S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣነ’ውን ኣብኣቶም ከበርኩ [መበል 33 ሰንበት: ቊ.፵፩/41, 2023]

ኣነ ምእንታኦም እልምን ኣለኹ። ናትካዮምሞ፡ ምእንቲዞም ዝሃብካኒምበር፡ ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንንየ። ኵሉ ናተይ ናትካዩ። እቲ ናትካውን ናተይዩ፡ ኣነውን ኣብኣቶም ከበርኩ።ዮሃ 179,10 .

ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ እዚ ሰንበትዳግማይ ትንሳኤ” (ብግእዝ=>ዳግም ትንሣኤ) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ከምኡ ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ንቕዱሳን ሃዋርያት ብእኩባቶም ኣብ ማእከሎም ተረኺቡ ንዅላቶም ዝተራእየሉ ዕለት ስለ ዝዀነምበር፡ ክርስቶስ ካብ ሞት ክልተ ጊዜ ኸም ዝተንስአ ንምምልካት ኣይኰነን። ካብ ዝተንስኣላ ቐዳመይቲ ሰንበት ክሳዕ ድሮ ዕርገት ዘሎ መዓልታት ድማዘመን ትንሳኤ (ዘመነ ትንሣኤ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። እታ ኣብ ፋሲካ ለይቲ ምስ ካህናት እናተኣዛዘልና (እናተቐባበልና) እንብላ፡ክርስቶስ ተንሥአ እም ሙታን፡ክሳዕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ንሓድሕድና ኽንራኸብ ከለና ኣብ ክንዲ ሰላምታ ኽንብሎ ዚግባእዩ። ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንእመን ብቅዱሳት ኣቦታትና ዝተሰርዓልና ግሩም ምስጢርዩ። እንተ ዀነ መንፈሳውነት ህዝብናን ኣገልገልትናን እናተዳኸመ ስለ ዝመጸ፡ ብዘይካ ኣብ ናይ ትንሳኤ ለይቲ፡ ኣብ ድሕርኡ ዘሎ ጊዜ ዚዝክራን ዚደግማን የልቦን። ኣብ ናይ ትንሳኤ ለይቲውን፡ እቶም ካህናትናዮም ንበይኖም ዚብልዎምበር፡ ንእኡ ፈሊጡስ ምስኣቶም እናተቐባበለ ንትንሳኤ ብልሳኑ ዚእመን ምእመን የለን ምባል ዚቐልል። ስለ ኣገልገልትን ምእመናንን ተገዲስና ብምስትውዓል ክንጥቀመሉን፡ ነዚ ናይ ትንሳኤ ቅዱስ ተኣምኖ ኸነዘውትሮን ይግባእ።

ካብ ዕለት ትንሳኤ ኽሳዕ ዳግማይ ትንሳኤ (ካብ ሰኑይ ክሳዕ ቀዳም) ዘሎ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ነናቱ ዚጽውዓሉ ስማት ኣለዎ። ሰኑይ፡ ማዕዶት (ፀአተ ሲኦል) ሰሉስ፡ ቅዱስ ቶማስ፣ ረቡዕ፣ ቅዱስ ኣልኣዛር፣ ሓሙስ፡ ኣዳም፣ ዓርቢ፡ ቤተ ክርስትያን፣ ቀዳም ድማ ቅዱሳት ኣንስቲ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ንቤተ ክርስትያን እዚ ስርዓት ዝሰርዐ ኸኣ፡ ቅዱስ ያሬድዩ። እዚ መዓልታት ብዛዕባ ምስጢራት ናይ ትንሳኤ ኽንመሃርን ከነስተንትንን ዝተሰርዓልና መዓልታትዩ። እዚ ሻብዓይ መዓልቲ ሰንበት ድማ ቅዱሳን ሃዋርያት ብዛዕባ ዝረኸብዎ ኣስተርእዮ እንመሃረሉ ዕለትዩ። ቅዱሳን ሃዋርያት ብምኽንያት ኣብ ዕለትዚኣ ዝረኸብዎ ኣስተርእዮዮም፡ ብቑዓት ናይ ትንሳኤኡ ምስክር ኪዀኑ ዝኸኣሉ። ሃዋርያ ምዃን ማለትምስክር ትንሳኤ ክርስቶስምዃን ማለትዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ጐይታና ኽሳዕ ዕለተ ዕርገቱ ዘሎ 40 መዓልታት ብተደጋጋሚ ተራእዮም (ግብ 12,3 1ቈረ 153-9) መተካእታ ናይ ስፍራን ማዕርግን ናይ ሃዋርያነቱ ዝሓደገ ይሁዳ ኺመርጹ ቕዱሳን ሃዋርያትን ደቀ መዛሙርትን ኣብ ዝተጋቡኡሉ ዕለት ቅዱስ ጴጥሮስ ዕላማ ሃዋርያነት እንታይ ምዃኑ፦

ስለ ኻብዞም ጐይታና ኢየሱስ ካብ ጥምቀት ዮሃንስ ጀሚሩ ኽሳዕ ኻባና ናብ ሰማይ ዝዓረገላ መዓልቲ ምሳና ዝነበረለን ኵላተን መዓልታት ዝሰዓቡና ሰባት ሓደ፡ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ኪኸውን ይግባእዩ።ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ግብ 121,22 .) ስለ ኸኣ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ በዒንቶም ዝረኣይዎን ዝጠመትዎን፡ በእዳዎም ዝዳህሰስዎን ምዃኑ መስከረ (1ዮሃ 11-4) ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን፡ ሃዋርያነቱ ነቶም ዚጠራጠርዎ ንምርግጋጽ፡ “..... ኣይሃዋርያን ድየ፡ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስከ ኣይረኣኽዎን ድየ፧ብምባል ረትዖምን ኣረጋገጸሎምን (1ቈረ 91 158) ስለ ኸኣ ጐይታና፡ ማዕጾ ኸይከፈተ፡ ናሕሲ ኸየነቐለ፡ መንደቕ ከየፍረሰ፡ ገዛ ብዕጹው ኣብ ማእከሎም ደም ምስ በለሞ፡ ምስ ሰምበዱ፡ኣነ ባዕለይ ምዃነይ፡ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩ፡ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ፡ ..... ገለ ዚብላዕዶ ኣብ ኣሎኩም፧ብምባልን ኣብ ቅድሚኦም ብምምጋብን ትንሳኤኡ ዘረጋገጸሎም (ሉቃ 2436-43) ስለ እዛ ዕለትዚኣ ትንሳኤ ጐይታና ብዘየወላውል መገዲ ብግብሪ ዝተረጋገጸላ፡ እቲ ጽኑዕ መሰረት ክርስትና ዝተሰረተላ ዕለት ስለ ዝዀነትዩ፡ዳግማይ ትንሳኤዚብል ክብሪ ዝተዋህባ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ መዝሙርን ምስባክን ንባባትን ናይ ዕለት ልክዕ ከም ናይ ዕለተ ትንሳኤ ዚኸውን።

ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ድሮ ናይ ዝተታሕዘለን ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላን ምሸት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ናብ እግዚአብሔር ኣቦኡ ዝጸለዮ ዜስተንክር ጸሎትዩ። ሕመረት መልእኽቲ ናይ ጸሎትዚ፡ እቲ፦

ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ።ዚብል (ዮሃ 174) እዚ ጸሎት ድርብ ተልእኾ ዘለዎዩ። እቲ ቐዳማይ ተልእኾኡ ጸሎትነቱ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ተልእኾኡ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘቕንዐ ኣስተምህሮነቱዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚ ሕመረት መልእኽቲ ስለ ዘስተውዓለቶ ኣብ ዕለት ብሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያንግብረ ዘወሀብከኒ ፈጸምኩ (ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጸምኩ)” ዚብል መዝሙር ሰሪዓ ትርከብ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ናይ ባህርይ ኣቦኡ ዝተዋህቦ ግብርን ተልእኾን ብዓወት ከም ዝፈጸመ ቓል እግዚአብሔር ኣረጋጊጹልናዩ። ተሪፉ ዘሎ ናትና ናይ ደቂ ሰባትዩ። እቶም ቀዳሞት ሰዓብቱ ዝዀኑ ኣቦታትና ሃዋርያት፡ ነቲ ዝተዋህቦም ንክርስቶስ ናይ ምኽባር ተልእኾኦም ብዓወት ይፍጽምዎ ስለ ዝነበሩ፡ ጐይታና ብጸሎቱ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ብዛዕባኦም ተኣመነ።ኣነውን ኣባኣቶም ከበርኩብምባል መስከረሎም። እቲ ንእኡ ዜኽብሩሉ ዝነውሐ ጊዜን ዝዓበየ ዕዮን ድማ ገና ኣብ ቅድሚኦም ይጽበዮም ነበረ። ነዚ ተልእኾኦምውን ብዓወት ከም ዝፈጸምዎ፡ መጽሓፍ ቅዱስን ታሪኽ ቤተ ክርስትያንን ኣረጋገጹልናዩ። ንሕና ድማ ኣብ ክርስቶስ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሃነጽና ክርስትያን ስለ ዝዀንና፡ ኣርኣያኦም ስዒብና ንኣታቶም ክንመስል ግቡእናዩ። ናይ ዕለት ኣርእስቲ ዀይኑ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ።

ጐይታና ብዛዕባቶም ዝሓረዮም ደቀ መዛሙርቲኣነውን ኣብኣቶም ከበርኩኢሉ ዝመስከረ፡ እንታይ ስለ ዝገበሩዩ፧ ብርግጽ ኣቦታትና ሃዋርያት ኣብ ገዛእ ህይወቶም ንጐይታና ዘኽበሩሉ ተግባሮም፡ ይትረፍ ኣብ ሓደ ንእሽቶ በራሪ ጽሑፍ፡ ኣብ ሓደ ዓብይ መጽሓፍውን ገሊጽካ ዚውዳእ ኣይኰነን። ብዓቕምና ኸም ኣብነት ክንዝርዝሮ እንኽእል ግን ብዙሕዩ።

1. እቲ ንእኡ ናይ ምኽባሮም መርትዖ ገና ኻብ መዓልቲ ጽውዓኦም ዚጅምር። ቅዱስ ወንጌል ብዝተረኸልና መሰረት፡ ብፍላይቶም መጀመርታ ጽውዓኡ ሰሚዖም ዝሰዓብዎ ኣርባዕተ ምርኡያት ሃዋርያት ዘርኣይዎ እምነትን ተኣዝዞን ኣዝዩ ዜስተንክርዩ። ናይ ጐይታና ዘምነ-ኣስተርእዮ፡ ማለት ብትምህርቱን ብተግባሩን ገይሩ ኣምላኽነቱን መሲሕነቱን ኪገልጽ ዝጀመረ፡ ብኢድ ቅዱስ ዮሃንስ ድሕሪ ምጥማቑዩ። ንናይ ፈሪሳውያን ብዚዳረግ ሊቅነቱ ኸይማርኾም፡ ናይ ቀለም ኰነ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ኣይነበሮን (ዮሃ 715) ብቝጠባዊ ዓቕሙ ይኹን ብስድራ ቤታዊ ድሕረ ባይታኡ ኸይምሰጡ ኸኣ፡ ርእሱ ዜዕቅበሉ መጽለሊ ዘይነበሮ፡ ብነብያትውንካብ ወለዶኡ መን ሓስቦ፧ዝተባህለሉ (ማቴ 819,20 ዮሃ 1238 ኢሳ 538) ዚጽውዖም ዘሎ ድማ ብትምህርቱን ብተኣምራቱን ልዑል ዝና ወይ ህቡብነት ኣብ ዘጥረየሉ እዋን ኣይነበረን። ስራሕ ዘይብሎም ዝተጸገሙ ሰባት ዘይኰነስ፡ ናይ ብርኪ ማሕበር (ሼር ካምፓኒ) ዝነበሮም ገፈፍቲ ዓሳዮም ዝነበሩ (ሉቃ 57-10) ቅዱስ ጴጥሮስ ኸኣ ብዓል ሓዳርን ኣቦ ስድራን ዝነበረ (ማቴ 814,15 ማር 129-31) ጽውዓ ዘቕረበሎም ድማ ኣብ ንጡፍ ዕዮ ኸለዉዩ።ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም፡ ንዑ ሰዓቡኒምስ በሎም ግን ዓይኖም ኣይሓስዩን፡ ነግ ፈረግ ኢሎም ኣይተማትኡን። ብዛዕባ ሓዳሮምን ትካሎምን ንብረቶምን ፈጺሞም ኣይተላበውን። ንጸዋዒኻ ምኽባር፡ ካብ ንላዕሊ ብምንታይ ኪግለጽ ምተኻእለ፧ ካብ ዝፈረይዋ ስድራ ቤትን ካብ ዝፈረይዎም ወለዶምን፡ ካብ ንብረቶም ንላዕሊ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ካብ ገዛእ ርእሶም ንላዕሊዮም ኣኽቢሮምዎ። ዝነበሮም ከቢድ ጾር ስድራ ቤትን ሓልዮት ሓዳርን፡ ንእኡ ኻብ ምእዛዝን ምኽባርን ፈጺሙ ኣይዓገቶምን፡ ኣይዓንቀፎምን ከኣ፡፡

ነቲ ዘርኣይዎ ዕብየት ኣኽብሮትን ዝኸፈልዎ ከቢድ መስዋእትን ክንርዳእ እንተ ዄንና፡ እዛ ጽውዓዚኣ ንኣና ኸም ዝቐረበትልና ጌርና ንሕሰብ። መንና ስድራ ቤቱን ትካሉን ስርሑን ገዲፉ ምስዓበ ይኸውን፧ ነዛ ጽውዓዚኣ እነርእዮ ወይ እንህቦ ግብረ-መልሲ፡ በቲ ኣብ ልብና ዘሎና መጠን እምነትን ኣኽብሮትን ዚውስን። ይትረፍ ነዚ ኸቢድ ዋጋ ዜኽፍል ጽውዓኡ ኽንእዘዝ፡ ነቲ ሓዳርናን ዋኒንናን እናገበርና ኽንእዘዞ እንኽእል ትእዛዛቱ ንዘይምእዛዝ እነርእዮ ምዕልባጥ ንፈልጦ ኢና ካብ ክንእዘዞ ኸነፍርሶ ዚቐልለና። ጐይታና ንሃዋርያት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንብዙሓት ካልኦትውንስዓበኒኢሉ ኣዚዝዎምዩ። ገሊኦም፡ቅድሜኻ ዚስርዑ ኻልኦት ኣለዉኒብዝዓይነቱ ግብረ መልሲ ንእኡ ምኽባር ከም ዘየገድሶም ነገርዎ (ሉቃ 959-62) ንሓደ ሃብታም መንእሰይ፡ኵሉ ንብረትካ ሼጥካ ንድኻታት ዓዲልካ ንዓ ሰዓበኒምስ በሎ፡ካባኻ ጥሪተይ ይዓብየኒ፡ ይቕሬታ ግበረለይብዜስምዕ ግብረ መልሲ ዝባኑ ሂብዎ ኸደ (ማቴ 1916-22) እዚ ዘልዓልናዮ ንጽጽርዚ፡ ኣብ ህይወትካ ንጐይታ ምኽባር ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ብስእላዊ መገዲ ኣነጺሩ ዜርእየናዩ። ጐይታና ብኸመይን መንን ኬኽብሮ ኸም ዚኽእል ኣግሂዱ ነጊሩናዩ።

እቲ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ኻባይ ኣብሊጹ ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕንዩ። ንወዱ ወይ ንጓሉ ኻባይ ኣብሊጹ ዜፍቅርውን ንኣይ ኣይበቅዕንዩ። እቲ መስቀሉ ጸይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕንዩ።ማቴ 1037,38 .

እቲንኣይ ኣይበቅዕንማለት፡ንኣይ ኬኽብረኒ ኣይክእልንማለትምበር፡ ካልእ ኣይኰነን። ነቲ ኽቡር ጐይታ ኸም መጠን ክብረቱ ኬኽብሮ ዘይክእል ሰብ ከመይ ገይሩብቑዕኪኸውን ይኽእል፧ ጐይታ ድማ ፍትሓዊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ነቶም ዜኽብርዎ ጥራሕ ከም ዜኽብር፡ ነቶም ዘሕስርዎ ድማ ከም ዜሕስር ኣይንዘንግዕ። እግዚአብሔር ነቲ ዘየኽበሮ ሊቀ ካህናት ኤሊ፦ “..... ከመይ ኢልካኸ ካብ ንኣይ ንደቅኻ ኣኽበርካ፧ ..... ኣነስ ንቤትካን ንቤት ኣቦኻን ኣብ ቅድመይ ኪመላለሱ (ኪኸብሩ) ብርግጽ (ኣተስፍየዮም) ነበርኩ። ሕጂ ግና፡ ኣነስ ነቶም ዜኽብሩኒ አኽብሮም፡ እቶም ዚንዕቁኒ (እቶም ዘየኽብሩኒ) ኸኣ ኺሓስሩዮምሞ፡ (ንዘየኽብሩኒ ምኽባርሲ) ካባይ ይርሓቕ።ኢሉ ብንጹር ኣፍለጦ (1ሳሙ 229-30)

2. ቅዱሳን ሃዋርያትን ኣርድእትንኣነ ኣብኣቶም ከበርኩዝተባህሉሉ ኻልኣይ ተግባሮም ከኣ፡ በብኽልተ ገይሩ ኺልእኮም ከሎ ዘርኣይዎ ተኣዝዞዩ። ንእኡ ምእንቲ ኺስዕቡ ካብ ስድራኦምን ስራሖምን ዝተፈልይዎ ኸይኣኽሎም፡ ሕጂ ድማ ካብኡ ኻብ ጐይታ ተፈልዮም  ኪኸዱ ይእዘዙ ኣለዉ። እዚ ምፍላይ ዚጠልብ ትእዛዝ ቀሊል ትእዛዝ ኣይኰነን። ተፈልዮም ኪኸዱ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዝዀነ ነገር ከይተማልኡ ጥራሕ ኢዶም ኪኸዱ ዚጠልብ ቀጢን (ሓያል) ትእዛዝ ምዃኑ ድማ ዝኸበደ ይገብሮ። ናይ ወርቂ፡ ናይ ብሩር ይኹን ናይ ኣስራዚ ገንዘብ ከይማልኡ፡ ንቐለብ ዚዀኖም ስንቂ ከይቋጽሩ፡ ንቕያር ዚኸውን ክዳን ወይ ሳእኒ ኸይሕዙ፡ መከላኸሊ ዚዀኖም በትሪ ኸይህልዎም ብጽኑዕ ኣዘዞም። ምሉእ ብምሉእ ንእኡ ኣሚኖምን ኣብኡ ተወኪሎምን ጥራሕ ኢዶም ኪኸዱ ኣዘዞም (ማቴ 105-10 ሉቃ 92) ብዘይ ዝዀነ ምምታእ ድማ ተኣዚዞም ብምኻድ ኣኽበርዎ። ኪልእኮም ከሎ ድማ ጥዑም መብጽዓታት እናስምዐ ዘይኰነስ፡ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰድደኩም ኣለኹእናበለ ብዛዕባ ዚጽበዮም መከራ ብግልጺ ኣፍሊጡ ዝለኣኾም። ናብ ማእከል ተዃሉ ዝኣተወት በጊዕ እንታይ ከም ዚረኽባ ኣእምሮ ንዘለዎ ዅሉ ሰብ ርዱእ (ማቴ 1016 ሉቃ 102) ተኸሲሶም ኣብ ዋዕላ ኣይሁድን ኣብ መጋባእያ ኣህዛብን ከም ዚቘሙ፡ ኣብኡ ድማ ኪግረፉን ኪቕተሉን ምዃኖም ብዘይ ዝዀነ ሕብእብእ ኣፍለጦም (ማቴ 510-12 1018,19 ዮሃ 161-3) እዚ ሓበሬታ ግን ንጐይታኦም ካብ ምኽባር ፈጺሙ ኣይዓገቶምን፡ ነቲ ዝተዋህቦም ተልእኾ ከም ዚግባእ ብምፍጻም ድማ፡ ኣብ ማእከሎም ከሎ ምሉእ ብምሉእ ኣኽበርዎ። ድሕሪ ዕርገቱ ድማ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ተደጊፎም፡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ እሙናት ምስክሩ ብምዃን ኣብ ማእከል ኣምለኽቲ ጣኦት ኣህዛብ ኣኽበርዎ። ነቲ ብቕዱስ ወዱን ብቕዱሳን ባሮቱን ገይሩ ነዚ ዚመስል፡ ንውሓት ዘመንን ብዝሒ ሓጢኣትን ዘየህስሶ ድሙቕ ኣርኣያ ዝጸገወና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።

ናይ ታሪኽ ትምህርቲ ኣይኰንናን ንመሃር ዘለና። ክንስዕቦ ዚግብኣና ኣርኣያ ብንጹር ይንገረና ኣሎ። ስለ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣቦኡ ብዛዕባና እንታይ ኰን ይብል ይህልው፧ኣነውን ኣብኡ፡ ኣብኣ፡ ኣብኣቶም ከበርኩኪብል ዚድርኾ ህይወትዶ ዀን ይህልወና ይኸውን፧ ንርእስናን ነካይዳናን እናመርመርና ኸለና፡ ናብ ቅኑዕ መገዲ ዚመርሓና ኣገዳሲ ሕቶ ኽንሓትት ይግብኣና።

ቅዱሳን ሃዋርያት ንጐይታኦም ኽሳዕ ክንዲ ኬኽብርዎ ዘኽኣሎም ባህርይ እንታይዩ፧ ጐይታና ባዕሉ ኣነጺሩ ዝገለጻን፡ ኣብ ህይወት ኵሎም ሃዋርያት ብግህዶ ዝተራእየትን ባህርይ፡ ርእስኻ ምቕባጽያ። ጐይታና፡ ነቶም ኣቕሓ ኽብሪ ኪዀንዎ ዝሓረዮም ደቀ መዛሙርቱ፦

ንህይወቱ ኼድሕና ዚደልይ ኬጥፍኣዩ፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ (ዚውፍያ) ኸኣ ኪረኽባሞ፧ ኪስዕበኒ ዚፈትው እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕልሞ፡ ይስዓበኒ።” ብምባል፡ ናይ ክርስትያን ኣገልጋሊ ይኹን ምእመን ምስጢር ዓወት እንታይ ምዃኑ ኣብሪሁልና ኣሎ (ማቴ 1624,25 ሉቃ 923,24) ወንጌላዊ ዮሃንስ ኸኣ ብዝነጸረ መገዲ ኣቐሚጡልና ኣሎ።

“(እቲ) ንህይወቱ ዚፈትዋ ኼጥፍኣዩ፡ እቲ ንህይወቱ ኣብ ዓለምዚኣ ዚጸልኣ ግና፡ ንዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋዩ።ዮሃ 1225

እቲ ንምድራዊ ህይወቱ ዘይጸልኣን ዘይቀብጻን ሰብ፡ ንጐይታኡ ዜኽብረሉ ፍቓድን ዓቕምን ከቶ ኣይርከቦንዩ። ንጐይታና ኸይነኽብሮ ዚዕንቅፈና ዘሎ፡ ንእኡ ኸነኽብሮ ፍቓደኛታት እንኸውን፡ ናትና ሰብኣዊ ኽብሪ እንተ ዘይተተንኪፉ ጥራሕ ስለ ዝዀነዩ። ንእኡ ምኽባር ንኣና ዜዋርድ እንተ ዀይኑ፡ ይትረፍ ክንመርጾ ነዛ ንኽንሓስቦ ከቢድ ጸገም ዚዀነና። ናይ ኣቦታትና ሃዋርያት ምርጫ ግን ብኣንጻሩዩ። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ ቀንዲ ተልእኾ ህይወቱ ንጐይታኡ ምኽባር ምዃኑ ስለ ዝተረድአ።

እቲ መርዓት ዘላቶ፡ ንሱ መርዓዩ። እቲ ደው ኢሉ ንእኡ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና፡ ብድምጺ ናይ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ። ንሱ ኺዓብይ ኣነ ግና ኽንእስ ይግባእ።” ብምባል ሓጐሱ ምልኣትን ፍጻመን ዚረክብ፡ ጐይታኡ ኣብኡ ምስ ዚኸብር፡ ንሱ ድማ ምስ ዚንእስ (ምስ ዚዋረድ) ምዃኑ ተኣመነ (ዮሃ 329,30) ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኑ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ድማ፡ “(ተልእኾይ) ንምፍጻም ከይሓፍር ብዓል ምሉእ ሃረርታን ተስፋንየ። ከም ዅሉ ሳዕ (ዝብሎ) ሕጂውን እንተ ዀነ (እብል ኣለኹ) እንተ ብህይወት እንተ ብሞት፡ (ብስጋይ) ንክርስቶስ ብትብዓት ከኽብሮየ።ብምባል፡ ናይ ህይወቱ ዕላማ ንክርስቶስ ምኽባር ከም ዝዀነ፡ ካብ ዕላማ ድማ ሞት ከም ዘይዕንቅፎ ተኣመነ (ፊል 220,21 .) ምእንቲ ኽብሪ ክርስቶስ ንሱን ካልኦት ሃዋርያትን ዝገበርዎን ዝዀንዎን ድማ ብኸም ዚስዕብ ብዜስተንክር መገዲ ገሊጽዎ ኣሎ።

ኣምላኽ ንኣና ሃዋርያት፡ ድሕሪ ዅላቶም ኴንና፡ ከምቶም ሞት እተፈርዶም ከም ዝገበረና፡ ይመስለኒ። ስለ ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ትርኢት መስሓቒ ዄንና ኣሎና። ንሕና ስለ ክርስቶስ ዓያሱ ኢና፡ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ጥበበኛታት ኢኹም፡ ንሕና ሕማቓት፡ ንስኻትኩም ግና ሓያላት፡ ንስኻትኩም ክቡራት፡ ንሕና ግና ሕሱራት ኢና። ክሳዕ ሕጂ ንጠምን ንጸምእን ንዓርቕን ንጽፋዕን ኣሎና፡ ማሕደር የብልናን፡ ብገዛእ ኣእዳውና እናዓየና ድማ ንጽዕር ኣሎና። እናጸረፉና ንምርቕ፡ እናሰጐጉና ንዕገስ፡ እናተሓሜና ንምዕድ ኣሎና። ክሳዕ ሕጂ ኸም ጐሓፍ ዓለምን ከም ናይ ኲላቶም ጐዱፍን ኴንና ኣሎና። “ 1ቈረ 49-13

ብኸም ተዘርዚሩ ዘሎ ኣገባብ ንህይወቱ ኬሕስር ፍቓደኛ ዘይኰነ ሰብ፡ ንክርስቶስ ብምልኣት ኬኽብሮ ፈጺምካ ኣይሕሰብንዩ።

ኣብ ህይወትካ ንክርስቶስ ምኽባር፡ ንሃዋርያት ወይ ንኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ ዝተዋህበ ተልእኾ ኣይኰነን። ናይ ነፍሲ ወከፍ ዓብይን ንእሽቶን፡ ሰብኣይን ሰበይትን ኣገልጋልን ምእመንን ክርስትያን ናይ ህይወት ተልእኾዩ። ስለ ኸኣ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ፡ ብስጋኩም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ ወዘተ ዚብልን፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ዘይጠቅስ ካልእ ብዙሕ ትእዛዛትውን ተዋሂቡና ኣሎ (1ቈረ 619,20 1031 ቈሎ 317) ንበዳሊና ብትዕግስቲ ኽንጸውር ከለና፡ ሓሶት ተጸዪፍና ሓቂ ኽንዛረብ ከለና፡ ንዚጸልኣና ኸነፍቅር፡ ንዘቐየመና ምሕረት ክንገብር ብዛዕባ ሓጢኣትና ኽንንሳሕ፡ ንዝተጸገመ ኽንረድእ ከለና ንክርስቶስ ኣብ ህይወትና ነኽብር ከም ዘለና ኣይንዘንግዕ። ብኣንጻሩ ኽንመላለስ ከለና ድማ፡ ነቲ ንክርስቶስ ናይ ምውራድ ሰይጣናዊ ተልእኾ ዕላማ ህይወትና ጌርና ንተግሃሉ ኸም ዘለናውን ነስተውዕሎ ደኣ!!

ኣብ ህይወትና ንክርስቶስ ናይ ምኽባርና ረብሓ እንታይዩ፧ ንሕና ኣብ ናይ ውርደት ስጋና፡ ኣብ ሓጻር ዕድመና ኢና ነኽብሮ። ንሱ ግና ኣብ እትመጽእ ዓባይን ክብርትን መንግስቱ ንዘለኣለም በቲ ማእለያ ዘይብሉ፡ ብሉጽ፡ ረዚን ምሉእን ክብሪ ኬኽብረና (2ቈረ 416,17) ንሕና ኣብ ሕስርቲ ዓለም ኣብ ቅድሚ መወትትን ሕሱራትን ሰባት ኢና ነኽብሮ። ንሱ ግን ኣብ ቅድሚ ክቡር ኣምላኽን ክቡራት መላእኽቱን ኬኽብረና (ማቴ 1032,33 ማር 838 ሉቃ 128,9) እቲ ንሕና ንእኡ እንህቦ ኽብሪ ክንዲ ሓንቲ ንእሽቶ በሰር ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ንሱ ንኣና ዚህበና ኽብሪ ግን ብዓይነቱ ዀነ ብመጠኑ ዝዀነ ዓይነት መግለጽን መረዳእታን ዘይርከቦዩ። ዋላ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስውን ኪገልጾ ዘይክእልዩ። ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣና ምእንቲ ኺርድኣና ተባሂሉ ንኣና ኺርድኣና ብዚኽእል ቋንቋን ኣገላልጻን ተጻሒፉ። ክርስቶስ ነቶም ኣብ ዓለምዚኣ ኣብ ስጋና ዘኽበርናዮ፡ በቲ ንሱ ዝኸበረሉ ኽብሪ ኣብ ሰማያት ኬኽብረናዩ። ከም ጸሓይ ኬድምቐና ኣብ ዝፋኑ ኬቐምጠና (ማቴ 1927-29  ሉቃ 2228-30 ዮሃ 1722-24 ሮሜ 818,19 2ቈረ 416,17 ራእ 321) ነቲ ብዘይ ምርመር ኣእምሮ መለኮት ዝተዳለወ ኽብሪ፡ ብኣእምሮ ስጋ ኽንርድኦ ኢልናውን እንተ ዘይፈተንና ዚሓይሽ። ምኽንያቱ ዓይኒ ሰብ ዘይረኣየቶ፡ እዝኒ ሰብ ዘይሰምዓቶ ብልቢ ሰብውን ዘይተሓስበ ኽብሪ ተዳልዩልና ዘሎ (1ቈረ 26-9) እቶም ንክርስቶስ ኣብ ህይወቶም ዘኽበርዎ ሰለስተ ምርኡያት ሃዋርያት፡ ነቲ ኣብ ደብረ-ታቦር ዝረኣይዎ ክብሪ ክርስቶስን ክብሪ ነብዪ ሙሴን ነብዪ ኤልያስን ኪጾርዎ ኣይከኣሉን (ማቴ 171-8) ነቶም ኣብ ምድሪዚኣ ዘኽበርዎ ዅላቶም፡ እቲ ኽብሪ ኣብ ሰማያት ይጽበዮም ኣሎ። ንምስሊ ወዱ ኽንመስል፡ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ እናተሰጋገርና ናብ ምስሊ ኣርኣያኡ ኽንልወጥ ኢና (2ቈረ 317,18) ነዚ መለኮታውን ሰማያውን ክብሪ ዚበቕዕዎ፡ እቶምኣነውን ኣብኣቶም ከበርኩተባሂሉ ዝተመስከረሎም ጥራሕዮም።

ጐይታንናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባና እንታይ ኢሉ ይምስክርን ይእመንን ይህልው፧ ርእስና ንመርምርሞ፡ ንፉዓት ጸምበልቲ በዓላት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣሰር ሃዋርያት ቋምና ደቂ ዓዶምን መዋርስቶምን ምዃንና ነረጋግጽ። ሓቀኛን እሙንን ምስክርሞ፡ኣነ ኣብኡ /ኣብኣ ከበርኩኢሉ ዚምስክረሉ ህይወት ከም ዘሎና ብዘይ ዝዀነ ውልውል ነረጋግጽ (ኤፌ 219,20)!!

ጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ሚያዝያ 15, 2015 ግዕዝ (23 ሚያዝያ 2023 ፈ  [መበል 33 ሰንበት: ቊ.፵፩/41, 2023] )

ምስባክ

መዝ.39 ፻፲፪(፻፲፫)፡፫-፬

“እምሥራቀ ፀሐይ እስከ ነዓረብ። ይትአኩት ስሙ ለእግዚአብሔር። ልዑል እግዚአብሔር መልዕልተ ኵሉ አሕዛብ።

ዓዲ፡ መዝ.፻፲፯ (፻፲፰)፡፳፬,፳፭

“ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።”

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 15፡20-41

ዲያቆን

1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 2፡22-37

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 17፡1-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦  ዘዲዮስቆሮስ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div