S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ገዛእ ርእስኹም ሓልዉ (10ይ ሰንበት: ቊ.፲/10, 2023 ፈ | 2016 ግዕዝ)

እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝተወልደ ዘበለ ርእሱ ይሕልው፡ እቲ እኩይውን ኣይትንክዮንዩ። እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደስ፡ ሓጢኣት ከም ዘይገብር ንፈልጥ ኢና። ካብ ኣምላኽ ምዃንና፡ ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ (ድያብሎስ) ተታሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።” 1ዮሃ 518,19

እንሆ ናብ ዓስራይ ሰንበት ናይ ዓመተ ግእዝ በጺሕና ኣለና። ዘመነ ጽጌ ብሰላም ወዲእና፡ ናብ ዚስዕብ ዘመነ ጾም (ጾመ ነብያት) ንምእታው፡ ኣብ መሰጋገሪ ዘመን ኢና ዘለና። ብኣቘጻጽራ ግእዝ ካብ ሕዳር 6 ክሳዕ ሕዳር 12 ዘሎ ቕንያት፡ኣስተምህሮተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ሓደ ዓመተ ግእዝ ክልተ ዘመነ-ኣስተምህሮየን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ እዛ ዘለናያ ቕንያት ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሰነ 18 ክሳዕ ሰነ 28 ዘሎ ቕንያትዩ። ድሕሪ ቐዳማይ ዘመነ-ኣስተምህሮ ናብ ጾመ ነብያት ንኣትው፡ ድሕሪ ኻልኣይ ዘመነ-ኣስተምህሮ ድማ ናብ ጾመ ሃዋርያት ንኣትው። እዚ ኸኣ ብወዝቢ ዝተጋጠመ ዘመናት ዘይኰነስ፡ ቅዱሳን ኣቦታትና ብዓሚቑ ኣስተውዕሎ ዝተሰርዑልናዩ። ኣስተምህሮ፡ ናይ ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ቀንዲ ኣገልግሎት ዝነበረ። እቲ ቐዳማይ ንህዝቢ ዝመርሐን ዝመሃረን፡ ወግዓዊ ነብዪ ዀይኑ ዝተንስአን፡ እቲ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያንናሊቀ-ነብያትኢላ እትሰምዮ፡ ነብዪ ሙሴዩ። ናብ ከረን ሲና ደዪቡ፡ እንጌራ ኸይበልዐ ማይ ከይሰተየ፡ ብመለኮታዊ ኽብሪ ይቃጸልን የንቀጥቅጥን ኣብ ዝነበረ እምባ ዀይኑ፡ ንኣርብዓ መዓልታትን ለይትን ካብ ኣፍ እግዚአብሔር ተማሂሩ፡ ብዙሕ ራእያት ርእዩ፡ ገጹ ብብርሃን እናንጸባረቐ ኺወርድ ከሎ፡ ነቲ ዝተቐበሎ ሕግን ነቲ ዅሉ ስርዓትን ንህዝቢ ኺምህሮ ትእዛዝ ተቐቢሉ ዝወረደ (ዘጸ 3429-35) ተልእኾ ናይ ምሉእ ዕድሚኡ ድማ ኣስተምህሮ ነበረ። ንህዝቢ እስራኤል ኪጸባጸቦምን ኪፋነዎምን ከሎ ድማመሃርኩኹምእናበለ፡ ነቲ ብኣምላኽ ዝተዋህቦ ተልእኾ ናይ ኣስተምህሮ ብትብዓት ተኣመነ (ዘዳ 45) ንኣብነት ዚኣክል ነዘን ዚስዕባ ጥቕስታት ንርኣይ፦

እቲ ኣብ ኽትርስተይዋ፡ እትሓልፍዋ ዘለኹም ሃገር ክትገብርዎ፡ ኣነ ኽምህረኩም፡ እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኒ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን እዚዩ።ዘዳ 61

እንሆ፡ ኣብ ኽትወርስዋ እትኣትውዋ ዘለኹም ሃገር ከምኡ (ከም ዝተመሃርኩምዎ) ኽትገብሩ፡ ኣነ ኸም እግዚአብሔር ኣምላኸይ ዝኣዘዘኒ ሕጋጋትን ፍርድታትን መሃርኩኹም።ዘዳ 45

ነብዪ ሙሴ፡ክምህረኩም ኣዘዘኒኢሉ ኣነጺሩ ኸም ዝገለጸ፡ ኣስተምህሮ፡ ተሃኪኻ ወይ ሰኒፍካ እትገድፎ፡ ወይውን ተጊህካ እተልዕሎ ናይ ፍቓድ ኣገልግሎት ዘይኰነስ፡ ናይ ግድን ኪፍጸም ዜግብኦ ተልእኾዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ኣስተምህሮ፡ ናይ ነብያትን ካህናትን ኣገልግሎት ነበረ (ዘዳ 3112,13 2ነገ 1728) እግዚአብሔር፡ ምስማዕ ስለ ዝኣበዮ ንዝተቘጥዖ ህዝቢ፡ መምህራንን ትምህርትን ዚኸልኦ። ብምሕረት ኪበጽሖ ገጹ ንዝመለሰሉ ህዝቢ ድማ፡ መምህራን ይልእከሎም ነበረ።

እስራኤልሲ ነዊሕ ዘመን ብዘይ ኣምላኽ ሓቅን ብዘይ መሃሪ ካህንን ብዘይ ሕግን ነበሩ።” 2ዜና 153

“......ድሕሪ ኣይክትበክይን ኢኻ፡ (ናብኡ) ምስ እተእውይ ከኣ ብርግጽ ጸጋ ኺህበካዩ፡ ኪስምዕ ከሎ ኸኣ ኪመልሰልካዩ። እግዚአብሔርሲ እንጌራ ጸበባን ማይ ጭንቀትን ኪህበኩምዩ፡ ኣዒንትኻ ግና መምህራንካ ኺርእያየንምበር ደጊምሲ መምህራንካ ኣይኪስወሩንዮም። ንየማን ወይ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም፡ ኣእዛንኩም፡እዚኣ መገዲ፡ ብእኣ ተመላለሱ፡ዚብል ቃል (መምህራንኩም) ኣብ ድሕሬኻ ኪስምዓየን።ኢሳ 3019-21

ናይ ኣቦታትና ናይ ቅዱሳን ሃዋርያት መሰረታዊ ኣገልግሎትውን ኣስተምህሮ ዝነበረ። እዚ ኸኣ ካብ ጐይታኦምን መምህሮምን ብቓል ዝተኣዘዝዎ ብግብሪ ድማ ዝረኣይዎዩ። ጐይታና ምድራዊ ተልእኾኡ ፈጺሙ ብዕርገት ኪፋነዎም ከሎ፡ እቲዓብይ ተልእኾዚብሃል ትእዛዝ ብኸም ዚስዕብ ሃቦም።

ስለ ኺዱ፡ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቂ መዛሙርተይ ግበርዎም።ማቴ 2819-20

ንሳቶም ድማ ንቓሉ ተኣዚዞም ንኣርኣያኡ ስዒቦም፡ ንዓለም ብትምህርቶም ኣዕለቕለቕዋ። ኵላቶም ሃዋርያት ተኣሲሮም ሓዲሮም፡ ናብ ዋዕላ ኣይሁድ ምስ ኣተዉ፡ እቲ ሰዱቃዊ ሊቀ ካህናት፦

በዚ ስም ኸይትምህሩዶ ኣምሪርና ኣይኣዘዝናኩምን፡ እንሆ ኸኣ ንኢየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ (ኣለኹም)” ብምባል ብዛዕባ ውጽኢት ኣገልግሎቶም መስከረ (ግብ 527,28) ነርብዓ ሓደ ጐደል ገሪፎምን ኣሕሲሮምን ብውርደት ምስ ኣፋነውዎምኳ፡ እናተሓጐሱ ወጺኦም እንታይ ከም ዝገብሩ፦

ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን ብስራት ኢየሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ።” ብምባል ተመስኪሩሎም ኣሎ (ግብ 542) ሰይጣን ብሓለንግን ብማእሰርትን ከም ዘይሰልጦ ምስ ረኣየ፡ ናብ ቤተ ክርስትያን ኣድልዎን ምፍልላይን ኣእትዩ ኻብ ተልእኾኦም ኪዀልፎም ተላዕለ። ንሳቶም ግን ነቲ ውዲቱ ኣለልዮም፦

ንሕና ቓል ኣምላኽ (ምምሃር) ሓዲግናስ ኣብ መኣዲ ኸነገልግል ዚግባእ ኣይኰነን። ...... ንሕና ግና ጸሎትን ኣገልግሎት ናይ ቓልዝን ከየብኰርና ንሓዝ።ብምባል ኣፍሸልዎ (ግብ 62,4) እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስውን፡ ናይ ኣስተምህሮ ኣገልግሎት፡ ፈጺምካ ዘይጕሰይ ኣገልግሎት ስለ ዝዀነ፡ ኻብቶም ሓሙሽተ ንቤተ ክርስትያን ዝሃባ ዓበይቲ ኣገልግሎት (offices) ሓደ መምህርነት ነበረ (ኤፌ 411-13 ግብ 131 1ጢሞ 27 2ጢሞ 111) እቲ ኣሰሩ ዘይሃስስ ኣርኣያ ናይ ጐይታ ኸኣ፦ኢየሱስ ድማ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሃረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ።ተባሂሉ ብተደጋጋሚ ተመስኪሩ (ማቴ 423 728,29 935 ሉቃ 2137) ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ክርስቶስ ርእሲ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሃንጸት ሰብነቱ ስለ ዝዀነት፡ ነዚ ኣገዳስነት ናይ ተልእኾኣ ንምጕላሕን፡ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎን ዚሕግዝ ክልተ ዘመነ - ኣስተምህሮ ሰሪዓ ትርከብ። እዚ ድርብ ቅንያት ኣገዳስነቱ ንምዝኽኻርን ንኣገልገልታን ህዝባን ንምንቕቓሕን ደኣምበር፡ ኣስተምህሮ ዚወሃበሉ ጊዜ ንሳተን ጥራሕ ምዃነን ንምምልካት ኣይኰነን። ስለ ዅሎም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን፡ ካብ ፓትርያርክ ክሳዕ ድያቆን፡ ምሉእ ዘመኖም ኣብ ምሃብ ኣስተምህሮ ኺተግሁ፡ ኵሉ ዝዓበየን ዝነኣሰን ምእመን ድማ ብልዑል ተገዳስነት ትምህርቲ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያኑን ኣገልገልቱን ኪምሃር ከም ዚግባእ፡ እዚ ዘመነ ኣስተምህሮ የዘኻኽረናን ይድርኸናን ኣሎ።

ናብ ናይ ዕለት ትምህርትና ኽንምለስ፡ ካብ ምንታይ ኢና ገዛእ ርእስና ኽንሕለው ዚንገረና ዘሎ፧ ናይ ዕለት ናይ መዝሙር ኣርእስቲኢተዘኪሮዚብል ኰይኑ፡ እግዚአብሔር ሓጢኣትና ኸይዝክር ዚምሕጸን ትሕዝቶ ዘለዎዩ። ናይ ዕለት ናይ መዝሙረ ዳዊት ክልቲኡ ኣማራጺ ምስባካትውን፡ እግዚአብሔር ኣበሳና ኸይዝክር ዚምሕጸንን፡ ከም መጠን ሓጢኣትና ኸም ዘይፈድየና ዜተስፍው ትሕዝቶ ዘለዎምዮም (መዝ 798 1039,10) እቲ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ንባብናውን ብጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ሕድገት ሓጢኣትን ርስቲ ምስ ቅዱሳንን ከምንረክብ ዜረጋግጸልና፡ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መጋብእያ ነገስታት ዝተኣመኖ ሃዋርያዊ ቃልዩ። እቲ ናብ ሰብ ሮሜ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ፡ እቲ ቐዳማይ ኣዳም ብኸመይ ብሓጢኣቱ ኸም ዝለከመና፡ እቲ ዳሕራይ ኣዳም፡ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ከመይ ገይሩ ብጽድቁ ኻብ ሓይሊ ሓጢኣትን ሞትን ከም ዘድሓነና ዚገልጽ ኣዝዩ ረቂቕ ምስጢር ዝሓዘለ መልእኽቲ ዘለዎዩ። እቲ ምንጪ ኣርእስትና ዀይኑ ዘሎ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ መልእኽቲ ድማ፡ ካብ ሓጢኣት ንምድሓን ናትና ግደ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ቃል ዚገልጸልናዩ።

ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ድሕነት ማለት ሕድገት ሓጢኣት ምርካብ ማለት ምዃኑ ደጋጊሞም ኣረጋጊጾምልናዮም (ኤፌ 17 ቈሎ 114) ሰብ፡ ክንዲ ዝደለየ ኻብ ሓጢኣት እንተ ተጠንቀቐ፡ ሓጢኣት ከይፈጸመ ኺነብር ኣይክእልንዩ።ሓጢኣት ዘይብለይ ንጹህኢልካ ምሕሳብ ኰነ ምዝራብ፡ ንርእስኻ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንኣምላኽ ከይተረፈ ሓሳዊ ዚገብር ድፍረታዊ ኣበሳ (1ዮሃ 17-10 ኤር 223,25 ምሳ 209 3012 መክ 720) ስጋ ለቢሱ ኼብቅዕ ፈጺሙ ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ (ዮሃ 846 እብ 414,15 726 1ጴጥ 222,23) ስለ ድሕነትናን ጽድቅናን፡ ኣብ ብንስሓ ዚርከብ ሕድገትምበር፡ ኣብ ዘይምሕጣእና ኣይምርኰስንዩ። ስለ ኸኣ ኢና፡ ብመዝሙራትና ዀነ ብጸሎትና፡ሓጢኣትና ኣይትዘክርእናበልናንምሕጸን። ጐይታን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሙ ዋጋ ሓጢኣትና ኸፊሉን ንኣና ኣንጺሁን፡ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣት ምእንቲ ኼውሕሰልና ኣብ መስቀል በጃና ዝሞተ (ሉቃ 2446,47 ግብ 319,20 531)

ክርስቶስ ብቤዛዊ ሞቱ ዋጋ ሓጢኣትና ኸፊሉ ሕድገት ሓጢኣት ዝሃበና ግን፡ ብነጻነት ከም ድላይና ምእንቲ ኽንሓጥ ኣይኰነን። እቲ ሕድገት ሓጢኣት ስለ ዘሎ ብነጻነት ዚሓጥእ ሰብ፡ ነቲ ኽቡርን መሪርን ሞት ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ከም ሞት ጤለ በጊዕ ዝረኣዮን፡ ብሰሪ ድንቍርናኡ ናብ መንፈሳዊ ስድነት ዝጠሓለን ሰብ ጥራሕዩ። ሞት ጐይታና፡ ሕድገት ሓጢኣት ንኽንረክብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ካብ ሓጢኣት ተሓሊናን ብጽድቅን ቅድስናን ንኽንመላለስውን (ቲቶ 211-14 2ቈረ 112) ሕጂውን ነዚ ውዱቕ ስጋና ለቢስና ንነብር ስለ ዘለና፡ ገናውን ኣብ ብሰይጣን እትመሓደር እክይቲ ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ ፈሊጥናዮን ደሊናዮን ካብ ውሽጥና ፈልፊሉን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዘይፍላጥን ብዘይ ፍቓድናን ሓጢኣት ኪጠብቀና ይኽእል (ሮሜ 721 እብ 121) ልክዕ ከም ኣብ መገዲ ብእግርና ኽንጐዓዝ ከለና፡ ክንወድቕን ክንጕዳእን ደሊና ዘይኰነስ፡ ከይረኣናዮ ብወዝቢ ተዓንቂፍና እንወድቖ ዓይነት ውድቀት ማለትዩ። ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ኽንጐዓዝ ከለና፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጕምቲ ብዝጸንሓና ዅሉ መዓንቀፊታት እናተዓንቀፍናን እናተጐዳእናን ኣይንኸይድን ኢና። ምዕንቃፍ ሳሕቲ ዜጋጥምምበር፡ ካባና ዘይፍለይ መሰነይታ ኣይኰነን። ንሓጢኣት ብዚምልከት ድማ፡ እቲ ሓቂ ልክዕ ከምኡዩ። ነዚ ብወዝቢ እንወድቖ ናይ ሓጢኣት ውድቀት እንተ ዘይተነሲሕናሉ ብርግጽ ካብ ድሕነትን ካብ መንግስተ ሰማያትን ኬትርፈና ዚኽእልዩ። ክብሪ ንስሙ ይኹን፡ ክርስቶስ ካብ ከም ዝበለ ሓጢኣት፡ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ብምሃብ ናብ ጽድቁ ምእንቲ ኼእትወና ዝተሰውአ። ፈቲናን እናፈለጥናን ብዜጋጥመና ዅሉ ጕዳያት ብሓጢኣት ንቈማጣዕ እንተ ዄንና ግን፡ ኣብ እምነት የለናን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ግሁድ ላግጺ ተጸሚድና ኸም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ዓሻ ምርጫዝን ንግብራዊ መልእኽቱን ንመሪር ሳዕቤናቱን ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ደጊም ምእንቲ ሓጢኣት ዚቐርብ (ካልእ) መስዋእቲ የልቦን። ኣብ ክንድኡ ግና፡ ፍርድን ነቶም ንኣምላኽ (ብሓጢኣት) ዚጻረሩ ዚበልዕ ብርቱዕ ሓውን ኢና ብራዕዲ እንጽበይ። ንሕጊ ኦሪት ዘፍረሰ ብቓል ክልተ ወይ ሰለስተ ምስክር ብዘይ ምሕረት ይመውት ነበረ። ንወዲ ኣምላኽ ዝነዓቐ (ዝረገጸ) ነቲ እተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሰ፡ ነቲ ጸጋ ዚህብ መንፈስውን ዝጸረፈ ግዳ ክንደይ ዝገደደ ቕጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም። ንሕናስ ነቲ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይዩ፡ ኣነ ሕነ ኽፈዲየ፡ ዝበለ፡ ደጊሙ ኸኣ፡ እግዚአብሔር ንህዝቡ ኺፈርዶዩ፡ ዝበለ፡ ንፈልጦ ኢና። ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዜስክሕዩ።እብ 1026-31

እቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን (ዝበርሃሎም) ሰማያዊ ውህበት ዝጠዓሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስውን ዝዀኑ፡ ነቲ ሰናይ ዝዀነ ቓል ኣምላኽን ሓይሊ ናይ እትመጽእ ዓለምን ከኣ ዝጠዓሙ፡ (ናብ ሓጢኣት) እንተ ወደቑ፡ ንወዲ ኣምላኽ ብገዛእ ፍቓዶም ከም ብሓድሽ ሰቒሎም መላገጺ ስለ ዚገበርዎ፡ ብንስሓ ኪምለሱ ኣይከኣልንዩ። ...... እቲ ብዙሕ ጊዜ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናም ዝሰተየት ምድሪ ነቶም ንረብሓኦም ዚሓርስዋ ዚጠቅም ፍረ እንተ ሃበቶም፡ ካብ ኣምላኽ በረኸት ትቕበል። እሾዅን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፡ መርገም ኣብ ልዕሊኣ ዘንጠልጠለ፡ ጥቕሚ ዘይብላ ምድሪያ። መወዳእታኣ ኸኣ ምንዳድዩ።እብ 64-8 .ት።

እዚ ሃዋርያዊ ቓልዚ፡ ብዘየወላውል መገዲ ነቲ ሓቂ ገሊጽዎን ኣብሪህዎን ኣሎ። እዚ ሓቂ ኸኣ ናይ ሓድሽ ኪዳን ጥራይ ኪመስለና ኣይግባእንዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳንውን ብመስዋእቲ እንስሳ ሕድገት ሓጢኣት ዚወሃብ ዝነበረ፡ እቲ ሰብከይፈለጠ ብጌጋሓጢኣት እንተ ፈጺሙ ጥራሕ (ዘሌ 422-23,27-28 52-5,15,17 ዘሁ 1522-24,27-28) ነቲ ፈሊጡ፡ ኰነ ኢሉ ብድፍረት ሓጢኣት ዚፍጽም ግን ሞት ይፍረዶምበር፡ ሕድገት ሓጢኣት ይወሃቦ ኣይነበረን። ኣብ ቀዳማይ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስብልዕልቲ ኢድ ዝተገብረ ሓጢኣትኪብሎ ኸሎ ኣብ ካልኣይ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ከኣብትዕቢት (ብድፍረት)” ብምባል ገሊጽዎ ይርከብ (ዘሁ 1530 . + .) እግዚአብሔር ከኣ ምሕረተኛ ኣምላኽምበር፡ ሸለልተኛ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ ኣይንረስዕ። ንሓጢኣት እናረኣየ ኺዕገሶ ኣይክእልን (ኣን 113) ከም ንገሌና ዚመስለና ኸኣ፡ ምሕረቱ ዋጋ ዘይብሉ ሕሱር ኣይኰነን። ናይ ህይወት መስዋእቲ- እንስሳታት፡ ንናይ ክርስቶስ ሞት ከም ጽላሎት፡ ከም ትእምርታዊ ትንቢት ኰይኑ ኼገልግልምበር፡ ሓጢኣት ኬርሕቕን ሕድገት ሓጢኣት ኬውህብን ዝተሰርዐ ኣይነበረን (እብ 101-4) ናይ ብሉይ ኰነ ናይ ሓድሽ ኪዳን ሓጢኣት፡ ብመስዋእቲ ክርስቶስ ጥራሕ ሕድገት ዝረኸበ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበሩ ኵላቶም ቅዱሳን፡ ክርስቶስ ብሞቱ ናብ ሲኦል ወሪዱ ብትንሳኤኡ ኽሳዕ ዜውጽኦም፡ ኣብ ሲኦል ተኣሲሮም ይጽበዩ ነበሩ (1ጴጥ 319,20 46 ኤፌ 47-10) ብሓጢኣት፡ ዋዛን ዋጋ ዕዳጋን የለን። ሞት ናይ ብስጋ ዝተገልጸ መለኮት፡ ሞት ወዲ ኣምላኽ፡ ሞት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጠለበ ሓጢኣት ምዃኑ ኣይንዘንግዓዮ።

እሞ፡ርእስኹም ሓልዉማለትሲ እንታይ ማለትዩ፡ ሓጢኣት ኪገብር እንተ ዘይደለየስ፡ ሰብ ሓጢኣት ከይገበረ ኺነብር ይኽእል ማለት ድዩ፧ ብርግጽ ይኽእልዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዛ ኽእለትዚኣ ኼዕጥቐናን ኬጸግወናን ብስጋ ተገሊጹ ናይ መሪር ሞት ዋጋ ዝኸፈለ።ርእስኻ ምሕላውማለትፈቲኻ፡ እናፈለጥካ፡ ኰነ ኢልካ፡ ብድፍረት ሓጢኣት ካብ ምፍጻም ተጠንቀቕ። ንወዲ ኣምላኽ ኣይትርገጾ፡ ነቲ ዝተቐደስካሉ ቕዱስ ደም ኪዳን (ደም ክርስቶስ) ብሓጢኣትካ ኣይተርክሶ፡ ነቲ ንሓጢኣት ምእንቲ ኽትስዕሮ ጸጋ ዝሃበካ መንፈስ ቅዱስውን ብግብርኻ ኣይትጽረፎማለትዩ። ንመሪሕ ጥቕስና ምልስ ኢልና ብዓሚቝ ምስትውዓል ነንብቦ። ካብ ኣምላኽ ንዝተወልደ ዘበለ፡ እቲ እኩይ ድያብሎስ ኰነ እቲ እኩይ ሓጢኣት ኣይትንክዮንዩ። እዚ ድማ ኣሉ ዘይበሃል ሓቂዩ። ንሰብ ወይ ንዅነታት ፈሪህና፡ ረብሓ ኸይጐድለና ኢልና፡ ናይ ስጋ ስቓይ ከነወግድ ኢልና፡ ፈቲና ብምርጫና ሓጢኣት ንገብር ኣለናምበር፡ ኢድና ጠውዩ ኣፍና ኣመንጊጉ ሓጢኣት ዘግበረናዶ ኣሎዩ፧ እዞም ኵሎም ቅዱሳን ብሰማእትነት ዝሓለፉኮ፡ ካብ ንሓጢኣት ንመከራ ስለ ዝመረጹዮም። እቶም ለባማት፡ ጊዝያውን ምድራውን ስቓይ ይመርጹ፡ እቶም ዓያሱ ኸኣ ዘለኣለማውን ናይ ገሃነም ስቓይን ንመርጽ። ስለ ምርጫና ደኣ ዜጋግየና ዘሎምበር፡ መከራ ኣይኰነን ዜገድደና ዘሎ። ንኣና ግን ናብ መከራ ዘብጽሓናውን የለን። ብዘይ ዝዀነ ኣስገዳድ ብሓጢኣት ንግዕዝይ ኣለና።

ካብ ኣምላኽ ተወሊደዚብል ኵሉ ግን፡ ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን፡ ሕልናኡን መንፈሱን ኣይፈቕደሉንዩ። ቅዱስ ዮሃንስ፦ “(ክርስቶስ) ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም ዝተገልጸ ትፈልጡ ኢኹም። ኣብኡውን ሓጢኣት የልቦን። እቲ ኣብኡ (ኣብ ክርስቶስ) ዚነብር ዘበለ ዅሉ፡ ሓጢኣት ኣይገብርንዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር፡ (ንክርስቶስ) ኣይረኣዮን፡ ኣይፈልጦንውን። ደቀየ ሓደ ኣየስሕትኩም። ..... ድያብሎስ ካብ መጀመርታ ሓጢኣት ይገብርሞ፡ ሓጢኣት ዚገብር ካብ ድያብሎስዩ። ወዲ ኣምላኽ ከኣ ንግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ ዝተገልጸ። ካብኡ ዝተወልደ ዘበለ (ዅሉ) (ባህርይ ኣምላኽ) ኣብኡ ይነብርሞ፡ ሓጢኣት ኣይገብርንዩ፡ ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደውን፡ ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉንዩ። ጽድቂ ዘይገብርን ንሓው ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። ደቂ ኣምላኽን ደቂ ድያብሎስን በዚዮም ዚፍለጡ።ብምባል ነቲ ሓቂ ብኣጽንዖትን ብንጹርን ገሊጹልና ኣሎ (1ዮሃ 35-10 .) ስለ ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ዳግማይ ዝተወልደ ዘበለ ዅሉ ንሓጢኣት ዚጽየፈሉን ዚስዕረሉን ብቕዓት ኣብ ውሽጡ ኣለዎ። ንሱ ኸኣ፡ በቲ ውልድነቱ ዝተኻፈሎ ባህርይ ኣምላኽዩ። እዚ ባህርይ ኻብ ምልኪ ሓጢኣትን ድያብሎስን ሓራ ዜውጽእዩ። ባህርይ ኣምላኽ ለቢስካ እንተሊኻ፡ ክትገብሮ ዘይትኽእል ጽድቅን ክትስዕሮ ዘይትኽእል ሓጢኣትን የልቦን። ውሉድ ኣምላኽ ክነስኻስ ፈቲኻን ረዲኻን ሓጢኣት ትገብር እንተ ዄንካ ግን፡ ምስ ድያብሎስ ተዳቒልካ ኣለኻ ማለትዩ። ንሓጢኣት ስፍ ዘይብል ክብደት ዜልብሶ ድማ እዚ ስግንጢር ምርጫዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ናብ ናይ መንፈሳዊ መንነት ቅልውላው ኣቲኻ ኣለኻ ማለትዩ። ስለ ንስሓ ዚኸልእ ዘሎ እቲ ዓይነት ናይ ሓጢኣት ዘይኰነስ፡ እቲ መንነት ናይ ዚሓጥእ ዘሎ ሰብዩ። ውሉድ ኣምላኽ ኰይኑ ዚሓጥእን፡ ውሉድ ድያብሎስ ኰይኑ ዚሓጥእን ንሓጢኣቶም ብሓደ ዓይኒ ኽትርእዮን ክትፈርዶን ፍትሓዊ ኣይኰነን። ምኽንያቱ እቲ ቐዳማይ ዘይባህርዩ ዘይናይ ኣቦኡ ዚገብር ዘሎ። እቲ ኻልኣይ ግን ናይ ኣቦኡ ናይ ድያብሎስ ግብርን ባህርይንምበር፡ ካልእ ናይ ምግባር ኣማራጺ የብሉን። ስለ ኸኣ እዚ ቕዱስ ሃዋርያ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹካብ ሓጢኣት ርእስኹም ሓልዉ፡ ርእስኹም ኣይተሕስሩ፡ ኣይተበላሽዉዚብለና ዘሎ፡

እግዚአብሔር ካብ ሓጢኣት ክንሕለውን ንሓጢኣት ክንስዕሮን ዚገብረልና ደገፍ ኣሎ ድዩ፧ ብርግጽ ኣሎ። ካብ ናትና ግደ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ግደ ኣዝዩ ዝዓበየ (ዮሃ 155 2ቈረ 35,6) እቲ ዚህበና ደገፍ ድማ፡ጸጋይብሃል። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ጸጋ ኣምላኽ ካብ ምልኪ ሓጢኣት ከም ዜናግፈና፦

ሓጢኣት ምእንቲ ኺበዝሕ ሕጊ ኣተወ፡ ኣብ ሓጢኣት ዝበዝሖ ግና፡ ኣብኡ ጸጋ ኣዝዩ ዓዘዘ። ስለ ኸም ሓጢኣት ሞት ብምምጻእ ዝነገስ፡ ጸጋ እግዚአብሔር ከኣ ከምኡ፡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፡ ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ኪነግስዩ። እሞኸ እንታይ ንበል፧ ጸጋ ምእንቲ ኺበዝሕሲ ሓጢኣት እናገበርናዶ ንንበር፧..... እምበኣር ንፍትወት ስጋ ምእንቲ ኸይትግዝኡ፡ ኣብ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። ሞይቶም ከም ዝተንስኡ ገዛእ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩምበር፡ ንኣካላትኩም መሳርሒ ኽፍኣት ኪኸውን ንሓጢኣት ኣይትሃብዎ፡ ኣካላትኩምሲ መሳርሒ ጽድቂ ኪኸውን ንኣምላኽ ደኣ ወፍይዎ። (ምኽንያቱ) ትሕቲ ጸጋምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምንዩ።ሮሜ 520,21 61,12-14 .

ንሓጢኣት ክንሕሰመሉን ክንስዕረሉን እንኽእል መንፈሳዊ ሓይሊ ዜዕጥቐናምበኣር፡ ጸጋ ኣምላኽዩ። ስለ ኸኣ ንጸጋኡ ኣብ ልዕሌና ዜውሕዞን ዜዕዝዞን (ኤፌ 18-10 1ጢሞ 113,14) ብዘይ ጸጋ ግና፡ ካብ ሓጢኣት ወጻኢ ኻልእ ግብርን ታሪኽን ኣይምሃለወናን ነይሩ። ቅዱስ ጳውሎስውን ብዛዕባ ርእሱ፦

እቲ ዀይነዮ ዘለኹ ግና ብጸጋ ኣምላኽ ዀነዮ ዘለኹ፡ እቲ ንኣይ ዝሃበኒ ጸጋ ኸኣ ከንቱ ኣይኰነን። እኳ ደኣ ሓለፋ ዅላቶም ጸዓርኩ። እንተ ዀነ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ጸጋምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን።” ብምባል ተኣሚኑ ኣሎ (1ቈረ 1510 .) ስለ ንጸጋና እንተ ዓቂብናዮን እንተ ተጠቒምናሉን፡ ንሓጢኣት ንመልኮምበር፡ ብሓጢኣት ኣይንምለኽን ኢና (2ቈረ 61) ምስናይ ጸጋኻ ከለኻ ፈቲኻ ሓጢኣት ምዝውታር ግን፡ ነቲ ኽቡር ደም ክርስቶስ ዝዋግኡ ጸጋ ኣምላኽ ምርኻስ ስለ ዝዀነ፡ ንስሓ ዚኸልእ እኩይ ጸወታ ዚኸውን። እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ዜፍርህ ጥቕስታት ናይ እብ 64-8 1026-31 ኣብ ከም ዝበለ ናይ ድፍረትን ንዕቀትን ሓጢኣት ተፈጻምነት ዚረክብ።

እምበኣር ህይወትና ብዕምቈት ንመርምር። ብውልድነቶም ዚጣልዑ፡ ነቲ ዝተማቐልዎ ባህርይ ኣምላኽ ዜራኽሱ፡ ጸጋኦም ዚንዕቁ ንመድሓኒኦም ንወዲ ኣምላኽ ዚረግጹ፡ ብግብሮም ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፉ፡ ጥፍኣቶም ዚብርሆም ዓያሹ ዄንና ኸይንርከብ ርእስና ካብ ናይ ፍታው ሓጢኣት ንሓልው። ጽውዓና፡ ምልክን ንግስነትን ናይ ሓጢኣት ስዒርና፡ ጸጋን ጽድቅን ንኸነንግስ ምዃኑ ወርትግ ንዘክር። እንሆ፡ ፍልጠት-ሓቂ ተመጊብና ኣለናሞ፡ ፈቲና በርዑት ሓጢኣት ከይንጽመድ ንጠንቀቕ!! ሓጢኣትን ጽድቅን ሞትን ህይወትን ናይ ምርጫ ጕዳይ ምዃኑ ኣይንረስዕ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ሕዳር 2023 | ሕዳር 19, 2016 ግዕዝ (10 ሰንበት: ቊ..፲/10)

ምስባክ

 መዝ. ፸፰(፸፱)፡፰ ኢትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት። ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ። እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ።

ዓዲ፡

መዝ.፻፪(፻፫)፡፱-፲ ኢይቀሥፍ ወትረ ወኢይትመዓዕ ዘልፈ። አኮ በከመ ኃጢአትነ ዘገብረ ለነ። ወኢፈደየነ በከመ አበሳነ።

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 510-ፍጻመ

ዲያቆን

1ዮሃ 513-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 1338-43

ንፍቅ ካህን

ማቴ 61-15

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦  ዘእግዚእነ

መዝሙር፦ ኢተዘኪሮ

   

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div