S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዘይበቕዑ ዕዱማት [መበል 42 ሰንበት: ቊ.፶/50, 2023]

 ሽዑ (እቲ ንጉስ) ንባሮቱ፡ <እቶም ዕዱማት ደኣ ዘይበቑዓት ኰይኖም’ምበር፡ መርዓስ እተዳለወ’ዩ። ደጊም ናብ ቀራና መገዲ ኺዱ’ሞ ንዝረኸብኩምዎ ዘበለ ናብ መርዓ ጸውዑ፡> በሎም። እቶም ባሮት (ድማ) ናብ መገዲ ወጺኦም፡ ንዝረኸብዎ ዘበለ፡ ንሕሱማትን ንሕያዎትን፡ ኣከብዎም። እቲ ዳስ-መርዓ ድማ ብተቐማጦ መልአ።” ማቴ 22፡8-10

ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቘጻጽራ ግእዛ ካብ ሰነ 18 ኽሳዕ ሰነ 25 ዘሎ ቕንያት፡ “ዘመን ኣስተምህሮ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ሓደ ዓመት ክልተ ዘመን-ኣስተምህሮ’ዩ ዘሎና። እቲ ቐዳማይን ዝነውሐን ዘመን ኣስተምህሮ ካብ ሓዳር 6 ኽሳዕ ታሕሳስ 6 ዘሎ ቕንያት’ዩ። እዚ ዘመን’ዚ ብዛዕባ’ቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚህቦ ዝነበረ ሰፊሕን ዓሚቝን ኣስተምህሮታት እንስተንትነሉ ቕንያት’ዩ። ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መምህርነት ናይ ባህርይ ገንዘቡ’ዩ። ካልእ ኵሉ መምህር ወንጌል ግን ብእኡ ተዋሂብዎ ዚፍጸም ኣገልግሎት’ዩ። ንወዲ ሰብ፡ መምህርነት ውህበት መንፈስ ቅዱስ’ዩ። ግደ ሓቂ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ሰብ ኰይኑ ዜስተምህር፡ ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝዀነ፡ “መምህር” ኪበሃል ዚግብኦ መንፈስ ቅዱስ ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ንመምህራን ወንጌል፡ “መምህር” ኢልና ኽንጽውዕ ከለና ነዚ ሓቂ’ዚ ኸም ድሕረ ባይታዊ ርዱእ ሓቂ ተገንዚብና ወይ ኣንጺፍና ኽንብሎ ይግብኣና። ብኸምኡ ኽንሓስብ ከም ዚግብኣና ንኼስተምህረና፡ ጐይታና፦

“(ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን) ኣብ ዕዳጋ ኺሳለምዎም፡ ብሰብ’ውን <መምህራን> ኪብሃሉ ይፈትው። ንስካትኩም ግና፡ መምህርኩም ሓደ’ዩ’ሞ፡ (ንሓድሕድኩም) <መምህራን> ኣይትብሃሉ፡ ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም።” ኢሉና ኣሎ (ማቴ 23፡7,8)። እዚ ኣባህላ’ዚ በቲ ናይ ፈሪሳውያን ኣተሓሳስባ ንኸይንጥቀመሉ’ምበር፡ ፈጺምና ነዚ ቓል’ዚ ንኸይንጥቀመሉ ዚእግድ ኣይኰነን። ዚእግድ እንተ  ዚኸውን’ሞ፡ ኣቦታትና ሃዋርያት ኣይምተጠቕሙሉን ነይሮም። ቅዱስ ጳውሎስ ሓደ ኻብ’ቶም ኣዘውቲሮም ዝተጠቕሙሉ ሃዋርያት’ዩ (1ቈረ 12፡28-29፣ ኤፌ 4፡11-13፣ 1ጢሞ 2፡7፣ 2ጢሞ 1፡11፣ እብ 5፡12)። ስለ’ዚ እቲ ንሓድሕድና “መምህራን” ከይንብሃሃል ዚኽልክል ቃል፡ እቲ መምህር እቲ ኣብ ውሽጢ ዀይኑ ዚዛረብ ጐይታ’ምበር፡ እቲ ጐይታ ዚጥቀመሉ ዘሎ ሰብ ከም ዘይኰነ እናሓሰብና ፈሊጥና ኽንብሎ ኸም ዚግብኣና ዜመልክት’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ መምህር ኪኸውን ብክርስቶስ ከም ዝተሾመ እንተ ተዛረበ’ኳ፡ “ኣባይ ሓዲሩ ዚዛረብ ክርስቶስ” ብምባል፡ ነቲ ናይ መምህርነት ክብሪ ንጐይታኡ ምሃብ ኣይዘንግዐን (2ቈረ 13፡2,3፣ ገላ 2፡20)። ስለ’ዚ እቲ ናይ መምህርነት ጸጋ ዝተቐበለ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ኰነ፡ እቲ ዚመሃር ተገልጋሊ ምእመን፡ ንመምህርነት ኪጠቕሱ ኸለዉ፡ ካብ’ዚ ሃዋርያዊ ሓቅን መንፈስን’ዚ ከይወጹ ኺጥቀሙሉ ይግባእ። እቲ ክርስቶስ ኣብኡ ሓዲሩ ዘይዛረብ መምህር ወንጌል፡ ኣብ ዘይመንበሩ ዝተቐመጠ፡ ባዕሉ ንርእሱ ዝሾመ፡ መምህር ሓሶት’ዩ። ከመይሲ መምህርነት ህያብ መንፈስ ቅዱስ’ምበር፡ መናበሪ ሞያ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ፦ 

“ኣሕዋተየ፡ ዚገድድ ፍርዲ ኸም ‘ንቕበል ፈሊጥኩም ብዙሓት መምህራን ኣይትኹኑ።” ብምባል ዘጠንቀቐ (ያእ 3፡1)። እዚ መጠንቀቕታ’ዚ ነቶም ባዕላቶም ንርእሶም “መምህራን” ዚሾሙ’ምበር፡ ነቶም እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ንመምህርነት ዝሸሞም ዚምልከት ኣይኰነን። ስለ’ዚ እዚ ዘመነ-ኣስተምህሮ’ዚ ብዛዕባ መምህርነት ክርስቶስ ብዕምቈት እነስተንትነሉ ቕንያት’ዩ። ናይ ጐይታና ዘመን ኣስትምህሮ ኽሳዕ ምጽኣቱ ዚቕጽል’ዩ። ኣብ’ቲ ብስጋ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ዘመን ብኣካል ባዕሉ ብልሳኑ ይምህር ነበረ። ካብ’ታ ዝዓረገላ ጊዜ ጀሚሩ ድማ ባዕሉ መምህራን ገይሩ ኣብ ዝቐብኦም ኣእላፋት ሰባት ሃዲሩ ይምህር ኣሎ። ኵሎም’ቶም ቃል ወንጌል ዜስተምህሩ ዘለዉ መምህራን ከኣ፡ ክርስቶስ ኣብኣቶም ሓዲሩ ይዛረብ ከም ዘሎ፡ ብዘይ ዝዀነ ምምታእ ኬረጋግጹ፡ ብትግምህርቶም ጥራሕ ዘይኰነ ብህይወቶም’ውን ነቲ እንኮን መዘና ኣልቦን መምህር ከም ዝመሰልዎ ኼረጋግጹ ይግባእ። ብዓብዪ ብደረጃ ምልእቲ ቤተ ክርስትያን ከምኡ’ውን ኣገልገልትን ምእመናንን ብሕብረት ኰነ በብውልቂ ኣብኣቶም ሓዲሩ ብኣታቶም ገይሩ ዚምህረና መምህራን ኪቐብኣልና ኽንጽልይ ይግብኣና። ምኽንያቱ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐብኡ መምህራን ዘይብላ ቤተ ክርስትያን ክርስቶስ ዝተፈልያ ቤተ ክርስትያንና’ያ። ካብ’ቲ ኽሳዕ ምጽኣቱ ዚቕጽል ዘመን ኣስተምህሮኡ’ውን ዝተነጸለት ቤተ ክርስትያን’ያ።

ኣብ’ዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ተተሪኹልና ዘሎ ምስላ፡ ምስ’ዚ ዘመነ ኣስተምህሮ ዘለዎ ዝምድና እንታይ’ዩ፧ እዚ “ምስላ መርዓን ዕዱማትን” ቀጥታዊ መልእኽቱ፡ ብዛዕባ መኣዲ ወንጌል’ዩ። እቲ መርዓ ወዱ ዝገበረ ንጉስ፡ እግዚአብሔር ኣቦ’ዩ። እቲ ዚምርዖ ወዱ፡ እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። እቶም ኪጽውዑ ዝተላእኩ ባሮት ድማ፡ እቶም ንስብከተ ወንጌል ዝተላእኩ፡ ካብ ቅዱሳን ሃዋርያትን ኣርድእትን ጀሚሩ ኽሳዕ ምጽኣት ዘለዉ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን’ዮም። እቶም ብቐጥታ ብስሞም ተዓዲሞም ዝተጸውዑ ዝኣበዩን ዝቐተሉን ዕዱማት ከኣ፡ እቶም ንወንጌል ዝተሓሰምዋ ቤተ እስራኤል’ዮም። እቶም ካብ መገድታትን ኣደባባያትን ዝተጸውዑ ድማ፡ እቶም ኣብ እምነት ዘይነበሩ ኣረማውያን ኣህዛብ’ዮም። እቲ ዝተዳለወ መኣዲ ድማ ትምህርቲ ወንጌል’ዩ። ብሓፈሻ እቲ ናይ መርዓን ዕድመን ጊዜ ድማ፡ እቲ ናይ ወንጌል ዘመነ ኣስተምህሮ’ዩ።

ኣብ’ቲ ምስላ ብንጹር ተነጊሩና ኸም ዘሎ፡ ሰባት ነቲ ዝቐረበሎም ናይ መርዓ ዕድመ ዝሃብዎ መልሰ ግብሪ፡ ዝተፈላለየ ዓይነት’ዩ። እቶም ነናብ ቤቶም ዕድመ ዝተላእከሎም፡ ፍሉይ ክብሪ ዝተዋህቦም ቀዳሞት ዕዱማት፡ ነቲ ዕድመ መርዓ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ዓዳሚ ንጉስን ንወዱን ደመኛ ጽልኢ ዝነበሮም’ዮም። ነዚ ኸኣ ነቶም ልኡኻት ናይ’ቲ ንጉስ ብምውራድን ብምቕታልን’ዮም ገሊጾምዎ። ንልኡኻት ንጉስ ቀቲልካ ደሓን ከም ዘይርከብ ጠፊእዎም ኣይኰነን። እቲ ዝነበሮም መጠን-ጽልኢ፡ ብዛዕባ ሳዕቤን ናይ ተግባሮም ኪሓስቡ ኽሳዕ ዘይክእሉ ነእምሮኦም ስለ ዘጸልመቶ ግን ብዕሽነት ፈጸምዎ። እቶም ኣብ ጐደናታትን ኣደባባያትን ዝነበሩ ፍሉጥ ኣድራሻ ዘይነበሮም ወዝቢ ዝተዓደሙ ሰባት ግና፡ እቲ ዳስ ክሳዕ ዚመልእ ነቲ ዕድመ ተቐቢሎም ብሓጐስ መጹ።

እዚ “ምስላ መርዓን ዕዱማትን” ናይ’ቲ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንን ኣገልገልታን ዝካየድ ናይ ትምህርቲ-ወንጌል መኣዲ መግለጺ ኢዩ። ነዚ ኽቡር ዕድመ’ዚ እንህቦ መልሰ ግብሪ፡ ኣብ’ዚ ምስላ ካብ ዝተጠቕሱ ነየኖት ከም እንመስል ዚገልጽ’ዩ። ገሌና ኸም’ቶም ነቲ ዕድመ ሸለል ኢሎም፡ ነናብ ዋኒኖም ዝኸዱ ኢና’ንመስል። ነቲ መኣዲ ወንጌል ብዓይኒ ንዕቀት ብምርኣይ፡ “ናብራይ፡ ጕዳየይ፡ ዋኒነይ ይዓብየኒ” ብዚብል ስምዒት፡ ፈቐዶ ሰብኣዊ ውራያትን ዕድመታትን ክንኵብልል ንርከብ። ናብ’ታ ናይ መርዓ ንጉስ ዳስ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ክንዕደም ከለና፡ ዓቕልና የጽብበልና፡ ስፍርን ቍጽርን ዘይብሉ ምኽኒት ንድርድር፡ “ጊዜ ምስ ረኸብኩ ኽመጽእ’የ” ዚብል ናይ ሓሶት መብጽዓ ነብዝሕ። ገሌና ኸኣ፡ ናይ’ታ ዝዓደመትና ቤተ ክርስትያን ናይ ኣገልገልታን ስም ኣብ ምክፋእ (Character Assasination) ንጽመድ። ሕጊ ሰብ ኣፍሪህዎም እንተ ዘይተኣዲቦም ኪቐትሉን ብሓዊ ኼቃጽሉን ዚህንደዱ፡ በቲ ሓዊ ገሃነም ዝዀነ ጽልኢ ዝተቓጸሉ’ውን ኣይስኣኑናን’ዮም። ብኣንጻሩ ዕድመ ኣኽቢርና ናብ’ቲ መኣዲ ወንጌል እነዘውትር’ውን ውሑዳት ኣለና። ካብ’ቶም ዕድመ ዘኽበርና’ሞ ናብ’ቲ ዳስ ዝኣተና ነቲ መርዓ ዘይበቅዕ ህይወት ስለ ዝተረኽበና በቲ ንጉስ ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማትን ስንኻ ናብ ዜሐርቅም ስቓይን እንድርበይ’ውን ኣለና። እዛ ዕድመ’ዚኣ መንነትና ኸተግህድ ብቕዓትና ኽትመዝን ዝተሰርዓትልና ዕድመ’ያ። ስለ’ዚ ብዛዕባ’ቲ ኣዘውቲሩ ዚቐርበልና ናይ መኣዲ ወንጌል ዕድመ ልዑል ጥንቃቀ ኽንገብር ይግብኣና። እዚ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ እነሕልፎ ዕድመ፡ ትምህርቲ ወንጌል ተማሂርና ህይወትና እነቕንዓሉ፡ ነቲ ኣብ መዓልቲ ምጻኣቱ ዚገሃድ ንጉስ ንምቕባል ብቕዓት እነጥርየሉ፡ ናይ ዘመነ- ኣስተምህሮ ዕድመ’ዩ።

ዚቐርበልካ ዕድመ ወይ ጽውዓ ግን ብኸመይ’ዩ መምዘኒ ብቕዓት ዚኸውን፧ ንምንታይ’ዩ’ቲ ንጉስ፡ ነቶም ንዘቕረበሎም ዕድመ ዝተሓሰሙ ሰባት “ዘይብቑዓት” ሰምይዎም፧ ግደ ሓቂ፡ ካብ ጽውዓ (ዕድመ) ዚበልጽ ካልእ መምዘኒ ብቕዓት ኣሎ ኺበሃል የጸግም’ዩ። ኵሉ ነገር ብጽውዓ ስለ ዚጅምር፡ እቲ በዅሪ መምዘኒ ብቕዓት ንሱ’ዩ። ነቲ ዝቐረበልና ጽውዓ እነርእዮ ኣታሕዛ፡ ብዛዕባ መፈጸምታና ጽቡቕ ትንበያ ኽትገብር ዜኽእል’ዩ። እቶም ነቲ መርዓ ንጉስ ዝተሓሰሙ ሰባት፡ ገና’ቲ መርዓ ኸይተወድአ ኸሎ ንሞትን ጥፍኣትን ተመጠው። ስለ’ዚ ነቲ ዝቐረበሎም ዕድመ ዘርኣይዎ ኣብያ፡ ንሳቶም ይረድእዎ ኣይረድእዎ፡ ናይ መወዳእታኦም ንጹር መርኣያ ነበረ። እቲ ጽውዓ ናብ ድሕነትን ክብርን ዚዕድም’ዩ። ስለ’ዚ ኽትኣብይ ከለኻ፡ “ድሕነትን ክብርን ኣይደልን’የ” ዚብል መልእኽቲ ተሕልፍ ኣለኻ ማለት’ዩ። እቲ ድሕነትን ክብረትን ዚጸልእ ከኣ፡ ብኣንጻሩ ጥፍኣትን ውርደትን ከም ዚደልይ የረጋግጽ ኣሎ። ስለ’ዚ ይረድኣዮ ኣይረድኣዮ፡ “ኣነ ነዚ ጽውዓ’ዚ ኣይብቑዕን’የ” ኢሉ ኣብ ገዛእ ርእሱ’ዩ ዚፈርድ ዘሎ። እቲ ዚፈርድ ንጉስ ምስ ተገልጸ፡ ነቲ ባዕላዊ ምርጫን ፍርድን ናይ’ቲ ተዓዳሚ’ዩ ዜጽድቕ። ስለ’ዚ እቲ ንጉስ ነቲ ጓሳቶም ብግብሪ ዝገለጽዎ ሚዛኖም። ንሱ ብቓላት ደኣ ገሊጽዎ’ምበር፡ ሓድሽ መግለጽን ፍርድን ኣይሃበን። ንሳቶም “ኣይብቑዓትን ኢና” ዚብል ግብራዊ መልእኽቲ ሂቦም፡ ንሱ ድማ ነቲ ግብራዊ መልእኽቶም ናብ ቃላዊ መልእኽቲ ለዊጡ፡ “ኣይብቑዓትን’ዮም” በለ። ስለ’ዚ ንዝቐረበልካ ጽውዓ እትህቦ መልሰ-ግብሪ፡ ብርግጽ እቲ ዝበለጸ መምዘኒ ብቕዓትን መግለጺ መንነትን’ዩ።

ነዚ ጽውዓ’ዚ ብዝበለጸ ኽንርድኦ ዚሕግዘና፡ እቶም ምርኡያት ሃዋርያት፡ ንጽውዓ ጐይታ ዘርኣይዎ መልሰ ግብር’ዩ። ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ብዝተረኸልና መሰረት፡ ንመጀመርታ ጊዜ ናይ ደቀ መዝሙርነት ጽውዓ ዝቐረበሎም ክልቲኦም ደቂ ዮና፡ ስምኦን ጴጥሮስን እንድርያስን’ዮም። ኣርኣያ ኪዀኖም ዚኽእል ቅድሚኦም ዝተጸውዐን ዝሰዓበን ሰብ ኣይረኸቡን። ናይ ስድራቤታት ሓላፍነት ዘለዎም፡ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝተጸምዱ ንጡፋት (busy) ሰባት’ዮም ዝነበሩ። “ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም’የ፡ ንዑ ስዓቡኒ፡” ምስ በሎም ግን፡ ዓይኖም ከይሓስዩ ነግፈረግ ከይበሉ መርበቦምን ጃልባኦምን ሓዲጎም፡ ብኡንብኡ ሰዓብዎ። ደቂ ዘብዴዎስ፡ ዮሃንስ ያእቆብን’ውን ብተመሳሳሊ መገዲ ነቲ ጽውዓኡ ኣኽቢሮም፡ ኵሉ ነገር ሓዲጎም ሰዓብዎ። በዚ ተግባሮም’ዚ ድማ ፍሉይ ክብሪ’ዮም ረኺቦም። ካብ’ታ ናይ ሃዋርያት ማሕበር፡ እቶም ሰለስተ “ምርኡያትን፡ ኣዕኑድ መሰልትን” ገይሩ ጐይታና ዝሓረዮም ንሳቶም ኰኑ (ገላ 2፡2,6-9)። ኣብ’ተን ጐይታ ዘገልገለለን ኣስታት ሰለስተ ዓመታት፡ ንሰለስቲኦም ሓላፍነት ናይ’ታ ንሱ ሓዲግዋ ዚዓርግ ቤተ ክርስትያን ኬሰክሞም ስለ ዝሓረዮም፡ ሓለፋ’ቶም ካልኦት ንሰለስቲኦም ብፍሉይ የሰልጥኖም ነበረ (ማር 5፡37፣ 9፡2፣ ማቴ 26፡37)። ነዚ ኽብሪ’ዚ ዘብቅዖም፡ እቲ ንጽውዓ ጐይታ ዘርኣይዎ ኣኽብሮት’ዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ከም’ቲ ጐይታ ዝበሎ፡ ኣብ ጊዜ መከራኡ ፍርሃት ዝደረኾ ክሕደት እንተ ኣርኣየ’ኳ፡ ካብ’ቲ ናይ ሊቀ ሃዋርያት ክብሪ ኣየጉደለቶን። ስጋ-ለበስ ሰብ ኰይኑ፡ ድኻም እንተ ኣርኣየ’ኳ እታ ብጽውዓኡ ዘርኣያ ብቕዓት፡ ኣብ ሰማያት ዝፋንን መንግስትን ኣውሒሳትሉ’ያ (ማቴ 19፡28፣ ሉቃ 22፡29,30)። ስለ’ዚ ብርግጽ ኣታሕዛ ጽውዓኻ፡ መምዘኒ ብቕዓትን መለለዪ መንነትን፡ ጽሕፍቶ መጻኢኻ ዚውስንን ምዃኑ ከቶ ዘየማትእ’ዩ።

ጽውዓ ግን ብኸመይ’ዩ ዚቐርብ፧ ዓይነት ኣለዎ ድዩ፧ ወይስ ሓንሳእን ብሓደ ኣገባብን’ዩ ዚቐርብ፧ ንምዃኑኸ ጽውዓ ዘይቀርበሉ መዓልትን ኵነታትን ኣሎ ድዩ፧ ፈጺሙ የልቦን። ብህይወት ክሳዕ ዘለና ጽውዓ ፈጺሙ ኣየቋርጽን’ዩ። ምናልባት እቲ ዚቐርበሉ ኣገባብ በብዓይነቱ ስለ ዝዀነ ኸም ጽውዓ ኣይነለልዮን ንኸውን’ምበር፡ ዘየቋርጽ ጽውዓ’ዩ ዚቐርበልና። ገሊኡ ቃላዊ ጽውዓ ዀይኑ ይቐርበልና፡ ገሊኡ ግብራዊ ጽውዓ፡ ገሊኡ ኸኣ ኵነታዊ ጽውዓ ኪኸውን ይኽእል። ነቲ ኣብ ጕንዲ እዝንና ዜቃልሕ፡ “ንዓ ብላዕ፡ ንዓ ስተይ፡ ንዓ ስዓበኒ” ዚብል ቃላዊ ጽውዓ ጥራሕ ነቕልበሉ እንተ ዄንና፡ ንዅሉ’ቲ እልቢ ዘይብሉ ኻልእ ግብራውን ኵነታውን ጽውዓ፡ ብኣሰምባዲ መጠን ንከስሮ ኣለና ማለት’ዩ። በዚ ምስትውዓል ዝጐደሎ ኣካይዳና ድማ ሚዛንና ነቕልል፡ ብቕዓትና ድማ ባይታ ኺዘብጥ ንገብሮ ኣለና ማለት’ዩ። ብርግጽ እቶም “ንዓ፡ ንዒ፡ ንዑ” ዚብሉ ጽውዓታት ብዙሓት፡ ቀጥታዊ መልሰ ግብሪ ንምሃብ ዘየጸግሙን’ዮም (ኢሳ 55፡1-4፣ ማቴ 11፡28-30፣ ዮሃ 7፡37,38)። ንዅላቶም ከም’ዚ ዝበሉ ቀጥታውያን ጽውዓታት ኵሉ ጊዜ እወታውን ቅልጡፍን መልሲ ኽንህብ ይግብኣና። ጐይታና ኣብ መዓልቲ ሆሳእናኡ ኼልቅስ ዝገበሮ፡ ህዝቢ ኢየሩሳሌም ነቶም ናብ ኣምላኽ ንኺምለስ ኪጽውዕዎ ዝተላእኩ ነብያት ብእምኒ ጨፍሊቑ ዚቐትል፡ ንጥፍኣቱ ዚተግህ ዓሻ ህዝቢ ስለ ዝነበረ’ዩ (ማቴ 23፡37-39፣ ሉቃ 19፡41-44)።

እቲ ቃላዊ ጽውዓ ዳርጋ ኵሉ ጊዜ ኺበሃል ይከኣል፡ ብልኡኻት ኣምላኽ፡ ብሰበኽቲ ወንጌል’ዩ ዚቐርበልና። ኢድ ሰብ ከይሓወሰ፡ በቲ እንሓልፎ ወይ በቲ ዜጋጥመና ዅነታት ዚቐርበልና፡ ዘየቋርጽ ኵነታዊ ጽውዓ ድማ ኣሎ። ባእሲ፡ ህልኽ፡ ጽልኢ፡ ቂምታ ዘለዎ ዅነታት ምስ ዜጋጥመና፡ እግዚአብሔር በቲ ዅነታት ገይሩ ብሰላም ብፍቕሪ ብምሕረት ክንዋሳእ ይጽውዓና ኸም ዘሎ ኸነስተውዕልን ነቲ ጽውዓኡ ድማ ከነኽብርን ይግብኣና። ነቲ ኽፉእ ኵነታት ዝኸሸነን ዘዋደደን ካልእ እኩይ ዓዳሚ ኸኣ ኣሎ። መብዛሕትኡ ጊዜ ናይ መኖም መኣዲ ኸም ዜወናውነናን፡ ንናይ መን ዕድመ ኸም እነኽብርን ብግብራዊ ተመክሮና ጽቡቕ ኔርና ንፈልጦ ኢና። ነቲ ቕሂሙ ዘሎ ሃልሃልታ ፍቕሪ ማይ ደፊእና ኸነጥፍኦ፡ ነቲ ገሃጽሃጽ ዚብል ዘሎ መጋርያ ጽልኢ ድማ ነዳዲ እናወሰኽና ፉሕፉሕ ከነብሎ ንርከብ። ነዚ ዅነታዊ ጽውዓ’ዚ ኣሉታዊ መልሲ ብምሃብና፡ “ኣነ ንመኣዲ ፍቕሪ፡ ንመኣዲ ጽድቂ ኣይብቑዕን’የ” ኢልና ንርእስና ንኵንን ከምዘለና ፈጺምና ኣይነስተውዕሎን ኢና። ረድኤትና ዜድልዮም ጽጉማት ኣብ ከባቢና ኺህልው፡ ኣብ መገድና ኺጐንፉና፡ ወይ ብዛዕባኦም ወረ ናብ ኣእዛንና ኺበጽሕ ከሎ፡ “ንዑ ኣብ ክንዳይ ኴንኩም፡ በቲ ዝሃብኩኹም ጸጋ ርድእዎም፡ ኢደ-እግሪ ዅኑኒ፡ በዚ ሰናይ ግብሪ ሰዓቡኒ” ዚብል ካብ ቃላዊ ጽውዓ ዚብርትዕ ኵነታዊ ጽውዓ ይቐርበልና ኸም ዘሎ ርዱእ’ዩ። ብዓቕምኻ ክትረድኦ እትኽእል ጽጉም ሰብ እናረኣካ፡ ኣብ እዝንኻ ዜቃልሕ “ነዚ ሰብ’ዚ ርድኣለይ” ዚብል ጽውዓ ስለዘይሰማዕካ፡ ከም ዘይተጸዋዕካ ዀይኑ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ዘይምስማዕ ጥራሕ ዘይኰነስ “ኣሉ ቐጣን” ክሕደት ጥራሕ’ዩ ዚኸውን። ነገሩ “ፈሊጡ ንዝደቀሰስ፡ ሓርማዝ ነይንቕንቖ”’ዩ ዚኸውን። ኣብ’ቲ “ምስላ ሕያዋይ ሳምራዊ” እዚ ዅነታት’ዚ ብስእላዊ መሀዲ ተገሊጹ ኣሎ (ሉቃ 10፡25-37)። እቶም “ናይ ኣምላኽ ኣገልገልቲ” (እቲ ኻህንን ሌዋውን)፡ ነቲ ግብራዊ ወይ ኵነታዊ ጽውዓ ጸማም እዝኒ ሂቦም፡ ነቲ ውጽዕ ሰብኣይ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ዚጽውዖም ዝነበረ ኣምላኽ’ውን ረጊጾምዎ ሓለፉ። እቲ ብኣታቶም ከም ፍንፉንን ንዑቕን ከም ኣረማዊ ሰብ ዚረኣይ ሳምራዊ ሰብኣይ ግና፡ ነቲ ግብራዊ ጽውዓ ኣብይዎ፡ ነቲ ግዳይን ንኣምላኽን ረጊጽዎም ኪሓልፍ ዜኽእሎ ድፍረት ኣይነበሮን። ስለ’ዚ ትጽቢት ካብ ዝተገብረሉ ንላዕሊ ተመጢጡ መስተንክር ሕያውነት ኣርኣየ። እዚ ሰብ’ዚ በቶም “ህዝቢ ኣምላኽ ኢና” ዚብሉ ኣይሁድ ፉንፉን ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ናይ እግዚአብሔር ቃላዊ ጽውዓ ኺሰምዕ ዕድል ዘይነበሮ’ዩ። እቶም መምህራን-ሕያውነት ኪዀኑ ዚግብኦም ኣገልገልቲ መቕደስ፥ ጸማም እዝኒ ንዝሃብዎ ግብራዊ ጽውዓ ብቑዕ መልሰ ግብሪ ስለ ዝሃበ ግን፡ ብዓይኒ ግቡዛት ከም ዘይብቑዕ እንተ ተራእየ’ኳ፡ በቲ ቕኑዕን ፍትሓውን ኣምላኽ ግና ምስ ብቑዓት ተመደበ። ናይ ቃል ጽውዓ እንሰምዓሉ መድረኻት ኣዝዩ ውሑድን ሳሕቲ ዚርከብን’ዩ። ግብራዊ ወይ ኵነታዊ ጽውዓ ግን ኣብ ዝኣተናዮን ዝኸድናዮን፡ ቍሊሕ ወይ ግልጽ ናብ ዝበልናሉ ዅሉ መኣዝንን’ዩ ዚጸንሓና። ኣብ መደቀሲ ኣሚንና፡ ኣብ ውሽጢ ስድራና ኣብ ማእከል ጐረባብትና፡ መሳርሕትና ኣዝማድና ወዘተ ብዘየቋርጽ መገዲ፡ ኣብ እዝንና’ኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ ልብና ግን ይፈስስ ኣሎ። ንኣብነት ዚኣክል ደኣ ክልተ ዅነታት ጠቒስና’ምበር፡ነቲ ናይ ኣምላኽ ግብራዊ ጽውዓ ኽንሰምዓሉ ዚግብኣና ዅነታት፡ ሓደን ክልተን ኢልካ ኪቝጸር ዘይክእል ብዙሕ’ዩ። ካብኡ ነቲ ዝወሓደ ዕድመታት ኣኽቢርና ንመብዛሕትኡ ግን ጸማም እዝኒ ንህቦ እንተ ዄንና፡ ገና ኻብ’ቲ ናይ “ዘይብቕዓት” ሓጹር ከም ዘይወጻእና ግሁድ’ዩ።

ንጽውዓና ብቑዓት ክንከውን ዜኽእለና ግን እንታይ’ዩ፧ ንዝቐረበልና ጽውዓ እነርእዮ መልሰ ግብሪ ዚገልጹ ኽልተ ዜገርሙ ጥቕስታት ኣለዉና።

“ኣምላኽ ሓንሳእ፡ ክልተ ሳዕ ይዛረብ፡ ሰብ ግና ኣየቕልብን’ዩ።”

“ስልጣን ናይ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ኣምላኽ ሓንሳእ ተዛረበ፡ (ኣነ ግና) ክልተ ሳዕ ሰማዕክዎ።” (እዮ 33፡14፣ መዝ 62፡11)

መን ምዃንናን ብቕዓትናን ዚፍለጥ ድማ በቲ ንጽውዓ ኣምላኽ እነርእዮ ኣሳምዓ’ዩ። ሽሕ ጊዜ ተጸዊዖም ዘይሰምዑ ሰባት ኣብ ዝመልእዎ ዓለም እናነበረ፡ ከመይ ኢሉ’ዩ ሓንሳእ ተጸዊዑስ ክልተ ሳዕ ዚሰምዕ ሰብ ተረኺቡ፧! ኣዝዩ ዜስተንክር’ዩ። እቲ ብእግዚአብሔር “ዝኸም ልበይ” ዝተባህለ ቅዱስ ዳዊት፡ ነቲ ዘዐወቶ ምስጢር፦ “ልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ <ንገጸይ ድለይዎ> ይብለኒ ኣለዎ ዎ እግዚአብሔር ንገጽካ እደልዮ እኔኹ።” ብዚብል መስተንክር ቃል ገሊጽዎ ኣሎ (መዝ 27፡8)። ልቡ ንርእሱ ዘይኰነስ ንኣምላኽ እትውክል፡ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እትቐውም ልቢ ናብ ምዃን ማዕቢላን ተለዊጣን ነበረት። ስለ’ዚ ኸኣ፡ እግዚአብሔር “ከም ልቡ ዝበለ ሰብኣይ ደልዩ” ከም ዝረኸበ ተጻሒፉልና ዘሎ *1ሳሙ 13፡14)። እግዚአብሔር ባዕሉ ኸኣ “ረድኤት ኣብ ልዕሊ ጅግና ኣንቢረ፡ ካብ ህዝቢ ሓደ ሕሩይ ኣልዒለ፡ ንዳዊት ባርያይ ረኺበዮ። ብቕዱስ ዘይተይ ቀቢኤዮ። ኢደይ ኵሉ ጊዜ ምስኡ ኽትከውን እያ፣ ቅልጽመይ ከኣ ኬበርትዖ እዩ። ጸላኢ ኣይኪወድቆን፣ ዓማጺ ኸኣ ኣይኪጠቕዖን እዩ። ንጸላእቱ ድማ አብ ቅድሚኡ ኽቕጥቅጦም፡ ነቶም ዚጸልእዎውን ክወቕዖም እየ። እምነተይን ጸጋይን ድማ ምስኡ ኪዀና፣ ብስመይውን ቀርኑ ልዕል ኪብል እዩ። ኢዱ ድማ ኣብ ባሕሪ፡ የማነይቱውን ኣብ ርባታት ከንብር እየ። ንሱ፡ ኣቦይ፡ ኣምላኸይ፣ ከውሒ ምድሓነይ ንስኻ ኢኻ። ኢሉ ኺሰምየኒ እዩ። ኣነውን በዅሪ፣ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ ኽገብሮ እየ። ሳህለይ ንዘለአለም ክሕልወሉ እየ፣ ኪዳነይውን ኪጸንዓሉ እዩ። ዘርኡ ድማ ንዘለአለም፣ ዝፋኑውን ከም መዓልትታት ሰማይ ከንብር እየ።..... “ ኢሉ መስከረ (መዝ 89፡10-22)። ስለ’ዚ ንዕድመና ብቑዓት ዚገብርና ልብና ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ኰይኑ፡ ነቲ ጽውዓ ኣምላኽ ኪደጋግመልና ኸሎ ጥራሕ’ዩ። ሽዑ ኢና ብዛዕባ ጽውዓና እሙናትን ብቑዓትን እንኸውን። ልብና ኸም ልቢ ኣምላኽ ኪሓስብን ንሰብነትና ኼመሓድርን እንተ ዘይክኢሉ ግና ንጽውዓና ብቑዓት እንዀነሉ ተኽእሎ ሕልማዊ’ምበር፡ ግብራዊ ኣይከውንን’ዩ። እቲ ሃዋርያዊ ቓል ግን ብዘየማትእ መገዲ፦ “ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ብዅሉ ንእግዚአብሔር ባህ ከተብሉ፡ ንእኡ ብቘዓት ኴንኩም ክትመላለሱ .....” ኢሉ’ዩ ብንጹር ዚምዕደና ዚእዝዘናን (ኤፌ 4፡1፣ ቈሎ 1፡10)። ስለ’ዚ ነታ ብቑዓት እትገብረና መንፈሳዊ ጥበብ ከም ከብዲ ኢድና ኽንፈልጣ፡ ካብኡ ሓሊፍና’ውን ኣዚና ኽንመልካን ብእኣ ኽንውሕልልን ይግብኣና። ኤሊ ፋዝ ቴማናዊ ነቦና እዮብ፡ “ልብኻ ናበይ ኣቢሉ ይስሕበኻ ኣሎ፧” ኢሉ ኸም ዝሓተቶ፡ ንሕና’ውን ንገዛእ ርእስና ብዛዕባ ዅሉ ጕዳያትናን ኵነታትናን ነዚ ሕቶ’ዚ ኽንሓትት ግድነታዊ’ዩ (እዮ 15፡12)። ልብና ሸፊቱና ዘይሰማዕ እናሰምዐ ናብ ዘይተጸዋዕናዮ ዜዀብልለና እንተ ዀይኑ ግን፡ ፍጻመና ኣይኪጽብቕን’ዩ። ነቲ ተቐቢልካዮ ዘለኻ ጽውዓ ዜዋርድ ኣካይዳ እናኸድካ ስለ ዝተቐበልካዮ ጥራሕ ንርእስኻ ከም መኽበር ጽውዓ ኽትርእያ ኣይግባእን’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ብቓል ይኹን ብግብሪ ዚቐርበልና ዅሉ ጽውዓ ብኸመይ ንሕዞ ኸም ዘለና ርእስና ንመርምር። ምቕባል ዘይምቕባል ውልቃዊ ምርጫ’ኳ እንተ ዀነ ተሓታትነት ዘለዎ ምርጫ ምዃኑ ድማ ኣይንዘንግዕ!!

ጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ሰነ 18, 2015 ግዕዝ (25 ሰነ 2023 ፈ  [መበል 42 ሰንበት: ቊ.፶/50, 2023] )

ምስባክ

መዝ.፹፭(፹፮)፡፭-

አንተሰ እግዚኦ መሐሪ ወመስተሣህል። ርኁቀ መዓት ወብዙኀ ምሕረት ወጻድቅ። ነጽር ላዕሌየ ወተሣሃለኒ።

እግዚኣብሄር፡ ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ፡ ናባኻ ዜእውዩ ዅላቶም ከኣ ብዓል ዓብዪ ምሕረት ኢኻሞ፡ ጐይታየ፡ ጸሎተይ ስማዕ፡ ንድምጺ ምህለላይ ጽን በሎ።

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 21-12

ዲያቆን

3ዮሃ 11-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 1420-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ማቴ 221-14

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦  ዘእግዚእነ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div