S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሞት ኢየሱስ ጹሩ (መበል 13 ሰንበት: ቊ.፲፫/13, 2023 ፈ | 2016 ግዕዝ)

ህይወት ኢየሱስ (ኣብ መዋቲ) ስጋና ምእንቲ ኽትገሃድ፡ ኵሉ ሳዕ ሞት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር ኣለና። ማለት ህይወት ኢየሱስ ኣብ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽትገሃድሲ፡ ንሕና ብህይወት ዘለና ምእንቲ ኢየሱስ ኵሉ ሳዕ ናብ ሞት ኣሕሊፎም ይህቡና ኣለዉ።” 2ቈረ 410,11

እንሆ ሰንበትዚ፡ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዘለናዮ ዘመነ ጾም (ጾመ ነብያት)’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ ሕዳር 27 ክሳዕ ታሕሳስ 3 ዘሎ ቕንያትመፃጕዕ” (መጻጕዕ) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ምጽጓዕ ማለትለምሲማለትዩ። ፍርቂ ኣካላቱ ወይውን ገለ ኽፋል ናይ ሰብነቱ ዝለመሰ ሰብ፡መጻጕዕወይልሙስ”’ ዚበሃል። እዚ ሰሙንዚ፡ መጻጕዕ ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ነቲ ጐይታና ኣብ ኵሉ ዓይነት ሕማማትን ድናሰታትን ዝነበሮ ናይ ምፍዋስ ስልጣንን ኣገልግሎትን ንምዝካርዩ። ኣብ ሓደ ዓመተ-ግእዝ፡ ክልተ ናይመጻጕዕሰናብትን ሰሙናትንየን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ፡ እዛ ዘለናያ ሳልሰይቲ ሰንበት ናይ ጾመ ነብያት ክትኸውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ናይ ዓብይ ጾም (ጾመርብዓ) ራብዓይቲ ሰንበትን ሰሙንንያ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ናይ መጻጕዕ ቅንያት ዝሰርዓትሉ ምኽንያት፡ ንናይ ጐይታና ናይ ምፍዋስ ሓይሊ ኽንዝክርን፡ ብዛዕባኡ ኽንመሃርን፡ ብዛዕባ ዚገጥመና ናይ ሕማም ፈተናታት ድማ ናብ ኣምላኽ ክንጽልይን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ድማ ንቤተ ክርስትያንን ንኣገልገልታን ብናይ ፈውሲ ጸጋ ኼዕጥቓ ንምምሕጻንንዩ። ስለ ብደረጃ ሃገረ ስብከት ኰነ ብደረጃ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ምስጢረ ቐንዴል፡ ማለት ብዛዕባ ኣገልግሎት ምፍዋስ ሕሙማት ሰፊሕን ዓሚቝን ትምህርቲ ኺወሃበሉ ዚግባእ ቅንያትዩ። ብሰሪ ሓጢኣት ሕማም ናብ ኣካላትና ኻብ ዝኣተወሉ፡ ካብ ዘመን ኣዳምን ሄዋንን ኣትሒዙ፡ ኣብ ወዲ ሰብ ዚረኣዩ ሕማማት፡ ብቝጽሮም፡ ብዓይነቶም ኰነ ብኽብደቶም፡ ማእለያ ዘይብሎም ብዙሓትዮም። መንፈሳዊ ዀነ ማሕበረ-ቝጠባዊ ተጽዕኖኦም ድማ ኣዝዩ ኸቢድዩ። ጐይታና ድማ ንድሕነትና ኺብል ብስጋ ምስ ተገልጸ፡ ወንጌል ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናይ ፈውሲ ጸጋውን ሒዙልና መጸ። ስለ ድማ ኣብ ዝኸዶ ዅሉ ቦታ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናመሃረን፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ንዅሉ ዘጋጠሞ ዓይነት ሕማማት እናፈወሰ ይዘውር ነበረ። ነዚ ኣገልግሎቱ ኸኣ ቅዱስ ወንጌል ብኸም ዚስዕብ ደጋጊሙ ገሊጹልና ኣሎ።

ኢየሱስ ድማ ኣብ ኵላ (ኣውራጃ) ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሃረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ፡ ወሪኡውን ናብ ኵላ (ሃገረ) ሶርያ ወጸንዅሎም ሕሙማት ከኣ በብዓይነቱ ሕማም ዘለዎም ቃንዛን ኣጋንንቲ ዘለዉዎምን ሕማም ባርያ በብወርሒ ዚለዓሎምን መጻጕዓትን ናብኡ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።ማቴ 423,24 816,17 935

ነዚ ተልእኾ ኸም ዝመጸ ኸኣ፡ ኣብ ንሕቶ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቅ ዝሃቦ መልሲ ኣረጋጊጹዩ። ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኑ፡እቲ ዚመጽእ (መድሓኒ) ንስኻ ዲኻ፧ ወይስ ካልእ ክንጽበይ ኢና፧ኢሉ ምስ ሓተቶ ካብ ብዛዕባ ወንጌል ዝተዛረቦ፡ ብዛዕባ ናይ ፈውሲ ኣገልግሎቱ ዝተዛረቦ ይበዝሕ፡

ኬድኩም ነዚትሰምዕዎንትርእይዎን ዘለኹም፡ ንዮሃንስ ንገርዎ። ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ድማ ይትንስኡ ኣለዉ። ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ ኣሎ።ማቴ 114-6

ንቕዱሳን ሃዋርያቱ ናብ ኣገልግሎት ኪልእኮም ከሎ ካብ  ዝሃቦም ተልእኾን ስልጣንን ሓደ ድማ ምፍዋስ ሕሙማት (ማቴ 107,8) እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስትያን ካብ ዝሃባ ዓበይቲ ውህበታት ጸጋ ሓደ ድማ፡ ናይ ምፍዋስ ጸጋ (1ቈረ 129,10) እዚ ውህበት ድማ ንቤተ ክርስትያን ካብ ዝተዋህባ ተልእኾን ኣገልግሎትን ሓደ፡ ኣገልግሎት ምፍዋስ ሕሙማት ምዃኑ ዜርእየናዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ ነዚ ሃዋርያዊ ተልእኾኣ መሰረት ብምግባር፡ ክልተ ዓበይቲ ስጕምቲ ወሲዳ ትርከብ። እቲ ቐዳማይ፡ ብስራሕን ስልጣንን ናይ መንፈስ ቅዱስምስጢረ ቀንዲልምስራዓ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ነዚ ተልእኾኣ ንኣገልገልታን ንምእመናናን እተዘክረሉን እትምህረሉን ክልተ ናይ መጻጕዕ ሰሙናት ምስራዓዩ። ስለ ህዝባ ዀነ ኣገልገልታ ነዚ ተልእኾ ቤተ ክርስትያን ኣመልኪትና ግቡእ ኣስተምህሮ ተሰሪዑ ኸም ዚወሃብ ኣብ ምግባር፡ ከምኡ ድማ፡ እቲ ናይ እግዚአብሔር ሓይሊ ምፍዋስ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያንና ኪዓዝዝ ኣብ ምጽላይ ክንተግህ ልዑል ሓላፍነት ኣሎና። እዚ ቕንያት ኸኣ ነዚ ዕላማ ዝተሰርዐዩ። ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ፈውሲ ናይ ብዕዉሩ ዝተወልደ ዓይነ ስዉርን፡ ንሱ ዝፈጠሮ ኽርክርን ዚዛረብዩ።

ኣብ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ንባብ 2ቈረ 41-12 እዚ ናይ ዕለት ኣርእስትና ጌርናዮ ዘሎና ኣገዳሲ መሪሕ ጥቕሲ ሰፊሩልና ኣሎ። ናይ ሎሚ ትምህርትና፡ ክርስትያን ናይ ምዃንና መሰረታዊ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ዚገልጸልናዩ። ኣብ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ምድራዊት ህይወትና ክልተ ኺፍጸማ ዚግብአን ንሓድሕደን ተጻረርቲ ዚመስላ ግን ከኣ ሓደ ዓይነት ዝዀናን ከይተፈላለያ ብሓንሳእ ዚኽሰታን ፍጻመታት ኣለዋ። ንሳተን ከኣ፦

1. ህይወት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ኽትገሃድ

2. ሞት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ኽንጸውር ዚብላ እየን።

ሞትን ህይወትን ክልተ ኣንጻራዊ ፍጻመታት ምዃኑ ንዅላትና ግሁድዩ። ኣብ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ኣብ እምነት ክርስትናን ኪኸውን ከሎ ግን ከም ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም ፈጺሙ ዘይፈላለይን መኻይድትንዩ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ኣካላዊ ሞትን ህይወትን ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሞትን ህይወትን ኢና ንዛረብ ዘለና። ኣብ ምድሪዚኣ ብኣካለ-ስጋ ህያዋን ኴንና እናነበርና ኸለና፡ ነዘን ክልተ ኣገደስቲ ፍጻመታትዚኣተን ኣብ ህይወትና እናፈጸምና ንኽንነብር ኢና፡ ብክርስቶስ ኣሚንና ክርስትያን እንኸውን። ነዚኣተን ኣብ ምግባር እንተ ተዓዊትና፡ ሓቀኛታት ክርስትያን ምዃንና ርግጸኛታት ንኸውን። ኣብ ሞቱን ህይወቱን ስለ ዝተኻፈልና ኸኣ፡ ብኽብሪ ኺግለጽ ከሎውን ተኻፈልቲ ናይ ክብሩ ንኸውን ማለትዩ። ንናይ ጐይታና ህይወትን ሞትን ኣብ ስጋና ኽንጸውርን ከነግህድን እንተ ዘይፈቒድና ግን፡ ምስ ክርስቶስ ዜዛምደናን ክርስትያን ዜብለናን ዝዀነ ዓይነት ረቛሒ ስለ ዘየማላእና፡ እምነትናን ሃይማኖትናን ስማዊ ዀይኑ ይተርፍ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብኽብሪ ኺግለጽ ከሎ፡ በቲ ዝተሓሰምናዮን ዝተጸየፍናዮ ናይ ክርስቶስ ሞትን ህይወትን ኰነ በቲ ዚግለጸሉ ኽብሩ ኽንጕዳእምበር፡ ኣይክንረብሕን ኢና ማለትዩ። ስለ ኢና ነዚ ናይ ዕለት ትምህርትና ብልዑል ተገዳስነትን ኣድህቦን ክንከታተሎን ንትግባረኡ ድማ ክንተግህን ዚግብኣና።

ብኸመይ ህይወትን ሞትን ናይ ጐይታና ኣብ መዋቲ ስጋና ኺገሃድ ዚኽእል፧ ነቲ ሞቱን ህይወቱን ኣበይ ኢና ኽንረኽቦን ፈቲና ኽንሓብሮንንኽእል፧ እዚ ሕቶ በቲ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና መሰረተ እምነት ዝዀነ ምስጢረ ጥምቀት ዚምለስ። ኣብፍኖተ-ህይወትዘርእስቱ ናይ መሰረተ እምነት መጽሓፍና ተገሊጹን ተማሂርናዮ ከም ዘለና፡ ምጥማቕ ማለት ኣብ ሞትን ትንሳኤን ናይ ክርስቶስ ምሕባር ወይ ተኻፋሊ ምዃን ማለትዩ። ነዚ ምስጢር ኣብ መልእኽቱ ኣነጺሩ ገሊጹልና ዘሎ ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስዩ።

እምበኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፡ ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፡ ያእ ኣይፋልናን!! ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ (ኣብ ሓጢኣት) ክንነብር፧ ወይስ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዅላትና ብሞቱ ኸም እተጠምቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣርሲ ኸም ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንሰአ፡ ከምኡ ኸኣ (ንሕና) ብትንሳኤኡ (ብህይወቱ) ኽንሓብሮ ኢና። ..... እቲ (ብጥምቀት ካብ ሓጢኣት) ዝሞተ (ሰብ) ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡሞ፡ ... ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ፡ እቲ ሓጥእ (ባህርይና) ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለ ንፈልጥ ኢና። ..... ንሕና (ካብ ሓጢኣት) ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ፡ ምስኡ ብህይወት (ብዘይ ሓጢኣት) ከምንነብር ንኣምን ኣለና። ማለት ሞቱ ሓንሳእ ንዅሉ ጊዜ ኻብ ሓጢኣት ዝሞተ፡ ህይወቱ ግና ንኣምላኽ ዚነብር። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ሓጢኣት ንኸይትገብሩ ኸም ዝሞትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና፡ ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቍጸሩ።ሮሜ 61-11 .

በዚ ሃዋርያዊ ቓል መሰረት፡ ሞትን ህይወትን ኣብ ሓደ ሰብ ብሓንሳእ ዚኽሰተላ ህሞት፡ ምስጢረ ጥምቀትያ። ዓይነት ናይ ሞት፡ ካብ ሓጢኣት ሙማት (ንሓጢኣት ምእባይ ወይ ካብ ሓጢኣት ምርሓቕ) ክትከውን ከላ፡ ዓይነት ናይ ህይወት ከኣ ንጽድቂ ምንባር (ብሓዲስ ህይወት ምምልላስ)’ያ። ክርስቶስ ምእንታና ዝሞተ፡ ነቲ ቐታሊናን መርዛምን ሓጢኣት ካባና ምእንቲ ኼርሕቖዩ። ስለ ሞትና ንሞቱ ዚመስል ወይውንምስኡ ሓቢርና ሞይትና ኢናዚበሃል፡ ንሓጢኣት ካባና ምስ እነርሕቕዩ። ሽዑ፥ሞት ኢየሱስ እጸውር ኣለኹክንብል ንኽእል ኢና። ሓጢኣት ኣባና ኣስፊሑ ይገዝእ እንተልዩ ግና፡ ንሞት ኢየሱስ ንዘይምጻር ካባና ነርሕቖ ኣለና ማለትዩ። እቲ ንሓጢኣት ኬርሕቖ ዘይደልይ ሰብ፡ ንክርስቶስ ግን ዜርሕቖ ሰብዩ። ሞት ናይ ክርስቶስ ሓንሳእ ተፈጺማ፡ ግን ከኣ ናይ ሓዋሩያ። ንሱ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ስለ ዝዀነ፡ ኵሉ ግብሩ ዘለኣለማዊዩ። ንሕና ግን ሓጺር ዝዕምርና መወትቲ ሰባት ስለ ዝዀንና፡ ሓንሳእ ዝገበርናዮ ግብሪ፡ ንዘለኣለም ንሓዋሩ ኣይነብርንዩ። ስለ ሓጥኣት ክንገብር ዚድርኸና ዅነታት ብዝተኸስተ መጠን፡ ዕድመና ምሉእ ሞት ክርስቶስ እናሞትና ንነብር ማለትዩ። እዚ ኽንገብር ከለና፡ ነቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝተፈጸመ ሞት ክርስቶስ፡ ኣብ ስጋና ጸዊርናዮ ንነብር ኣለና ይብሃል። ስለ ኸኣ ሓጢኣት ኪጸውር ዝመረጸ ሰብ ንሞት ክርስቶስ ይድርብዮ። እቲ ሞት ክርስቶስ ኪጸውር ዝመረጸ ሰብ ግና፡ ኵሉ ጊዜ ንሓጢኣት ካብኡ የርሕቖ። እቲ ሓጢኣትና ንምርሓቕ፡ ኣብ መስቀል ሓንሳእን ንሓዋሩን ዝተፈጸመ ሞት ክርስቶስ፡ ብምስጢረ ጥምቀት ኣባና ይፍጸምሞ፡ ክሳዕ ዕለተ ሞትና ጸዊርናዮ ንነብር። እዚ ሞት ኣባና ይነብር ከም ዘሎ ኸኣ፡ በቲ መዓልታዊ ሓጢኣት ንኸይጠብቀናን ካባና ንኼርሕቅን ብንገብሮ መንፈሳዊ ገድሊ ይግለጽ። ምስጢረ ጥምቀት ኣባና ተፈጺሙ ኼብቅዕ፡ ገና ሓጢኣት ኣብ ልዕሌና ነጊሱ ይገዝኣና እንተልዩ ግና፡ንሞት ክርስቶስ ክጸውር ንሓጢኣት ከኣ ከርሕቖኢልና ብጥምቀት ንዝኣተናዮ ኺዳን ብወግዒ ኣፍሪስናዮ ኣለና ማለት ስለ ዝዀነ፡ክርስትያንኼብለና ዚኽእል መሰረትና ይፈርስ።

ስለ ብምስጢረ ጥምቀት ሞት ክርስቶስ ዝጾረ ክርስትያን፡ ፈጺሙ ሓጢኣት ኣይፍጽምን ማለት ድዩ፧ ሰብ ኰይኑ ኸይሓጥአ ኺነብር ዚኽእል ከም ዘየለ፡ ቃል እግዚአብሔር ብንጹር ኣፍሊጡና (ዘፍ 65 መዝ 141 143 ሮሜ 310) እዚ ኸኣ ነቲ ከይፈለጥካ ብዘይ ፍቓድካ ተዓንቂፍካ እትወድቖ ዚጠብቀካን ሓጢኣት ዚምልከትዩ። ፈቲኻን ፈቒድካን ሓጢኣት ምግባር ግን ምስ ባህርያዊ ሰብኣዊ ድኻም ዚስራዕ ኣይኰነን። ስለ ኸኣ ናይ ንስሓ ዕድል ዝጸበበ ዚኸውን (ዘጸ 34 ሮሜ 325 ሮሜ 24) ፍልጠት-ሓቂ ዝረኸበ፡ ትርጕም ናይ ዝተኻፈሎ ምስጢር ብኸም ንመሃሮ ዘለና ኣገባብ ተማሂሩ ዝፈለጠ ሰብ፡ ናይ ፍታው ሓጢኣት ንምፍጻም ኣይፈቅድን፡ ኣይኰነሉን ኸኣዩ። እዚ ሓቂ ብቕዱሳን ሃዋርያት ብንጹር ተገሊጹልና (1ዮሃ 34-10 518) ኰነ ኢሉ ዘይኰነ፡ ከይፈለጠን ከይፈተወን ናብ ሓጢኣት ዝወደቐ ሰብ ግን፡ ልዕሊ ዓቕሙ ብዝዀነ ምኽንያት ይፍጽሞ ስለ ዘሎ፡ ብቕንዕና ንስሓ እንተ ኣትዩ፡ ንሓጢኣቱ ኼርሕቖ፡ ንሞት ክርስቶስ ዳግማይ ኪጾሮ ይኽእልዩ። ሓጢኣት ፈጺሙ ኼብቅዕ ንስሓ ኸይኣተወ ስቕ ዚብል ግና፡ ነቲ ብጥምቀት ዝጾሮ ሞት ክርስቶስ ደርብዩ፡ ሓጢኣቱ ጸዊሩ ኺነብር ዝመረጸ ኸሓዲ ሰብ ይኸውን ማለትዩ። ስለ ኸኣ ጐይታና፡እንተ ዘይተነሳሕኩም ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹምብምባል ደጋጊሙ ዘጠንቀቐ (ሉቃ 133,5) ስለ እቲ ዘይንሳሕ ክርስትያን፡ ሞት ክርስቶስ ተጸዪፉ፡ ሞት ሓጢኣት ዝመረጸ ሰብዩ። ካብ ሓቂ ኸምንርድኦምበኣር፡ ሓደ ክርስትያን ብኽልተ መገዲ ኻብ ሓጢኣት ኪርሕቕን ሞት ክርስቶስ ኪጸውርን ዚኽእል።

1 ሓጢኣት ብዘይ ምፍጻም

2 ብዘይ ፍላጥን ብዘይፍታውን ናብ ሓጢኣት ምስ ዚወድቕ ድማ ንስሓ ብምእታውዩ።

ሓደ ክርስትያን ንሓጢኣት ኣርሒቑ ሞት ኢየሱስ ኪጸውር እንተ ኽኢሉ፡ በቃ ተልእኾ ህይወቱ ፈጺሙ ወዲኡ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን፡ ናብ መሪሕ ጥቕስና ምምላስ ኣይንረስዕ። ሞት ኢየሱስ ምጻር ንበይኑ፡ ናይ ክርስትና ናይ መወዳእታ ሸቶ ኣይኰነን። ሞት ኢየሱስ ክንጸውር ዝተደልየ፡ ህይወት ክርስቶስ ኣብ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽትገሃድዩ። ስለ ንሓጢኣት ብኣብያ ይኹን ብንስሓ ካባና ኸም ዚርሕቕ ድሕሪ ምግባርና፡ ነቲ ሓጢኣት ዚትክእ ካልእ ፍረ ኽንፈርይ ይግብኣና። ንሱ ኸኣ እቲ ኣንጻር ሓጢኣት ዝዀነ ጽድቂዩ። ንሓጢኣት ኣርሒቕና ኣብ ህይወትና ጽድቂ ኸነንግስ ከለና፡ ሞት ኢየሱስ ብምጻር ንህይወት ኢየሱስ ኣብ መዋቲ ስጋና ነግህዳን ነንግሳን ኣለና ማለትዩ። ምኽንያቱ ክርስቶስ ጐይታና፡ ጽድቂ ዜፍቅርን ዚገብርን ጻድቕ ኣምላኽዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፦

ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ኻብኡ ኸም እተወልደውን፡ ፍለጡ። ..... ደቀየ ሓደ ኣየስሕትኩም፡ ከም ንሱ ጻድቕ ዝዀነ፡ እቲ ጽድቂ ዚገብር ሰብ ከኣ ጻድቕዩ።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ዮሃ 229 37) ህይወት ሰይጣን፡ ሓጢኣትዩ፡ ህይወት ክርስቶስ ከኣ ጽድቂዩ። ስለ ኽንሓጥእ ከለና፡ ህይወት ሰይጣን ኣባና ትገሃድ። ጽድቂ ኽንገብር ከለና ኸኣ፡ ህይወት ክርስቶስ ኣባና ትገሃድ። ሓጢኣትን ሰይጣንን ብሞት ክርስቶስ ስለ ዝተሳዕሩዩ፡ ንሓጢኣት ስዒርና ኸነርሕቖ ኸለና፡ሞት ኢየሱስ ጸዊርና ኣለናእንብል። ክርስቶስ እንተ ዘይመውት፡ ንሓጢኣትን ሞትን ሰይጣንን ክንስዕሮምን ከነርሕቖምን ኣይምኸኣልናን ኔርና። ንሓጢኣትን ጽድቕን ዜራኽብ ዝዀነ ጕዳይ የለን። ቅዱስ ጳውሎስ፦

ንሓጢኣትን ጽድቅን እንታይ ኣራኺብዎ፧ብምባል ኣግሂዱልና (2ቈረ 614) ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ እዋን ክልቲኡ ማለት ሓጥእን ጻድቕን ኪኸውን ኣይክእልንዩ። ሓጢኣት ከይረሓቐ ጽድቂ ኣይኣትውንዩ። ሚእቲ ግብሪ ጽድቂ ጌርካ፡ ሓንቲ ግብሪ ሓጢኣት እንተ ገበርካ፡ ሓጥእምበር ጻድቕ ኣይኰንካን (ያእ 29-11) ስለ ጻድቕ ንኽትከውን፡ ነታ ሓጢኣት ወይ ንኸይትፍጽማ ብምእባይ ወይ ከኣ ውዒልካያ እንተ ዄንካ ብንስሓ ኸተርሕቓ ናይ ግድንዩ። ንሓጢኣት እናርሓቕካ ሞት ኢየሱስ ድሕሪ ምጻርካ፡ ጽድቂ እናገበርካ ድማ ንህይወት ኢየሱስ ከተግህዳ ምስ እትኽእል፡ ንእምነትካ ንሃይማኖትካ ትነብሮን ትገብሮን ስለ ዘለኻ ሓቀኛ ክርስትያን ትኸውን። ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ጐይታና ነቲ መሪር መስዋእቲ ኣብ ክንዳና ዝኸፈለ፡ንሓጢኣት ሞይትና ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብርምዃኑ ኣነጺሩ ገሊጹልና (1ጴጥ 224) እቲ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ ናይ ሮሜ 611 ቃልውን ደጊምና ንርኣዮ። ሓጢኣት ንኸይንገብር ሞት ክርስቶስ እናጾርና፡ ህይወት ክርስቶስ ምእንቲ ኸነግህድ ከኣ ጽድቂ ንገብር። ንኣምላኽ ህያው ምዃን ማለት፡ ንጽድቂ ምንባር ማለትን፡ ክልቲኡ ሓደዩ። ስለ ሓሶት፡ ሕምየት፡ ጽልኢ፡ ቂምታ ወዘተ ብዘይምግባር ሞት ክርስቶስ እናጾርና፡ ሓቂ፡ ፍቕሪ፡ ምሕረት ወዘተ ብምግባር ከኣ ህይወት ክርስቶስ ኣባና ምስ እነግህድ፡ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ፦

ኣነስ ንኣምላኽ ብህይወት (ብጽድቂ) ምእንቲ ኽነብር፡ ....ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ። ግናኸ ክርስቶስ ኣባይ ዚነብር ዘሎምበር፡ ደጊም (ኣብ ስጋይ) ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘለኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ (ኢየሱስ) ወዲ ኣምላኽ ዝነበሮ ዘለኹ።”  ዝበሎ ቓል ንሕናውን ብትብዓት ክንብሎ ንኽእል ኢና (ገላ 219,20) ነዚ ምስጢር ኣብ ህይወትና ዚፍጽሞ ድማ፡ እዚ ገባር መንክራት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉዩ።

ነዚ ምስጢር ክርስትናና ዝዀነ ፍልጠት-ሓቂ ድሕሪ ምርካብና ኽንገብሮ ዚግብኣና እንተልዩ፡ መንፈሳዊ ርድኢትናን ዓይነት ህይወትናን ብዕምቈት ምምርማርዩ። ነቲ ቐታሊ ሓጢኣትዶ፡ ነቲ ፈዋሲ ሞት ክርስቶስ፡ ነየናይ ጼርና ኣለና፧ ኣብ መዋቲ ስጋና፡ ናይ መጥፍኢና ሰይጣን ህይወትዶ፡ ወይስ ናይ መድሓኒና ኢየሱስ ህይወት ትገሃድ ኣላ፧ ናይ ምድራዊ ህይወትና ምርጫ እንተ ኣጸቢቕና፡ መፈጸምታና እምብዛ ኺጽብቕሞ፡ ሃየ ንለብም!! ነቲ ኽቡር ሞቱ ጸዊርና፡ ነቲ ጻድቕ ህይወቱ ነግህድ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

10 ታሕሳስ 2023 | ሕዳር 30, 2016 ግዕዝ (መበል 13 ሰንበት: ቊ..፲፫/13)

ምስባክ

 መዝ.፮፡፫-፬

“ወአንተኒ እግዚኦ እስከ ማእዜኑ። ተመየጥ እግዚኦ ወባልሐ ለነፍስየ። ወአድኅነኒ በእንተ ምሕረትከ።”

ዓዲ፡ መዝ.፬፡፪፣፫ “ደቂቀ ዕጓለ እመሕያው እስከ ማዕዜኑ ታከብዱ ልበኩሙ። ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሐሱ ሐሰተ። አእምሩ ከመ ተሰብሐ እግዚአብሔር በጻድቁ።”

ንባባት

ኣንባቢ

2ቈረ 4፡1-12

ዲያቆን

1ዮሃ 5፡11-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 4፡14-23

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 9፡13-25

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦  ዘእግዚእነ/ዘወልደ ነጐድጓድ

መዝሙር፦ ይቤሉ እስራኤል

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div