S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። (ምኽንያቱ) ኵሉ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ክፉእ ትምኒትን፡ ብሃብትኻ ዕቡይ ምዃንን፡ ካብ ዓለምምበር፡ ካብ ኣቦ ኣይኰነን። ዓለም (ምስናይ ፍትወታ) ኽትሓልፍያ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር (ክርስትያን) ግን፡ ንዘለኣለም ይነብር።” 1ዮሃ 215-17 .

እዚ ዕለትዚ፡ ሻብዓይን ናይ መወዳእታን ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተርእዮዩ። ዚመጽእ ዘሎ ሰንበት፡ ናይ ዚስዕብ ዘመነ ጾም ቀዳማይ ሰንበት ኪኸውንዩ። እግዚኣብሄር ነዚ ዓብይ ጾም ብሰላም ጀሚርና ብሰላም ክንፍጽሞ የብቅዓና። ነዚ ዕለት ተመዲቡ ዘሎ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ወብዙኃን ኖሎት መጽኡ” (ብዙሓት ጓሶት መጽኡ) ዘርእስቱዩ። እቲ በዚ መዝሙር ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ከኣ ዮሃ 41-25 ኰይኑ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ብዛዕባ ዝገበሮ ነዊሕን ሃናጽን ዝርርብ ዚትርኽዩ።ማይ ኣስትይኒትብል ሕቶ ጀሚሩ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ኽሳዕ እትርዳእን እትቕበልን፡ ብዜገርም ጥበብ መርሓ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣዝዩ ዓብይ ኣስተርእዮ (ምግላጽ) ካብ ዝረኸቡ ሰባት ሓንቲ ኽትከውን ድማ በቕዐት። ንሳ ዓሌታ ካብ ኣይሁድ ኣይነበረን። ንጉስ ኣሶር ንሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤል ተዋጊኡ ምስ ሰዓሮ፡ ነቶም እስራኤላውያን ማሪኹ ናብ ርሑቕን ብዙሕን ሃገራት ፋሕ ኣቢሉ ዘርኢ ምድሪ ገበሮም። መተካእታኦም ከኣ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝማረኾም ኣህዛብ ኣምጺኡ ኣብ ምድሪ እስራኤል ኣስፈሮም። እዞም መጻእተኛታትዚኣቶም፡ ጣኦት ዜምልኹ ኣረማውያንዮም ዝነበሩ። ስለ ናብ ምድሪ ጓና ምስ መጹውን ነቲ ኣምልኾ ጣኦቶም ቀጸልዎ። እግዚኣብሄር ከኣ ብኣናብስ ገይሩ ኣምሪሩ ምስ ቀጽዖም፡ ጥርዓኖም ናብ ንጉስ በጽሐ። ንሱ ድማ ሓደ ኻብቶም ተማሪኾም ዝኸዱ እስራኤላውያን ካህናት ናብኡ ኺምለስሞ፡ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ናይ ኣምልኾ ስርዓት ኪምህሮም ኣዘዘ። እቲ ኻህን መጺኡ ምስ መሃሮም፡ ከም ንሱ ዝመሃሮም ኪገብሩ ጀመሩ። ግናኸ ነቲ ኻብ ዓዓዶም ሒዞምዎ ዝመጹ ሓሙሽተ ዓይነት ጣኦታት ደቆም ሓሓሪዶም መስዋእቲ እናገበሩ ምግልጋል ኣይገደፉን። እቲ ጸሓፊ ነቲ ዅነታቶም ኣመልኪቱ፦ እዞም ህዝብታትዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ይፈርህዎ ነበሩ፡ ንጣኦታቶም ከኣ የገልግልዎም ነበሩ። እቶም ደቆምን ደቂ ደቆምን ክሳዕ ሎሚ ከም ኣቦታቶም ዝገብርዎ ይገብሩ ኣለዉ።” ብምባል ገሊጽዎ ይርከብ (2ነገ 1741) እቲ ምሉእ ታሪኾም ኣብ 2ነገ 171-41 ብሰፊሑ ተገሊጹ ኣሎ። እዛ ጐይታና ዘዛርባ ዘሎ ሰበይቲ ኸኣ፡ ጓልዞም ህዝብታትዚኣቶምያ። ሳምራውያን ንምድሪ እስራኤል ዝወረሱ ኣረማውያን ኣህዛብዮም። ስለ ድማ ኣይሁድ ይጽየፍዎም ነበሩ። ምኽንያቱ ምስ ኣህዛብ ከይተሓባበሩ ዚገልጽ ሕጊ ኣብ ብሉይ ኪዳን ተዋሂብዎም ነይሩ (A) ጐይታማይ ኣስትይኒምስ በላውን እታ ሰበይቲ ገሪምዋንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስካስ፡ ካባይ ካብ ሳምራዊት ሰበይቲ ኸመይ ኢልካ ማይ ክትሰትይ ትልምን ኣለኻብምባል ሓቲታቶ (ዮሃ 4:9) ኣይሁድ ንጐይታና ኼዋርድዎ ኺደልዩ ኸለዉ ኸኣሳምራዊኢሎም ይጸርፍዎ ነበሩ (ዮሃ 848) ዋላ ሳምራውያን ኰይኖም ገና ጣኦት የምልኹ እንተ ነበሩ፡ ኣይሁዳዊ እምነትውን ተቐቢሎም ስለ ነበሩ፡ክርስቶስ ዚብልዎ መሲሕ ከም ዚመጽእ እፈልጥ ኣለኹ፡ ንሱ ምስ መጸ ዅሉ ኺነግረናዚብል እምነት ከም ዝነበሮም፡ ባዕላ ሰበይቲ ተኣሚና ኣላ (ዮሃ 425) ስለ ሳምራውያን ሰብ ድርብ ሃይማኖትዮም ነይሮም። ኣምልኾ እግዚኣብሄርን ኣምልኾ ጣኦትን ደባሊቖም ይኸዱ ነበሩ። እዚ ታሪኾም ነዞም ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ዓለምን ኣዳቒልና እንኸይድ ክርስትያን ህዝቢ ዓብይ ትምህርቲ ዚህበናዩ። ናይ ዕለት ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ከኣ፡ ካብ መንፈሳዊ ምንዝርና ተፈሊና ርእስና ንኣምላኽ ጥራሕ ክንቅድስ ዚብደሃናዩ። እዛ ብዓልቲ ድርብ ሃይማኖት ሰበይቲ፡ ህይወታ ኸመይ ብልሹው ከም ዝነበረ ጐይታና ብጥበብ ኣርእይዋዩ። እቲ ምስኣ ዚነብር ዝነበረ ሰብኣይ ሻድሻይ ሰብኣያዩ። ካብብዓልቲ ሓዳርክትብላ፡ኣመንዝራኽትብላ ዚምጥና ሰበይቲ ነበረት። ናይ ፍቕሪ ዓለም ፍረ ኸኣ ንሱዩ። ስለ ኸኣ ብዛዕባ ዓለምን ዓለማዊ ጕዳያትን ክንመሃርን ኣካይዳና ኽንምርምርን ከነተኻኽልን ዜድልየና ዘሎ።

ብዛዕባ ኣየነይቲ ዓለም ኢና ንዛረብ ዘለና፧ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊኣ ንነብረላ ዘለና ግእዝቲ ዓለም ዲና ንዛረብ ዘለና፡ ወይስ ካልእ ምስጢር ኣለዎዩ፧ ብዛዕባ ህይወት ዘይብላ ከባብን ግእዝትን ዓለም ንዛረብ ከም ዘየለና፡ ርዱእዩ። ንዛረበሉ ዘለና ጕዳይ፡ ብዛዕባ ኣብ ዓለምዚኣ ገኒኑ ዘሎ ቕዲ ናይ ኣተሓሳስባን ኣዘራርባን ኣነባብራንዩ። እዚ ኣተሓሳስባን ኣዘራርባን ኣነባብራን ኣብ ዓለምዚኣ ይግበር ስለ ዘሎ፡ ዓለማዊዩ። ነዚ ኣምላኽ ዚጽየፎ ዓለማዊ ቕዲ ህይወት፡ ንሕና ኸም ንቡር ንርእዮ፡ ኻብኡ ሓሊፍና ኸኣ ነዘውትሮ እንተሊና፡ ነዛ ዓለምዚኣን ነቲ ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናብ ምፍቃር ወዲቕና ኣለና ማለትዩ። እዛ ዓለምዚኣን እዚ ኣብኣ ዝተማህዘን ዚዝውተርን ዓይነት ናይ ህይወት ብሓንሳእዮም ዚጠፍኡ። ስለ ነቲ ዓለማዊ ኣካይዳ ምፍታው፡ ከምፍቕሪ ዓለምኪግለጽ ግቡእን ቅቡልንዩ። ዝዀነ ይኹን ክርስትያን፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ዓለም ኪንገሮ ኸሎ ግን፡ ነቲ ባህርያዊ ተፈጥሮ ናይ ዓለም ዘይኰነስ፡ ነቲ ዓለማዊ ዝዀነ ቕዲ ህይወት (System/Life style) ከም ዚምልከት ኪግንዘቦ ይግባእ።

እግዚኣብሄር ንዓለምን፡ ንሰብ ሓዊስካ፡ ኣብኣ ንዘሎ ዅሉን ኪፈጥሮ ኸሎ፡ ንኽብሩ ኢሉ ዝፈጠሮ። ስለ ኸኣ ነቲ ንእኡ ኽነኽብረሉ እንኽእል ኵሉ ሕግታት-ህይወት ኣብ ብመልክዑን ምስሉን ዝፈጠሮ ሕልናና ጽሒፉ ፈጢሩና። ኵሎም እንስሳታት፡ ኣትክልቲ፡ ዓበይቲ ማያት፡ ኵሎም ዓለማት (ንፕላቴታት) ጸሓይን ኵላቶም ካልኦት ከዋኽብትን ወዘተ በቲ ዝተመደበሎምን ዝተሰርዓሎም ሕጊ ይመሓደሩ ኣለዉ (መዝ 1045-23 1486 ኢሳ 4026 ኢሳ 3135,36 3320,22,25) ሰብ ግና ነቲ ንረብሓኡ ኢሉ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ናይ ነጻ ምርጫ ፍቓድ ተጠቒሙ፡ ንኣምላኽ ገዲፉ ንሰይጣን ኪእዘዝ መረጸ። እቲገዛኢ ዓለምዚኣዝተባህለሉ ሰይጣን ከኣ፡ ንዅሉ ፍጥረት ሰብ ብዓለማዊ ህይወት በከሎ። ሰብ ከኣ ኣንጻር ሕጊ ሕልናና ኣንጻር እዉጅ ሕጊ ኣምላኽን ምምልላስ፡ ከም ቅቡል ህይወት ወሲዱ ረዓሞ። ዝተወልደ ዝበለ ዅሉ ሰብ እቶም ቅድሚኡ ዝተወልዱን ኣብ ከባቢኡ ዘለዉን ኵላቶም ዚገብርዎን ዚነብርዎን ኵሉ እናረኣየን ግብራዊ ትምህርቲ እናቐሰመን፡ ገና ብቑል ከይበለ ልቡ ብፍቕሪ ዓለም ይምረዝ። ቅዲ ህይወቱ ኸኣ ዓለማዊ ዀይኑ ይተርፍ ኣሎ። ስለ ኸኣንዓለም ኣይትፍተዉኺበሃል ከሎ፡ ኪርድኦ ዀነ ኪቕበሎ ዜጸግም ኣተሓሳስባን እምነትን ይዀኖ ኣሎ።

ንዓለም ክንፈትወሉ ዘይግብኣና መሰረታዊ ምኽንያት እንታይዩ፧ ክንፈትዋ ዘይግብኣና እንተ ዀይኑ፡ ንምንታይ ኣብ ዓለም ክንፍጠርን ክንነብርን ኣድለየ፧ እዚንዓለም ኣይትፍተውዋዚብል ትእዛዝ ንመን ዚምልከቶ፧ ብዘይ ዝዀነ ውልውል፡ እዚ ትእዛዝ ነቲ ብክርስቶስ ክርስትያን ዝዀነን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ዝተቐደሰን ሰብምበር፡ ኣብ ምድሪዚኣ ንዚነብር ኵሉ ሰብ ዝተዋህበ ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ እቲ ክርስትያን ዘይኰነ ሰብ፡ ብዘይካ ዓለምዚኣ፡ ዝዀነ ኻልእ ተስፋ የብሉን። መበቈሉ ኻብ ዓለም ዝዀነ ዓለማዊ ጥራሕ ኣይኰነን። ንሱ ንርእሱ ዓለምዩ። ንሱ ኣብ ዓለም ይነብር ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ዓለምውን ኣብ ውሽጡ ኣላ። እቲ ንእምነቱ ዚነብራ ሓቀኛ ክርስትያን ግን፡ ዓለም ንእኡ ምድሪ ስድደትን ግሽነትን፡ ምድሪ ስቓይን ስቅቕታንምበር፡ ዓዱን መበቈሉን ኣይኰነትን። ኣብ ዘይዓድና ኸም ወዲ ዓዲ ዄንና ናይ ምንባር ግዴታ የብልናን። ክንዲ ዝደለየ ዋጋ ዜኽፍለና ይኹን ብዘየገድስ፡ ነቲ ሓቀኛ እምነትናን መንነትናን ክንነብር ዚግባእ። ስለንዓለም ኣይትፍተውዋዚብል ትእዛዝ፡ ንኣና ንክርስትያን ሓይልናን ጥበብናን መትከልናንዩ። ጐይታና፡ ኣብ ትምህርቱ ዀነ ኣብ ጸሎቱ ደጋጊሙ ዚገልጻ ሓቂ እንተልያ፡ ንሕና ክርስትያን ካብ ዓለም ዘይምዃንናያ። ስለ ምስ ዓለም ዘሎና ዝምድና ናይ ጽልኢምበር፡ ናይ ፍቕሪ ኣይኰነን።

ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ ኻብ ዓለም ዝሓረኹኹምምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን ስለ ዓለም ትጸልኣኩምያ።ዮሃ 1518,19

ኣነ ቓልካ ሃብክዎም፡ ከም ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑንሞ፡ ዓለም ጸልኣቶም። ካብ (ኣብ ዓለም ዘሎ) ኽፉእ (ድያብሎስ) ክትሕልዎምምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘለኹ። ከም ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን። ..... ከም ንኣይ ናብ ዓለም ዝለኣኽካኒ ከምኡውን ኣነ ናብ ናብ ዓለም ለኣኽክዎም።ዮሃ 1714-16,18

ካብ ናይ ጐይታ መልእኽትን ጸሎትን ከምንርድኦምበኣር፡ እዛ ዓለምዚኣ ንኣና ንክርስትያን ዓለምና ኣይኰነትን። ጐይታና ኣብ ጸሎቱ፡ኣነ ናብ ዓለም ለኣኽክዎምኢሉ ኣሎ። ብክርስቶስ ድሕሪ ምእማንናን፡ ኣብኡ ኽንነብር ድሕሪ ምጅማርናን፡ ህይወትና ናብ ናይ ተልእኾ ህይወት ዚቕየር። ልኡኻት ክርስቶስምበር፡ ተራ ነበርቲ ናይ ዓለም ኣይኰንናን። እዚ ቓል ንሃዋርያት ስለ ዝተባህለ፡ ንሃዋርያት ጥራሕ ከም ዚምልከት ጌርና ኽንርድኦ ኣይግባእንዩ። ብርግጽ ሃዋርያዊ ማዕርግን ተልእኾን ናይ ሃዋርያት ጥራሕዩ። ንሕና ክርስትያን ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተነደቕና ምዃንና ግን ብብርዕን ልሳንን ናይ ቅዱሳን ሃዋርያት ከም ዝተነግረና ኣይንረስዕ (ኤፌ 219-22) ከም ሃዋርያት ናብ ኵሉ ዓለም እናዞርና ወንጌል ክንሰብኽን ኣብያተ ክርስትያን ክንተክልን ማዕርጋት ኣገልግሎት ክንዕድልን፡ ብዘይካ ነቶም ብመንፈስ ቅዱስን ብቤተ ክርስትያንን ዝተቐብኡ ኣገልገልቲ፡ ንዅላትና ዚምልከት ኣይኰነን። ብግብራዊ ናብራና ግን ንክርስቶስን ንሃዋርያትን ክንመስል ተኣዚዝና ኢና (1ቈረ 111 ፊል 317 2ተሰ 37-10 1ጴጥ 221-23 .)ንሓድሕድኩም ተፋቐሩዚብል ትእዛዝ ንሃዋርያት ዝተዋህበ፡ ግን ከኣ፡ንኣና ኣይምልከትን ናይ ሃዋርያት ጥራሕኣይንብልን ኢና። እቲ ኣብ ዓለም ምንባርና ንተልእኾ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ዓለም ክንወጽእ ኣይግብኣናንዩ። ስለ ኸኣ ጐይታ፡ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘለኹብምባል ዝጸለየ። ካብ ጸላኢትናን ጸላእታን ዝዀንና ዓለም እንወጽእ፡ ናይ ዓለም ተልእኾና ምስ ፈጸምናዩ። እቲ ምስ ዓለም ብፍቕሪ ተጸሚዱ ንተልእኾኡ ኸይፈጸመ መዓልቲ ሞቱ ዘርከበቶ ሰብ፡ ናብ ጐይታ ዝኣተዋ ኽብሪ ኺኣትው ኣይበቅዕንዩ።

ኣብ ውሉደ ክህነት ኰነ ኣብ ሓፋሽ ምእመን፡ ምስ ትምህርትና ዀነ ምስ ክርስትያናዊ እምነትናን መንነትናን ዘይሰማማዕ ኪውገድ ዚግብኦ ኣገላልጻ ኣሎና። ንሱ ኸኣካህን ኣይኰነንንምባልዓለምዚብል ዘይጽቡቕ መግለጺዩ።ካብ ዓለም ኣይኰንኩምንእናበሉ ጐይታን ቅዱሳን ሃዋርያቱን፡ ነቲ ምስ ዓለም ዘሎና ዝምድና ኽንበትክ እናመርሑና፡ ንሕና ንገዛእ ወገንናን ምእመንናን ከምኡ ኢልና ኽንሰምይ ቅኑዕ ኣይኰነን።ዓለማዊ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ዓለምኢልካ፡ ዓለማዊ መንነት ከም ንቡር መግለጺ ምጥቃም ንጐይታናን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ምጽራር ስለ ዝዀነ ነዚ ኣበሃህላ ፈጺምና ኸነትርፎን ከነወግዶን ይግብኣና።

ንዓለም ናይ ምፍቃርና ግብራዊ መልእኽትን ሳዕቤንን እንታይዩ፧ ከም ኵሉ ክፉእን ጽቡቕን ግብርታት፡ ፍቕሪ ዓለምውን ርእሱ ዝኸኣለን ዝኸፍአን ግብራዊ መልእኽቲ ኣለዎ። ብፍላይ ብደም ክርስቶስ ምስ ኣምላኽ ሓድሽ ኪዳን ዝኣተወ ክርስትያን፡ ብፍቕሪ ዓለም ኪጽመድ ከሎ፡ ነቲ ዝኣተዎ ኺዳን የፍርስ ይጠልም ዘሎ። ዋላ ዘይቅቡልን ዜፍርድን እንተ ዀነ፡ ሰብ ንኸምኡ ሰብ ኪጠልሞ ምርኣይን፡ ሰብ ብቐጥታ ንኣምላኽ ኪጠልሞ ምርኣይን ተመጣጣኒ ኣበሳ ኪኸውን ኣይክእልንዩ። ኣብ መንጎ ክርስቶስን ክርስትያንን ዘሎ ኪዳን፡ በቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ኺዳን ከም ዚምሰል ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ኣሎ (ኤፌ 522-23) ኣብ ብሉይ ኪዳን ከይተረፈ እግዚኣብሄር ምስ ቤት እስራኤል ዝነበሮ ኪዳን፡ ብናይ ሰብኣይን ሰበይትን ኪዳን መሲልዎ ኣሎ ኢሳ 544 ኤር 3131-34 ህዝ 166 8, 9-13,60 ሆሴ 21920 ስለ ኸኣ ኪዳኖም ምስ ኣፍረሱ፡ እግዚኣብሄር፡ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ከም ንሰብኣያ እትጠልም ሰበይቲ ጠለምኩምኒ፡ብምባል ነቲ ግብሮም ገለጾ (ኤር 320) ስለ ብፍቕሪ ዓለም ተለኺፍና፡ ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ኣዘራርባን ኣነባብራን ክንመርጽ ከለና፡ ናይ ምርጫና ቐዳማይ ግብራዊ መልእኽቲ ጥልመትዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ገሊጽዎ ዘሎ ኻልኣይ ግብራዊ መልእኽትና ድማ ጽልኢ ንኣምላኽዩ፡

ኣቱም ኪሓድቲ ንዓለም ምፍቃር ንኣምላኽ ምጽላእ ከም ዝዀነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ (ፈታው) ዓለም ኪኸውን ዚደልይ ሰብ ጸላእ ኣምላኽ ይኸውን።ያእ 44 .

ነቲ ሓደ ወዱ ምእንታና በጃ ኽሳዕ ምሃብ፡ ክሳዕ ክንዲ ንዘፍቀረና ኣምላኽ ብኸም ዘመሰለ ጽልኢ ኽንፈድዮ ኸለና፡ ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ግፍዒ ዀን!! ክብደት ኣበሳና ጐሊሑ ዚገሃድ ከኣ፡ ንኽልቲኦም፡ ንኣምላኽን ንዓለምን፡ ምስ እነነጻጽሮምዩ። ኣምላኽን እታ ናቱ ዓለምን ዘለኣለማውያንዮም። ንሕናን እዛ ዓለምናን ከኣ ሓለፍቲ ኢና። ነፍሲ ወከፍና ከክንድ ንሳ ዝነበረቶ ዘመናት ብህይወት ንጸንሕ እንተ ንኸውን፡ ነቲ ዕሽነትና ብመጠኑ ዜቕልሎ ኪመስል ይኽእል ይኸውን። ኣብ ዘፍቀርናያ ኸንቱ ዓለም እንጸንሖ ዓመታት፡ ከም ናይ ኣዒንትና ቋሕ ሰም ኣዝዩ ሓጺርዩ። ካብ ክብራን ረብሓን ንላዕሊ፡ ጻዕራን መከራኣን ብዕጽፍታት ዚበዝሕ ዓለም ምዃናውን ንምርጫና ኣዝዩ ዜሕፍር ይገብሮ።ሓላፊትኪበሃል ከሎ ግን፡ ነቲ ቓል ኣቕሊልና ኽንርእዮ ኣይግባእንዩ። ኣብ መዓልቲ ምጽኣት፡ ዓለምን ኣብኣ ዘሎ ኵሉን ብሓዊ መለኮት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኸም ዝነበረ ኣሰር ከም ዘይህልዎ ዀይኑ ኺሓልፍን ኪጠፍእን (2ጴጥ 37,10,12 ራእ 2011 .) እቶም ብዓለማዊ ቕዲ ህይወት ዘስሓቱና ሰይጣንን ኣጋንንቱን፡ እቶም ብፍቕሪ ዓለም ተለኺፍና ንኣምላኽ ዝጸላእናን ዝጠለምናን ሰባት ግን፡ ህልም ኢልና ኣሰር ዘይብልና ኣይክንጠፍእን ኢና። ኣብ ናይ ገሃነም ቀላይ ሓውን ድቕድቕ ጸልማትን ኢና ብዘይ ዕረፍቲ ንዘለኣለም ክንሳቐይን ንነብር። ናይ ዓሻን ከንቱን ፍቕሪ ሳዕቤን እምብዛ እምብዛ መሪርዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ካብ ዘይጽወር ስዕቤን ድሒንና ናብ መግለጽን መዘናን ዘይብሉ ኽብሪ ምእንቲ ኽንኣትው፡ ነዚ ሸለል ኪበሃል ከቶ ዘይግብኦ መጠንቀቕታ ሂቦምና ኣለዉ። ንሕና ድማ ንቓሎም ንተኣዘዝ፡ ንኣርኣያኦም ከኣ ንከተሎ።

ካብ ፍቕሪ ዓለም ከም ዝተናገፍና ብኸመይ ኢናንፈልጥ፧ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ ዓለምዚኣ ናይ ምንባርና ተልእኾ እንታይዩ፧ መሪሕ ጥቕስና፡ ንሕቶና ብንጹር መሊስዎ ኣሎ። እቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘሎዎ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር። እቲ ፍቕሪ ዓለም ዘለዎ ግን፡ ፍቓድ ርእሱን ፍቓድ ሰይጣንን ዜተግብር። ብዘይ ፍቕሪ፡ ንፍቓድ ካልእ ኣካል ክትግዛእ ኣይከኣልንዩ። ዕዝዝቲ ፍቕሪ ንፍቓድካ መስዋእቲ ጌርካ፡ ንፍቓድ ናይ እተፍቕሮ ኣካል ክትግዛእ እተኽእለካ። ንትጸልኦ ኣካል ግን ይትረፍ ፍቓዱ  ኽትፍጸመሉ፡ ገጹ ኽትርእይ፡ ስሙ ኽትጽውዕ፡ ብዛዕባኡ ኽትሰምዕ ኣይትደልን ኢኻ። ስለ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ እንገልጸሉ እንኮን ዝበለጸ መገዲ፡ ፍቓዱ ምግባርያ። ንእኡ ዘሎና ሕሱም ጽልእን ንዕቀትን እንገልጸሉ ዝበለጸ መገዲውን፡ ነቲ ቅዱስን ልኡላውን ፍቓዱ ብድፍረት ምግሃስን ምርጋጽንዩ። ነዚ ፍቓድ ኸኣ ኣብ ተዋሂቡና ዘሎ ትእዛዛት ወይ ቃል ኣምላኽ ብዝርዝር ተገሊጹልና ኣሎ።

ተፍቕሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሓልዉ። ..... እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ ዚሕልዎ ንሱ ዜፍቕረኒ። ..... እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎንዩ።ዮሃ 1415,21,24

እቶም ገበርቲ ፍቓዱ ምስኡ ዘለዎም ዝምድና ኺገልጽ ከሎ፡ፍቓድ ኣቦይ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይንድሕሪ ምባሉ ኢዱ ናብቶም ገበርቲ ፍቓዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ፡ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉብምባል ኣረጋገጸልና (ማቴ 1249,50) ክርስትያን ምዃን ማለት፡ፍቓድ ስጋይን ፍቓድ ሰይጣንን ገዲፈ ፍቓድካ ኽገብርዚብል ኪዳን ምእታውን ምትግባሩን ማለትዩ። ኣብ ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ሳዕ ደጋጊምና እንጽልያ ናይአቡነ ዘበሰማያትጸሎት፡ፍቓድካ ኸም ኣብ ሰማይ፡ ከምኡውን ኣብ ምድሪ ትኹንዚብል ትሕዝቶ ኣለዎ። እዛ ኽፍሊ ጸሎትዚኣ ክልተ መልእኽቲ ዘለዋ። እቲ ቐዳማይ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ባዕሉ ኣብ ምድሪ ዚገበሮ ፍቓዱ ዚምልከትዩ። እቲ ኻልኣይ ከኣ እቲ ብኣና ብደቂ ሰባት ዚፍጸም ፍቓዱዩ። ነታ ልኡላዊትን ቅድስትን ፍቓዱ ኣብ ምድሪ ኽንፍጽም ዝተፈጠርናን ዝተመደብናን ከኣ ንሕና ደቂ ሰባት ኢና። ከምኡ ኢልና እናጸለና ኸለና፡ ነቲ ፍቓዱ ግን ዘይንገብሮ እንተ ዄንና፡ ንገዛእ ጸሎትና ባዕላትና ነፍርሶን ነሕስሮን ኣለና ማለትዩ። እቲ ጸሎትና ኸኣ ናይ ጥበራን ናይ ግብዝነትን ጸሎት ምዃኑ ይቃላዕ ኣሎ።

ቅዱስ ጳውሎስ፡ ስጋና ንኣምላኽ መስዋእቲ ጌርና ኸነቕርበሉ ሃዋርያዊ ምዕዶ ሂቡና ኣሎ። እዚ ማለት ከኣ ስጋና ኣብ መሰውኢ ሓሪድና ኸነቕርበሉ ማለት ከም ዘይኰነ ርዱእዩ። እዚ ኸኣ ፍቓድ ኣምላኽ ፈሊጥና ብምግባር እነቕርቦ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ምዃኑ ኣብሪሁልና ኣሎ።

እምበኣርሲ ኣሕዋተይ ንሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እልምነኩም ኣለኹ። እዚ ማለት እቲ (ናይ ኣእምሮ) መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩምዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ፍጹምን ዝዀነ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርሚርኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡምበር፡ ነዛ ዓለምዚኣ ኣይትምሰልዋ።ሮሜ 1212 .

ንኣምላኽ ዘየፍቅሮን ንፍቓድ ኣምላኽ ዘይገብሮን ሰብ ነዚ ረቂቕ ሃዋርያዊ ምስጢር ኺፍጽም ኣይክእልንዩ። ፍቓዱ ኽንትግብር ከለና፡ እግዚኣብሄር ንሰብነትና መስዋእቲ ጌርና ኸም ዘቕረብናሉ ገይሩ ዚቕበሎ። እቲ መስዋእቲ ሰብነትና ህያውን ቅዱስን ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኣዝዩ ባህ የብሎ። እግዚኣብሄር ብህያው መስዋእቲምበር፡ ብምዉት መስዋእቲ ኣይሕጐስን፡ ኣይከብርን ከኣዩ። እቲ መስዋእቲ እንስሳታት፡ ምዉት መስዋእቲ ስለ ዝዀነ ሓጢኣት ናይ ምርሓቕ ዓቕሚ ዘይነበሮ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ተሓሪዱ ኽነሱ፡ ብትንሳኤ ህያው መስዋእቲ ዀይኑ ስለ ዝቐረበ፡ ንኣምላኽ ኣስሚሩ ምሉእ ድሕነት ሂቡና ኣሎ። ንሕና ድማ ህያውን ቅዱስን መስዋእቲ እንተ ቐረብና ኢና ልክዕ ከም ጐይታና፡ ቅቡላት እንኸውን። ድሕሪ ሞት ክርስቶስ ናይ ደም መስዋእቲ ስለ ዘየድልይ፡ ንሰብነትና ህያው መስዋእቲ እንገብረሉ መገዲ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ኰነ። ገበርቲ ፍቓዱ፡ ናይ ኣምላኽ ህያዋን መስዋእቲ ኢና፡ እቶም ገሃስቲ ፍቓዱ ግና ናይ ሰይጣን ምዉታት መስዋእቲ ኢና።

እምበኣር ገዛእ ህይወትና ብዕምቈት ንመርምር። ኣብ ልብና፡ እንታይ ይገዝእ ኣሎ፧ ፍቕሪ ዓለምዶ ፍቕሪ ኣምላኽ፧ ዓለምን ገዛኢኣ ሰይጣንን ንፍትወትን ፍቓድን ናይ ስጋና እናዕፈሩዮም ዚጻወቱልና። ነቲ ዘይተሓደሰ ድኹም ኣእምሮና መዝሚዞም ባሮት ፍቓዶም ብምግባር፡ ንኣምላኽ ዘይነሐጕስን ዘይነኽብርን ምዉታትዮም ዚገብሩና። ስለ ብዕዙዝ ፍቕሪ ኣምላኽ ተደሪኽና ንፍቓዱ ብምእዛዝ ህያዋን ምዃንና ነረጋግጽ። ፍቕሪ ዓለም፡ መንፈሳዊ ርእሰ ቕትለትዩ። ስለ ብፍቕራ ኸይንምረዝ ልብናን ነፍስናን ንሓልው። ነዚ ሓጺር ምድራዊ ህይወትና ዘይኰነ፡ ነቲ መፈጸምታ ዘይብሉ ዘለኣለማዊ መጻኢና ነማዕድው!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

መጋቢት 2024 | የካቲት 24, 2016 ግዕዝ (መበል 25 ሰንበት: ቊ.፳፭/25)

ምስባክ

 መዝመዝ ፵፮(፵፯)፡፫-፬

“አግረ ለነ አሕዛበ ወሕዝበ ታሕተ  እገሪነ። ወኀረየነ ሎቱ ለርስቱ። ሥኖ ለያዕቆብ ዘአፍቀረ።”

“ንሱ ንህዝብታት ኣብ ትሕቴና፡ ነህዛብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና የግዝኦም። ንኽብሪ ያእቆብ፡ ፈታዊኡ፡ ርስትና ኪዀነልና ይሓርየልና።”

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 9፡1-16

ዲያቆን

1 ዮሃ 2፡12-19

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 7፡6-16

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 4፡1-25

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ወብዙኃን ኖሎት መጽኡ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div