈጽላ ዘይነቅጽ፡ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ ዝተተኽለት ኦምዩ። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።” ብምባል ዚጅምር (መዝ 11-3 .) መገዲ ሓጥኣንን ግቡዛትን እንታይ ከም ዚመስል ፈሊጥና ኻብኡ ኽንርሕቕ እንኽእል በቲ ብዕቱብ ኣንቢብናን ኣስተንቲንናን እንእዘዞ ቃል እግዚኣብሄርዩ። ከምኡውን ከም ኵሉ ጊዜ ኣብ ጊዜ ጾምና ድማ ንእግዚኣብሄር ከይንብድል፡ ክፉእ ሓሳብን ሕማቕ ግብርን ተሓሲምና ንሰናይ ግብሪ ኽንጽዕት ዚሕግዘና ንቓል እግዚኣብሄር ብምስትውዓል ኣብ ልብና ዓቝርና እንተ ተኣዚዝናዮዩ።

ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧ ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕዩ። ብምሉእ ልበይ እደልየካ ኣለኹ፡ ካብ ትእዛዛትካ ከየግልስ ኣይትሕደገኒ። ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።መዝ 1199-11

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን ነቲ ብመንፈስ ዘዕበዮ ወዱ ጢሞቴዎስ ከም ዚስዕብ ብምባል ምዒድዎ ኣሎ።

ካብ ህጻንነትካ ጀሚርካ ነተን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ትፈልጠን ኢኻ። ንሳተን ንክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን ናብ ምድሓን ኬብጽሕ ዚኽእል ጥበብ ኪህባኻ ይኽእላየን። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ፍጹም፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቑ ዝተዳለወ ምእንቲ ኪኸውን፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ቅዱስ መጽሓፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምእራም፡ ቅኑዕ ናብራ ንምምሃር ይጠቕምዩ።” 2ጢሞ 315-16 .

ኣብ ጊዜ ጾም ንስጋና ጥዑም ምግቢ ኸልኪልና ገዛእ ርእስና (ነፍስና) ኣሕሲእና፡ ንመንፈስና ድማ እቲ ምግቢ ዝዀኖ ቓል እግዚኣብሄር እንተ ኸልኪልናዮ ሽዑ ኢና ግቡዛት ጸወምቲ እንኸውን። ምኽንያቱ እቲ ውሽጣዊ ሰብና ማለት መንፈስና እምነት፡ ፍቕሪ፡ ምሕረት፡ ለውሃት፡ ትዕግስቲ፡ ትሕትና ኪመልእን ኬፍርይን ዜኽእሎ ቃል እግዚኣብሄር ኣይተመገበን። ጐይታና ኺጸውም ከሎ እቲጽሑፍእናበለ ንሰይጣን ዝሰርዓረሉ ቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይተዓጠቕና ድማ፡ ኣብ ጊዜ ጾምና ይኹን ካልእ ጊዜ ኽንፍተን ከለና ብቐሊሉ ኢና ተሳዒርና ንወድቕ።

ነብዪ ዳንኤል ሓደ ኻብቶም ቅቡል ጾም ብምጽዋም ኣብነት ዚዀኑና ኣቦታትዩ። እዚ ኣቦ ገና ኣብ ንኡስ ዕድመ ኸሎ ኻብ ንእግዚኣብሄር ብሓጢኣታ ብዙሕ ዘጕሃየቶን ዘቘጥዓቶን ይሁዳ ተማሪኹ ዝኸደ ዀተቴ ነይሩ። ሕጊ ኣምላኹ ዚፈልጥ መንእሰይ ስለ ዝነበረ በቲ ኣብ ምድሪ ባቢሎን ዝተቐረበሉ ብልዒ ንጉስ ረኺሱ ንእግዚኣብሄር ከየጒሂ ንርእሱን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰለስተ መንእሰያት ብጾቱን መገዶም ኬንጽሁ ብልቡ ሓሊኑ ዝተዓወተ መንእሰይ (ዳን 18-16) ክሳዕ ሽምግልናኡ ሕጊ እግዚኣብሄርን መጻሕፍቲ ነብያትን ምንባብን ምስትንታንን ስለ ዘየቋረጸ ድማ ከም ናይቶም ካልኦት ምሩኻት ኣይሁዳውያን ግቡዝ ጾም ዘይኰነስ ብኣምላኽ ቅቡል ጾም ኪጸውም ከኣለ።

ኣነ ዳንኤል ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኸጽንዕ ከለኹ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ ኤርምያስ ገይሩ ኢየሩሳሌም ንሰብዓ ዓመት ኸም እትጸንሕ ዝተዛረቦ ቝጽሪ ዘመናት አስተንትን ነበርኩ። ማቕ ተኸዲነን ኣብ ሓመኵሽቲ ደቂሰን እናጾምኩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ እልምንን እምህለልን ነበርኩ። ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ እናለመንኩ ሓጢኣት ህዝበይ ..... ተናዘዝኩ።ዳን 92-4 .

እዚ ብምጽናዕን ምስትንታንን ዝተበገሰን ዝተሰነየን ጾሙ ኣብ ቅድሚ እቲ ብሕቡእ ዚርእይ ኣምላኹ ቅቡል ኰነሉ። እዚ ብቕዱስ ጾም ዝተሰነየ ጸሎቱ ድማ ሰማይ በጺሑስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ ልኢኹ ብኣምላኽ ፍቱው ምዃኑ ነጊሩ ዓሚቝ መንፈሳዊ ምስጢራት ገለጸሉ (ዳን 921-33) ብኣንጻሩ ነቶም ኣብተን ሰብዓ ናይ ምርኮ ዓመታት።

ንስም እግዚኣብሄር ዘርከሱ ኻህናትን ህዝብን ዚጸምዎ ዝነበሩ ግን ብነብዪ ዘካርያስ ገይሩ ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ።

ንዅሉ ህዝቢ እታ ሃገርን ንኻህናታን ከም ኢልካ ተዛረቦም፡በተን ሰብዓ ዓመት ኣብ ሓምሳይን ሳብዓይን ወርሒ እትጾሙን እትበኽዩን ዝነበርኩምሲ፡ ብሓቂዶ ንኣይ ኢኹም ዝጾምኩምለይ፧ ምስ እትበልዑን ምስ እትሰትዩንከ ንርእስኹምዶ ኣይኰንኩምን እትበልዑን እትሰትዩን (ዝነበርኩም)” ..... እግዚኣብሄር ከም ይብል ኣሎ፡ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ፡ ንሓድሕድኩም ድማ ሰናይን ምሕረትን ግበሩ፡ ንመበለትን ንዘኽታምን ስደተኛን ንድኻን ኣይትግፍዑ፡ ካባኻትኩምውን ሓደ ንሓዉ ብልቡ እከይ ኣይሕሰበሉ። ንሳቶም ግና (ንቃል እግዚኣብሄር) ምስማዕ ኣበዩ፡ እምቢተኛ እንግድዓ መለሱ፡ ከይሰምዑውን ኣእዛኖም ኣጽመሙ።ዘካ 75-6,9-11

እዚ ንጽጽር ቃል እግዚኣብሄር ምንባብ፡ ምጽናዕ፡ ምስማዕን ምስትንታን ምእዛዝን ኣካል ናይ ጾምና ምግባር ግቡዛት ጸወምቲ ኻብ ምዃን ከም ዜድሕነና ብሩህ መረዳእታዩ። ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ናይ ዞባ ማእከል ሊቀ ጳጳስ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ ኣብ ትሕቲ ሃገረ ስብከቶም ንዝነበረ ዅሉ ምእመን ዓዲ ዓዲ እናኸዱ ባዕሎም (ብኢዶም) ሓድሽ ኪዳን ዝዓደሉሉ ምኽንያትምበኣር ጾምናን ህይወትናን ብእኡ እናተመራሕና ምእንቲ ኽንቅደሰሉዩ። እቶም ካልኦት ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ኣሰሮም ስለ ዝሰዓብዎ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለኹም ኵላትኩም ምእመናን ሓድሽ ኪዳን ኣብ በቤትኩም ኣሎ። እቶም ኣብ ወጻኢ ዘለና ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ አኢድና ምህላዉ ዘይከሓድዩ። እምበኣር ከም ነብዪ ዳንኤል ዕለት ዕለት ነንብቦን ነጽንዓዮን ንተኣዘዞን።

2. ጸሎትን ምህለላን፦ ጾም ብዘይ ጸሎት ፋይዳ ዘይብሉ፡ ኣንፈቱ ዝሰሓተ፡ ከንቱ ጻዕሪ ዚኸውን። ጾም ናብ ኽንቀርቦን ኪሰምዓናን እንደልዮ ዘለና ኣምላኽ ዜብጽሓና ስነ ምግባር ደኣምበር ንበይኑ ብዘይ ምንባብን ምእዛዝን ቃል እግዚኣብሄር ከምኡውን ብዘይ ጸሎት ግቡዝ ጾም ኰይኑ ዚተርፍ። ኣብ ኻብ ትንቢት ኢሳይያስ ኣቐዲምና ዘንበብናዮ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል ግቡዛት ጸወምቲ ስለ ዝነበሩ ጸሎቶም ኣብ ላዕሊ ከም ዚስማዕ ገይሮም ከም ዘይጾሙ ነጊርዎም (ኢሳ 584) ካብ ኣበሃህላ ናይ እግዚኣብሄር፡ ጾምና ምንባብን ምእዛዝን ቃል እግዚኣብሄር ዘሰነዮ ሓቀኛ ጾም እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኣብ ላዕሊ ዚስማዕ ጸሎት ክንጽልይ ከም እንኽእል ዚገብረና። ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ኣሰላፍ ሜስ ዝነበረ ነህምያ ዝተባህለ ምሩኽ ኣይሁዳዊ፡ ክፉእ ሃለዋት ናይቶም ካብ ምርኮ ዝተረፉ ኣይሁድን ምፍራስ መከባበያ ኢየሩሳሌምን ምስ ሰምዐ፦

“..... ሓያሎ መዓልቲ ሓዚነ እናበኼኹ ተቐመጥኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጸውምን እጽልይን ነበርኩ።ኢሉ ኸም ዝተዛረበ ኢና ነንብብ (ነህ 14) እቲ ኣብ ጊዜ ጾሙ ዚጽልዮ ዝነበረ ግሩም ዝዀነ ጸሎት ድማ ካብ 5-11 ተጻሒፉልና ኣሎ፡ እቲ ብሓቀኛ ኣገባብ ዝጾሞ ጾም፡ ጸሎቱ ኣብ ሰማይ በጺሑ ካብ ኣምላኽ ቅልጡፍ ምላሽ ከም ዚረክብ ገበሮ (ነህ 24-7) ጾምን ጸሎትን ብግብዝነት ዘይኰነስ ብሓቀኛ ኣገባብ ኪግበር ከሎ ዘለዎ ውጽኢት ዜርእይ ግሩም ኣብነትዩ። በዛ ኣምላኽ ጾሙን ጸሎቱን ሰሚዑ ዚኸፈተሉ ኣፍደገ ናብ ይሁዳ ተመሊሱ፡ ንህዝቡ ኣተሓባቢሩ፡ መካበብያ ኢየሩሳሌም ሰሪሑ ወድአ። በታ ሳብዓይቲ ወርሒ እቲ ህዝቢ ከም ሓደ ሰብ ኰይኑ ተኣከበ። ካህን እዝራን እቶም ካልኦት ሌዋውያንን ኰይኖም ድማ ነቲ ህዝቢ መጽሓፍ ሕጊ ኣንበቡሎምን መሃርዎምን (ምዕ 8) ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብሓባር ብሓቀኛ ኣገባብ ጾይሞም ዝጸለይዎ ጸሎት ምሉእ ትሕዝቶኡ ኣብ ምዕራፍ 9 ሰፊሩልና ኣሎ። ካብ ዅሉ መረዳእታታት ብምብጋስምበኣር ጾምና እግዚኣብሄር ዚፈትዎን ዚቕበሎን ምእንቲ ኪኸውን ልባውን ብእምነትን ዚቐርብ ናይ ግልን ስድራ ቤትን ማሕበርን ጸሎት ከሰንዮ ይግባእ። ኣብ ዓድና ኣብ ከተማታት ዚርከባ ኣብያተ ክርስትያን እኹላት ኣገልገልቲ ምስ ዚህልወን ነፍስ ወከፍ ዕለት ናይ ጾም ኣርብዓ ብጸሎተ ቅዳሴ ኪዛዘም ዚግበረሉ ምኽንያት ካብ ዝተላዕለዩ።

3 ምጽዋት፦ ኣብ ጊዜ ጾም ብዘይካ ናይ ጥልላት ምግቢ ዘይምብላዕ፡ ገለ ቍርሲ ገዲፉ ኣብ መዓልቲ ኽልተ ጊዜ ዚምገብ፡ ገለ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ ጥራይ ዚምገብ ኣሎ። እግዚኣብሄር ግን እቲ ንሱ ዚፈትዎን ዚቕበሎን ጾም ከመይ ክኸውን ከም ዚግብኦ ተወሳኺ መብርሂ ብዘይድልዮ ንጹር ቃላት ነጊሩና ዘሎ።

እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ እዚ ዚስዕብዩ፡ ንማእሰር እከይ ምፍታሕ፡ ነርዑት ባርነት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውዳእ ሓራ፡ ኣርዑት ባርነት ምስባር፡ እንጌራኹም ንጥሙይ ምምቃል፡ ነቶም ዝተሰዱ ድኻታት ኣብ ቤትኩም ምቕባል፡ ዕሩቕ እንተ ርኤኹም ምኽዳን፡ ንዘመድኩም ካብ ምሕጋዝ ዘይምሕባእዩ።ኢሳ 586-7 .

ኣብ ጊዜ ጾም ቃል እግዚኣብሄር እነንብበሉን እንጽልየሉን ምኽንያት ክፉእ ካብ ምሕሳብን ምግባርን ወጺእና በዚ እግዚኣብሄር ዚፈትዎ ሰናይ ግብሪ ዝተሰለመ ህይወት ምእንቲ ኺህልወናዩ። ኣብ ተዘርዚሩ ዘሎ ነፍስ ወከፍ ሰናይ ግብሪ ኣስፊሕና ኽንርእዮ እቲ ዘሎና ጊዜ ኣየፍቅደልናንዩ። ብውሑዱ ግን ዚጸውም ዘበለ ዅሉ፡ እታ ዝገደፋ ቍርሲ ድያ ምሳሕ ንኻልእ ዝጠመየ ሰብ ብምኽፋል ብምጽዋት ዝተሰነየ ቅቡል ጾም ኪጸውም ይግብኦ። እንተ ደኣ ጽቡቕ ጌርና ሓሲብናሉ ድማ ነቲ ኣብ ምሉእ ናይ ጾም ጊዜ እንገድፎ ቍርስን ምሳሕን ናብ ገንዘብ ቀይርና ገዛ ኽራይ ምኽፋል ንዝጸገሞም፡ ንዝዓረቑ ብምኽዳን ወዘተ ..... ክንሕግዘሉ ዚከኣልዩ።

እምበኣር ብመሰረት እዚ ሎሚግቡዛት ጸወምቲ ኣይትኹኑብዚብል ኣርእስቲ ተማሂርናዮ ዘሎና፡ ጾምና ከመይ ከም ዚመስል ብቕንዕና ገምጊምና ቅቡል ጾም ክንጸውም ንወስን። ኣብ ጊዜ ጾምና ቃል እግዚኣብሄር ዘየነንብብ እንተ ኔርና መጽሓፍ ቅዱስ ነልዕል ካብ ሎሚ ንጀምር፡ ኣብዘን ኣብ ቅድሜና ዘለዋ ናይ ጾም መዓልትታት ካብ ወንጌል ዮሃንስ መዓልታዊ ሓሓደ ምዕራፍ ብጽሞና እናኣንበብና ነጽንዓዮን ንተኣዘዞን። ብዘይካ እቲ ቤተ ክርስትያን ዘዳለወቶ ናይ ማሕበር ጸሎት ብውልቅና ነቲ ዝተመሃርናዮ እናሓሰብና ንጸልይ። እቶም ስድራ ዘለዉና ድማ ብሓባር ናይ ስድራ ቤት ጸሎት ንግበር። ነቲ ኣብ ጊዜ ጾም እንገድፎ ምግቢ ኸኣ ሰናይ ግብሪ ንምዝውታር ንጠቐመሉ። ግቡዛት ጸወምቲ እንተ ኔርና እዛ ጾምዚኣ ቅቡል ጾም እንለማመደላ ጊዜ ንግበራ፡ ኣምላኽ ይሓግዘና። ጾም ብዘይ ምንባብን ምእዛዝን ቃል እግዚኣብሄር መሰረት ኣልቦ፡ ጾም ብዘይ ጸሎት ምሕሳም ምግቢ፡ ጾም ብዘይ ምጽዋት ድማ ምቍጣብ ኰይኑ ዚተርፍ ግቡዛት ጸወምቲ ኣይንኹን!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

17 መጋቢት 2024 | መጋቢት 8, 2016 ግዕዝ (መበል 27 ሰንበት: ቊ.፳፯/27)

ምስባክ

 መዝ፺፭(፺፭)፡፭,

እግዚአብሔርሰ ሰማያተ ገብረ። አሚን ወሠናይት ቅድሜሁ። ቅድሳት ወዕበየ ስብሐት ውስተ መቅደሱ።

ዓዲ፡ መዝ.፻፬(፻፭)፡፩-ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ። ወንግርዎሙ ለአሕዛብ ምግባሮ። ሰብሑ ወዘምሩ ሎቱ።

ንባባት

ኣንባቢ

ተሰ 41-12

ዲያቆን

ጴጥ 113-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 317-29

ንፍቅ ካህን

ማቴ 616-24

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘአትናቴዎስ | መዝሙር፦ ግነዩ ለእግዚአብሔር

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div