S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ይንበር [መበል 41 ሰንበት: ቊ.፵፱/49, 2023]

 ንስኻትኩም ግና እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዚነብር እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ኣብ ወልድን ኣብ ኣቦን ኽትነብሩ ኢኹም። እታ ክርስቶስ ዝተስፈወና ተስፋ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወትያ።” 1ዮሃ 224,25

እዚ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ ዓስራይ፡ ናይ ዘመን ዕርገት ድማ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ሰንበትዩ። ደጊም ናብ ዘመን ኣስተምህሮ ኢና ኽንሰግር፡ ነዚ ዕለት ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙርዓርገ እግዚኣብሔር በቃለ ቀርን (እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ደየበ)” ዚብል መዝሙርዩ። ነቲ ናይ ዕለት ምስባኽ መሰረት ገይሩ ዝተዳለወ፡ መዝሙርዩ። ኣብ ጐይታና ዝዓረገሉ ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም የማዕድዉ ዝነበሩሉ ጊዜ፡ ቅዱሳን መላእኽቲ ተገሊጾም፦

ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ኣለኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ፡ ከም ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ዝረኣኹምዎ፡ ከምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእዩ።በልዎም (ግብ 110) ስለ ዕርገት ምስ ምጽኣት ጐይታና ቐጥታዊ ዝምድና ዘለዎ ፍጻመ ስለ ዝዀነ፡ ኵሉ ጊዜ ኺዝከር ዚግብኦዩ። ካብቶም ነዚ ዕለት ዝተሰርዑልና ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ድማ ናይ 1ዮሃ 220-29 ንባብዩ። ቅዱስ ዮሃንስ፡ ኣብ መልእኽቱ ኣዝዮም ብዙሓት ኣገደስቲ ኣርእስቲ ኣልዒሉ እንተ ሃለወ፡ ነዚ ዕለት ተመሪጹልና ዘሎ ኣርእስቲ፡ እዚዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ይንበርዚብል ኣገዳሲ ኣርእስቲዩ። እቲ ዚስማዕ፡ ቃል እግዚአብሔርዩ። እቶም እዚ መልእኽቲ ዝተጻሕፈሎም ሰባት ነቲ ዚስማዕ ቃል ድሮ ሰሚዖምዎዮም። ዋላ ብንጹር ዝተሓበረ እንተ ዘየልቦ፡ እቲ ኺስማዕ ዚግብኦ ቓል-ወንጌል፡ ካብ ልሳን ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ሰሚዖምዎ ኪዀኑ ዚከኣልዩ። ሕጂ ግና፡ ኣብ ዘለዎ ቦታ ዀይኑ መልእኽቲ ብምድላው ንመንፈሳውነቶም ኪሃንጽ ጻሓፈሎም። እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ኣብኣቶም ኪነብር ከም ዚግብኦ ድሕሪ ምግላጹ፡ ከምኡ ናይ ምግባር ረብሓ ድማ፡ ብንጹር ሓበሮም። ስለ ንፉዓት ሰማዕቲ ምዃንና ጥራሕ ኣኻሊ ኣይኰነን። ካብኡ ሕልፍ ኢልና ነቲ ዝሰማዕናዮ ቓል ኣብ ውሽጥና ኪነብርን ኪሰርሕን ክንፈቅድ የድልየና ማለትዩ። ነቲ ናብ ቤት እግዚአብሔር መጺእናን፡ ብኻልእ መገድታትን ዝሰማዕናዮ ቓል እግዚአብሔር ብመንጽር ሎሚ እንመሃሮ ትምህርቲ ኽንመዝኖን ርእስና ኽንምርምርን ኬድልየናዩ።

ናብ ዚስዕብ መሰረታዊ ሓሳብ ቅድሚ ምስጋርና፡ ብመሰረቱምስማዕማለት እንታይ ማለትዩ፧ቃል እግዚአብሔር ሰሚዐንኽንብል ኣሰማምዓና ከመይ ኪኸውን ዚግብኦ፧ እዚ ሕቶ ብዛዕባ ባህርያዊ ናይ ምስማዕ ስምዒት ዚምልከት ከም ዘይኰነ ብሩህዩ። ከምኡ እኝተ ዚኸውን መልእኽትና ብዛዕባቶም ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም እዝኖም ዚጸንዖም ወይ ፈጺሞም ዝጸመሙ ሰባት ጥራሕ ምዀነ ነይሩ። ሕጂ ግን ብዛዕባቶም ባህርያዊ ናይ ምስማዕ ጸገም ዘይብልና፡ ግን ከኣ ነቲ ብእዝንና ዝኣተወ ቓላት ኣብ ውሽጥና ዘይንሰምዖ ወይ እንሰምዖ ሰባት ኢና ንዛረብ ዘለና። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣዝዩ ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣሕሊፉ ድሕሪ ምውዳኡ፡እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡እትብል ቃል ይደጋግም ነበረ (ማቴ 1115 139 ማር 423 716) ንሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ብዛዕባተን ሾብዓተ ኣብያተ ክርስትያን ብራእይ ኪዛረቦን ኸሎ ድማ፡እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ (ንኣብያተ ክርስትያን) ዚብለን ዘሎ ይስማዕይብል ነበረ (ራእ 27,11,17,29 36,13,22) እዚ ኣበሃህላ ብዛዕባ ባህርያዊ ኣብ ርእስና ጠቢቑ ዘሎ ኽልተ ኣእዛን ከም ዘይኰነ ርዱእዩ። ብኻልእ እዘራርባ፡ ብዛዕባ ውሽጣዊ እዝንና፡ ማለት ብዛዕባ እዝኒ ልቦናና (እዝነ ልቡና)’ ዚዛረብ ዘሎ።

ካብ ዘመነ ነብያት ጀሚሩውን ብዛዕባ ናይ ደቂ ሰብ ናይ ዘይምስማዕ መንፈሳዊ ጸገም፡ እግዚአብሔር ደጋጊሙ ይዛረብ ነይሩዩ። ግደ ሓቂ ብዛዕባ ብእዝነ ልቦና ናይ ዘይምስማዕ ጸገም፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን እቲ ዝበዝሐን ዝሓየለን መልእኽቲ ተጻሒፉ እንረኽቦ።

ኣታ ልቢ ዘይብሉ፡ ዓይኒ ኸለዎ ዘይርእይ፡ እዝኒ ኸለዎ ድማ ዘይሰምዕ ዓሻ ህዝቢ፡ እዚ ስማዕ ..... ኤር 521

ደሓን ከለኺ ተዛረብኩኺ፡ ንስኺ ግና፡ <ኣይሰምዕን> በልኪ። ድምጸይ ዘይምስማዕክስ፡ እቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚሩ ዝነበረ (ኣካይዳኺ)’ዩ። ንዅሎም ጓሶትኪ (መራሕትኺ) ንፋስ ኪጓስዮም ..... ኤር 2221,22

ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንስኻስ ኣብ ማእከል ዓላዊት ቤት ትነብር ኣለኻ። ዓላዊት ቤት እዮምሞ፡ ኣዒንቲ ንምርኣይ ዘለዎም፡ (ግናኸ) ዘይርእዩ፡ እእዛን ከኣ ንምስማዕ ዘለዎም (ግናኸ) ዘይሰምዑ እዮም። ህዝ 122

ኣቱም ጸማማት ስምዑ፡ ኣቱም ዕውራት ከኣ፡ ክትርእዩስ ጠምቱ፡ ባርያይ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ዕውር መንዩ፧ ከም ዝልእኮ ልኡኸይ ጸማምከ መንዩ፧ ዕውር ከም ፈታውየይ፡ ዕውር ከም ባርያ እግዚአብሔር መንዩ፧ ብዙሕ ነገር ርኢኻ ግናኸ ኣይሓለኻዮን፡ ኣእዛንካ ተኸፊቱ ነይሩ፡ ግናኸ ገለ ኣይሰማዕካን።ኢሳ 4218-20

ካብ ጥቕስታት ብንጹር ከምንርድኦ፡ጸማማት፡ ዘይሰምዑ፡ ዓለውቲዚበሃሉ ዘለዉ፡ እቶም ነቲ ቓል ብእዝኖም ዝሰምዕዎ ሰባትዩ። ግናኸ ብእዝኖም ሰሚዖም ኬብቅዑ፡ ነቲ ዝሰምዕዎ ቓል፡ ዝኰነ ዓይነት እወታዊ ግብረ-መልሲ ዘይሃቡ ሰባት ድማዮም። ስለ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም፡ ወይውን ብናይ እግዝኣብሄር ኣገላልጻ፡ምስማዕማለት፡ ነቲ በእዛንካ ዝሰማዕካዮ ቓል ዚምጥን መልሰ-ግብሪ ምሃብ ማለትዩ። እቲ መልሰ-ግብሪ ስምዒታዊ (emotional) ወይ ከኣ ግብራዊ ኪኸውን ይኽእልዩ። እቲ ስምዒታዊ መልሰ ግብሪ፡ ናብ ግብራዊ መልሰ ግብሪ ዚድርኽ ግድነታውን ኣድላይንዩ። ቃል እግዚአብሔር ምስ ተነግረካእሞ በእዛንካ ምስ ሰማዕካዮ ብዛዕባ ሓጢኣት እንተ ዀይኑ፡ ጣዕሳን ጓህን እንተ ተሰሚዑካ እቲ ግቡእ ስምዒታዊ መልሰ-ግብሪ ሂብካ እለኻ ማለትዩ። ኣብኡ ጥራሕ ከይተደረትካ፡ ዝበደልካዮ ሰብ እንተልዩ ቅድም ናብኡ ኼድካ ይቕሬታ ሓቲትካ ምሳኡ ተዓሪቕካ ብድሕሪኡ ናብ ኣምላኽ ቀሪብካ ልባዊ ንስሓ እንተ ኣተኻ፡ ነቲ ዝተነግረካ ቓል ናይ ብሓቂ ሰሚዕካዮ ኣለኻ ማለትዩ። ብዛዕባ ዝሰማዕካዮ ነፍሲ ወከፍ ኣርእስትን ቃልን ከም ዝዓይነቱ መልሲ ግብሪ እንተ ሂብካ፡ ብርግጽ ሓቀኛ ሰማዒ ኢኻ። እዚ ናይ ሎሚ ኣርእስትና ድማ ኣባኻ ተፈጺሙስ፡ እቲ ዝሰማዕካዮ ቓል ኣባኻ ይነብር፡ ይሰርሕ ከኣ ማለትዩ። ብኣንጻሩ ነቲ ቓል ጽን ኢልካ በእዛንካ ሰሚዕካዮ ኸተብቅዕ፡ ዝዀነ ስምዒታዊ መልሰ ግብሪ እንተ ዘይሃብካ፡ ወይውን ኣብ ስምዒታዊ መልሲ ጥራሕ ተደሪትካ እኝተ ተረፍካ፡ በዚ ዘንበብናዮ ጥቕስታት መሰረት፡ እናሰምዐ ዘይሰምዕ ጸማም፡ ዓላዊ፡ ዓሻ ሰብ ትኸውን ማለትዩ። ህዝቢ እስራኤል ንቓል እግዚአብሔር ብእዝኖም ኪሰምዕዎምበር ብልቦም ኪሰምዕዎ፡ ማለት ኣብ ውሽጦም ኪነብር፡ ዘይደልይዎ ህዝቢዮም ዝነበሩ። ስለ ድማ እግዚአብሔር ብዛዕባኦም ብቕዱሳን ነብያት ገይሩ ኸም ዚስዕብ ይብሎም ነበረ።

“..... ኣፍካ መሊእካ ጨድር፡ ኣይተቋርጽ፡ ድምጽኽ ከም መለኸት ዓው አብል፡ ንህዝበይ ኣበሳኦም፡ ንቤት እስራኤል ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም። ንሳቶም ብመገደይ ኪመላለሱ ኸም ዝፈተዉ (ኼምስሉ) መዓልቲ መዓልቲ የምልኹኒ፡ ከም ጽድቂ ዚገብርን ሕጊ ኣምላኹ ዘይሓደገን ህዝብስ ቅኑዕ ሕጊ ኻባይ (ኪስምዑ፡ ኪቕበሉ) ይደልዩ፡ ፈትዮም ዜምልኹኒ ኸኣ ይመስሉ።ኢሳ 581,2

ኣታ ወዲ ሰብ፡ ህዝብኻ ኣብ ጥቓ ቀጽርን ኣብ ኣፍ ደገታት ኣባይትን ኰይኖም (ብዛዕባኻ) ይዘራረቡ ኣለዉ። ንሓድሕዶም ከኣ፡ <እስከ ንዑናይ፡ ካብ እግዚአብሔር ዚወጽእ ቃል እንታይ ከም ዝዀነ ንስማዕ፡> ይብሃሃሉ ኣለዉ። ስለ ህዝበይ (ንስኻ) እንታይ ከም እትብል ኪሰምዑ ናባኻ ዕጕጕ ይብሉ ኣለዉ። ግናኸ ከም ዝበልካዮ ኣይገብሩን ኣለዉ። ብኣፎም (ብዛዕባ ቓለይ) ፍቕሪ ዝመልኦ ዘረባ ይዛረቡ፡ ብልቦም ግና ህርፋኖም ኬርውዩ ይጐይዩ። (ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም ዚኸይድ) ንስኻስ ከም ጥዑም ድምጺ ዘለዎ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ዚደርፍ፡ ምህራም መሰንቆውን ዚኽእል ሰብ ኰንካዮም። ቃልካ ይሰምዑ፡ ግናኸ ኣይፍጽምዎንዮም።

ነዚ ቓል ምስ ኣንበብካ፡ ንምንታይ ምስማዕ ቃል እግዚአብሔር ከም ዜብህጎም ንኽትርድኦ ይኸብደካዩ። ከም ሓደ ጽቡቕ ናይ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ኣጋጣሚ ወይውን ከም ሓደ መዘናግዒ (Entrtainment) ይርእይዎ ነይሮም ማለትዩ። ስለ ንቓል እግዚአብሔር ብልብኻ ዘይምስማዕ፡ እቲ ዝሰማዕካዮ ቓል ኣብ ውሽጥኻ ኪነብርን ኪሰርሕን ናይ ዘይምፍቃድ ግብራዊ መልእኽቲ ኣዝዩ ኽፉእዩ። እምበኣር ካብ ልዕል ኢና ዝረኣናዮ መልእኽቲ፡ ክልተ ዓይነት ሰማዒ ዘሎ። እቲ ሓደ እዝናዊ ሰማዒ ዀይኑ፡ ብእዝኑ ቓላት ኣብ ምልቃምን ምስትምቓርን ጥራሕ ዚግደስ ከንቱ ሰብዩ። እቲ ኻልኣይ ሰማዒ ድማ ልባዊ ሰማዒ ዀይኑ፡ ኣብ ምስትምቓር ቃላት ከይተደረተ፡ ኣብ ትግባረ ናይ ዝሰምዖ ቓል ዚተግህ፡ ኣምላኽ ዜድህበሉ ኽቡር ሰብዩ።

ካበየኖት ዓይነት ሰማዕቲ ምዃንና ዚውስን ረቛሒ ግን እንታይዩ፧ ብሃንቀውታን ብልዑል ግዳሰን ሰሚዕካዮ ኸተብቅዕ፡ ኣብ ውሽጥኻ ኪእሰርምበር ኪነብር ዘይተፍቅደሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ ብዘይ ቃልዓለም፡ ነዚ ሕቶ ዚበቅዕ ሰብኣዊ መልሲ ኽትረክብ ከቶ ዘይሕሰብዩ። እቲ ንልቢ ሰብ ኣጸቢቑ ዚምርምሮን ኣዳቒቑ ዚፈልጦን ጐይታ ጥራሕ ነዚ ሕቶ ብብቕዓት ኪምልሶ ዚኽእል። ናይ ሕቶ መልሲ ድማ፡ ኣብ ጐይታና ዝመስሎምስላ ዘርእን ዘራእንኢና ከም ዚግባእ ተገሊጹ ንረኽቦ (ማቴ 133-9,18-23 ማር 41-9,13-20 ሉቃ 84-8,11-15) በዚ ምህሮ መሰረት፡ እቲ ዓይነት ሰማዕቲ ዚውስን ረቛሒ፡ ዓይነት-ልቢዩ። ኣብ ምስላ ጐይታና ንዓይነት ልቢ ምስ ዓይነት ናይ ግራት ወይ ሓመድ ኣዛሚዱ ገሊጽዎ ኣሎ። ብመሰረት ኣገላልጻ ናይ ጐይታና፡ ሰባት ብኣሰማምዓኦም ወይ ብዓይነት ልቦም ኣብ ኣርባዕተ ይኽፈሉ።

1. ንሰይጣን ዝተቓልዐ ዘይተሓለወ ልቢ፦ ኣብ ከም ዝዓይነቱ ልቢ ንዝኣተወት ዝዀነት ትኹን ቃል፡ ነዛ ንኼስተንትና ዕድል ከይረኸበ፡ እቲ ሰራቒ ድያብሎስ ብኡንብኡ ይምንጥሎ (ዮሃ 1010) ከም ዝዓይነቱ ሰብ፡ ካብ ኣብ ካልኡ ዝነበረ ፈጺሙ ኸኣ ዘይሰምዐ ሰብ ዚፈልዮ ረቛሒ የብሉን። ካብ ቃል ኣምላኽ ዝሰምዓላ መድረኽ ውጽእ ምስ በለ።እንታይ ተማሂርኩም፧ኢልካ እንተ ሓተትካዮ፡ ይትረፍ ንትሕዝቶ ናይ ስብከት ኪዝክሮ፡ ዋላ ኣርእስቲውን ትዝ ኣይትብሎንያ። ግናኸ ስለ ዘይሰምዐ ዘይኰነስ፡ ብኡንብኡ ስለ ዝተመንጠለዩ። ንዘይተሓለወ ገዛን ንብረትን ሰራቒ ሰብ ከም ዚጻወተሉ፡ ንዘይተሓለወ ልቢ ድማ ድያብሎስ ዚዕንድረሉ። ስለ ድማ ቃል እግዚአብሔርልብኹም ሓልው፡ ነፍስኹም ሓልውእናበለ ደጋጊሙ ዜጠንቅቐና (ፊሊ 47 1ተሰ 523) ንጉስ ሰለሞንውን፦

ወደየ ናብ ቃላተይ ኣቕልብ፡ እዝንካ ናብ ዘረባይ ኣድንን። ንዝረኸበን ህይወቱ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ኸኣ ፈውሱየንሞ፡ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ  (ካብ ሓለዋኻ) ኣይተርሕቀን፡ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቘረን። ህይወት ካብኡ እትፍልፍልሞ፡ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ።ኢሉ ምዒዱና ኣሎ (ምሳ 430-23)መንጣሊ ጕሒላተባሂሉ በቲ ፈላጥ-ኵሉ ጐይታ ተነጊሩካ ኼብቅዕ፡ ከም ንንብረት ስጋኻ ዘይኰነስ፡ ሓለፋኡ እንተ ዘይሓሊኻዮ፡ ምርጫኻ ጥፍኣት ምዃኑ ብወግዒ ተኣሚንካ ኣለኻ ማለትዩ።

2. ኣዝዩ ተሪር ናይ እምኒ ልቢ፦ ኣብ ከውሒ ኸተብቍል፡ ኣብ ከውሒ ኣሰር ክትገድፍ ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። ከም ኣብ ምስላ ተገሊጹ ዘሎ፡ ዋላ ነቲ ተሓጕስካ ዝተቐበልካዮ ቓል ከተብቍሎን ከተፍርየሉንውን ኣይፈቕደልካንዩ። ካብ ላዕለ-ላዕላዊ ናይ ገጽ-ርአ (artificial) ህይወት ዚበልጽ ናብራ ኽትነብር ኣየኽእልንዩ። ልባውን ሓቀኛን ህይወት ስለ ዘይብልካ፡ ኣብ ዘይማእምኣካ እዋን ግልብጥ ኢልካ ብጥልመት ዝባንካ ሂብካ ኽትከይድ ዘየሰክፈካ ሰብ ገይሩ ዜበላሽወካ። ትርሪ ልቢ፡ ክትነቕሎ ዜጸግም ሕሱም ኣበሳዩ። ኣዝዩ ኣሰካፊ ዚገብሮ ኸኣ ዋላ ልኡምን ልስሉስን ባህርይ ዘለዎ ሰብ ከይተረፈ፡ እቲ ዝኸፍአ ከውሒ ልቢ ኺህልዎ ዚኽእል ምዃኑዩ። እግዚአብሔር ከኣ ከም ብትርሪ ልቢ ገይሩ ብኻልእ ኣበሳ ኺስክሕን ኪቝጣዕን ከሎ ኣብ መጽሕፍ ቅዱስ ዀነ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ኣይንርእዮን ኢና (ኤር 118 ማር 1614 ኤፌ 418) መስፈር ዓመጻና ገና ኸይመልአ ኸሎ። ብሕያውነቱን ምሕረቱን ተደሪኹ ነቲ ተሪር ልብና እንተ ዘይሓምሺሽዎ ወይውን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ከም ንሳኦል ዝገበረሉ፡ ነቲ ናይ እምኒ ልብና ነቒሉ ልስሉስ ናይ ስጋ ልቢ እንተ ዘይሂቡና፡ መዋጽኦን ንስሓን ክትረኽበሉ ዜጸግም ክፉእ ሃለዋት (ህዝ 3626,27 1119,20 1ሳሙ 106,9) እግዚአብሔር ከኣ ብቓሉ ዚርዕድን ዚልስልስን ስቡር ልቢ ቕጥቁጥ መንፈስ ዘለዎ ሰብ ዜኽብርን ዜፍቅርን (መዝ 3418 5116,17 ኢሳ 5715 661,2 2ዜና 3419,27-29) እቲ ዜሕዝን ከኣ ትርሪ ልቢ ካብ ነቶም ካብ ኣምላኽን ቃሉን ርሒቖም ኣብ ዓለም ዚዕንድሩ ሰባት ንላዕሊ፡ ነቶም ናብ ቤተ ክርስትያን ምኻድ ዜዘውትሩን ንቓል ኣምላኽ ዚፈልጥዎን ሰባት ብዝኸፍአ ዜጥቅዕ ምዃኑዩ። እቶም ናይ ኣምላኽ ህዝቢ ዝዀኑ እስራኤላውያን፡ ካብቶም ኣረማውያን ኣህዛብ ዝኸፍአ ትርሪ ዝነበሮም ምዃኑ፡ ዓብይ መረጋገጺ ጭብጢዩ። እቲ ጠንቂ ድማ፡ ነቲ እምነትናን ኣምልኾናን ከም ልማድን ባህልን ጌርና ናይ ምርኣይ እኩይ ዝምባለ ስለ እነማዕብል (ኢሳ 2913,14 ማር 76.7 1ቈረ 31-3 ቈሎ 28) ስለ ኢና ብዛዕባ ናይ ቃል ኣምላኽ ግራት ዝዀነ ልብና ኣዚና ኽንጥንቀቕ ዚግብኣና፡

3. ጐይተት ዘብዝሐ ኣመንዝራ ልቢ፦ ንሓደ ግራት ክልተ ዋናታት እንተልዮምዎሞ፡ ክልቲኦም ዜዘድልዮም ዘራእቲ ኣብ ልዕሊኡ እንተ ዚዘርኡሉ እንታይ ዓይነት ፍረ ምሃለዎ፧ እቲ ኣብ ምስላ ተጠቒሱ ዘሎ ግራት፡ እቲይብጽሓኒዩ። ግራተይዝበለ ሕሱም ዋና፡ ኣቐዲሙ እሾኽ ዘሪኡሉ ኸደ። ካልእ ዋና መጺኡ ድማ ስርናይ ዘርአ። እቲ እሾዅ ድማ ነቲ ስርናይ ሓኒቑ ፍረ ኸም ዘይህልዎ ገበሮ። ኣብ ኣብ ማቴ 1324-30,36-43 ተገሊጹ ዘሎምስላ ስርናይን ክርዳድንእዚ ሃለዋት ብንጹር መገዲ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ኽርዳድ ዚዘርእ፡ እቲ ጸላእ-ሰናይ ድያብሎስዩ። ስለ ኣብ ልዕለኻ ንዝተነስነሰ ዅሉ ዘርኢ ተተቐቢልካ ተበቍል እንተ ዄንካ፡ ነቲ ጥዑይ ዘርኢ ንማሕነቕቲ ኣሕሊፍካ እትህብ ሕሱም ሰብምበር፡ እቲ ዘርኢ ኣባኻ ኪነብርን ኬፍርይን ዕድል እትህብ ሰብ ኣይኰንካን ማለትዩ። ከም ኣመንዝራ ሰብ፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ መጻምድቲ ዚገብር፡ ኣመንዝራ ልቢ ዘለዎ ሰብ ድማ ንዝመጾ ዘርእን ዘራእን ዜአንግድ። ኣብ ከም ዓይነት ልቢ ድማ፡ እቲ ኽፉእ ዘርኢምበር፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ኣይዕወትንዩ። ምኽንያቱ ኣቐዲሙ ተዘሪኡን ኣሳፊሑን ዝጸንሐ እቲ እሾዅዩ። እቲ ንእሾዅ ቀዳምነት ዚህብ ልቢ፡ ነቲ ዝሰምዖ ቓል ኪብድሎ ሓጢኣቱ ኼብዝሕምበር፡ ንምንታይ ነቲ ስርናይ ከም ዝደለዮውን ኣይርድኣካንዩ። ብመሰረቱ ድማ፡ እግዚአብሔር ምትሕንፋጽ ኣይቅበልንዩ። ስለ ኸኣ፡ ሕጋጋተይ ሓልው፡ ንሓደ እንስሳ ዘቤት ምስ ካልእ እንስሳ ዘቤት ኣይተዳቕል። ንግራትካ ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝርኣያ። ብኽልተ ዓይነት ዝተኣልመ ኽዳን ኣይትከደን።

ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኹም፡ እቲ ዝዘራእኩምዎ ዘርኢ ምስ ፍረ ወይኒ ሓቢሩ ኸይረክስ ክልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝርኡ። ብዕራይን ኣድግን ብሓደ ጸሚድኩም ኣይትሕረሱ፡ ካብ ጸጕርን ሃርን ተሓዊሱ ዝተኣልመ ዓለባ ኣይትከደኑኢሉ ኣዘዘ (ዘሌ 1919 . ዘዳ 229-11) ኣብ ግራት ልብኻ ክልተን ልዕሊኡን ዘርኢ ኺዝራእ ምፍቃድከ ምስ ምንታይ ኪቝጸር፡

4. ንኣምላኽ ዚፈርህ ጥዑይ ልቢ፦ እቲ ንዝሰምዖ ቓል ኣብ ውሽጡ ኺነብርን ኪሰርሕን ኬፍርይን ዚፈቅድ ሰብ፡ እቲ ብፍርሃት ኣምላኽ ዝተፈወሰ ልቢ ዘለዎ ሰብ ጥራሕዩ። ንሱ፡ ነቲ ዝሰምዖ ቓል ካብ መንጣሊ ጕሒላ ብኣጽንዖት ይሕልዎ። ኣብ ውሽጢ ልቡ ዓጋቲ ኸውሕን ሓናቒ እሾዅን ከይህልው ወርትግ ንልቡ ይምርምሮን የጽርዮን። ኵሉ ኣቓልቦኡ እቲ ቓል ብዘይ ዝዀነ ዕንቅፋት ካዕበት ዚፈረየሉ ነጻነትን ዕድልን ምርካቡ ምርግጋጽዩ። እቲ ኸም ዝልቡ ሰብ፡ ነቲ ፍረ ዚበዝሓሉ ዅሉ ረቛሒታት ከም ዚግባእ ዜማልኦ (ዮሃ 154-7) ልክዕ ከም ጐይታና ብእትሰምዕዎ (ብዛዕባትሰምዕዎ) ተጠንቀቑ። ..... ከመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ተጠንቀቝ።” ዝበሎ፡ ብዛዕባ ኣሰማምዓኡን ብዛዕባ ዝሰምዖ ቓልን ዚጥንቀቕ (ማር 424 ሉቃ 818) ምኽንያቱ እዚ ኣብ ውሽጢ ሰብ ኪነብርን፡ ኪሰርሕን ኬፍርይን ዚኽእል ቃል፡ ኣብ መወዳእታ ዓለም ዚፈርድውን ንሱዩ።

እቲ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝፈርዶ፡ ምኽንያቱ ኣነ ንዓለም ከድሕን ደኣምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን። ነቲ ንኣይ ዚኣብይ ንቓለይውን ዘይቅበል ዚፈርዶ ኣሎ እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶዩ።ዮሃ 124,48 .

ነቲ ፈራዲኻ ኣብ ውሽጥና ኺነብር ዘይምፍቃድ ድማ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ደሓን ኣየውህበናንዩ። እቲ መወዳእታኡ ኼጸብቕ ዚደልይ፡ ሎሚ ኣብ ምድሪ ኸሎ ነቲ ፈራዲ ቓል ዘለዎ ኣታሕዛ ኼጸብቕ ናይ ግድንዩ። ሎሚ ኣብ ልዕሊ ቓል እንህቦ ፍርዲ፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ቅድሜና ሓሊፉ ኺጸንሓናዩ።

እቲ ዝሰማዕናዮ ቓል ኣባና ኺነብር ናይ ምፍቃድ ረብሓኸ እንታይዩ፧ ነዚ ወርቃዊ ሕቶዚ፡ እቲ መሪሕ ጥቕስና ባዕሉ መሊስዎ ኣሎ። እቲ ቓል ኣባና ናብራኡ ኺነብር እንተ ፈቒድናሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ እግዚአብሔር ኣቦን ኣብ እግዚአብሔር ወልድን የንብረና። ኣብ ምድሪዚኣ ብህይወት እናተመላለስካ ኸለኻ፡ ኣብ ኣቦን ኣብ ወልድን ክትነብር ምኽኣል፡ ነዛ ኽትርድኦውን ዚኸብድ ምስጢርዩ። ብኸመይ ከም ዚፍጸም እንተ ዘይተረዳእናዮ ብኸመይ ከም እንረኽቦ ግን ብዘየማትእ መገዲ ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ። ኣብ መንግስተ ሰማይ ምስ ቅድስት ስላሴን ምስ ቅዱሳን መላእኽትን ምስ ኵላቶም ጻድቃን ኪነብር ዚኽእል፡ እቲ ኣብ ምድሪዚኣ ኣብ ኣቦን ኣብ ወልድን ዚነብር ሰብ ጥራሕዩ። ስለ ኸኣ እቲ ዚፈርድ ወልድ፡ ነቶም ገበርቲ ዓመጻ ኽነሶም ኣብ መንግስቱ ኺኣትው ዝተመነዩን ዝተጸበዩን ሰባት፡ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ኪዱ ርሓቑ፡ ከቶ ኣይፈልጠኩምንዚብሎም (ማቴ 720-23 2512 ሉቃ 1322-27) ነቶም ንቓል ኣምላኽ ኣብ ውሽጦም ኪነብር ብምፍቃዶም፡ ኣብኣቦን ኣብ ወልድን ይነብሩ ንዝነበሩ ግና፡ <፣ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት ንዑ ነቲ ቕድሚ ምስራት ዓለም ዝተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ ኢሉ ብኽብሪ ዚቕበሎም (ማቴ 2534) ነቶም ንቓሉ ዚእዘዝዎን ኣብ ውሽጦም ዜንብርዎን፦

እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ ዚሕልዎ፡ ንሱ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ ..... ናብኡውን ንመጽእ፡ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።ዚብል ተስፋውን ሂቡ (ዮሃ 1421,23) ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስውን፡  “እቲ ትእዛዛት ዚሕልው ድማ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብኡ ይነብር።ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ዮሃ 324) ስለ እቲ ቓል ኣባኻ ኪነብር ምግባር፡ ናብ ድርብን መዳርግቲ-ኣልቦን ረብሓ ዜእትወና። ብኣንጻሩ እቲ ዝስማዕናዮ ኣባና ኸይነብር እንተ ወሲንና ግና፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ኸቢድ ፍርዲ ምፍራድዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ መንፈሳዊ ርእሰ ቕትለት ምፍጻም ማለትዩ።

እምብኣር ብዛዕባ ኣብ ልዕሌና ዚፈስስ ዘሎ ቓል እንታይ ንገብር ከም ዘለና ርእስና ንመርምር። ንመንጣሊ ጕሒላ፡ ንዓጋቲ ኸውሒ፡ ንሓናቒ እሾዅ ኣሕሊፍና ብምሃብዶ ነዋርዶ ንህልው፡ ወይስ ልብና ኣርሒብና ኣብ ዝፋን ልብና ኣቐሚጥና ኸም ፍቓዱ ኺገዝእን ንህይወትና ኼመሓድርን ንፈቕደሉ ኣለና፧ ርእስና ኣይነታልል፡ እቲ ኣብ ሓጻር ዕድመና ኣብ ልዕሊ ቓል ኣምላኽ እንገብሮ ዅሉ ኣብ ኣብ ቅድሜና ዚጽበየና ዘሎ ዘለኣለማዊ ዘመን ሓሊፉ ኺጸንሓናዩ። እቲ ዚፈርድ ቃል ኣብ እትመጽእ ዓለም ንረብሓና ምእንቲ ኺፈርድ፡ ሎሚ ኣብ ልዕሊኡ ቅኑዕ ንፍረድ። እቲ ህያውን ወሃብ ህይወትን ዝዀነ ቓል ኣብ ህይወትና ኣሳፊሑ ኺገዝእን መጻኢና ኼጸብቕን ንፍቐደሉ።

ጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ሰነ 11, 2015 ግዕዝ (18 ሰነ 2023 ፈ  [መበል 41 ሰንበት: ቊ.፵፱/49, 2023] )

ምስባክ

መዝ.፵፮(፵፯)፡፭-፮

“ዓርገ እግዚአብሔር ባይባቤ። ወእግዚእነ በቃለ ቀርን። ዘምሩ ለአምላክነ ዘምሩ።”

“ኣምላኽ ብእልልታ፡ እግዚኣብሄር ብደሃይ መለኸት ደየበ። ምስጋና ኣምላኽ ዘምሩ፡ ዘምሩ። ምስጋና ንጉስና ዘምሩ፡ ዘምሩ።”

ንባባት

ኣንባቢ

ኤፌ 1፡15-ፍጻመ

ዲያቆን

1ዮሃ 2፡20-29

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 10፡36-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 15፡7-19

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦  ዘዲዮስቆሮስ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div