S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንብዙሓት ኬስሕቱ’ዮም [መበል 28 ሰንበት: ቊ.፴፮/36, 2023]]

ኢየሱስ ከኣ፡ሓደ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ።ኣነ ክርስቶስእናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹዮም፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱዮም።..... ሽዑ ብዙሓት ኪኽሕዱ (ኪዕንቀፉ) ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪወሃሃቡ፡ ንሓድሕዶምውን ኪጻልኡዮም። ብዙሓት ሓሰውቲ ነብያት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱዮም።” ማቴ 244,5,10,11 .ት።

እዚ ዘለናዮ ሰንበት፡ ሓምሻይ ሰንበት ናይ ንጾሞ ዘለና ዓብዪ ጾምዩ። ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማደብረ ዘይትተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ሓደ ዓመት ክልተ ናይ ደብረ ዘይት ሰናብትን ሰሙናትንየን ዘለዋና። እታ ቐዳመይቲ ኣብ ጾመ ነብያት ዘላ ራብዓይቲ ሰንበት (ታሕ. 4 => ታሕ.6) ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ደብረ ዘይት ድማ እዛ ዘለናያ ናይ ጾመርብዓ ሓምሸይቲ ሰንበትያ። ደብረ ዘይት ካብ ኢየሩሳሌም ብሸነኽ ምብራቕ ዚርከብ፡ ካብ ኢየሩሳሌም ተደኲናትሉ ዘላ ከረን (ጎቦ) ድማ 75 ሜትሮ ዚብርኽ ከረንዩ። እቲደብረ ዘይትዚብል ስሙ፡ ኣእዋም ኣውልዕ ብብዝሒ ዚርከቦ ከረን ካብ ምንባሩ ዝተላዕለዩ። ኦም ኣውልዕ፡ ብዓይነቱ ኣዝዩ ብሉጽ ዝዀነ ዘይቲ ዚጽመቖ ፍረ ዚህብ ገረብዩ። እዚ ኸረን ንጉስ ዳዊት ካብ ኣቤሰሎም ወዱ ሃዲሙ ዝተዓቝበሉ ከረን (2ሳሙ 1530) ኣብ ዘመነ ነብዪ ህዝቅኤልውን ብራእይ ክብሪ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊኡ ዝቘመ ከረን (ህዝ 1123) ጐይታና ካብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝመጻሉ፡ ብመዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስ ምህር ውዒሉ፡ ብለይቲ ኣብ ኸረን ኺጽልይ ይሓድር ነበረ (ሉቃ 2137) ጐይታና ኣብ መዓልቲ ሆሳእና ካብ ደብረ ዘይቲ ተላዒሉ ብኽብሪ ተዓጂቡ ናብ ኢየሩሳሌም ዝኣተወ (ማቴ 211) ናብ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ዘውግሐ ለይቲውን ኣብ ኸረን ኣብ ዚርከብ ጌተሰማነ ብኣይሁድ ዝተታሕዘ (ማቴ 2630-36) ኪዓርግ ከሎውን ካብ ደብረ ዘይቲ ናብ ሰማይ ዓረገ (ሉቃ 2451,52 ግብ 112) ብመሰረት ኣብ ዘካ 144 ተነጊሩ ዘሎ ትንቢት፡ እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብምጽኣቱ ምስ መጸ ኣብ ደብረ ዘይቲ ኸም ዚቐውም ይእመን። እዚ ንመሃሮ ዘለና ናይ ምጽኣት ትምህርቱውን ኣብ ናይ ደብረ ዘይቲ ኸረን ኰይኑ ዝመሃሮዩ።

ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናውን ነዚደብረ ዘይትዝሰመየቶ ሰንበትን ሰሙንን፡ ምስጢር ምጽኣት ንምስትምሃርን ንምስትንታንን ዝሰርዓቶዩ። ብመንጽር ምጽኣት ንህይወቱ ዘየማእዘነ ሰብ፡ ንርእሱ ኸም ክርስትያን ኪቘጽር ኣይግባእንዩ። ስለ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ተስፋ-ምጽኣት ዘይብሉ፡ ብምድራዊ ተስፋ ጥራሕ ዚናበር ሰብ፡ ዜደንግጽ ፍጥረት ምዃኑ ተዛረበ (1ቈረ 1519) ናይ ጐይታና ዅሉ ትምህርትን ተግባራትን ናብ ምጽኣቱ ዝዓለመ ነበረ (ማቴ 241-51 ሉቃ 1325 188 2136) ናይቶም ንእኡ ተኪኦም ዘገልገሉ ቅዱሳን ሃዋርያቱ መልእኽትን ሸቶንውን፡ ምጽኣት ጐይታና ነበረ። ኣብ ኵሉ መልእኽቶም ኣብ መዓልቲ ጐይታ መንቅብ ዘይብልና ምሉኣትን ድሉዋትን ክርስትያን ኴንና ኽንርከብ ብተደጋጋምን ብኣጽንዖትን ተማሕጺኖምና ኣለዉ (1ተሰ 413-18 2ጢሞ 48 እብ 927-28 2ጴጥ 310)

ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናውን፡ ኣብ መሰረት ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ከም ዝተሃንጸት ሰብነት ክርስቶስ መጠን፡ ኣርኣያ ጐይታኣን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ክትስዕብ ስለ ዚግብኣ፡ ምስጢረ-ምጽኣት እንመሃረሉ ሰናብትን ሰሙናትን ሰሪዓትልና ትርከብ። ምስጢረ ምጽኣት ዚበሃል ዘሎ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ማለትዩ። ምኽንያቱ ትንሳኤ ሙታን ኣብ ጊዜ ምጽኣት ጐይታና ዚፍጸም። ቅዱስ ያሬድ ዝደረሶ ናይ ዕለት መዝሙር-ሰንበት፡እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይትዘርእስቱ፡ ኵለንተናዊ ትሕዝቶኡ ኣብ ምጽኣት ጐይታና ዘተኰረዩ። ንእኡ መሰረት ገይሩ ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ብምሉኡውን ምጽኣት-ተኰር ትሕዝቶ ዘለዎዩ። ናይ ዕለት ምስባክውን ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዚባላዕ ሓዊ ዀይኑ ብግህዶ ኸም ዚመጽእ ዜበስርዩ። ሓደ ኼስሕተና ኸም ዘይግብኦዕቁኬ ኢያስሕቱክሙ፡ ወንበሩ ድልዋኒክሙ። ብዙኃን ይመጽኡ በስምየ እንዘ ይብሉ፡ኣነ ውእቱ ክርስቶስ”“ ብምባል፡ ነቲ ቃል ክርስቶስ መሰረት ብምግባር፡ መዝሙር ናይ ዕለት ኣጠንቂቑና ኣሎ። ናይ ዕለት ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ድማ፡ሓደ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑተባሂሉ እናተነግሮም ክነሱ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ከም ዚስሕቱ ዚነግርዩ። እዚ ኣርእስቲ ዕላማኡ ሓበሬታ ንምምጋብ ጥራሕ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ ካብቶም ዚስሕቱ ብዙሓት ዘይኰነስ፡ ካብቶም ዘይስሕቱ ውሑዳትን ጥንቁቓትን ክንከውን ዜተሓሳስብዩ። ድሮውን ገሌና ኣብ ደምበ ጥፍኣት ተጸምቢርና፡እናተባህለልና ተጋጊና ኸይንኸውን ብዕቱብ ርእስና እንምርምረሉ ኽቡር ቅንያትዩ።

ትእምርቲ ምጽኣት ጐይታን ትእምርቲ መወዳእታ ዓለምን እንታይዩ፧ ንምንታይከ ትእምርቲ ኣድለየ፧ ብግእዝትእምርትማለት፡ ብትግርኛምልክትማለትዩ። እዚ ሕቶ እቶም ብጽባቐ ህንጻ ቤት መቕደስ ዝተመሰጡ ገሊላውያን ደቀ መዛሙርቱ ዘልዓልዎ ሕቶዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ንሰማይን ምድርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉ ህይወታውን ዘይህይወታውን፡ ስጋውን መንፈሳውን ፍጥረት ዝፈጠረ እግዚአብሔር ወልድ ምዃኑ ብምልኣት እንተ ዚፈልጡ፡ በዚ ናይ ድኹም ሰብ ምህንድስናዊ ጥበብ ከምኣቶም ኪድነቕ ኣይምተጸበይዎን ነይሮም። ናይ ህንጻ ናይ መጻኢ ጽሕፍቶኡ ዝወሰነን ዚፈልጥን ጐይታ ብምንባሩ ድማ ሓንቲ እምኒ ኣብ ልዕል ኻልእ እምኒ ኽሳዕ ዘይትተርፍ ከም ዚፈርስ ነገሮም። እዚ ኣበሃህላኡ ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ኪሓስቡን ኪሓትቱን ስለ ዝደረኾም ድማ፡ ነዚ ንሕናውን ኣልዒልናዮ ዘለና ሕቶ ሓተትዎ።

ትእምርቲ ዘድለየሉ ምኽንያት፡ ነታ ጊዜ ምጽኣት ዚፈልጣ ሰብ ይኹን መልኣኽ ስለ ዘየልቦዩ። ብዛዕባ ጊዜ ምፍላጥን ምውሳንን፡ ምሉእ ብምሉእ መለኮታዊ ስልጣንዩ። ስለ እግዚአብሔር ፈትዩን ፈቒዱን ገሊጹሉ እንተ ዘይኰይኑ፡ ሰብ ነቲ ብኣምላኽ ዝተመደበ ጊዜ ናይ ምፍላጥ ሃንቀውታን ተርባጽን ኪሓድሮ ኣይግባእንዩ። ነቲ ጊዜ ናይ ምፍላጥ ባህግና፡ ምልክት ናይ ሰይጣን ኣብ ገነት ኤድን ዘስረጸልና ከም ኣምላኽ ናይ ምዃን ስዉር ባህጊዩ። ብዛዕባ ጊዜ ምፍላጥ ንኣና ንፍጡራት ከም ዘይተዋህበ ብግልጺ ተነጊሩና ኼብቅዕ፡መዓስዚብል ሕቶ ብተደጋጋሚ ምሕታትና፡ ናይ ዓለወኛ ባህጊ ግሁድ ምልክትዩ። ሰይጣን ከኣ ነቲ ባዕሉ ዘስረጸልና እኩይ ባህጊ ስለ ዚፈልጦ፡ክርስቶስ ኣብ ዕለት ኪመጽእዚብሉ ሓሰውቲ ነብያት እናተንስአ ኪጻወተልና ይነብር ኣሎ። ጐይታና ግንመዓስ ዚመጽእ፧ኢልና ምእንቲ ኸይንሓትት፡ ነቲ ሓቂ ብንጹር ኣፍሊጡናዩ።

እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹምሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑን ጸልዩን።ማር 1333

ነቲ ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመንን (ጊዜን) ክትፈልጡ ኣይተዋህበኩምን።ግብ 17 .

ብዛዕባ ዘመን ዋላ ሓንቲ ኣመት (hint) ዘይብልና ዄንና ኣብ ጸልማት ክንነብር ግን ኣይደለየን። ስለ እቲ ጊዜ ምጽኣት ከም ዝቐረበ ዚእምቱልና ምልክታት (ትእምርትታት) ኪህበና ፈቐደ። ነቶም መለለዪ ትእምርትታት ድማ ኣብ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብና ማቴ 241-28 ዘርዚሩ ገለጸልና። ስለ እቲ ናይ ብሓቂ ምጽኣት ጐይታኡ ዚናፍቕን ብሃንቀውታ ዚጽበይን ቅኑዕ ክርስትያን፡ ነዞም ምልክታትዚኣቶም ማዕረ ስሙ ኺፈልጦምን፡ ብልዑል ጥንቃቐ ህላወኦም ኬረጋግጽን ይግብኦ። እምበኣር እቲ ትእምርቲ ዘመናት ምፍላጥ ንኣና ንደቂ ሰብ፡ እቲ ልክዕ ጊዜ ምፍላጥ ከኣ ንኣምላኽ ጥራሕ ዝተሓዝአ ምዃኑ ኺስትውዓል ይግባእ። ነቲ ኺእምተልና ዝተዋህበና ምልክታት ንምልላይ ዘይተገደስናስ፡ ነታ ጊዜ ምጽኣቱ ብልክዕ ናይ ምፍላጥ ግዳሰ እንተ ኣሕዲርና፡ ሽዑ ባህግን ናፍቖትን ናይ ምጽኣቱ ዘይኰነስ፡ እቲ ኸም ኣምላኽ ናይ ምዃን ርኹስ ባህጊ ይቐልወና ኸም ዘሎ ትንተና ዘየድልዮ ውዱእ ሓቂዩ።

ብዛዕባ ናይ ትእምርቲ ኣገዳስነት ንምግላጽ፡ ጐይታናምስላ ኦም በለስኪጥቀም መሪጹ።

ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ (fig tree- ፊኪ) ተምሃሩ። ጨናፍራ ምስ ለምለመ፡ ቈጽላውን ምስ ጠጥዐ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም፡ ነዚ ዅሉ (ትእምርትታት) ምስ ረኣኹም፡ (እቲ ናይ ምጽኣት ጊዜ) ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ።ማቴ 2432,33

ናይ ማእከላይ ምብራቕ ኦም በለስ፡ ካብ ናይ ዓድና በለስ ዝተፈልየዩ። ግናኸ ክልቲኡ ዓይነት በለስ ገና ዝናም ኸይረኸበ ኸሎ፡ ኪጥጥዕን ኪልምልምን ዚጅምር። ካልእ ኣእዋም ግን ዚኣክል ዝናም ምስ ረኸበ ጥራሕ ዚጥጥዕ። ስለ እቲ ንኽረምቲ ብሃንቀውታ ዚጽበይ ሓረስታይ ተስፋ ኼሕድርን ምድላዋት ኪገብርን ምስ ዚደልይ፡ ነቲ ምልክት ኣበይ ከም ዚረኽቦ ኪፈልጥ የድልዮ። እቲ ሓቀኛ ክርስትያን ድማ እቶም ምጽኣት ጐይታና ዜረጋግጹ ምልክታት ኣየኖት ምዃኖም ብንጹር ኪፈልጥ መንፈሳዊ ሓላፍነቱዩ። ኣብ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ኵላቶምቶም ትእምርትታት ተዘርዚሮም ኣለዉ (ማቴ 244-14,23-26)

እዞም ዝተዘርዘሩ ምልክታትዚኣቶም ግን ኣብ ምጽኣት ጐይታ ዘይቀረበሉ ሕሉፍ ዘመናትከ ኣይነበሩን ድዮም፧ እንተ ነይሮምከ፡ ናይ ሕጂ ፍሉይነቶም ደኣ እንታይዩ፧ እዞም ዝተዘርዘሩ ትእምርትታት ብርግጽ ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ዝነበሩዮም።ኣነ ክርስቶስዚብሉ ሓሰውቲ መሲሓን፡ ክርስቶስ ብዕርገት ካብ ዝተፋነወሉ ዘመን ጀሚሮም በብእዋኑ ይለዓሉ ነይሮምዮም። ኣብ ማዕከናት ዜና ዘስፋሕፍሓሉ ዘመንኳ፡ ታሪኽ ዝሰነዶም ሓሰውቲ መሲሓን ማእለያ የብሎምን። ሓሰውቲ ነብያት ድማ ናይ ትንቢት ጸጋ ኻብ ዝተገልጸሉ ካብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ጀሚሮም ክሳዕ ሕጂ ዓብላሊ ቝጽሪ ሒዞም ይነብሩ ኣለው። ነብዪ ኤልያስ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን ጥራሕ 450 ናይ ጣኦት-በዓል፡ 400 ድማ ናይ ጣኦት ኣስታርተ ሓሰውቲ ነብያት ከም ዝነበሩ ተነጊሩና ኣሎ (1ነገ 1820) ውግእን ወረ ውግእን ጥምየትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ብዙሓት ካልኦት ንህዝብታት ዜጥፍኡ ዓይነታት መዓት ድማ ኣለዉ። ጐይታ ድማ ነዚ ሓቂ ሓለፋና ዚፈልጦን፡ ብመለኮታዊ ስልጣኑ ዚምድቦን ዚፍጽሞን ባዕሉዩ። ነዚ ጥንታዊ ፍጻመታት ኸም ትእምርቲ ምጽኣቱ ገይሩ ኻብ ተጠቕመሉ፡ እዚ ዅነታት ዚኽሰተሉ ስፍሓት፡ ክብደት፡ ጻዕቂ፡ ምድርራባት ኣዝዩ ፍሉይን ዘየጠራጠርን ከም ዚኸውን ርዱእን ውሁብን ሓቂዩ። ህዝቢ ዜጥፍእ፡ ሃገር ዜብርስ ከቢድ ምንቅጥቃጣት ምድሪ ኣብ ዓመት ክልተ ሰለስተ ፍጻመታት የጋጥም እንተ ነይሩ፡ ሕጂ ግና ኣብ ዓመት 20 ወይ 30 እንተ ተኸሲቱ፡ እሞ ድማ እምብዛ በርቲዑ ብዙሕ ጥፍኣት ሰብን ዕንወት ሃገራትን እንተ ኣስዒቡ፡ ቅድሚ ሕጂ ናይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ታሪኽ ኣብ ዘይነበረን ሃገራት ከይተረፈ ብዜስካሕክሕ መጠን እንተ ተራእዩ፡እዝስ ካብ ቀደም ዝነበረዩ፡ ሓድሽ ነገር ኣይኰነንኬብለና ይኽእልዶ፧ ከም ናይ ኮሮና ዓይነት ንምልእቲ ዓለም ዜናውጽ ፌራ (Pandemic) ካብ ዘይክሰት ክንደይ መዋእል ኰይኑሎ፧ ሕጂ ግና ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዓለምለኻዊ ለበዳ፡ ወይውን ብዓሰርተታት ዚቝጸር ከባብያዊ ለበዳታት (Epidemics) ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ዓመት እንተ ዚኽሰት፡ ፍሉይ ትእምርቲ ኪዀነና ኣይግባእንዶ፧ ነቲ ንምድሓን ዝለበመ ሰብ ብርግጽ ንጹር መልእኽቲዩ። ነቲ ሕልናኡ ዝዓመተ መንፈሱ ዘደንዘዘ ሰብ ግን ዋላ ሓንቲ ኸይመሰሎ ኺሓልፍ ይኽእልዩ። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ከኣ መብዛሕትኡ ሰብ ከም ትእምርቲ ኸየለለዮን ከይተቐበሎን ኪሓልፍ ምዃኑ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ ድሮ ኣረጋጊጹልና ምህላውዩ። ኣብ ራእይ ዮሃንስ ኣብ ምዕራፍ ሽዱሽተን ምዕራፍ ሸሞንተን ተጻሒፉ ዘሎ ሓቂ ምስ እነንብቦ፡ እዚ ንቡርን ዝውቱርን ዚመስለና ዘሎ ሓደገኛ ፍጻመታት፡ ሲሶ (1/3) ናይ ህዝቢ ዓለም ክሳዕ ዜጽንት ከመይ ከቢድ ከም ዚኸውን ስእላዊ መግለጽን መረጋገጽን ዚህበናዩ።

ካብ ጐይታና ዝዘርዘሮ ምልክታት ምጽኣት፡ እቲ ዝኸፍአን ልዑል ጥንቃቐ ኽንገብረሉ ዚግብኣናን ኣየናይዩ፧ ናይ ዕለት መሪሕ ጥቕስናን ኣርእስትናን ነዚ ሕቶና ድሮ ብንጹር መሊስዎ ኣሎ። ንፍጡር ዘርኢ ኣዳም ኬጋጥም ዚኽእል ዝኸፍአ መዓት፡ ናይ እምነት ስሕተትዩ። ብኸመይ ኸምኡ ዚኸውን፧ ካልእ ኵሉ ዓይነት መዓት፡ ናይ ስጋ ሞት ወይ ኣካላዊ ሞት ጥራሕ ዜስዕብ። ውግእ፡ ፌራ፡ ጥምየት፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንስጋና ጥራሕ ዚቐትል። ንጻድቃንን ንሓጥኣንንውን ብማዕረ ኪቐትል ዚኽእልዩ። እቲ ሞት ግን ንኽልቲኦም ብማዕረ ደኣ ይብጽሓዮምምበር፡ ሓደ ዓይነት ውጽኢት ግን ኣይህልዎንዩ። እቲ ኣካላዊ ሞት ነቲ ጻድቕ ሰብ ካብ እክይቲ ዓለም ዚገላገለሉ ናይ ምሕረት ሞትዩ። ነቲ ሓጥእ ግና ናብ ዝኸፍአ ስቓይ ዜሰጋግሮ፡ ነቲ ዝተዋህቦ ናይ ዘመነ ንስሓ ዕድል ንሓዋሩ ዜስእኖዩ።

ብሰሪ ስሕተት ዚመጽእ ሞት ግን መንፈሳዊ ሞትዩ። ናይ እምነት ስሕተት፡ ብቐጥታ ኣብ ልዑል ኣምላኽ ዚፍጸም ከቢድ ሓጢኣትዩ። እቲ ብግጉይ ትምህርቲ፡ ትንቢት ወይ ተኣምራት ዜስሕት ሰብን፡ እቲ ነቲ ስሕተት ከይመርመረ ባህ ኢልዎ ዚውሕጦ ሰብን፡ ኣበሳኦም ሓደዩ። ኵላቶም ባሮትን ኣገልገልትን ናይ ኣቦ ስሕተትን ሓሶትን ዲያብሎስዮም። ኣብ ዘመንና፡ክርስቶስ ኣብ መስቀል ሰይጢኑዚብል ዜስካሕክሕ ኣብ ገሃነም ብሰይጣን ዝተደርሰ ስሑት ወንጌል ይስበኽ ኣሎ። እቶም እዚ ስሕተት ተሰማሚዕዎምን ቀድይዎምን ከም ዘለዎ ተቐቢሎም ንበሃልቱ ድሙቕ ጣቕዒት እናለገሱ፡ ብገንዘቦም ነቲ ዓመጻኦም ዚድግፉን ዜጽንዑን ዘለው ሰዓብቲ፡ በየናይ ተኣምር ካብቶም በሃልቱ ዝተፈልዩ ኪዀኑ ይኽእሉ፧

ጐይታና እቲ ዝኸፍአ መዓት ስሕተት ምዃኑ ኼፍልጠና ስለ ዝደለየ፡ ንሕቶ ደቀ መዛሙርቱ ኪምልስ ከሎ፡ሓደ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑብምባል ጀመረ። ብእኡ ጥራሕ ግን ኣየብቅዐን። ንኻልኦት ትእምርትታት ሓንሳእ ጥራሕ ኪጠቕሰን ከሎ፡ ነዛ ንስሕተት እትምልከት ግን ኣብ ጥቕስታት 4,5,11,23-26 ዘርዚሩን ደጋጊሙን ጠቒስዋን ገሊጽዋን ኣሎ። በዛ ስሕተትዚኣ ንዚወርደና ጥፍኣት ዝዀነ ምሕረት ከም ዘይህልው፡ ከነቕርቦን ቅቡል ኪኸውን ዚኽእልን ዝዀነ ዓይነት ምኽንያት ከም ዘየለ ንኼረጋግጸልና ድማ፡እንሆ ኣቐዲመ ነገርኩኹምብምባል ኣብ ጥቕሲ 25 ኣረጋገጸልና። እቲ ዅሉ ዚፈልጥ፡ ኣብ መወዳእታውን ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ዚፈርድ ጐይታ፡ ንኽብደት ናይ ስሕተት ብኸም ዝበለ ኣጽንዖት እንተ ኣጠንቂቑና፡ ብዛዕባ መዓት ሸለል ክንብል ኣይንኽእልን፡ ኣይግባእን ከኣዩ። ነዚ ናይ ጐይታ ናይ ስሕተት መግለጺታትብሓጺር ዓረፍተ ነገር ጸሚቝካ ኣቕርብዚብል ትእዛዝ እንተ ዚወሃበና፡ስሕተት፡ እቲ ዚኸፍአ ትእምርትን መዓትንካብ ዚብል ቃል ወጻኢ ዝዀነ ካልእ ቃል ከም ዘይምጥኖ ርዱእ ሓቂዩ።ስሕተት፡ መዓት የምጽእጥራሕስሕተት ንርእሱ ዝዓበየ መዓትኽንብልን፡ ነቲ ሓቂ ብኸምኡ ኽንርእዮን ዚግባእ። ብናይ ራእይ ዮሃንስ ኣገላልጻ መሰረት ብስሕተት ምእማን ማለትማሕተም ናይ ኣራዊትን ሓሳዊ ነብይን ናይ ዝለኣኾምዓብዪ ገበልዝተሰምየ ድያብሎስን ምቕባልማለትዩ። ተቐበልቲ ስሕተት፡ ንኣምላኽ ገዲፎም ናብ ሰይጣን ዚሰግዱዮም።

ክብደት ናይ ስሕተት ዜርእየና ኣገላልጻ ናይ ጐይታ ድማ፡ እቶም ዚስሕቱ ብዙሓት ምዃኖም ምግላጹዩ። ዋላ ብኣሃዝ ደኣ ኣይግለጾምበር፡ ጐይታና ነቲብዙሕ፡ ሒደትዚብል መግለጺ የዘውትሮዩ።ጽውዓት ብዙሓት፡ ሕሩያት ግና ሒደትዮም፡ .......ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት፡ (ብዙሓት) ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ኪዀኑዮምዚብል ቃል ደጋጊሙ ይብሎ ነበረ (ማቴ 2016 1930) በቲ ኣብ ማቴ 1318-23 ገሊጽዎ ዘሎ መሰረት፡ እቶም ናብ ፍረን ሕርየትን ዚበጽሑ ውሑዳት፡ ኣስታት ሓደ ርብዒ ጥራሕ ከም ዚዀኑ ኣሚቱልና ኣሎ። ኣብ ሕክምናዊ ሳይንስ፡ ክብደት ናይ ሓደ ለበዳዊ ሕማም፡ በቲ ዜስዕቦ መጠነ-ሞት (Death rate) ዚልካዕ። ተስዓ ሚእታዊት (90%) መጠነ ሞት ዘለዎን ዓሰርተ ሚእታዊት (10%) መጠነ ሞት ዘለዎ ሕማምን ብሓደ ዓይኒ ክትርእዮ ኣይሕሰብንዩ። ኣብ 10% መጠነ ሞት ዘለዎ ለበዳዊ ሕማም፡ካብቶም 90% ብህይወት ናይ ምትራፍ ዕድል ዘለዎም ሰባት ናይ ምዃን ዝለዓለ ዕድል ኣለኒ፡ኢልካ ተስፋ ኽትገብር ይከኣልዩ። እቲ መጠነ ሞት 90% እንተ ዀይኑ ግን ንተስፋኻ ዜጸልምትዩ። ጐይታናንብዙሓት ኬስሕቱዮምእንተ ኢሉና ድማ ነቲ ዚወርድ ስሕተት ኣዚና ኽንፈርሆን ክንጥንቀቐሉን፡ ካብቶም ዚድሕኑ ሒደት ሰባት ንምዃን ድማ ኣዚና ኽንጋደል ከም ዚግብኣና ርዱእዩ። ናይ ጐይታ ዕላማ ድማ ንሱዩ።ብዙሓት ኪስሕቱዮምማለትእቲ ዚጽበየኩም ዘሎን ድሮ ወሪዱኩም ዘሎን ለበዳ ስሕተት ኣዝዩ ኸቢድማለትዩ። ዝተተምየነ ገንዘብ ንብዙሕ ሰብ ከም ዜጋግዮን ከም ዜዕንዎን፡ ብሰይጣንን ብኣገልገልቱን ዝተተምየነ ናይ ስሕተት ወንጌል ድማ ከቢድን ዘለኣለማውን ዕንወት ዜውርድ።

እዚ ናይ ጐይታና ስምዕታዊ መልእኽቲ ኣብ ዘመንና እንታይ ጽልዋ ገበረ፧ እንታይከ ኣፍረየ፧ ነዚ ሕቶ ዘሎና መልሲ፡ ብደረጃ ቤተ ክርስትያን ኰነ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኣዝዩ ዜሰክፍን ዜሕዝንን ምዃኑ ኣሉ ኺበሃለሉ ዘይከኣል ሓቂዩ። ብሰንኪ ዘመን-ኣምጽኦ መራኸቢ ብዙሓን ስሕተት ከም ባርዕ ሓዊ (ሰደድ እሳት) ንዓለምና ኣዕለቕሊቕዎ፡ ድሮውን ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ በዚ ለበዳ ስሕተት ተዋሒጡን ጠፊኡን ከም ዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢርዩ። እቲ ስሕተት እምብዛ እናሰፍሐን እናኸፍአን ስቕታ ቤተ ክርስትያንን ኣገልገልትን ድማ ብዜስደምም መጠን እናበኣሰ ይኸይድ ከም ዘሎ ግሁድ ኰይኑሎ። ኵላትና ኣብ ነፍሲ ወከፍነገልግለሉንንግልገለሉን ዘለና ቤተ ክርስትያን ክንደይ ሳዕካብ ስሕተት ተጠንቀቑዚብል ስብከት ከም ዝተዋህበ እንተ ንግምግም፡ ብስቕታና ነቲ ናይ ስሕተት ለበዳ ንተሓባበሮ ኸም ዘለና ምተሰቈረና ነይሩ። እቲ ዜስፋሕፍሕ ዘሎ ዓይነታት ናይ ስሕተት ኣዝዩ ኻብ ምብዛሑን ካብ ምኽፋኡን ዝተላዕለ፡ ነየናይ ኣቐዲምካ ነየናይ ከም እተጽንሕ ኪሕርብተካ ዚከኣልዩ። እንተ ወሓደ ግን ነቲ ኻብ ኵሉ ዓይነት ስሕተት ዜድሕን ሓቀኛ ትምህርቲ ብዕምቈትን ብስፍሓትን ብምስትምሃር፡ ንብዙሓት ናብ ስሕተት ካብ ምእታው ከተድሕን፡ ናብ ስሕተት ካብ ዝኣተዉ ብዙሓትውን ከተድሕን ከምትኽእል ፍጹም ዘየጠራጥርዩ።

እቶም ምእመናን እንተ ዀንናውን ብዙሕን ከቢድን ስሕተት ኣብ ልዕሌና ኣንጠጥዩ ኣብ ዙርያና ኸቢቡ እናረኣና፡ ካብ መዓት ንምድሓን ናይ ውልቅና ጻዕሪ ዘይንገብር፡ ንቤተ ክርስትያንናን ንኣገልገልትናን ናይርድኡና (ምሃሩና)” ጻውዒት ዘይነስምዕ እንተ ዄንና፡ ነቲ ቓል ጐይታ እቲ  ዚግብኦ ግምት ከም ዘይሃብናዮ፡ ድራር ናይ ኺውሕጠና ዚህንደድ ኣራዊት ክንከውን ፈቲና ኸም ዝተቐበልናዮ ዜረጋግጽዩ። ለበዳ ሕማም ምስ ተኸስተ ዘርኣናዮ ስግኣትን ጥንቃቐን፡ ለበዳ ስሕተት ምስ ተኸስተ ሓለፋኡ ብዝተዓጻጸፈ እንተ ዘይደገምናዮ፡ መንፈሳዊ ሚዛንና ጥዕና ኸም ዝጐደሎ፡ ንምድሪምበር ንሰማይ ከም ዘይንበቅዕ ብግብሪ ነረጋግጽ ምህላውና ኸነስተውዕል ይግባእ።

ስለ ብደረጃ ቤተ ክርስትያን ኰነ ብደረጃ ውልቀ-ነፍሲ ነቲ ናይ ጐይታ ቓል ልዑል ኣቓልቦ ብምሃብ፡ ካብቶም ማእለያ ዘይብሎም መስሓትቲ ሓደ ኸየስሕተና፡ ካብ ማእለያ ዘይብሉ መጓሰ ህዝብና ድማ ሓደ ኸይስሕተና፡ ልዑል ጥንቃቐ ኽንገብር፡ ዘለናዮ ኽፉእ ዘመንን ሃለዋትን ይጠልበና ኣሎ። ቃል እግዚአብሔር፡እቲ እተዋህበካ መጓሰ፡ እቲ ጽቡቕ መጓሰ፡ ኣበይ ኣሎ፧ኢሉ ይሓትተና፡እቲ ነባጊዑ ዚፍንው ዘይጠቅም ጓሳውን ወይለኡ!! ኢሉ የጠንቅቐና ኣሎ (ኤር 1320 ዘካ 1117) እምበኣር እቶም ጓሶትን እቶም ኣባጊዕ ጐይታን ተሓባቢርና፡ ነቶም እኩያት ተዃሉ ጾሞም ዜሕድሩ፡ ንቓል ጐይታኦም ዜኽብሩ፡ ንልቢ ጐይታኦም ዜስምሩ፡ ናይ ዝጸልመተ ዘመን ከዋኽብቲ ንኹን!!

 ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

መጋቢት 10, 2015 ግዕዝ (19 መጋቢት 2023   [መበል 28 ሰንበት.፴፮/36, 2023]]

ምስባክ

መዝ.49(50): 3

“እግዚአብሔርሰ ገሀደ ይመጽእ። ወአምላክነሂ ኢያረምም። እሳት ይነድድ ቅድሜሁ።”

“ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፡ ህቦብላ ንፋስ’ውን ይኸብቦ።”

ንባብ

ኣንባቢ

1ተሰ 4፡13-ፍጻመ

ዲያቆን

2ጴጥ 3፡7-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 24፡10-21

ንፍቅ ካህን

ማቴ 24፡1-28

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ዘአትናቴዎስ ወይ ያዕቆብ ዘሥሩግ

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div