S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅድሚ ጊዜኡ ኣይትፍረዱ [መበል 29 ሰንበት: ቊ.፴፯/37, 2023]]

ስለ እቲ ኣብ ጸልማት ንዝተሓብአ ናብ ብርሃን ዜምጽእ ንሓሳባት ልቢ ኸኣ ዚገልጽ ጐይታ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ቅድሚ ምዱብ ጊዜ ሓንቲ ኣይትፍረዱ። ሽዑ (እቲ ምዱብ ጊዜ-ፍርዲ ምስ መጸ) ነፍስ ወከፍ (ሰብ) መምስጋናኡ ኻብ ኣምላኽ ኪቕበልዩ።” 1ቈረ 45 .

እዚ ሰንበት ሻድሻይ ሰንበት ናይ ዘለናዮ ዓብይ ጾምዩ። ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማገብርኄር” (ሕያዋይ ባርያ) ተባሂሉ ይጽዋዕ። መቐጸልታ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት (ደብረ ዘይት) ኰይኑ፡ ብዛዕባ ምስጢረ ምጽኣት እንመሃረሉ ሰንበትዩ። ናይ ወንጌል ማቴዎስ ክልተ ምዕራፋት (ማቴ 24, ማቴ 25) ጐይታና ብዛዕባ ምጽኣቱ ኣስፊሑ ዝመሃረለንየን። ምዕራፍ 24 ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት (ደብረ ዘይቲ) ተማሂርናሉ ኢና። ነዚ ሰንበት ድማ ካብ ምዕራፍ 25 ዝተወስደ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ተነቢቡልናን ኣንቢብና ኣለና።

እዚ ሰንበትሕያዋይ ባርያዝተሰምየሉ ምኽንያት፡ ጐይታና ብምጽኣቱ ንፍርዲ ምስ ተገልጸ፡ ነቶም ከከም ዓቕሞም ንዝተዋህቦም መኽሊት-ጸጋ ኣብ ግቡእ መዓላኡ ዘውዓልዎን ነቲ ጐይታኦም ዚደልዮ ፍረ ዝፈረዩሉን ሰባት ዝህቦ ዓስብን ክብርን እንመሃረሉን እነስተንትሉን ሰንበት ኪኸውን ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያን ስለ ዝተሰርዐዩ። ጐይታና ብኽብሪ ኣብ መንበር ፍርዲ ምስ ተቐመጠ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ግብሩ ከከም ፍሪኡ ኺፈርዶ። ነዚ ሓቂ ጐይታና ባዕሉን በቶም ዝለኣኾም ቅዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን ገይሩ ብተደጋጋሚ ነጊሩናን ኣፍሊጡናን (ማቴ 1727 ሮሜ 26 1ጴጥ 17 ራእ 2212 ኤር 1710 እዮ 3411) ነዚ ምስጢር ብስእላዊ መገዲ ምእንቲ ኼብርሃልና ድማ ነዚምስላ መክሊትዝተሰምየ ኣብ ማቴ 2514-30 (ሉቃ 1911-27) ዚርከብ፡ ሓይሊ መልእኽቱ ከቶ ዘይሃስስ ትምህርቲ ሃበና።መክሊትማለት፡ ኣብ ዘመን ኣብ ሃገረ እስራኤል ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ኺሽረፍ ዚኽእል ጥቕሉል ገንዘብዩ። ልክዕ ከም ናይ ሽሕ ወይ ሚእቲ ቕርሺ ጥቕሉል ገንዘብዩ። መክሊት ኺሽረፍ ከሎ ናብ ዲናር ዚልወጥ። ሓንቲ ዲናር፡ ልክዕ ከም ሓንቲ ቅርሺያ። ኣብ ዘመን ሓንቲ መክሊት፡ 6000 ዲናር ትሽረፍ ነበረት። ሓደ ዲናር ድማ፡ ኣብ ስራሕ ንዝወዓለ ሰብኣይ ዚኽፈል ናይ ሓደ መዓልቲ ውዕለት (ደሞዝ) ነበረ። በዚ መጠነ ሸርፊ መሰረት እንተ ተሰሪሑ፡ እቲ ብዓል ሓሙሽተ መክሊት፡ 30,000 ዲናር ተቐቢሉ። ብኻልእ ኣዘራርባ ናይ 30,000 መዓልታት ውዕለት ተቐቢሉ ኣሎ ማለትዩ። ነዚ መዓልታት ናብ ዓመታት እንተ ቐዪርናዮ ልዕሊ 82 ዓመታት ዚበጽሕዩ። ስለ ሓሙሽተ ወይ ክልተ መክሊት ከም ዝተዋህቦም ኪንገረና ኸሎ፡ ውሑድ መጠን ገንዘብ ዝተዋህቦም ኪመስለና ኣይግባእንዩ። እዚ ምስላ ክብሪ ናይ ብኣምላኽ ዝተዋህበና ጸጋ ኼመልክተና ዝተነግረ ምስላዩ።

ቀዳማይን ዝጐልሐን መልእኽቲ ናይ ምስላ ብዛዕባቶም በቲ ዝተዋህቦም ወንጌል ብዙሓት ነፍሳት (ሰባት) ናብ ኣምላኽ ዚመልሱ ሰበኽትን መምህራንን ናይ ወንጌል ዚምልከት ምዃኑ ርዱእዩ። እዚ ምስላ ዘይምልከቶ ፍጡር ውሉድ ኣዳም ግን ኣብ ዓለም ፈጺሙ የልቦን። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ንቓል ወንጌል ጥራሕ ኣይኰነን ከም መክሊት ገይሩ ዚህብ። ኵሉ መንፈሳዊ ይኹን ነገራዊ (material) ትሕዝቶና፡ ካብ ኣምላኽ ብሕድሪ ዝተቐበልናዮምበር፡ ባዕላትና ዝረኸብናዮን ዘጥረናዮን ኣይኰነን። ተገቢኡና ዝተወሃብናዮውን ኣይኰነን። ስለ ኸኣ ኢና፡ጸጋኢልና እንጽውዖ። ህይወት፡ ሓይሊ፡ ገንዘብ፡ ፍልጠት፡ ሞያ፡ ኣገልግሎት ወዘተ፡ ከይተገብኣና ኻብ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮ ናይ ጸጋ መክሊትዩ። ተሓታትነት ዘይብሉ ህያብ ግን ኣይኰነትን። ሓደ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ሓያል ተጸባጻብን ፈራድን ጐይታ ብኽልተ እግርና ደው ኢልና፡ጸብጻብ ናይ ኸይተገብኣካ ዝሃብኩኻ ጸጋታተይ ሃበኒ። ኣብ ምንታይ ኣውዒልካዮ፧ እንታይከ ፈሪኻሉ፧ዚብል ክንሕብኣሉ ዀነ ኪስገር ዘይከኣል ሕቶ ኪቐርበልናዩ። ካብ ሕቶዝን ካብ ምድብቲ መዓልቲ ፍርድን፡ ሞት ይኹን መቓብር ሓቢኡ ኼትርፈና ኣይክእልንዩ። ኣብ ዕለትቲኣ ካብቶም ብህይወት ከለዉ ምጽኣት ዘርከቦም ሰባት ንላዕሊ፡ እቶም ብትንሳኤ ካብ ዕቝባ ሞት ዝወጹ ሰባት ብዕጽፍታት ኪበዝሑዮም (ራእ 2011-15 .)

ንምስትምሃር ቃል ወንጌል ብዚምልከትውን፡ ኣብ መድረኽ ቤተ ክርስትያን እነስተምህረሉ ማዕርግ ኣገልግሎትን ሓላፍነትን እንተ ዘይብልናኳ፡ ምስትምሃር ቃል ወንጌል ፈጺሙ ኣይምልከተናን ማለት ኣይኰነን። ንዝፈረየትና ዀነ ንዝፈረናያ ስድራ ቤት ቃል እግዚአብሔር ምስትምሃር ከነምልጠሉ ዘይንኽእል ሓላፍነትናዩ። ኣብ ኵሉ ገጻት ናይ ማሕበራዊ ህይወትና ምስ ኵሉ ሰብ፡ ኣብ ኵሉ ዓይነት ዝምድናታትና ቃል እግዚአብሔር ክንዛረብን ክንምህርን ትእዛዝ ኣምላኽ (ዘዳ 66-8 1118-25) ብርግጽ ብዓል ማዕርግ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ኣብ ማእከልና ምስ ዚህልው ግን ናይ ምስባኽን ምስትምሃርን መዝነት ናቱ ይኸውን።

ንዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ይኹን ምእመን፡ ካብ ናይ ምስትምሃር ሓላፍነቱ ንላዕሊ ነቲ ዝተነግሮ ቓል ናይ ምእዛዝ መክሊቱ ኣዝዩ ዝዓበየዩ። ስለ ነቲ ዝተዋህበና ዅሉ ዓይነት ናይ ጸጋ መክሊታት ኣብ መዓላን ኣብ ፍረን ኣብጺሕና፡ ናይ ወሃቢ ጐይታ ሓሳብ ልቢ ኸነስምር፡ እዚገብርኄር (ሕያዋይ ባርያ)” ዝተሰምየ ሰንበትን ሰሙንን ተሰሪዑልና ኣሎ። ኣብ ብዛዕባ ፍርዲ ኣምላኽ እንሓስበሉ ዕለት ኽንመሃሮ ተሰሪዑልና ዘሎ ኣርእስቲ ድማ፡ ኣብ ዘይመንበርና ተቐሚጥናፈረድቲብምዃን ናይ ድፍረት ሓጢኣት ከይንፍጽም ዜጠንቅቐና ካብ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ናይ ዕለት ዝተወስደ ረዚንን ኣገዳስን ኣርእስቲዩ።

ቅድሚ ጊዜኡዚብለና ዘሎ ነየናይ ጊዜ ንምምልካትዩ፡ ንምዃኑኸፈረድቲኽንከውን ዝተሰርዓልና ጊዜ ኣሎ ድዩ፧ ፈጺሙ የልቦን። ፍርዲ፡ መለኮታዊምበር፡ ሰብኣዊ ስልጣን ኣይኰነን። ፈራዲ ምዃን ናይ በይኑ ናይ እግዚአብሔር መለኮታዊ ባህርይዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ነዚ ሓቂ ኣዝዩ ብሩህ ብዝዀነ መገዲ ኣፍሊጡና ኣሎ።

ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓማመዩ። እቲ ንሓው ዚሓምይ፡ ወይ ከኣ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ፡ ነቲ (ዚፈርድ) ሕጊ ይሓምዮ፡ ኣብ ሕጊውን ይፈርድ (ኣሎ) ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርድ ግና፡ ፈራዲምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን። እቲ ኼድሕንን ኬጥፍእን ዚኽእል ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ (ኣምላኽ)’ዩ። ኣብ ብጻይካ እትፈርድከ ንስኻ እንታዋይ ኢኻ፧ያእ 411,12

ነብዪ ኢሳይያስውን፦

እግዚአብሔር ፈራዲና፡ እግዚአብሔር ሓጋግ ሕግና እግዚአብሔር ንጉስናሞ፡ ንሱ ኼድሕነናዩ።ብምባል፡ ናይ ፍርዲ ስልጣን ናይ እግዚአብሔር ናይ በይኑ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ኢሳ 3322) ስለ ንሰባት ንምፍራድ ክንህንደድ ከሎና፡ ኣብ ልዕሊ መን ንህንደድ ከም ዘለና፡ እዚ ዘንበብናዮ ቓል ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ፈራዲ ናይ ምፍራድ ሳዕቤን እንታይ ከም ዝዀነ፡ ጥዑይ ኣእምሮ ንዘለዎ ሰብ መብርሂ ዜድልዮ ኣይኰነን። ይትረፍ ኣብ ልዕሊ መለኮታዊ ፈራዲ ኽንለዓል፡ ኣብ ምድራዊ መጋባእያ ኣብ መንበር ናይ ዚፈርድ ዳኛ ተቐሚጥካ ኽፈርድ እንተ በልካ፡ ከመይ ከቢድ ሳዕቤን ከም ዚህልዎ ርዱእዩ። ስለ ሓደንኣምላኽ እኣምንን እፈርህንዚብል ክርስትያን ውልቀ ሰብ፡ ፈጺሙ ኺገብራ ዘይግብኦ ኣበሳ እንተልያ፡ ንሰብ ምፍራድያ።

ቅድሚ ጊዜኡ ኣይትፍረዱዚበሃል ዘሎ፡ እቲ ምዱብ ናይ ፍርዲ ጊዜ፡ እቲ ፍትሓዊ ፈራዲ ንኺፈርድ ብኽብሪ ዚምለሰሉ፡ መዓልቲ-ምጽኣት ንምምልካትዩ። ስጋ ዝለበሰ ሰብ ኰይኑስ ኪፈርድ ብእግዚአብሔር ኣቦ ዝተመደበ፡ እቲ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ዝዀነ እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕዩ። ፈራድነት ናይ ባህርይ ገንዘቡ እንተ ዀነ፡ ብምኽንያት መለኮታውን ሰብኣውን ትሕትናኡ፡ ነቲ ናይ ፈራድነት ስልጣን ብኣቦ ኸም ዝተመደበሉን ከም ዝተዋህቦን ተኣመነ። ጐይታና ባዕሉን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ነዚ ሓቂ ገሊጾምልና ኣለዉ።

ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቍርና (ብትዕግስቲ) ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦሞ፡ ብእኡ (ገይሩ) ንዅሉ (ሰብ) እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኵሉ ቦታ (ንዅሉ) ሰብ  ኪንስሑ ይነግር ኣሎ።ግብ 1730,31

ኣምላኽውን ንህያዋንን ምዉታትን ፈራዲ ኪኸውን ዝመደቦ (ኢየሱስ) ምዃኑ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና።ግብ 1042

ስለ ብመሰረት ሃዋርያዊ ቓል፡ እቲ ፈራዲ መን ምዃኑን ጊዜ ፍርዲ መዓስ ከም ዝኸውንን ድሮ ተወሲኑን ተዋሂቡንዩ። እግዚአብሔር ኣቦኳ፡ ፈራድነት ናይ ባህርይ ገንዘቡ ኽነሱ፡ ነቲ ሓደ ወዱ፡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሃቦምበር፡ ንሓደ ባዕሉ ኸይፈርድ ወሲኑን ኣኽቢርዎዩ።

ኵሉ ሰብ ከም ነቦ ዜኽብሮ ጌይሩ ንወልድ ምእንቲ ኬኽብሮስ፡ ፍርዲ ዘበለ ንወልድ ሃቦምበር፡ ኣቦ ንሓደ ኣይፈርድንዩ። እቲ ንወልድ ዘየኽብሮ ነቲ (ንወልድ) ዝልኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮንዩ። ..... (ኢየሱስ) ወዲ ሰብሞ፡ ኪፈርድ ስልጣን ሃቦ።ዮሃ 522,23,27

ስለ ሎሚ ኣብ ዘለናዮ ቦታን ዕድመን ኴንና ኣብ ልዕሊ ሰባት ክንፈርድ ከለና ሰለስተ ኸበድቲ ኣበሳታት ንፍጽም ኣለና ማለትዩ።

1. ነቲ ናይ እግዚአብሔር ኣቦ፡ ኢየሱስ ንበይኑ ጥራሕ ፈራዲ ኪኸውን ንዝሃቦ፡ ባዕሉውን ንሓደ ብዘይ ምፍራድ ዘኽበሮ መለኮታዊ ውሳነ ነፍርሶን ንግህሶን ኣለና። ባዕልና ንርእስና ፈረድቲ (Self-appointed Judges) ጌርና ዝሾምና ዓለወኛታት ንኸውን ኣለና።

2. ነቲ ዘይናትና ስልጣን ብዓመጽ ክንምንዝዕ ምፍታንና ኸይኣክል፡ ነቲ ኣቦ ዝወሰኖ መዓልቲ ፍርዲ ናብ ሕጂ ቐዪርና፡ ቅድሚ ጊዜኡ ንፈርድ ኣለና።

3. ንኣበሳና ናብ ሰማይ ዜዕርጎ ሳልሳይ ኣበሳና ድማ፡ ብጽድቂ ኽንፈርድ ዘይንክእል ምዃንናዩ። ብጽድቂ ኺፈርድ ዚኽእል፡ እቲ ሓጢኣት ዚበሃል ዘይብሉ ፍጹም ጻድቕ ዝዀነ ኣካል ጥራሕዩ። ንሱ ኸኣ መለኮት ጥራሕ ኪኸውን ዚኽእል (ዮሃ 846 2ቈረ 521 እብ 19 እብ 415 726 914 1ጴጥ 119 1ጴጥ 222) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ድኹምን ሓጥእን ስጋና ለቢሱ ኼብቅዕ፡ ንኣሰር ሓንቲ ኣበሳ ዘይተረኽበቶ ናይ ጻድቃን ጻድቕ፡ ናይ ቅዱሳን ቅዱስ፡ ናይ ንጹሃን ንጹህ፡ ናይ ፍጹማን ፍጹም (ዮሃ 846 እብ 414,15 726,27 1ጴጥ 118,19 221-23 .) ንሕና ግን እኖና ብሓጢኣት ዝጠነሰትና ብኣበሳ እተወለድና ሰባት ኢና (መዝ 513,5) ንርእስና በቲ እንፈርዶ ዘለና ኣበሳ ዝተበከልና ሰባት ስለ ዝዀንና ፈረድቲ ኽንከውን ዜብቅዓና ዝዀነ ዓይነት መንፈሳዊ ዀነ ሞራላዊ ልዕልና የብልናን። እቲ ቕዱስ ጸሑፍውን፦

እምበኣር፡ ኣታ ንኻልእ እትፈርድ ሰብ፡ ንስኻ ዝዀንካ ኹን (መን ምዃንካ ብዘየገድስ) በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትኹንን ኣለኻሞ፡ ነቲ እትፈርዶስ (ባዕልኻ) ትገብሮ ስለ ዘለኻ፡ (ክትፈርድ ዜኽእለካ ዋላ ሓንቲ) ምኽንያት የብልካን። ንሕና ግና ኣብቶም ከም ዝበለ ዚገብሩ (እቲ) ግቡእ ፍርዲ ኣምላኽ (ኣብ ምዱብ ጊዚኡ) ኸም ዚወርድ ንፈልጥ ኢና። ኣታ ኣብ ልዕሊቶም ከም ዚገብሩ እትፈርድ፡ ባዕልኻውን ከም ግብሮም እትገብሮ ሰብ፡ ካብ ፍርዲ ኣምላኽ እትመልቝዶ ይመስለካ (ይኸውን) ..... (ብኣንጻሩ ደኣ) በታ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ ዚወርደላ መዓልቲ ቝጥዓ፡ ኣብ ርእስኻ መቕዘፍቲ (መዓት) ትእክብ ኣለኻ።ብምባል ብንጹር ኣፍሊጡናን ኣጠንቂቑናን ኣሎ (ሮሜ 21-5 .)

ምፍራድዚበሃል ዘሎ ግን ኣየናይ ግብርናዩ፧ እንታይ እንተገበርና ኢናፈረድቲእንበሃል፧ ነዚ ኣርእስቲ ብቐሊሉ ኸይንርድኦ ዚዕንቅፈና፡ በቲ ናይ ቤት ፍርዲ ኣገባብ ስለ ንሓስብዩ። ነቲ ምስ ሰባት እንዋስኣሉ ኣተሓሳስባታት፡ ቃላት፡ ተግባራት ኣዕሚቝና ምስ እንምርምሮ ግን ብዅለንተናኡ ፍርዳዊ ባህርይ ከም ዘለዎ ብቐሊሉ ዚረኣየና። እቲ ጽቡቕ ኰነ ኽፉእ ተግባራትና ዘረባና ስምዒታትና፡ ምሉእ ብምሉእ ፍርዳዊ ተግባርዩ። ንሓደ ሰብ ምስ እንጸልኦነዚ ሰብ ፍቕሪ ኺወሃቦ ዘይግባእ ብመሪር ጽልኢ ኪቕጻዕ ዚግብኦ ሰብዚብል ፍርዲ ሂብና ኸም ዘለና ኸነስተውዕል ይግብኣና። ሰባት ኪጸልኡና ኸለዉ፡ ኣብ ውሽጢ ሕልናና ዚፈጥሮ ስቓይ ጽቡቕ ጌርና ስለንፈልጦ፡ መሪር መቕጻዕቲ ንቐጽዖ ኸም ዘለና ጽቡቕ ገይሩ ይርድኣናዩ። ክንጻረፍ ከለናውን፡ ጭጕራፍ ልሳን ኣቐንዛዊ ምዃኑ፡ ሰይፊ ልሳን ክሳዕ ልቢ ሰንጢቑ ከም ዚኣትው፡ ሓዊ ልሳን ንልብን መንፈስን ናይ ሰብ ኣቃጺሉ ኸም ዚልብልቦ ስለ ንፈልጥ፡ መሪርን በሊሕን ርሱንን ቃላት እናመረጽና፡ ንመንፈስ ሰብ ክንሕምሽሽ ንልሳንና ኸም ኣጽዋር ንጥቀመሉ። ንነብዪ ኤርምያስ እቶም ሕሱማት ኣይሁድ፡ንዑናይ ብልሳንና ንውቅዓዮኢሎም ተማኸረሉ (ኤር 1818) ቅዱስ ዳዊት ካብ ሃዳኒኡ ንጉስ ሳኦል ሃዲሙ ኣብ ናይ በረኻ በዓቲ ተሓቢኡ ኸሎ፡ ብዛዕባ ሰባት ብልሳኖም ዘውረዱሉ ስቓይ፡

ነፍሰይ ኣብ ማእከል ኣናብስያ። ኣብ ማእከልቶም ሓዊ ዚተፍኡ፡ ኣብ ማእከልቶም ኣስናኖም ኲናትን ፍላጻን፡ መላሕሶም ከኣ ስሑል ሰይፊ ዝዀነ ሰባት እድቅስ ኣለኹ።ብምባል ጸሎታዊ መዝሙር ዘመረ (መዝ 574) ንኣካላት ሰብ ብሰይፊ ብዂናት እንተ ንወግኦ፡ ብሓዊ እንተ ነቃጽሎ ብስጋ ምሞተ ወይ ምሰንከለ። ከቢድ በደል ስለ ዝዀነ ብገበናዊ ሕጊ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ንሕልፈት ወይ ንሞት መፍረደና። ብናይ ልሳንና ስሕለትን ሓውን ጌርና ንመንፈሱ ኽንጐድእ ነእምሮኡ ኸነናውጽ ከለና ኸኣ፡ ኣብ ምድሪ ብሲቪላዊ ሕጊ ብቐሊል መቕጻዕቲ ዜቕጽዕ እንተ ዀነ፡ ብሕጊ ኣምላኽ ግን ኣብ ገሃነም ብዘለኣለማዊ ስቓይን ሞትን ዜቕጽዕዩ። ጸርፊ፡ ኣጋንንታዊ ፍርዲዩ። እቲ ከምኣራዊትተገሊጹ ዘሎ ጸረ ክርስቶስ ዝዀነ ብዓል ስልጣን ሰብ ኣብ ሾብዓተ ርእሱ ናይ ጸርፊ ስማት ዝተጻሕፎዩ። እቲ ብዓብዪ ገበል ዝተመሰለ ሰይጣን ነዚ ናቱ ኣራዊት ብዛዕባ ዝሃቦ ስልጣን፡

ቃል ትዕቢትን ጸርፍን ዚዛረብ ኣፍ ተዋህቦ። ..... ንምጽራፍ ኣምላኽን ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብኣ ዚነብሩውን ኪጸርፎም ኣፉ ኸፈተ።

ብዚብል ቃል ተገሊጹ ኣሎ (ራእ 135,6) ሰይጣን ንኣምላኽን ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ናይ መላእኽቲ ስልጣናትን ዚዋግኣሉ ኣጽዋሩ፡ ጸርፊዩ። ነቶም ናቱ ዝዀኑ ኣገልገልቱ ድማ ቃል ጸርፊ ዚዛረብ ኣፍ ዜግጥመሎምን ዚህቦምን። ስለ ኣፍና ንጸርፊ ኽንከፍት ከለና፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ብፍርዲ ሰይጣን ክንፈርድ ተላዒልና ኣለና ማለትዩ። ክርስቶስ ንዝጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን (1ጴጥ 222,23) ሊቀ-መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል፡ ነቲ ብጸርፊ ዚዋግኦ ዝነበረ ድያብሎስ፡ ብጸርፊ ኣይመለስሉን (2ጴጥ 211,12 ይሁዳ 8,8) ምኽንያቱ ጸርፊ ናይ ርኹስ ሰይጣንን ርኹሳት ኣጋንንቱን ኣጽዋርምበር፡ ናይ ክርስቶስን መላእኽቱን ኣይኰነን።

ሕምየትውን ፍርዳዊ ተግባር ምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ልዕሊ ልዑል ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ ሕግታቱን ዚፍጸም ፍርዲ ምዃኑ፡ ኣብ ኣቐዲምና ዘንበብናዮ ናይ ያእ 411,12 ጥቕሲ ኣንቢብና ኣለና። ሕምየት እንሓምየሉ ምኽንያት፡ ነቲንሓምዮ ዘለና ሰብ፡ናይ ሰብ ስም ኣዝዩ ኪኸፍእን ኪድወንን ኣለዎ። ኵሉ ሰብ ኪጸልኦን ኬርሕቖን ኣለዎኢልና ፍርዲ ስለ ዝሃብናዩ። ንሰብ ብማህረምቲ ኸነጥቅዖ እንዋጠጠሉ ምኽንያት፡እዚ ሰብ ኪቕንዘው፡ ኪህሰይ፡ ኪስንክል፡ ኪመውት ይግብኦኢልና ስለ ዝፈረድናዩ። እቲ ኽንጠቕሶ ንኽእል ፍርዳዊ ተግባራትና፡ ዘርዚርካ ኺውዳእ ክሳዕ ዘይከኣል ማእለያ የብሉን።ኣብ ልዕሊ ሰብ ትፈርድዶ፧ ኣብ ናይ ኣምላኽ ልኡላዊ ስልጣን ኢድካ ተእትውዶ፧ኢሉ ዚብድሃና ሰብ እንተ ዜጋጥመና ግን፡ወሪዱኒ፡ በየናይ ዓቕመይ ኣብ ሰብ ክፈርድየ፧ኢልና ብምስትውዓል ኰነ ብዘይ ምስትውዓልኣሉኢልና ምኸሓድና።

ጐይታና ዀነ ቅዱሳን ሃዋርያቱ ናይ ከም ዘመሰለ ፍርዲ ግዳያትዮም ዝነበሩ። ዚፈርድዎም ዝነበሩ ድማ እቶም ናይ ፍርዲ ስልጣን ዝነበሮም ዋዕላ ኣይሁድን ሮማውያን ሰበ ስልጣንን ጥራሕ ኣይነበሩን። ዋላ ተራ ሓፋሽ ህዝቢውን ኣብ ንሳቶም ዚሰብኩሉ መድረኻትን ኣብ ዘዘለዎን ቦታ ዀይኑ ይፈርዶም ነበረ። ቅዱስ ዮሃንስ ወንጌላዊ ደጋጊሙ ተሪኹልና ከም ዘሎ፡ ገሊኣቶም ትምህርቱን ተኣምራቱን ምስ ረኣዩ፡እዚ ብሓቂ እቲ ነብዪዩ፡ እዚ ክርስቶስ ሕያዋይእናበሉ ይምስክሩን፡ ሓቀኛ ፍርዲ ይህቡን ነበሩ (ዮሃ 712,40) ካልኦት ድማ፡እዚ ንህዝቢ የስሕት ኣሎ፡ ጋኔን ሒዝዎ ይዓብድ ኣሎእናበሉ የኽፍእዎን ይፈርድዎን ነበሩ (ዮሃ 712 1020) እቶም መራሕ ኣይሁድ ከይተረፈ፡ጋኔን ኣሎካእናበሉ፡ብሓይሊ ኣጋንንቲ ዚሰርሕእናበሉ፡ ኣብ ልዕሊ ጻድቕን ቅዱስን ጐይታ ኣሰቃቒ ፍርዲ ይህቡ፡ ኣብ ልዕሊ ፈራዲ ይፈርዱ ነበሩ (ዮሃ 720 848,52 ማቴ 1223,24) ዋላ ኣዝማዱ ኸይተረፉ ብዛዕባኡተጸሊሉናብ ዚብል ፍርዳዊ መደምደምታ በጺሖም ነበሩ (ማር 32) ጐይታና ነዚ ዝዓይነቱ ርእይቶታት ናይቶም ኣብ ልዕሊኡ ዚፈርዱ ዝነበሩ ሰባት፡

ንስኻትኩም ፍርዲ ስጋ ኢኹምትፈርዱ ዘለኹም፡ ..... ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱምበር፡ ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ።

ይብሎም ነበረ (ዮሃ 815 724) ፍርዲ ስጋ ወይ ፍርዲ ሰብ፡ ኣብ ብዓይኑ ዝረኣዮን ብእዝኑ ዝሰምዖን ጥራሕ ዚምርኰስ። ጐይታና ድማ ፍጹም ሰብ እንተ ዀነ፡ ፍርዲ ስጋ ምእንቲ ኸይፈርድ፡ ነቲ ዅሉ ሰብ ዚጥቀመሉ ኣገባብ ገዲፉ፡ ብቕንዕና ይፈርድ ከም ዝነበረ በቲ ቕዱሳት ነብያት ዝገለጽዎ፡ ዳሕራይውን ባዕሉ ብግብሪ ዘረጋገጾ ተገሊጹዩ።

ታሕጓሱ ኣብ ፍርሃት እግዚአብሔርዩ፡ ዓይኑ ኸም እትርእዮ ኣይኪፈርድን፡ እዝኑ ኸም እትሰምዖ ኸኣ ኣይኪብይንንዩ። ግናኸ ንድኻታት ብጽድቂ ኺዳንይ፡ ነቶም ዓቃላት ምድሪ ኸኣ ብቕንዕና ኺብይን ..... ’ዩ።ኢሳ 113,4

ነቶም ንእኡ ንርእሱ ብፍርዲ ስጋ ዚፈርድዎ ዝነበሩ፡ ንእኡውን ከምኣቶም ብፍርዲ ስጋ ኺፈርድ ዚደፋፍእዎ ዝነበሩ ኣይሁድ፡

ኣነ ኸም (ኻብ ኣቦይ) ዝሰማዕክዎ ዝፈርድ፡ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕዩ። ..... ንስኻትኩም ፍርዲ ስጋ ኢኹምትፈርዱ ዘለኹም፡ ኣነስ ንሓደ (ብፍርዲ ስጋ) ኣይፈርድንየ። ኣነን እቲ ዝለኣከኒ ኣቦን ኢና (ንፈርድ)’ምበር፡ በይነይ ኣይኰንኩንሞ፡ ኣነ እንተ ፈረድኩ፡ (ከም ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ስለ ዝፈርድ) ፍርደይ ሓቂዩ።

እናበለ ይምልሰሎም ነበረ (ዮሃ 530 ዮሃ 815,16) ስለ ኣብ እትርእዮን እትሰምዖን ተመርኵስካ ምድምዳም ናብ ጊዜኡ ዘይሓለወ ህውኽ ፍርዲ ዚደፍኣካ። ከም ጐይታና ኣብ ዘመነ ትስብእቱ በቲ ኻብ ኣቦኡ ዝሰምዖ ጥራሕ ዚፈርድ ዝነበረ፡ ንሕናውን ብኣምላኽ ዘይተነግረና ፍርዲ ኽንፈርድ ኣይግባእንዩ። ፍርዲ ምሃብ ንኣና ዚምልከት ጕዳይ ስለ ዘይኰነ ኸኣ፡ እግዚአብሔር ነቲ ፍርዱ ኣይነግረናንዩ። ኣብ ንፍርዲ ዝተመደበት መዓልቲ፡ በቲ ናይ ፍርዲ ስልጣን ዝሃቦ ቅዱስ ወዱ ገይሩ ኼፍልጠናዩ።ኣይፋልናንኢልና ብናይ ስጋናን ሰይጣንን ድፍኢት ተሃዊጽና ቅድሚ ጊዚኡ ኽንፈርድ እንተ መረጽና ድማ፡ ኣቦታትናህውኽ ዝብእስ ቀርኒ ይነክስከም ዚብሉ፡ ብገዛእ ምርጫና ኽንጒዳእ ኢና። ጐይታና እንተ ዀነ፡

ብዝፈረድኩምሉ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈርውን ኪስፈረልኩም ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምይታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧ ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ትብሎ፡ እንሆ፡ ጕንዲ ኣብ ዓይንኻ ኣሎ። ኣታ ግብዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ፡ ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውኻ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ።

ኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ። ሃቡ ኺውሃበኩምዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩምሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደ፡ ንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹምዮም።

ብምባል ብወግዒ ኣፍሊጡና (ማቴ 71-5 ሉቃ 637-38) እምበኣርፍረድ ፍረድዚብል ታህዋጽ ኣብ ውሽጥና ኪቐልወና ኸሎ፡ ሰይጣን ናብ መፈንጠራ ይደፍኣና ኸም ዘሎ ነስተውዕል። ኣብ ልዕሊ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽውን ብዓመጽ ክንለዓል ይድርኸና ኸም ዘሎ፡ ነለልዮ። ስለ ንእኽሊ ኻብ ክርዳድን እሾኽን ጸጸርን ኣጽሪና ኸም ንምገቦ ነቲ ፍርዳዊ ቓላትና፡ ካብ መዝገበ ቃላት ናይ ልሳንና ለቒምና ነጽርዮ። ንዅሉ ተግባርናውን ካብ ሰራም ፍርዳዊ ተግባራት ነጽፍፎ። ፍርዲ ዘበለ ዅሉ ነቲ ጻድቕን ልኡላውን ኣምላኽ ንግደፈሉ። ፍርዲ ስጋ ኽትፈታተነና ኸላ፡ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ድኹም ሰብ ዘይኰነ፡ ነቲ ኣብ ናይ ክብሪ ዝፋኑ ተቐሚጡ ነታ ብጽድቂ ዚፈርደላ ምድብቲ መዓልቲ ብትዕግስቲ ዚጽበይ ዘሎ እግዚአብሔር ወልድን ንዘክር። እታ ናይ ፍርዲ መስፈርና ባዶን ጽርይትን ከም ዘላ ነረጋግጽ። ከመይሲ ፍርድና ኽንቅበለላምበር፡ ንኻልኦት ፍርዲ ኽንሰፍረላ ኣይተዋህበትናን።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

መጋቢት 17, 2015 ግዕዝ (26 መጋቢት 2023 ፈ  [[መበል 29 ሰንበት: ቊ.፴፯/37, 2023]

ምስባክ

መዝ.39(40)፡ 7-8

“ከመ እንግር ፈቃደከ መከርኩ አምላኪየ። ወሕግከኒ በማእከለ ከርሥየ። ዜኖኩ ጽድቀከ በማኅበር ዓቢይ።”

ዓዲ፡ መዝ.133(134)፡ 1-2

መዝ.፻፴፫(፻፴፬)፣፩-፪

“ናሁ ይባርክዎ ለእግዚአብሔር። ኵሎሙ አግብርተ እግዚአብሔር። እለ ይቀውሙ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር።” 

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 4፡1-9

ዲያቆን

1ጴጥ 2፡11-19

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 16፡9-18

ንፍቅ ካህን

ማቴ 25፡14-30

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦ ዘባስልዮስ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div