S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ [መበል 40 ሰንበት: ቊ.፵፰/48, 2023]

 ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩምዩ። ነቲ መንፈስ ሓቂቲ፡ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት ክትቅበሎ ኣይኰነላንዩ። ንስኻትኩም ግናምሳኻትኩም ዚሓድር፡ ኣባኻትኩምውን ዚነብር ስለ ዝዀነ ትፈልጥዎ ኢኹም።ዮሃ 14’16,17 . + .

እዚ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ ታሽዓይ ሰንበት፡ ናይ ዘመን ዕርገት ድማ 3 ሰንበትዩ። እቲ ናይ በዓለ መንፈስ ቅዱስ መዝሙር ንምስባኽን ንባባትን ልክዕ ከም ናይ በዓለ ትንሳኤ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ብፍሉይ ንበዓለ መንፈስ ቅዱስ ዚምልከት ኵሉ ንባባት፡ ምስባኽ ኰነ መዝሙር ኣብ ሰንበት ዚዝመርን ዚንበብን። ካብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ዘለናዮ ሰንበት ዘሎ ቕንያት ድማዘመነ ጸራቅሊጦስ ዚበሃል። ዝሓለፈ ሰንበትንመንፈስ ቅዱስ ንሱ ኣፍሰሶብዚብል ኣርእስቲ ኸም ዝተመሃርናን፡ ነቶም መንፈስ ቅዱስ ብምቕባልና እንረኽቦም መብዛሕትኦም ረብሓታት ከም ዝዘርዘርናን ዚዝከርዩ። ብቅዱስ ያሬድ ነዚ ዕለት ዝተዳለወ መዝሙርወረደ መንፈስ ቅዱስዚብልዩ። ብመሰረት መዝሙር ዝተሰርዐ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ ዮሃ 1412 ፍጻመ ዀይኑ፡ ነዚ ናይ ዕለት ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን ዝሓዘዩ። ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝዘርዘርናዮም ረብሓታት ናይ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኸኣ ምጽንናዕዩ።ጰራቅሊጦስ ወይ መጸናንዒዚብል ቃል፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ካብ ዚጽውዓሎም ስማት ሓደዩ። እዛንነብረላ ዘለና ዓለም ናይ ጓህን ጕድኣትን ዓለምያ። ኣብ ትሕቲ ግዛኣት ናይ እኩይ ድያብሎስ ስለትመሓደር፡ እቲ ጥበራውን ናብ ሓጢኣት ዜስሕት ጊዝያዊ ሓጐስምበር፡ እቲ ሓቀኛን ነባርን ሓጐስ ኣይርከባንዩ። ብፍላይ ንክርስቶስ ኣሚኑ ኣብ ዓለምዚኣ ዚነብር ሰብ፡ ኣብ ምድሪ ግሽነትን ስድደትን ይነብር ስለ ዘሎ፡ ካብ ዓለምዚኣ ዚጽበዮ ዝዀነ ዓይነት ሓጐስ የልቦን። ብዝተፈላለየ ዓይነት መከራ ስለ ዚሓልፍ፡ ሓጐስ ዀነ ምጽንናዑ ካብ ንውሽጡ ዝመልአ መንፈስ ቅዱስምበር፡ ካብ ካልእ ኪኸውን ኣይክእልንዩ።

ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚርና ድማ ኣብ ጾመ ሃዋርያት ኢና ተጸሚድና ዘለና። ኣብግብረ-ኣምልኾዘርእስቱ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ናይ ስነ-ምግባር ትምህርቲ ብስፍሓት ከም እንመሃሮ፡ ዘመነ ጾም ንስጋና እንቐጽዓሉን እነሕስኣሉን ንኣምላኽ ዜስምር ቅዱስ ናይ እምነት ገድሊ (1ቈረ 927) ጾም፡ ስጋና ዚብህጎ ሓጐስን ምሾትን ተሓሲምና፡ ንመንፈስና ዜሐጕስን ዜሐይልን መንፈሳዊ ስነ ምግባር እነዕዝዘሉ ናይ ግብራዊ ኣምልኾ ወቕቲዩ። ሓይሊ ስጋ ምስ ዚብርትዕ፡ ሓጢኣት (ግብሪ-ስጋ) ይዓዝዝ፡ መንፈሳውነትና ድማ ይድቈስ። ሰይጣንን ዓለምን ከኣ ንስጋ ኼሐይሉን ኬግዝኡንዮም ዚደልዮ። ሓይሊ መንፈስና ምስ ዚብርትዕ ግና፡ ፍረ ጽድቂ ይበዝሕ፡ ስጋና ድማ ንፍቓድ መንፈስና ይግዛእ። ኣብ ስጋዊ ወይ ዓለማዊ ሰብ፡ ፍትወት ስጋ ዚገዝእ። ኣብ መንፈሳዊ ሰብ ግና መንፈስ ቅዱስ ዝገዝእ። ስለ እዚ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ተሰሪዑልና ዘሎ ዘመነ ጾም፡ ንስጋና ኣብ ትሕቲ መንፈስ ቅዱስ እነግዝኣሉ ጊዜዩ። ጾም፡ ናይ ገድሊ ጊዜ ስለ ዝዀነ፡ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስምበር፡ ስጋዊ ሓጐስ እነስተማቕረሉ ጊዜ ኣይኰነን። ስለ ዘመነ ጾም፡ መንፈስ ቅዱስ ብዝለዓለ ዚነጥፈሉ ጊዜዩ። ናይ ጾም ቍም ነገር፡ ኣብ ምቕጻዕ ስጋ ዘድሃበ ኣይኰነን። ስጋና ኺሓስእ ዝተደልየሉ ምኽንያት፡ መንፈስና ምእንቲ ኺብርትዕዩ። ስለ ጾም-ስጋና መሳለጥያ (means) ‘ምበር፡ ናይ መወዳእታ ሸቶ (end) ኣይኰነን። ንስጋና ኣሕሲእናዮ ኸነብቅዕ፡ መንፈስና ኸይሓየለ እንተ ተሪፉ፡ ጾምና ረብሓ ዘይኰነስ ድርብ ወጽዓ ዀይኑ ዚተርፍ፡ ጾምና ፍረ-ኣልቦን ዝባኸነን ስነ-ምግባር ይኸውን ማለትዩ። ናይ ብሓቂ ብምሉእ ልቢ እንተ ተኣዚዝናዮ ግን፡ ካብ ከም ዝበለ ወጽዓን ብኽነትን ዜድሕነና፡ መንፈስ ቅዱስዩ። መንፈስና፡ ስጋና ስለ ዝደኸመሉ ጥራይ ኣይብርትዕንዩ። መንፈስና ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ጥራሕ ዚሕይል፡ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝሓየለ ክርስትያን ድማ ዋላ ንዘይተዳኸመ ምስ ሓይሉ ንዘሎ ስጋኡውን ኪመልኽን ኪገርሕን ይኽእልዩ፡ ስለ ንዘመነ ጾም፡ስጋና ዚደኽመሉ ጊዜኢልካ ኣብ ክንዲ ምግላጹ፡ በቲ ቐንዲ ሸቶኡ፡መንፈስና ዚሕይለሉ ጊዜኢልና እንተ ገለጽናዮዩ፡ ቅኑዕን ዚምጥኖን መግለጺ ዚዀነልና። ንእኡ ዜኽብር ንኣና ኸኣ ዜርብሕ ጾም ክንጸውም ድማ እግዚአብሔር ዜኽእል ጸጋኡ ይደግፈና።

ናብ ኣርእስትና ኽንምለስ፡ ጐይታና ንምንታይ ንመንፈስ ቅዱስካልእ መጸናንዒኢሉ ዝሰመዮብዘይካኡ መን ካልእ መጸናንዒ ኣሎ ድዩ፧ ምጽንናዕ፡ ግብርን ባህርይን ናይ መለኮትዩ። ስለ ኣብ ናይ ቅድስት ስላሴ ሳልሳይ ኣካል ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ዚረኣይ ባህርይን ግብርን፡ ኣብቶም ካልኦት ኣካላት ቅድስት ስላሴውን ኣሎ። እግዚአብሔር ኣቦ፡ መጸናንዒዩ። እግዚአብሔር ወልድውን መጸናንዒዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብስም ፈልዩ <እግዚአብሔር ኣቦ፡ መጸናንዒዚብል ጥቕሲ ንረክብ ኢና።

ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን፡ ይባረኽ፡ በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ፡ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከኣለናስ፡ ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ።” 2ቈረ 13,4

እግዚአብሔር ወልድ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣቦ ኺገብሮ ዝረኣዮ ጥራሕ ከም ዚገብር ኣቦ ኺገብሮ ዝኣዘዞ ጥራሕ ከም ዚገብር ደጋጊሙ እንተ ተጊሩና፡ እቲ ንሱ ዝገበሮ ዅሉ ናይ ኣቦ ግብርን ባህርይን ምዃኑውን ክንርዳእ ይግባእ (ዮሃ 149-11,24)

ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ወልድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር ኺገብር ኣይከኣሎንዩ። ነቲ (ኣቦ) ዚገብሮ ግብሪ፡ እቲ ወልድ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብርዩ። ..... እቲ ኣቦይ ክፍጽሞ ኢሉ ዝሃበኒ ግብሪ፡ እዚ ኣነ ዝገበሮ ዘለኹ ግብሪ፡ ንሱ ኣቦይ ከም ዝለኣኸኒ ብዛዕባይ ይምስክርዩ፡ ..... ..... ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኣኹኹም፡ ..... ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ ኣይትእመኑኒ። እንተ ገበርኩ ግና፡ ኣቦይ ኣባይ ምህላዉ፡ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተብህሉንሲ ንኣይ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ ግብረይ እመንዎ።ዮሃ 519,36 1032,37,38

በዚ ቓል መሰረት ኵሉ ናይ ወልድ ግብሪ፡ ናይ ኣቦ ግብሪ ምዃኑ ኪርድኣና ይግባእ። ጐይታናካልእ መጸናንዒዝበለሉ ምኽንያት፡ ንርእሱ መጸናንዒ ስለ ዝዀነዩ። ንሱ ብኣካላ ስጋ ኣብዛ  ምድሪዚኣ ኣብ ዝነበረሉ፡ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ዅሎም ዓብዪ መጸናንዒኦም ነበረ። ስለናብ ኣቦይ ክኸይድምስ በሎም ብኡንብኡ ልቦም ብጓኢ መልአ (ዮሃ 165,6,20-22 1428) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዜጸናንዕ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጹልናዩ።

ከም ስቓይ ክርስቶስ ኣባና ዚዓዝዝ ዘሎ፡ ከምኡ ድማ (እቲ) ብክርስቶስ ዚኰነልና ምጽንናዕ (ኣባና) ይዓዝዝዩ።” 2ቈረ 15

እምብኣርሲ ገለ ምጽንናዕ ብክርስቶስ ወይስ ገለ ደበሳ ናይ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ ሕብረት መንፈስ ወይስ ገለ ምሕረትን ድንጋጽን እንተሎ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ሓንቲ ነፍሲ ዄንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጐሰይ መልኡ።ፊሊ 21,2

እግዚአብሔር ነዚ ናይ ምጽንናዕ ባህርይ ገንዘቡ ዝገበረሉ ምኽንያት ነቲ ብምስሊ ኣርኣያኡ ዝተፈጥረ ዘርኢ ብምጽንናዕ ምእንቲ ኼጽንዖዩ። ምኽንያቱ ንእግዚአብሔር ምጽንናዕ ዜድልዮ ድኻም የብሉን። ስለ ብዛዕባ መጸናንዒ ባህርዩ ወርትግ ከነመስግኖ፡ ብዛዕባ ዜድልየና ዅሉ ምጽንናዕ ድማ ኣብኡ ኽንውከል ይግብኣና።

ብመንፈስ ቅዱስ ዚኣክል ኣምላኽ ክንጸናናዕ ዘድልየና፡ እንታይ ምጽንናዕ ዚጠልቡ ዅነታት ስለ ዘለዉናዩ፧ ነዚ ሕቶ ቕድሚ ምምላስና፡ ምጽንናዕ ናይ መንፈስ ቅዱስ፡ ነቲ ንክርስትናኡ ብግብሪ ዚነብራ ሓቀኛ ክርስትያን ጥራሕ ከም ዚምልከቶን ከም ዚውሃቦን፡ ብድምቀት ከነስምረሉ ግቡእዩ። እቲ ስማዊ ክርስትያን ግን ኵሉ ኣተሓሳስባኡ ኣነባብራኡ ወዘተ፡ ልክዕ ከም ናይ ሃይማኖት ዘይብሉ ዓለማዊ ሰብ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ንእኡ ዜጕህዮ ዅሉ ፍርዲ ዚስዕበሉምበር፡ ምጽንናዕ ዜውሃቦ ዓይነት ኣይኰነን። መንፈስ ቅዱስ ንዝረኸቦ ዅሉ ጓሂ ኼጸናንዕ ኣይሃልኽንዩ። ብሓፈሻ ጓሂ ኣብ ክልተ ዚኽፈል። እቲ ቐዳማይ ዓይነት ጓሂ፡ ዓለማውን ሓጥእን ጓሂ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ዓይነት ድማ፡ ቅዱስን መንፈሳውን ጓሂዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ኣብሪሁ ገሊጹልና ኣሎ።

“..... ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ንምድሓን ዚኸውን ዘይትጠዓስሉ ንስሓ የምጽእ፡ ጓሂ ዓለም ግና ሞት ዜምጽእ።

ስለ እቲ ኻብ መንፈስ ቅዱስ ምጽንናዕ ዚጽበይ ሰብ፡ ቅድም እንታይ ዓይነት ጓሂ የሸግሮ ኸም ዘሎ ኺምርምር ይግብኦ። ንርእሱ ንመንፈስ ቅዱስ ዜጕህዮ ዓይነት ጓሂ ንጕህይ እንተሊና፡ ምጽንናዕ ዘይኰነስ ካልእ ኽንጽበይ ዚግባእ። ሞት ዚግብኦ ጓሂ እናጐሃኻስ፡ ምጽንናዕ ናይ መንፈስ ምጽባይ ከንቱ ትጽቢት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ መንፈስ ቅዱስ ናይ ሓጥእ ጕዳያትካ ኣገልጋሊ ኽትገብር ናይ ምፍታን እኩይ ሃቐናዩ። እቲ ኣብ ዓለምዚኣ ዜጕህየና ጕዳያት፡ ልክዕ ከም ንኣምላኽ ዜጕህዮ ዓይነት ምስ ዚኸውን ግና ጥዕና ዘለዎ ጓሂ ኸም ዘሎና፡ ከይወዓለ ከይሓደረ ድማ ምጽንናዕ መንፈስ ቅዱስ ናባና ኸም ዚፈስስ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነቲ ቕኑዕ ጓሂ እንጕህይ ሰባት ምስ እንኸውን፡ ንእግዚአብሔር ብዅሉ ነገር መኻፍልቱ ኢና ንኸውን። ነቲ ጓሂና ንሱ ይካፈሎ፡ ነቲ ምጽንናዑ ኸኣ ንሕና ንካፈሎ። ንዅሉ ኽንዝርዝሮ እንተ ዘይከኣልና ገለ ኻብቶም መንፈስ ቅዱስ ዜጸናንዖም ዓይነታት ጓሂ፡ እዞም ዚስዕቡዮም።

1. ብዛዕባ ሓጢኣትካን ኵሉ መንፈሳዊ ድኻማትካን ምጕሃይ፦ ቃል እግዚአብሔር ኣነጺሩ ኸም ዚነግረና ሓጢእት ኣብ ምድሪዚኣ መንፈሳዊ ሞት፡ ኣብትመጽእ ዓለም ከኣ ዘለኣለማዊ ሞት ዜስዕበልና ሰራም ግብሪ (ሮሜ 622,23 ቈሎ 213 ኤፌ 21,2 ዮሃ 821,24 ህዝ 3310,11 1830-32) ብሰሪ ሓጢኣቱ ብቕጽበታዊ ሞት፡ ብዝተናውሐን መሪር ስቓይ ዘለዎን ሕማም፡ ብምርኮን ስድደትን ወዘተን ብስጋ ዚቕጻዕውን ውሑድ ኣይኰነን። ንሕና ኸኣ ሓጢኣት ዘይትበትከልና ድኹማት ፍጥረት ኢና። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ግን፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሕማምና ጥርትብል ጓሂ ዘጐሃናስ፡ ብዛዕባ ኣካላዊ ሕማምና ግን ክንዲ ጉድ ንጕህይን ንጭነቕን። እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ ኪኸውን ምተገብኦ ነይሩ። ደጋጊሙ ኸም ዚንገረና፡ መንፈሳውን ዘለኣለማውን ሞት ማለት፡ ከም ኣብ መቓብር እንድቅስሉ ኣካላዊ ሞት ኣይኰነን። ኣብ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ዝተዳለወ ቀላይ ሓዊ ተደርቢኻ ንዘለኣለም ምስቓይ ማለትዩ። ብዛዕባ ዘይጐሃኻስ፡ ብዛዕባንታይ ኪጕሃይ ምተገብአ!! ንሕና ግን ዋላ ከቢድ ሓጢኣት ፈጺምና ኸነብቅዕ፡ ይትረፍ ብጓሂ ኽንሓርር፡ ንማለቱ ናይ ጓሂ ንእሽቶ ምልክት ኣይረኣየናንዩ። አረ ንገሊኡ ሓጢኣትናስ ንጀሃረሉ ኢና። ብዛዕባ ዝፈጸምናዮ ምንዝርና፡ ብውሽጥና ወይውን ምስ ናይ ቀረባ መዓልልትና፡ሰሊጡኒ፡ ተዓዊተኢልና ንሕጐስን ንጀሃርን፡ ንሰብ ብእልፊ ጸርፊ ምስ ኣዋረድናዮ፡ዋዛ ድየ፡ ዓጽሙ ክሳዕ ዝስበር ቈርበቱ ኽሳዕ ዚቕለጥ ግርም ገይረ ኣስሚዐዮኢልና ብነውርና ንሕበን።ንዓ ግደፍ ይቕረበል፡ ሕውነትን ፍቕርን ይበልጽእንተ ተበሃልና፡ነዚ ይቕረ ዝብል ሞይተ ድየ፡ ይትረፍ ከፍቅሮ ገጹ ኽርእይውን ኣይደልንእናበልና፡ ብሓጢኣትና ንምካሕ። መንፈስና ስለ ዝሞተ፡ ኣእምሮናውን ስለ ዝጸልመተ ደኣምበር፡ እዚ ናብ ገሃነም ዚነቝት ኣበሳታትዚ፡ ዳስ ተኺልካ ኺሕዘኖን ኪብከዮን ዚግባእ”’ዩ። ሓጢኣትና ዜጕህየና እንተ ዚኸውን፡ ክንጕህይ ስለ ዘይንፈትው ኣይምደጋገምናዮን ኔርና። ድኹማት ኴንና እንተ ደገምናዮ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብመሪር ብኽያት ምተነሳሕና ኔርና። ቅዱስ ዳዊት ብእግዚአብሔርዝኸም ልበይዝተሰምየ ሰብ ነበረ። ስለ ዘይሓጥእ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ብዜርእዮ መልስ ግብሪዩ።

እግዚአብሔር ተቘጢዕካ ኣይትገስጸኒ፡ ነዲርካ ድማ ኣይትቕጽዓኒ፡ ብቝጥዓኻ እቕንዘው ኣለኹ፡ ብሰሪ ሓጢኣተይ ከኣ ዅለንተናይ ሓሚሙ ኣሎ፡ በደለይ ዓብሊሉኒ፡ ከም ከቢድ ጾር ኣዝዩ ይኸብደኒ ኣሎ። ብሰሪ ዕሽነተይ ..... ምሉእ መዓልቲ እሓዝን ኣለኹ። ..... ካብ ሓዘን ልበይ ዝተላዕለ እግዕር ኣለኹ። ..... ኣነ ንምውዳቕ ቀሪበየ፡ ኵሉ ጊዜ ኸኣ እሳቐይ ኣለኹ። ..... በደለይ እናዘዝ ኣለኹ፡ ብሓጢኣተይ እጕህይ ኣለኹ።

እግዚአብሔር ጸቢቡኒ ኣሎሞ፡ ኣዒንተይ ብብኽያት ደኸማ፡ ኣነውን ብሓዘን ማሕመንኩ፡ ህይወተይ ብጓሂ፡ ዓመታተይ ብእህህታ ተወድአ፡ ሓይለይ ብኣበሳይ ላሕልሐ፡ ኣዕጽምተይውን ማህመነ።

ሓጢኣተይ ከይተናዘዝኩ ስቕ ምስ በልኩ፡ ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ሰብነተይ ማህመነ።መዝ 381,3,4-8,17,18 319,10 323 .

ብዛዕባ ሓጢኣትና ኽሳዕ ክንዲ ናብ ምጕሃይ እንተ ዘይዓቢና፡ ንኣምላኽ ከነሐጕሶን ከነኽብሮን ኣይንኽእልን ኢና። እግዚአብሔር ብሓጢኣትና ደኣ ይጕሃይምበር፡ ብንስሓና ኣዝዩ ዚሕጐስ። ምኽንያቱ ንስሓ ንናይ እግዚአብሔር ምሕረትን ሕያውነትን፡ ጽድቅን ፍትሕን ዚእመንን ዜጕልሕን ዓብዪ ግብሪ ጽድቂዩ። ሓቀኛን ቅቡልን ንስሓ ድማ ካብ ብዛዕባ ሓጢኣትና ዘሎና መሪር ጣዕሳን ጓህን ብኽያትን ዚርከብ። እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ሓጢኣትና ኸም ጌርና ኽንጕህይ ኣብ ርእሲ ምርዳኡ፡ ቅኑዕ ንስሓ ኽንፍጽም ይድግፈና፡ ምሉእ ሕድገት ሓጢኣት ምርካብና ድማ የረጋግጸልናሞ፡ ናቱ ሓጐስ ብምሃብ፡ ንምጽንናዕና የዕብዮን የዕዝዞን። ብዝተረፈሓመምኩ፡ ሰኣንኩ፡ ተበደልኩ፡ ወዘተብዝዓይነቱ ጓሂ ዓለም ንልብና ኸነዳኽሞ ኣይግባእንዩ። ኣብ ምድሪ ዀነ ኣብ ሰማይ፡ ምጽንናዕ ኰነ ዓስቢ ዘይንረኽበሉ ከንቱ ጓሂዩ። ከም ድኹማት ሰባት መጠን ኣይፈታተናን ማለት ኣይኰነን። ማሕደሩ ገይሩ ኼበላሽወና ኽንፈቕደሉ ግን ኣይግባእንዩ። በቲ ዝወረደና ዅነታት ዝተጐዳእናዮ ኸይኣክል፡ ብዛዕባኡ ጓሂ-ዓለም ብምጕሃይ ባዕላትና ንጕድኣትና እነዕብየሉ ዋላ ሓንቲ ብቑዕ ምኽንያት የለን። ነቲ ብጓሂ-ዓለም ኪጐድኣና ዚኽእል ኵነታት፡ ብዛዕባኡ ንኣምላኽ ብምምስጋን፡ ኣብ ከኣልነቱን ልኡላዊ ፍቓዱን ብምውካል፡ ከም ኣቦና እዮብ፡ ናብ መንፈሳዊ ረብሓ እንልውጦ ብልህታት ክንከውን ይግብኣናምበር፡ምጕዳኣይ ዘይተረፈንስ ሓደ ኣፉ ምሉእ ጕድኣት ይኹንብዝዓይነቱ ግብራዊ ምርጫ እንጕዳእ ዓያሱ ኣይንኹን።

2. ብሓጢኣት ካልኦት ምጕሃይ፦ ሰባት ብሰሪ ሓጢኣቶም ዘለኣለማዊ ጕድኣት ኪጕድኡ ኻብ ምርኣይ ዚኸፍእ ትርኢት ኪህልው ኣይክእልንዩ። ምስ ኵሉ ሰብ ኣካላውን መንፈሳውን ሓድነት ስለ ዘሎና፡ ናይ ካልኦት ሰባት ጕድኣት፡ ናይ ገዛእ ርእስና ጕድኣትዩ። ናይቶም ብስጋዊ ዝምድና ወይ ብማሕበራዊ ዝምድና ቐረባና ዝዀኑ ሰባት ብዝለዓለ መጠን ኬገድሰና ዚግባእ እንተ ዀነ፡ ዋላ ሕልፍ ክንብል ወዝቢ ናይ ዝረኣናዮ ሰብ መንፈሳዊ ጉድኣትውን ኬጕህየናን ኬሳቕየናን ዚግባእ። ርኢናዮን ሰሚዕናዮን ከነብቅዕ፡ ከም ዋላብሓንቲ ዘይተኸስተ፡ ከም ንቡር ተርእዮ ጌርና እንተ ተቐቢልናዮ፡ ኣብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ጥዕና ኸም ዘየለና ከቶ ዘየማትእ ንጹር ምልክትዩ። ነቶም ንርእሶም ኣንጺሆም፡ ብዛዕባ ኣበሳ ኻልኦት ዚጕህዩን ዜስቈርቍሩን ሰባት፡ እግዚአብሔር ኣዝዩ ዚግደሰሎም። ምኽንያቱ መኻፍልቲ ጓሂኡን ስቓዩንዮም። በቲ ንነብዪ ህዝቅኤል ዘርኣዮ ራእይ ድማ እንታይ ከም ዚገብረሎም፦

እግዚአብሔር ከኣ (ነቲ መልኣኹ) <ብማእከል ከተማ፡ ብማእከል ኢየሩሳሌም ሕለፍሞ፡ ነቶም ብዛዕባ ኣብ ማእከላ ዚግበር ዘሎ ጽያፍ ዚጕህዩን ዚትክዙንሲ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ግበረሎም> በሎ።” ብዚብል ቃል ተገሊጹ ኣሎ (ህዝ 94 (1-7) ሎጥ ጻድቕውን ብኣበሳ ናይ ህዝቢ ሰዶም ብጓሂ ይሳቐይ ስለ ዝነበረ እግዚአብሔር ከም ዘድሓኖ ተገሊጹልና ኣሎ (2ጴጥ 27,8) ቅዱስ ዳዊት፦ 

ሕግኻ ኣይሕልውንዮምሞ፡ ኣዒንተይ ወሓዚ ማይ የፍስሳ ኣለዋ፡”  ብምባል ዚስምዖ ኽብደት ጓሂ ገለጸ (መዝ 119136,53) ነብዪ ኤርምያስ፡

ነቶም (ብሰሪ ሓጢኣቶም) ተወጊኦም ዝሞቱ ደቂ ጓል ህዝበይ ለይትን መዓልትን ክበክስ ርእሰይ ዔላ ማይ፡ ኣዒንተይ ድማ ፈልፋሊ ንብዓት ኰይኑ እንተ ዚኸውን መን ምሃበኒ!!” ብምባል ጕድኣት ህዝቡ ማዕረ ኽንደይ ብጓሂ የሕርሮ ኸም ዝነበረ ኣብነታዊ ተኣምኖ ጽሒፉልና ኣሎ (ኤር 91) ቅዱስ ጳውሎስውን ብዛዕባ ምድሓን ክርስቶስ ዝተሓሰመ ህዝቡ፡ኣነ ብዙሕ ጓህን ዘየባትኽ ስቓይን ኣብ ልበይ ከም ዘሎኒ፡ ሕልናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ ኣሎ ..... ብምባል መጠንን ምርረትን ናይ ጓሂኡ ገለጸ (ሮሜ 91,2) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ እቲ ርእሲ ዅሉ ኣርኣያታት ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባስቐሎ ንየው በሎእናበለ ዜስቅሎ ህዝቢ፡ ኣብ ንግስነቱ ኣብ ምድሪ ዝተጸምበለትላ መዓልቲ ሆሳእና፡ መሪር መልቀስን ድጕዓን ከም ዘስምዐ፡ ቅዱስ ወንጌል መስኪሩልና ኣሎ (ማቴ 2337-39 ሉቃ 1941-44) ናይ ብሓቂ እሙናት ሰዓብቲ ክርስቶስን ኣብ መሰረት ቅዱስን ነብያትን ሃዋርያትን ዝቘምና ሓቀኛታት ክርስትያን እንተ ዄንና፡ ኣብ ንልዑል ኣምላኽን ንዅላቶም ቅዱሳትን ዝጐድአ ጓሂ ኽንሓብርን ክንሰምርን ዚግብኣና። ከም ዝኣመሰለ መንፈስ ቅዱስ ዚምስክረሉ ጓሂ እንተ ጐሃና፡ እቲ መለኮታዊ ምጽንናዕ ድማ ከም ምጽወታ ዘይኰነስ፡ ተገቢኡና ኸየስተሓፈረ ብልግሲ ኺወሃበናዩ።

3. ብዛዕባ ብምኽንያት እምነትካ ዚወርደካ መከራ ምጕሃይ፦ ኣብ ምድሪዚኣ ብጽድቂ ኽንመላለስ ከለና፡ ጽድቂ ንዓለም ነውራ ስለ ዝዀነ፡ ዘየቋርጽ ፈተናን መከራን ዚገጥመና።ናይ እምነት መከራ ወሪዱኒንኽትብል፡ ኣብ ዋዕላ ኣይሁድ ወይ ኣብ መጋባእያ ሮማውያን ክትቀውም ናይ ግድን ኣይኰነን። ጐይታና፡ንሰብ ቤተሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑዮምከም ዝበለ፡ ገዛእ ደቅኻ፡ ወለድኻ፡ መዋስብትኻ፡ ደቂኖኻውን ከቢድ ፈተና ኼውርዱልካ ይኽእሉዮም (ማቴ 1036 ሚክ 74-6) ንብረትካ ኺግበት፡ ክትእሰር፡ ክትምቋሕ፡ ክትቅጥቀጥ፡ ክትስደድ፡ ክትቅተልውን ይከኣልዩ። እዚ መከራ ኣብ ህይወትና ጓህን ጣዕሳን ኣስሪጹ፡ ንድሕሪት ክንምለስ ንምግባር ዝዓለመዩ። ብዘይ ቃልዓለም፡ ንድሕሪት ዚምለስ ሰብውን ውሑድ ኣይኰነን። ከም ጐይታና፡ንበይነይ ኣይኰንኩንዝበሎ፡ ብኸም ዝኣመሰለ መከራ ኽንሓልፍ ከለና፡ እቲ ምእንቲ ስሙ መከራ እንጸግበሉ ዘለና ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን፡ እቲ መቕደሱ ዝገበረና እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስን፡ ምሳና ሓቢሮም ሓለፋና ይካፈልዎ ኸም ዘለዉ ኽንዝንግዕ ኣይግባእንዩ። ጐይታና ነቲ ሕሱም መሳደዲ ሳውል፡ንምንታይ ንደቀ መዛሙርተይ ትሰጕጐለይ፧ዘይኰነስ፡ንምንታይ (ንኣይ) ትሰጕጐኒ ኣለኻ፧ከም ዝበሎ ንዘክር። ኣብ ከም ዝበለ ፈታኒ እዋን፡ ምጽንናዕ ብዘይ ስፍሪ ብልግሲ ዚወሃበና። ንምድዕዓስ ዚጠቅም ሒደት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ካብ ጓህን ስቓይን ወጺእካ ናብ ሓጐስን ምስጋናን ዜእትው ዕዙዝ ምጽንናዕ የጸግወና። ዓሰርተው ክልቲኦም ሃዋርያት፡ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ኣይሁድ ብውርደት ተገሪፎም፡ ዝባኖም ደም እናዘዓገ ኽወጹ ኸለዉ፡ ብሓጐስ ተመሊኦም ነበሩ (ግብ 541) ቅዱስ ጳውሎስን ሲላስን፡ ተገሪፎም ዝባኖም እናደመየ፡ መሓውሮም ምስ ጕንዲ ተጠሚሩ ኸሎ፡ ፍርቂ ለይቲ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ (ግብ 1622-25) ምጽንናዕ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚገብር። ሰብ ብስቓዩ ብጕድኣቱ ኺሕጐስ ካብ ምኽኣል ዚዓብይ እንታይ ካልእ ተኣምራት ኣሎ!! ብምስጢረ ሜሮን ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበና ኸሎ፡ ናይ ተኣምራት ተኻፈልቲ ናይ ምዃን ክብሪ ተዋሂቡና ኣሎ ማለትዩ። ስለ ኢና ንባዕሉ ንመንፈስ ቅዱስ ካብ ዜጕህዮ ሓጢኣትን ከንቱ ጓህን ክንእደብ ዚግብኣና። ቅዱስ ዳዊት፡ብምጽንናዕ ክትከብበኒ ኢኻከም ዝበለ፡ ሞት ብዜስዕበልና ከንቱ ዓለማዊ ጓሂ ዘይኰነስ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ምጽንናዕ ተኸቢብና ምህላውና ኸነረጋግጽ ይግባእ (መዝ 7121) ልባውን ግብራውን ምስክርነትና፦

ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሐ፡ ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ።ዚብል ኪኸውን ይግባእ (መዝ 9419) ምኽንያቱ ህላወን ዕዝዘትን ምጽንናዕ፡ ናይ ህላወ መንፈስ ቅዱስ ግሁድ ትእምርቲ (ምልክት)’ዩ። ንጉስ ሰለሞን፡ልቢ እንተ ጐሃየ መንፈስ ይስበርከም ዝበለ፡ ንመንፈስና ግዳይ ጓሂ ዘይኰነስ ማሕደር ምጽንናዕ ንግበሮ (ምሳ 1513) መድሃኒት ብዘለዎ ሕማም ኣይንሳቐይ። ብዛዕባ ዓይነት ጓሂና ንጠንቀቕሞ፡ ንምጽንናዕ መንፈስ ቅዱስ ዚበቅዕ፡ ርሒብ ቦታ ኣብ ልብና ነዳልው። ንመንፈስ ቅዱስ ብዜጕህዮ ጓሂ ንልብና ኣይነጋዕዝዮ። ብደም ክርስቶስ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን መቕደስ ኣምላኽ ናይ ምዃን ክብሪ ኸም ዝተዓደልና ወርትግ ንዘክር!!

ጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ሰነ 4, 2015 ግዕዝ (11 ሰነ 2023 ፈ  [መበል 40 ሰንበት: ቊ.፵፰/48, 2023] )

ምስባክ

መዝ. ፶(፶፩)፡፲,፲፩

"ልበ ንጹሐ ፍጥር ሊተ እግዚኦ። መንፈሰ ርቱዓ ሓድስ ውስተ ከርሥየ። ኢትግድፈኒ እምቅድመ ገጽከ።"

ዓዲ፡መዝ.፶(፶፩)፡፲,፲፩ "ወመንፈሰ ቅዱሰ ኢታውፅእ እምላዕሌየ። ዕሥየኒ ፍሥሐ ወአድኅኖተከ። ወበመንፈስ ዓዚዝ አፅንዓኒ።"

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 121-13

ዲያቆን

1ዮሃ 41-9

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 21-18

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 14፡12-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦  ዘዲዮስቆሮስ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div