S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ [መበል 35 ሰንበት: ቊ.፵፫/43, 2023]

ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎምበር፡ ብዛዕባ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያት ንዚሓትተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳለኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃት (ኣምላኽን) ደኣ ይኹን።”  1ጴጥ 315

እዚ ዕለትዚ፡ ናይ ድሕረ-ትንሳኤ ራብዓይ ሰንበትዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድሕሪ ትንሳኤ ድሕሪ 25 መዓልታት ዘላ ረቡዕ፡ርክበ ካህናትተባሂላ ትጽዋዕ። ኣብ መንጐ በዓለ ትንሳኤን በዓለ መንፈስ ቅዱስን ዘለዋ መዓልታት 50 መዓልታትየን። ስለርክበ ካህናትልክዕ ኣብ ፍርቂ ትውዕል። ኵሉ ጊዜ ድማ ረቡዕ መዓልቲ ትውዕል። እዚ ናይርክበ ካህናትመዓልትን እቲ ንእኡ ዘማእከለ ሰሙንን፡ አበ-ንስሓ ካህናት ነቲ ናይ አበ ነፍሲ፡ ማለት ስድራ ቤታዊ ናይ ጕስነት ኣገልግሎቶም ዚዝክሩለን፡ ብዛዕባ ኣፈጻጽማ ኣገልግሎቶም ርእሶም ኪምርምሩ ዝተሰርዓሎም መዓልትን ሰሙንንዩ። ኣብ ናይ ርክበ ካህናት መዓልቲ፡ ናብተን ብሓላፍነት ዚጓስይወን ስድራቤታት ኪበጽሑ ዚውዕሉሉ መዓልቲዩ። ናብተን ዚጓስዩወን ስድራቤታት ኣብ ሰሙንዚኣ ጥራሕዮም ዚበጽሑ ማለት ኣይኰነን። እታ ዕለትቲኣን፡ እታ ሰሙንቲኣን፡ ኣገልግሎቶም ዚምርምሩላን ዚጽምብሉላን መዓልቲያ። ኣብ ሰሙን ብደረጃ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብፍሉይ ንካህናት፡ ብሓፈሻ ድማ ንዅላቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያንን ንማሕበረ ምእመናንን፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት አበ-ነፍሲ ኣስተምህሮ (ትምህርተ አበ ነፍሲ) ዚወሃበሉ ቕንያትዩ። ካህናት ናብተን ዚጓስይወን ስድራ ቤታት ስሩዕ ናይ ምብጻሕን ትምህርቲ ናይ ምሃብን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ንምዝኽኻር ዝዓለመዩ። መስቀል ኣሳሊምካን፡ ጸሎት ደጊምካን፡ መኣዲ ባሪኽካን ጥራሕ ምኻድ፡ ናይ አበ-ነፍሲ ኣገልግሎት ኣይኰነን። ኣብ ስድራ ዘለዉ ወለድን ደቅን፡ ስራሕተኛን፡ ምስ ስድራ ተጸጊዖም ንዚነብሩ ዓጽመ ስጋን ዕለትን ሰዓትን ዝተመደበሉ ስሩዕ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ምሃብ ተሓታትነት ዘለዎ ናይ አበ ነፍሲ ሓላፍነትዩ። እቲ ካህን ንበይኑ ስለ ዘየገልግል፡ ነቶም መገላግልቱ ዲያቆናትን መዘምራንንውን ትምህርቲ ምሃብ ይግባእ። ምእመናንውን ምስ ኣገልገልቶም ኪተሓባበሩን፡ ካብ ዘቤታዊ ኣገልግሎት እንታይ ኪጽበዩ ኸም ዚግብኦም ኪፈልጡን፡ ብዛዕባ ናይ አበ-ነፍሲ ኣገልግሎት መሰረታዊ ኣፍልጦ ዜስንቖም መንፈሳዊ ትምህርቲ ኪረክቡ ግቡእዩ።

እዚ ሰንበትን ሰሙንን ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብዛዕባ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ከነስተንትንን ክንመሃርን ዝተሰርዓልና ድማዩ። ምኽንያቱ ናይ ጐይታና ናይ ሞቱን ትንሳኤኡን ዕላማ፡ ንኣና ኣብ ትሕቲ ምርኮ ሞትን ሲኦልን ዝነበርና ደቂ ኣዳም ትንሳኤ ሙታን ንምውሓስዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ነዚ ዕለት ተሰሪዑ ዘሎ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር፡ተንሥአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታን (ተንሲኡ ንዅሎም ምውታት ኣተንስኦም)” ዚብልዩ። ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ናይ 1ቈረ 151-19 ንባብ ከም ዝረኣናዮ፡ ናትና ናይ ትንሳኤና መሰረት፡ ትንሳኤ ናይ ጐይታናዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይትንስእ፡ ክርስትና ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዅላቶም ሃይማኖታት፡ እቲ ዝኸፍአ ዕሽነት ምዀነ፡ ኵላትና ሰዓብቱ ድማ ኣዝዮም ዜደንግጹ ምዀንና ኔርና። ትንሳኤኡ ርጉጽ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኵላቶም ቅዱሳን ንክርስቶስ ኣብ ሞቱን ትንሳኤኡን ኪሓብርዎ፡ ብዜስተንክር ትብዓትን ጽንዓትን ብሰማእትነት ሓለፉ። ሞቱን ትንሳኤኡን ናይ ትንሳኤና ተስፋን መሰረትን ምዃኑ ምእንቲ ኼረጋግጸልና ኸኣ፡ተፈጸመኢሉ ነፍሱ ምስ ወጸት ብዛዕባ ዝተፈጸመ ናይ ትንሳኤ ተኣምር ከም ዚስዕብ ተጻሒፉልና ኣሎ።

ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሐ፡ ነፍሱ ድማ ወጸት። እንሆ መጋረጃ ቤት መቕደስ ካብ ላዕሉ ኽሳዕ ታሕቱ ኣብ ክልተ ተተርተረ። ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፡ ኣኻውሕ ድማ ተጨድዱ። መቓብራትውን ተኸፍቱን ብዙሓት ደቂሶም (ሞይቶም) ዝነበሩ ስጋ ቕዱሳን ተንስኡ። ድሕሪ ትንሳኤኡ ኻብ መቓብሮም ወጺኦም ናብ ቕድስቲ ኸተማ ኣተዉ፡ ንብዙሓት ከኣ ተራእዩ።” ማቴ 2750-53

እዚ ቓል ትንሳኤን ሞቱን ትንሳኤኡን ምእንቲ ትንሳኤና ኸም ዝተፈመጸ ንኼረጋግጸልና ዝተፈጸመን ዝተጻሕፈንዩ። ስለ ኣብ ዘለናዮ ዘመነ ትንሳኤዚ፡ ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ ዘኪሩን ኣብዒሉን ኬብቅዕ፡ ንእኡውን ትንሳኤ ተሰሪዑሉ ኸም ዘሎ ዚርስዕ ክርስትያን፡ ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ይነብር ከም ዘሎ ኼስተውዕል ይግባእ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን፡ ምሕሳብ ኣብ ህይወት ሓደ ክርስትያን ኣዝዩ ኣገዳስን ኣማእዛንን ግደ ኣለዎ። ናይ መብዛሕትና መንፈሳዊ ህይወት እምብዛ ዚበላሸወና ዘሎ፡ ይትረፍ ትንሳኤ ከም ዘሎ፡ ሞት ከም ዘሎ ዘይንሓስብ ምዃንናዩ። ብዛዕባ ዘይተርፍ ክልተ ኣገደስቲ ፍጻመታት ፈጺምና ዘይንሓስብ ምዃንና ዜቃልዓና ድማ እቲ እንነብሮ ዓይነት ናብራዩ። ሞት ከም ዘሎ፡ ድሕሪ ሞት ድማ ክንልውጦ ዀነ ኸነዐርዮ እንኽእል ነገር ከም ዘየለ፡ ድሕሪ ትንሳኤ ኸኣ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ደው ኢልና ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ግብርናን ቃላትናን ፍትሓዊ ጻማና ኽንቅበል ምዃንና፡ ናይ ብሓቂ ንፈልጥን ንኣምንን እንተ ንኸውን፡ ዓይነት ህይወትናን ኣካይዳናን ኣዝዩ ምተለወጠ ነይሩ።

ስለ ናይ ዕለት መዝሙርን ምስባኽን ንባባትን ብዛዕባ ዚጽበየና ዘሎ ፈጺሙ ዘይተርፍ ትንሳኤና ኣጸቢቑ ኼዘክረናን፡ ብትንሳኤና ምእንቲ ኽንረብሕ ጽድቂ ኼዕጥቐናን ዝተሰርዐዩ። እቲ ንጉስ ትንሳኤ ዝዀነ ጐይታ፡ ነቶም ቅድሚ ምጽኣቱ ዝሞትና ዅላትና ጻድቃንን ሓጥኣንን ካብ ስጋና ተመቝሑሉ ዝነበረ ማእሰረ ሞት ኪፈትሓናዩ። ካብ ድቃስና ከም እንበራበሮ ገይሩ ኼበራብረናዩ። ስለ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት ከም ድቃስ ገይሩ ዚገልጾ፡ (ዮሃ 1111-15 ማቴ 2752 ዳን 122) ንኣናነቲ በስቢሱ ዝፈረሰ ስጋና፡ ነቲ ኣራዊት ምድርን ዓሳ ባሕርን ዝበልዕዎ፡ ብባርዕ ሓዊ ሓመዅስቲ ዝዀነ ስጋና ኻበይ ኣምጺኡ ዜተንስኦ፧ዚብል ሕቶ ኽንምልሶ የሸግረና ይኸውን። ንብዙሓትውን ናብ ኢዝሄርነትን (Atheism) ክሕደትን ዘውደቐ ኣጉል ሕቶዩ። ነቲ ኸኣል ኵሉ ጐይታ ግን፡ ንዝደቀሰ ሰብ ካብ ምብርባር ዚቐልል ተግባርዩ። በዚ ኣጉል ሕቶ ንሳቐይ፡ ብትንሳኤ ሙታን ከኣ ንጠራጠር እንተሊና፡ ትንሳኤ ኣልኣዛር ንዘክር። ንራብዕቲ ዚኣክል ዝበስበሰን ዝጨነወን ሬሳ ዝነበረ። ንዅሉ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ምእንቲ ኼስምዕ ብዓውታ ብምጭዳርኣልኣዛር ንዓ፡ ናብ ወጻኢ ውጻእኢሉ ጸውዖ። ንኣልኣዛር ኣብ እዋን ዚሰምዕ እዝንን ኣእምሮን፡ ኪንቀሳቐስ ዚኽእል ሰብነትን ኣይነበሮን። ዋላ እንተ ዚነብሮውን ተገኒዙ እቲ ዚንቀሳቐስ መሓውሩ ተጠሚሩ ኵለንተናኡውን ብጨርቂ ተጠቕሊሉ ስለ ዝነበረ ኻብ ዘንበርዎ ቦታ ኺትንስእን ኪንቀሳቐስን ኣይክእልንዩ። እቲ ነዚ ተኣምር ናይ ትንሳኤ ብዓይኑ ዝረኣየ ቅዱስ ዮሃንስ ወንጌላዊ ኸኣ፡ ብዛዕባ ኽስተት፦

እቲ ምዉት ብግኑዙ፡ ኣእዳውን ኣእጋሩን ብእሱሩ፡ ገጹውን ብመኣረምያ (ብዓለባ) ተጐንጕኑ ኸሎ ወጸ።” ብምባል መስከረ (ዮሃ 1144) ኣብ ናይ ኵላትና ትንሳኤ ዘጕባኤውን ከምኡ ኪኸውን። ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ትንሳኤ ሙታንውን ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ኺፍጸም። (1ተሰ 416,17) ነዚ ናይ ትእዛዝ ጭድርታ ምስ ሰምዑ ምድርን ባሕርን፡ ሞትን ሲኦልን ነቶም ሒዞምዎም ዘለዉ ምዉታት ኪውፍዮም (ራእ 2011-15) እዚ ተስፋ ትንሳኤ ክርስቶስ ዚጸገወና ናይ ክብሪ ተስፋዩ። እቲ ሓቢርና ዝዘመርናዮ ምስባክውን ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ነብዪ ዳዊት ብመዝሙር ዝተነበዮምበር፡ ብዛዕባ ኣብ ዓራትና እንጋደመሉ ናይ ትኽስታ ድቃስ ኣይኰነን። ብሞት ኣብ መቓብር ድሕሪ ምግምሳስና፡ ብደገፍን ትእዛዝን ናይ ኣምላኽ፡ ካብ ነዊሕ ድቃስ ክንበራበር ኢና።

ኵላትናስ ክንትንስእ ኢና፡ ግናኸ ኵላትና ዲና ናይ ትንሳኤ ተረባሕቲ እንኸውን፧ ብትንሳኤ ዚጕዳእ፡ መቓብርን ሞትን ዜሕሾ ሰብ ይህልወናዶ ይኸውን፧ ኣየወ!! ይኽደነና፡ ምስቶም ብትንሳኤ ዚረብሑ ደኣ ይግበረናምበር፡ ካብቶም ዚረብሑ ደኣ እቶም ዚጕድኡንድዮም ዚበዝሑ!! ነዚ ሓቂ ጐይታና ደጋጊሙ ገሊጹልናዩ። ብትንሳኤ ዚረብሑ፡ እቶም በታ ናቱ ቐጣን መገዲ ተጓዒዞም ኣብ ጸባብ ደገ ዚበጽሑን ብእኣ ዚኣትውንዮም (ማቴ 713,14) እቶም ኣብ ገፋሕ መገዲ ዚዕንድሩዮም ብዙሓትምበር፡ በታ ቐጣን መገዲ ብጥንቃቐን ብጽድቅን ብመንፈሳውነትን ኪጐዓዙ ዚደልዮ፡ ብቝጽሪ ኣዝዮም ውሑዳትዮም። ሓደ እዋን ሓደ ሰብኣይ ንጐይታና፡ሒደትዶዮም ዚድሕኑ፧ኢሉ ሓተቶ፡ ጐይታና ድማ፦

ብዙሓት ኪኣትው እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎም (እነግረኩም) ኣለኹሞ፡ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ።” ኢሉ መለሰሉ (ሉቃ 1323,24) ኣብ ናይ ዕለት ናይ ቈሎ 31-11 ንባብ፡ ብትንሳኤ እትረብሓሉ ምስጢር ምስ ክርስቶስ ካብ ሓጢኣት ብሙማት፡ ምስ ክርስቶስ ድማ ንጽድቂ ብምትንሳእ ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ (ሮሜ 61-11 1ጴጥ 224) ነዚ ኸኣ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናትንሳኤ ሕልናወይ ከኣትንሳኤ ልቦናኢላ ትጽውዖ። እቲ ኣብ ምድሪዚኣ ገና ብህይወቱ ኸሎ ብትንሳኤ ልቦና ዝተንስአን ዝተመላለሰን፡ ኣብ ኣብ ምጽኣት ጐይታ ዚፍጸም ዓብዪ ትንሳኤ ዘጕባኤ ናይ መለኮት ክብሪ ኺጐናጸፍዩ። እቲ ክርስትያን ክነሱ ምድራዊ ህይወቱ ምዉት ግብሪ (ሓጢኣት) እናገበረ ብምዉት ሕልና ዝወድአ ድማ፡ ንእኡ ትንሳኤ ሙታን መርድእምበር፡ ብስራት ኣይኰነን (እብ 914) ትንሳኤ ሙታን፡ ነቶም ናይ ኣቦ ብሩኻት መንግስትን ዝፋንን ኬውርሶም፡ ነቶም ናይ ሰይጣን ርጉማት ከኣ ናይ ዘለኣለም ስቓይ ኬውርሶም (ማቴ 2534,41,46 ራእ 204,11-15 218 2215)

እቶም ብትንሳኤ ሕልና ዝተመላለሱሞ፡ ብትንሳኤ ሙታን ዚረብሑ እንታይ ስለ ዚገብሩዩ፧  ናይ ዕለት ኣርእስቲ መሰረታዊ ዕላማኡ ነዚ ሕቶ ምምላስዩ። እቲ ልዑል ኣምላኽ፡ እግዚአብሔር፡ ዚገብሮ ዅሉ ግብሪ፡ ርእሱ ንምቕዳስ ኢሉ ዚገብሮ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እግዚአብሔር ብዅሉ ተግባሩ፡ ቅድስናኡ ዚገልጽ ኣምላኽዩ። ንኣና ንደቂ ሰባት ዝፈጠረሉ ዕላማውን፡ ቅድስናኡ ንምግላጽዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ኣነ ቅዱስሞ፡ ቅዱሳት ኩኑለይኢሉ ኣዘዘና (ዘሌ 2026 192 1ጴጥ 115,16) ቅድስና፡ ንእግዚአብሔር ናይ ባህርይ ገንዘቡዩ። ዝዀነ ይኹን ኣካል ንእግዚአብሔር ካብ ቅድስናኡ ኬጕድሎ ወይ ዘይቅዱስ ኪገብሮ ዚኽእል ሓደ የልቦን። ሰይጣን ንእግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብተዋህዶ ፍጹም ሰብ ዀይኑ ኵሉ ድኻም ሰብ ጠቢቕዎ ምስ ረኣየ፡ ርኽሰት ኬጥብቐሉሞ፡ ካብ ቅድስናኡ ኼጉድሎ ኣዝዩ ዓብዪ ተስፋ ገበረ። ብናይ 40 መዓልትን ለይትን ፍጹም (absolute) ጾም ጠምዩን ደኺሙን ምስ ረኣዮ፡ በቶም ሰለስተ ምርኡያት ሓጢኣት (ሠለስቱ ኣርእስተ ኃጣውእ) ኬስሕቶሞ፡ ካብ ቅድስና ካብ ኣምላኽነት ኬጕድሎ ተጋደለ። እንተ ዀነ፡ ከቶ ኣይሰለጦን። ስለ እቶም ኣብ ሰብ ዝሓደሩ ኣጋንንቲ፡ ኢየሱስ ኪጓነፎም ከሎ፦

ኢየሱስ ናዝራዊ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎና፡ (ቅድሚ ጊዜኡዶ) ኸተጥፍኣና መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ ኣለኹ።” እናበሉ ኣብ ቅድሚኡ ተደፊኦም ኣምላኽነቱን ቅድስናኡን ይእመኑ ነበሩ (ማር 124,25,34 56,7) ስለ እቲብልብኹም ቀድስዎዚበሃለልና ዘሎ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ርኹሳት ኣጋንንቲ ኸይተረፈ እናንቀጥቀጡ ኣብ ቅድሚኡ ተደፊኦም ዚእመኑሉ ቅድስና ዘለዎዩ። ቅድስና ስለ ዝጐድሎስ፡ ንሕና ቐዲስና ቅድስናኡ ንኽንመልኣሉ ኣይኰነን። ንሕና ቅድስና ስለ ዘይብልና፡ ንርእስናውን ክንቅድስ ስለ ዘይንክእል፡ ጐይታና በቲ ቕዱስ ደሙን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ገይሩ ይቕድሰና፡ ካብ ቅድስናኡውን ይመቕለና። ስለ ነቲቀድስዎዚብል ሃዋርያዊ ትእዛዝ፡ በዚ ንሕና ሰባት እንቕደሰሉ ኣገባብን ትርጕምን ክንርድኦ ኣይግባእንዩ።

ንኣምላኽ ምውዳስን ምቕዳስን ግን ናይቶም ብስልጣን መንፈስ ቅዱስ ናይ ክህነት ማዕርግ ዝተቐበሉ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያንዶ ኣይኰነን፧ ከመይ ኢሉ ንዅላትናቀድስዎዚበሃለልና ዘሎ፧ ነስተውዕል!! ናብ ቤት መቕደስ ኣቲና፡ ምስጢራት ብምፍጻም ክንቅድሶ ኣይተኣዘዝናን። እቲ መሰረተ እምነት ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ዝዀነምስጢረ ክህነትዝተሰምየ ሰፊሕን ረቂቕን ትምህርቲ ነዚ ሕቶ ብትኽክልን ብምልኣትን ዚምልሶ። እዚ ዓሚቝ ምስጢርዚ፡ ክልተ ዓይነት ክህነት ከም ዘለዉ ዜስተምህረና። እቲ ቐዳማይ ክህነት፡ ንዅሉ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝተጠምቐ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ዚወሃብኣድማሳዊ ክህነት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ክህነት ከኣ ብኣድማሳዊ ክህነቱ ብቕዓት ንዘርኣየን ግብረ ክህነት ንዝተማህረን ብኣገልገልትን ምእመናንን ንዝተመስከረሉ ዲያቆን ዚወሃብኣገልግሎታዊ ክህነትእዩ። እዚብልብኹም ቀድስዎዚብል ትእዛዝ ከኣ፡ ንኣገልገልትን ምእመናንን ብማዕረ ዚምልከቶም፡ ብኣድማሳዊ ክህነት ዚፍጸም ምቕዳስዩ። እዚ ምቕዳስ ኣብ ብሰብ ዝተሰርሐ ህንጻዊ መቕደስ ዘይኰነስ ኣብ ብኣምላኽ ዝተሃንጸ መቕደስ-ስጋና ዚፍጸም ኣገልግሎትዩ። ኣብ መቕደስዚኣ ብኣድማሳዊ ክህነት ንክርስቶስ ዚቕድስ ካህን፡ ባዕሉ ነቲ ስጋ ለቢስዎ ዘሎ ክርስትያን (1ጴጥ 24,5,9 ራእ 16 59,10) እዚ ኣድማሳዊ ካህን ዚቕድስሉ ቤት መቕደስ ከኣ እቲ ብደም ክርስቶስን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ቅዱስ መቕደስ ዝዀነ ስጋኡ 1ቈረ 316,17 619,20) እቲ ኣብ መቕደስ እነቕርቦ መስዋእቲ ድማ እቲ ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርና እንስውኦ ስጋና (ሮሜ 121) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ባዕሉ ሊቀ ካህናት፡ ባዕሉ መቕደስ፡ ባዕሉውን መስዋእቲ ብምዃን ዘድሓነናን ዝቐደሰናን። ንሱ ኣርኣያና ስለ ዝዀነን፡ ንሕናውን ብዅለንትናና ንእኡ ምእንቲ ኽንመስል ስለ ዝተጸዋዕናን፡ ንሕናውን በታ ንሱ ንኣና ዝቐደሰላ ኣገባብ ኢና፡ ብልብና ብስጋና እንቕድሶ (ሮሜ 829 2ቈረ 316) እቲ ሓቂ ኸምኡ እንተ ዘይከውን፡ ናይ መንግስቱ ካህናት ክንከውን ኣድማሳዊ ክህነት ኪህበና ኣይመድለየን ነይሩ።

ክርስትያን ናይ ምዃንና ዕላማን ናይ ህይወት ተልእኾናን ንእኡ ምቕዳስ ካብ ኰነ፡ ኣብ ባዕሉ ካህንን መቕደስን መስዋእትን ዝገበሮ ስጋና፡ ከመይ ጌርና ኢናንቕድሶ፧ እዚ ሕቶ ናይ ናይ ሎሚ መልእኽትና ሕመረት (ወይ ከኣ ማእከላይ ሓሳብ)’ዩ። ናይ ሕቶዚኣ ቅኑዕ መልሲ ዘይብሉን ኣብ ትግባረኡ ዝፈሸለን ሰብ፡ ፍሹል ክርስትያን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብትንሳኤ ሙታን ኣዝዩ ዚጕዳእ ሰብ ዚኸውን። ኣቦታትና እንኪምስሉ፡ዘይክኢላ ሰዓማይሲ ንፋጥ ይጽይቕከም ዚብሉ፡ ዘይክኢላ ቐዳሲ ድማ ንፉዕ መራኸሲ ኰይኑ ዚተርፍ። እቲ ሕጂ ኣብ ዘመን ሕያዋይ መድሓኒና፡ ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ ኣብ መዓልቲ ትንሳኤና ግን ሓያል ፈራዲና ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፦

ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሓቑ፡ ናብ ንሰይጣንን መላእኽቱን ዝተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ (ኪዱ)” ዚብሎም፡ ነቶም ኣብ ባዕሉ ዝፈጠሮን ብኽቡር ደሙ ዝዓደጎን ዝቐደሶን መቕደስ ስጋኦም ዘርከስዎን መስዋእቲ ሓጢኣት ዝሰውኡሉን (ማቴ 2541) ስለ ምእንትኡ ኢልና ጥራሕ ዘይኰነስ ምእንቲ ርእስና ኢልና እንተ ቐደስናዮ ዜዋጽኣና።

እታ ብኣድማሳዊ ክህነትና ብመስዋእቲ ስጋና ኣብ መቕደስ ስጋና ንእኡ እንቕድሰላ መንፈስዊት ጥበብና ድማ ንህይወትና ኻብ ሓጢኣት እናሓለናን እናጽረናን፡ ጽድቅን ቅድስናን ምፍራይያ። ቅድስና፡ መለኮታዊምበር ሰብኣዊ ባህርይ ኣይኰነን። ስለ ነቲ መለኮታዊ ናይ ጽድቅን ቅድስናን ባህርይ ለቢስና ኽንመላለስ ከለና፡ ንኣምላኽ ኣባና ንቕድሶ ኣለና ማለትዩ። ብኣንጻሩ ብሓጢኣትን ርኽሰትን ክንመላለስ ከለና ድማ ንኣምላኽ ኣባና ነርክሶ ምህላውና ኽንፈልጥ ይግባእ። ናይ ለቢስናዮ ዘለና ስጋ ፈጣሪ ባዕሉ ጐይታናዩ። ካብ መንፈሱ ኡፍ ኢሉ ብምሃብ ህያው ነፍሲ ገይሩ ዘቘመናውን ባዕሉዩ። ስለ ኸኣ ወለዶ ክርስቶስ ኪጽብጸብ ከሎ፡ኣዳም፡ ወዲ ኣምላኽኢሉ ዝደምደመ (ሉቃ 338) ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ስለ ዝተፈጠርና በቲ ስሉስ ኣቃውማና ጥራሕ ኣይኰንናን ውሉድ ኣምላኽ እንኸውን። ብመስዋእቲ ክርስቶስን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን ብቓል ሓቂ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ ስለ ዝወለደናውን ኣዝዩ ዝዓበየ መንፈሳዊ ውልድነት ረኺብና ኢና (B) ዕላማ ናይ ድርብ ውልድነት ድማ በቲ ዘውረሰና ገዛእ ቅድስናኡ፡ ኣብ ህይወትና ምእንቲ ኽንቅድሶዩ። እምበኣር ንጐይታና ኢየሱስ ብልብናን ኣብ ስጋናን እንቕድሰሉ መገዲ ከም ዚስዕብዩ።

1. ንኣካላትና ናይ ኣምላኽ ኣጽዋር ጽድቅን ቅድስናን ብምግባርዩ፦

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ኣምላኽን ኣምላኽ ጽድቅን ስለ ዝዀነ፡ ብጽድቅን ብቕድስናን ብምንባር ኢና ኣብ ህይወትና ኽንቅድሶ ንኽእል።

እምብኣርሲ ንትምኒቱ ኸይትእዘዙ፡ ኣብ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። ትሕቲ ጸጋምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምንሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ። ..... ስለ ድኻም ስጋኹም በዛራርባ ሰብ እዛረብ ኣሎኹ፡ ከም ንርኽሰትን ግፍዕን ናብ ምፍራስ ሕጊ ኣካላትኩም ንባርነት ዝወፌኹም፡ ከምኡ ድማ ሕጂ ንጽድቂ ናብ ቅድስና ኺግዛእ፡ ኣካላትኩም ወፍዩ።..... ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞትዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወትዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ ኣሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።ሮሜ 612-14,19,22,23

ከም እዙዛት ውሉድምበር ከም ብዘመን ድንቍርና ከሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡ ኣነ ቅዱስሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከም እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።1ጴጥ 114-16

ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ካብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሓዲግዎሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሓዝዎ።  እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፡ ብስኽራን፡ ብጓይላ፡ ብመስተ፡ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸሎኹም፡ ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሓለፈ ዘመን ይኣክልዩ። ናብ ዕያግ ርኽሰት ምሳታቶም ስለ ዘይጐየኹም፡ እናተጻረፉ ብእኡ ይግረሙ ኣለዉ።1ጴጥ 41-4

ፍቓድ ኣምላኽ እዚዩ፡ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁሞ፡ ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።1ተሰ 43-5

እምብኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ተስፋታት ካብ ዚህልወናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ።2ቈረ 71

ንጐይታና ኣብ ህይወትና ኽንቅድሶ ኸም ዚግበኣና፡ ናይ ብሓቂ ኣሚንናሉን ተዓጢቕናሉ እንተሊና፡ እዚ ዘንበብናዮ ሃዋርያዊ መልእኽታት ኣዚዙና ኸም ዘሎ፡ ሰብነትና መሳርሕን መፍረይን ናይ ሓጢኣት ከይከውን ቈራጽን ዘይልወጥን ውሳነ ኽንውስን ይግብኣና። ነቲኻብ ምንዝርና፡ ካብ ፍቕሪ ገንዘብ ህደምዚብል ሃዋርያዊ ትእዛዝ፡ ልክዕ ከም ዮሴፍ፡ ብምሉእ ልብና ኽንእዘዞ ይግባእ (1ቈረ 618 1ጢሞ 610,11 ዘፍ 396-19) ብኣንጻሩ፡ ይትረፍ ክንሃድም፡ ናብ ሓጢኣትን ርኽሰትን ገጽና ብፍቕሪ ኽንፋንን እንተ መሪጽና ግን፡ ኣብ ህይወትና ንሰይጣን ክንቅድስ ንክርስቶስ ግና ከነርክስ ተዓጢቕና ኣለና ማለትዩ። ነቲ ቕዱስ ክርስቶስ ኣብ ገዛእ መቕደሱ፡ ኣብ ባዕሉ ብኢዱ ዝፈጠሮን ብደሙ ዝቕድሶን መቕደሱ ኺዋረድን ኪረክስን፡ ነቲ ዓመጸኛን ሰራቕን ድያብሎስ ድማ፡ ኣብ ዘይንብረቱ ኪኸብር ንፈቅድ ኣለና ማለትዩ። ሰይጣን ኣብ ሰማያዊ መቕደስን ዝፋንን ዝሰኣኖ ዓወት፡ ኣብ መቕደስ ስጋና ይሰልጦን ኣብ ዝፋን ልብና ነግዝኦን ኣለና። ካብ ከም ዝበለ ኣዕናዊ ምርጫ ኽንድሕን እንተ ዄንና፡ ንኣካላትና ናይ ኣምላኽ ኣጽዋር ጽድቅን ቅዱስ መቕደስን ጌርና ኽንውፍዮ ይግባእ።

2. ምእንትኡን ንኽብሩን ኢልና ጥራሕ ምንባርዩ፦

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ርእስኻ ንኣምላኽ ምቕዳስ ወይ ምፍላይዩ። ንዝኣመነ ይኹን ንዘይኣመነ፡ ኣብ ምድሪዚኣ ንዚነብር ኵሉ ሰብ፡ ክርስቶስ በቲ መሪር መስዋእቱ ብዘፍስሶ ኽቡር ደሙ ዓዲግዎ (1ቈረ 619,20 ገላ 313,14 ራእ 59,10) ስለ ንገዛእ ርእስና ኽንነብር ዜኽእለና ዝዀነ ይኹን ሕጋዊ መሰል የብልናን። እንተ ወዓልናዮ ኸኣ ዓመጽን ዕልወትን ይቝጸረልና፡ እቲ ዚግብኣና ፍዳ ድማ ንቕበለሉ። ይትረፍ ንርእስና ኢልና ኽፉእ ክንገብር፡ ንርእስና ኢልና ጽድቅን ሰናይ ግብርን ክገብርንውን ኣይፍቀደናንዩ። እቲ ሃዋርያዊ ቓልውን ከምኡ ዚእዝዘና።

ካባናስ ሓደ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦንሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና፡ ንጐይታ ኢና እንመውትሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። ስለ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን።” ሮሜ 147-9

ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስአንምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።” 2ቈረ 515

ንኣይሁድ ኰነ ንጽርኣውያን፡ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ኰነ መዓንቀፊ ኣይትኹኑ።” 1ቈረ 1031

ይትረፍ ንሓጢኣትን ጽድቅን ዚምልከት ዓበይቲ ጕዳያት፡ ዋላ ተራ መሰረታዊ ድልየታትና (ምግብን፡ ልብስን፡ ወዘተን)’ውን ምእንትኡን ምእንቲ ኽብሩን ኢልና ኽንገብሮ ጥራሕ ዚግባእ። ስለ ድማ ኢና እንገብሮ ዝዀነ ይኹን ተግባርብስም ጐይታና ኢየሱስ ግበርዎተባሂልና ዝተኣዘዝና (ቈሎ 317) ምእንትኡ ኢልካ ዘይትገብሮ ነገር፡ ብስሙ እትገብረሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን።

3. ብዛዕባ ዅሉ ኣባና ዚፍጽሞ ተግባሩ ምምስጋንን ምውዳስንዩ።

ንኣምላኽ ብዛዕባ መንነቱ ምውዳስ፡ ብዛዕባ ዝገበሮ ድማ ምምስጋን፡ ናይ ምቕዳስ ተግባርዩ። ኣብ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያን ዝተሰርዐ ናይ ኣምልኾ ስርዓት ተረኺብካቅዱስ ቅዱስ ቅዱስእናበልካ ምውዳስ ንጐይታ ምቕዳስዩ። ኣብ ናይ ስድራ ቤት መንፈሳዊ መደባት፡ ኣብ ናይ ውልቅኻ መንፈሳዊ መደባትውን፡ ንኣምላኽ ምውዳስን ምቕዳስን ግቡእዩ። ነዚ ድማ ብጸሎት ብመዝሙር ኢና እንፍጽሞ። ከም ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝ 6616 ኢልዎ ዘሎ ድማ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝገበረልካ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ንሰባት ብምምስካር ንስሙ ክትቅድሶ ክትባርኾ ግቡእዩ። ከም ዘመሰለ ቅዱስ ልማድ ኣብ ስድራ ቤታትን ውልቀ ሰባትን፡ ከም ዚሰርጽ ምግባር ናይ ኣበ-ነፍሲ ካህናት መንፈሳዊ ሓላፍነትዩ። እቶም ብኸም ንጐይታኦም ኣብ ህይወቶም ዚቕድስዎ፡ ብትንሳኤ ሙታን ኣብ የማን ኣምላኽ ቈይሞም ኣኽሊል ክብርን ጽድቅን ህይወትን ደፊኦም ኣብ ዝፋን ክብሪ ተቐሚጦም ንኣምላኾም ኪውድሱን ኪቕድሱን ኪባርኹን ኪነብሩዮም። እምበኣር ከም ደቂ ትንሳኤ መጠን ብቓልናን ብግብርናን ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ንቕድሶ ምህላውና ነረጋግጽ። ነቲ ዘሎና ኣዕዚዝና፡ ነቲ ዝጐደለና ድማ መሊእና ናይ ኣድማሳዊ ክህነት ኣገልግሎትና ንኣምላኽ ብዜስምሮን ብዜኽብሮን ኣገባብ ንፈጽም!!

ጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ሚያዝያ 29, 2015 ግዕዝ (7 ግንቦት 2023 ፈ  [መበል 35 ሰንበት: ቊ.፵፫/43, 2023] )

ምስባክ

መዝ. ፫፡፭,

አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ። ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ። ኢይፈርህ እምአእላፍ አሕዛብ።

ተገምሰስኩ ደቀስኩውን፡ እግዚኣብሄር ይድግፈኒ ኣሎ ነቓሕኩ። ነቶም ዚኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምንየ።

ንባባት

ኣንባቢ

ቈሎ 31-11

ዲያቆን

1ጴጥ 315-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 1326-42

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 2433-40

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦  ዘዲዮስቆሮስ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div