S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንመንፈስ ቅዱስ ንሱ ኣፍሰሶ [መበል 39 ሰንበት: ቊ.፵፯/47, 2023]

ሕጂ ድማ (ኢየሱስ) ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቀበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎንትሰምዕዎን ዘለኹም (መንፈስ ቅዱስ) ንሱ (ኢየሱስ) ኣፍሰሶ።ግብ 233

እዚ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ ሻምናይ፡ ናይ ዘመነ ዕርገት ድማ ካልኣይ ሰንበትዩ። በዓለ መንፈስ ቅዱስ ድማዩ። ድሕሪ በዓለ ትንሳኤ ድሕሪ 50 መዓልታት ድሕሪ በዓለ ዕርገት ድማ ድሕሪ 10 መዓልታት ዚበዓል በዓልዩ።በዓለ ሓምሳ፡ በዓለ ጴንጠቆስጠን፡ በዓለ ጰራቅሊጦስተባሂሉውን ይጽዋዕዩ። ክልቲኡ ቓላት ካብ ቋንቋ ግሪኽ (ጽርኢ) ዝበቘለ ዀይኑ፡ ጴንጠቅስጠ፡መበል 50” ማለት ኪኸውን ከሎ፡ ጰራቅሊጦስ ማለት ድማኣብ ጐንኻ ዚቐውም፡ ዚረድእ፡ ዜጸናንዕማለትዩ። ካብ ዕለትዚኣ ጀሚሩ ዘሎ ሓደ ሰሙን (ክሳዕ ታሽዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ-ትንሳኤ) “ዘመነ ጰራቅሊጦስተባሂሉ ይጽዋዕ። ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ብዕምቈት ክንመሃረሉን ከነስተንትነሉ፡ ከነመስግነሉን ዝተሰርዓልና ዘመን ድማዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ብስፍሓትን ብዕምቈትን እተስተምህረሉ ትምህርቲ፡ምስጢረ ሜሮንይብሃል። ብዛዕባ ኣምላኽነቱ ድማ ኣብምስጢረ ስላሴ (ምሥጢረ-ሥላሴ)” ኢናንመሃሮ።

መንፈስ ቅዱስዚብል ስም፡ ናይ ኻብ ጥንቲ (ካብ ዘለኣለም) ምስ እግዚአብሔር ኣቦን ምስ እግዚአብሔር ወልድን ዝነበረን ናይ ቅድስት ስላሴ ሳልሳይ ኣካል ዝዀነን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ናይ ህላወ ስሙዩ። መንፈስ ቅዱስ ካብ ዝሰረጸ (ዝወጸ) ብስም ክርስቶስ ዝተላእከ ኣካል ቅድስት ስላሴዩ።

እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰድደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ኺምስክረለይዩ።

እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰድዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኹም ዘበለ (ዅሉውን) ኬዘክረኩምዩ።ዮሃ 1526 1426

እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ካብ እግዚአብሔር ኣቦን ካብ እግዚአብሔር ወልድን ዘይንእስ ፍጹም ኣምላኽዩ። ብህላወን ብኽብርን ብስልጣንን ማዕረዩ።

ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን በዓለ ፋሲካን በዓለ ሓምሳን፡ ኣይሁድ ተጠንቂቖም ዜብዕልዎ በዓላት ዝነበረ። እዚ ኸኣ፡ እግዚአብሔር ብኣጽንዖት ዝኣዘዞም ስለ ዝዀነ (ዘሌ 23’1-21 ዘዳ 161-12) ናይ ጐይታና በዓለ ትንሳኤ ምስ ናይ ኣይሁድ በዓለ ፋሲካ፡ እቲበዓል ሓምሳ፡ በዓል ሰሙናት፡ በዓል ሰዊትናይ ኣይሁድ ድማ፡ ምስ በዓለ ጰራቅሊጦስ (በዓለ መንፈስ ቅዱስ) ብትኽክል ኣብ ሓደ መዓልቲ ውዒሉ። እዚ ምግጣም ድማ፡ እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን በዓላት ናይ ብክርስቶስን ብመንፈስ ቅዱስን ዚፍጸም ዕዮ ትንቢታዊ ትእምርትን ጽላሎትን ዀይኑ የገልግል ከም ዝነበረ ዜመልክተናዩ። እቲ ናይ ኣይሁድ ፋሲካ፡ ንሞትን ትንሳኤን ናይ እተሓርደ ቅዱስ ገንሸል-ኣምላኽ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ጽላሎት ኰይኑ ኼገልግል ከሎ፡ እቲ ናይ ኣይሁድ በዓለ ሰዊት ከኣ ናይ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ እንፈርዮ ፍረ-መንፈስ ጽላሎትዩ።

ንቅዱሳን ሃዋርያት ናይ ሞቱን ትንሳኤኡን ብቑዓትን ውጽኢታውያንን መሰኻኽር ዝገበሮም፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስዩ። ምኽንያቱ መንፈስ ቅዱስ ካብ ጽንሰቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ትንሳኤኡ ዝተሳተፈን ዝሰርሐን ስለ ዝዀነ፡ ንርእሱ እቲ ዝዓበየ ምስክርዩ። ጐይታናን ቅዱሳን ሃዋርያቱን መላእኽቱን ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ምስክሩ ምዃኑ ተኣሚኖምዮም (ዮሃ 1526 ግብ 532 1ዮሃ 57 ራእ 1910) ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተመልኡ፡ ኣብ ጉዕዞ ቤተ ክርስትያን ሓድሽ ምዕራፍ ተኸፍተ። እቲ ብሊቅነቱ ዚፍለጥ፡ ካብ ኣቦታት ቤተ ክርስትያን ሓደ ዝዀነ፡ ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ፡መንፈስ ቅዱስእንተ ዘይወሃባ ነይሩ፡ ህልውና ቤተ ክርስትያን ተዳኺሙን ተረሚሱን ምተረፈ ነይሩ። ስለ በቲ ቕኑዕ ኣበሃህላ፡ እዛ ዕለትዚኣ (በዓለ ጰራቅሊጦስ) ናይ ቤተ ክርስትያንዕለተ-ልደትክትበሃል ይግባእብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። ስለ ብዙሓት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ንበዓለ መንፈስ ቅዱስኣደ ኵሉ በዓላት (እመቤት ኵሉ በዓላት)” ኢሎም ይሰምይዋዮም። ካብ ጽባሕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ሓምለ 4 ዘሎ ጊዜጾመ ሐዋርያት (ጾመ ሃዋርያት)” ይበሃል። እዚ ጾም ቐዋሚ ቝጽሪ መዓልታት የብሉን። ሓድሓደ ጊዜ ካብ 40 መዓልታት ንላዕሊ ይነውሕ፡ ንሓንሳእ ከኣ ካብ 30 መዓልታት ዚሓጽረሉ እዋን ኣሎ። እቲ ጾም ዚሰዓረሉ ዕለት ግና ኵሉ ጊዜ ቀዋሚ (ሓምለ 5) ብመሰረት ትውፊት ቤተ ክርስትያንና ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተመልኡ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ንኣገልግሎት ቅድሚ ምውጻኦም፡ ካብ ግንቦት 26 ጀሚሮም ነርብዓ መዓልታት ከም ዝጾሙ ይእመን። ናይ ሎሚ ዓመት ጾመ ሃዋርያት ካብ ግንቦት 28 ክሳዕ ሓምለ 4 ዀይኑ፡ ናይ 37 መዓልታት ዘመነ ጾምዩ። ኣብ ክርስቶስ ርእሲ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሃነጽና ኸም ምዃንና መጠን፡ ኣብ ናይ ጐይታናን ናይ ነብያትን ሃዋርያትን ቅዱስ ናይ ጾም ገድሊ ምእንቲ ኽንሓብር፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና 40 መዓልታት ናይ ጾመ ነብያት፡ 40 መዓልታት ናይ ጾመ-ኢየሱስ፡ 40 መዓልታት ድማ ናይ ጾመ-ሃዋርያት ዘመናት ሰሪዓትልና ትርከብ። በቲ ንሳቶም ብጾም ዝተጋደሉሉ ኣገባብ ብምጻም፡ ናይ ዓወቶምን በረኸቶምን ተኻፈልቲ ምዃን ድማ ክርስትያናዊ ሓላፍነትናን ሓለፋናንዩ።

ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ንበዓል ጰራቅሊጦስ ብዚምልከትሳምኒት እሑድ ኵሉ ሥርዓቱ ከመ ትንሣኤ አብጽሕ”’ ዚብል። ካብ በዓለ ትንሳኤ ኽሳዕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ንዘሎ 50 መዓልታትውንከመ አሐቲ ዕለት (ከም ሓንቲ መዓልቲ)> ብምባል ትገልጾ። ከም መርኣያ ናይ መግለጺ ድማ ናይ ክልቲኡ በዓላት መዝሙርን ንባባትን ምስባክን ቅዳሴን ዋላ ሓንቲ ፍልልይ ዘይብሉ ሓደ ዓይነትዩ።

ቅዱስ ጴጥሮስ ንመንፈስ ቅዱስ ጐይታና ኸም ዘፍሰሶ ምዝራቡ እንታይ ንምግላጽዩ፧ ከም ሳልሳይ ኣካል ቅድስቲ ስላሴን ከም ፍጹም ኣምላኽ መጠንን፡ ባዕሉ ኺወርድ ወይ ኪፈስስ ኣይምኸኣለንዶ፧ ነዚ መሪሕ ጥቕስና ብምስትውዓል እንተ መርሚርናዮ ምስጢረ ስላሴ ኻብ ዚገልጹ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓደዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ ናይ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ስብከቱ ኼመሓላልፍ ከሎ፡ በቲ ሽዑ ንግሆ ብምልኣት ዝሓደሮ መንፈስ ቅዱስምበር፡ ካብ ገዛእ ርእሱ ኣይነበረን። ናይ መንፈስ ቅዱስ ምውራድን ምግላጽን፡ ምስጢረ ስላሴ ብምልኣት ናይ ምግላጽ ዕላማ ዘለዎዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስቲ ድንግል ተወሊዱ ሰብ ብምዃኑ፡ ከም ካልኣይ ኣካል ስላሴ ተፈልጠን ተጋህደን። ዓለማትን ኵሉ ፍጥረትን ብእኡ ዝተፈጥሩ ጥንታዊ ኣምላኽዩ። ከም ካልኣይ ኣካል ስላሴ ዝተፈልጠ ግን ብኣካለ ስጋ ኣብ ማእከልና ምስ ተጋህደዩ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ ዝተገልጸ፡ ኣብ ብዙሓት ባሮት ኣምላኽ እናሓደረ ዚሰርሕ ዝነበረዩ። እንተ ዀነ ብምልኣት ተጋሂዱ ኣብ ኵላቶም ብኽብሪ ኪወርድ ምስ ተራእየ ግን፡ እቲ ምራዱ ፍሉይ ኣስተርእዮ (ምግላጽ) ኰነ። ምስ እግዚአብሔር ኣቦን ወልድን ዘለዎ ዝምድና ድማ ተጋህደ። ጐይታና ቅድሚ ዕርገቱ፦

ስለ ኺዱ፡ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልው ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።” ብምባል፡ ብዛዕባ ናይ መንፈስ ቅዱስ ናይ ስላሴ ኣካልነት ገሊጹ ነበረ (ማቴ 2819,20) ብናቱ ድርኺት፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝተወልደትላ ዕለት ኣብ ዝተሰብከት ቀዳመይቲ ስብከት፡ ምስጢረ ስላሴ ዚገልጽ መልእኽቲ ምትሕልላፉ፡ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽነቱን ናይ ስላሴ ኣካልነቱን ብግብሪ ዝተጋህደሉ ዕለት ኰነ። ኣብ መሪሕ ጥቕስና፡ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ነቲተስፋ ኣቦዝተባህለ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተቐበሎ፡ ንሱ ድማ ከም ዘፍሰሶ ተገሊጹልና ኣሎ። እዚ ኣበሃህላዚ፡ ነቲ ኣብ ጸሎተ-ሃይማኖት (The Creed)

ጐይታን መሕወዪን ብዝዀነ ካብ ኣብ (ኣቦ) ብዝሰረጸ መንፈስ ቅዱስን ንኣምን። ምስ ኣቦን ወልድን ንስግደሉን ነመስግኖን፡ ብነብያት ዝተናገረ” ዚብል፡ ከምኡውን ኣብኣመክንዮ ዘሓዋርያት፦

“..... (ኢየሱስ) ናብ ዝለኣኾ ኣቦኡ ናብ ሰማያት ዓረገ ኣብ የማን ሓይሊ (የማን ኣቦ) ተቐመጠ። ነቲ ኻብ (ኣቦ) ዝሰረጸ ንዓለምውን ዘድሓነ፡ ምስ ኣቦን ምስ ወልድን ህልዊ ዝዀነ ጰራቅሊጦስ መንፈስ ቅዱስ ድማ ሰደደልና።” ዚብል ናይ እምነት መግለጺ መሰረቱዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስውን ኣብ ትምህርቱ ነዚ ምስጢር ደጋጊሙ ይገልጾ ነበረ።

እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰድደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ኺምስክረለይዩ። ..... እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰድዶ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኼምህረኩም ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩምዩ። ..... ግናኸ እንተ ኸድኩ ኸም ዜሕሸኩም፡ ሓቂ እነግረኩም ኣለኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ፡ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእንሞ፡ እንተ ኸድኩ ግና፡ ንእኡ ኽሰድደልኩምየ። ..... ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩምዩ።ዮሃ 1526 1414,26 167

እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰድደልኩምየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ። ሉቃ 2449

ነዚ ጥቕስታትን መግለጺ እምነትን ምስ መሪሕ ጥቕስና ኣገናዚብና እንተ ርኢናዮ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ መልእኽቲ ኺርድኣና ይኽእልዩ።ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለዚብል ቃል፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦ ጥራሕ ከም ዚሰርጽ (ከም ዝወጽእ) ኬመልክተና ኸሎ፡ እቲንሱ ኣፍሰሶ ዚብል ቃል ድማ፡ ብስም ክርስቶስ ከም ዚመጽእ ዜመልክተናዩ። ክርስቶስ ድማ ነቶም ንእኡ ብምእማን ናቱ ዝዀኑ ጥራሕ ዚህቦም። ንዘይእዘዝዎ ንዘይኣምንዎ ኺህቦም ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። ቃል እግዚአብሔርውን ከምኡ ዜረጋግጸልናን።

ንሕና ድማ (ብዛዕባ) ነገር ምስክር ኢና። እቲ ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ዚህቦም መንፈስ ቅዱስውን ምስክርዩ።ግብ 532

ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሓዲሩኩም እንተልዩስ፡ ብመንፈስምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘለኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ (ናይ ክርስቶስ) ኣይኰነን።ሮሜ 89

እቲ ትእዛዛቱ ዚሕሉ ድማ፡ (ኣብ ክርስቶስ) ይነብር፡ (ክርስቶስውን) ኣብኡ (ኣብ ዚእዘዝ ሰብ) ይነብር። ንሱ ኣባና ከም ዚነብር ከኣ፡ ንሕና በቲ (ንሱ) ዝሃበና መንፈስ ንፈልጥ ኢና። ..... ካብ መንፈሱ ስለ ዝሃበና፡ ንሕና ኣብኡ ኸምንነብር ንሱውን ኣባና ኸም ዚነብር፡ በዚ ኢናንፈልጥ።” 1ዮሃ 324 413

ናይ ናይ ሎሚ ኣርእስቲ ኣገዳስነትምበኣር፡ ኣብ ኣካላት ስላሴ ዘሎ ሓድነታዊ ዝምድና ኣብ ርእሲ ምግላጹ፡ ክርስቶስ ድማ ኣብቶም ናቱ ዝዀኑ ጥራሕ ከም ዜፍስሶ ዜመልክተናዩ። እቲ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ኢየሩሳሌም ኪመጹ ዝገበረ በዓል፡ ንዅሉ ናብ በዓል ዝመጸ እስራኤላዊ ብማዕረ ዚምልከቶዩ። እቲ ሽዑ ዝወረደ መንፈስ ቅዱስ ግን ብዘይካ ነቶም ዚኣምንዎን ዚእዘዝዎን ስቕ ኢሉ ንዅሉ ሰብ ከም ዘይህቦ ግብራዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉዩ። እቶም ስብከት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሰምዑ ሰባት በቲ ቓል ልቦም ምስ ተወግአ፡ ካብ ጸጋ ኽካፈሉ ስለ ዝደለዩኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበርኢሎም ሓተቱ። ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ፡

“..... ተነስሑ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ተጠመቑ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም።ብምባል መለሰሎም (ግብ 237-39)

ብክርስቶስ ንዝኣመነ ዅሉ መንፈስ ቅዱስ ኪወሃብ ዘድለየሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝተቐበልናን ብእኡ ስለ ዝመላእናን እንረኽቦ ረብሓ እንታይዩ፧ ክርስትያን ማለት ኣብ ሰፈር ጸላእቱ ኸም ዚነብር ወተሃደር፡ ወይ ከኣ ኣብ ማእከል ተዃሉ ኸም ዚነብር ስቡሕ ገንሸል ማለትዩ። ማእለያ ዘይብሉ ፈተናን ዕንቅፋትን ኣብ ዝመልኣ ዓለም ኢና ንነብር ዘለና። ጐይታና ንቕዱሳን ሃዋርያቱ ኺልእኮም ከሎ፦

እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተኻሉ እሰድደኩም ኣለኹ። ደጊም ጠቢባን ከም ተመን ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ዅኑ።” ኢሉ መዓዶምን ኣዘዞምን (ማቴ 1016) ነዚ ኻብ ማእከል ተዃሉ ብሰላምን ብዓወትን ዜውጽእ ጥበብን ገርህነትንዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ዜዕጥቐናምበር፡ ባዕላትና ኸነጥርዮን ክንጥቀመሉን ኣይከኣልንዩ። ዓለም፡ ብመንፈስ ቅዱስምበር፡ ብሓይልን ብኽእለትን ናይ ሰብ ዘይትስገር ታኼላ/ሰልሚያ። ስለ ኣብ መንፈሳዊ ውግእ እናተዋጋእና እንኸዳ ቀጣንን ነዋሕን መገዲ፡ መሕወዪ፡ መጸናንዒ፡ መሃሪ፡ መራሒ ወዘተ ዚዀነካ ደጋፊ ኣካል እንተ ዘይረኺብካ፡ ነታ መገዲ ይትረፍ ክትውድኣ ከተፋርቓውን ኣይከኣልንዩ። ኣብ ምድሪዚኣ ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ክትጐዓዝ ምምራጽ ማለት፡ ድራር ተዃሉን ድራር ናይ ዓብዪ ገበል ዝተሰምየ ድያብሎስ ኴንካ ኽትተርፍ ምምራጽ ማለትዩ። ቃል እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ናይ ምቕባል ረብሓ እንታይ ምዃኑ ብዝርዝርን ብስፍሓትን ዚገልጸልና። ዋላ ንዅሉ ተንቲንና ኽንገልጾ ጊዜናን ወረቐትናን ዘይፈቕደልና እንተ ዀነ፡ እንተ ወሓደ ነቶም ረብሓታት ክንዝርዝሮም ኢና። ምስጢረ ሜሮንን ካልእ ኣገደስቲ ትምህርታትን ክንመሃር ከለና ብዛዕባኡ ብስፍሓት ኽንመሃር ንኽእል ኢና።

1. ብዳግም ልደት ይወልደና፡ ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኣብውሽጥና ዀይኑ ይምስክረልና። ካብ ናይ መንፈሳዊ ዝኽትምና ስምዒት ኣናጊፉ፡ ንእግዚአብሔርኣባ፡ ኣቦኢልና ኽንጽውዖ የብቅዓና (ዮሃ 33,5 ቲቶ 34,5 ሮሜ 814-16 ዮሃ 1418)

2. ማሕተም ተስፋና ይዀነልና። ማሕተም፡ ሓቅነትን ርጕጽነትን ዜጐናጽፍ። መንፈስ ቅዱስ ዘይብሉ ሰብ ናይ ተዳልዩ ዘሎ ተስፋ ወራሲ ምዃኑ ርጉጽነት የብሉን (ኤፌ 113 2ቈረ 121,22)

3. ዕርቡን ርስትና ይዀነልና። ዕርቡን ዝተኸፍለሉ ንብረት፡ ዋላ ኣብ ኢድካ እንተ ዘይኣተወ ናትካዩ። ነቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑን ዝተኣዘዝዎን ርስቲ መንግስተ ሰማያት ከም ዚወርሱ ንምርግጋጽ ብመንፈሱ ይመልኦም (ኤፌ 114 2ቈረ 121,22)

4. መምህር ኰይኑ ይምህረና። ስውርን ረቂቕን ምስጢራት ይገልጸልና (ነህ 920 እዮ 328 ዮሃ 1426 1613 1ዮሃ 227)

5. ነቲ ዝተመሃርናዮ የዘክረና፡ ናይ ወዲ ሰብ ዝኸበደ ፈተና ምርሳዕዩ። እቲ ምኽንያት ከኣ እቲ ጸላኢና ዲያብሎስ፡ ነቲ ኣብ ልብና ዝተዘራአ ቓል ስለ ዚምንጥሎዩ። ስለ ኸም ድያብሎስ ንኼረስዓና ዚተግህ መንፈስ ቅዱስ ድማ ንኼዘክረና ይተግህ (ዮሃ 1426 ሉቃ 944,45 1831-34 ዮሃ 222 1216 ማቴ 1319 ማር 414,15)

6. ይመርሓና። ምድራዊ ጕዕዞና ብዘይ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ፈጺምካ ኣይስገርንዩ። ስለ ኣብ ውሽጥና ዀይኑ በየን ከምንኸይድእንታይ ክንገብር ከም ዚግብኣና ዚመርሓና መንፈስ ቅዱስ የድልየና። ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመርሐ ሰብ ናብ ዓወትን ናብ ዕረፍትን ይበጽሕ (ዮሃ 1613 ሮሜ 814,15 ኢሳ 6311-14 መዝ 14310 ግብ 829 1019 166-10)

7. ይድግፈና። ንሕና ደቂ ሰባት ሓጢኣት ንሓይልና በሊዑ ዘዳኸመና ፍጥረት ኢና። ንርኽሰትን ሓጢኣትንምበር፡ ንጽድቅን ቅድስናን ዚኸውን ዓቕሚ የብልናን። ስለ ብዘይ ደጋፊ ኣካል። ኣብንበጽሖ የብልናን። ሓይሊ ዚህበናን ሓይሊ ዝዀነልናን ከኣ መንፈስ ቅዱስ (ሮሜ 826 ሉቃ 2449 ግብ 18 መሳ 145,6 1514 1628-30)

8. የጸናንዓና። እዚ ምድራዊ ህይወትና፡ ናብራ ውድቀትን ሓዘንን ዝዓብለሎዩ። ምድሪ ሓጐስን ምጽንናዕን ኣይኰነን ብፍላይ ነቲ ንክርስቶስ ዚመስል ክርስትያን፡ እዛ ዓለምዚኣ ስቓይን ሓዘንንትቕልቦ። ስለ ዜጸናንዕ መንፈሳ ቅዱስ ናይ ግድን የድልዮ። ምኽንያቱ ዋላ ኣብ መሪር መከራ ኸለኻ ብምጽንናዕን ሓጐስን ዚመልእ ቅዱስ መንፈስ (ዮሃ 1416,26 2ቈረ 48,9 68-10 ግብ 541 1622-25)

9. ብዛዕባ ሓጢኣትና ንንስሓ ይረትዓና። ንስሓ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስዩ። ኣብ ሓጢኣት ኣብ ዝወደቕናሉ ዅሉ ኣጋጣሚታት፡ መንፈስ ቅዱስ ንልብና እንተ ዘይረቲዕዎ፡ ናይ ንስሓ ዓቕሚ ኣይንረክብን ኢና። ብዓቕሚ ስጋና እንገብሮ ንስሓ፡ ጥበራውን ሕድገት ሓጢኣት ዘየውሕስንዩ። ስለ ኢና ኸም ቅዱስ ዳዊትብመንፈስካ ደግፈኒ፡ ቅዱስ መንፈስካ ኣይተግድፈኒኢልና ኽንጽልይ ዚግብኣና (ዮሃ 168-10 መዝ 5110-12 2ሳሙ 2410 1ዜና 217,8 1ሳሙ 245,6)

10. ፍረ-መንፈስ ክንፈርይ ይረድኣና። ፍረ መንፈስ፡ ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ክንፈርዮ ኣይከኣልንዩ። ጐይታና፡ እቲ ኣብኡ ዘይጸንዐ ኪፈርይ ከም ዘይክእል ነጊሩናዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኣብኡ ዘይጸንዐ ሰብ፡ መንፈስ ቅዱስ የብሉን። ስለ እቲ ፍረ-መንፈስ ኬፍርይ ዚደልይ፡ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዜኽእል መንፈስ ኪእዘዞ ይግባኣ (ገላ 522 ዮሃ 154,5 ፊል 19-11 ቈሎ 19,10)

11. ውህበታት ጸጋ ይዕድለና፡ ብዘይ ውህበታት ጸጋ ምዕያይን ምንባርን ማለት፡ ብዘይ ብቑዕ መሳርሒ ብጥራይ ኢድካ ሰሪሕካ ኸተፍርይ ምፍታንዩ። እዚ ተስፋታት ድማ ንዅሉ ህዝበ ክርስትያን ድማምበር፡ ንኣገልገልቲ ጥራሕ ዝተዋህበ ተስፋ ኣይኰነን። እንተ ዀነ ብቕንዕና ንዘይለመነን ንዘይደለየን ግን ኣይወሃብንዩ። ስለ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኰነ ብደረጃ ቤተ ክርስትያን እግዚአብሔር ከም ነታ ቐዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ንኣገልገልትን ምእመናንን ብውህበታቱ ዘጸገዎም ገይሩ ኼጸግወና ዘየባትኽ ጸሎት ከነዘውትር ይግብኣና (ግብ 21-4,37-39 1ቈረ 124-11 ሮሜ 124-8 ኤፌ 47 1ጴጥ 410,11)

ናይ ረብሓታት ተጠቀምቲ ንኽንከውን፡ ብወገንና ኽንገብሮ ዚግብኣና እንታይዩ፧ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሉ ኼብቅዕ በዚ ጸጋታት ዘይጥቀም ሰብ ምዃን ይከኣልዶ፧ ከምኡ ኻብ ምዃን የድሕነናምበር፡ ይከኣል!! ልክዕ ነዚ ሓላፊ ገንዘብ ከም ዜባኽኖ ገይሩ፡ ንጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዜባኽን ሰብ ማእለያ የብሉን። ብቕንዕናን ብዕምቈትን ርእስና እንተ ንምርምር፡ መብዛሕትና ኣባኸንቲ ጸጋ ኼንና ኸምንርከብ ከቶ ዘየጠራጥርዩ። እቶም በቲ ኣብ ልዕሌና ዝተፈጸመ ምስጢረ ሜሮን፡ ኵላትና ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስ ምዃንና እንፈልጥ ቍጽርና ኣብ ግምት ከተእትዎ ኽሳዕ ዜጸግም፡ ኣዚና ውሑዳት ኢና። ነዚ ኸኣ በቲ ዘይምእዛዝና ኢና ነግህዶ ዘለና። እቲ በብእዋኑ ኣብ እዝንና ዚፈስስ ዘሎ ቓል ኣምላኽ፡ እቲ እነንብቦ ቅዱስ ጽሑፋት፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተዘርበን፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶንዩ። እቲ ኣብ ውሽጥና ሓዲሩ መቕደሱ ዝገበረና መንፈስ ቅዱስ ድማ፡ ነቲ ዝተገልጸልና ቓል ክንእዘዞ እናደረኸና፡ ብዛዕባ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ወቒሱ እናረትዓና ከሎ ምእዛዝ ዀነ ምንሳሕ ከም ዕረ ጢዒሙና ሕልናና ኣደንዚዝና ልብና ኣትሪርና ስቕ ንብል። አረ ገሌናስ፡ንብዓል ነጐዳ ሓዊ ደብሶብዝዓይነቱ ናይ ህልኽ ኣካይዳ ነቲ ኣካይዳና ብዝኸፍአ መልክዕ ነበላሽዎ። እቲ ማሕደሩ ዝገበረና እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ከኣ በዚ ነገር ኣዝዩ ይጕህይ (ኤፌ 430) ብዛዕባ ህልኸኛ ህዝቢ እስራኤል፡

ኣብ ኵሉ ጸበባኦም ጸበቦ መልኣኽ ገጹ ድማ ኣድሓኖም፡ ብፍቕሩን ብለውሃቱን ተበጀዎም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ኵሉ ጊዜ ሓንገሮምን ሓዘሎምን፡ ንሳቶም ግና ዓለው፡ ንቕዱስ መንፈሱ ኸኣ ኣጕሃዩ፡ ስለ ጸላኢኦም ኰነ ባዕሉውን ተዋግኦም።

ከም እተባህለ፡ ብዛዕባና ከምኡ ኸይበሃል ክንጥንቀቕ ይግብኣና (ኢሳ 639,10) ንጉስ ሳኦል ብመንፈስ ቅዱስ ካልእ ሰብ ክሳዕ ምዃን ዝተለወጠ ሰብ ነበረ (1ሳሙ 106) ንሱ ግና ናይ ዘይምእዛዝ ምርጫ ኣልዒሉ፡ ነቲ ዘኽበሮ መንፈስ ቅዱስ ኬሕስርን ኬጕህይን መረጸ። ትዕግስቲ ኣምላኽ ምስ ተጸንቀቐ ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ገዲፉዎ ወጸሞ፡ ማሕደርን ግዳይን ናይ ርኹሳት መናፍስቲ ዀነ፡ ናብራኡ ድማ ናብ ናብራ-ስቓይ ተለወጠ (1ነገ 1614,15,23 285,6,15,16) እቶም ንምድሓን ዝለበሙ ብልህታት ግና ነቲ መቕደሱ ኽሳዕ ምግባር ዘኽበሮም ቅዱስ መንፈስ፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብዘይኣትው ዘየቋርጽ ተኣዚዞዮም ዜኽብርዎ። ቃል እግዚአብሔር ድማመንፈስ ቅዱስ ኣይተጥፍኡኢሉ ዜጠንቅቐና (1ተሰ 519 .)

እምበኣር ኣብ ክቡር በዓለ ጰራቅሊጦስን። ኣብ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ናይ ዘመነ ጰራቅሊጦ ሰሙንን ምስ ብምስጢረ ሜሮን ዝወለደና እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ከመይ ከም ዘለና ርእስና ንመርምር። ነቲ ህያው መቕደሱ ኽሳዕ ምግባር ዘኽበረና መንፈስ ቅዱስ ነኽብሮን ብረብሓታቱ ንጥቀም ምህላውናን ነረጋግጽ። ነቲ ኼዕርፈና ዝተዋህበና መንፈስ፡ ከም እስራኤላውያን፡ ጸላእቱ ዄንና ንውግእ ኣይንዓድሞ። ማሕተም ውልድነትናን ዕርቡን ናይ ሰማያዊ ርስትናን ምዃኑ ኣስተውዒልና ንኣምላኽነቱ ብዚምጥን ኽብሪ ነኽብሮ!!

ጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ግንቦት 27, 2015 ግዕዝ (4 ሰነ 2023 ፈ  [መበል 39 ሰንበት: ቊ.፵፯/47, 2023] )

ምስባክ

መዝ. ፻፲፯(፻፲፰)፡፳፬,፳፭

“ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።”

“እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ’ያ፡ ብእኣ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ።”

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 15፡20-41

ዲያቆን

1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 2፡22-37

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 20፡1-18

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦  ዘዲዮስቆሮስ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div