S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንኣምላኽ ፍረ ኽንፈርይ [መበል 30 ሰንበት: ቊ.፴፰/39, 2023]

 ኣሕዋተይ፡ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም፡ ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ኽንፈርይ፡ ንኻልእ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ (ክርስቶስ) ኽትኰኑ፡ ብስጋ ክርስቶስ ካብ ሕጊ ሞትኩም።” 1ጴጥ 221

እዚ ሰንበት ሻብዓይ ሰንበት ናይ ዘለናዮ ዓብይ ጾምዩ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ድማዘኒቆዲሞስተባሂሉ ይጽዋዕ። ኒቆዲሞስ፡ ብዓሌቱ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ፈሪሳዊ ሊቅ ኰይኑ፡ ሕቡእ ወደ መዝሙር ናይ ጐይታና ነበረ። በቶም ፈሪሳውያን ብጾቱ ምእንቲ ኸይንጸግ፡ ብለይቲ ተሓቢኡ እናመጸ ኻብ ጐይታ ይመሃር ነበረ። ብዛዕባ ዳግም ልደት ብንጹር ዝተገልጸሉ ቐዳማይ ሰብ ናይ ምዃን ክብሪ ዝረኸበ ሰብ ድማ ኰነ። እቲ ኻብ ማይ ብምስጢረ ጥምቀት፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ብምስጢረ ሜሮን እንረኽቦ ዳግማይ ልደት ምስ ክርስቶስ ሞይትና ብምትንሳእ እንረኽቦ ጸጋዩ።

ነዚ ዕለት ተሰሪዖም ካብ ዘለዉ ንባባት ሓደ፡ እዚ ናይ ሮሜ 71-14 ንባብዩ። ካብ ንባብ ተመሪጹልና ዘሎ ኣርእስቲ ድማ፡ ነቲ ብምስጢረ ጥምቀት እንሞተሉን ብምስጢረ ሜሮን ህያዋን እንዀነሉን ዕላማ ዚገልጸልናዩ። ዕላማ ዳግማይ ልደት ናይ ክርስቶስ ወገንን ኣካልን ብምዃን ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ኽንፈርይ ምዃኑ መሪሕ ጥቕስና ኣረጋጊጹልና ኣሎ። እዚ ዕለትዝን እቲ ንእኡ ዚስዕብ ሰሙንን ብዛዕባ ዳግማይ ልደትናን ብእኡ ዝፈረናዮ ፍረን ከነስተንትንን ርእስና ኽንምርምርን ዝተሰርዓልናዩ። ካብ ሃዋርያዊ መሪሕ ጥቕስና፡ ሰለስተ ዓበይቲ ሓሳባት ክንግንዘብ ንኽእል ኢና።

1. ንኣምላኽ ፍረ ኽንፈርይ፦ ከም ምድሪ ንኣና ኢላ እትፈርይ ንሕና ኸኣ ንኣምላኽ ኢልና ኽንፈርይ ይግብኣናዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኪገልጸልና ኸሎ፦

ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢናሞ፡ ንስኻትኩም ከኣ ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።ኢሉና (1ቈረ 39) ኣምላኽ ግራቱ ዝገበረና ኸኣ ምእንቲ ኽንፈርየሉ ኢሉዩ። ጐይታና ብምስላ ኼስተምህረና ኸሎውን፡ ኣርባዕተ ዓይነት መሬት ገይሩ መሲሉና (ማቴ 133-23) ብዛዕባቶም ንኣምላኽ ፈሊጦምዎን ጸጋታቱ ተኻፊሎምን ኬብቅዑ፡ ሓጢኣት ዚፈርዩ ሰባት ኪገልጽ ከሎ፡ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ፡ ብምድሪ (ብግራት) መሲሉ ዝጸሓፈ።

እታ ብዙሕ ጊዜ፡ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናም ዝሰተየት ምድሪ፡ ነቶም ንረብሓኦም ዚሓርስዋ ዚጠቅም ፍረ እንተ ሃበቶም፡ ካብ ኣምላኽ በረኸት ትቕበልያ። እሾዅን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፡ መርገም ኣብ ልዕሊኣ ዘንጠልጠለ፡ ጥቕሚ ዘይብላ ምድሪ መወዳእታኣ ኸኣ ምንዳድዩ። እብ 67,8

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ግራት ኣምላኽ ምዃንና ኼዘኻኽረናምበር ናይ ስነ-ሕርሻ ኣስተምህሮ ኺህበና ኣይኰነን ብዛዕባ ምድሪ ኣብነት ዝሃበና። ስለ ንኣምላኽ ፍረ ምፍራይ ናይ ህይወትና ጽውዓን ተልእኾን ምዃኑ ወርትግ ክንዝክሮን ከነተግብሮን ይግብኣና።

2. ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ ክርስቶስ ክትኰኑ፦ ናይ ምፍራይና ዕላማ ናይ ክርስቶስ ምእንቲ ኽንከውንዩ። እቲ ዘይፈርይ ሰብ ናይ ክርስቶስ ኪኸውን ኣይክእልንዩ። ጐይታና ባዕሉ፦

ኣነ ናይ ሓቂ ጒንዲ ወይኒየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይዩ። ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈርይ ዘበለ ኵሉ ጨንፈር (ኣቦይ ካባይ) የርሕቖ። ነቲ (ኣባይ ዘሎ) ፍረ ዚፈርይ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈርይ፡ (ኣቦይ) የጽርዮ። ኣባይ ጽንዑ፡ ኣነውን ኣባኻትኩም (ክጸንዕ) ጨንፈር ኣብ ጒንዲ ወይኑ እንተ ዘይጸንዐ፡ ካብ ርእሱ ኺፈርይ ከም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም ከምኡ ኢኹም። . . . እቲ ኣባይ ዚጸንዕ፡ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ ብዙሕ ፍረ ዚፈርይ። . . . ብዙሕ ፍረ እንተፈረኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም። . . . ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን፡ ፍረኹምውን ነባሪ ኪኸውን፡ . . . ነዚ መደብኩኹም።

ኢሉና ኣሎ (ዮሃ 151,2,4,5,8,16) ስለ ምስ ክርስቶስ ዜዛምደና ፍሬናዩ። እንተ ፈረና ምስኡ ንነብር፡ እንተ ዘይፈረና ኸኣ ተቘሪጽና ንድርበይ። እምበኣር ናይ ክርስቶስ ወይ ዘይናይ ክርስቶስ ዚገብረና፡ ምእማንናን ዘይምእማንና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ምፍራይናን ዘይምፍራይናንዩ። እዚ ሓቂ ድማ ኣብ ወንጌል ብተደጋጋሚ ተገሊጹልና (ማቴ 310-12)

ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዅዶ ወይኒ ይቕንጠብዩ። ካብ ተዀርባስ በለስ (ይቕንጠብ ድዩ፧) ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈርይ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈርይ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈርይ፡ ወይ ከኣ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈርይ ኣይኰነሉንዩ። ጽቡቕ ፍረ ዘይፈርይ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቚረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበይ። እምበኣርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም።ማቴ 716-20

ኦም ብፍሪኡ ይፍለጥሞ፡ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ (ይኸውን) ወይ ከኣ ነቲ ኦም ክፉእ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ክፉእ (ይኸውን)ማቴ 1233

ስለ ከም ኣምላኽ ብፍረና ዚመዝነና፡ ንሕናውን ናይ ኣምላኽ ምዃንናን ዘይምዃንናን ንህይወትና ብፍረና ኽንመዝና ዚግብኣና። ፍረ-ህይወትና ሓጢኣት ክነሱ ንርእስና ገና ናይ ክርስቶስ ክርስትያን ከም ዝዀንና ጌርና ንቘጽራ እንተሊና፡ ብዝተጠበረ ልቢ ንመላለስ ኣለና ማለትዩ።

3. ብስጋ ክርስቶስ ካብ ሕጊ ሞትኩም፦ እዚ ሃዋርያዊ ቓልዚ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ክንፈርይን ናይ ክርስቶስ ምእንቲ ኽንከውንን፡ ከም ዝሞትና ዚነግረና ዘሎ። ከመይ ገይሩ ሞት ፈረይቲ ዚገብረና፧ ሞት ደኣ መጥፍኢናዶ ኣይኰነን፧ ብክርስቶስ ዝኣመንና ኻብ ሞት ምእንቲ ኽንድሕንዶይኰነን፧ ጐይታና ባዕሉን ቅዱስ ሃዋርያኡ ጳውሎስን ከይሞትካ ምፍራይ ከም ዘየለ ኣረጋጊጾምልናዮም።

ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘየወደቐትን እንተ ዘይሞተትን፡ በይና እትነብር። እንተ ሞተት ግና፡ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈርይ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ንህይወቱ ዚፈትዋ ኼጥፍኣዩ። እቲ ንህይወቱ ኣብ ዓለምዚኣ ዚጸልኣ (ምእንታይ ዜጥፍኣ) ግና ንዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋዩ።ዮሃ 1224,25

ገለ ሰብ ግና፡ምዉታት ከመይ ኢሎምዮም ዚትንስኡ፧ ብኸመይ ዝበለ ሰብነትከዮም ዚመጹ፧ዚብል ይህልው ይኸውን። ኣታ ዓሻ፡ እቲ ንስኻ እትዘርኦ ኸይሞተ ህይወት ኣይረክብንዩ።  1ቈረ 1535,36

ስለ ብዘይ ሞት ፍረ ኸም ዘየልቦ፡ ርጉጽ ሓቂዩ። መሪሕ ጥቕስና፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኽንፈርይ ከም ዝሞትና ዝነገረና ድማ በዚ ሓቂ መሰረትዩ።

ብህይወት እናሃለና ከመይ ኢሉሞትኩምዚብለና፧ ብኸመይ ኢና እንመውት፧ እንታይ ዓይነት ሞት ኢናኸ እንመውት፧ እዚ ኣገዳሲ ሕቶታት ናብ ሓደ ኻብቶም ዓበይቲ ምስጢራተ-ቤተ ክርስቲያን ዜመልክተናን ዚመርሓናንዩ። እዚ ምስጢርምስጢረ-ጥምቀት”’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ደጋጊሙ ጠቒሱልናን ኣብሪሁልናን ኣሎ።

እምበኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፧ ያእ ኣይፋልናን!! ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ (ኣብ ሓጢኣት) ክንነብር፧ ወይስ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቐና ዘበልና ዅላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም። እምበኣርሲ ኸም ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሓብሮ ኢና። እቲ (ብጥምቀት) ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዚ ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እዚ ናይ ሓጢኣት ስጋ ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለ፡ ፈሊጥና ኣለና። . . . ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ፡ ምስኡ ብህይወት ከም እንነብር ድማ፡ ንኣምን ኣለና፡ ማለት፡ ሞቱ ሓንሳእ ንዅሉ ጊዜ ኻብ ሓጢኣት ዝሞተ፡ ህይወቱ ግና ንኣምላኽ ዚነብር። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቊጸሩ። ሮሜ 61-11

ንስኻትኩም ድማ ብግዝረት ክርስቶስ ነቲ ናይ ስጋ ሰብነት (ኣረጊት ሰብነት) ቀንጢጥኩም፡ ብኢድ ብዘይኰነት ግዝረት ብእኡ ተገዘርኩም። ብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ፡ ምስኡ ተንሳእኩም። ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ፡ ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን መዊትኩም ዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም ምስኡ ህያዋን ገበረኩም።ቈሎ 211-13

ካብ ሃዋርያዊ ቓል ኸም እንርድኦምበኣር፡ ብጥምቀት ኢና እንመውት። እቲ እንሞቶ ኸኣ፡ ካብ ሓጢኣትዩ። ስለ ምስጢረ ጥምቀት፡ ምስ ሞት ክርስቶስ እንሓብረሉ ምስጢርዩ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኣብ መስቀል ከም ዝሞተ፡ ንሕና ኸኣ ኣብ ሞቱ ምእንቲ ኽንሓብሮ ብጥምቀት ንመውት። ብኣካለ-ስጋ ዝሞተ ሰብ ዝዀነ ተግባር ኪገብር ከም ዘይክእል፡ ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ዝሞተ ድማ ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉንዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ነቲ ናይ ስጋ ሞትና ጐይታ ስለ ዝሞተልና፡ ብስጋ ክርስቶስ ኢና እንመውት። ጥምቀት ድማ ኣብ ስጋ ክርስቶስ ክንሓብር፡ ኣካል ስጋ ክርስቶስ ዚገብረና። ስለ ኸኣ ሞቱ ሞትና ይቚጸርን ይኸውንን፡ ከምኡ ድማ ትንሳኤኡ ትንሳኤና ይኸውን።

እምበኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም። ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም።” 1ቈረ 1227

እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ከም ዝዀነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣርስኸ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደዶ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮየ፧ ያእ ኣይፋለይን!! 1ቈረ 615

ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎሞ፡ ብእምነት ብኢየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም። ኵላትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ሓደ ኢኹም። . . .” ገላ 326-28

ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ብምዃን ኣብ ሞቱ ስለ ዝሓበርና፡ ካብ ብሕጊ ዘሎና ተሓታትነትን ፍርድን ንፍታሕ (ነጻ ንኸውን)’ሞ፡ ሕድገት ሓጢኣት ረኺብና ድሑናት ንኸውን። ካብ ሓጢኣት ብናይ ጥምቀት ሞት ሓራ ስለ ዝወጻእና ድማ፡ ሓጢኣት ክንገብርን ኣብ ሓጢኣት ክንነብርን ኣይኰነልናንዩ። ነቲ ምስ ክርስቶስ ዝተንስአ ስጋና፡ ንኣምላኽ ኣጽዋር ጽድቂ ኪኸውን ንውፍዮምበር፡ ናብ ባርነት-ሓጢኣት ደጊምና ኣይንውፍዮን ኢና። ድሕሪ ጥምቀታዊ ሞትና፡ ንትምኒት ስጋ ኣይንእዘዝን ኣብ መዋቲ ስጋና ድማ ሓጢኣት ኣይነግስንዩ።

እምበኣርሲ ንትምኒቱ ኸይትእዘዙ፡ ኣብ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። ትሕቲ ጸጋምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምንሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ። . . . ከም ንርኽሰትን ግፍዕን ናብ ምፍራስ ሕጊ ኣካላትኩም ንባርነት ዝወፈኹም፡ ከምኡ ድማ ሕጂ ንጽድቂ ናብ ቅድስና ኺግዛእ ኣካላትኩም ወፍዩ። . . . ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑሎ፡ መወዳእታኡ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወትዩ።ሮሜ 612-14,19,22

እቲ ኣርእስትና፡ንኣምላኽ ፍረ ኽንፈርይዚብሎ እምበኣር ነዚዩ። ፍረ ህይወትና፡ጽድቅን ቅድስናንእንተ ዀነ ሽዑ እቲ ኣባና ዝተፈጸመ ጥምቀት ሸቶኡ ወቒዑ እቲ ዚድለይ ውጽኢት ኣምጺኡ ማለትዩ። ከም ኣብ ማይ ጥሒልና ዝተጠመቕናዮ፡ ድሕሪ ጥምቀት ኣብ ሰልሚ ሓጢኣት ተኣሊኽና ንነብር እንተ ዄንና ግን፡ ነቲ ብጥምቀት ምስ ኣምላኽ ዝኣተናዮ ኺዳን ኣፍሪስናዮ፡ ነቲ ምእንታና ዝሞተ ክርስቶስ ጠሊምናዮ፡ ንእምነትና ድማ ክሒድናዮለና ማለትዩ። ካብ ምስ ስጋ ክርስቶስ ዝነበረና ኣካልነትን ሓድነትን ተፈሊና፡ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ዝረኸብናዮ ህይወት፡ ነቲ ብሓጢኣት እንረኽቦ ምድራውን ዘለኣለማውን ሞት ብፍቓድና መሪጽና ኸም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ።

ሎሚጥምቀትኣብ ተዋህዶና፡ ከም መዓልቲ መርዓን መዓልቲ ምረቓን፡ ብደርፍን ዳንኬራን፡ ብወርቅን ጨርቅን፡ ብምቁር ምግብን ዜስክር መስተን ናብ ዚበዓለሉ ደረጃ ወዲቑ ይርከብ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ንህዝባ ናይ ምስትምሃር ሓላፍነታ ስለ ዝደርበየት፡ እቲ ሞት ክርስቶስ ኪስትንተነሉን፡ ሞት ናይ ዚጥመቕ ውላድና እንፍጽመሉን መዓልቲ፡ ናይ ዳንኬራን ዕብዳንን መዓልቲ ንገብሮ ኣለና። እዚ ኸም ዝበለ ውድቀት ድማ ብባርኾት ካህናትና ይፍጸም ኣሎ። መዓልቲ ጥምቀት፡ ከም ግቡእ፡ ናይ ምህለላን ጸሎትን መዓልቲ ኪኸውን ምተገብአ። እቲ ዚጥመቕ ውላድ፡ ነቲ ኣብኡ ዝተፈጸመ ምስጢር ጥምቀት ዜኽብር፡ ኣካላቱ ንሓጢኣት ዘይኰነስ ንጽድቂ ኺውፍይ፡ ፍረ ህይወቱ ጽድቅን ቅድስናን ኪኸውን ዚጽለየሉ መዓልቲ ኪኸውን ምተገብአ። እቶም ሓላፍነት ናይ ህጻንን ናይ ምስጢርን ዝወስዱ ናይ ስጋ ወለዱ፡ ኣበልገኡ (እመልገኣ) ኣብ ንስሓኡ፡ ሓላፍነቶም ኪፍጽሙ ኬኽእሎም ንእግዚአብሔር ዚምሕጸኑሉን፡ ሓላፍነቶም ብኸመይ ከም ዚፍጽሙ ሓቢሮም ዚመኽሩሉን መዓልቲ ኪኸውን ምተገብአ። ቃል እግዚአብሔር፡ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ ኣሎኸም ዝበለ፡ ካብ ካህን ክሳዕ ምእመን ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ ኣሎ (ሆሴ 45 ኢሳ 513) ስለ ኸኣ ንኣምላኽ ፍረ ዚፈርይ ዘይኰነስ ንሰይጣን እልቢ ዘይብሉ ፍረ ሓጢኣት ዚፈርየሉ ወለዶ ነፍርይ ኣለና።

እዞም ብፍቕሪ ሓጢኣት ኪዳንና ዘፍረስና፡ ውሉድነትና ኣብ ሓደጋ ዘእተና፡ ንሓጢኣት ህያዋን ንጽድቂ ምዉታት ዄንና ንመላለስ ዘለና፡ ብኸመይ ኢና ዳግም ንክርስቶስ እንለብሶን ነቲ ምስ ክርስቶስ ዝነበረና ኣካልነት እንሕድሶን፧ ምስጢረ ጥምቀት ዘይድገም ስለ ዝዀነ፡ ዳግማይ ኽንጥመቕ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ድኻምና ዚፈልጥ ሕያዋይ ኣምላኽ ግና፡ ብኸምኡ ኽንጠፍእ ኣይሓደገናን። በብዝወደቕናዮ መጠን እንትንስኣሉ ኻልእ ምስጢር ሰርዓልና። ንሱ ኸኣምስጢረ-ንስሓ”’ዩ። ብሰሪ ድኻም ስጋና ሓጢኣት ኵሉ ጊዜ ኺፈታተነናን ኬውድቐናን ስለ ዚነብር፡ በቲ ዕለታዊ ኺደጋገም ዚግብኦ ንስሓ ኽንትንስእን ክንሓውይን ብምሕረቱ መኸረልና። ስለ ንፍረ-ሓጢኣት ደምሲስና ፍረ-ጽድቂ ምእንቲ ኽንፈርይ፡ ዅሉ ጊዜ ብንስሓ ኽንመላለስ ይግብኣና። እቲ ኣዝዩ ዜሐጒስ ከኣ፡ ንስሓ ንርእሱ ፍረ-ጽድቂ ምዃኑዩ። ስለ እቲ ንስሓ ዜዘውትር ክርስትያን፡ ንኣምላኽ ፍረ ዚፈርይ ክርስትያንዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኰነ ቅዱሳን ሃዋርያቱ፡ ኣገልግሎቶምን ናይ ኵሉ ጊዜ ስብከቶምን መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ ተነስሑ።ዚብል ኰነ (ማቴ 31,2 417 ማር 612 ሉቃ 109) ጐይታ ድማ፡እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ ኵላትኩም ክትጠፍኡ ኢኹም።እናበለ የጠንቅቕ ነበረ (ሉቃ 133,5) ነቶም ዘይተነስሑ ድማ ብትርሪ ይነቕፎም ነበረ (ማቴ 1120-24) ንስሓ፡ ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ (ፍረ) እናገበርካ ስለ ዚፍጸም፡ ንስሓ ንርእሱ ናይ ፍረ ምንጪ (ማቴ 38 ግብ 2619,20) ስለ እንተ ብዘይምሕጣእ፡ ወዝቢ ብሓጢኣት እንተ ተዓንቀፍና ድማ ብንስሓ ፍረ ጽድቂ ብምፍራይ ንኣምላኽ ክንፈርየሉ ይግብኣና። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓላፍነትና ንምዝኽኻር ብኸም ዚስዕብ ምዒዱና ኣሎ።

ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን፡ እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዘይብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ እቲ ዚሓይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠትን ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሐ ኪኸይድ እልምን ኣለኹ።ፊሊ 19-11

ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍረ እናፈረኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበኹምን ብዅሉ ንእግዚአብሔር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ዄንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽልይ ኣለና።ቈሎ 110

ከም ኣቐዲምና ኣብ ዮሃ 151-8 ዝረኣናዮ፡ ብፍረ ጽድቂ ኽንመልእ እንኽእል ኣብኡ ብምጽናዕ ብክርስቶስ ጥራሕዩ። መንቅብ ናብ ዘይብሉ ህይወት ናብ ፍጹምነት እንዓብይ፡ ፍረ እነፍርይ ሰባት ምስ እንኸውን ጥራሕዩ። ፍሬና እናበዝሐ ዚኸይድ ድማ ብፍልጠትን ብምስትውዓልን ጥራሕዩ። ብድንቊርና እናተመላለስካ፡ ይትረፍ ብዙሕ ፍረ፡ ጥር እትብል ሓንቲ ፍረ ኸተፍርይ ኣይከኣልንዩ። ንኣምላኽ ብቑዓት ኴንና እንርከብን፡ ንእግዚአብሔር ከነሐጒሶን ከነስምሮን እንኽእልን ፍሬና ምስ ዚዓዝዝዩ። (መሳ 99,13) ስለ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ ከም እተተኽለት ጽብቕቲ ኦም ኴንና ፍሬና ኣብ ምብዛሕ ክንግደስን ክንጽዕትን ይግብኣና (ኤር 175-8 መዝ 11-3 ህዝ 4712)

እምበኣር ርእስና ንመርምርሞ፡ ንኣምላኽ ፍረ ንፈርየሉ ምህላውናን ዘይምህላውናን ነረጋግጽ። ከም ቤት እስራኤል ካብ ሕሩይ ሓረግ ወይኒ ኣብ ዝበለጸ መሬት ተተኺሎም ክነሶም ናብ ድቓላ ሓረግ ዝተለወጡን መጺጽ ወይኒ ዘፍረይዎ ኣይነፍርይ (ኢሳ 51-7 ኤር 221,22) ነቲ ብደምን ብጸጋን ናይ ክርስቶስ ዝጸደቐ ሰብ ናይ ብሓቂ ፍረ ኣለዎ። ነቲ ናይ ብሓቂ ጽድቂ ዚፈርይ ሰብ ከኣ፡ንጻድቕ፡ ፍረ ግብሩ ኺበልዕተዓዊትካበልዎተባሂሉሉ ኣሎ (ኢሳ 310) ስለ ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ በብጊዚኡ ዚፈርዩን ዚህቡን ክርስትያን ክንከውን ይግብኣና (ማቴ 2141,43) እግዚአብሔር ኣብ ጊዜ ምጽኣት ወዱ ሃሰስ ኢሉ ፍረ ኸይሰኣነልና ኸሎ፡ ነንመዓልቱ ርእስና እናመርመርና ፍሬና ንቚጸር። ቃል እግዚአብሔር ብዙሕን ነባርን ዘየቋርጽን ፍረ ኸነፍርይ ኣዚዙና (ዮሃ 158,16) ፍረ ጽድቂ፡ ስልማት ክርስትያንዩ። ጐይታና፡ ነታ ንጥምየቱ እተዐንግል ሓንቲ ፍረ ዝሰኣነላ ኦም በለስ፡ ረጊሙ ኸም ትነቅጽ ከም ዝገበራ፡ ንሕናውን በረኸት ገዲፍና መርገም ከይንወርስ፡ ንባህጊ ጐይታና ዜዕግብ ፍረ ኸም እነፍርይ ወርትግ ርግጸኛታት ንኹን (ማቴ 2118-20)

ጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

መጋቢት 24, 2015 ግዕዝ (2 ሚያዝያ 2023 ፈ  [[መበል 30 ሰንበት: ቊ.፴፰/38, 2023]

ምስባክ

መዝ.39 ፲፮(፲፯)፡፫-

ሐወፅከኒ ሌሊተ ወፈተንኮ ለልብየ። አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ። ከመ ኢይንብብ አፉየ ግብረ ዕጓለ እመሕያው።

ንልበይ ተዓዚብካዮ፡ ብለይቲ በጺሕካዮ፡ መርሚርካንስ ገለ ኣይረኸብካን፡ ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸየ። ብዛዕባ ግብርታት ሰብሲ ንቓል ከናፍርካ ብምእዛዝ፡ ካብ መገድታት ዓመጽቲ ተዓቂበ።”  

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 71-14

ዲያቆን

1ዮሃ 41-10

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 534-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 31-21

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦  ዘእግዝእትነ ማርያም

   

 

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div