S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንስኻትኩምሲ ናብ እምባ ጽዮንን፡ ናብ ኸተማ ህያው ኣምላኽ ዝዀነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌም፡ ናብቶም ብሓጐስ ዝተጋብኡ ኣእላፋት ዝዀኑ መላእኽትን፡ ናብ በቶም ኣብ ሰማያት ስሞም ዝተጻሕፈ በዅሪ ብዝዀኑ (ሰባት) ዝቘመት ቤተ ክርስትያን፡ ናብ ንዅሉ ዚፈርድ ኣምላኽን፡ ናብ ነፍሳት ናይቶም ፍጹማን ዝዀኑ ጻድቃንን፡ ናብ ናይ ሓድሽ ኪዳን መንጎኛ ዝዀነ ኢየሱስን፡ ናብ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለጸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን በጺሕኩም ኣለኹም።እብ 1222-24 .

ብረድኤት ኣምላኽ፡ እንሆ ናብ ካልኣይ ሰንበት ናይ ፈሊምናዮ ዘለና ዘመነ ጾም (ጾመ ነብያት) በጺሕና ኣለና። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ ሕዳር 20 ክሳዕ ሕዳር 26 ዘሎ ቕንያት፡ምኵራብተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ሓደ ዓመተ ግእዝ፡ ክልተ ናይ ምኵራብ ቅንያትየን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ እዛ ዘለናያ ናይ ጾመ ነብያት ካልኣይቲ ሰንበት ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ ኣብ ዓብይ ጾም (ጾመርብዓ) ሳልሰይቲ ሰንበትያ።ምኵራብማለት ናይ ኣይሁድ ቤት ጸሎት ማለትዩ። እዚ ቕንያትምኵራብዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኣብያተ ጸሎት ኣይሁድ እናኸደ ዜስተምህሮን ተኣምራታዊ ፈውስታት ዚፍጽመሉ ዝነበረን ኣገልግሎቱ ንምዝካርዩ። ናይ ዕለት መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ኣምላክ ፍጹም በህላዌሁ  ዘርእስቱ ዀይኑ፡ እግዚአብሔር ኣብ ኵሉ ዚርከብ፡ ብህላዌኡ ንዅሉ ቦታ ዚመልእ ምዃኑ ዚእመን መዝሙርዩ። እግዚአብሔር ዘይርከበሉን ዘይብሉን ቦታ ኸም ዘየልቦ ቅዱሳት ጽሑፋት ደጋጊሞም ዝገለጹልና ሓቂ (መዝ 1391-12) እቲ በዚ መዝሙር ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታና ኣብ ልዕሊ ባሕርን ማዕበላትን፡ ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዘርኣዮ መለኮታዊ ስልጣን ዚገልጽዩ። ሊቀ መዘመራን ኤታን፡ንትዕቢት ባሕሪ ንስኻ ትገዝኦ፡ ማዕበላቱ እንተ ተንስአ ንስኻ ተህድኦብምባል እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ፍጥረቱ፡ ኣብ ባሕርን ምድርን ዘለዎ ምልክን ስልጣንን ገሊጽዎ ኣሎ (መዝ 899)

ኣብ ናይ ዕለት ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ንባብ፡ ናይ ዕለት ኣርእስትና ዝሓዞ ዓብዪ ምስጢር ተገሊጹልና ኣሎ። ነዚ ረቂቕ ምስጢር ዝገለጸሉ ኸኣ፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስዩ። ነዚ ምስጢር ኪርድኦን ንእኡ መሰረት ገይሩ ህይወቱ ኪመርሕ ዚኽእልን ከኣ፡ እቲ ብምስጢረ ሜሮን ንዝተቐበሎ መንፈስ ቅዱስ ዝዓቀቦን ዚእዘዞን ክርስትያን ጥራሕዩ። ከም ጐይታና ናብ ኣባይቲ ጸሎት እናኣተወ ዘስተምሃረ፡ ንሕና ኸኣ ናብ ኣብያተ ክርስትያንና መጺእና ንመሃር ኣለና። እዚ እንቐስሞ ትምህርቲ ድማ፡ ነቲ ንህይወትና ዜናውጽ ኣጋንንታዊ ናይ ሓጢኣት ማዕበላት ከነህድኦን ክንገዝኦን ዚድግፈናዩ።

ንምንታይ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ገና ኣብ ምድሪ ብህወት ይነብሩ ንዘለዉ ተገልገልቱ፡ናብ ሰማይ በጺሕኩም ኣለኹምዚብሎም፧ ብዘይ ቃልዓለም ብቐሊሉ ኺርድኣካ ዚኽእል ሓሳብ ኣይመስልንዩ። ግን ከኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ዝገለጾ ሃዋርያዊ ምስጢርዩ። ነዚ ምስጢር ዘይምፍላጥና፡ ፈሊጥናዮውን ብእኡ ስለ ዘይተመራሕና፡ ኣብ ህይወትና ብዝሒ ሓጢኣትን መንፈሳዊ ድኻምን ይረኣየና ኣሎ። ንኽንርድኦ ዀነ ንኽንትግብሮ፡ ብልዑል ተገዳስነትን ብዓሚቝ ተመስጦን ክንከታተሎ፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ድማ ነእምሮና ኪኸፍቶን፡ ንምስትውዓልና ኼስፍሖን ክንጽልይን ይግብኣና። እዚ መልእኽቲ ነቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ እብራውያን (እስራኤላውያን) ዝተጻሕፈዩ። እንተ ዀነ ብምኽንያት እምነቶም ኣዝዩ ኸቢድ መከራ ዚቕበሉ ዝነበሩዮም። እቲ መከራ እምብዛ ኻብ ምኽባዱ ዝተላዕለ ድማ፡ ምጻር ስኢኖምዎ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ነበረ። እዚ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ምርጫ ማዕረ ኽንደይ ሓደገኛ ኸም ዝዀነ ምእንቲ ኼፍልጦም ድማ፡ ነዚ ሰፊሕ መልእኽቲ ኺጽሕፈሎም ተደረኸ። እቲ ንድሕሪት ምምላስ፡ ናይ ሃይማኖት ለውጢ ናይ ምግባር ጕዳይ ጥራይ ከም ዘይኰነ ኺርድኡ ነበሮም። ክብደት ናይ ኺወስድዎ ዚደልዩ ዘለዉ ሕማቕ ስጕምቲ ኺርድኦም እንተ ዀይኑ፡ ብእምነቶም በጺሖምዎ ዝነበሩ መንፈሳዊ ደረጃ ጽቡቕ ገይሮም ኪፈልጥዎ የድልዮም ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ምስጢር ኺጽሕፈሎም ወሰነ።

ስለ ኸኣ ናብ ሰማይ በጺሖም ከም ዘለዉን፡ ኣብ ዝበጽሕዎ ሰማይ ድማ ብዓል መን ከም ዘለዉ ዘርዘረሎም። ነቲ ዘለውዎ ቦታ ብኽልተ ሓረጋት ገሊጽዎ ኣሎ። እቲ ቐዳማይ መግለጺእምባጽዮንወይከረን ጽዮንኢሉ ዝሰመዮዩ። በቲ ኻልኣይ መግለጺኡ ድማ፡ሰማያዊት ኢየሩሳሌምዚብልዩ።ከረንናይ ትግርኛ ቓል ኰይኑ፡እምባ ወይ ጐቦማለትዩ። ስለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስከረንዚብል ቃል ከንብብ ከለና፡ ትርጕሙ ኽንፈልጦን፡ ከነዘውትሮን ጽቡቕዩ። ናይከረንብዙሕ (ድርብ) ቃል ድማ፡ኣኽራንይኸውን። ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣብ ኣውራጃ ይሁዳከረን ጽዮንዚበሃል ቦታ ኣሎ።ኢየሩሳሌም” ‘ትበሃል ከተማውን ኣላ። እዛ ኸተማን እዚ ኸረንን ድማ እታ ናይ ኣምላኽ ቤት መቕደስ ተሃኒጻትሉ ዝነበረት ቦታዩ። እቶም ዚጽሕፈሎም ዝነበረ ሰባት እብራውያን ስለ ዝዀኑን፡ ንከረን ጽዮንን ንከተማ ኢየሩሳሌምን ነቲ ኣብኣ ዘሎ መቕደስን ዜፍቅሩ ሰባት ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ሰማያዊ ናይ ህላወኦም ቦታውን ብእኡ ሰመየሎም። ብዛዕባ ምድሪ ይዛረብ ከም ዘየሎ ምእንቲ ኺበርሃሎም ግናሰማያዊትኢየሩሳሌም ከተማ ናይ ህያው ኣምላኽብምባል ኣነጸረሎም። ብድሕሪኡ ድማ ኣባላት ወይ ነበርቲ ናይ ሰማያዊት ከተማ ብዓል መን ምዃኖም ብምብራህ፡ ዕብየት ናይ ተዋሂብዎምን በጺሖምዎን ዘለዉ መንፈሳዊ ቦታን ደረጃን ገለጸሎም። ብመሰረት መሪሕ ጥቕስና፡ ኣብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዘለዉ ኣካላት፡ ነዞም ዚስዕቡ የጠቓልል።

1. ብሓጐስ ዝተጋብኡ ኣእላፋት መላእኽቲ

2. ብበዅራት ዝቘመት ቤተ ክርስትያን

3. እቲ ንዅሉ ዚፈርድ ኣምላኽ

4. ፍጽማት ዝዀኑ ጻድቃን

5. መንጎኛ ሓድሽ ኪዳን ዝዀነ ኢየሱስ

6. ዚዛረብ ደም ክርስቶስ

ስለ እዞም ሰባት በዚ ጊዝያውን ሓላፍን መከራ ሰኪሖም፡ ካብ እምነቶም ንድሕሪት እንተ ተመልሱ፡ ካብ ልዑልን ክቡርን ቦታ ይወድቁ ኸም ዘለዉ ኼርእዮም ተጋደለ። ኣቐዲሙ ኣብ ምዕራፍ ዓሰርተ ነቲ ዝረኸብዎ መከራ ዘርዚሩ ድሕሪ ምግላጹ፡

እምበኣርሲ፡ ነቲ ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ትብዓትኩም ኣይትደርብይዎ። ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ትዕግስቲ የድልየኩምዩ። ማለት፡ ገና ኣዝዩ ቝሩብ ዘመንዩ፡ እቲ ዚመጽእ ኪመጽእዩ፡ ኣይኪድንጕን ከኣዩ። ጻድቕ ግና ብእምነት ዚነብር፡ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ድማ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላንዩ። ንሕና ግና ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚኣምኑምበር፡ ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚመለሱ ኣይኰንናን።ብምባል መዓዶም (እብ 1035-37,39) ኣስዒቡ ኸኣ፡ ኣብ ምዕራፍ 11 እቶም ዝቐደሙ ቕዱሳን ኣቦታት ብኸመይ ንመከራ ስዒሮም ናብ ክብሪ ኸም ዝበጽሑ ዝርዝራዊ ኣብነት ጠቒስሎም (እብ 1113-16,32-38) ብድሕሪ ድማ ነቲ በጺሖምዎ ዘለዉ ደረጃ ብምግላጽ፡ ናታቶም ንድሕሪት ምምላስ ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ከም ዚኸውን ገለጸሎም። እዚ ቓል ነቶም ብዛዕባ እምነቶም ብመከራ ዚሓለፉ ዘለዉ ኣገልገልትን ምእመናንን ጥራሕ ዚምልከት ኣይኰነን። ነቶም ኣብ ምድሪ ስድደትና ዝዀነት ብሰይጣን እትመሓደር ዓለም፡ ምስ ሓጢኣት ክንቃለስ መከራ ንጸግብ ንዘለና ዅላትና ህዝቢ ክርስትያንውን ዚምልከተናዩ። ብርግጽ ነቶም ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ዳግማይ ልደት ዘይረኸቡን፡ ነቶም ውልድነቶም ደርብዮም ውሉድ ድያብሎስ ኰይኖም ብሓጢኣት ዚናበሩን ሰባት ከም ዘይምልከት ግን ርዱእዩ።

ብኸመይ ኢና፡ ገና ኣብ ምድሪ ብህይወት እናሃለናስ፡ ኣብ ሰማይውን ክንህልው እንኽእል፡ ነዚ ሰማያዊ ህላወና ዜረጋግጸልናን፡ መርትዖ ዀይኑ ዜገልግለናን ኻልእ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቓል ኣሎና ድዩ፧  ብርግጽ ኣሎና። እዚብርሃና ንቤተ ክርስትያንምዃኑ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና እትምስክረሉ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዚ ምስጢር ደጋጊሙ ገሊጽዎ ኣሎ። ብኸመይን ብመንን ናብኡ ኸም ዝበጻሕና፡ ኣብ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ፡

“.....እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ ብኣኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንኣና ብበደልና ምዉታት እንተ ነበርና፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና። ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ኣተንስኣና፡ ብክርስቶስ ገይሩ ኸኣ ኣብ ሰማያት ምስ ክርስቶስ ኣቐመጠና። እዚ (ዝተገብረልና) ኸኣ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተገልጸልና ሕያውነት፡ ማለት ነቲ መዘና ዘይብሉ ሃብቲ ጸጋኡ ምእንቲ ኼርእይ ኢሉዩ።ኤፌ 24-7 .

ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብመንን ብኸመይን ናብ ሰማይ ከም ዝበጻሕና ኣብሪሁ ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ። በዚ ኣገላልጻኡ መሰረት፡ ናይ ብሓቂ ኣብ እምነት ክርስቶስ ዘለና ሰባት እንተ ዄንና፡ ምስ ክርስቶስ ንመውት፡ ብትንሳኤኡ ምስኡ ተንሲእና ህያዋን ንኸውን፡ ብዕርገቱ ኸኣ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያት ንበጽሕን ንቕመጥን ማለት (ሮሜ 65-8 . ቈሎ 211-13) በዚ ንሰብ ኤፌሶን ዝበሎ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንሰብ ቈሎሴ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱውን፡ ነዚ ምስጢር ግሩም ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ነዚ ሃዋርያዊ ቓል ብምስትውዓል እንተ ኣንቢብናዮ ብመንጽር ሓቂ ንህይወትና ብኸመይ ከነማእዝና ኸም ዚግባኣና ኣነጺሩ ዚገልጸልናዩ።

ደጊምምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲእኩም ኢኹምሞ፡ ቀልብኹም ኣብ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፡ ኣብ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግብሩ፡ ኣእምሮኹም ናብ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ናብ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። (ምኽንያቱ) ሞይትኩም ኢኹም፡ ህይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ። እቲ ህይወትኩም ዝዀነ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ፡ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም።ቈሎ 31-4 .

ነቲ ድሕሪ ምስጢር ተገሊጹ ዘሎ ሓሳባት፡ ተመሊስና ኽንርእዮ ኢና። ካብዝን ካብ ዝቐደመ ጥቕስን ከም ዝተገንዘብናዮምበኣር፡ ኵሉ ኣባና ዚኸውን ምስ ክርስቶስን ብክርስቶስን ከም ዚኸውን ተረዲእና ኣለና። ስለ ምድራውን ሰማያውን ህላወ፡ ስጋውን መንፈሳውን ህላወ ዘሎና ፍጥረት ኢና ማለትዩ። ክርስትያን ምዃንናን ዘይምዃንናን፡ መንፈሳዊ ፍልጠትን ብርሃንን ምርካብናን ዘይምርካብናን፡ መንግስተ ሰማያት ንወርስ ምዃንናን ዘይምዃንና ዚፍለጥ ድማ፡ ነዚ ሃዋርያዊ ምስጢር ኣብ ምርዳእናን ምቕባልናን ምእዛዝናን ዚምርኰስዩ። ምኽንያቱ እዚ ሓቂ ኣብ ልዕሊ ምድራዊ ህይወትናን ኣካይዳናን ኣማእዛኒ ግደ ዘለዎዩ። ድሮ ኣብ ናይ ቈሎሴ ጥቕሲ፡ ኣእምሮናን ቀልብናን ናብ ሰማያዊ ህላወና ኬቕልብን ኣድህቦኡ ኣብኡ ኺገብርን ኣዚዙና ኣሎ።

እዚ ሓቂ ብኸመይ ኼማእዝነና ዚኽእል፧ ንምዃኑኸ ግብራውን ክዉንነታውን ድዩ፧ ሓጢኣት ምግባር ኣዝዩ ዚሰልጠና፡ ጽድቂ ምግባር ግን እምብዛ ዓቐብ ዚዀነና ዘሎኮ፡ ነዚ ሃዋርያዊ ምስጢርን ትእዛዝንዚ፡ ክንፈልጦን ከነስተውዕሎን ስለ ዘይከኣልናዩ። ብዘይካ ምድራዊ ህላወ፡ ካልእ ሰማያዊ ህላወ ኸም ዘሎና ስለ ዘይንፈልጥ፡ ኵሉ ኣተሓሳስባናን ኣነባብራናን ዓለማዊ ይኸውን ኣሎ። ነዛ ናይ 70 ወይ 80 ዓመታት ዕድመ ኢልካ ብጽድቂ ምግዳል ድማ ዘይተደላዪ ዝተጋነነ ዋጋ ዜኽፍል፡ ናይ ዓያሱ ምርጫ ዀይኑ ይስምዓና። ነቲ ናይ ጽድቂ ናብራ ናይ ምንባር ኣድላይነትሲ፡ ዜእምነናን ዚረትዓናን ብቑዕ ምኽንያት ንስእነሉ ኣለና ማለትዩ። ሰማያዊ ህይወትን ህላወን ከም ዘሎና እንተ ንፈልጥን እንተ ንኣምንን ግን፡ ነቲ ምድራዊ ህይወትናን ህላወናን ብመንጽር ናይ ሰማያዊ ኸነመሓድሮ ኸም ዘለና፡ ስለ ጻድቕ ናብራ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትው ንቡርን ክቡርን ናይ ህይወት ተልእኾና ምዃኑ ምኣመንናሉን ምተወፈናሉን ኔርና። ናይ ኵሉ ኣካላትናን ተግባርናን ኣመሓዳሪ፡ ኣእምሮናዩ። ኣእምሮና ዝሓስቦን ዝፈቐዶን ኢና። ንዛረብን ንገብርን። ስለ ነዚ ሃዋርያዊ ቓል ተኣዚዝና፡ ኣእምሮናን ቀልብናን ብዛዕባ ሰማያዊ ጕዳያት ከም ዚሓስብ እንተ ጌርናዮ፡ እቲ ብእኡ ዚእዘዝን ዚመሓድርን ሰብነትና ድማ፡ ነቲ ሰማያዊ ፍቓድን ተግባርን ጥራሕ ዚእዘዝ። እቲ ምድራዊ ህይወትና ካብ ምብላዕን ምስታይን፡ ካብ ምስራሕን ምምሃርን፡ ካብ ምውሳብን ምውላድን ካብ ኵሉ ኻልእ ምድራውን ማሕበራውን ንጥፈታት ከይበዀነ፡ ነዚ ንጥፈታት ግን ነቲ ሰማያዊ ህይወቱን ህላወኡን ከም ዚበቅዕ ገይሩ ይፍጽሞ ማለትዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴ 619-21

ብልዕን (ሓሰኻን) ምምራትን ኣብ ዜበላሽዎ፡ ሰረቕቲ ዂዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ፡ ንኣኻትኩም ኣብ ምድሪ ሃብቲ ኣይትኣክቡ፡ ሃብትኻ ኣብ ዘለዎ፡ ልብኻ ኣብኡ ኣሎሞ፡ ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘየበላሰዎ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ፡ ኣብ ሰማይ ሃብቲ ኣክቡ።ብምባል፡ ልብናን ኵሉ ኣካይዳናን ናብ ሰማያዊ ህይወትናን ህላወናን ኣትኲሩን ዕላማ ገይሩን ኪሰርሕ ከም ዚግብኦ ኣፍሊጡና ኣሎ። ጐይታና፡ ኣብ ምድሪ ኸይንህብትም ኣይከልከለናን። የግዳስነቲ ኣብ ምድራዊ ህይወትኩም ዝኣከብኩምዎ ምድራዊ ሃብቲ፡ ሃብ ሰማያዊ ሃብቲ ለውጥዎ፡ ንምድራዊ ሃብትኹም ናብ ሰማይ ኣግዕዝዎ”’ ዚብለና ዘሎ። ነዚ ትእዛዝ ብኸመይ ከምንትግብሮ፡ ኣብ መሰረተ-እምነትና ዀነ ኣብ ኵሉ ስብከታትና ብተደጋጋሚ ይግለጸልናዩ። ነዚ ኼተግብሮ ዚኽእል ግና እቲ ብዛዕባ ሰማያዊ ህላወኡ ምሉእ እምነት ዘለዎን፡ ኣእምሮኡ ድማ ኣብኡ ዝገበረን ሰብ ጥራሕ (1ጢሞ 617-19 .)

ቀልቡን ኣእምሮኡን ኣብ ሰማይ ዝገበረ፡ ብዛዕባ ሰማያዊ ህይወቱ ዚሓስብን ዚጥንቀቕን ሰብ ብኸመይ ዚፍለጥ፧ እንታይከ ዚገብር፧ ነዚ ሕቶ እቲ ድሕሪ ኣቐዲምና ዘንበብናዮ ናይ ቈሎ 31-4 ዘሎ ጥቕስታት ብንጹር ዚምልሶ።

ስለ ነቲ ስጋዊ ስምዒትኩም፡ ማለት ንምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ነቲ ኣምልኾ ጣኦት ዝዀነ ስሰዐ፡ (ቅተልዎ) ..... ካብ ቍጥዓ፡ ሕርቃን፡ ክፍኣት፡ ጸለመ፡ ዜጸይፍ ዘረባ ርሓቑ .....ንሓድሕድኩም ኣይተተሓሳሰዉ። እምበኣር ኣምላኽ ከም ዝሓረዮም ቅዱሳንን ፍቁራትን ህዝቢ ዄንኩም ምሕረት ከም ዝሓረዮም ቅዱሳንን ፍቁራትን ህዝቢ ዄንኩም ምሕረት፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ሕያውነት፡ ትዕግስቲ ልበሱ። ንሓድሕድኩም ተጸዋወሩ፡ ኣብ መንጎኹም ቅር ዜብል ሃገር እንተሎ፡ ይቕረ ተበሃሃሉ። ..... ንዅለን (ትእዛዛት) ኣሲራ ናብ ፍጻመ እተብጽሐን ፍቕሪሞ፡ ልበስዋ። .......ንሰላም ተጸዊዕኩም ኢኹምሞ፡ (ብሰላም ንበሩ) ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ይንገስ። መማሰውቲ (መመስገንቲ) ዅኑ። ...... (ንኣምላኽ ብምሉእ ልብኹም፡ ዘምሩሉ) ...... ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም፡፡ ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ግበርዎ። ብእኡ (በቲ ተግባርኩም) ከኣ፡ ንእግዚአብሔር ኣቦ ኣመስግንዎ። .....” ቈሎ 35-17 .

ነቲ ንባብ ክሳዕ መወዳእታ ናይ ምዕራፍ እንተ ቐጺልናዮ፡ ካልእ ብዙሕ ግብርታትውን ተዘርዚሩ ኣሎ። እቲ ብዛዕባ ሰማያዊ ህላወኡ ዚሓስብን፡ ነቲ ምድራዊ ህይወቱ ብመንጽር ሰማያዊ ህላወኡ ዚመርሕን ሰብ፡ ነቲ ዝተዘርዘረ ዅሉ፡ ተጨኒቑን ተጸጊሙን ዘይኰነስ፡ ተሓጕሱን ተገዲሱን ብቐሊሉ ዚትግብሮ።

ብመሰረቱ ግን ናብ ሰማያዊ ህላወ ናይ ምእታውና መሰረት እንታይዩ፧ እቶም ብክርስቶስ ኣሚንና እንፍጽሞም ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን፡ ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ስለ ዚገብሩና፡ ክርስቶስ ጐይታና ዝዀኖ ዅሉ ንኸውን፡ ክርስቶስ ኣብ ዝኣተዎን ኣብ ዝኸዶን ኵሉ ኸኣ ንኣትውን ንኸይድን። ቅዱስ ጳውሎስ፦

እምበኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም። ..... ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ..... እቲ ምስ ኣመንዝራ ዝለገበ ምስኣ ሓደ ስጋ (ከም ዚኸውን) እቲ ምስ ጐይታ ዚለግብ (ድማ) ምስ ጐይታ ሓደ መንፈስ (ዚኸውን)

ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ቈረ 1227 615-17) ስለ ኣካላት ሰብነቱ እንተ ዄንና፡ ኣብ ንሱ ዘለዎ ዅሉ ምስኡ ኣለና፡ ኣብ ንሕና ዘለናዮ ዅሉ ድማ ንሱ ምሳና ኣሎ ማለት (ማቴ 1819,20 2819,20) ጐይታና ባዕሉ ዀነ ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ንሱ ኣባና፡ ንሕናውን ኣብኡ ኸምንነብር ደጋጊሞም ገሊጾምልና ኣለዉ (ዮሃ 1420 1ዮሃ 324) ስለ ብስጋ ኣብ ምድሪ እንተለና፡ ብመንፈስ ግን ምስ ጐይታ፡ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ኣቦ ኢና ዘለና።

ስለ ነዚ ምድራዊ ህይወትናን ናብራናን፡ ነቲ ሰማያዊ ህይወትና ብዚምጥን መገዲ ንንበሮን ነመሓድሮን። ጐይታ ኣብ መዓልቲ ፍርዲከቶ ኣይፈለጥኩኹምን ካባይ ርሓቑዚብሎም፡ ነቶም ብምድራዊ ኣካይዳኦም ንሰማያዊ ህላወኦም ዘዕነዉን ዝደምሰሱንሞ፡ ካብ መንፈሳዊ ርእሰ ቕትለትዚ፡ ርእስና ነድሕን። ክብሪ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንወርስ፡ ነቲ ሰማያዊ ህይወትናን ህላወናን፡ በቲ ምድራዊ ኣካይዳና ነኽብሮን ነጽንዓዮን!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ታሕሳስ 2023 | ሕዳር 23, 2016 ግዕዝ (መበል 12 ሰንበት: ቊ..፲፪/12)

ምስባክ

 መዝ. ፹፰(፹፱) ፲፩-፲፪

ዚአከ ውእቱ ሰማያት ወእንቲአከ ይእቱ ምድር። ዓለመኒ በምልኡ አንተ ሣረርከ። ባሕረ ወመስዐ ዘአንተ ፈጠርከ።

ዓዲ፡  መዝ.፻፪(፻፫)፡፲፰-፲፱ወይዜከሩ ትእዛዞ ከመ ይግበሩ። እግዚአብሔር አስተዳለወ መንበሮ በሰማያት። ወኵሎ ይኴንን በመንግሥቱ።

ንባባት

ኣንባቢ

እብ 12፡22-ፍጻመ

ዲያቆን

ያእ 3፡1-10

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 21፡27-33

ንፍቅ ካህን

ማቴ 8፡23-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦  ዘእግዚእነ

መዝሙር፦ ፍጹም በህላዌሁ

   

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div