“ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ’ኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። (ምኽንያቱ) ኵሉ’ቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ክፉእ ትምኒትን፡ ብሃብትኻ ዕቡይ ምዃንን፡ ካብ ዓለም’ዩ’ምበር፡ ካብ ኣቦ ኣይኰነን። ዓለም (ምስናይ ፍትወታ) ኽትሓልፍ’ያ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር (ክርስትያን) ግን፡ ንዘለኣለም ይነብር።” 1ዮሃ 2፡15-17 ካ.ት
እዚ ዕለት’ዚ፡ ሻብዓይን ናይ መወዳእታን ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ’ዩ። ዚመጽእ ዘሎ ሰንበት፡ ናይ’ቲ ዚስዕብ ዘመነ ጾም ቀዳማይ ሰንበት ኪኸውን’ዩ። እግዚኣብሄር ነዚ ዓብይ ጾም’ዚ ብሰላም ጀሚርና ብሰላም ክንፍጽሞ የብቅዓና። ነዚ ዕለት’ዚ ተመዲቡ ዘሎ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ “ወብዙኃን ኖሎት መጽኡ” (ብዙሓት ጓሶት መጽኡ) ዘርእስቱ’ዩ። እቲ በዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ከኣ ዮሃ 4፡1-25 ኰይኑ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ብዛዕባ ዝገበሮ ነዊሕን ሃናጽን ዝርርብ ዚትርኽ’ዩ። “ማይ ኣስትይኒ” ብ’ትብል ሕቶ ጀሚሩ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ኽሳዕ እትርዳእን እትቕበልን፡ ብዜገርም ጥበብ መርሓ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣዝዩ ዓብይ ኣስተርእዮ (ምግላጽ) ካብ ዝረኸቡ ሰባት ሓንቲ ኽትከውን ድማ በቕዐት። ንሳ ዓሌታ ካብ ኣይሁድ ኣይነበረን። ንጉስ ኣሶር ንሰሜናዊ መንግስቲ እስራኤል ተዋጊኡ ምስ ሰዓሮ፡ ነቶም እስራኤላውያን ማሪኹ ናብ ርሑቕን ብዙሕን ሃገራት ፋሕ ኣቢሉ ዘርኢ ምድሪ ገበሮም። መተካእታኦም ከኣ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝማረኾም ኣህዛብ ኣምጺኡ ኣብ ምድሪ እስራኤል ኣስፈሮም። እዞም መጻእተኛታት’ዚኣቶም፡ ጣኦት ዜምልኹ ኣረማውያን’ዮም ዝነበሩ። ስለ’ዚ ናብ’ዛ ምድሪ ጓና ምስ መጹ’ውን ነቲ ኣምልኾ ጣኦቶም ቀጸልዎ። እግዚኣብሄር ከኣ ብኣናብስ ገይሩ ኣምሪሩ ምስ ቀጽዖም፡ ጥርዓኖም ናብ’ቲ ንጉስ በጽሐ። ንሱ ድማ ሓደ ኻብ’ቶም ተማሪኾም ዝኸዱ እስራኤላውያን ካህናት ናብኡ ኺምለስ’ሞ፡ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ናይ ኣምልኾ ስርዓት ኪምህሮም ኣዘዘ። እቲ ኻህን መጺኡ ምስ መሃሮም፡ ከም’ቲ ንሱ ዝመሃሮም ኪገብሩ ጀመሩ። ግናኸ ነቲ ኻብ ዓዓዶም ሒዞምዎ ዝመጹ ሓሙሽተ ዓይነት ጣኦታት ደቆም ሓሓሪዶም መስዋእቲ እናገበሩ ምግልጋል ኣይገደፉን። እቲ ጸሓፊ ነቲ ዅነታቶም ኣመልኪቱ፦ “እዞም ህዝብታት’ዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ይፈርህዎ ነበሩ፡ ንጣኦታቶም ከኣ የገልግልዎም ነበሩ። እቶም ደቆምን ደቂ ደቆምን ክሳዕ ሎሚ ከም’ቲ ኣቦታቶም ዝገብርዎ ይገብሩ ኣለዉ።” ብምባል ገሊጽዎ ይርከብ (2ነገ 17፡41)። እቲ ምሉእ ታሪኾም ኣብ 2ነገ 17፡1-41 ብሰፊሑ ተገሊጹ ኣሎ። እዛ ጐይታና ዘዛርባ ዘሎ ሰበይቲ ኸኣ፡ ጓል’ዞም ህዝብታት’ዚኣቶም’ያ። ሳምራውያን ንምድሪ እስራኤል ዝወረሱ ኣረማውያን ኣህዛብ’ዮም። ስለ’ዚ ድማ ኣይሁድ ይጽየፍዎም ነበሩ። ምኽንያቱ ምስ ኣህዛብ ከይተሓባበሩ ዚገልጽ ሕጊ ኣብ ብሉይ ኪዳን ተዋሂብዎም ነይሩ (A)። ጐይታ “ማይ ኣስትይኒ” ምስ በላ’ውን እታ ሰበይቲ ገሪምዋ “ንስኻ ኣይሁዳዊ ኽነስካስ፡ ካባይ ካብ ሳምራዊት ሰበይቲ ኸመይ ኢልካ ማይ ክትሰትይ ትልምን ኣለኻ” ብምባል ሓቲታቶ’ያ (ዮሃ 4:9)። ኣይሁድ ንጐይታና ኼዋርድዎ ኺደልዩ ኸለዉ ኸኣ “ሳምራዊ” ኢሎም ይጸርፍዎ ነበሩ (ዮሃ 8፡48)። ዋላ’ኳ ሳምራውያን ኰይኖም ገና ጣኦት የምልኹ እንተ ነበሩ፡ ኣይሁዳዊ እምነት’ውን ተቐቢሎም ስለ ነበሩ፡ “ክርስቶስ ዚብልዎ መሲሕ ከም ዚመጽእ እፈልጥ ኣለኹ፡ ንሱ ምስ መጸ ዅሉ ኺነግረና’ዩ” ዚብል እምነት ከም ዝነበሮም፡ ባዕላ’ታ ሰበይቲ ተኣሚና ኣላ (ዮሃ 4፡25)። ስለ’ዚ ሳምራውያን ሰብ ድርብ ሃይማኖት’ዮም ነይሮም። ኣምልኾ እግዚኣብሄርን ኣምልኾ ጣኦትን ደባሊቖም ይኸዱ ነበሩ። እዚ ታሪኾም’ዚ ነዞም ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ዓለምን ኣዳቒልና እንኸይድ ክርስትያን ህዝቢ ዓብይ ትምህርቲ ዚህበና’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ከኣ፡ ካብ’ዚ መንፈሳዊ ምንዝርና’ዚ ተፈሊና ርእስና ንኣምላኽ ጥራሕ ክንቅድስ ዚብደሃና’ዩ። እዛ ብዓልቲ ድርብ ሃይማኖት ሰበይቲ፡ ህይወታ ኸመይ ብልሹው ከም ዝነበረ ጐይታና ብጥበብ ኣርእይዋ’ዩ። እቲ ምስኣ ዚነብር ዝነበረ ሰብኣይ ሻድሻይ ሰብኣያ’ዩ። ካብ “ብዓልቲ ሓዳር” ክትብላ፡ “ኣመንዝራ” ኽትብላ ዚምጥና ሰበይቲ ነበረት። ናይ ፍቕሪ ዓለም ፍረ ኸኣ ንሱ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ብዛዕባ ዓለምን ዓለማዊ ጕዳያትን ክንመሃርን ኣካይዳና ኽንምርምርን ከነተኻኽልን ዜድልየና ዘሎ።
ብዛዕባ ኣየነይቲ ዓለም ኢና ንዛረብ ዘለና፧ ብዛዕባ’ዛ ኣብ ልዕሊኣ ንነብረላ ዘለና ግእዝቲ ዓለም ዲና ንዛረብ ዘለና፡ ወይስ ካልእ ምስጢር ኣለዎ’ዩ፧ ብዛዕባ’ዛ ህይወት ዘይብላ ከባብን ግእዝትን ዓለም ንዛረብ ከም ዘየለና፡ ርዱእ’ዩ። ንዛረበሉ ዘለና ጕዳይ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ገኒኑ ዘሎ ቕዲ ናይ ኣተሓሳስባን ኣዘራርባን ኣነባብራን’ዩ። እዚ ኣተሓሳስባን ኣዘራርባን ኣነባብራን’ዚ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ይግበር ስለ ዘሎ፡ ዓለማዊ’ዩ። ነዚ ኣምላኽ ዚጽየፎ ዓለማዊ ቕዲ ህይወት፡ ንሕና ኸም ንቡር ንርእዮ፡ ኻብኡ ሓሊፍና ኸኣ ነዘውትሮ እንተ’ሊና፡ ነዛ ዓለም’ዚኣን ነቲ ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናብ ምፍቃር ወዲቕና ኣለና ማለት’ዩ። እዛ ዓለም’ዚኣን እዚ ኣብኣ ዝተማህዘን ዚዝውተርን ዓይነት ናይ ህይወት ብሓንሳእ’ዮም ዚጠፍኡ። ስለ’ዚ ነቲ ዓለማዊ ኣካይዳ ምፍታው፡ ከም “ፍቕሪ ዓለም” ኪግለጽ ግቡእን ቅቡልን’ዩ። ዝዀነ ይኹን ክርስትያን፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ዓለም ኪንገሮ ኸሎ ግን፡ ነቲ ባህርያዊ ተፈጥሮ ናይ ዓለም ዘይኰነስ፡ ነቲ ዓለማዊ ዝዀነ ቕዲ ህይወት (System/Life style) ከም ዚምልከት ኪግንዘቦ ይግባእ።
እግዚኣብሄር ንዓለምን፡ ንሰብ ሓዊስካ፡ ኣብኣ ንዘሎ ዅሉን ኪፈጥሮ ኸሎ፡ ንኽብሩ ኢሉ’ዩ ዝፈጠሮ። ስለ’ዚ ኸኣ ነቲ ንእኡ ኽነኽብረሉ እንኽእል ኵሉ ሕግታት-ህይወት ኣብ’ቲ ብመልክዑን ምስሉን ዝፈጠሮ ሕልናና ጽሒፉ’ዩ ፈጢሩና። ኵሎም እንስሳታት፡ ኣትክልቲ፡ ዓበይቲ ማያት፡ ኵሎም ዓለማት (ንፕላቴታት)፡ ጸሓይን ኵላቶም ካልኦት ከዋኽብትን ወዘተ በቲ ዝተመደበሎምን ዝተሰርዓሎም ሕጊ ይመሓደሩ ኣለዉ (መዝ 104፡5-23 ፣ 148፡6 ፣ ኢሳ 40፡26 ፣ ኢሳ 31፡35,36 ፣ 33፡20,22,25)። ሰብ ግና ነቲ ንረብሓኡ ኢሉ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ናይ ነጻ ምርጫ ፍቓድ ተጠቒሙ፡ ንኣምላኽ ገዲፉ ንሰይጣን ኪእዘዝ መረጸ። እቲ “ገዛኢ’ዛ ዓለም’ዚኣ” ዝተባህለሉ ሰይጣን ከኣ፡ ንዅሉ ፍጥረት ሰብ ብዓለማዊ ህይወት በከሎ። ሰብ ከኣ ኣንጻር ሕጊ ሕልናና ኣንጻር’ቲ እዉጅ ሕጊ ኣምላኽን ምምልላስ፡ ከም ቅቡል ህይወት ወሲዱ ረዓሞ። ዝተወልደ ዝበለ ዅሉ ሰብ እቶም ቅድሚኡ ዝተወልዱን ኣብ ከባቢኡ ዘለዉን ኵላቶም ዚገብርዎን ዚነብርዎን ኵሉ እናረኣየን ግብራዊ ትምህርቲ እናቐሰመን፡ ገና ብቑል ከይበለ ልቡ ብፍቕሪ ዓለም ይምረዝ። ቅዲ ህይወቱ ኸኣ ዓለማዊ ዀይኑ ይተርፍ ኣሎ። ስለ’ዚ ኸኣ “ንዓለም ኣይትፍተዉ” ኺበሃል ከሎ፡ ኪርድኦ ዀነ ኪቕበሎ ዜጸግም ኣተሓሳስባን እምነትን ይዀኖ ኣሎ።
ንዓለም ክንፈትወሉ ዘይግብኣና መሰረታዊ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ክንፈትዋ ዘይግብኣና እንተ ዀይኑ፡ ንምንታይ ኣብ ዓለም ክንፍጠርን ክንነብርን ኣድለየ፧ እዚ “ንዓለም ኣይትፍተውዋ” ዚብል ትእዛዝ’ዚ ንመን’ዩ ዚምልከቶ፧ ብዘይ ዝዀነ ውልውል፡ እዚ ትእዛዝ’ዚ ነቲ ብክርስቶስ ክርስትያን ዝዀነን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ዝተቐደሰን ሰብ’ምበር፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ንዚነብር ኵሉ ሰብ ዝተዋህበ ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ እቲ ክርስትያን ዘይኰነ ሰብ፡ ብዘይካ’ዛ ዓለም’ዚኣ፡ ዝዀነ ኻልእ ተስፋ የብሉን። መበቈሉ ኻብ ዓለም ዝዀነ ዓለማዊ ጥራሕ ኣይኰነን። ንሱ ንርእሱ ዓለም’ዩ። ንሱ ኣብ ዓለም ይነብር ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ዓለም’ውን ኣብ ውሽጡ ኣላ። እቲ ንእምነቱ ዚነብራ ሓቀኛ ክርስትያን ግን፡ ዓለም ንእኡ ምድሪ ስድደትን ግሽነትን፡ ምድሪ ስቓይን ስቅቕታን’ምበር፡ ዓዱን መበቈሉን ኣይኰነትን። ኣብ ዘይዓድና ኸም ወዲ ዓዲ ዄንና ናይ ምንባር ግዴታ የብልናን። ክንዲ ዝደለየ ዋጋ ዜኽፍለና ይኹን ብዘየገድስ፡ ነቲ ሓቀኛ እምነትናን መንነትናን ክንነብር’ዩ ዚግባእ። ስለ’ዚ “ንዓለም ኣይትፍተውዋ” ዚብል ትእዛዝ፡ ንኣና ንክርስትያን ሓይልናን ጥበብናን መትከልናን’ዩ። ጐይታና፡ ኣብ ትምህርቱ ዀነ ኣብ ጸሎቱ ደጋጊሙ ዚገልጻ ሓቂ እንተ’ልያ፡ ንሕና ክርስትያን ካብ ዓለም ዘይምዃንና’ያ። ስለ’ዚ ምስ ዓለም ዘሎና ዝምድና ናይ ጽልኢ’ምበር፡ ናይ ፍቕሪ ኣይኰነን።
“ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ’ያ’ሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ’የ ኻብ ዓለም ዝሓረኹኹም’ምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን ስለ’ዚ ዓለም ትጸልኣኩም’ያ።” ዮሃ 15፡18,19።
“ኣነ ቓልካ ሃብክዎም፡ ከም’ቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶም’ውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን’ሞ፡ ዓለም ጸልኣቶም። ካብ’ቲ (ኣብ ዓለም ዘሎ) ኽፉእ (ድያብሎስ) ክትሕልዎም’ምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘለኹ። ከም’ቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶም’ውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን። ..... ከም’ቲ ንኣይ ናብ ዓለም ዝለኣኽካኒ ከምኡ’ውን ኣነ ናብ ናብ ዓለም ለኣኽክዎም።” ዮሃ 17፡14-16,18።
ካብ’ዚ ናይ ጐይታ መልእኽትን ጸሎትን ከም ‘ንርድኦ’ምበኣር፡ እዛ ዓለም’ዚኣ ንኣና ንክርስትያን ዓለምና ኣይኰነትን። ጐይታና ኣብ ጸሎቱ፡ “ኣነ ናብ ዓለም ለኣኽክዎም” ኢሉ ኣሎ። ብክርስቶስ ድሕሪ ምእማንናን፡ ኣብኡ ኽንነብር ድሕሪ ምጅማርናን፡ ህይወትና ናብ ናይ ተልእኾ ህይወት’ዩ ዚቕየር። ልኡኻት ክርስቶስ’ምበር፡ ተራ ነበርቲ ናይ ዓለም ኣይኰንናን። እዚ ቓል’ዚ ንሃዋርያት ስለ ዝተባህለ፡ ንሃዋርያት ጥራሕ ከም ዚምልከት ጌርና ኽንርድኦ ኣይግባእን’ዩ። ብርግጽ’ቲ ሃዋርያዊ ማዕርግን ተልእኾን ናይ ሃዋርያት ጥራሕ’ዩ። ንሕና ክርስትያን ኣብ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተነደቕና ምዃንና ግን ብብርዕን ልሳንን ናይ ቅዱሳን ሃዋርያት ከም ዝተነግረና ኣይንረስዕ (ኤፌ 2፡19-22)። ከም ሃዋርያት ናብ ኵሉ ዓለም እናዞርና ወንጌል ክንሰብኽን ኣብያተ ክርስትያን ክንተክልን ማዕርጋት ኣገልግሎት ክንዕድልን፡ ብዘይካ ነቶም ብመንፈስ ቅዱስን ብቤተ ክርስትያንን ዝተቐብኡ ኣገልገልቲ፡ ንዅላትና ዚምልከት ኣይኰነን። ብግብራዊ ናብራና ግን ንክርስቶስን ንሃዋርያትን ክንመስል ተኣዚዝና ኢና (1ቈረ 11፡1 ፣ ፊል 3፡17 ፣ 2ተሰ 3፡7-10 ፣ 1ጴጥ 2፡21-23 ካ.ት)። “ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ” ዚብል ትእዛዝ ንሃዋርያት’ዩ ዝተዋህበ፡ ግን ከኣ፡ “ንኣና ኣይምልከትን’ዩ ናይ ሃዋርያት ጥራሕ’ዩ” ኣይንብልን ኢና። እቲ ኣብ ዓለም ምንባርና ንተልእኾ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ዓለም ክንወጽእ ኣይግብኣናን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ጐይታ፡ “ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘለኹ” ብምባል ዝጸለየ። ካብ’ዛ ጸላኢትናን ጸላእታን ዝዀንና ዓለም እንወጽእ፡ ናይ ዓለም ተልእኾና ምስ ፈጸምና’ዩ። እቲ ምስ ዓለም ብፍቕሪ ተጸሚዱ ንተልእኾኡ ኸይፈጸመ መዓልቲ ሞቱ ዘርከበቶ ሰብ፡ ናብ’ታ ጐይታ ዝኣተዋ ኽብሪ ኺኣትው ኣይበቅዕን’ዩ።
ኣብ ውሉደ ክህነት ኰነ ኣብ ሓፋሽ ምእመን፡ ምስ’ዚ ትምህርትና ዀነ ምስ’ቲ ክርስትያናዊ እምነትናን መንነትናን ዘይሰማማዕ ኪውገድ ዚግብኦ ኣገላልጻ ኣሎና። ንሱ ኸኣ “ካህን ኣይኰነን” ንምባል “ዓለም’ዩ” ዚብል ዘይጽቡቕ መግለጺ’ዩ። “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን” እናበሉ ጐይታን ቅዱሳን ሃዋርያቱን፡ ነቲ ምስ ዓለም ዘሎና ዝምድና ኽንበትክ እናመርሑና፡ ንሕና ንገዛእ ወገንናን ምእመንናን ከምኡ ኢልና ኽንሰምይ ቅኑዕ ኣይኰነን። “ዓለማዊ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ “ዓለም’ዩ” ኢልካ፡ ዓለማዊ መንነት ከም ንቡር መግለጺ ምጥቃም ንጐይታናን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ምጽራር ስለ ዝዀነ ነዚ ኣበሃህላ’ዚ ፈጺምና ኸነትርፎን ከነወግዶን ይግብኣና።
ንዓለም ናይ ምፍቃርና ግብራዊ መልእኽትን ሳዕቤንን እንታይ’ዩ፧ ከም ኵሉ ክፉእን ጽቡቕን ግብርታት፡ ፍቕሪ ዓለም’ውን ርእሱ ዝኸኣለን ዝኸፍአን ግብራዊ መልእኽቲ ኣለዎ። ብፍላይ’ቲ ብደም ክርስቶስ ምስ ኣምላኽ ሓድሽ ኪዳን ዝኣተወ ክርስትያን፡ ብፍቕሪ ዓለም ኪጽመድ ከሎ፡ ነቲ ዝኣተዎ ኺዳን የፍርስ ይጠልም’ዩ ዘሎ። ዋላ’ኳ ዘይቅቡልን ዜፍርድን እንተ ዀነ፡ ሰብ ንኸምኡ ሰብ ኪጠልሞ ምርኣይን፡ ሰብ ብቐጥታ ንኣምላኽ ኪጠልሞ ምርኣይን ተመጣጣኒ ኣበሳ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ኣብ መንጎ ክርስቶስን ክርስትያንን ዘሎ ኪዳን፡ በቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ኺዳን ከም ዚምሰል ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ኣሎ (ኤፌ 5፡22-23)። ኣብ ብሉይ ኪዳን ከይተረፈ እግዚኣብሄር ምስ ቤት እስራኤል ዝነበሮ ኪዳን፡ ብናይ ሰብኣይን ሰበይትን ኪዳን መሲልዎ ኣሎ ኢሳ 54፡4 ፣ ኤር 31፡31-34 ፣ ህዝ 16፡6 ፣ 8, 9-13,60 ሆሴ 2፡19፡20። ስለ’ዚ ኸኣ ኪዳኖም ምስ ኣፍረሱ፡ እግዚኣብሄር፡ “ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ከም’ታ ንሰብኣያ እትጠልም ሰበይቲ ጠለምኩምኒ፡” ብምባል ነቲ ግብሮም ገለጾ (ኤር 3፡20)። ስለ’ዚ ብፍቕሪ ዓለም ተለኺፍና፡ ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ኣዘራርባን ኣነባብራን ክንመርጽ ከለና፡ ናይ ምርጫና ቐዳማይ ግብራዊ መልእኽቲ ጥልመት’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ገሊጽዎ ዘሎ ኻልኣይ ግብራዊ መልእኽትና ድማ ጽልኢ ንኣምላኽ’ዩ፡
“ኣቱም ኪሓድቲ ንዓለም ምፍቃር ንኣምላኽ ምጽላእ ከም ዝዀነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ (ፈታው) ዓለም ኪኸውን ዚደልይ ሰብ ጸላእ ኣምላኽ ይኸውን።” ያእ 4፡4 ካ.ት።
ነቲ ሓደ ወዱ ምእንታና በጃ ኽሳዕ ምሃብ፡ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ንዘፍቀረና ኣምላኽ ብኸም’ዚ ዘመሰለ ጽልኢ ኽንፈድዮ ኸለና፡ ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ግፍዒ ዀን’ዩ!! ክብደት ኣበሳና ጐሊሑ ዚገሃድ ከኣ፡ ንኽልቲኦም፡ ንኣምላኽን ንዓለምን፡ ምስ እነነጻጽሮም’ዩ። ኣምላኽን እታ ናቱ ዓለምን ዘለኣለማውያን’ዮም። ንሕናን እዛ ዓለምናን ከኣ ሓለፍቲ ኢና። ነፍሲ ወከፍና ከክንድ’ቲ ንሳ ዝነበረቶ ዘመናት ብህይወት ንጸንሕ እንተ ንኸውን፡ ነቲ ዕሽነትና ብመጠኑ ዜቕልሎ ኪመስል ይኽእል ይኸውን። ኣብ’ዛ ዘፍቀርናያ ኸንቱ ዓለም እንጸንሖ ዓመታት፡ ከም ናይ ኣዒንትና ቋሕ ሰም ኣዝዩ ሓጺር’ዩ። ካብ ክብራን ረብሓን ንላዕሊ፡ ጻዕራን መከራኣን ብዕጽፍታት ዚበዝሕ ዓለም ምዃና’ውን ንምርጫና ኣዝዩ ዜሕፍር ይገብሮ። “ሓላፊት’ያ” ኪበሃል ከሎ ግን፡ ነቲ ቓል ኣቕሊልና ኽንርእዮ ኣይግባእን’ዩ። ኣብ መዓልቲ ምጽኣት፡ ዓለምን ኣብኣ ዘሎ ኵሉን ብሓዊ መለኮት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኸም ዝነበረ’ኳ ኣሰር ከም ዘይህልዎ ዀይኑ ኺሓልፍን ኪጠፍእን’ዩ (2ጴጥ 3፡7,10,12 ፣ ራእ 20፡11 ካ.ት)። እቶም ብዓለማዊ ቕዲ ህይወት ዘስሓቱና ሰይጣንን ኣጋንንቱን፡ እቶም ብፍቕሪ ዓለም ተለኺፍና ንኣምላኽ ዝጸላእናን ዝጠለምናን ሰባት ግን፡ ህልም ኢልና ኣሰር ዘይብልና ኣይክንጠፍእን ኢና። ኣብ’ቲ ናይ ገሃነም ቀላይ ሓውን ድቕድቕ ጸልማትን ኢና ብዘይ ዕረፍቲ ንዘለኣለም ክንሳቐይን ንነብር። ናይ’ዚ ዓሻን ከንቱን ፍቕሪ’ዚ ሳዕቤን እምብዛ እምብዛ መሪር’ዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ካብ’ዚ ዘይጽወር ስዕቤን’ዚ ድሒንና ናብ’ቲ መግለጽን መዘናን ዘይብሉ ኽብሪ ምእንቲ ኽንኣትው፡ ነዚ ሸለል ኪበሃል ከቶ ዘይግብኦ መጠንቀቕታ ሂቦምና ኣለዉ። ንሕና ድማ ንቓሎም ንተኣዘዝ፡ ንኣርኣያኦም ከኣ ንከተሎ።
ካብ ፍቕሪ ዓለም ከም ዝተናገፍና ብኸመይ ኢና ‘ንፈልጥ፧ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ናይ ምንባርና ተልእኾ እንታይ’ዩ፧ መሪሕ ጥቕስና፡ ንሕቶና ብንጹር መሊስዎ ኣሎ። እቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘሎዎ፡ ፍቓድ ኣምላኽ’ዩ ዚገብር። እቲ ፍቕሪ ዓለም ዘለዎ ግን፡ ፍቓድ ርእሱን ፍቓድ ሰይጣንን’ዩ ዜተግብር። ብዘይ ፍቕሪ፡ ንፍቓድ ካልእ ኣካል ክትግዛእ ኣይከኣልን’ዩ። ዕዝዝቲ ፍቕሪ’ያ ንፍቓድካ መስዋእቲ ጌርካ፡ ንፍቓድ ናይ’ቲ እተፍቕሮ ኣካል ክትግዛእ እተኽእለካ። ንትጸልኦ ኣካል ግን ይትረፍ ፍቓዱ ኽትፍጸመሉ፡ ገጹ ኽትርእይ፡ ስሙ ኽትጽውዕ፡ ብዛዕባኡ ኽትሰምዕ’ኳ ኣይትደልን ኢኻ። ስለ’ዚ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ እንገልጸሉ እንኮን ዝበለጸ መገዲ፡ ፍቓዱ ምግባር’ያ። ንእኡ ዘሎና ሕሱም ጽልእን ንዕቀትን እንገልጸሉ ዝበለጸ መገዲ’ውን፡ ነቲ ቅዱስን ልኡላውን ፍቓዱ ብድፍረት ምግሃስን ምርጋጽን’ዩ። ነዚ ፍቓድ’ዚ ኸኣ ኣብ’ቲ ተዋሂቡና ዘሎ ትእዛዛት ወይ ቃል ኣምላኽ ብዝርዝር ተገሊጹልና ኣሎ።
“ተፍቕሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሓልዉ። ..... እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ’ሞ ዚሕልዎ ንሱ’ዩ ዜፍቕረኒ። ..... እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን’ዩ።” ዮሃ 14፡15,21,24።
እቶም ገበርቲ ፍቓዱ ምስኡ ዘለዎም ዝምድና ኺገልጽ ከሎ፡ “ፍቓድ ኣቦይ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን’ዩ” ድሕሪ ምባሉ ኢዱ ናብ’ቶም ገበርቲ ፍቓዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ፡ “ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ” ብምባል ኣረጋገጸልና (ማቴ 12፡49,50)። ክርስትያን ምዃን ማለት፡ “ፍቓድ ስጋይን ፍቓድ ሰይጣንን ገዲፈ ፍቓድካ ኽገብር’የ” ዚብል ኪዳን ምእታውን ምትግባሩን ማለት’ዩ። ኣብ’ታ ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ሳዕ ደጋጊምና እንጽልያ ናይ “አቡነ ዘበሰማያት” ጸሎት፡ “ፍቓድካ ኸም’ቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምድሪ ትኹን” ዚብል ትሕዝቶ ኣለዎ። እዛ ኽፍሊ ጸሎት’ዚኣ ክልተ መልእኽቲ’ዩ ዘለዋ። እቲ ቐዳማይ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ባዕሉ ኣብ ምድሪ ዚገበሮ ፍቓዱ ዚምልከት’ዩ። እቲ ኻልኣይ ከኣ እቲ ብኣና ብደቂ ሰባት ዚፍጸም ፍቓዱ’ዩ። ነታ ልኡላዊትን ቅድስትን ፍቓዱ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚ ኽንፍጽም ዝተፈጠርናን ዝተመደብናን ከኣ ንሕና ደቂ ሰባት ኢና። ከምኡ ኢልና እናጸለና ኸለና፡ ነቲ ፍቓዱ ግን ዘይንገብሮ እንተ ዄንና፡ ንገዛእ ጸሎትና ባዕላትና ነፍርሶን ነሕስሮን ኣለና ማለት’ዩ። እቲ ጸሎትና ኸኣ ናይ ጥበራን ናይ ግብዝነትን ጸሎት ምዃኑ ይቃላዕ ኣሎ።
ቅዱስ ጳውሎስ፡ ስጋና ንኣምላኽ መስዋእቲ ጌርና ኸነቕርበሉ ሃዋርያዊ ምዕዶ ሂቡና ኣሎ። እዚ ማለት ከኣ ስጋና ኣብ መሰውኢ ሓሪድና ኸነቕርበሉ ማለት ከም ዘይኰነ ርዱእ’ዩ። እዚ ኸኣ ፍቓድ ኣምላኽ ፈሊጥና ብምግባር እነቕርቦ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ምዃኑ ኣብሪሁልና ኣሎ።
“እምበኣርሲ ኣሕዋተይ ንሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እልምነኩም ኣለኹ። እዚ ማለት እቲ (ናይ ኣእምሮ) መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም’ዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ፍጹምን ዝዀነ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርሚርኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ’ምበር፡ ነዛ ዓለም’ዚኣ ኣይትምሰልዋ።” ሮሜ 12፡12 ካ.ት።
ንኣምላኽ ዘየፍቅሮን ንፍቓድ ኣምላኽ ዘይገብሮን ሰብ ነዚ ረቂቕ ሃዋርያዊ ምስጢር’ዚ ኺፍጽም ኣይክእልን’ዩ። ፍቓዱ ኽንትግብር ከለና፡ እግዚኣብሄር ንሰብነትና መስዋእቲ ጌርና ኸም ዘቕረብናሉ ገይሩ’ዩ ዚቕበሎ። እቲ መስዋእቲ ሰብነትና ህያውን ቅዱስን ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኣዝዩ ባህ የብሎ። እግዚኣብሄር ብህያው መስዋእቲ’ምበር፡ ብምዉት መስዋእቲ ኣይሕጐስን፡ ኣይከብርን ከኣ’ዩ። እቲ መስዋእቲ እንስሳታት፡ ምዉት መስዋእቲ ስለ ዝዀነ’ዩ ሓጢኣት ናይ ምርሓቕ ዓቕሚ ዘይነበሮ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ተሓሪዱ’ኳ ኽነሱ፡ ብትንሳኤ ህያው መስዋእቲ ዀይኑ ስለ ዝቐረበ፡ ንኣምላኽ ኣስሚሩ ምሉእ ድሕነት ሂቡና ኣሎ። ንሕና ድማ ህያውን ቅዱስን መስዋእቲ እንተ ቐረብና ኢና ልክዕ ከም ጐይታና፡ ቅቡላት እንኸውን። ድሕሪ ሞት ክርስቶስ ናይ ደም መስዋእቲ ስለ ዘየድልይ፡ ንሰብነትና ህያው መስዋእቲ እንገብረሉ መገዲ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ኰነ። ገበርቲ ፍቓዱ፡ ናይ ኣምላኽ ህያዋን መስዋእቲ ኢና፡ እቶም ገሃስቲ ፍቓዱ ግና ናይ ሰይጣን ምዉታት መስዋእቲ ኢና።
እምበኣር ገዛእ ህይወትና ብዕምቈት ንመርምር። ኣብ ልብና፡ እንታይ ይገዝእ ኣሎ፧ ፍቕሪ ዓለምዶ ፍቕሪ ኣምላኽ፧ ዓለምን ገዛኢኣ ሰይጣንን ንፍትወትን ፍቓድን ናይ ስጋና እናዕፈሩ’ዮም ዚጻወቱልና። ነቲ ዘይተሓደሰ ድኹም ኣእምሮና መዝሚዞም ባሮት ፍቓዶም ብምግባር፡ ንኣምላኽ ዘይነሐጕስን ዘይነኽብርን ምዉታት’ዮም ዚገብሩና። ስለ’ዚ ብዕዙዝ ፍቕሪ ኣምላኽ ተደሪኽና ንፍቓዱ ብምእዛዝ ህያዋን ምዃንና ነረጋግጽ። ፍቕሪ ዓለም፡ መንፈሳዊ ርእሰ ቕትለት’ዩ። ስለ’ዚ ብፍቕራ ኸይንምረዝ ልብናን ነፍስናን ንሓልው። ነዚ ሓጺር ምድራዊ ህይወትና ዘይኰነ፡ ነቲ መፈጸምታ ዘይብሉ ዘለኣለማዊ መጻኢና ነማዕድው!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
3 መጋቢት 2024 | የካቲት 24, 2016 ግዕዝ (መበል 25 ሰንበት: ቊ.፳፭/25) |
||
ምስባክ መዝ. መዝ ፵፮(፵፯)፡፫-፬ “አግረ ለነ አሕዛበ ወሕዝበ ታሕተ እገሪነ። ወኀረየነ ሎቱ ለርስቱ። ሥኖ ለያዕቆብ ዘአፍቀረ።” “ንሱ ንህዝብታት ኣብ ትሕቴና፡ ነህዛብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና የግዝኦም። ንኽብሪ ያእቆብ፡ ፈታዊኡ፡ ርስትና ኪዀነልና ይሓርየልና።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ሮሜ 9፡1-16 |
ዲያቆን |
|
1 ዮሃ 2፡12-19 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 7፡6-16 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 4፡1-25 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ወብዙኃን ኖሎት መጽኡ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ