S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዘይተርፍ ነባሪ ለውጢ [መበል 36 ሰንበት: ቊ.፵፬/44, 2023]

"እንሆ ምስጢር እነግረኩም ኣለኹ፦ እታ ናይ መወዳእታ መለኸት ምስ ተነፍሐት፡ ኵላትና ብሓንሳእ ከም ቅጽበት ዓይኒ ኽንልወጥ ኢና’ምበር፡ ኵላትና ኣይክንመውትን ኢና። ከመይሲ እታ መለኸት ክትንፋሕ’ያ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይበርስ (ሰብነት) ኪትንስኡ’ዮም፡ ንሕና’ውን ክንልወጥ ኢና።" 1ቈረ 15፡51,52 ካ.ት

እዚ ዕለትዚ፡ ናይ ዘመነ ትንሳኤ ሓምሻይ ሰንበትዩ። ብመሰረት ቅዱስ ያሬድ ነዚ ዕለት ዝሰርዖአርአየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት (ስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ሞት ኣርአየ) ዘርእስቱ መዝሙር-ሰንበት፡ ብዛዕባ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሓያል ሞት ዘግሃዶ ስልጣኑ እንመሃረሉን እነስትንትነሉን ዝተባረኸ ሰንበትን ሰሙንንዩ። ሞት ኣብ ልዕሌና ኺስልጥን ዝገበረ፡ ሓጢኣትዩ። ሰብ፡ ንኸምኡ ሰብ ወይ ንእንስሳ ኪቐትል ከሎ፡ ብሰይፊ ወይ ብጥይት ከም ዚወግእ፡ ሰይጣን ንዅሉ ዘርኢ ኣዳም ብዘለኣለማዊ ሞት ኪቐትል ምስ ኣንቀደ ድማ፡ ብሓጢኣት ወግኦ። ሓጢኣት ኪወግኣና ኪቐትለና ሓይሊ ዝረኸበ ድማ፡ ንሓይሊ ሕጊ ብምምዝማዝዩ። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ሕጉ ንዘፍረሰ ዅሉ ሰብ ሞት ከም ዝፈረደ ምስ ረኣየ፡ ነዚ ሕጊ ተጠቒሙ፡ ሰይጣን ነቲ ናይ ቅትለት ባህጉ ኼዕግብ ተዓጥቀ። ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ህይወትን ሞትን ዝዀነ ዓይነት ስልጣን የብሉን። ኣብ ልዕሊ ሞትን ህይወትን ስልጣን ዘለዎ፡ በይኑ እግዚአብሔር ጥራሕዩ። ከም ጐይታና፦

ንስኻትኩም ካብ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ ኣለኹም። ንሱ ኻብ መጀመርታ (ኣትሒዙ) ቐታል ነፍሲዩ። ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየልቦውን፡ ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን። ሓሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ ዚዛረብ። ሓሳዊሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣዩ።

ዝበሎ፡ ነቲ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ዅሉ ኣዳም ንምጕዳእ ዚጥቀመለን ኣጽዋሩ ሓሶትን ሞትን (ቅትለትን)’የን። በቲ ረቂቕ ሓሶቱ ገይሩ ንፍትወትን ፍቓድን ናይ ስጋና የዕፍሮ ንሕጊ ኣምላኽ ብድፍረት ጥሒስና ናብ ሓጢኣት ከም ንወድቕ ይገብረና። ሽዑ ንሞትና ዚኸውን መሰረት ስለ ዘንጸፈ፡ እታ ናይ ቅትለት ባህጉ ዜስምረሉ ዕድል ኣውሒሱዩ። ከም ጐይታ ዝበሎ፡ እቲ ሰራቒ ድያብሎስ፡ ብዘይካ ኺሰርቕን ኪሓርድን ኬጥፍእን ኢሉ፡ ካብኡ ንዚሓይሽ ዕላማ ኣይመጽእን (ዮሃ 1010) ንኼሕጥኣናን ንኬቕትለናን ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ስለ ዝተጠቕመሉ፡ ከም ሕሱም ጠበቓ፡ ምዕራፍን ዓንቀጽን ጠቒሱ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ይኸስሰና፡ ስለ ኸኣዩ፡ከሳስ ኣሕዋትናዝተሰምየ (ራእ 1210) ነዚ ሓቂ ድማ ነብዪ ዘካርያስ በቲ ብዛዕባ ሊቀ ካህናት እያሱ ዝረኣዮ ራእይ ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ።

ንእያሱ ሊቀ ኻህናት ኣብ ቅድሚ መልኣኽ እግዚአብሔር ደው ኢሉ ኣርኣየኒ፡ ሰይጣን ከኣ ኪጻረሮ (ኪኸስሶ) ኣብ የማኑ ቈይሙ ነበረ። ..... እያሱ ኸኣ ረሳሕ ክዳውንት ተኸዲኑ ኣብ ቅድሚ መልኣኽ ደው ኢሉ ነበረ። እቲ መልኣኽ ከኣ ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ዝነበሩ (ኻልኦት መላእኽቲ)ነቲ ረሳሕ ክዳውንቲ ኻብኡ ኣልዕልዎ ኢሉ (ኣዘዞም) (ንእያሱ) ኸኣርአ፡ ኣበሳኻ ኣውጻእኩልካ፡ ብሉጽ ክዳውንቲ (ጽድቂ)’ውን ከደንኩኻበሎ።ዘካ 31-4

ሰይጣን ንደቂ ኣዳም ዚቐትለሉ ጥበቡምበኣር ነዚ ዚመስል። በቲ ዝተራቐቐ ሓሶቱ፡ ከም ነታ ንኣዳምን ሄዋንን ገይሩ ዘስሓቶም ገይሩ የስሕተካ። ኣብ ዘጻወዳ መፈንጠራኡ ምስ ወደቕካሉ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪቡ፡በቲ ሕግኻ መሰረት፡ እዚ ሰብ ሞት ይግብኦኢሉ ይኸስሰኻ። እግዚአብሔር ንሰይጣን ኬሐጕስ ኢሉ ዘይኰነ፡ ነቲ ዘይልወጥ ጻድቕ ሕጉ ስለ ዜኽብር፡ ድሮ ሞት ፈሪዱካዩ። ስለ ሰይጣን ብሓሶት ኣሕጢኡ፡ ብሕጊ ኣምላኽ ኣቕቲሉ፡ ንዘለኣለም ኣብ ትሕቲ ባርነት ሞት የንብረና። ኣብ ናይ ዕለት ናይ 1ቈረ 1550-ፍጻ ንባብና ዀነ ኣብ ካልእ መልእኽቱ ነዚ ምስጢር ቅዱስ ጳውሎስ ብዜገርም ንጻረ ኣብሪሁልናዩ።

ሞት ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፡ ኣታ ሲኦልከ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ብልሒ ሞት ሓጢኣትዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊዩ።” 1ቈረ 1555,56

ሓጢኣት ብዘይ ሕጊ (ሕጊ እንተ ዘየለ) ምዉትዩ። ግናኸ ሓጢኣት ነቲ ትእዛዝ ምኽንያት ብምግባር፡ (ኵሉ) ኽፉእ ትምኒት ኣለዓዓለለይ። ቀደም ብዘይ ሕጊ (ሕጊ ኸይተዋህበ ኸሎ) ኣነ ህያው ነበርኩ። ትእዛዝ (ሕጊ) ምስ መጸ ግና፡ ሓጢኣት (ኣባይ) ህያው ዀነ፡ ኣነ ኸኣ ሞትኩ። እቲ ህይወት ኬምጽእ ዝተዋህበ ትእዛዝ፡ ንኣይ ንሞት ኰነኒ። ከመይ ሓጢኣት ምኽንያት ረኺቡ ብትእዛዝ ኣስሓተኒ፡ (ብትእዛዝውንቀተለኒ።” (ሮሜ 78-11 .

ካብ ከም ዝበለ ዝተራቐቐ ናይ ሰይጣን መፈንጠራ ኸተምልጥ፡ ብዓቕሚ ስጋ-ለበስ ፍጡር ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። ስለ ኸኣ ኻብ ኣቦና ኣዳም ጀሚሩ፡ ዋላቶም ንኣምላኽ ዘኽበርዎ ጻድቃን ኣቦታትና ኸይተረፉ፡ ኣብ ትሕቲ ማእሰረ-ሞት ተመቝሖም ኣብ ሲኦል ዚነብሩ ዝነበሩ። እግዚአብሔር ግና ነቶም ብምሉእ ልቦምን ሓይሎምን ኬስምርዎ ዝተጋደሉ ቕዱሳኑ ምእንቲ ኼድሕን፡ በቲ ልዑል ሕያውነቱ ተደሪኹ፡ ነቲ ሓደን ቅዱስን ናይ ባህርይ ወዱ፡ ነዚ መዋትን ድኹምን ስጋና ለቢሱ ምእንታና በጃ ብምሕላፍ ብሞቱ ዕዳ ሓጢኣትና ኸፊሉ፡ ብትንሳኤኡ ንኣና ጽድቁ ኣልቢሱ፡ ካብ መቝሕ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጽኣና። ነቲ ኣብ ቅድሚ ናይ እግዚአብሔር ዝፋን ጸጋ ብድፍረት ደው ኢሉ ዚኸስሰና ዝነበረ ድያብሎስ ድማ ካብ ሰማያት ነቒሉ ናብ ምድሪ ደርበዮ። ብሞቱ ንሓይሊ ሞት ሰዓሮ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ዘለዎ ስልጣን ኣግሃዶ። ሰይጣን ንሞት ከም ኣጽዋር ገይሩ ኸይጥቀመሉ ገፈፎን ኣገዶን፡ ነዚ ሓቂ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፦

ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሓቖ። ነቶም (ናይ ሰይጣን) ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሓፈሮም።” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ቈሎ 214,15) ስለ ኸኣ ኣብ ሎሚ ዚቕደስ ዘሎ ቅዳሴ ዲዮስቆሮስ፡ሞተ ዘኢይመውት” “እቲ ዘይመውት ሞተ፡ ንሞት ኪስዕሮ ሞተ ንምውታት ኬሕውዮም (ኬተንስኦም) ሞተ፡ዚብል ኣዝዩ ዜገርም ምስጢር ሰፊሩ ኣሎ (. ገጽ 184 .35) እቲ ዘይመውት መለኮት በቲ ዝለበሶ ስጋ ገይሩ ዝሞተ ንሞት ብሞት ብምስዓር ነቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሞት ዘለና ዅላትና ብትንሳኤ ሙታን ሓራ ምእንቲ ኼውጽኣናዩ።

እቶም ውሉድ (ኣምላኽ) ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝዀኑ ኢየሱስውን ከምኣቶም ሰብ ኰነ። እዚ ኸኣ፡ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ዘለዎ ድያብሎስ ምእንቲ ኺስዕር፡ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም ባሮት ኰይኖም ዝነበሩ ሓራ ምእንቲ ኼውጽእ ኢሉዩ። ከመይ ብሓቂ፡ ንዘርኢ ኣብርሃምምበር፡ (ነቶም ዝወደቑ) መላእኽቲ ኼድሕን ኣይመጸን። ስለውን ርሕሩሕን እሙንን ንኣምላኽ ዜገልግል ሊቀ ካህናት ምእንቲ ኪኸውን፡ ንሓጢኣት ህዝቢውን ስርየት ምእንቲ ኼውህብ፡ ነቶም ኣሕዋቱ፡ ብዅሉ (ሰብ ብምዃንን ብሞትን) ኪመስሎም ተገብኦ።” (እብ 214-17 .)

ካብ ጥቕሲ ኸምንርድኦምበኣር፡ ሞት ተሳዒሩ ማለት ሰይጣን ተሳዒሩ ማለትዩ። ምኽንያቱ ሞት ኵነትምበር፡ ኣካል ኣይኰነን። ሞት ማለት ህይወት ኣልቦ ምዃን፡ ህይወት ምስኣን ማለትዩ። ድያብሎስ ነዛ ዅነትዚኣ ኸም ኣጽዋር ተጠቂሙ፡ ንዅሉ ሰብ ብእኣ ይቐትሎን ብፍርሃታ ይገዝኦን ነበረ። ጐይታ ግና ብሞቱ ንሰይጣን ብምስዓር ነዛ ኣጽዋሩ ዚኣ ገፊፉ ኣስተሓፈሮ። ንሞት ምስዓር ማለት ናብ ዝሰኣንካዮ ህይወት ክትምለስን ደጊምካ ኽትውንኖ ምኽኣልን ማለትዩ። ነቲ ብሞት ስጋኡ ዝሰኣኖ ህይወት ደጊሙ ረኺብዎስ ህያው ኰይኑ ስለ ዝተንስአንሞት ሰዓሮተባህለሉ። በዚ ዓወቱ ድማ ኣብ ምዱብ መዓልቲ ምጽኣቱን መዓልቲ ትንሳኤናን ዳግማይ ህይወት ሂቡ ኼተንስኣናዩ።

ብዛዕባ ኣየናይ ሞት ኢና ንዛረብ ዘለና፡ ሞት ተሳዒሩ እንተ ዚኸውን ደኣ ንምንታይ ክሳዕ ሕጂ ንመውት ኣለና፡ ሞት ንሓዋሩ ኼብቅዕዶ ኣይነበሮን፧ ደጋጊምና ንመሃሮ ኸም ዘለና ብዛዕባ ኽልተ ዓይነት ሞት ኢና ንዛረብ ዘለና። እቲ ቐዳማይ ሞት፡ እቲ ብትንሳኤ ሕልና ወይ ትንሳኤ ልቦና ዚሰዓር መንፈሳዊ ሞት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ከኣ እቲ ብትንሳኤ ሙታን (ትንሳኤ ዘጕባኤ) ዚስዓር ኣካላዊ ወይ ስጋዊ ሞትዩ። ክልቲኡ ዓይነት ሞትን ክልቲኡ ዓይነት ትንሳኤን ግን ንሓድሕዱ ሓያል ዝምድና ኸም ዘለዎ ኽንስሕቶ ኣይግባእን። እቲ ቐዳማይ መንፈሳዊ ሞት ሓጢኣት ዝፈጸመ ዘበለ ዅሉ ሰብ ዚሞቶ ሞትዩ። ስጋ ዝለበሰ ሰብ ኰይኑስ ሓጢኣት ዘይፍጽም ሓደ ስለ ዘየለ፡ በዚ መንፈሳዊ ሞት ዘይሓልፍ ሰብ ፈጺሙ የልቦን (ሮሜ 39-31) ካብ መንፈሳዊ ሞት ብትንሳኤ ሕልና ዚድሕንን ዚትንስእን ግን እቲ ፈትዩ ዝኣመነን፡ ንርእሱ ኻብ ምዉት ግብሪ ዘንጽሀን ጥራሕዩ።

ካብ ኻልኣይ ኣካላዊ ሞት ወይ ሞት ስጋውን፡ ብዘይካቶም ገና ብህይወት እናሃለው ምጽኣት ጐይታ ዘርከቦም፡ ዝዀነ ሰብ ዜምልጥ የልቦን (ሮሜ 512,14 እብ 927) ካብ ኻብ ሞት ስጋ እንትንስኣሉ ትንሳኤ ሙታን ዚተርፍ ሰብውን የልቦን። ሓጥኣን ኰነ ጻድቃን ኵላቶም ምውታት ናይ ግድን ኪትንስኡዮም። ፍልልይ ዚመጽእ ኣብ ድሕሪ ትንሳኤ ዘሎ ፍርድን ናብራንዩ። ትንሳኤ ሕልናን ትንሳኤ ስጋን ዘለዎም ሓያል ዝምድና ኸኣ ኣብ ጊዜ ፍርዲ ዚገሃድ። እቶም ብትንሳኤ ሕልና እናነበሩ ኸለዉ ሞት-ስጋ ዘርከቦም፡ ኣብ መቓብራት ተኸፊቶም ትንሳኤ-ስጋ ዚፍጸመላ ጊዜ፡ ናብ ዘለኣለማዊ ሓጐስን ክብርን ኪኣትውዮም። እቶም ገና ካብ መንፈሳዊ ሞት ከይተንስኡ ኸለዉ ሞት-ስጋ ዘርከቦም ድማ፡ ኣብ ብስጋ ዚትንስኡላ መዓልቲ ናብ ዘለኣለማዊ ስቓይን ውርደትን ኪኣትውዮም። ብኻልእ ኣዘራርባምበኣር፡ እቶም ክልተ ሞት ሞይቶም ግናኸ ሓንሳእ ጥራሕ ዚትንስኡ፡ ደቂ ገሃነምዮም። እቶም ክልተ ሞት ሞይቶም ብኽልተ ትንሳኤ ዚሓውዩ ግና፡ ደቂ መንግስቲ ሰማያትዮም። እቲ ንትንሳኤ ሕልና ዝነዓቓን ዝተሓሰማን በታ ናብ ምርጫ ዘይትቐርብ ዘይትተርፍ ትንሳኤ ስጋ ኣዝዩ ይጕዳእ። እቲ ንትንሳኤ ሕልና ኣዝዩ ዝበሃጋን ዝነበረላን ግን ብትንሳኤ ስጋ ይረብሕን ይከሓስን።

ቅዱስ ጳውሎስ፡እቲ ኣብ መወዳእታ ዚስዓር ጸላኢ፡ ሞትዩ፡ኢሉና ኣሎ (1ቈረ 1526) እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሞት ከኣ ሞት-ስጋዩ። መንፈሳዊ ሞት ኣብ መስቀል ተሳዒሩ። ስጋዊ ሞት ግን ኣብ ምጽኣት ዚሰዓር። ንጻድቃን ትንሳኤ ስጋን፡ ናይ ትንሳኤ ሕልናን፡ ጻማዩ። ንረሲኣን ከኣ ትንሳኤ ስጋ ናይ ትንሳኤ ዘይደለዩሉ መንፈሳዊ ሞቶም መስጣ ወይ ፍዳዩ።

ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም (ምውታት) ድምጺ (ወዲ ኣምላኽ) ዚሰምዑን ሰዓት ክትመጽእያ። (ብትንሳኤ ሕልና) ሰናይ ዝገበሩ፡ (ብስጋ) ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ (ብመንፈሳዊ ሞት) እከይ ዚገበሩ ኸኣ (ብስጋ) ናብ ትንሳኤ ፍርዲ (ኻብ መቓብር) ኪወጹዮምሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።ዮሃ 528,29

ካብቶም ብዙሓት ኣብ መሬት ምድሪ ደቂሶም ዘለዉስ፡ ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ገሊኦም ከኣ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ነውርን ኪበራበሩዮም። እቶም ጠቢባን ከም ምንጽብራቕ ጠፈር፡ እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዚመርሑ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለም ኣለም ኪበርሁዮም።ዳን 122,3

ናብ ኣርእስትና ንመለስ፡ እዚ ድሕሪ ትንሳኤ ሙታን ኣባና ዚኽሰት ለውጢ እንታይ ዝዓይነቱዩ፧ እንታይና ኺልወጥ፧ ንምንታይከ ለውጢ ኣድለየ፧ ትንሳኤ ሙታንኮ ናይ ሓንቲ እዋን፡ ናይ ሓንቲ ቕጽበት ፍጻመያ። ናብ ነባሪ ለውጢ እተእትወና ኽብርቲ ፍጻመያ። እዛ ለውጢዚኣ ዘይተጋጥሞ ሰብ ፈጺሙ የልቦን። ሓጥኡ ጻድቑ፡ ኵሉ ኪልወጥዩ። እዛ ለውጢዚኣ፡ ነቲ ጻድቕ ሓለፋኡያ፡ ነቲ ሓጥእ ግን መስጣኡያ። እዛ ለውጢዚኣ ሓንሳእ ምስ ተኸስተት፡ ንዘለኣለም መለሳ ዘይብላ ለውጢያ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንዘለኣለም ዘይትልወጥ ለውጢያ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ እዛ ለውጢዚኣ ኣዝያ ዓባይ ሰማያዊ ምስጢር ምዃና ኣፍሊጡና ኣሎ። እዛ ለውጢዚኣ እንታይ ዓይነት ምዃና ብኸም ዚስዕብ ኣብሪሁልና ኣሎ።

“..... እዚ ሓላፊ ዘይሓልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ (ይግብኦ)’ዩ። እዚ ሓላፊ ዘይሓልፍ፡ እዚ መዋቲውን ዘይመውት (ዘይሙማት) ምስ ለበሰ፡ ሽዑ እቲ ጽሑፍ <ሞት ብዓወት ተዋሕጠ> ዝበሎ ቓል ኪፍጸምዩ።” 1ቈረ 1553,54

እምበኣር፡ እቲ ብትንሳኤ ሙታን ከም ቅጽበት ዓይኒ ኣባና ዚኽሰት ለውጢ፡ እዚ ሓላፍን መዋትን (በራስን) ስጋና ናብ ዘይመውትን ዘይብስብስን ዘለኣለማዊ ስጋ ኺልወጥዩ። ኣብ ንርእሳ ሓላፊት ዝዀነት ዓለም ክንነብር ከለና፡ ነቲ ብስጋ ዝተገልጸ ኢየሱስ ኣብ ምምሳል እንተ ተዓዊትና፡ ሽዑ ብምጽኣቱ ምስ ተገልጸ ነቲ መለኮታዊ ናይ ዘለኣለማውነት ክቡር ባህርዩ ኼውርሰናዩ። ምሉእ ዘመኑ ብናይ መዋትነት ስግኣት ንዘሕለፈ ሰብ፡ ዘለኣለማውነት ምርካብ ማለት ብቓላት ኪግለጽ ዘይክእል ዓብይ ክብሪዩ።

ዘለኣለማውነት ጥራሕ ዘይኰነ ብመሰረቱ እቲ ለቢስናዮ ዝተንሳእና ስጋውን፡ ባህርዩ ኪልወጥዩ። እቲ ኻብ መሬታዊ ኣዳም ዝወረስናዮ ስጋ፡ ናብ ሰማያዊ ስጋ ኺልወጥዩ። እቲ ነዚ መሬታዊ ስጋ ዜሰንይዎ ዝነበሩ መዋትነት፡ ውርደት፡ ድኻም ተወጊዶም ብሰማያዊ ክብርን ሓይልን ኪትካእዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ምስጢር ትንሳኤ ብዜገርም መገዲ ኣብሪሁልና ኣሎ።

“..... ኵሉ ስጋስ ሓደ ዓይነት ስጋ ኣይኰነን። ሰማያዊ ሰብነት ኣሎ፡ ምድራዊ ሰብነት ከኣ ኣሎ። ግናኸ ክብሪ ናይ ሰማያዊ በይኑዩ፡ ክብሪ ናይ ምድራዊውን በይኑዩ። ..... ትንሳኤ ሙታንውን ከምኡዩ፡ ብዚብስብስ (ስጋ) ይዝራእ፡ ብዘይብስብስ ከኣ ይትንስእ፡። ብውርደት ይዝራእ፡ ብኽብሪ ድማ ይትንስእ። ብድኻም ይዝራእ፡ ብሓይሊ ይትንስእ። ባህርያዊ ሰብነት (ነፍሳዊ ሰብነት) ይዝራእ፡ መንፈሳዊ ይትንስእ። ባህርያዊ ሰብነት ካብ ዚህልው፡ መንፈሳዊ ሰብነትውን ኣሎ። ..... ግናኸ ቅድም ዚመጽእ እቲ ባህርያዊ ስጋምበር፡ እቲ መንፈሳዊ ኣይኰነን። እቲ መንፈሳዊ ድሓር ዚመጽእ። ..... ከም ምስሊ ናይ መሬታዊ (ኣዳም) ዝለበስና፡ ከምኡ ድማ፡ ምስሊ ናይ ሰማያዊ (ክርስቶስ) ክንለብስ ኢና።” 1ቈረ 1535,40,42,44,46,49 .

ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያትያ። ካብኣ ድማ ንመድሓኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽበይ ኣለና። ንሱ (ኢየሱስ) በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚከኣሎ ሓይሉ፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ለዊጡ፡ ነዚ ኽቡር ስጋኡ ኼምስሎዩ።ፊል 320,21 .

እዚ ለውጢ ግን ኣብቶም ጻድቃን ጥራሕ ዚኽሰት ኣይኰነን። እቶም ሓጥኣንውን ልክዕ ከምቶም ጻድቃን፡ ዘይመውትን ዘይብስብስን ስጋ ኪለብሱዮም። እዚ ኸኣ ንኺረብሑ ዘይኰነስ ንዘለኣለም ኣብ ቐላይ ሓዊ ምእንቲ ኺሳቐዩዩ። ዘይሙማት እንተ ዘይወሪሶም ግን ናብ ሓዊ ምስ ተደርበዩ፡ ብኡንብኡ ኺሞቱን ናብ ሓሙዅሽቲ ኪቕየሩን፡ ካብ ስቓይ ኬምልጡንዮም። እንተ ዀነ ተለዊጦም ነቲ ዘይሙማት ስለ ዚወርስዎ እቲ ስጋዊ ውርደቶምን ድኻሞምን ብዝኸፍአ መልክዑ ኪገድድዩ። ከም ኣብ ዳን 122,3 ተገሊጹ ዘሎ፡ ውርደትን ነውርን ስለ ዘይበትከሎም፡ ኪግለጽ ዘይክእልን ዘየቋርጽን ሕፍረትን ጣዕሳን ምርረትን ኪስምዖምዩ። እቶም ንምድራዊ ናብራና ዜጸልምቱ ስጋዊ ድኻማት ኣዝዮም ኪገድዱዮም። ቃንዛኦም ጽምኣቶም ኪብእስዩ። እቲ ንኣልኣዛር፡ ድኻ ሰብኣይ፡ ዝገፍዐ ሃብታም ሰብኣይ፡ ኣብ ስፍራ ስቓይ ብጽምኢ ተሳቕዩ፡ ሓንቲ ኽልተ ነጥቢ ማይ ክሳዕ ምልማን በጺሑ። እግዚአብሔር ካብ መሪር መዓት ብምሕረቱ ይሰውረና።

እቶም ብትንሳኤ ሙታን ናብ ክብሪ ዝተንስኡ ጻድቃን ግን፡ ጥምየትን ጽምኣትን ዚበሃል የብሎምን። ሕማም፡ ቃንዛ፡ ድኻም ወዘተ ኣይቀርቦምን (ራእ 214 204 716,17) በቲ ጐይታና ዝገለጾ መሰረት፡ኣብ ሰማያት ከም መላእኽቲዮምዚዀኑ (ማቴ 2223-33 ማር 1218-27 ሉቃ 2027-38)

ስጋና ኺልወጥ ማለት ግን እንታይ ማለትዩ፧ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረና ሓድሽን ዘይናይ ሰብን ስጋ ኬልብሰና ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ንብዙሓት የዋሃት ሰባት ግን ከምኡ ዚመስሎም። ክርስቶስ ነቲ ለቢስዎ ዝሞተ ስጋ ሒዙ እንተ ተንሲኡሞ፡ ስጋኡ ኸም ዘይተለወጠ ንደቀመዛሙርቱ ኼርእዮም ኬእምኖምን እንተ ተጋዲሉ ከመይ ጌርና ናትና ትንሳኤ ኻብ ናቱ ዝተፈልየ ኪኸውን ክንጽበይ ንኽእል፧ ዘይነበረና ኻልእ ሓድሽ ስጋ ዜልብሰና እንተ ዀይኑኸ፡ ነቲ ኣብ መቓብር ዝደቀሰ ስጋና ንምንታይ መቓብር ፈንቂሉ ዜውጽኦ፡ ካልእ ስጋ ዜልብሰና እንተ ዀይኑኸ፡ ነቲ ኻብ መቓብር ዘውጽኦ ስጋና እንታይ ኺገብሮ፧ ከም ዝበለ ኣጕል ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ንምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ከም ዚግባእ ዘይተማህረን ዘይፈለጠን ሰብ ጥራሕ ዚርከብ።

እቲ እሙን ንጉስ ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በታ ኣብ እክይቲ ዓለምዚኣ ንእኡ ዘኽበርናላ ስጋና፡ ብእኣ ኣብ ሰማያት ኬኽብረናዩ። ስለ ኸኣዩ፡ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ፡ ..... ክርስቶስ ብስጋይ ኪኽብርዝተጻሕፈልና (1ቈረ 619,20 ፊሊ 120,21) ኣምላኽ ፍትሒ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ንእኡ ዘኽበርናሉን ዝቐደስናሉን መቕደስ ስጋና የኽብሮምበር፡ ኣየሕስሮንዩ። ንሕና ምእንታኡ ንስጋና ኽሳዕ ሰማእትነት ነዋርዶ፡ ንሱ ኸኣ ምእንታና ነቲ ናይ ውርደት ስጋና የኽብሮ። ነቲ ኸም ሓዊ ዚባላዕ መለኮት ብዓይኑ ኺርእይ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኺቐውም ከም ዚኽእል ገይሩ ይልውጦን የኽብሮን። ነዚ ስጋና፡ ልክዕ ከም ናቱ ስጋ፡ ካብ ጸሓይ ዚደምቕ ብርሃን ይገብሮ (ፊሊ 32) ስለ ነቲ ክብሪ ናይ ስጋና ደኣ ነቲ ናቱ ኽሳዕ ዚመስል ዚልውጦምበር፡ ነቲ ንእኡ ዘኽበርናሉ ቕዱስ ስጋ ኣይጕሕፎንዩ። ብዛዕባ ለቢስናዮ ዘለና ስጋ ኣዚና ኽንጥንቀቕ፡ በቲ ክርስቶስ ንስጋና ዘኽበሮ ኽብሪ ኽነኽብሮ ዚግባእ። ካብ ኣለባብሳና ጀሚርና ብዅሉ ተግባርና፡ ከም ቤት መቕደስ መጠን፡ ብዝለዓለ ቕድስና ኽንሕዞ ይግብኣና። ኣምላኽ መቕደሱ ንዝገበሮ ስጋና ንሕና ግን ፍትወት ስጋ ዚዕጠኖ ቤት ጣኦት ኣይንግበሮ። ብዛዕባ ኣታሕዛ ሰብነትና፡ ካብ ርክስቲ ዓለምን ሰዓብታን ዘይኰነ፡ ካብ ኣምላኽን ካብቶም ዘስመርዎ ቕዱሳንን ክንመሃር ዚግብኣና።

ዘይተርፍን ነባርን ለውጢ፡ ንኣናን ነታ ዚኽሰተላ መዓልትን ይጽበይ ኣሎ። ንስቓይና ዜዕርግ ለውጢ ዲና ንደልይ፡ ወይስ ንኽብርናን ሓጐስናን ናብቲ ናይ ኣምላኽ ደረጃ ዜዕብይ ለውጢ፡ ንሕና ባዕላትና ኢና ንውስኖ። ንስጋና ኣምላኽ ዚኸብረሉን ዚቕደሰሉን ቤት መቕደስ ክንገብሮ፡ ብሕድሪ ዝተቐበልናዮ ንብረት ናይ ኣምላኽዩ። ነቲ ዝተፈጥረሉ ዕላማ ኸም ዚበቅዕ ጌርና እንተ ኣመሓዳርናዮ፡ ኣብ መዓልቲ ትንሳኤ ሙታን ናብ ምስሊ ኣርኣያ ክርስቶስ ተለዊጡ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ኺሰጋገር ከሎ ኽንርእዮ ኢና። በዚ ንብረት ሕድሪ ናይ ርኽሰት ጸወታ ኽንጻወት እንተ መሪጽና ግን፡ ፈጺሙ ዘይተርፍ ግን ከኣ ከቶ ዘይምረጽ መሰክሕ ለውጢ ኸነኣንግድ ኢና።

 

ስለ ናበየናይ ዓይነ ለውጢ ገጽና ንጐዓዝ ከም ዘለና መገድናን ኣካይዳናን ንመርምር። ቅድስና መቕደስና ንሓልው። ብንብረት ሕድሪ ኣይንጻወት። ብትንሳኤ ዚረብሑ ብልህታትምበር፡ ብትንሳኤ ዚጕድኡ ኣመና ዓያሱ ኣይንኹን!!

ጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ግንቦት 6, 2015 ግዕዝ (14 ግንቦት 2023 ፈ  [መበል 36 ሰንበት: ቊ.፵፬/44, 2023] )

ምስባክ

መዝ. ፻፮(፻፯)፡፲፭,፲፮

“ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ። ወመንክሮሂ ለዕጓለ እመሕያው። እስመ ሰበረ ኆኀተ ብርት።”

“መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ፡ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ’ዩ’ሞ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፡ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ።”

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ  1550-ፍጻመ

ዲያቆን

1ዮሃ 313-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 222-32

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 2115-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦  ዘዲዮስቆሮስ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div