S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ምፍላጥ ጊዜ ኣይናትኩምን’ዩ [መበል 38 ሰንበት: ቊ.፵፮/46, 2023]

“ሽዑ ተኣኪቦም ከለዉ፡ 'ጐይታይ፡ “ኣብ’ዚ ወርሓት’ዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ (ኸተቝመላ) ኢኻ፧ ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ 'ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን፡' ..... በሎም።” ግብ 1፡6,7

እዚ ዕለት’ዚ ሻብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ’ዩ። ካብ ትማሊ ሓሙስ ጀሚሩ’ውን ናብ “ዘመነ-ዕርገት” ኣቲና ኣለና። እዚ ዘመን’ዚ ኻብ’ታ ዕርገት ዝወዓለትላ መዓልቲ ኽሳዕ ሰነ 17 ዚዝርጋሕ’ዩ። በዓለ ትንሳኤ ናብ መጋ. 30 ኣብ ዝተሳሕበሉ ዘመነ ዕርገት ናብ 39 መዓልታት ይሰፍሕ፡ በዓለ ትንሳኤ ናብ ሚያዝያ 27 ኣብ ዝወረደሉ ድማ ናይ 11 መዓልታት ዘመን’ዩ ዚኸውን። ቅዱስ ያሬድ ንዘመነ ትንሳኤ ዝሰርዖ መዝሙር ሰናብቲ ክሳዕ 12 ስለ ዝዀነ ግና፡ ዘመነ ዕርገት፡ ንኡስ ዘመን ናይ’ቲ ዓብዪ ዘመነ ትንሳኤ ምዃኑ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና።

ነዚ ናይ ዘመነ ዕርገት ቀዳማይ ሰንበት ዝተሰርዐ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር፡ “በሰንበት ዐረገ ሐመረ” ዘርእስቲ’ዩ። ኣብ’ዚ መዝሙር’ዚ እቲ ጐይታና ኣብ ዮሃ 14፡1-3 ዝተዛረቦ ቓል ተስፋ ሰፊሩ ኣሎ። ስለ’ዚ ኸኣ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ዮሃ 14፡1-12 ኰነ። እቲ ብዛዕባ ዕርገቱ ዜዘንትው ግብ 1፡6-11’ውን ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብና ዀይኑ፡ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን’ውን ካብኡ ዝተወስደ’ዩ። እቲ ብዲያቆናትና ተመሪሕና ዜዘምናዮ ምስባኽ’ውን “ዘምሩ ለእግዚአብሔር ዘዓርገ ውስተ ሰማያት’ (ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ጥንቲ ሰማየ-ሰማያት ዚኸይድ ኣምላኽ ዘምሩ)” ዚብል ትንቢታዊ መዝሙር’ዩ። እቲ ኣብ ዕለተ-ዕርገቱ ዚዝመር ምስባክ’ውን፦

“ኣምላኽ ብእልልታ፡ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ደየበ። ምስጋና ኣምላኽ ዘምሩ፡ ዘምሩ። ምስጋና ንጉስና ዘምሩ፡ ዘምሩ።” ዚብል ትንቢታዊ መዝሙር’ዩ (መዝ 47፡6,7)። ኣብ ካልእ ናይ ምስባኽ መዝሙር’ውን፡ “ናብ ላዕሊ ደየብካ፡ ምርኮ ማረኽካ” ዚብል ናይ ዕርገቱ ትንቢት ተነጊሩ ኣሎ (መዝ 68፡18፣ ኤፌ 4፡8-10)። ብዛዕባ ዕርገቱ ኣብ ማር 16፡19-20፣ ሉቃ 24፡50-53 ተጻሒፉልና ኣሎ። ጐይታና ብዕርገቱ ነዚ ዚስዕብ ዓበይቲ ግብርታት ከም ዝፈጸመ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና።

1. ነቲ ኣብ መስቀል ዝፈጸሞ መስዋእትነቱ ፍጹም ገበሮ። ነቲ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ መስዋእቲ ናብ’ታ ናይ ሰማይ ቅድስተ ቅዱሳን ሒዝዎ ኣተወ (እብ 9፡11-14,23,24)።

2. ብስልጣን ኣብ የማን እግዚአብሔር ኣቦ ተቐመጠ (እብ 10፡12)።

3. ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ካብ እግዚአብሔር ኣቦ ተቐቢሉ ናብ ምእመናን ኣፍሰሶ (ግብ 2፡33)።

4. ርእሲ ናይ ቤተ ክርስትያን ኰነ (ኤፌ 1፡22,23፣ ቈሎ 1፡18,24)።

5. ምእንቲ ህዝቡ ቤዛዊ ማልዶት (Expiatory Intercession) ይፍጽም፡ ብዛዕባ ሓጢኣት ህዝቡ ኣብ ኣቦ ይጣበቕ ኣሎ (ሮሜ 8፡34፣ እብ 7፡25፣ 1ዮሃ 2፡1)።

6. ንህዝቡ ኣብ ሰማያት ማሕደር (ስፍራ) የዳልው ኣሎ (ዮሃ 14፡2,3)።

7. ኵላቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ ኣብ የማን ኣቦ ዀይኑ ይጽበይ ኣሎ (እብ 10፡13፣ 1ቈረ 15፡24-25)።

እዚ ብዕርገቱ ኣብ ሰማያት ዝገበሮን ገና ዚገብሮ ዘሎ ድማ ምእንታና ምእንቲ ድሕነትና’ዩ። ስለ’ዚ ኻብ’ታ ስጋና ለቢሱ ዝተወልደላ ዕለት ጀሚሩ ብዕርገቱ ኣብ ሰማያት ዚገብሮ ዅሉ፡ ንኣና ግብሪ ድሕነትና’ዩ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ንዕርገት ምስ’ቶም ዓበይቲ በዓላት ዝሰርዓትሉ ምኽንያት ድማ ንሱ’ዩ። እዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ዘመነ ዕርገት፡ ነቲ በዚ ዕርገቱ’ዚ ዝገበሮ ዅሉ ብዝርዝር ክንመሃሮን ከነስተንትኖን ብዛዕባኡ ንእግዚአብሔር ከነመስግነሉን፡ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ በቲ ብዕርገቱ ዝፈጸሞ ግብሪ ምድሓን ክንነብርን’ዩ።

ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን፡ ጐይታና ቅድሚ ዕርገቱ ንቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ዝተዛረቦ ቓል’ዩ። ኣብ’ቲ ጐይታና ብስጋ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዜገልግለሉ ዝነበረ ዘመን፡ ሃገረ እስራኤልን ህዝባን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮማውያን ይግዝኡ ነበሩ። ናይ ገዛእ ርእሶም መንግስቲ ኣይነበሮምን። እዚ ኵነተ-ህላወ’ዚ ንዝዀነ እስራኤላዊ ዜጋ ኣዝዩ ኸም ዜጕህዮን ከቢድ ጾር ከም ዝዀኖን ርዱእ ሓቂ’ዩ። እቶም ዚሓትቱ ዘለዉ ደቀ መዛሙርቱ ካብ ዓለም ዘይኰኑ፡ ካብ ላዕሊ ዝተወልዱ ሰማያውያን ዜጋታት’ኳ እንተ ነበሩ። ኣብ ማእከል ህዝቦም ዚነብሩ ስጋ ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝዀኑ ብዛዕባ ሃገሮምን ህዝቦምን ከምኡ ኺሰምዖም ባህርያዊ’ዩ (ዮሃ 3፡3፣ 15፡18,19፣ 17፡14,16፣ 1ዮሃ 4፡4,5)። ንጐይታና ኺስዕብዎ ኸለዉ፡ “ንእስራኤል መንግስቲ ኬቝመላ’ዩ” ዚብል ተስፉ ኣብ ልቦም ከም ዝነበሮም ብዝተፈላለየ መገዲ በጨቕ የብልዎ ነይሮም’ዮም። እቶም ካብ ሃዋርያት ምርኡያት (ኣዕኑድ) ዝነበሩ ደቂ ዘብዴዎስ (ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስን ያእቆብን)፡ “መንግስቲ ኬቕውም’ዩ” ዚብል ተስፋ ስለ ዝነበሮም፡ በቶም ካልኦት ከይቅደሙ፡ ኣብ’ታ መንግስቱ ንኽልቲኦም ኣብ የማኑን ኣብ ጸጋሙን ዚቑሙ ሰበስልጣን ኪገብሮም ንወላዲቶም ሒዞም መጺኦም ከም ዝለመንዎ ተነጊሩና ኣሎ (ማቴ 20፡20-28፣ ማር 10፡35-45)። እቲ ህዝቢ ንኢየሱስ መንዚዑ ወሲዱ ኼንግሶ ይደልይ ከም ዝነበረ፡ ጐይታ ግን ሓሳብ ልቦም ፈሊጡ ሓዲግዎም ከም ዝኸደ ወንጌላዊ ዮሃንስ ጽሑፉልና ኣሎ (ዮሃ 6፡15)። እቶም ናብ ኤማሁስ ዚኸዱ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ (ቀለዮጳን ብጻዩን)፡ ነቲ ዘየለለይዎ ጐይታ ኼዛርብዎ ኸለዉ፡ 

“ንሕና ግና፡ 'እቲ ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ’ዩ' ኢልና ተስፋ ጌርና ኔርና።” ብምባል ካብ ሓጢኣትን ሳዕቤኑን ጥራሕ ዘይኰነስ ካብ መግዛእቲ ሮማውያን’ውን ኬድሕኖም ትጽቢት ከም ዝነበሮም ሕጂ ግና ብሙማቱ ኸም ዝጐሃዩ ገለጹሉ (ሉቃ 24፡13-24)። ብዕርገቱ ናብ ሰማያት ኪድይብ ምዃኑ ስለ ዝነገሮም፡ እታ ኣብ ውሽጦም ኰይና ‘ትሓቕዮም ዝነበረት ሕቶ ኸይትተርፍ፡ ኣብ’ታ ምብጋሱ ሓተትዎ። ንሱ ድማ ነታ ዘልዓልዋ ሕቶ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንዅሉ ጊዜ-ጠቀስ ዝዀነ ሕቶታት ደቂ ኣዳም ዚምልስን ዜዐግስን ነቲ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዘሎ መሰረታዊ መልሲ ሃቦም።

ስለምንታይ’ዩ ናይ ጊዜ ሕቶ ንኣና ንደቂ ኣዳም ኵሉ ጊዜ ዜሸግረናን ዚሓቕየናን፧ ብዘይ ቃል ዓለም፡ ናይ ጊዜ ነገር ንወዲ ሰብ እቲ ዝዓበየ ፈተና’ዩ። ኣዘውቲርና እንሓትተንን ኣዝየን ዜሸግራናን ክልተ ሕቶታት፡ “ስለምንታይን ክሳዕ መዓስን” ዚብላ’የን። ሎሚ ትምህርትና ብዛዕባ ጊዜ ስለ ዝዀነ ነታ “ኽሳዕ መዓስ፧ (እስከ መአዜኑ)” እትብል ሕቶ ኢና ኽንመሃር። ነታ ኻልኣይቲ ሽግርና ድማ እግዚአብሔር ኣብ ዝፈቐዶ መዓልቲ ኽንድህስሳ ኢና። ደቂ ኣዳም ብዛዕባ ጊዜ ኣዚና እንግደሰሉን እንጭነቐሉን ምኽንያት ሰለስተ’ዮም።

1ይ. ሰብ ሓጺር ዕድመ ምዃንና፦ እዚ ብሰሪ ሓጢኣት ዝወረደና ድሩትነት ናይ ዕድመ፡ ክንሓጥእ ከለና’ኳ ዘይንዝክሮ እንተ ዀንና፡ ብፍላይ ንጊዜ ኣብ ዚምልከቱ ጕዳያት ግን ዓቕልና ኻብ ዜጽብቡልና ናይ ህይወት ረቛሒታት ሓደ’ዩ። ክንረኽቦም፡ ክንገብሮም፡ ኪርሕቁልና እንደልዮም ኵነታት ምስ ዚህልው ጊዜ ኸይወስዱ ቐልጢፎም ኪፍጸሙ ንደልይ። እቲ እንደልዮ ኸይተኸስተ ጊዜ ምስ ዚበልዕ፡ ክንምረር፡ ከነጕረምርም። ክንነቅፍ ንጅምር፡ ወይ’ውን ባዕላዊ ፍታሕ እንገብረሉ ኣማራጺታት ንሓስብ። ጸበባ፡ ሕማም፡ ማእሰርቲ፡ ድኽነት፡ ስድደት፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ጕዳያት፡ እናገደዱን መዓልቲ እናበልዑን ብዝኸዱ መጠን፡ “ክሳዕ መዓስ” ዚብል ሕቶ ከም ዚለዓለካ ብምግባር የናውጹኻ። “ኣነ ብዓል ሓጺር ዕድመ ስለ ዝዀንኩ፡ ከመይ ገይረ ኽንዲ’ዚ ኽጽበይ እኽእል” ዚብል ሓሳብ ከም ዘለዎ እንተ ዘይመጻልካ’ኳ ነቲ ዓቕሊ ጽብበትካ ዜዕርጎ ውሽጣዊ ጸገም ንሱ’ዩ። እዚ ድማ ንጻድቕ ኰነ ንሓጥእ ብማዕረ ዜጋጥሞ ፈተና’ዩ ቅዱስ ዳዊት’ኳ፡ 

“ዎ እግዚአብሔር፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ፈጺምካ እትርስዓኒ፧ ክሳዕ መዓስከ ኢኻ ገጽካ ‘ትኽውለለይ፧ ክሳዕ መዓስ ብነፍሰይ ክጭነቕ፡ ዕለት ዕለትሲ ብልበይ ክሓዝን’የ፧ ጸላእየይከ ኽሳዕ መዓስ’ዩ ዚዕብልለኒ፧ ..... ዎ እግዚአብሔር፡ ፈጺምካ ‘ትኽወል፧ ነድርኻስ ከም ሓዊ ዚነድድ ክሳዕ መዓስ’ዩ፧ ህይወተይ ክንደይ ሓጻር ምዃና ..... ዘክር። ሞት ከይረኣየ ብህይወት ዚነብር፡ ንነፍሱስ ካብ ኢድ ሲኦል ዜናግፍ ሰብ መን (ኣሎ)።” ብምባል ሕጽረት ዕድመ ምስ ምንዋሕ ጊዜ ዚወልዶ ትጽቢት ዘለዎ ቐጥታዊ ዝምድና ብቕንዕና ተኣሚኑ ኣሎ (መዝ 13፡1,2፣ 89፡46-48)። ኣብ’ዚ ኽንዝንግዖ ዘይግብኣና ሓቂ እንተ’ሎ፡ ነቲ ዓቕሊ ጽብበት ዚፈጥሮ ዘሎ፡ ምንዋሕ ትጽቢት ወይ ምድንጓይ ኵነታት ዘይኰነስ፡ እቲ ሓጢኣት ዝጠንቁ ምሕጻር ዕድሜና’ዩ። እቲ ዜገድሰና ዘሎ ጕዳይ ብናይ እግዚአብሔር ዘለኣለማውነት ዘይኰነስ ብናትና ጊዝያዊነት ኪስራዕን ኪመሓደርን ንደልዮ። እዚ ዘይምኽኑይ ተርባጽ’ዚ ድማ፡ ነቲ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ጊዜን ኵነታትን ህይወት ሰብን ዘለዎ ልኡላውነት ክንዳፈሮን ብቓላት ይኹን ብግብሪ ኽንጻረሮን ይቕስበና። እግዚአብሔር ደንጓይን ዝንጉዕን ከም ዝዀነ፡ ብዛዕባና ኸም ዘይግደስ፡ ኪጐድኣና ኸም ዚደልይ ብምሕሳብ ናብ ግጉይ መደምደምታ የጽድፈና። እግዚአብሔር ልኡላዊ፡ ሕያዋይ ሰናይ ኣምላኽ ምዃኑ ምዝካርን ምስትንታንን፡ ካብ’ቲ እዚ ተርባጽ ዚወልዶ ዘይምኽኑይ ኣበሳ የድሕነና’ዩ።

2ይ. ጥሙሕ ኣምላኽነት፦ ንወዲ ሰብ ናብ ስሕተትን ጥፍኣትን ዘውደቐ፡ ጥሙሕ (ባህጊ) ኣምላኽነት)’ዩ። እቲ ንሓሶት ኣቦኣ ዝዀነ ድያብሎስ፡ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ናይ ኣምላኽነት ባህጊ ኣብ ሰብ’ውን ከም ዘሎ ስለ ዝፈለጠ ዝተኸልከለ ፍረ-ኦም ብምብላዕ ኣምላኽነት ከም ዚርከብ ብምንጋር፡ ኣብ ውሽጦም ናይ ዕልወት ስምዒት ኣለዓዓለ። እታ ሄዋን “ጥበብ ብምሃብ እተብህግ ኦም” ዝበለታ ነታ “ኣምላኽ ምዃን” እትብል ባህጋ እትገልጽ’ያ። ኣምላኽ ንባዕሉ ጥበብ’ዩ (ምሳ 8፡12-31፣ 1ቈረ 1፡24,30፣ ማቴ 11፡19 (ሉቃ 7፡29)። ጊዜ፡ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ልኡላውነት ናይ እግዚአብሔር ምዃኑ ብቓል ኰነ ብተመክሮ ካብ ዘመነ ብሉይ ገና ኻብ ፍጥረት ጀሚሩ ዝተረጋገጸ ሓቂ’ዩ (ግብ 1፡7 ፣ ማቴ 24፡36)። ጐይታ ድማ በቲ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዘሎ ቓል ገይሩ ኣረጋጊጹልና’ዩ። ኣብ ዘይሕዛእትና ኣቲና “መዓስ’ዩ፧ ቀልጢፉ ደንጕዩ፧ ሓጺሩ ነዊሑ” ዜብለና ዘሎ፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ተደጕሉ ዘሎ ሰይጣን በብእዋኑ ዜዕፍሮ ባህጊ ኣምላኽነት’ዩ። ናይ ኵሉ ብወዲ ሰብ ዚፍጸም ሓጢኣት ጠንቂ፡ እዚ ስውርን ድጕልን ባህጊ’ዚ’ዩ። ዋላ ናይ ኵሉ ኣምላኽ ክንከውን ከም ዘይንኽእል ጽቡቕ ገይሩ ዚርድኣና እንተ ዀነ፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌና ዘለዎ ልኡላዊ ስልጣንን ዋንነትን ክንጥሕሶን ኣብ ጕዳያትና ባዕላትና መለኽቲ ኽንከውንን ንደልይ። “እዚ ግበር፡ እቲ ግን ኣይትግበር” ተባሂሉ ምስናይ ሳዕቤኑን ዓስቡን ብግህዶ ተነጊሩና ኸሎ ኣንጻር’ቲ ዝተነግረና ኽንከይድ ዚቕስበና፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌና ዘለዎ ልኡላዊ ስልጣን ክሒድናን ዓሊናን፡ “ኣብ ህይወተይ፡ ኣብ ምርጫታተይ፡ ኣብ ኵነታተይ ኣነ’የ ልኡላዊ” ብዚብል ዓለወኛን ሰይጣናዊ ህልኽን ምእዛዝን ንኣብይ። ንዅሉ ሓጢኣት ዘለኣለማዊ ፍርዲ ዜውህቦ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ናይ’ቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ዝተሰንዘረ በደል ስለ ዝዀነ’ዩ።

3ይ. ነቲ ዘለናዮ ህልዊ ዅነታት ዘይምቕባልና፦ ብኸመይ ዝበለ ዅነታት ንሓልፍ፡ ንኽንደይ ዚኣክል ጊዜ ኣብኡ ንጸንሕ፡ እቲ ዅነታት ብኸመይ’ዩ ዚውዳእ፡ ኣብ ፍቓድ ናይ’ቲ ልዑል ኣምላኽ’ዩ ዚምርኰስ እግዚአብሔር ዘይመደቦ ነገር ኣባና ኣይበጽሕን’ዩ። ኣይሁዳውያን ብምኽንያት ሓጢኣቶም ንሰብዓ ዓመት ብምርኮ ናብ ባቢሎን ምስ ገዓዙ ኣይተቐበልዎን። ስለ’ዚ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ነቲ ስምዒት ናይ’ቲ ህዝቢ እናመዝመዙ፡ ኣብ ሓጺር ዓመታት ኪውዳእ ምዃኑ እናተነበዩ ህዝቢ ኼታልሉ ጀመሩ። እቲ ህዝቢ ድማ ነቲ ሓሶት ስለ ዝፈተዎ ነቲ ሓቀኛ ነብዪ ኤርምያስ ይገፍዖ ነበረ (ኤር 28፡1-17)። ዓቕሊ ስለ ዘጽበቡ ነቲ ጊዜ ኼሕጽርዎ ኣይከኣሉን። እቲ ኻብ ምርኮ ዚምለስሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ ድማ፡ ኣብ ምዱብ መዓልቱ ተፈጸመ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንመንፈሳዊ ረብሓኡ ብፍቓድ ኣምላኽ ከቢድ ሕማም ምስ ሓመመ ኣይተቐበሎን። ኪፍወስ ጸልዩስ ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ንእኡ ዜጽውር ጸጋ ግን ከም ዚወሃቦ ምስ ተነግሮ፡ ነቲ ሰባት ዚጽየፍዎ ሕማሙ ብሓጐስ ተቐቢሉ ኪሕጐሰሉን ኪሕበነሉን ጀመረ (2ቈረ 12፡7-10፣ ገላ 4፡13,14)። ስለ’ዚ “መዓስ’የ ኽሓውይ፡ ክሳዕ መዓስ’የ ኽሳቐይ፧ ክሳዕ መዓስ’የ ነዚ ዜጸይፍ ሕማም ሒዘ ኣብ ቅድሚ ሰባት ወንጌል ኽሰብኽ፡ “ኣይበለን። ስለ’ዚ ብዛዕባ ምንዋሕን ምሕጻርን ናይ ጊዜ ዘለና ዓቕሊ ጽብበት፡ እቲ ምንዋሕ ጊዜን ምኽባድ ኵነታትን ዝወለዶ ዘይኰነስ፡ ነቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ዝወረደና ኵነታት ብጸጋ ዘይምቕባልና ጥራሕ’ዩ። ካልእ ብዙሕ ምኽንያታት’ውን ነቲ ብዛዕባ ጊዜ ዘለና ዝምቡዕ ኣተሓሳስባ ከም ዜጋድድዎ ርዱእ’ዩ። ኣዕሚቝና ብምምርማር ክንበጽሖም ንኽእል ኢና።

እዚ ፈተና’ዚ መዓስ’ዩ ዚበትከልና፧ እዚ ፈተና’ዚ ናይ ስጋ ዝለበሰ ሰብ ጥራሕ ድዩ፧ ነቲ ምዱብ ጊዜ ኽንፈልጥ ምድላይናን ንበይኑኸ፡ ብርግጽ ሓጥእ ኣተሓሳስባ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ሓጥእ ዚገብሮን ዘይገብሮን፡ እቲ ነዚ ሕቶ’ዚ ዘለና ኣተሓሕዛን ስምዒትን’ዩ። ነቲ “ኽሳዕ መዓስ፧” ዚብል ተርባጽ “እግዚአብሔር ክሳዕ ዚፈቕዶ” ብዚብል፡ ንልኡላውነትን ሰናይነትን ሕያውነትን ናይ ኣምላኽ ኣኽብሮት ብዚህብ ጻድቕ መልሲ እንተ ኣዐጊስናዮ፡ ነቲ ፈተና ዀይንና ዝነበረ ሕቶ ናብ በረኸት ስለ ዝለወጥናዮ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ መጐስ ንረክብ’ምበር፡ ከም ሓጢኣት ኣይኰነናን’ዩ። በዚ ተርባጽ’ዚ ተደፊእና፡ ንባህርያት ኣምላኽ ናብ ምልክት ሕቶ ናብ ዜእትውን ናብ ዜቃልልን መደምደምታት እንተ በጺሕና ግን፡ ሽዑ ኣቦኡን ኣዲኡን ናብ ዘፍለጠ ግሁድ ሓጢኣት ገጹ’ዩ ዚምዕብል፧

እዚ ፈተና’ዚ ዋላ ድሕሪ ምቕንጣጥ ናይ ስጋ ድንኳንና፡ ድሕሪ ሞትና’ውን ከይገድፈና ኸም ዚኽእል፡ በቲ ቅዱስ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ ተገሊጹልና’ዩ። እቶም ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ስም ኢየሱስ ተሓሪዶም ብሰማእትነት ዝሓለፉ ናይ ኣምላኽ ቅዱሳንን ቅዱሳትን’ውን፡ ኣብ እግሪ መሰውኢ ናይ’ቲ ሰማያዊ ቤት መቕደስ፡ ነቲ ኣብ’ዚ ምድሪ ኸለዉ ዚሽግሮም ዝነበረ ሕቶ ኣብኡ’ውን ኪደግምዎ ኸለዉ ተሰሚዖም’ዮም።

“ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ “ዎ ቅዱስን ሓቀኛን ጐይታ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ (ገፋዕትናኸ) ክሳዕ መዓስ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፧ እናበሉ ጠርዑ።” ራእ 6፡10

ጐይታ ግን፡ “ኣብ’ዚ ቅዱስ ሰማያዊ ስፍራ ዄንኩም፡ ከመይ ኢልኩም ከም’ዚ ዓይነት ሕቶ ትሓትቱ፧” ኢሉ ኣይተቘጥዖምን። ብኣንጻሩ’ኳ ድኣ እቲ ጽድቂ ቅዱሳን ዝዀነ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኸዲኑ ኣኽበሮም (ራእ 6፡11፣ 19፡8)። ናብ ዕረፍቲ ድማ ኣእተዎም። እቶም ተሪፎም ዘለዉ ኣሕዋቶም ተሓሪዶም፡ ጽዋእ ዓመጻ ናይ’ቶም ገፋዕቲ ኺመልእ፡ ገና ቝሩብ ዘመን ተሪፉ ኸም ዘሎ ነገሮም።

እዚ ምዱብ ጊዜ ናይ ምውሳንን ናይ ምፍላጥን ስልጣን ናይ በይኑ ናይ እግዚአብሔር ስለ ዝዀነ፡ እዚ “ኽሳዕ መዓስ” ዚብል ሕቶ ንዅሉ ፍጡር’ዩ ዚለዓሎ። ቅዱሳን መላእኽቲ ናይ እግዚአብሔር መንፈሳውያን ፍጡራት’ዮም። ነቲ ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ጊዜ ናይ ምፍላጥ ዓቕምን ስልጣንን የብሎምን። ልክዕ ከማና፡ እግዚአብሔር ፈትዩ እንተ ገለጸሎም ጥራሕ’ዮም ዚፈልጥዎ። እዚ ሓቂ’ዚ ኣብ’ቲ ነብዪ ዘካርያስ ዝረኣዮ ራእይ ብንጹር መገዲ ተጋሂዱ ኣሎ (ዘካ 1፡7-13)።

“ሽዑ’ቲ መልኣኽ እግዚአብሔር፡ <ዎ፡ እግዚአብሔር ጐይታ ሰራዊት ነዘን ንሰብዓ ዓመት እተቘጣዕካየን ኢየሩሳሌምን ከተማታት ይሁዳን ክሳዕ መዓስ ኢኻ ዘይትምሕረን፧> ኢሉ (ሓተተ)። እግዚአብሔር ከኣ ነቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ፡ ብጽቡቕ ቃላትን ብዚጸንናንዕ ቃላትን መለሰሉ።” ዘካ 1፡12,13

ካብ’ዚ ቓል’ዚ፡ እግዚአብሔር ነቶም ነዚ “ኽሳዕ መዓስ፧” ዚብል ናይ ጊዜ ሕቶኦም ብቕንዕናን ብጽቡቕ መንፈስን ዜልዕልዎ ሰባት፡ ሰማእታት ይዀኑ መላእኽቲ ጽቡቕ መልሲ ኸም ዚህቦምን ብምጽንናዕ ከም ዚጻምዎምን ኢና ንርዳእ። ስለ’ዚ ኣብ’ቲ “ክሳዕ መዓስ” ዚብል ሕቶ፡ ጸገም ዚበሃል የልቦን። ሓጥኣን ኰነ ጻድቃን፡ ሰባት ኰነ መላእኽቲ ዜልዕልዎ ሕቶ’ዩ። እቲ ወሳኒ ነገር፡ እቲ ነዚ ሕቶ’ዚ እትብለሉ ድርኺትን ብዛዕባ’ቲ ነዛ ሕቶ’ዚኣ ዚምልስ ልኡላዊ ኣምላኽ ዘሎካ ስምዒትን መደምደምታን’ዩ። ንልኡላውነትን ፍትሓውነትን ሰናይነትን ሕያውነትን፡ ብሓፈሻ ንዅሉ ባህርያትን ግብርን ናይ እግዚአብሔር ልዑል ኣኽብሮት ብዚህብ’ምበር፡ ብዘየቃልልን ብዘየዳፍእን መገዲ እንተ ኢልናዮ፡ በዚ ሕቶ’ዚ ረብሓ’ምበር ወጽዓ ኣይንረክብን ኢና።

እግዚአብሔር ንምንታይ’ዩ ነቲ ናይ ጊዜ ውሳነታቱ ዜመስጥሮ፧ በዚ ምስጠራ’ዚ’ኸ ኣባና ዜስልጦ ጕዳይ ኣለዎ ድዩ፧ ብርግጽ ኣለዎ። እግዚአብሔር ዚኣክል ሰናይ ኣምላኽ “ብዘይ ጽቡቕ ምኽንያት፡ ነቲ ዝመደቦ ጊዜ ይሓብኣልና’ዩ” ኢልካ ምሕሳብ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ፈራዲ ኸም ምፍራድ ዚቝጸር፡ ኪፍወስ ዚግብኦ ሕሙም ኣተሓሳስባ’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ’ዚ ዋላ ኽንዲ ፍረ-ኣድሪ እትኣክል ኣፍልጦን መግለጽን እንተ ዘይህልወና’ኳ፡ ናብ ከም’ዚ ዝበለ ግናይ መደምደምታ ኽንበጽሕ ኣይግባእን’ዩ፡ ኣየርብሓናን ከኣ’ዩ። ብመንፈስ ቅዱስ መንፈሳዊ ልቦና ዘጥረና ሰባት እንተ ዄንና፡ ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ንበይንና ዄንና ኽንሓስብ ከለና፡ ምስ ሰባት ክንዘራረብ ከለና ዀነ ብጸሎት ምስ ኣምላኽ ክንዛረብ ከለና፡ “ነቲ ነዚ ዝገበርካሉ ምኽንያት እንተ ዘይፈለጥክዎን እንተ ዘይተረዳእክዎን’ኳ፡ ኣብ’ቲ ምዱብ ጊዜኻ ኽሳዕ እትገብሮ፡ ንልኡላውነትካ ንሰናይነትካ ዀነ ንሕያውነትካ ኣይጠራጠሮን’የ” ዚብል ቅዱስ መደምደምታን ተኣምኖን’ዩ ዚህልወና። ስርሓት ኢዱ ስለ ዝዀንና ባህርይናን ድኻምናን ብርታዐናን ንዅሉ ኣዳቒቑ ብዝርዝር’ዩ ዚፈልጦ። ብምፍላጥና ‘ንጕዳእ ፍጥረት እንተ ዄንና፡ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ቅዱስ ፍቓድ’ምበር፡ ነቲ ናትና ኣጕል ሃንቀውታ ኣይኰነን ዜገልግል። ከም’ቲ ቕድሚ ሕጂ’ውን ዝተመሃርናዮ። መዓልቲ ሞትና መዓልቲ ምጽኣትን እንተ ዚሕብረና፡ ክሳዕ’ታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ፡ እንተ ተኻኢሉ’ውን ክሳዕ’ታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ዓንዲርና፡ ሽዑ ብናይ ጥበራ ንስሓ ኽንምለስ ከም እንመርጽ፡> እቲ ሕጂ ‘ንኸደሉ ዘለና ኣካይዳ’ዩ ዜቃልዓና። ከም’ዛ “ሸምጊልካ ኢኻ ‘ትመውት” ዚብል ጽኑዕ መብጽዓ ዝተዋህበና፡ “ምስ ሸምገልኩ ኽምለሶ’የ” ኢልና ንስሓን ቍርባንን ተሓሲምና ብዕንደራ እንመላለስ ህዝቢ ምዃንና ኣይንረስዕ። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ድኹም ኣተሓሳስባ ድማ ብኣርኣያ ስላሴ ኣብ ዝተፈጥረ ዅሉ ሰብ ዚርከብ’ዩ።

ዘይምፍላጥ፡ እምነትናን ትውክልትናን ኬዕብይ ዝተሰርዓልና ዅነት ምዃኑ’ውን ኪዝንጋዕ ኣይግባእን’ዩ። ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ኣብ’ቲ ዚፈልጥ ኢኻ ትውከል። ኪውከል ዚኽእል ከኣ፡ እቲ እምነት ዘለዎ ሰብ ጥራሕ’ዩ። እቲ “እፈልጥ’የ፡ እኽእል’የ” ዚብል ሰብ ግን ኣብ ገዛእ ርእሱ’ዩ ዚውከል፡ ንርእሱ’ውን’ዩ ዚኣምን። ስለ’ዚ እቲ ብዘይ ምፍላጥ እንመላለሰሉ ጊዜ፡ ናይ ትዕዝብትን ምከራን (test) ጊዜ’ዩ። እምነትካ ወይ ክሕደትካ ዚገሃደሉ ኣገዳሲ እዋን’ዩ። ኣብ’ዚ ናይ ሓቂ ኣተሓሳስባናን መንነትናን ዚፍለጠሉ ናይ ምከራ ጊዜ ብልዑል ጥንቃቐን ኣስተውዕሎን ክንመላለስ’ዩ ዚግባእ። ስለ’ዚ እቲ ዅነታት ይኽፋእ ይጸብቕ፡ ይንዋሕ ይሕጸር፡ ይኽበድ ይቕለል ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ ጊዜና ይኹን ብዛዕባ ዅነታትና ብልዑል ትውክልትን እምነትን ንእግዚአብሔር ክንዕገሶን ክንጽበዮን ይግብኣና። ከም ኣቦታትና ቅዱሳን ነብያት፦

“ኣነስ ነቲ ኻብ ቤት ያእቆብ ገጹ ዚሓብእ እግዚአብሔር እጽበዮ፡ ብእኡ’ውን ተስፋ እገብር ኣለኹ። ..... ኣነ ግና ናብ እግዚአብሔር እጥምት፡ ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር ኣለኹ፡ ኣምላኸይ’ውን ኪስምዓኒ’ዩ። ኣቲ ጸላኢተይ፡ እንተ ወደቕኩ ኽትንስእ’የ፡ ኣብ ጸልማት እንተ ተቐመጥኩ’ውን፡ እግዚአብሔር ብርሃነይ’ዩ’ሞ ብኣይ ኣይትተሓጐሲ ንእግዚአብሔር በዲለዮ’የ’ሞ፡ ንሱ ነገረይ ክሳዕ ዚሕዘለይ ፍትሒ’ውን ክሳዕ ዜውጽኣለይ፡ ንቝጥዓ ኽጽመሞ’የ። ናብ ብርሃን ኬውጽኣኒ’ዩ። ጽድቁ’ውን ኪርእይ’የ።”

እናበልና፡ ነቲ ዘይምፍላጥ ኣብ ውሽጥና ዚፈጥሮ ተርባጽ ከነዐግሶ ይግብኣና (ኢሳ 8፡17፣ ሚክ 7፡7-9)። ርእስና ብዕምቈት ንመርምር’ሞ፡ በቲ ንረብሓና ኢሉ ዝተመደበልና ዘይምፍላጥን ንኣምላኽ ምጽባይን ንረብሕ’ምበር፡ ንውጻዕ ዘይምህላውና ነረጋግጽ። ምፍላጥ ጊዜ ኸም ዘይተዋህበና ብግህዶ እናተነግረና ኸሎ፡ ነቲ ናይ ምፍላጥ ኣጕል ባህግን እናዕበና፡ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ምውጋእ ነቛርጽ። ነቲ “ኽሳዕ መዓስ” ዚብል ዘይተርፍ ሕቶ፡ ንልኡላውን ሰናይን ሕያዋይን ባህርይ ናይ እግዚአብሔር ክብሪ ንምሃብ’ምበር፡ ንምቅላል ኣይንጠቐመሉ።

ጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ግንቦት 20, 2015 ግዕዝ (28 ግንቦት 2023 ፈ  [መበል 38 ሰንበት: ቊ.፵፮/46, 2023] )

ምስባክ

መዝ. ፷፯(፷፰)፡፴፪-፴፫

“ነገሥተ ምድር ሰብሕዎ ለእግዚኣብሄር።bወዘምሩ ለአምላክነ። ዘምሩ ለእግዚአብሔር ዘዓርገ ውስተ ሰማይ።”

“ኣቱም መንግስትታት ምድሪ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ዚኸይድ ኣምላኽ ዘምሩ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፡ እንሆ፡ ንሱ ንድምጹ፡ ነቲ ብርቱዕ ድምጹ፡ የስምዕ ኣሎ።”

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 10፡1-13

ዲያቆን

1ጴጥ 2፡20-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 1፡6-11

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 14፡1-12

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦  ዘዲዮስቆሮስ ወይ ዘ፫፻ት

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div