S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ረቡኒ”, መምህረይ በለቶ [መበል 32 ሰንበት: ቊ.፵/40, 2023]

ማርያም (መግደላዊት) ግና ኣብ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበክይ ነበረት። ..... ኢየሱስ ከኣማርያምበላ። ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ (ብቋንቋ) እብራይስጢ፡ረቡኒበለቶ። ትርጕሙመምህረይማለትዩ።ዮሃ 2011,16

ርሑስ በዓል ትንሳኤ ይግበረልና!! ነዚ ናይ 55 መዓልታት ናይ ዘመነ ጾም ጊዜ ብዓወት ወዲእና፡ ናብ ብርሃነ ትንሳኤ ምብጻሕና፡ ዓብዪ ጸጋን ምሕረትን ናይ ኣምላኽዩ። ኣብ ውሽጢ ዘመን ጾም፡ ህይወቱ ሓሊፋ ብሞት ዝተፋነወ ሰብ፡ ብቝጽሪ ኣዝዩ ብዙሕዩ። ብህይወት ምጽናሕና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ከም መጠን ዕብየቱን ኣገዳስነቱን ነዚ ዓብይ ጾም መንፈሳዊ ህይወትና ንምህናጽ እንተ ተጠቒምናሉ፡ ብርግጽ ተኻፈልቲ ናይ ተኣምራዊ ትንሳኤ ናይ ክርስቶስ ስለ እንኸውን፡ ብሓቂ ኽቡር ትዕድልትን ጸጋን ዚዀነልና። ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ከም ዜረጋግጸልና፡ ትንሳኤ ክርስቶስ ብትንሳኤና እንሓብሮ ናብራምበር፡ ዓመታዊ ጽምብል ኣይኰነን። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቶም ገና ብህይወቱ ዘለዉ ተገልገልቱ፡ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምእናበለ ይጽሕፈሎም ነበረ (ቈሎ 31) ንርእሱን ንዅላቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ሰባት ኣጠቓሊሉውን፡ምስኡ ኣተንስኣና፡ ምስኡ ህያዋን ገበረናእናበለ የስተምህር ነበረ (ኤፌ 21-7 ቈሎ 212,13) ጐይታና ዋጋ ሓጢኣትና ኸፊሉ ብሕድገት ሓጢኣት ኬድሕነና እንተ ሞተ፡ ነዚ ተልእኾኡ ኣብ ሞቱን ትንሳኤኡን ከም እንሓብር ብምግባር ዚፍጽሞ። ጐይታና ምእንቲ ምልእቲ ዓለም ዝሞተን ዝተንስአን። ብሞቱን ብትንሳኤኡን ዚረብሑ ግና፡ እቶም ኣብ ሞቱን ትንሳኤኡን ዝሓበሩ ጥራሕዮም። ንሱ ብስጋምበር፡ ብመንፈስ ኣይሞተን። ምኽንያቱ ብመንፈስ ዚመውት እቲ ሓጢኣት ዝገበረ ጥራሕዩ። ስለ ኣብ ንሱ ብስጋ ዝሞቶን ዝተንስኦን፡ ንሕን ድማ ብመንፈሳዊ ሞትን ትንሳኤን ንሓብሮ። ነቲ መንፈሳዊ ሞትና ካብ ሓጢኣት ብሙማት ነቲ መንፈሳዊ ትንሳኤና ድማ ንጽድቂ ብምንባር ኢና ንገልጾ። ጐይታና ሓንሳእን ንሓዋሩን ዝሞተን ዝተንስአን። ንሕና ግን መዓልቲ መጸ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞትን ኵነታትን ኢናንመውትንንትንስእን። ንሓጢኣት ክንኣብዮን ክንሕሰሞን ከለና፡ ምስ ክርስቶስ ከም ዝሞትና ንገልጽ። ንጽድቂ ተሓጒስና ኽንገብሮ ኸለና ድማ ምስ ክርስቶስ ተንሲኢና ንኣምላኽ ህያዋን ኴንና ከም ዘለና ንገልጽ። ንሓጢኣት ምዉታት፡ ንጽድቂ ግና ህያዋን ክንከውን ኢሉ፡ ክርስቶስ ዚኣክል ጻድቕ ኣምላኽ ሞይቱልና ኼብቅዕ፡ ንሕና ግን ብኣንጻሩ ንጽድቂ ምውታት ንሓጢኣት ግን ህያዋን ኴንና ኽንነብር እንተ መረጽና፡ እቶም ዝኸፋእና ሰቐልቲ ክርስቶስምበር፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ክርስትያን ክንስመይ ኣይንበቅዕን ኢና። እቶም ዝሰቐልዎ ኣይሁድ ናይ ውርደት ስጋና ለቢሱ ኸሎ ብምስማር ኣብ ዕንጸይቲዮም ዝሰቐልዎ። ከምኡ ዝገበርዎ ድማ ስለ ዘይኣመንዎን ስለ ዝጸልእዎንዩ። ንሕና ግንኣምላኽና፡ መድሓኒናኢልና ዝኣመንና ህዝቢ ኽነስና ኢና ብሓጢኣትና ደጊምና ንወግኦን ንስቕሎን ዘለና። ከም ናታቶም ናይ ውርደት ስጋ ለቢሱ ኸሎ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ኣቦ ብኽብሪ ኣብ ዝተቐመጠሉ ናይ ክብሪ ዘመኑ ኢና ነዚ በደል ንፍጽሞ ዘለና። ከም እናገበርካበዓል ትንሳኤምብዓልከ ምስ ምንታይ ይቝጸር፡ ባዕልካ ናይ ዝቐተልካዮ ሰብ መቓብር ብእምነ-በረድ (ማርሞ) ከም ምጽብባቕዶ ኣይኰነናን፧ ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ብዛዕባ ሓጢኣትን ጽድቅን ኪህልወና ዚግባእ ርድኢት ኣነጺሮም ገሊጾምልናዮም። ንበዓልና ዀነ ንህይወትና ትርጕምን ተቐባልነትን ዜውህቦ ድማ በዚ ሃዋርያዊ ሓቂ እንተ ተመራሕና ጥራሕዩ።

ንሓጢኣት (ምውታት ኴንና) ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ (ክርስቶስ) ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጸይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።” 1ጴጥ 224

ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም (ንጽድቂ ኸም ዝተንሳእኩም) ርእስኽም ቍጸሩ።(ሮሜ 611)

እቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን (ናይ ወንጌል) ዝተቐበሉ፡ ሰማያዊ ውህበት ከኣ ዝጠዓሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስውን ዝዀኑ፡ ነቲ ሰናይ ዝዀነ ቓል ኣምላኽን ሓይሊ ናይ እትመጽእ ዓለምን ዝጠዓሙ፡ (ፈትዮም ናብ ሓጢኣት) እንተ ወደቑ፡ ንወዲ ኣምላኽ ብገዛእ ፍቓዶም ከም ብሓድሽ ሰቒሎም መላገጺ ስለ ዝገበርዎ፡ ብንስሓ ኪምለሱ ኣይከኣልንዩ።እብ 64-6 . (እብ 1026-31)

ትርጒም ናይብንስሓ ኪምለሱ ኣይከኣልንኣብ ምስጢረ ንስሓ ብዝርዝር እንመሃሮ)

ነዚ ንሓጢኣት ምዉታት ንጽድቂ ግን ህያዋን ኴንና ምትንሳእና፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናትንሳኤ ሕልና ወይ ትንሳኤ ልቦና (ትንሣኤ ኅሊና፡ ትንሣኤ ልቡና) ብምባል ትገልጾ። ንትንሳኤ ክርስቶስ ኬብዕልዎ ዚግብኦም። እቶም ኣብ ትንሳኤ ሕልና ዘለዉን ዚነብሩን ጥራሕዮም። ብብልዕን መስተን፡ ብጨርቅን ወርቅን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብመንፈስዮም ዜብዕልዎ። ድርብ ትንሳኤ ስለ ዜብዕሉ ኸኣ ንበዓሎም ክብርን ድምቀትን የጐናጽፎ። ናይ ጐይታኦም ትንሳኤን ናይ ገዛእ ርእሶም ትንሳኤንዮም ዚጽምብሉ። እቶም ንሓጢኣት ምዉታት ምዃን ኣጽሊእዎም። ብሓጢኣት ምውታት ኪዀኑ ዝመረጹ ግና፡ ንኸብዶምን ንልማዶምን ደኣዮም ዜብዕሉሉምበር፡ ንክርስቶስውን ኣይኰነን።ምኽንያቱ በቲ ሓጥእ ኣካይዳኦም ጸረ ትንሳኤ ምዃኖም ብወግዒ ዘረጋገጹዮም። እዛ ክብርትን ቅድስትን ዕለተ ትንሳኤምበኣር፡ወገነይ ዲኻ ጸላእየይ፧ኢላ ትብድሃና ኣላ፡ውሉድ ትንሳኤ ዲኻ ጸረ ትንሳኤ፧ ተንሲእካ ዲኻ ወይስ ገና ምዉት ኢኻ ዘለኻ፧ ትንሳኤ ጽምብልካ ድዩ ናብራኻ፧ኢላ ዘይስገር ሕቶ ትሓትተና ኣላ።

ቅዱስ ያሬድ ነዚ ቕዱስ ዕለት ዝደረሶ ድንቂ መዝሙር፡ይትፌሣህ ሰማይዘርእስቱዩ። ኣብ ዳግማይ ትንሳኤን ኣብ በዓለ መንፈስ ቅዱስንውን እዚ መዝሙር ዚዝመር። ናይ ዕለት ሰበኽቲ ወንጌል መልእኽቲ ናይ መዝሙር ኣኣብ መድረኾም ኪትርጒምልናዮም። ነዚ መዝሙር መሰረት ብምግባር ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ ዮሃ 201-18’ዩ። ኣብ ኽፍሊ ንባብዚ፡ እታ ቐንድን ጒልሕትን ገጸ-ባህርይ (Character) ድማ፡ እታ ንቕዱሳን ሃዋርያት ቀዲማ በዅሪ ምስክር ትንሳኤ ኽትከውን ጐይታ ዝሓረያን ዘኽበራን ቅድስቲ ማርያም መግደላዊትያ። መግደላዊት ዝተባህለትሉ ምኽንያት፡ ጓልመግደላዝተባህለት ዓዲ ስለ ዝዀነትዩ። ወንጌላዊ ሉቃስን ወንጌላዊ ማርቆስን ተሪኾምልና ኸም ዘለዉ፡ ብሾብዓተ ኣጋንንቲ ትሳቐይ ዝነበረት፡ ግዳይ ኣጋንንቲ ዝነበረት (ማር 169 ሉቃ 82,3) ኣጋንንቲ ድማ ኣሽንኳይ ሾብዓተ ዀይኖም ሓደ መስርዕ ኣኺሎምሲ፡ ነዛ ንውልቁ ሓደ ዀይኑ ኸመይ ከም ዜሳቕይን ከም ዜዋርድን ቅዱሳት ጽሑፋትን ኣብ ከባቢና ንዕዘቦ ተመክሮታትን ኣጸቢቕና እንፈልጦ ሓቂዩ። ቅድስቲ ማርያም መግደላዊት ድማ ነቲ ኻብ ከም ዝበለ መሪር ስቓይን ውርደትን ዝገላገላ ጐይታ፡ መግለጽን መዳርግትን ብዘይርከቦ ፍቕሪ ዘፍቀረት ቅድስቲ ኣደያ። ክሳዕ ሞት ክሳዕ መቓብር ዝሰዓበቶ እምንቲ ጓል መዝሙሩያ። ኵሎምቶም ተባዕትዮን ሃዋርያትን ንበይኑ ሓዲጎምዎ ኣብ ዝሃደሙሉ እዋን፡ ጓለንስተይቲ ዀይና ምስ ቅድስቲ ወላዲቱን ካልኦት ብእምነት ኣሓታ ዝዀና ኣንስትን ኣብ እግሪ መስቀሉ ዝቘመት ተባዕ ኣደያ። ብገዘፍቲ መሳምር መሓውሩ ኺሽንክርዎ ኸለዉ በዒንታ ዝረኣየት፡ ገዓር ቃንዛኡ በእዛና ዝሰምዐትያ። ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ገኒዞም ናብ መቓብር ኪወስድዎን ኪቐብርዎን ከለዉ፡ ካብቶም ውሑዳት ቀበርቱ ሓንቲያ። ብዘይካ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ዳርጋ ዅላቶም ሃዋርያትን ኣርድእትን ናይ ስቓይ ምስክር ኪዀኑ ኣይበቕዑን።

ንፍቕሪ ማርያም መግደላዊት፡ ሞትን መቓብርንውን ኬሰንፎ ኣይከኣለን። ንሬሳኡ ብቕዲት ክትቀብእ፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሃ ገስገሰት። ንቅዱስ ጴጥሮስን ዮሃንስን ነጊራ ሒዛቶም መጸት። ንሳቶም ብብዙሕ ፍርሃት ተዋሒጦም ስለ ዝነበሩ፡ ሬሳኡ ኸም ዘየልቦ ምስ ኣረጋገጹ፡ ኣብ መቓብር ደው ኣይበሉን፡ ዝባኖም መሊሶም ናብ መዕቈቢቶም ከዱ። እዛ ብፍቕሪ ጐይታኣ ዝነደደት እምንቲ ሰበይቲ ግን፡ ካብ ባዶ መቓብሩውን ክትፍለይ ኣይመረጸትን።ሙማቱ ኸይኣክል፡ መቓብሩ ፈንቂሎም ሬሳኡ ሰሪቖምዎኢላ ኣብ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ መሪር ብኽያት ቐጸለት። ጐይታ ግን ነዛ ኻብ ሞት ብዚሕይል ፍቕሪ ዘፍቀረቶ እምነቲ ባርያኡ፡ ንትንሳኤኡ ብሓዘንን ብብኽያትን ከተሕልፎ ስቕ ኪብላ ኣይኰነሉን። ስለ ክልተ ኻብ ቅዱሳን መላእኽቱ ልኢኹ፡ ኣብ ትርኣስን ትርጋጽን ናይ መቓብሩ ኣቘሞም።ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፡ምስ በልዋ፡ እታ ንሃዋርያት ዝነገረቶም ቃል፡ንጐይታይ ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥንበለቶም። እቲ ዕዙዝ ፍቕራ፡ ነቶም ብዓይኒ ስጋ ዘይረኣዩ ቅዱሳት መላእኽቲ ኽትርእይ ኣብቅዓ። ጐይታ ግን ብመላእኽቲ ጥራይ ኪዛረባን ኬበስራን ኣዝዩ ንእሽቶ ኰይኑ ተራእዮ። ስለ ምስቶም ቅዱሳን መላእኽቲ ዝጀመረቶ ዝርርብ ገና ኸይወድኣቶ ኸላ፡ ብድሕሪኣ ቘመ። እንተ ድምጺ ሰሚዓ፡ እንተ ብርሃን ርእያ፡ እንተ ግርማ መለኮቱ ተፈሊጥዋ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኣ ዘሎ ግሩም ትርኢት መላእኽቲ ሓዲጋ፡ ናብ ድሕሪኣ ግልጽ በለት። ብግርማ ትንሳኤ ተራእይዋ እንተ ዚኸውን፡ ሓላው ኣታኽልቲ ኣይምመሰላን ነይሩ። ኢየሱስ ከኣ፡ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፡ ንመንሲ ትደልዪ ኣለኺ፧ኢሉ ሓተታ። ብድምጹ ኣየለለየቶን፡ ነምዑትካ ዜናውጽን ከብዲ ዚበልዕን መልሲ ግን ሃበቶ። “(ንሬሳ ጐይታይ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒዚብል መልሳ ዘይጽወር ስምዒት ዚፈጥርዩ።እንሆለኢሉ እንተ ዚህባ፡ ነቲ ሳልስቲ ዝገበረ ኪብስብስ ዝጀመረ ሬሳ እንታይ ኽትገብሮ፡ በይና ድያ ተሰኪማቶ ኽትከይድ፧ ወይስ ነቶም ገና ብህይወቱ ኸሎ ዝሓደግዎ ደቀ መዛሙርቱ ኽትጽውዖም፧ ድሕሪ ግን ጐይታ፡ ርእሱ ኻብኣ ኺስውር ልቡ ኣይፈቐደሉን። ነታ ስማ እናጸውዐ ዝጓስያ በጊዑ፡ማርያምኢሉ ጸውዓ። ርእሱ ብምግላጽ ነቲ ዕዙዝ ፍቕራ ኣኽበሮ። ናይ ብስማ እናጸውዐ ዘውፈራን ዘእተዋን ጓሳኣ ድምጺ ምስ ሰምዐት፡ ኣለለየቶሞ፡ ነቲ ናይ ዮሃ 102-5 ቓሉ ብግብሪ ፈጸመቶ። ብሞት፡ ብፍርሃት ይኹን ብዝዀነ ዅነታት ዘይስነፍ ፍቕሪ፡ ከም ገይሩ ዜኽብረካ። በዅሪ ምስክር ትንሳኤ ይገብረካ። ናይቶም ምስክር ትንሳኤኡ ኪዀኑ ዝተሓርዩን ዝተቐብኡን ሃዋርያት፡ ኣበሳሪ ይገብረካ። ነቲ ብስራት ድማ ካብ ልሳን ሰብ ወይ ካብ ልሳን መላእኽቲ ዘይኰነስ፡ ካብ ልሳን ናይ ንጉስ ትንሳኤ ትሰምዖ፡ በዒንትኻ ድማ ትርእዮ። ቅዱሳን ኣቦታትና፡ፍቅር ሰሓቦ ለወልድ ሓያል እም መንበሩ “(ፍቕሪ ነቲ ሓያል ወልድ ካብ መንበሩ ሰሓቦ (ኣውረዶ) ኸም ዝበሉ፡ እዛ ፍቕሪዚኣ ኣብ ሰብ ክትሓድር ከላ ድማ ከም ናይ ቅድስቲ ማርያም መግደላዊት ገይሩ ንላዕሊ ናብ ክብሪ የደይቦ። ጐይታና ባዕሉ፡

ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብኻን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ። እታ (ዓባይን) ቀዳመይትን ትእዛዝ እዚኣያ።

ኢሉና (ማር 1230 ማቴ 2237,38) ቅድስቲ ማርያም መግደላዊት ነዛ ትእዛዝዚኣ ብፍጹምነት ዝተግበረት። ነታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ ስለ ዘቐደመት፡ ቅድሚ ዅሉ ተሰርዐት። ነታ ዓባይ ትእዛዝ ስለ ዘዕበየት፡ ልዕሊቶም ዓበይቲ ዓበየት። እቲ ንፍቕሪ ዜቐድምን ዜዕብይን እግዚአብሔር ወልድ ኸኣ ኣብ እምንቲ ባርያኡ እሙንነቱ ኣግሃደ። ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ መኽፈት ኣፉ ዀይና ካብ ኣፉ ዝወጸት በዅሪ ቓል፡ማርያምኰነት። ነቲ ዝተንስአ ንጉስ ትንሳኤ ብዓይና ዝረኣየት በዅሪ ሰብ፡ ካብ ልሳኑ ስማ ኺጽዋዕ ዝሰምዐት በዅሪ ሰብ፡ ጸዋሬ ብስራት ኰይና ንቅዱሳን ሃዋርያት ትንሳኤ ዘበሰረት በዅሪ ምስክር ትንሳኤ፡ በዅሪ ኣበሳሪት ዕርገት = ማርያም መግደላዊት!!

እዛ ንምድሓን ዝለበመት፡ ብፍቕራ ዝኸበረት፡ በዅሪ ምስክር ትንሳኤ ኽትከውን ዝተዓደለት፡ ብስማማርያምኢሉ ምስ ጸውዓ፡ ንምንታይመምህረይኢላ ዝጸውዓቶ፧ ንምንታይጐይታይዘይበለቶ፧ ንሃዋርያትንጐይታና ወሲዶምዎ ነቶም ቅዱሳን መላእኽቲውንንጐይታይ ወሲዶምዎኢላ ብጐይትነቱ ሰምያቶያ።ጐይታይምባል ንማርያም ጋሻን ጓናን ኣይኰነን። ባዕሉ ብልሳኑ ስማ ምስ ጸውዐ ግን፡መምህረይክትብሎ መረጸት። ምኽንያቱ ነቲ ደድሕሪ እግሩ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ደድሕሪ ሬሳኡ ገና ጸልማት ከሎ ዘገስገሳ፡ ዝርንዛሕ ዘንብዓ፡ነቲ ዝወሰደለይ ክወስዶ ኣበይ ኣሎ፧ እናበለ ዘለመና ፍቕሪ ኻብኡ ተማሂራቶ። ነቶም መስርዕ ኣጋንንቲ ኻብ ውሽጣ ምስ ነቐለላ፡ ንእኡን ንቓሉን ኣብ ልባ ኣስፈረቶ። ኣብ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ፡ ብጸላእቱ ቕድሚ ምትሓዙ ዝነበረት ምሸት፡ ጐይታና ሕቘኡ ተዓጢቝን ተደቢሩን እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ድሕሪ ምሕጻቡ፡

ንስኻትኩም <መምህርን ጐይታን> ትብልኒ ኣለኹም፡ ኣነ ኸምኡሞ፡ ጽቡቕ በልኩም። ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩስ፡ ከም ኣነ ኣባኻትክም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም ኣለኹሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሓጽቡ ይግብኣኩምዩ።ዚብል ግብራዊ ትምህርቲ ሃቦም (ዮሃ 1313-15) ካብ ትምህርትን ኣካይዳን ናይ ፈሪሳውያን ኪጥንቀቑ ኣብ ዝመዓዶም መዓልቲውን፦ “(ፈሪሳውያን) ኣብ ዕዳጋ ኺሳለምዎም፡ ብሰብውን <መምህራን> ኪብሃሉ ይፈትው። ንስኻትኩም ግን መምህርኩም ሓደ እዩሞ፡ (ንሓድሕድኩም) <መምህራን> ኣይትብሃሉ፡ ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም።

ንምባል መምህርነቱ ገሊጹ (ማቴ 238) ካብቶም ጐይታና ንቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ዝሰርዓላ ኣገልግሎታት (Officer) ሓደ መምህርነት ከም ዝዀነ እቲ ብቕድሳን ሃዋርያት ዝገለጾ ቓሉ ዘረጋገጾ ሓቂ (ኤፌ 411-13 1ቈረ 1228-30) ቅዱስ ጳውሎስ መምህር ወንጌል ንምዃን ብጐይታ ኸም ዝተሾመ ደጋጊሙ ተኣሚኑ ኣሎ (1ጢሞ 27 2ጢሞ 111) ስለ ባዕሉ መምህራን ሾይምዎም ኬብቅዕ፡መምህራን ኣይትበልዎም፤ ኣይብልንዩ። በቲ ንሱ ዝሃቦም ውህበት ጸጋ ነቲ ወሃቢ ገይታ ኬኽብሩሉምበር፡ ከም ፈሪሳውያን ክብሪ ኣምላኽ ንምስራቅ ከይጥቀሙሉ ዘጠንቀቐ። ኣብኣቶም ሓዲሩ ብኣታቶም ገይሩ ዚምህር ባዕሉ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ክውን መምህርን ንሱ በይኑዩ። ክርስቶስ ኣብኡ ሓዲሩ ዘይምህር ሰብ፡ ብርግጽ መምህር ኣይኰነን። ስለ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ፦

እቲ (ብዛዕባ ሃዋርያነተይ) እትደልይዎ (መረጋገጺ ምስክር) ማለት ክርስቶስ ኣባይ ሓዲሩ ከም ዚዛረብ ክትፈልጡ ኢኹም። ክርስቶስ ኣብ መንጎኹም ብሓይሊምበር፡ ብድኻም ኣይኪግለጽንዩ።

ብምባል፡ ባዕሉ ብኣካል ደው ኢሉ ይምህር እንተ ሃለወ፡ እቲ ዚምህር ግና እቲ ኣብ ውሽጡ ዀይኑ ዚዛረብ ክርስቶስ ምዃኑ ኣረጋገጸ (2ቈረ 133 .) ስለ እንተ ብቐጥታ ባዕሉ ተዛሪቡ፡ እንተ ብመገዲ ልኡኻቱ ተዛሪቡ፡ እቲ እንኮን ሓቀኛን መምህር ንሱ በይኑዩ። ነቶም 12 ሃዋርያቱን 70 ኣርድእቱን ኪልእኮም ከሎ፡ እቲ ዚወሃቦም ጥራሕ ኪዛረቡምበር፡ ብዛዕባ ዚዛረብዎ ከይጭነቑ ይእዝዞም ነበረ (ማር 1311 ማቴ 1019 ሉቃ 1211 214)

ንናይ ጐይታና መምህርነት ኣዝዩ ዝተፈልየ ኽብሪ ዜውህቦ ድማ ብቓል ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብግብራዊ መገዲውን ዚምህር ምዃኑዩ። እቲ ኣብ ዮሃ 1313-15 ዘንበብናዮ ናይ ሕጽበት-እግሪ ኣርኣያ ሓደ መረጋገጺዩ። ኣብ ንጽዑራት ዝገበሮ ቅዱስ ጽውዓውን ግብራውነቱ ብግሩም መገዲ ገሊጽዎ ኣሎ።

ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህየ፡ ልበይውን ትሑትዩ፡ ኣርዑተይ ፈኵስ፡ ጾረይውን ቀሊልሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተመሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።ማቴ 1128-30

ማርያም መግደላዊት ነዚ ጽውዓ ሰሚዓን ተቐቢላን ናብ ዕረፍቱ ዝኣተወት ሰብያ። ዅሉ ነገር ካብኡ ስለ ዝተማህረቶ ኸኣ፡ ብምሉእ ልባመምህረይበለቶ። ከም ማርያም ሓብቲ ኣልኣዛር ኣብ እግሩ ኾፍ ኢላ ትመሃር ዝነበረትሞ፡ ጐይታ ድማ ብዛዕባ ዝመረጸቶ ግደ ዘድነቓ፡ እቶም ንመምህርነቱ ዜኽብሩ ዅሎም ጐይታ የድንቖምን ይንእዶምንዩ።

“(ማርያም) ከኣ ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቓ እግሪ ኢየሱስ ተቐሚጣ ነበረት፡ ኢየሱስ ድማ፡ማርታ ማርታ፡ ብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን ኣለኺ እቲ ዜድልይ ግና ሓደ ጥራሕዩ፡ ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውስድ ግደ ሓርያ ኣላኢሉ መለሰላ።ሉቃ 1038-42

ነቶም ንመምህርነቱ ዚቕበሉን ዜኽብሩን፡ ዘይውሰዶም ዘይስእንዎ ግደ ዝመረጹ ለባማት ምዃኖም መስከረሎም። ነታ እተድልይ ሓንትን ቀንድን ነገር ዘለለይዋን ዝረኸብዋን ብልህታትዮም። ንቅድስቲ ማርያም ዋላ ድሕሪ ሞቱውን ደድሕሪ ሬሳኡ ኽትከይድ ዝገበራ፡ እዚ ብልህነትን ልቦናንዩ። ንሳ ከም ምዉት ኣብ ማእከል ምዉታት እናደለየቶ ኸላ ግን፡ ካብ ምዉታት ተንሲኡ ራእሲ-ህይወት ኰይኑ ጸንሓ። ብዘይ ናቱ ትምህርቲ ኽትነብር ክሳዕ ዘይትኽእል ብመንፈሳውነታ ኣዝያ ዓብያ ስለ ዝጸንሐት፡ ነቲ ምፍላዩ ክትጾሮ ኣይከኣለትን። ስማ ብልሳኑ ምስ ተጸውዐ ድማ፡ በቲ እንኮ ዜድልይን ካብኣ ዘይውሰድ ግደን፡መምህረይኢላ ሰመየቶ። እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብመለኮቱ ኰነ ብትስብእቱ እቲ ዝሓየለ መምህርዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ንዅሎም ቅዱሳኑ ዝመሃረ ባዕሉዩ። እቶም መምህርነቱ ዘፍቀሩ ዅላቶም ድማበጃኻ መገድኻ ኣፍልጠኒ፡ መሃረኒእናበሉ ይምሕጸንዎ ነበሩ። ኣብ ሓድሽ ኪዳንውን፡ ጸላእቱ ኸይተረፈ ኽሳዕ ዚእመኑን ዚድነቑን፡ መምህርነቱ ኣግሃደ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ጐይታና ኣብ ምድሪ እናመሃረ ኸሎ፡ ጸረ ክርስቶስ ዝነበረ። ብጸዳል ብርሃን ተገሊጹ መገዱ ምስ ኣቕንዓሉ ግን፡ ጐይታና ባዕሉ ወንጌል ምሂሩ እቲ ዝበለጸን ዝሓየለን ሃዋርያ ገይሩ ሃነጾ። ቅዱስ ጳውሎስውን ብኸም ዚስዕብ ባዕሉ ተኣመነ።

ኣቱም ኣሕዋተይ እቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ወንጌል፡ ካብ ሰብ ከም ዘይኰነ አፍልጠኩም ኣለኹ። ..... ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለጸለይምበር፡ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን፡ ብሰብውን ኣይተመሃርክዎን።ገላ 111,12 .

ስለ ድሕሪ ዕርገቱውን፡ ነቶም ብዓይኒ ስጋ ዘይረኣይዎን ኣብ ትሕቲ እግሩ ተቐሚጦም ኪመሃሩ ዕድል ንዘይረከቡን፡ መምህራንን ሃዋርያትን ክሳዕ ምዃን ዚምህር ህያው መምህርዩ። እቲ ንክርስቶስ መምህሩ ዝገበረ ከም ማርያም መግደላዊት ዚኸውን። ዋላ ዘጋጠምዎ ዅነታት ጐይታኡ ምስኡ ኸም ዘየለ ከም ዝሓደጎ እንተ ነገርዎ፡ ንጐይታኡ ኣይጠራጠሮን ኣይቀበጾንዩ። ነታ ንጐይታኡ ምድላይ ብጻይን መኻይድትን እንተ ሰኣነላ ንመምህሩ ምድላይ ኣየቋርጽንዩ። ብሞት ኣይዕገትን፡ ብናይ መቓብር ባዶነት ኣይዕንቀፍንዩ። ምኽንያቱ መምህሩ ኸምኡ ኣይመሃሮን። ዘይውሰድ ግደ ስለ ዝሓረየ፡ ዘጋጠምዎ ዅነታት ነቲ ንመምህሩ ዘለዎ እምነትን ፍቕርን ኪወስዱሉ ኣይክእሉንዮም።

ንሕናኸ ንክርስቶስ ጐይታና፡ መምህርና ደዀን ጌርናዮ ንኸውን፧ ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቱ፡መምህርን ጐይታንኢሎም ከየጕደሉ ይሰምይዎ ነበሩ። ንሕና ግናጐይታናእምበር፡መምህርናኢልና ኣይንጽውዖን ዘለና። ኣሰር ናይቶም ኣርኣያታትና ኣይሰዓብናን። ካብኡ ንመሃር እንተ ንህልው፡ ንመምህርነቱ ኣይምረሳዕናዮን ኔርና። ነቲካባይ ተመሃሩዝበሎ ምኽሩን ትእዛዙን ነኽብሮሞ፡ ነቲ ዘይውሰድ ግደ ንሕረይ።ተመሃራይ ከም መምህሩ እንተ ዀነ ይኣኽሎ ኢሉና ኣሎሞ፡ ከምኡ ምእንቲ ኽንከውን ተመሃሮኡ ንኹን ስለመምህረይ ምሃረኒኢልና ብጸሎት ንማሕጸኖ። ብዘይ መምህር ምንባር፡ ምስ ሞትምበር፡ ምስ ህይወት ኣይቝጸርንሞ፡ ኣሰር ቅድስቲ ማርያም ስዒብና፡መምህረይንበሎ፡ መምህር ህይወትናውን ንግበሮ።

ጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ሚያዝያ 8, 2015 ግዕዝ (16 ሚያዝያ 2023 ፈ  [መበል 32 ሰንበት: ቊ.፵/40, 2023] )

ምስባክ

መዝ.39 ፸፯(፸፯)፣፷፭-፷፮

"ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም። ወከመ ኃያል ወኅዳገ ወይን። ወቀተለ ፀሮ በድኅሬሁ።"

ዓዲ፡ መዝ.፻፲፯(፻፲፰)፡፳፬,፳፭

"ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።"

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 15፡20-41

ዲያቆን

1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 2፡22-36

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 20፡1-18

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦  ዘዲዮስቆሮስ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div