S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብጸጋ ኣምላኽ’የ ዘለኹ [መበል 34 ሰንበት: ቊ.፵፪/42, 2023]

እቲ ዘለኽዎ ግና ብጸጋ ኣምላኽ ዘለኹ። ካብ ኵላቶም ዚበዝሕ ደኣ ጸዓርኩምበር፡ እቲ ንኣይ እተዋህበ ጸጋኡ ኸንቱ ኣይኰነን። እቲ ምሳይ ዘሎ ጸጋ ኣምላኽ ደኣምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን።” 1ቈረ 1510

እዚ ሰንበት ድሕሪ ትንሳኤ ሳልሳይ ሰንበትዩ። ነዚ ዕለት ብሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ኪዝመር ዝተሰርዐ መዝሙር ቤተ ክርስትያንና ኸኣወበእሑድ ሰንበት ጌሠት ማርያም መግደላዊትዚብልዩ። ማርያም መግደላዊት ኣብ ጐይታ ዝተንስኣላ ሰንበት ናብ መቓብር ጐይታ ኸም ዝኸደት ዜመልክት መዝሙር ድማዩ። እቲ በዚ መዝሙር መሰረት ዝተሰርዐ ናይ ዮሃ 201-18 ንባብ ቅዱስ ወንጌል ከኣ ነዚ ዝተጠቕሰ ዛንታ ዚትርኽዩ።

እዚ ነዚ ዕለት ተመዲቡልና ዘሎ ኣርእስቲ፡ ካብቲ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ዝተወስደዩ። ጸጋ ኣምላኽ ኣብ ናይ ህይወትና ዅለንተና ብዛዕባ ዘለዎ ተራ ዜመልክተና ድማዩ። ኣብ ሎሚ ዝተነበበልና መበል 15 ምዕራፍ ናይ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታናን ትንሳኤናን ኣዝዩ ሰፊሕን ዓሚቝን ኣስተምህሮ ሂቡሎ። ኣብ ብብዙሕ ጻዕርን ገድልን ዝመስረታ ቤተ ክርስትያን ገሊኦምትንሳኤ ሙታን የልቦንካልኦት ከኣ፡ትንሳኤ ቕድሚ ሕጂ ዀይኑዚብሉ ስሑታትን መስሓትትን ሰባት ተላዒሎም ነበሩ። ነዚኣቶም መልሲ ኺህብ ምስ ኣንቀደ፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ መርትዖታት ዘርዘረ። ካብቶም እሙናት መሰኻኽር ናይ ትንሳኤ ክርስቶስ ሓደ ድማ፡ ንሱ ባዕሉ ነበረ። ንሱ ኻብቶም ድሕሪ ትንሳኤኡ ንጐይታና ብዓይኖም ዝረኣይዎ ሰባት ሓደዩ። ኵላቶም እቶም ንሱ ዝዘርዘሮም ንጐይታ ዝረኣይዎ ሰባት፡ ቅድሚ ምዕራጉ ዝረኣይዎዮም። እቲ እንኮ ድሕሪ ዕርገቱ ዝረኣዮ ምስክር ግና ንሱ ሃዋርያ ጳውሎስዩ። ብዛዕባ ንጐይታ ድሕሪ ትንሳኤኡ ብዓይኑ ናይ ምርኣይ ክብሪ ምርካቡ ኣመልኪቱ ኺዛረብ ከሎ ድማ፦

ድሕሪ ዅላቶም ድማ ንኣይ፡ ቍላዕ ንዝመስል፡ ተራእየኒ። ኣነስ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ስለ ዝስጐጕክዋ፡ ምንኣስ ኵሎም ሃዋርያት ሃዋርያ ኽስመይ ብቑዕ ኣይኰንኩን።” ብምባል ብትሕትና ተኣመነ (1ቈረ 158,9) ብድሕሪ ነቲ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዘሎ ቓል ዝጸሓፈ። ሓቀኛን ኣርኣያውን ተኣምኖ ኸኣዩ። ብጸጋ ኣምላኽ ነይሩ እንተ ዘይከውን፡ ንክርስቶስን ንቤተ ክርስትያኑን ዘሳደደ ሰብ፡ ከመይ ኢሉ ሃዋርያ ኪኸውን ምበቕዐ፧ ጐይታና ኻብ ዓመጸኛ ኣሳዳዲ ናብ ሃዋርያ ኺልውጦ ምስ ኣንቀደ፡ ሰባኺ ኪሰድደሉ ዘይኰነስ፡ ባዕሉ ብኣካል ኪረኣዮ ደኣ መረጸ። በቲ ንኻልኦት ሃዋርያት ዝተራእየሉ ተራ ሰብ መሲሉ ዘይኰነስ፡ ብመለኮታዊ ኽብሩ ብጸዳል ብርሃን ተራእዮ። ካብኡ ዝተላዕለ ድማ ምርኣይ ክሳዕ ዚስእን ኣዒንቱ ዖረ። ንዜሳድዶ ዜፍቅር ጐይታ ረኺቡ ኸኣ ህይወቱ ተለወጠ። ነቲ ኣዝዩ ዚጸልኦ ጐይታ፡እንታይ ክገብር ትደልየኒ ኣለኻ፧ኢሉ ርእሱ ንተኣዝዞ ድሉው ገበረ። ካብ ዕለትዚኣ ጀሚሩ መዳርግቲ ብዘይርከቦ ጻዕሪ ንጐይታኡ ኣኽበረ። መጠን-ኣልቦ ፍረ ድማ ፈረየ። ብኸመይ ነዚ ጻዕርን ፍረን ኸም ዝተዓወተሉ ኺገልጽ ከሎ ድማዩ፡ብጸጋ ኣምላኽ ዘለኹኢሉ ዝተኣመነ። ኣብ መንጎ ሰብን ኣብ መንጎ ጸጋን ኪህልው ዚግብኦ ዝምድናን ኪዳንን ኣዝዩ ፍሉይዩ። እቲ ጸጋ ነቲ ሰብ የኽእሎ፡ እቲ ሰብ ከኣ ነቲ ጸጋ የኽብሮ። እቲ ምስ ጸጋ ናብ ከም ዝበለ ዝምድና ዘይኣተወ ሰብ፡ ናይ ፍሽለትን ውድቀትን ታሪኽ ዚሃንጽ።

ጸጋ ማለት እንታይ ማለትዩ፧ ጸጋ ዚበሃል፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ከም ነጻ ህያብ እንቕበሎ ዅሉዩ። ንጸጋ ጸጋ ዚገብሮ፡ ተገቢኡናን በቒዕናዮን ዘይኰነስ፡ ከይተገብኣና ብኸምኡ ብሕያውነቱ ዚህበና ምዃኑዩ። ካብ ኣምላኽ ተቐቢልናዮስ፡ጸጋዘይበሃል ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን። ኣብ መንጎ ህያባትመንፈሳዊ፡ ስጋዊእናበልካ ኽትከፋፍሎ ዜጸግምን ዘይግባእን እንተ ዀነ፡ ንኣና ንስጋውያን ሰባት ምእንቲ ኺርድኣና ግና፡ ከም ኣዘራርባ ሰብ ጌርና፡ ብኸምኡ ኽንገልጾ ንኽእል ኢና። ካብ ኣምላኽ እንቕበሎ መንፈሳዊ ጸጋታት ብዙሕ ኰይኑ፡ ኵሉ ምስጢራት፡ ምሕረት፡ ቃል ኣምላኽ፡ ወዘተ ዜጠቓልልዩ። ስጋዊ ጸጋታት እንብሎ ድማ ኵሉ መሰረታዊ ድልየታት (ምግቢ፡ ልብሲ፡ መጽለሊ) ጥዕና ስጋ፡ ውሉድ፡ መጻምድቲ፡ ስራሕ፡ ሞያ፡ ትምህርቲ፡ ወዘተ ዜጠቓልልዩ። ኣብ ምድሪዚኣ ብህይወት ምንባር ንርእሱ፡ ኣምላኽ ጥራሕ ኪህበና ዚኽእል ዝዓበየ ጸጋዩ። ስለ ጸጋ፡ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ፍሉይ ነገር ዘይኰነስ፡ ኵሉ ኻብ ኣምላኽ እንቕበሎ ምድራውን ሰማያውን ህያባት ዜጠቓልል ምዃኑ ብሩህዩ።

ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩምማለት፡ድሕነት ብኸምኡ (ብነጻ) ተዋህበኩምማለትምበር ካልእ ኣይኰነን (ኤፌ 25,8,9)ከም ብዋልታ ብጸጋ ትኸብቦማለት ድማትሕልዎማለት (መዝ 512) እቶም ከቢቦም ዚሕልዉ ቅዱሳን መላእኽቲ ኪዀኑ ይኽእሉዮም፡ እቲ ብኣታቶም ዚግበር ሓለዋ ኸኣ ናይ ኣምላኽ ጸጋዩ።ጸጋ ኣብ ከናፍሩ ዘለዎ ሰብወይ ከኣዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹንማለት፡ ጥዑምን ጥዑይን ሃናጽን ዝዀነ ዘረባ ዚዛረብ ምዃን ዜመልክት (ምሳ 2211 ቈሎ 46) ስለ እቲ ኻብ ኣፍና ዚወጽእ ጽቡቕ ቃላት፡ ንርእሱ ጸጋዩ። እቲ ነዚ ጸጋዊ ቓላት ዝሰምዐ ሰብ ድማ፡ ካብ ኣምላኽ ጸጋ ኸም ዝተቐበለ ኺርዳእ ይግብኦ። ምኽንያቱ ኻብ ጸጋ ኣምላኽ ዘይኰነ ዝዀነ ይኹን ጽቡቕ ነገር የልቦን።

ኵሉ እነንጸባርቖ ጽቡቕ ባህርይን ግብርን ካብ ገዛእ ርእስና እንገብሮ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ ኣምላኽ እንገብሮዩ። ጸጋ፡ ዜኽእል ሓይሊ ናይ ኣምላኽዩ። ሓደ ሰብ፡ ንቓል ኣምላኽ ተኣዚዙ ብእምነታዊ ትዕግስቲ ኺዕገስ ከሎ፡ እቲ ዜኽእል ሓይሊ-ጸጋ ኣብኡ ተገሊጹ ማለትዩ። ትሕትና፡ ምሕረት፡ ሕያውነት፡ ርእስኻ ምግታእ፡ ይኣኽለኒ ምባል ወዘተ ዅሉ፡ ጸጋ ኣምላኽዩ። ብዘይ ናይ ጸጋ ኣኽኣልነት ኪግበር ዘይክእል ተወራሲ መለኮታዊ ባህርያትን ግብርታትንዩ። ስለ ኸኣ ጐይታና፡ብጀካይ ሓንቲ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹምዝበለና (ዮሃ 155) ነብዪ ኤርምያስ ስጋ-ለበስ ሰብ ኣካይዳኡ ኬቕንዕ ዝዀነ ይኹን ዓቕሚ ኸም ዘይብሉ ብግሩም ቃላት ተኣሚኑ ኣሎ።

ጐይታየ፡ መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስውን ስጕምቱ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዘይብሉ፡ እፈልጥ ኣለኹ።ኤር 1023

ኣብ ኣምላኽ ናይ ምውካል ኣገዳስነት ድማ ኣብ ዚገሃድ። ኣብኡ ኽንውከል ከለና፡ በቲ ዜኽእል ጸጋኡ ኺድግፈና ብድኻምና ንእመን ኣለና ማለትዩ። ኣብ ኣምላኽ ተወኪልና ማለት ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ተወኪልና ማለትዩ። ቅዱስ ዳዊት ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ብምውካል እቲ ዝለዓለ ኣርኣያናዩ። ኣነ ግና ኣብ ቤት ኣምላኽ ከም ልምዕቲ ኣውሊዕየ፡ ኣብ ጸጋ ኣምላኽውን ንዘለኣለም ኣለም እውከል።መዝ 528

ከመይ ዝበለ ዕሉምን ጅግናን ወተሃደር ክነሱ፡ እዚ ዅሉ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህቦ ጸጋምበር፡ ካብ ርእሱን ናቱን ከም ዘይኰነ ይእመን ነበረ። ነቲ ኣብ ናይ ጸበባ እዋን ካብ ኣምላኽ ዝተቐበሎ ዜኽእል ጸጋ ድማ ብዜገርም መገዲ ይእመነሉን ይምስክረሉን ነበረ።

ንመብራህተይ ተድምቖ ኢኻሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ንጸልማተይ የብርሆዩ። ብኣኻ ንሰራዊት እጥሕሶሞ፡ ብኣምላኸይውን ንቐጽሪ እዘልሎ። . . .እቲ ሓይሊ ዜዕጥቐኒ፡ ንመገደይ ከኣ ዜቕንዓ ኣምላኽ(‘) ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን። ኣብቲ በሪኽ ቦታይ የቝመኒ። ንሱ ነእዳወይ ውግእ፡ ንቐላጽመይ ድማ ምግታእ ቀስቲ ኣስራዚ ዘልመደንዩ። ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሂብካኒ፡ የማነይቲ ኢድካውን ደጊፋትኒ፡ ሕያውነትካ ድማ ዓብዪ ገይሩኒ። ኣእጋረይ ከይሰናኸላስ፡ ንመገደይ ኣብ ትሕቲ ስጕምተይ ተርሕባ ኢኻ።. . . ንውግእሲ ሓይሊ ኣዕጢቕካኒ፡ ንተቓወምተይ ኣብ ትሕተይ ኣድኒንካዮም፡ ዝባን ጸላእተይ ከኣ ሂብካኒ።  . . .እቲ ሕነ ዚፈድየለይ፡ ነህዛብውን ዜግዝኣለይ፡ ካብ ጸላእተይ ዜውዕለንስ ኣምላኽዩ፡ እወ፡ ኣብ ልዕሊ ተጻረርተይ ልዕል እተብለኒ፡ ካብቲ ዓመጸኛ ሰብ እትባልሃኒ ንስኻ ኢኻ።መዝ 1828-48

ኣብ ናይ ንጉስ ዳዊት መዝሙር፡ ንሱ ንርእሱ ዝሃባ ዝዀነት ትኹን ክብሪ (credit) የላን። ኵሉ ኣብ ኢዱ ዝሰለጠ ዘበለ፡ ብቑዕ ኰይኑ ባዕሉ ዝገበሮ ዘይኰነስ፡ እግዚኣብሄር ብኸምኡ ዝሃቦ ጸጋ ምዃኑ ጥራሕ ተኣሚኑ። ንኣምላኽ ዘይፈርህ ዝዀነ ኻልእ ሰብ፡ እዘን ንጉስ ዳዊት ዝረኸበን ኵለን ዓወታት እንተ ዚረክብ፡ ብትዕቢት ተነፊሑ ርእሱ ኣብ ምውዳስ ምተጸምደምበር፡ ነዚ ዳዊት ዝበሎ ኣይምበለን ነይሩ። እቲ ዘርዚርዎ ዘሎ ዅሉ ናይ ኣምላኽ ጸጋታትዩ። ንሱ ጥራሕ ከኣ ኣይኰነን። ዋላ ንዅሉ ብጸጋ ኣምላኽ ከም ዝረኸቦ ዝተኣመኖ ንጹህ ምእማንውን ንርእሱ ኣዝዩ ዓብዪ ጸጋዩ። ምኽንያቱ ናይ መብዛሕትና ኣበሳ ንሱዩ። ንዅሉ ብጸጋ ኣምላኽ ዝተገብረልናን ዝረኸብናዮን፡ ጸጋ ምዃኑ እነስተውዕለሉን እንእመነሉን ጊዜ ኣዝዩ ውሑድን በጻብዕ ዘይቍጸርንዩ። ብዛዕባ ሰሪሕና ዝረኸብናዮ ገንዘብ፡ ካብእግዚኣብሄር ዝመገበኒ ጸጋኽንብል፡መዓልትን ለይትን ሰሪሐ፡ ካዕበት ርሂጸ ዘጥረኽዎ ገንዘብኽንብል ዚቐልለና። ከነዕልል ከለና፡ ብዛዕባ ዝተገብረልና ኽንምስክር ከለና ኸይተረፈ፡ ካብ ግደ ናይ ኣምላኽን ናይ ጸጋኡን ንላዕሊ፡ ነቲ ናትና ግደ ብዝበለጸ እናጕላሕና ኢና እንዛረብ። እዚብጸጋ ኣምላኽ ዘለኹዚብል ኣርእስቲ ኽንመሃር ዘድለየና ኸኣ፡ ካብ ዘየባትኽ ዝውቱር ኣበሳ ርእስና ምእንቲ ኸነንጽህዩ።

መልእኽቲ ናይቲ ንጸጋኡ ኣፍልጦን ክብርን ናይ ዘይምሃብ እንታይዩ፧ ቀዳማይ መልእኽቱ ንዕቀትዩ። ነቲ ቐንድን እንኮን ገባሪ ናይ ዝገበርናዮ ስራሕ ወይ ዝረኸብናዮ ውሬታ ኣፍልጦ ካብ ዘይምሃብ ዚኸፍእ ንዕቀትን ምቅላልን ኪህልው ኣይክእልንዩ። እግዚኣብሄር ማእለያ ዘይብሉ መስተንክርን ግሁድን ተኣምራት እናገበረ ካብ ግብጺ ኣውጺኡ ኪጓስዮም እናረኣዩ፡ እስራኤላውያን ነቲ ጸጋኡ ኣፍልጦ ኺህብዎ ፈጺሞም ኣይደለዩን። እግዚኣብሄር ነቲ እዚ ተግባሮም ናብኡ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኺገልጽ ከሎ፦

እዚ ህዝቢ ኽሳዕ መዓስ ዚንዕቀኒ፧ ክሳዕ መዓስከዮም በቲ ዅሉ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትእምርትታት ዘይኣምኑኒ፧ ብፌራ ኽወቕዖምን ከጥፍኦምን . . .” በለ (ዘሁ 1411,12) ብርግጽ ንዕቀቶም፡ኣምላኽ እንታይ ዓቕሚ ኣለዎ፧ እንታይከ ገይሩልና ይፈልጥ፧ብምባል ብግሁድ ቃላት ኣይገለጽዎን። ብኸምዚ ዝተጠቕሰ ታሪኽ ብዘይ ምእማን ብመሪር ምጕርምራም ንመላለስ እንተሊና ግን እቲ ዝኸፍአ ንዕቀትዩ። ነብዪ ሙሴ እስራኤላውያን ምስ ኣጕረምረሙሉ ኣዝዩ ጐሃየ። እግዚኣብሄር ስጋ ኸም ዚህቦም ኣረጋጊጹ ድሕሪ ምንጋር ከኣ፡ ከም ዚስዕብ በሎም፦

ንጽባሕ ተቐደሱ፡ ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም፡እንበልዖ ስጋ መን ኪህበናዩ፡ ኣብ ግብጺ ጽቡቕ ነበርናእናበልኩም ምብካይኩም ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ተሰሚዑሞ፡ እምበኣር እግዚኣብሄር ስጋ ኺህበኩምዩ፡ ክትበልዑ ኢኹም። ሓደ መዓልቲ፡ ክልተ መዓልቲ፡ ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ዓሰርተ መዓልቲ ወይ ዕስራ መዓልቲ ኣይኰነን እትበልዑ። ብኣፍንጫኹም ክሳዕ ዚወጽእ ክሳዕ እትመንውዎ ወርሒ ምሉእምበር። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ እግዚኣብሄር ስለ ዝነዓቕኩምዎን፡ስለምንታይ ካብ ግብጺ ወጻእና፧እናበልኩም ኣብ ቅድሚኡ ስለ ዝበKeኹምንዩ።ዘሁ 1118-20

እምበኣር ምጕርምራምውን ነቲ ድሮ ዝተቐበልካዮ ጸጋን ንእግዚኣብሄር ብቐንዱን ምንዓቕዩ።

ንጸጋ እግዚኣብሄር ኣፍልጦ ናይ ዘይምሃብ ካልኣይን ክፉእን መልእኽቲ ኸኣ ክሕደትዩ። ብናይ ጸጋ ኣኽኣልነት ንዝገበርካዮ ነገር፡ ባዕልኻ ከም ዝገበርካዮ ዄንካ ክትዛረብን ኪስምዓካን እንተ ጀሚሩ፡ ናብ ግሁድን ውጹእን ክሕደት (ጥልመት) ኣቲኻለኻ ማለትዩ። በዚ ሓጢኣት ዘይፍተንን ዘይወድቕን ሰብ ዳርጋ የብልናን። ከም ብዛዕባ ጻጸን ሓርማዝን ዚዝረብ ኣፍሪቃዊ ጽዋ ኽንገብር ኢና እንነብር። ሓደ ሓርማዝ እናተጓዕዘ ኸሎ፡ ሓደ ደቂቕ ጻጸ ኣብ ዝባኑ ነይሩ ይበሃል። እቲ ጻጸ ኣብ ዝባኑ ኸም ዘሎ ዋላ ነቲ ሓርማዝ ፈጺሙ ኣይተፈለጦን ነበረ። ብሓንቲ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐት ድንድል (ቢንቶ) ኺሰግሩ ኸለዉ ድማ፡ ካብ ክብደት ናይ ሓርማዝ ዝተላዕለ እቲ ድንድል ኣንቀጥቀጠ። ብዛዕባ ምንቅጥቃጥ እቲ ሓርማዝ ዋላ ሓንቲ ኸይተዛረበ፡ እቲ ኣብ ዝባኑ ዝነበረ ጻጸ፡ነዚ ድንድልምበር ኣንቀጥቂጥናዮኢሉ ተጃህረ ይበሃል። ንሕናውን ኵሉ ነገርና ብጸጋ ኣምላኽ ዚፍጸም ክነሱ፡ ንዅሉ ባዕላትና ኸም ዝገበርናዮ ጌርና እናሓሰብናን እናተዛረብናን፡ ከም ናይ ጻጸ ብባዶ ጃህራ እንሓጥኣሉ መዓልታት ብዙሕዩ። ወፊርካ ሰሪሕካ ምእታው ከም ሓንቲ ዝቐለለት ኣብነት ወሲድና ኽንርእያ ንኽእል ኢና። ነቲ ለቢስናዮን እንሰርሓሉን ዘለና ኣካላት ዝፈጠሮን ዋናኡን እግዚኣብሄርዩ። እታ እንነብረላ ዘለና ህይወት ብቐንዳ ናቱን ካብኡንያ። እቲ ሞያን ጕልበትን ናይ ስራሕ ዕድልን፡ ካብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ዀነ ካብ መገዲ ብደሓን ምምላስን፡ እትሰርሓሉ ጥዕና ምርካብን፡ ወዘተ ዅሉ፡ ናይ እግዚኣብሄር ነጻ ህያብ ክነሱ፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ብዝርዝር ሓሲብካ ንጸጋ ኣምላኽ ምልላይን ብዛዕባኡ ንኣምላኽ ክብሪ ምሃብን ፈጺምና ዘይንሓስቦዩ። ብዛዕባ ዅሉ፡ብጸጋ ኣምላኽ ዝገበርክዎን ዝረኸብክዎንኣይንብልን ኢና። እንተ በልና ሳሕቲ ዝመልቈና። እንተ በልናዮውን ንስለ መማቕርቲ-ልሳንምበር ልባዊ ኣይኰነን።

ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር፡ ይትረፍ ነቲ ብኣርኣያኡ ዝተፈጥረ ሰብ፡ ንዅሉ ፍጥረት ዚምግብ በይኑ እግዚኣብሄርዩ። ይትረፍ ነቲ ብመልክዑን ምስሉን ዝተፈጥረ ሰብ፡ ንዕምበባ መሮር ከይተረፈ ዜልብስ ንሱዩ።ብጸጋ ኣምላኽ እምገብ እለብስ ኣለኹገዲፍካ፡ብጕልበተይ ብርሃጸይ እምገብ ኣለኹኢልካ ምሕሳብን ምዝራብን ክሕደት እንተ ዘይኰይኑ ደኣ እንታይ ካልእ ክሕደት ኣሎ፧ ንህዝቡ ኻብዚ ሓጢኣት ምእንቲ ኼድሕኖም ከኣ ብኸምዚ ዚስዕብ መዓዶም።

በሊዕካ ምስ ጸገብካን ጽቡቓት ኣባይቲ ሰሪሕካ ምስ ተቐመጥካየንን፡ ኣሓኻን ኣባጊዕካን ምስ ሰሰና፡ ብሩርን ወርቅን ከኣ ምስ በዝሓልካ ዘሎካ ዅሉ ድማ ምስ በዝሐ፡ ሽዑ ልብኻ ከይዕበይሞ፡ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ቤት-ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ከይትርስዕ፡ በቲ ዚነድዱ ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዘለዉዎ፡ ማይ ብዘይብሉ ኣጻምእን ብገፊሕን ዜፍርህን በረኻ ዝመርሓካ፡ ካብ ጽኑዕ ከውሒ ማይ ዘውጽኣልካ፡ ኣብ በረኻ ኣቦታትካ ዘይፈለጥዎ ማና ዘብልዓካ፡ . . .ብልብኻሓይለይን ጽንዓት ኢደይን ነዚ ዅሉ ሃብቲ ደለበለይንኸይትብልዩ። ከም ናይ ሎሚ ነቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳን ምእንቲ ኬቕውም፡ ሃብቲ ኽትድልብ ሓይሊ ዚህበካስ፡ ንሱሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዘክር።ዘዳ 812-18

ስለ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ዘጸገወካ ዅሉ ነገራትን ኣሳልጦታትን ልባዊ ኣፍልጦ ዘይምሃብ ናይ ልባዊ ትዕቢት ነጸብራቕ ምዃኑ የመልክተና ኣሎ። ካብ መርዛም ትዕቢት ርእስና ኸነድሕን እንተ ዄንናምበኣር፡ ነዚብጸጋ ኣምላኽ ዘለኹዚብል ርድኢትን ቋንቋን ክንውንኖን ክንመልኮን ኬድልየናዩ። ብዛዕባ ኣብ ሕሉፍን ህሉውን መጻእን ጊዜ እንረኽቦን እንገብሮን ኵሉ፡ ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ክንውከል፡ ምስ ኰነ ኸኣ ብጸጋ ኣምላኽ ከም ዝዀነልና ኽንእመን ፍቓደኛታት ብምዃን ካብ ንልቢ ኣምላኽ ዚሰብር ሓደገኛ ኣበሳ ርእስና ኸነንጽህ ይግብኣና።

ሳዕቤን ናይ ንጸጋ ኣምላኽ ኣፍልጦ ዘይምሃብካ እንታይዩ፧ ብዛዕባ ኣብ መንፈሳውን ስጋውን ናብራና ዚግለጽ ኵሉ ጸጋታት-ኣምላኽ ቅኑዕ ርድኢትን መርገጽን ዘይብልና ምዃን ንብዙሕን ከቢድን ሓጢኣት ዜቃልዓና። ብዓብዩ ነቲ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ ንዕቀትን ክሕደትን ትዕቢትን እንተ ኣቃሊዑና፡ እንታይ ተሪፉና፧ እዚ ኣበሳታት ናብ ገሃነም ዚነቝተና ኸቢድ ኣበሳታትዩ። ብእኡ ጥራሕ ከይተደረተ ኸኣ፡ ካልእ ብዙሕ ኣበሳታትውን ይውስኸልናዩ። ንኣብነት ናይ ሃብቲ ጸጋ እንተ ተዋሂቡናሞ፡ ብሕድሪ ዝተዋህበና ጸጋ ምዃኑ እንተ ዘይፈሊጥና፡ ብስስዐ፡ ብንፍገት፡ ብግፍዒ ኸነመሓድሮ ንቕሰብ ኢና። ከም ብዕሽነቱ ዝተመስከረሉ ሃብታም ሰብኣይ፡ ናብ ምኽዛኑ ጥራሕ ነድህብ (ሉቃ 1213-21) ከም ንኣልኣዛር ዝበደለ ሃብታም ሰብኣይ፡ ንድኻታት ብዘይ ምክፋል ብንፍገት ነመሓድሮ (ሉቃ 1619-31) ከምቶም ሃዋርያ ያእቆብ ዝጠቐሶም ሃብታማት ድማ ኣብ ትሕቴና ንዘለዉ ሰራሕተኛታት ንገፍዓሉ (ያእ 51-6) ብትሕዝቶና ንጽጉማት ናይ ምርዳእ ጸጋ እንተ ተዋሂቡና፡ ብዛዕባኡ ንኣምላኽ ኣመስጊንና ብሕቡእ ኣብ ክንዲ ንገብሮ፡ ሰባት ርእዮም ምእንቲ ኺንእዱና ብቓልዕ ነዘውትሮ፡ ናይ ሰባት ናእዳ ፈጺሙ ስለ ዘየዕግበና ኸኣ ብገዛእ ኣፍና ንርእስና ኽንንእድን ሕያውነትና ኸነውርይን ንውዕል። እዚ ዅሉ ኸኣ እቲ ዚምቀል ትሕዝቶ ዀነ እቲ ናይ ምክፋል ተግባር ናይ ኣምላኽ ጸጋ ምዃኑ ኻብ ምኽሓድና ዝተላዕለ ዚመጽእ ለካሚና ኣበሳዩ። እግዚኣብሄር ብዝሃበካ ትሕዝቶን ተልእኾን ናብ ሓጢኣት ካብ ምውዳቕ ዚኸፍእ እንታይ ካልእ ወጽዓ ኣሎ፧ብጸጋ ኣምላኽ ዘለኹናይ ዘይምባል ኣሉታዊ ሳዕቤንምበኣር፡ ኣዝዩ ብዙሕን ክፉእንዩ።

እቲ ዝኸፍአ ሳዕቤን ግና ኣብ ጊዜ ምጽኣት ጐይታን ትንሳኤ ዘጕባኤን ዚገሃድ። ጐይታ ብድምጺ መለኸት ምስ ተገልጸ፡ እቲ በስቢሱን ተበታቲኑን ዝጸንሐ ኣካላትና ህይወት ለቢሱ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ምስ ቈመ፡ እቲ ኣብ ዘመነ-ህይወቱ ንጸጋ ኣምላኽ ኣኽቢሩ ዝተመላለሰ፡ ነቲ ንድሕነቱ ዝተገልጸ ጐይታ ኺርእይ ርእሱ ብሓጐስ ኬቕንዕዩ። ምኽንያቱ ጻማ ናይ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ኣምላኽ ዘርኣዮ እሙንነት ኪፍደይ (ማቴ 2534-40 ሉቃ 2127,28) እቲ ብቓልን ብግብርን ንጸጋ ኣምላኽ ዘስተናዓቐ ግና መእተዊኡ ኺጨንቆ፡ ምድሪ ዳግማይ ኣፋ ኸፊታ ኽትውሕጦ፡ ካብ ገጽ ፍትሓዊ ዳኛ ኽትክውሎ ኺምነይ (ራእ 615-17 ሉቃ 2330 ማቴ 2541-46 ሆሴ 108) ንጸጋ ኣምላኽ ክሒድካን ኣስተናዒቕካን፡ ዜብህግ ዘለኣለማዊ መጻኢ ኺህልወካ ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። ስለ እቲ ንመንፈሳውን ነገራውን ጸጋታቱ ዘለና ኣረኣእያን ኣተሓሕዛን፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ናይ ዘለና ኣረኣእያ ነጸብራቕ ምዃኑ ኣጸቢቕና ኸነስተውዕልን፡ ነነፍሲ ወከፍ ዝተቐበልናዮ ጸጋ ድማ ንኣምላኽ ብዚግባእ ክብሪ ኸነኽብሮ፡ ክንእመነሉ፡ ከነመስግነሉ፡ ከነመሓድሮ ይግብኣና። ንዝረኸብናዮ ዅሉ፡ጸጋ ኣምላኽኢልና ኸነመስግነሉን ክንጥንቀቐሉን ክንገብሮ ንዝኸኣልና ዅሉ ኸኣብጸጋ ኣምላኽ ዝገበርክዎኢልና ንኣምላኽ ጥራሕ ክብሪ ኽንህበሉ፡ ኣብ ኢድና ብዛዕባ ዘሎ ትሕዝቶን ክእለትን ተልእኾንእዚ ጸጋ ኣምላኽኢልና ንእኡ ብዚምጥን ክብሪ ኸነመሓድሮ ዝለዓለን ብሸለልትነት ኪረኣይ ዘይግብኦን ሓላፍነትናዩ። ካብ ዝተፈልየ ኣካይዳ፡ ንጸጋ ኣምላኽ ምርኻስ ዚኸውን።

ድሕር ዅሉምበኣር፡ ተመሊስካ ህይወትካ ምምርማር ዚተርፍ። ግደ ሓቂ፡ በዚ መዳይ ገና ናብ ምምርማር ከይበጻሕና ኣዚና ኣበሰኛታት ምዃንና ክንክሕድ ኣይከኣልንዩ። ስለ ነቲ ሕሉፍ ኣበሳና ብሓቀኛን ንጹህን ንስሓ ኣሕዊና፡ ኣብ መጻኢ ድማ ንኣምላኽን ንጸጋታቱን እቲ ዚምጥኖም ኣፍልጦን ክብርን እናሃብና ኸም እንነብር ወትርግ ርግጸኛታት ንኹን።ብጸጋ ኣምላኽ ዘለኹምባል ናይ ዘወትር ቋንቋናን መኽፈት ኣፍናን ይኹን!!

ጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ሚያዝያ 22, 2015 ግዕዝ (30 ሚያዝያ 2023 ፈ  [መበል 34 ሰንበት: ቊ.፵፪/42, 2023] )

ምስባክ

መዝ.39 ፲፩(፲፪)፡፭,፮

“ይእዜ እትነሣእ ይቤ እግዚአብሔር። እሬሲ መድኃኒተ ወአግህድ ቦቱ። ቃለ እግዚአብሔር ቃል ንጹሕ።”

“‘ስለ ምግፋዕ ጥቑዓትን ስለ ልቕሶ መሳኪንን ሕጂ ኽትንስእ፡ ነቲ ዚናፍቖ’ውን ምድሓን ከምጽኣሉ’የ፡>ይብል እግዚኣብሄር። ቃላት እግዚኣብሄር ጽሩይ ቃላት’ዩ፡ ብመምከኽ መርየት ዝጸረየ፡ ሾብዓተ ሳዕ እተዀልዐ ብሩር’ዩ።”

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 15፡1-19

ዲያቆን

1ጴጥ 1፡1-9

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 5፡29-33

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 20፡1-18

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦  ዘዲዮስቆሮስ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div