S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸብጻብካ ሃበኒ [መበል 37 ሰንበት: ቊ.፵፭/45, 2023]

ናብ ዕያግ ርኽሰት ምስኣቶም ስለ ዘይጐየኹም፡ ይግረሙ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ይጸርፉኹም ኣለዉ፡ ንሳቶም ነቲ ንህያዋንን ንምውታትን ኪፈርድ ተዳልዩ ዘሎ (ክርስቶስ) ጸብጻብ ኪህብዎዮም።” 1ጴጥ 44,5 .

እዚ ዕለት ናይ ዘመነ ትንሳኤ ሻድሻይ ሰንበትዩ። ዚመጽእ ዘሎ ሓሙስ ድማ ዕርገት ጐይታና እንዝክረሉ፡ ካብ በዓለ ትንሳኤ መበል 40 መዓልቲዩ። ካብ ዕለተ ዕርገት ክሳዕ ሰነ 17 ዘሎ ቕንያት ድማዘመነ ዕርገትተባሂሉ ዚጽዋዕ። እንተ ዀነ እቲ ናይ ሰናብቲ መዛሙር ካብ ትንሳኤ ኣትሒዙ 12 ሰናብቲ ዚቘጽርምበር፡ ምስ ዘመነ ዕርገት ቀዳማይ መዝሙርኢሉ ኣይጅምርንዩ። ካብ ሓቂምበኣር፡ ዘመነ ዕርገት ከም ንኡስ ክፍለ-ዘመን ናይ ዓብዪ ዘመነ ትንሳኤ ከም ዝዀነ ኢና ንርዳእ። ዕርገት ልክዕ ከም ሞትን ትንሳኤን ናይ ጐይታ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ግብሪ ምድሓንዩ። ምሉእ ስርየት ኣበሳን ድሕነትን ዚርከብ፡ እቲ ሊቀ ካህናት ናይቲ ዝተሰውአ መስዋእቲ ደም ሒዙ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ምስ ዚኣትው ጥራሕዩ። እቲ ፍጹም ሊቀ ካህናትን ቅዱስ መስዋእትን ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ፡ ነቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ህያው ደሙ ሒዙ ናብ ናይ ሰማይ ቅድስተ ቅዱሳን ብምእታውዩ፡ ፍጹም ድሕነት ዘጐናጸፈና (እብ 923,24) ስለ ድማ፡ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን እድይብ ኣለኹኢሉ ንቅዱሳን ሃዋርያቱ ብማርያም መግደላዊት ኣበሰሮም (ዮሃ 2017,18) ከም ዝበላ ድማ ካብ ትንሳኤኡ ልክዕ ኣብ 40 መዓልቲ ካብ ቅድሚ ዓይኒ ደቀ መዛሙርቱ ብዘይ ህቦብላ፡ ብዘይ ደበና፡ ብዘይ ሰረገላ ሓዊ ናብ ሰማያት ዓረገ (ግብ 11,29 ማር 1619 ሉቃ 2451) ስለ ኸኣ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንዕርገት ካብ ዕለተ ትንሳኤ ልክዕ ኣብ 40 መዓልቲ ሓሙስ ሓሙስ እተብዕሎ። እምበኣር ንሕናውን እዚ ሰሙን ነቲ ዕርገቱ ዘውሓሰልና ድሕነት ኽንዝክርን ከነስተንትንን ይግብኣና።

ናይ ሻድሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ መዝሙርፋሲካዘርእስቱዩ። ሓፈሻዊ ትርጉም ናይ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር ድማ፡ ከም ዚስዕብዩ።

ፋሲካ!! እታ ዕለትቲኣ ቅድስቲያ። በታ ዕለትቲኣ ንተሓጐስ። ብእኣ ንተሓጐስ ባህውን ይበለና። እታ ዕለትቲኣ ምጽንናዕን ዕረፍትንያ። ሰማይን ምድርን ብእእ ይተሓጐሱ። ፋሲካ፡ ፋሲካ፡ ፋሲካ፡ ዝኽሪ ትንሳኤ መድሓኒና!! ጐይታ ድምጽኻ ሰሚዐ ፍራህኩ፡ ግብርኻ ርእየውን ተገረምኩ። ጐይታ መን ኸማኻ፡ ንምውታት ብቓልካ ኣተንሳእካ። ህይወት ሃብካ፡ ንኣና ሰላም ጸጎኻና። ምስ ጻድቃንካ ሓቢርና ዅላትና በዓለ ፋሲካ ክንገብር ኢና

ካብቶም ነዚ መዝሙር መሰረት ብምግባር ዝተሰርዑ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ድማ፡ እዚ ምንጪ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ዝዀነ ናይ 1ጴጥ 44-11 ንባብዩ። እቲ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ 2ቈረ 51-10 ንባብውንኣብ (ዓለም) (ብህይወት) እንተለና ወይ እንተ ሞትና፡ ንእኡ ኸነሐጒስ ንጽዕት ኣለና። ከመይ ነፍሲ ወከፍ (ሰብ) ነቲ (ብስጋኡ ብህይወት) ከሎ ዝገበሮ ሰናይ ኰነ ወይ እከይ (ግብሪ) ምእንቲ ኪቕበል ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንቀርብ ኢና።ዚብል ፍርዲ-ጠቀስ ዝዀነ ሃይለ ቃል ተጻሒፉልና ኣሎ (2ቈረ 59,10 .) ኣብ ናይ ግብ 1039-43 ንባብናውን፦

“..... ንሳቶም (ንኢየሱስ) ኣብ ዕንጸይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ። ኣምላኽ ግና ንእኡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተንስኦ። ብጋህዲ ኸም ዚረኣይውን ገበሮ። እንተ ዀነ ጐይታ ብጋህዲ ዝተራእየ፡ ንኣና ነቶም ምስክር (ትንሳኤኡን ምእንቲ ኽንከውን ቅድም ዝሓረየና (ደቀ መዛሙርቱ) እወ፡ ንኣና ነቶም ካብ ምውታት ድሕሪ ምትንሳኡ፡ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰተናንምበር፡ ንዅሉ ህዝቢ ኣይኰነን። ኣምላኽ (ንኣና) ንህያዋንን ምውታትን ኪፈርድ ዝመደቦ ንሱ ምዃኑ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና። ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚረኽብ፡ ኲሎም ነብያት ይምስክሩሉ ኣለዉ።” ዚብል ንትንሳኤ ጐይታናን ፍርዲ ምጽኣቱን ዜዛምድ ብሩህ መልእኽቲ ተጻሒፉልና ኣሎ (ግብ 1039-42) እምበኣር ኵሉ ንባባት ናይ ዕለትዚ፡ ኣብ ዘለናዮ ዘመነ ትንሳኤ ብዛዕባ ኣብ ምጽኣቱ እትገሃድ መዓልቲ ፍርዲ ኽንመሃርን ከነስተንትን፡ ብእኡ ድማ ርእስና ኽንምርምር ከም ዚግባእ የመልክተና ኣሎ። ምኽንያቱ ሞቱ ዀነ ትንሳኤኡ፡ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ዚወሃበና ብይን ንኼጸብቐልና ዝተፈጸመዩ። ብክርስቶስ ኣሚንና ብዛዕባ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ተነሲሕና፡ ኣብ ዝተረፈ ዘመን ህይወትና ድማ ንእኡ ኸነሐጒሶ እንተ ጽዒትና፡ እታ መዓልቲ ፍርዲ ቐዳዊትና ኽትኰነልናያ። ልክዕ ከም ብፋሲካ እንሕጐሶ ዄንና፡ ብሓጐስ ክንጽበያምበር፡ ብፍርሃትን ብስቅቕታን ኣይኰነን። ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ኣብ መዓልቲቲኣ እቲ ፍትሓዊ ፈራዲ ኻባና እንታይ ከም ዚሓትትን ከም ዚጽበይን ብግልጺ ነጊሩና ኣሎ።

ብዛዕባ እንታይ ኢና ጸብጻብ ከነቕርብ፧ ኵሉ ዚፈልጥ ጐይታ ኽነሱ፡ ንምንታይ ኻባና ጸብጻብ ዚሓትት፧ መቸም ጸብጻብ ምሃብ ግድነታዊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኵላትና ንፈልጥ ኢና። ምኽንያቱ ኣብ መንግስታዊ፡ ትካላዊ ዀነ ኣብ ኵሉ ኻልእ ጉዳያት ብዘይ ጸብጻብ ኪስራሕ ኣይክእልንዩ። ይትረፍ ኣብ ዓበይቲ መንግስታዊ ትካላት (ሚኒስትሪታት ኤምባሲታት፡ ምምሕዳራት ሰራዊት ወዘተ) ዋላ ኣብ ንእሽቶ ስድራ ቤት ብዘይ ጸብጻብ ኪንበር ኣይከኣልንዩ። እቲ ፍልልይ፡ እቲ ጸብጻብ ወግዓዊ ወይ ዘይወግዓዊ (formal or informal) ምዃኑ ጥራሕዩ። መንግስታዊ ወይ ትካላዊ ጸብጻብ ምስ ዚኸውን ብዙሕ መረጋገጺ ጭብጥታት ዘለዎ ጽሑፋዊ ጸብጻብ ዚኸውን። ዓመታዊ መንፈቃዊ፡ ርብዒ ዓመታዊወርሓዊ፡ ሰሙናዊ፡ ዕለታዊ፡ ኣብ ገሊኡ ትካላት ከኣ ብሰዓታት ጸብጻብ ዚቐርበሉ ኣሎ። ኣብ ትካላት ፍትሒ ኸኣ (ፖሊስ፡ ቤት ፍርዲ) ጽፉፍ ጸብጻብ ምሃብ ተሓታትነት ዘለዎ ሓላፍነትዩ።

ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኵሉ መንፈሳዊ ኣገልግሎታትውን ኣዝዩ ዝውቱርን ግድነታውን ኣሰራርሓዩ። ኣብ ዓይኒ ኣምላኽውን ጸብጻብ ምሃብ፡ ካብ ናይ ምድሪ ኣዝዩ ዚበልጽ ልዑል ኣገዳስነት ከም ዘለዎ፡ ጐይታና ኣብ ኵሉ ኣስተምህሮኡ ኣነጺሩ ገሊጽዎዩ። ኣብ ብዛዕባ ንበደልትኻ ሕድገት ምግባር ኣመልኪቱ ዝሃቦ ምስላ፦

ስለ መንግስቲ ሰማያት ምስ ኣገልገልቱ ኺጸባጸብ ዝደለየ ንጉስ ትመስል። ኪጸባጸብ ምስ ጀመረ ዓሰርተ ሽሕ (እልፊ) መክሊት ዕዳ ዘለዎ ሰብ ኣምጽኡሉ።” ብምባል ገሊጹ ኣሎ (ማቴ 1823,24) ኣብ ምስላ መክሊትውን፦

ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ፡ ጐይታ ናይቶም ባሮት መጸ፡ ምስኣቶምውን ተጸባጸበ።” ኢሉና ኣሎ (ማቴ 2519) ኵላቶም እቶም ባሮቱ ድማ፡ ነቲ ኻብኡ ዝተቐበልዎን በቲ ዝተቐበልዎ መክሊት ገይሮም ዘፍረይዎን እናጠቐሱ ጸብጻቦም ኣቕረቡ። እቲ ብዓል ሓሙሽተ መክሊት ዘቕረቦ ጸብጻብን ዝተዋህቦ ናእዳንውን ተጻሒፉልና ኣሎ።

እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ (ባርያ) ኸኣ፡ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽአሞ፡ጐይታይ (ንስኻ) ሓሙሽተ መክሊት ሃብካኒ፡ እንሆ (ኣነ ኸኣ) ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ፡> እናበለ ቐረበ። እቲ ጐይታኡ ድማ፡ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያ፡ ብሒደት (እሙን ኴንካ) ኢኻሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እተው፡> በሎ።

ኣብምስላ ዘይቅኑዕ መጋቢዚብል ምስላኡ ድማ፡ እቲ ሃብታም ሰብኣይ፡ ኣዛዝ ቤቱ ገንዘቡ ይብትነሉ (የጠፋፍኣሉ) ኸም ዘሎ ምስ ሰምዐ፡ ጸዊዑ፡

እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይዩ፧ ደጊም ኣዛዝ ቤት ክትኰነኒ ኣይትኽእልን ኢኻሞ፡ ጸብጻብ መጋቢነትካ ሃበኒ፡” ከም ዝበሎ ነጊሩና ኣሎ (ሉቃ 162) ኣብምስላ ዓሰርተ ምናድማ፡ እቲ ውሉድ ጭዋ ንግስነት ተቐቢሉ ምስ መጸ እንታይ ከም ዝገበረ፦

እቶም ወርቂ ዝሃቦም ባሮት፡ ክንደይ ዚኣክል ከም ዝረብሑ ኺፈልጥ (ጸብጻብ ኪህብዎ) ደልዩ፡ ኪጽውዑሉ ኣዘዘ።” ኢሉና ኣሎ (ሉቃ 1915) ጐይታ ነዚ ዅሉ ጸብጻብ ጠቀስ ምስላታት ብዘይ ምኽንያት ኣይመሰሎን። ብሓቂ ብኽፉት ልቢ ነስተውዕሎ እንተሊና፡ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ነፍሲ ወከፍ ጸብጻቡ ኬቕርብ ክሓትትዚብል ግሁድ መልእኽቲ ዜሕልፍ ዘሎ። ስለ ብዘየወላውል መገዲ ኣግሂዱን ደጋጊሙን እናነገረና ኸሎ፡ ፈጺሙ ጸብጻብ ከም ዘየቕርብ፡ ዋናን ተሓታትነትን ከም ዘይብሉ ሰብ ኴንካ ምንባር ማለት ንኽትገልጾ ዀነ ንኽትርድኦ ዜሸግር ድርቅናን ዕሽነትን ምዃኑ ብሩህዩ።

እቲ እነቕርቦ ጸብጻብ ከኣ፡ ብቐዳምነት ብዛዕባ ኣምላኽ ዝሃበና ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋታትዩ፡ ብዛዕባ ዝተዋህበና ህይወት፡ ዕድመ፡ ጊዜ፡ ጥዕና፡ ሕማም፡ ገንዘብ፡ ሞያ፡ ስልጣን፡ ዝምድናታትን፡ ዕድላት ዝኣመሰሉ ስጋውያን እንብሎም ጒዳያት፡ ብዛዕባ ዝተዋህበና ጸጋታት፡ ኣገልግሎት፡ ቃል ኣምላኽ፡ መንፈስ ቅዱስ ወዘተውን ጸብጻብ ክንህብ ኢና። ንዅነታትና ኣዝዩ ኣሰካፊ ዚገብሮ፡ ንመብዛሕትኡ፡ አረ ዳርጋ ዅሉውን ኪበሃል ይከኣል ኵሉ ዘሎና ኻብ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮን ተሓታትነት ከም ዘለዎን፡ ጸብጻብ ከነቕርበሉ ምዃንናን ፈጺምና ዘይንፈልጥ ምዃንናዩ። እቲ ብኻልኣይ ደረጃ ጸብጻብ እነቕርበሉ ድማ፡ እቲ ዕለት መጸ በእምሮና እንሓስቦን፡ ብልሳንና እንዛረቦን፡ እንገብሮ ተግባርንዩ።

ጐይታ ብዛዕባ ጸብጻብ ምሃብ ኣስፊሑን ደጋጊሙን ዝመህረሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ ረብሓ ጸብጻብ እንታይዩ፧ እቲ ዅሉ ዚፈልጥ ጐይታ፡ ነቲ ጸብጻብ ንእኡ ንርእሱ ሓገዝ ኪዀኖ ኢሉ ኸም ዘይደለዮ መቸም መግለጺውን ዘየደልዮ ርዱእ ነገርዩ። ኣሽንኳይ ብዛዕባ ባዕሉ ዝሃቦ ህያብ፡ ኪፍጸም ዝረኣየ፡ ኺዝረብ ዝሰምዖ ዘረባ፡ ብዛዕባ ገና ዘይተሓስበ ዘረባን ተግባርን፡ ድሕሪ ኣማኢትን ኣሽሓትን ዓመታት ብዛዕባ ዚፍጸም ዝርዝር ኵነታት ኣነጺሩ ክትኣምኖ ብዜደንጽው ልክዕነትን ዝርዝርን ዚፈልጥ ጐይታ (መዝ 139 1-16 ኤር 1617) ስለ ጸብጻብ ከነቕርብ ዚሓትተና ምእንታና ንረብሓና ኢሉምበር፡ ንርእሱ ኢሉ ኸም ዘይኰነ ግሁድ ሓቂዩ። ናይቲጸብጻብ ከተቕርብ ኢኻዚብል ትእዛዝ መልእኽቲእትገብሮ ፍለጥ ቅድሚ ምግባርካ ኣዕሚቝካ ሕሰብ፡ ኵሉ ጊዜ ኸየቋረጽካ ርእስኻ መርምር፡ ንዝገበርካዮ ጌጋታት ብግብራዊ ንስሓ ኣርም፡ ክትገብሮ እናተገብኣካ ዝበዀርካሉ ዕዮን ሓላፍነትን እንተልዩካ ቀልጢፍካ ግበሮ። ብዛዕባ ዝገበርካዮን ዘይገበርካዮን፡ ካባይ ዚስወር ነገር ስለ ዘየልቦ፡ ክትሓብእን ክትውስኽን ኣይትኽእልን ኢኻ። ምኽንያቱ ኣብ ንህያዋንን ምውታትን ዝፈርደላ ምድብቲ መዓልቲ ብዛዕባ ነገር ክትሕተትን ክትፍረድን ኢኻ። ዚብልዩ። ነዚ መልእኽቲ ብንጹር ምፍላጥን ከየቋረጽካ ምዝካርን ንህይወትካ ፍጹም ሰብ ናብ ምዃን ዜዕብይዩ። ኣብ ልዕሊ ሰብ ክፉእ ናይ ምግባር ሃቐና ምስ ዚህውኸናሞ፡ ኣብ እዋን ብዛዕባ እንሓስቦ ዘለና ኽፉእ ሓሳብ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ደው ክንብልን ጸብጻብ ክንህበሉን እቲ ዚግብኣና ፍትሓዊ ብይን ክንቅበለሉን ምዃንና እንተ ንዝክር፡ ክንገብሮ ምደፈርናዶ፧ ፈጺምና ኸም ዘይንውዕሎ ርጉጽዩ። ብድፍረት እንተ ወዓልናዮ ኸኣ፡ ካብቶም ንኣምላኽ ፈጺሞም ዘይዝክርዎ ሰባት፡ ኣዚና ዝኸፋእና ምዃንና ዓብይ መረጋገጺዩ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዜቕርብ ጽቡቕ ገይሩ ዝተሰቈሮን ኣጸቢቑ ዚኣምነሉን ሰብ፡ ዝዀነ ዓይነት እኩይ ሃቐና ምስ ዚለዓሎኣምላኽከ እንታይ ኪብለኒ፧ ጽባሕ ንግሆ ከመይ ገይረ ኣብ ቅድሚኡ ክቐውምየ፧ብምባል ርእሱ ዚገትእ። እቲ ብዛዕባ ተግባሩ ብደቂቕ ከም ዚሕተትን ጸብጻብ ከም ዜቕርብን ፈጺሙ ዘይፈልጥ ሰብ ግን፡ ርእሱ ዚዓግተሉ ፍቓድን ዓቕምን ኣይህልዎንዩ። ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ተተሪኹልና ኸም ዘሎ፡ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ፡ እመቤቱ ምስኣ ኺምንዝር ብርቱዕ ጸቕጢ ኣብ ዝገበረትሉ እዋን፡ ርእሱ ኻብ ዝሙትን ርኽሰትን ኬድሕን ዝኸኣለ፡ ንእግዚአብሔር ነቲ ዚፈርድ ፍትሓዊ ኣምላኽ ስለ ዝዘከረዩ። ነዛ ኽትቀትሎን ከተቕትሎን እትኽእል ሰበይቲ ፈጺሙ ንኬቕብጻ ዝሓገዞ ኣታሓሳስባኡ እንታይ ምዃኑ፡-

ከመይ ገይረኸ ነዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል።ዚብል ነበረ (ዘፍ 399) ብኻልእ ኣዘራርባኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኬሕትተንን ኬፍርደንንዩ። ስለ ዘየዋጽኣንን ዘየርብሓንን ኣይውዕሎንየ። ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብለኒሞ፡ ምስ ኣምላኽ ዝበኣስ ፍቓድ ስጋይ ብዘይ ምዕጋበይን ንኣኺ ብዘይ ምእዛዘይን መከራ ምጽጋብ ይሕሸኒዝብል ቅዱስ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን መሪጹ። እቲ ተሓታትነት ከም ዘለዎ ዝዘንግዐ ንጉስ ዳዊት ግን ብዝፈጸሞ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለት ነፍስን ንቤቱ ሕሱም መዓት ዝመሃዘ ሰብ ኰነ (2ሳሙ 127-12) ስለ ጸብጻብ ከም እትህብ እናሓሰብካ ምንባር፡ ናብ ቅድስናን ፍጽምናን ዜብጽሕ ብልህነትን ልቦናንዩ። ነዛ ሃናጺት ሓቂዚኣ ፈቲኻ ምርሳዕ ግን መንፈሳውን ዘለኣለማውን ርእሰ ቕትለት ምፍጻም ምዃኑ ፈጺምና ኽንዝንግዖ ዘይግባእዩ።

እቲ ጸብጻብ እነቕርበሉ ጊዜ ኣዝዩ ርሑቕ ምዃኑን ድሕሪ ሞት ዚፍጸም ምዃኑ፡ ዓብይ ዕንቅፋት ኣይኰነናንዶ፧ ምንዋሕ ጊዜ ኣብ ተዘክሮታትናን ተገዳስነትናን (ኣድህቦናን) ኣሉታዊ ተጽዕኖ የብሉን ድዩ፧ እዚ ሕቶ ካብ ኣብ ዓይነት ህይወትና ንላዕሊ ኣብ ትሕዝቶን ጽፍፈትን ናይ ጸብጻብና ዘተኰረዩ። እቲ ፈላጥ-ኵሉ ኣምላኽ ኣብ ዓይነት ናይ ህይወትናምበር፡ ኣብ ዓይነት (quality) ናይ ጸብጻብና ኸም ዘይግደስ ግሁድዩ። እቶም ጸብጻብና ዚጽበዩ ምድራውያን ኣሕሉቕና፡ ፍልጠቶምን ውሳነታቶምን ኣብ ንሕና እንህቦም ጸብጻብ ዚምርኰስ። ከም ልዕል ኢልና ዝገለጽናዮ ግና፡ እግዚአብሔር ንኣፍልጦኡ ወይ ንተዘክሮኡ ኢሉ ንጸብጻብና ኸም ዘይደልዮ ፍሉጥዩ። ናይ ብሓጢኣት ዝተበላሸወ ህይወት፡ ወሃ ዘበለ ጽፉፍ ጸብጻብ እንተ ኣቕረብና፡ እንታይ ዋጋ ኣለዎ፧ ነቲ ዚጽበየና ዜሰክሕ ፍርዲ፡ ሓንቲ በሰር ወይ መንገፍ ኣየጕድለሉንዩ። ረብሓ ጸብጻብ፡ ህይወትካ ኽትምርምር፡ ዘይተደላዪ ኣሊኻ ዝጐደለ መሊእካ መንቅብ ዘይብሉ ህይወት ንኽትመርሕ ምዃኑ ብንጹር ተገሊጹልና ኣሎ። ጸብጻብ ህይወትካ ዕለት መጸ ኣብ ጸጽባሕ ዚግበርምበር ኣብ ዕለተ ሞትካ ወይ ኣብ መዓልቲ ምጽኣት ዚፍጸም ኣይኰነን። ኣብ ናይ ዓለምና ትካላዊ ኣሰራርሓኳ፡ ጸብጻብ እነቕርብ ኣብ ናይ ዓመት መወዳእታ ጥራሕ ኣይኰነን። መዓልታዊ ኢና ጸብጽብ እነቕርብ። እቲሰሙናዊ፡ ወርሓዊ፡ ዓመታዊእናበልና እነቕርቦ ጸብጻብ፡ ድምርን ጽማቝን ናይ መዓልታዊ ጸብጻብዩ። ዝኸፈልካዮ ወይ ዝተቐበልካዮ ገንዘብ በገባብን ብትኽኽልን እንተ መዝጊብካዮ፡ ንዚሓትተካ ዅሉ ድሮ ጸብጻብካ ድሉውዩ።

ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ጸብጻብውን፡ መዓልታዊምበር ዓመታዊ ወይ ናይ ዕድመ ምሉእ ጸብጻብ ኣይኰነን። ውዕሎኻ መዓልቲ መጸ ምምርማር ማለት መንፈሳዊ ጸብጻብካ ምድላው ማለትዩ። ነቲ መርሚርካ ዝረከብካዮ ሓጢኣት ብንስሓ ከም ዚርሕቕ ምግባር፡ እቲ ዝበለጸ መንፈሳዊ ጸብጻብዩ። ንኣምላኽ ዜዕግብ ጸብጻብ ስለ ዝዀነ ኸኣ ድሕነት ዜጐናጽፍ፡ ሰማያዊ ኽብሪ ዜውህብን ዜሸልምን ተግባርዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብጸሎት ተደፊእካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣበ-ነፍስኻ (ጓሳ ነፍስካ) ቀሪብካ፡ኣነ ኣብ ዕለት ናይ ሓሶት፡ ናይ ቍጥዓ፡ ናይ ዝሙት ኣበሳ ፈጺመ ኣለኹ ብዛዕባ ሓጢኣተይ እሓዝንን እጠዓስን ኣለኹ ስርየት ሃበኒ (ሕድገት ግበረለይ)!! ኣብ መጻኢ ነዚ ሓጢኣት ኸይደግም ወሲነ ኣለኹሞ፡ በቲ ዜኽእል ጸጋኻ ደግፈኒኢልካ ምጽላይ፡ ሓደ ክርስትያን ናብ ኣምላኽ ኬቕርቦ ዚኽእል ዝበለጸ ጸብጻብዩ። ናብ ኣምላኽ ዚቐርብ መንፈሳዊ ጸብጻብ ከይተገብረ፡ ይትረፍ ሰሙናትን ዓመታትን ኬቝጽር፡ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ጸሓይ ክትዓርቦ ኣይግባእንዩ። ስለዚዶ ኣይኰነንኣብ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩምዝተበሃልና (ኤፌ 426) ብኻልእ ኣዘራርባ፡ቅድም ምስ መባእስትኻ ተዓረቕ፡ ብዛዕባ ሓጢኣትካ ድማ ናብ ኣምላኽ፡ ተነሳሕማለትዩ።

ነቲ ጸብጻብና ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ንሕና እንተ ረሳዕናዮ፡ ኣምላኽ ግን ኣይርስዖንዩ። ነቶም ኣብ ማቴ 2531-40 ተጠቒሶም ዘለዉ ጻድቃንን ሓጥኣንን ንዘክር። እቶም ጻድቃን ዘይኰኑስ እቲ ንጉስ እቲ ዳኛ ናይ ተግባሮም ጸብጻብ ዘቕረበ። ንሳቶም ንብዙሓት ጥሙያትን ጽሙኣትን ዕሩቓትን ሕሙማትን እሱራትን ከም ዝረድኡ ጽቡቕ ገይሮም ይፈልጡን ይዝክሩንዮም። እዚኣብሊዕኩምኒ፡ ኣልቢስኩምኒዚብሎም ዘሎ ንጉስን ዳኛ ግን ሕጂ ንመጀመርታ ጊዜዮም ዚርእይዎ ዘለዉ። ስለዮም፡ኣበይ ረኺብናኻ፧ዝበሉ። ናይቶም ሓጥኣንውን ተመሳሳሊዩ። እንተ ዀነ ኣብ ጊዜ ምጽኣት እቲ ብዋግዋጎ እንፈልጦ ሓቂ፡ ድሕሪ ትንሳኤ ግን ብዜገርም ልክዕነትን ዝርዝርን ስለንፈልጥ ጸገም የለን (1ቈረ 1312) ሽዑ ጐይታ ንሓጢኣትና ይኹን ንጽድቅና ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ኬቝም ስለ ዝዀነ ዚሕባእን ዚስወረናን ነገር ኣይኪህልውን (1ቈረ 45 መዝ 5021) ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እንህቦ ጻብጻብ ኣዝዩ ግሩም ቃል ጽሒፉልና ኣሎ።

““ኣነ ህያውየ፡ይብል እግዚአብሔር፡ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖዩ፡ዚብል ጽሑፍ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ..... ነፍሲ ወከፍና (ብዛዕባ) ገዛእ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብዩ።ሮሜ 1410,12, .

ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥንሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕዩ። ነፍስን መንፈስን፡ መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጉዕን ክሳዕ ዚፈላልይ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድዩ። እቲ ጸብጻብ እንህቦ (ኣምላኽ) ከኣ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕንምበር ካብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጡር የልቦን። እብ 412,13

ነፍሲ ወክፍ ሰብ ጸጾሩ ኺጸውርሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ፡ በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ።ገላ 64,5

እምበኣር፡ እቲ ፍርዲ እምብዛ ረቂቕ፡ እቲ ጸብጻብ ምሃብ ድማ ፈጺሙ ዘይተርፈልና ኻብ ኰነ፡ መዓልታዊ ርእስና እናመርመርና ኣካይዳናን ፍረ ህይወትናን ነጸብቕ። ምኽንያቱ እታ እንኮ ጸብጻብና እነጸብቐላ መንፈሳዊት ጥበብ ንሳያ። ግብሩን ኣካይዳኡን ኬጸብቕ ዘይመረጸ፡ ከም በሃም እንስሳ ዘጓነፎን ቅኑዕ ዝመሰሎን ነገር ብደመ ነፍሲ እናገበረ ዚኸይድ ሰብ፡ ዋላ ጸብጻብ ኬዳሉ እንተ ደለየውን ወጽዓምበር፡ ረብሓ ስለ ዘይረኽበሉ፡ እንተ ዘይተገደሰሉ ኣየገርምንዩ። ኣቦታትናካብ ጸባ ዘይተረኽበስ ካብ ማይ ጸባ ከም ዚብሉ፡ ካብ ጽቡቕ ኣካይዳ ዘይተረኽበ ካብ ጽቡቕ ጸብጻብ ኣይርከብንዩ። ከም ነብዪ ዳንኤል ዝበሎ ናብ ክብርን ሓጐስንምበር፡ ናብ ሕፍረትን ነውርን ናብ ስቓይን ምሕርቃም ኣስናንን ምእንቲ ኸይንበራበር ጽቡቕ ጸብጻብ ዚወልድ ጽቡቕ ታሪኽ ንህነጽ። እንተ ጸብጻብካ ሃበኒእትብል ትእዛዝ ግን ኣይክትተርፈልናንያ። ኣይከነምልጠላን ድማ ኢና። ጽፉፍ ጸብጻብ ናይ ጽፉፍ ህይወት ውጽኢት ጥራሕ!!

ጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ግንቦት 13, 2015 ግዕዝ (21 ግንቦት 2023 ፈ  [መበል 37 ሰንበት: ቊ.፵፭/45, 2023] )

ምስባክ

መዝ. ፻፲፯(፻፲፰)፡፳፬,፳፭

ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። እግዚኦ አድኅንሶ።

እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣያ፡ ብእኣ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን። እግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ።

ንባባት

ኣንባቢ

2ቈረ 51-10

ዲያቆን

1ጴጥ 44-11

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 1039-43

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 211-14

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦  ዘዲዮስቆሮስ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div