S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ውሉድ ኪዳን ኢኹም (መበል 14 ሰንበት: ቊ.፲፬/14, 2023 ፈ | 2016 ግዕዝ)

ንስኻትኩም ውሉድ ነብያትን ውሉድ ናይ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹዮም፡ኢሉ ምስ ኣቦታትና ዝኣተዎ ኪዳን ኢኹም። ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣቱ እናመለሰ ምእንቲ ኺባርኸኩምሲ፡ ንወዱ ኣተንሲኡ ቕድሚ ዅሉ ናባኻትኩም ለኣኾ።ግብ 325,26

እንሆ እዚ ዕለት ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘለናዮ ጾመ ነብያትዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ታሕሳስ 7 ኽሳዕ ታሕሳስ 13 ዘሎ ቕንያት፡ስብከትተባሂሉ ይጽዋዕ። ስብከት ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ፡ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ኵላቶም ቅዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን ዝሃብዎ ናይ ስብከት ኣገልግሎት ንምዝካርን፡ ቤተ ክርስትያንን ኣገልገልታን ኣብ ስብከተ ወንጌል ልዑል ኣድህቦን ዕቱብ ጻዕርን ኪገብሩ ከም ዚግብኦም ንምዝኽኻርን ዝዓለመዩ። እዚ ቕንያት ንዅላቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባስብከትሰፊሕ ኣስተምህሮ ኺወሃበሉ ዝተሰርዐ ኣገዳሲ ቕንያትዩ። ኣብ ዓስራይ ሰንበት ናይ ዓመተ-ግእዝ ብዛዕባዘመነ ኣስተምህሮኸም ዝተመሃርና ዚዝከርዩ። እንሆ ሕጂ ኸኣ ዝተፈልየ ኻልእዘመነ-ስብከትተሰሪዑልና ኣሎ። ነናቱ ኣርእስቲ ሒዙ፡ በበይኑ ጊዜ ኻብ ተመደበሉ፡ ኣስተምህሮን ስብከትን ዝተፈላለየ ምዃኑ ዜመልክተናዩ። ትምህርትን ስብከትን ብዓይነቱን ኣቀራርባኡን ፍልልያት ከም ዘለዎ፡ ካብ ንኽልቲኡ ብፍጹም ኣርኣያነት ዝተግበሮ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንመሃሮ ንኽእል ኢና።

ኢየሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሃረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ. . .ይዘውር ነበረማቴ 423 (935)

እምበኣር፡ ካብ ናይ ጐይታና ግብራዊ ኣርኣያን፡ ካብ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ትምህርትን ስብከትን በበይኑ ዘመን ምስራዕን ተላዒልና፡ ስብከትን ትምህርትን ዝተፈላለየ ኣቀራርባን ትሕዝቶን ከም ዘለዎ ኽንርዳእ ይግብኣና። ክልቲኡ ልዑልን ማዕረን ኣገዳስነት ስለ ዘለዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ቤተ ክርስትያን ንህዝባ ብትምህርትን ብስብከትን ከተገልግል ይግብኣ። እዚ ኸይተገብረ ምስ ዚተርፍ፡ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ንኣርኣያ ጐይታኦም ካብ ምስዓብን ምትግባርን፡ ንትእዛዝ ቤተ ክርስትያኖምውን ካብ ምፍጻምን ይበዅሩ ኣለዉ ማለትዩ። እዚ ብኵራት ኣብ ምድራዊ ህይወትን ዘለኣለማዊ መጻእን ናይ መጓሰ ኣምላኽ ኣዕናዊ ሳዕቤን ስለ ዘለዎ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንትግባረ ናይ ዘውጽኣቶ ስርዓት ብልዑል ተገዳስነትን ትግሃትን ክትውፈየሉ ይግባእ። እዚ ብኵራት ኣብ ማሕበረ ምእመናን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብቶም ካብ ሓላፍነቶም ዝበዀሩ ኣገልገልቲውን ከቢድን ዘለኣለማውን ሳዕቤን ከም ዚህልዎ ኺዝንጋዕ ኣይግብኦንዩ። ጽባሕ ንግሆ ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ፡ ኣብ ቅድሚ ኣርኣያኡን ኣሰሩን ዝነዓቕናሉን ብትምህርትን ስብከትን ፍጹም ኣርኣያና ዝዀነን ክርስቶስ ደው ክንብል ኢና። ሓላፍነቱ ዝፈጸመን ዘይፈጸመን ኣገልጋሊ ኣብ ቅድሚ ሓለቓ ጓሶትን ሓለቓ መምህራን ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንፍርዲ ደው ምስ በለ፡ እንታይ ከም ዚፍረዶውን ብንጹር ተነጊሩና (ማቴ 2444-51 254-30) እዚ ብኵራት በቲጓሶት ጠለሙኒ ....መምህራን ዓመጹኒዚብል ቃል ነብያት ዚግለጽ ሓደገኛን ኣዕናውን ምርጫ (ኤር 28 ኢሳ 4327) ስለ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ብምርሒት መንፈስ ቅዱስ ዝተሰርዐ ናይ ኣስተምህሮን ስብከትን ዘመናት፡ ኣብ መንጎ ኣስተምህሮን ስብከትን ዘሎ ፍልልይ እንታይ ምዃኑን ሜላ ኣቀራርባኡ ከመይ ምዃኑን ስልጠና ኽትህብን ከተዕጥቕን ንጽባሕ ዘይበሃሎ ሃዋርያዊ ሓላፍነታዩ።

ኣብ ዕለት ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድወልዶ መድኅነ ንሰብክዚብል ኰይኑ፡ ስብከትና እቲ መድሓኒና ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ዚገልጽ ትሕዝቶ ዘለዎዩ። እቲ በዚ መዝሙር ዝተሰርዐ ንባባት ቅዱስ ወንጌል ድማ፡ ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ብኸመይ ንሓድሕዶም ተጸዋዊዖም (ሰቢኾም) ናብ እምነት ከም ዝመጹ ዚገልጽ (ዮሃ 138-ፍጻመ) እቲ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ንባብውን (ግብ 319-ፍጻመ) ብምኽንያት ኻብ ምጽጓዐ (ለምሲ) ዝተፈወሰ ሰብኣይ ብኣግርሞት ንዝተኣከቡ ህዝቢ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሃቦ ግሩም ስብከት ዚትርኽ ኰይኑ፡ ናይ ዕለት ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ካብኡ ዝተወስደዩ።

ኪዳንማለት፡ እንታይ ማለትዩ፧ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ውሉድ ሰብወይውሉድ ኣምላኽ ኢኹምምባል ገዲፉ፡ውሉድ ኪዳን ኢኹምዝበለሉ ምኽንያትከ እንታይዩ፧ኪዳንማለት፡ስምምዕ፡ ውዕልማለትዩ። ኣብ ገሊኡ ኽፍልታት መጽሓፍ ቅዱስውን፡ለበዋ፡ ማሕላ፡ መብጽዓ፡ ተስፋብዚብል ቃል ተተኪኡውን ንረኽቦ ኢና። ኪዳን፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣካላት፡ ብዛዕባ ሓደ ሓባራዊ ጕዳይ ኣመልኪቶም ዚገበርዎ ስምምዕ ወይ ውዕልዩ። ኣብ ዓለምናውን፡ ኣብ ፖለቲካውን ቍጠባውን ካልእን ጕዳያት ዝውቱር ኣሰራርሓዩ። እቲ ዝቐደመን ዝገደመን ኪዳን ግን እቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎ ሰብን ዝተኣትወ ኺዳንዩ። ኪዳን ዝተኣታተወን ዘቘመን እግዚኣብሄርዩ። ኵሉ ኣሰራርሓ ናይ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኪዳን ዝተመስረተ፡ ኪዳናዊዩ። ብምስሊ ኣምላኽ ዝተፈጠርና ሰባት ከም ምዃንና መጠን፡ ንሕናውን ኵሉ ኣሰራርሓና ዀነ ባህርይና፡ ልክዕ ከም ኣምላኽ ኪዳን እነኽብር፡ ብኺዳን እንሰርሕ ኪዳናውያን ክንከውን ዚግባእ። ፈጠርቲ ወይ መስረትቲ ኺዳን ኣይኰንናን። ኣብ እግዚኣብሄር ዘቘሞ ኺዳን እቱዋት ስለ ዝዀንና ግንውሉድ ኪዳንኢና። ምኽንያቱ በቲ ኺዳን ኢናንነብር፡ ብእኡ ኸኣ ንፍረድ። መኽበርቲ ኪዳን እንተ ዄንና፡ ብእግዚኣብሄር ንኸብርን ንረብሕን። ሕማቕ ትዕድልቲ ዀይኑ፡ መፍረስቲ ኺዳን ክንከውን እንተ መሪጽና ኸኣ፡ ብእኡ ፍርድና ንቕበል።

መፍረስ ኪዳን ምዃን ማዕረ ኽንደይ ከቢድ በደል ምዃኑ፡ ካብ ሳዕቤን ናይ ብኣዳምን ሄዋንን ዝተገብረ ሓጢኣትን በቲንሓልፎ ዘለና ዅሉ ህይወትን ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ኣብ ታሪኾምኪዳንዚብል ቃል እንተ ዘይተጠቕሰኳ፡ ኵሉ ፍጻመ ግን ኪዳናዊ ነይሩ። ንሳቶም ነቲ ኪዳናዊ ትእዛዝ ኬኽብሩ እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለኣለም ኣብ ገነት ኬንብሮን፡ እቲ ኺዳን እዚ ዝነበረ። ኣዳምን ሄዋንን ግን ብተለሎ (ብምትላል) ናይ ሰይጣን ተጠቢሮም፡ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ኪዳን ብድፍረት ኣፍረስዎ። ብድሕሪ እግዚኣብሄር ነቲ ኣብ ኺዳን ዝነበሮ ግደ ዚቕጽለሉ ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ስለ ዘይነበሮ፡ ካብ ገነት ኣውጺኡ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ብዘይልወጥ መርገም ፈረዶም። ሞትን ሕማምን ጻዕርን ካልእ ኵሉ ማሕበራዊ ጸገማትን ድማ ናቶምን ናይ ዘርኦምን ትዕድልቲ ዜሰክሕን ነባርን ኰይኑ ተረፈ (ዘፍ 31-24) ኣብ እግዚኣብሄር፡ ንኺዳን ብዚምልከት ዋጋ-ዕዳጋ ዚበሃል የልቦን።

ኣብ መንጎ ሰባት ዝቘመ ቐዳማይ ኪዳን ከኣ፡ ብእግዚኣብሄር ዝተፈጸመ። ንሱ ኸኣ፡ምስጢረ ተክሊልወይቃል ኪዳን ቃል ኪዳን፡ ንጽል ዘይኰነስ፡ ድርብ ኪዳንዩ። እቲ ቐዳማይ ኪዳን፡ እቶም ኪዳን ዚኣስሩ ዘለዉ ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም ዚኣትውዎ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይን ዝዓበየን ግን፡ እቶም ክልተ ሰብ ኪዳን ሓደ ኣካል ኰይኖም ብሓባር ምስ እግዚኣብሄር ዚኣትውዎ ኺዳንዩ። ሰብ ኪዳን ኪፋትሑ ኸለዉ፡ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ኪዳንምበር፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝኣተውዎ ኺዳንውን የፍርስዎ ኸም ዘለዉ ኣየስተውዕልዎንዮም። ኣምላኽ ንዘቘሞ ኺዳን ኣፍሪስካስ፡ ምስ ኣምላኽ ንዝነበረካ ኪዳን ከም ዘየፍረስካ ምሕሳብ፡ ናይ መንፈሳዊ ዑረት ግሁድ መርኣያ (ሚል 210-16 . 1ጢሞ 512)

ኪዳን ብኸመይ ዚቐውም፧ ዜማልኦ ረቛሒታትከ ኣሎ ድዩ፧ ኵሉ ዓይነት ኪዳን ብኸምኡ ኸም ዝቘመ ዚገልጽ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘየልቦኳ፡ እቲ ምስ ኣምላኽ እንኣትዎ ናይ እምነት ወይ ናይ ኣምልኾ ኪዳን ግን፡ ቃል ኣለዎ፡ ደም ኣለዎ፡ ምልክት ከኣ ኣለዎ። እታ ቐዳመይቲ ብዝርዝር ዝተገልጸት፡ እግዚኣብሄር ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን፡ ኪዳን ግዝረትያ። ናይ ኺዳንዚኣ ቃል፡ኣነ ኣምላኽኩም ክኸውንየ፡ ንስኻትኩም ከኣ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹምብዚብል ቃል ዚጠቓለል (ዘፍ 177 ኤር 3133 2ቈረ 616,18 እብ 810) ኣብ ብሉይ ኰነ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘይትልወጥ ቃል ናይ ኪዳን ንሳኣነ ኣምላኽኩም ክኸውንየ፡ ንስኻትኩም ከኣ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹምእትብል ቃልዚኣያ። ምልክት ናይ ኺዳን ድማ እቲ ኣብ ዕልቦ ስጋኦም ዚግበር ግዝረት (ዘፍ 1710,11) ደም ናይ ኺዳን ድማ እቲ ኺግዘሩ ኸለዉ ዚፈስስ ደምዩ። ኣብ ርእሲ ቃልን ደምን ምልከት ንዅሉ ኺዳን ዓስብን ፍርድንውን ኣለዎ። ኣብ ናይ ግዝረት ኪዳን፡ ዓስቢ ናይ ምሕላው ኪዳን፡ ምድሪ ኸንኣን ርስቲ ጌርካ ምሃብ ኪኸውን ከሎ፡ ፍርዲ ናይ ምፍራስ ኪዳን ድማ፡ ሞት (ካብ ህዝብኻ ምምንቋስ)’ (ዘፍ 178,14)

እቲ ንሕድገት ሓጢኣት ብዚምልከት ብነብዪ ሙሴ ዝተሰርዐ ናይ መስዋእቲ ኪዳን ድማ፡ እቲ ቓል ናይ ኪዳን፡እቲ ሰብ ሓጢኣቱ ኺእመንን ኪንሳሕን፡ ኣምላኽ ከኣ ንሓጢኣቱ ይቕረ ኢሉ ኺሓድገሉ እዚ ኸኣ በቲ ኻብ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ ዝፈጸምዎ ናይ ገንሸል ፋሲካ መስዋእቲ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ኵሉ ኻልእ መስዋእቲ ድማ ንእኡ መሰረት ገይሩ ተሰሪዑ ኣሎ (ዘጸ 121-28 ዘሌ 1-9) እቲ ደም ኪዳን ከኣ፡ ናይ ዚስውእዎ ገንሸል ደምዩ። ምልክት ናይ ኪዳን ድማ እቲ ኣብ ልዳት ቤቶም ዚለኽይዎ ደም ወይውን እቲ ዝሰውአ ሊቀ ካህናት ናብ ህዝቢ ዚነጽጎ ደም ናይ መስዋእቲ (ዘጸ 1213 247,8)

ናይ ብሉይ ኪዳን ብኣብርሃምን ብሙሴን ዝተሰርዐ ናይ ኪዳን ስርዓት ነዚ ዚመስል ኰይኑ፡ ነቶም ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን ዘለና ህዝበ ክርስትያን ዝተሰርዐ ኽንሕልዎ ዝግብኣና ኺዳንከ ኣሎዶ፧ ብርግጽ ኣሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ዝዓበየ ደኣዩ። እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ናይ መስዋእቲ ስርዓት ናይ ብክርስቶስ ዚፍጸም ኪዳን ጽላሎትን ትንቢታዊ ስርዓትንምበር፡ ርእሱ ዝኸኣለ ፍጹም ወይ ምሉእ ኪዳን ኣይነበረን (ቈሎ 217 እብ 98-10 101-4 87,13) ንሰብ ናብ ምሉእ ድሕነት ዜብጽሖ ኪዳን፡ እቲ ብደም እንስሳ ዘይኰነ፡ እቲ ብደም ኢየሱስ ዝቘመ ሓድሽ ኪዳንዩ። ጐይታና ኣብ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ ምሸት፡ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ኣቘሞ፡ በቲ ኣብ መስቀል ዘፍሰሶ ደሙን ዝቘረሶ ስጋኡን ድማ ብግብሪ ፈጸሞ። ነቲ ሕብስቲ ቘሪሱ ምስ ሃቦም፡እዚ ምእንታኻትኩም ዚወሃብ ዘሎ ስጋይበለሞ፡ ብድሕሪኡ ነታ ጽዋእ ኣልዒሉ፡እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ ኵልኹም ካብ ስተዩ።ኢሉ ሃቦም (ማቴ 2626-30 ማር 422-26 ሉቃ 2215-20 1ቈረ 1123-25) እቲ ብኣብርሃም ዝጀመረግዝረት ኪዳንኰነ እቲ ብሙሴ ሊቀ ነብያት፡ ዝተሰርዐ ናይ መስዋእቲ ኪዳን፡ ናይ ብክርስቶስ ዚፍጸም ግዝረትን ሕድገት ሓጢኣትን ትንቢታዊ ምልክት ወይ ትእምርቲ ምዃኑ ቅዱስ ጳውሎስ ብተደጋጋሚ ኣብሪሁልና ኣሎ (ሮሜ 228,29 ቈሎ 211-13 ፊል 33 ዘዳ 1016 306) ስለ ኸኣ ደም ክርስቶስ፡ደም ኪዳንተባሂሉ ተጸውዐ (እብ 1029 1320) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማማእከላይ (መንገኛ) ሓድሽ ኪዳንተባህለ (እብ 915 1224 . + .) ስለ እቲ ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ካብ ላዕሊ ኻብ እግዚኣብሄር ተወሊዱውሉድ ኣምላኽ ዝዀነ ዅሉ፡ ውሉድ ናይ ብደም ክርስቶስ ዝቘመ ሓድሽ ኪዳንዩ። ነዚ ውልድነቱ ድማ ካብ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ደም-ኪዳን ብምስጢረ ቍርባን እናተኻፈለ፡ ውልድነቱ ዓቂቡን ኣኽቢሩን ይነብር። እቲ ብናይ ክርስቶስ ደም ዝቘመ ሓድሽ ኪዳን እቲ ዝበለጸን ዘለኣለማውን ኪዳንዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂዚ፦

ሕጂ ግና እታ ኢየሱስ መንጎኛ (ማእከላይ) ኰይኑ ዜገልግለላ (ሓዳስ) ኪዳን ካብ ኣረጊት (ኪዳን) ዝበለጸትን፡ ኣብ ዝበለጸ ተስፋ ዝተመስረተትን ስለ ዝዀነት፡ እቲ (ንኢየሱስ) ዝተዋህቦ ኣገልግሎት፡ ካብ (ናይቶም ኣብ ብሉይ ኪዳን ዜገልግሉ) ዝበለጸዩ። እታ ቐዳመይቲ ኺዳን ኣበር እንተ ዘይርከባ እታ ኻልአይቲ ኣይመድለየትን ነይራ። ..... ነዚ ኺዳንሓድሽኢሉ ብምጽውዑ፡ ነቲ ቐዳማይ ኣረጊት ገበሮ። እቲ ዝኣረገን ዝበለየን ከኣ ቐልጢፉ ጠፋኣይዩ።” ብምባል ኣብሪሁ ገሊጹልና ኣሎ (እብ 86,7,13) ስለ ሓድሽ ኪዳን፡ ዝበለጸ ተስፋ ዘለዎ፡ ዝበለጸ ኣገልግሎት ዚህብ ዝበለጸ ኺዳንዩ። ሓደ ሰብ፡ውሉድ ሓድሽ ኪዳን ዝኰንኩ ክርስትያንኺብል ዚኽእል፡ ነቲ ብምስጢረ ጥምቀት ዝረኸቦ ግዝረት ልቢ (ጽሩይ ሕልና) ዓቂቡ፡ ካብ ሓድሽ ኪዳን ዘቘመ ስጋኡን ደሙን እናተኻፈለ ዚነብር ምስ ዚኸውን ጥራሕዩ።

ነዚ ንድሕነት ዝወለደና ሓድሽ ኪዳን ብኸመይ ኢናንሕልዎን ነኽብሮን፧ ነዚ ኺዳን ናይ ምኽባሩ ረብሓን ናይ ምፍራሱ ሳዕቤንንከ እንታይዩ፧ ነዚ ሕቶ ኸም ዚግባእ ክንምልሶንኽእል ምስ ናይ ብሉይ ኪዳን ጽላሎቱ ብምንጽጻርዩ። እቶም ገንሸል ፋሲካ ኺሓርዱ ብሙሴ ዝተኣዘዙ እስራኤላዉያን፡ ነቲ ኺዳን ዜኽብሩሉ ሕጊ ተዋሂብዎምዩ። ብኹዕ ነገር ኣብ ገዛኦም ከይርከብ፡ ንምኻድ ተዓጢቖም ኪብልዕዎ፡ ዘይተበልዐ ምግቢ ኸየትርፉ፡ ነቲ መስዋእቲ ኻብ ዝተሰውኣሉ ገዛ ኸየውጽኡ፡ ደም ናይ ገንሸል ኣብ ልዳት ቤቶም ኪለኽዩ ገለ ኻብ ዝተኣዘዝዎ ጽኑዕ ትእዛዛት ዝነበረ። ካብ ትእዛዛት እናፈለጠ ዘጕደለ ሰብ፡ ስለ ዝሰውአን ስለ ዝበልዐን ጥራሕ ካብ ቐዛፊ መዓት ኪድሕን ኣይክእልን (ዘጸ 123-19) እዚ ብደም ክርስቶስ ምስ ኣምላኽ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ ኪዳን ድማ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ዘይገሃስን ዘይልወጥን ሕግታት ኣለዉዎ። እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ዝበዅዐ ምግቢ፡ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግን ናይ ብልዒ ዘይኰነ፡ ናይ ህይወት ጕዳይ ዀይኑ፡ እቲ ማይ ብሑቕ ናይ ሓጢኣት ምሳሌ ምዃኑ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብሪሁ ገሊጹልና ኣሎ።

“.....ቍሩብ መባዅዕቲ ንብዘሎ ብሑቕ ከም ዜብኵዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ከም ሕጂ ዘለኹምዎ ዘይበዅዐ ሓድሽ ብሒቕ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ነቲ ኣረጊት መባዅዕቲ (ንሓጢኣት) ኣጽሪኹም ደርብይዎ። (ምኽንያቱ) ገንሸል ፋሲካና ክርስቶስ ተሰዊኡዩ። ስለ በቲ ኣረጊት መባዅዕቲ ወይ ብመባዅዕቲ እከይን ሕሰምን ዘይኰነ፡ ብዘይበዅዐ እንጌራ፡ ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር።” 1ቈረ 56-8

ስለ እግዚኣብሄር ዚጽየፎ ሓጢኣት ኣብ ህይወትና ሳዕሪሩ እንተልዩ ድሮ ነቲ ኺዳን ጠሊምናዮን ኣፍሪስናዮን ኣለና ማለትዩ። ስለ ኸኣ ነዚ መባዅዕቲ ብንስሓ ካብ ህይወትና ኣጽሪና ኸነርሕቖ ይግብኣና። ንሓጢኣትና ብንስሓ እንተ ዘየርሒቕና ግን፡ ኣብ መኣዲ ናይ ኺዳን ናይ ምስታፍ ብቕዓት ኣይህልወናንዩ። ሓጢኣት ስለ ዘሎና ኻብ መኣዲ እንተ ዘይተኻፈልና ድማ፡ ካብ ደምሳሲ መዓት ዘይነምልጥ ደቂ ቝጥዓ ዄንና ኢናንነብር። ምኽንያቱ ውሉድ ናይ ዜድሕን ኪዳን ከይንኸውን ኣብ ልዕሊ ርእስና ፈሪድና ኢና። ስለ ደቂ ሓድሽ ኪዳን ካብ ኰንና፡ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ዚእዝዞ ዅሉ ትእዛዝ ኣብ ማሕበራዊ ህይወትና ዀነ ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕብረትና ኽንሕልዎን ክንእዘዞን ይግብኣና። ሓድሽ ኪዳን ሃልሃል ብዚብል ውዕዉዕ ፍቕሪ ኽንነብር ዚእዝዘና። ከምኡ እንተ ገበርና ዘይበዅዐ ህይወት ይህልወና። ነቲ ዝኣተናዮ ኺዳንውን ሓሊናዮ ኣለና ማለትዩ። ምስ ሽሕ ሰባት ተፋቒርና፡ ምስ ሓደሕሱምዝበልናዮ ሰብ ግን ጽልኢ እንተልዩና፡ ድሮ በዅዕናስ፡ ነቲ ቕዱስ ኪዳን ኣፍሪስናዮን ኣርኪስናዮን ኣለና። ንዅሉ ትእዛዛት ናይ ኺዳን ኣኽቢርና ኸነብቅዕ፡ ካብ መኣዲ ናይ ኺዳን ዘይንካፈል፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይ ደም ኪዳን ዘይንነብር እንተ ዄንና ኸኣ፡ ፍቕሪ መዓት ዘጥቅዓና፡ ኣብ ርእስና ዝፈረደና ጠለምቲ ኺዳን ኴንና ኣለና። ኣብ መወዳእታ ዓለም ምሕረት ዘይብሉ ፈራዲ ዀይኑ ዚመጽእን ዚፈርድን ከኣ፡ እቲ መኣዱ ዝተሓሰምናሉ ኪዳኑ ዘፍረስናሉ ሕያዋይን ቅዱስን ገንሸል ምዃኑ ኣይንረስዕ። ነቶም ናብ ድራሩ ተዓዲሞም ዝኣበይዎ እንታይ ከም ዝፈርዶም ኣነጺሩ ገሊጹልና (ማቴ 222-14 ሉቃ 1416-24) ነብዪ ህዝቅኤል፡ ጠላም ኪዳን ካብ ፍርዲ ፈጺሙ ኸም ዘየምልጥ ብግህዶ ኣፍሊጡና (ህዝ 175-19) እቲ ኺዳኑ ዜኽብር እሙን ክርስትያን ግን፡ ንስጋ ዝለበሰ ፍጡር ዘይምጥን ልዑል ክብሪ ኺረክብዩ። እዚ ኽብሪ ዘይጽምልውን ዘይረክስን ዘለኣለማዊ ኽብሪዩ። እዚ ኽብሪ ኣብ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ብስፍሓትን ብዝርዝርን ተገሊጹ ኣሎ (ሮሜ 818,19 2ቈረ 416,17 1ጴጥ 413) ስለ ናይ ኺዳን ተረባሕቲ ምዃንና፡ ብዘይ ዝዀነ ውልውል ከነረጋግጽ ይግባእምበር፡ በቲ ንድሕነትና ኪኸውን ዝሃበና ኺዳን እንጠፍእ ዓያሱ ኸይንኸውን ምርጫና ነተኻኽል። ክርስትያን ምዃን ማለትውሉድ ኪዳንምዃን ማለት ካብ ኰነ፡ ነዚ ብደም ክርስቶስ ዝቘመ ሓድሽ ኪዳን ነኽብሮን ንሕልዎን ምህላዉና ርግጸኛታት ክንከውን ይግብኣና።

እምበኣር ዓይነት ናብራናን ፍረ ህይወትናን ብዕቱብ ንመርምር። ነቲ ብመስዋእቲ ክርስቶስ ዝቘመ ኪዳን እንታይ ንፈድዮ ኸም ዘለና፡ ርእስና ንፈትሽ። ከም እግዚኣብሄር ኪዳናዊ ኣምላኽ ዝዀነ፡ ብምስሉን መልክዑን ዝተፈጠርና ኢናሞ፡ ኪዳናዊ ህይወት ከም ዘሎና ነረጋግጽ። ንዅሉ ተግባርናን ዝምድናታትናን ብኪዳናዊ ኣተሓሳስባ ነማእዝኖን ንቐልሶን። ከም እንስሳ ብዅነታትን በጋጣሚታትን ኣይንመራሕ። ምስ ልዑል ኣምላኽ ብቕዱስ ኪዳን ዝተጸመድና ክቡራት ፍጡራት ኢና። እዚ ኺዳን ክብረትናን ማዕርግናንዩ። ንኺዳንና ዚምጥንን ዚበቅዕን ናብራ ንንበር። ኣተሓሳስባናን ዝርርባትናን ኵሉ ንጥፈታትና ንኽብሪ ናይ ኺዳንናን ንኽብሪ ናይ ምሳና ኺዳን ዝኣተወ ኣምላኽናን ንቐድሶ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

17 ታሕሳስ 2023 | ታሕሳስ 7, 2016 ግዕዝ (መበል 14 ሰንበት: ቊ.፲፬/14)

ምስባክ

 መዝ.፻፬፫(፻፬፬)፡፯,

ፈኑ እዴከ እምአርያም። አድኅነኒ ወባልሐኒ እማይ ብዙኅ። ወእምእዴሆሙ ለደቂቀ ነኪር።

ኣእዳውካ ኻብ ላዕሊ ዘርግሕ፡ ካብ ብርቱዕ ማያት፡ ካብ ኢድ ውሉድ ጓና ኣናግፈኒ። ካብቶም ኣፎም ጥልመት ዚዛረብ፡ የማነይቲ ኢዶም ከኣ የማነይቲ ሓሶት ዝዀነት ባልሃኒ።

ንባባት

ኣንባቢ

እብ 11-ፍጻመ

ዲያቆን

2ጴጥ 119-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 319-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 138-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦  ዘወልደ ነጐድጓድ

መዝሙር፦ ወልዶ መድኅነ ንሰብክ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div