S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዝሓመመ እንተ’ሎ ይጸውዕ [መበል 27 ሰንበት: ቊ.፴፭/35, 2023]

 ኣብ ማእከልኩም ዝጸበቦ፡ እንተሎ፡ ይጸልይ። ሕጒስ እንተ ድማ ይዘምር። ኣብ ማእከልኩም ዝሓመመ እንተ ንመራሕቲ ቤተ ክርስትያን ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም ጐይታ ብዘይቲ እናቐብኡ ይጸልዩሉ። እታ ብእምነት ዝተገብረት ጸሎት ድማ፡ ነቲ ሕሙም ከተሕውዮያ። ጐይታውን (ካብ ዓራቱ) ኬተንስኦዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉዩ።ያእ 513-15 .

እዚ ዘለናዮ መዓልቲ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዓብይ ጾምዩ። ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማመፃጕዕ (መጻጒዕ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብቛንቋ ትግርኛመጻጉዕማለት ናይ ምንቅስቓስ ክእለቱን ናይ ስምዒት ህዋሳቱን ዘጥፍአ ኣካላቱ ዝለመሰ ሰብ፡ ምልቡስ፡ ድኑስ ማለትዩ። ኣብ ዓመት ክልተ ናይ መጻጕዕ ጊዜ ኣሎና። እቲ ቐዳማይ፡ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ጾም ነብያት (ሕዳር 27 => ታሕ. 3) እዚ ዘለናዮ ሰንበትን እዚ ዚስዕብ ሰሙንን ብዛዕባ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፈዋስነት እነስተንትነሉ፡ ንኣምላኽ እነመስግነሉ ብዛዕባ ዜጋጥሙና ናይ ጥዕና ጸገማት ድማ እምነትና እነዕብየሉን፡ በቲ ጐይታና ኣብ ልዕሊ ሕማምን ሞትን ኣጋንንትን ዘለዎ መለኮታዊ ስልጣን ትውክልትና እነዕዝዘሉ ጊዜዩ። እዚ ሰንበትመጻጒዕስለ ዝተሰምየ፡ ብዛዕባ ምጽጓዐ ጥራሕ ኢና ንሓስብ ማለት ኣይኰነን። እቲ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ብዛዕባ ጐይታ ዝፈወሶ ሓደ መጻጕዕ ስለ ዚትርኽ፡ እቲ ዕለትውን ብእኡ ተሰምዩምበር፡ ንዅሉ ሕማማት ስጋን ነፍስን ዚምልከት መዓልቲዩ። ብዓብዩ ብዛዕባ ብጐይታና ዝተፈጸመ ናይ ሕውየት ተኣምራት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ዅሎም ብስሙ ዝተላእኩ ቅዱሳን ሃዋርያትን ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያንን ብናቱ ፍቓድን ስልጣንን ዝፈጸምዎ ናይ ፈውሲ ተኣምራትውን ዜጠቓልልዩ። ምኽንያቱ ንሱ በይኑ ገባሪኡ። እቲ ሎሚ ብምስጢረ ቀንዲል ኣብ ቤተ ክርስትያንና ዚፍጸም ናይ ፈውሲ ተኣምራትውን ኣብኡ ዚጠቓለልዩ። ፈዋስነት፡ ናይ በይኑ ናይ እግዚአብሔር ባህርይ ጥራሕዩ። መልኣኽ ይኹን ሰብ፡ ብዘይ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ፡ ከምኡውን ብዘይ ናይ ኣምላኽ ሓይልን ስልጣንን ንዝዀነ ይኹን ሰብ ናይ ፍወሳ ተኣምራት ኪገብር ኣይክእልንዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዚመጻጕዕዝተሰምየ ሰንበትን ሰሙንን ኣብ ዘመነ ጾም ዝሰርዓትሉ ምኽንያት ከኣ ብዛዕባ ሓቂ ነቕ ዘይብል ጽኑዕ ርድኢት ምእንቲ ኺህልወናምበር፡ ብዛዕባ ኣብ ሓደ መጻጕዕ ዝተፈጸመ ናይ ፍወሳ ተኣምራት ኣንቢብናን ሰሚዕናን ንኽንሓልፍ ጥራሕ ኣይኰነን።

ጐይታና ኣብ ዘመን ምድራዊ ኣገልግሎቱ ማእለያ ዘይብሉ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ናይ ስጋ ዀነ ናይ መንፈስ ሕማማት ብሓይሊ ስልጣኑ ፈዊሱዩ። ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ተጠቒሱ ዘሎ ኣዝዩ ውሑድዩ። ነዚ ሓቂ ንምግላጽ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ከም ዚስዕብ ኢሉ ጽሒፉልና ኣሎ።

ኢየሱስ ድማ ኣብ መጽሓፍ ዘይተጻሕፈ ኻልእ ብዙሕ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ። ግናኸ ኢየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ኣሚንኩምውን ብስሙ ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ እዚ እተጻሕፈ፡ .......ኢየሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ ኣሎ። ኵሉ በብሓደ ተጻሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ፡ ኵላ ዓለምዚኣ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ።” ዮሃ 2030,31 2125

ጐይታና ኽንዲ ዚኣክል ናይ ፍወሳ ተኣምራት ምፍጻሙ፡ ምፍዋስ ሕማማት ሓደ ኻብ ቀንዲ ተልእኾታቱ ኸም ዝነበረ ዜመልክተናዩ። ቅዱሳን ነብያት፡ እቲ ዚግለጽ ክርስቶስ ንሕማምና ኣብ ገዛእ ስጋኡ ብምጻርን፡ ንሕማምና ብሓይሊ ስልጣኑ ብምፍዋስን ከም ዜገልግል፡ ቅድሚ ብዙሕ ኣማኢት ዓመታት ብትንቢቶም ብልክዕነት ተዛሪቦምዮም። ከም ዝበልዎ ድማ፡ ምፍዋስ ሕሙማት ናይ ክርስቶስነቱ መረጋገጺ መርትዖ ዀይኑ ኣገልገለ።

ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን ከም ኻብ ንቑጽ ምድሪ ዚወጽእ ሱርን ጨብጨበ፡ መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን። ምስ ረኣናዮ ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን። ንዑቕን ብሰብ ድርቡይንዩ፡ ብዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ ከም ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዜጐልብቡሉ ሰብ እተዋረደዩ። ንሕናውን ገለ ኣየቋጸርናዮን። ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዐን፡ ብእግዚአብሔር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ፡ ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓወና።ኢሳ 532-5 (ማቴ 816,17)

ሽዑ ኣዒንቲ ዕውራት ኪኽፈታ፡ ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር (ኪዘልል) ልሳን ናይ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል . . .” ኢሳ 355,6

እዚ ትንቢታት ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብትኽክል ተፈጺሙዩ። እቲ ነዚ ዝተዓዘበ ህዝቢ ኣይሁድ ብዛዕባ ሓቂዚ፡ ክርስቶስ ምስ ዚመጽእከ፡ ካብ ንሱ ዝገበሮ ትእምርቲ ዚበዝሕዶ ኺገብር ኢሉ፧

ዮሃንስ (መጥምቕ) ሓንቲ ተኣምራት ኣይገበረን፡ እቲ ዮሃንስ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ዘበለ ዅሉ ግን ሓቂ ዀነ።

ንብዕውሩ ዝተወልደ ሰብ ሓደ ኣዒንቱ ከም ዝኸፈተሉ፡ ካብ ጥንቲ ከቶ ኣይተሰምዐን፡ እዚ (ኢየሱስ) ካብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ፡ ገለ ኺገብር ኣይምተኻእሎን ነይሩ።” ይብሉ ነበሩ (ዮሃ 7311041 932,33) ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ ወረ ግብሪ ክርስቶስ ሰሚዑ፡እቲ ዚመጽእስ ንስኻ ዲኻ፧ ወይስ ካልእ ክንጽበይ ኢና፧ኢሉ ምስ ለኣኸሉ፡ ክርስቶስነቱ ንምርግጋጽ ኣብ ቅድሚኦም ብዙሕ ናይ ፍወሳ ተኣምራት ድሕሪ ምግባር፦ ኬድኩም ነዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘለኹም ንዮሃንስ ንገርዎ። ዕውራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምውታት ይትንስኡ፡ ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ ኣሎ፡. . . " ብምባል ፈዋስነቱ ናይ መንነቱ መርኣያ ምዃኑ ኣመልከተ (ማቴ 112-6) እዚ ኣገልግሎቱ ኽሳዕ ዳግማይ ምጽኣቱ ኪቕጽል ዚግብኦ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ነታ ባዕሉ ብትምህርቱን ብመስዋእቱን ዘቘማ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን፡ ነቲ ተልእኾን ጸጋን ናይ ፈዋስነት ብዘይ ስፍሪ ብምልኣት ሃባ። ነቶም ናይ ቤተ ክርስትያን በዅራት ዝዀኑ ቅዱሳን ሃዋርያቱ ድማ ገና ኣብ ምድሪ ምስኣቶም ከሎ ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ-ሕማም ስልጣን ሃቦም።

ኢየሱስ ነዞም 12 (ሃዋርያት) ለኣኾም፡ ከም ኢሉውን ኣዘዞም። “. . . ኬድኩም ድማ፡መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላኢልኩም ስበኹ። ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምውታት ኣተንስኡ፡ ለምጻማት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ፡ . . . " ማቴ 105-8

በሎም ድማናብ ኵላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ ......ነቶም ዚኣምኑውን እዚ ተኣምራት ኺስዕቦምዩ፡ ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ፡ ብሓድሽ (ቋንቋ) ከኣ ኪዛረቡ፡ . . . ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ኬንብሩ፡ ንሳቶምውን ኪሓውዩ እዮም።ማር 1615-18

ንቕዱሳን ሃዋርያት ጥራሕ ዝተዋህበ ጸጋ ከይመስለና ኸኣ፡ ዋላ ነቶም 70 ኣርድእቱውን፡ ነዚ ናይ ፈዋስነት ጸጋ ዓዲልዎም (ሉቃ 109) ቅዱሳን ዲያቆናት እስቲፋኖስን ፊሊጶስንውን ብብዝሑ ዀነ ብዓይነቱ መስተንክር ዝዀነ ተኣምራት ይፍጽሙ ነበሩ (ግብ 68 86,7,13) እዚ ፈዋስነት ክሳዕ ምጽኣት ዓለም ዚቕጽል ጸጋምበር፡ ናይ ክርስትና መላለዪ ኪኸውን ዝተዋህበ ጊዝያዊ ጸጋ ኣይኰነን። ክርስቶስ ርእሲ-መኣዝኑ ኣብ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን ዝተሃንጸት ቤተ ክርስትያን፡ ብዘይ ናይ ፈውሲ ጸጋ ኸተገልግል ኣይግባእንዩ። ጐይታናን ሃዋርያቱን እንተ ፈጺሞምዎ፡ እታ ብስሙ እተሰምየት ቤተ ክርስትያንውን ክትፍጽሞ ግቡኣዩ። እቶም ጥንታውያን ኣቦታት ቤተ ክርስትያን ነዚመጻጕዕዝተሰምየ ሰናብትን ሰሙናትን ዝሰርዑልና፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ሓቂ ብምልኣት ንኽንግንዘቦዩ። ኣገዳስነቱ ጽቡቕ ገይራ ስለ ዝፈለጠቶ ድማ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንምስጢረ ቀንዲልሓደ ካብቶም ሾብዓተ መሰረታውያን ምስጢራት ቤተ ክርስትያን ኪኸውን ሰርዓትልና።

ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናኸ፡ ኣገልገልታ ዀነ ህዝባ፡ ብዛዕባ ናይ ፈዋስነት ጸጋ ኣብ ምንታይ ኵነታት ትርከብ፧ እዚ ሕቶ ገና ኸይተሓትተ ኸሎ ዝተመለሰዩ። ናይ ፍወሳ ኣገልግሎት ብዚምልከት ኣብ ዜሰክፍን ዜሕፍርን ኵነታት ከም ዘለና፡ ኣሉ ኺበሃል ዘይክእል ሓቂዩ። ነዚ ጸጋ ብዚምልከትጐይታና ኸም ቤተ ክርስትያንን ከም ክርስትያን ህዝብን ምፈለጠናዶ፧ዚብል ናይ ስክፍታ ሕቶውን ዜለዓዕልዩ። ካብተን መለለዪ ናይ ቤተ ክርስትያን ዝዀና ሾብዓተ ምስጢራት፡ ነታኣገልግሎት ምፍዋስ ሕሙማትዝተልእኾኣ ምስጢረ ቀንዲል፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ሓበሻ ተዋህዶና ዘይትፍጸም ዘላ ምስጢር እያ። ትምህርተ-መለኮት ኣብ ዝቐሰሙ ውሑዳት ውሉደ ክህነትምበር፡ ኣብ ዚበዝሕ ኣባል ውሉደ ክህነት ቤተ ክርስትያንና ከምኡ ዝበለ ምስጢር ከም ዘለዋውን ኣይፍለጥንዩ። ኣብ ምእመናኑ ንዘጋጠመ ናይ ጥዕና ጸገማት ከኣ፡ ናይ ጸብሪ ጸበልን ማይ ድጋምን ብምዕዳል እንተ ዘይኰይኑ፡ በቲ ቃለ እግዚአብሔርን ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንን ዝሰርዕዎን ዝኣዘዝዎን ምስጢረ ቀንዲል ኣይጋደሎንዩ። ነቲ ጸበልን ማይ ድጋምንውን ብስም ምስጢረ ቀንዲል ዝሰርዐን ስልጣን መንፈስ ቅዱስ ዝዓደለን እግዚአብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብስም ካልኦት ዚገብሮ። በዝን ዝኸምዝን ድማ ካብ ሃዋርያዊ መሰረተ እምነትና እናተፈንተትናን ኣዚና እናረሓቕናን ንኸይድ ኣለና። እቲ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያንናመጻጕዕኢላ ዝሰርዓቶ ሰናብትን ሰሙናትን ኣብ ሃዋርያዊ መሰረትና ኽንጸንዕ ዜኽእለና ትምህርቲ እንቐስመሉ፡ እምነትናውን እነዕብየሉ ኪኸውን ዝተሰርዐ። እንተ ዀነ ይትረፍ ምእመናን ውሉደ ክህነትውን ካብ ፍልጠትን ጸጋን ርሒቕና ንርከብ ኣለና። ናይ መሪሕ ጥቕስን ኣርእስትን ዕላማ ድማ፡ ናብ ሃዋርያዊ ሓዲድ ኺመልሰና ዝተሰርዐዩ።

ኣብ ትግባረ ምስጢረ ቀንዲል፡ ግደ ማሕበረ ምእመናን እንታይዩ፧ ግዴና ኸይንፍጽም ዚዕንቅፈና ዘሎኸ እንታይዩ፧ ቅድም ብዛዕባቶም ፈጸምቲ ምስጢራት ዝዀኑ ውሉደ ክህነት ምዝራብ ገዲፍና፡ ብማሕበረ-ምእመናን ክንጅምር ዚድርኸና ዘሎ፡ እቲ ሃዋርያዊ መሪሕ ጥቕስናዩ። ንመስርሕ ትግባረ ምስጢረ ቀንዲል ዜበግሶ፡ እቲ ዝሓመመ ምእመንዩ። ምኽንያቱ እዚ ሃዋርያዊ መምርሒ፡ ዝሓመመ ሰብ እንተልዩ ንመራሕቲ ወይ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ጸዊዑ፡ ናይ ፈውሲ ኣገልግሎት ኪግበረሉ ኺሓትት ተመኺሩ ዘይኰነስ ተኣዚዙ ኣሎ። ጐይታናውን እቶም ሕሙማት ነቲ ሓኪም ከም ዚደልይዎ፡ ከም ዚጽውዕዎ ወይ ባዕሎም ከም ዚኸድዎ ነጊሩና (ማቴ 99-12 ማር 213-17 ሉቃ 527-32) ብግብሪውን እቶም ሕሙማትዮም ናብ ፈዋሲ ጐይታ ዚኸዱን ዚልእኩን ዝነበሩ። ስለ ኣባናን ኣብ ዘመንናን በጺሑ ኪልወጥ ስለ ዘይክእል፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ዀነ ኣብ ኣባላት ስድራና ሕማም ምስ ዚኽሰት፡ ነቶም ንክርስቶስ ወኪሎም ኣገልግሎት ምፍዋስ ሕሙማት (ምስጢረ ቀንዲል) ኪፍጽሙ ግዴታን ስልጣንን ዝተዋህቦም ካህናት ኪጽውዕ ዚግብኦ እቲ ሕሙምን ስድራ ቤቱንዮም። እዚ ምስ ዘይግበር፦

1. እቲ ሕሙም ንትእዛዝ ሃዋርያትን ቤተ ክርስትያንን ኪእዘዝ ከም ዘይፈተወን ከም ዝነዓቐን የመልክት።

2. በቲ ናይ እግዚአብሔር ሓይሊ ፈዋስነት ከም ዘይኣምን ከም ዝኸሓደ የፍልጥ ኣሎ ማለትዩ።

ብግብሪ ንዕዘቦን ንምከሮን ከም ዘለና፡ ናይ ዘመንና ሰብ፡ ይኽበድ ይቕለል ብዘየገድስ፡ ዝዀነ ዓይነት ሕማም ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ነቲ ሕውየት ካብ ሓኻይምን ካብ ሆስፒታላትንምበር፡ ካብ እግዚአብሔር ኣይደልዮንዩ። ናብ ሕክምና ምኻድ ሕማቕን ዘየድልይን ንምባል ኣይኰነን። ቅድሚ እግዚአብሔር ሰብ ኪስራዕ ግን መንፈሳዊ ገበንዩ። መልእኽቱ ድማካብ ኣምላኽሲ ሰብ ይሕሸኒ፡ ንኣይ ካብ ኣምላኽሲ ሰብ ይበልጽ፡ ይሕይል፡ ይኽእልዚብልዩ።

ክርስትያንየ፡ ኣብ እምነት ኣለኹዚብል ሰብ፡ ብግብሪ እዚ ዝመልእኽቱ ናብራ እናነበረ፡ኣብ እምነት ኣለኹኪብል ካልኣይ በደል ዝዀኖ። ምኽንያቱ ግብዝነት ዜንጸባርቕ ዘሎ። ኣሳ ዝስሙ ንጉስ ይሁዳ ንእግዚአብሔር ዚፈርህን ዜኽብርን ሰብ ነበረ። ልቡ ኻብ እግዚአብሔር ምስ ዘምበለ ግን ብዛዕባ ዝገጠሞ ውግእ ኰነ ብዛዕባ ጥዕናኡ ኣብ ሰባት ኪውከል መረጸ። ኣብ ኣእጋሩ ኸቢድ ሕማም ድሕሪ ምሕማሙ ድማ፡ እቲ ቕዱስ መጽሓፍ ብዛዕባኡ፦ ኣሳ ኸኣ ኣብ መበል 39 ዓመት መንግስቱ ኣእጋሩ ሓመመ። እቲ ሕማሙ ድማ ኣዝዩ ብርቱዕ ኰነ። ብዛዕባ ሕማሙ ግና ንሓኪማትምበር፡ ንእግዚአብሔር ኣይደለዮን።” ኢሉ ብኣሉታ መስከረሉ (2ዜና 1612,13) ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት መሪር ስቓይ ድማ ኣብ መበል 41 ዓመት መንግስቱ ሞተ። ድሕሪ ብዙሕ ወለዶታት ድማ ንጉስ ህዝቅያስ ዝተባህለ ዘርኡ ነገሰ። ንሱ ኣዝዩ ምስ ሓመመ ብዛዕባ ዝወሰዶ ስጒምቲ ድማ፦

በቲ ጊዜ ህዝቅያስ ናብ ሞት ክሳዕ ዚቐርብ ሓመመሞ፡ ንእግዚአብሔር ለመነ።” ተባሂሉ ተመስከረሉ (2ዜና 3224) እግዚአብሔር ከኣ ልማኖኡን ልማኖ ነብዪ ኢሳይያስን ሰሚዑ ምሉእ ፈውሲ ሂቡ፡ ኣብ ዕድሚኡ ናይ 15 ዓመታት ዕድመ ወሰኸሉ (2ነገ 201-11 ኢሳ 381-8) ህይወትን ሞትን፡ ጥዕናን ሕማምን ኣብ ትሕቲ ስልጣን ኣምላኽምበር፡ ኣብ ኢድ ሰብ ኣይኰነን። እግዚአብሔርይኹንኢሉ እንተ ዘይፈቒዱ፡ ዝዀነ ይኹን ብዓል ሞያ ናይ ሓንቲ ኻልኢት ዕድመ ኪውስኽ ኣይክእልንዩ። ስለ ነቲ ወሃብን ከላእን ኣምላኽ ዝባንካ ሂብካ፡ ናብ እግዚአብሔር ካብ ጥበቡ ዝዓደሎ ብዓል ሞያ ጥራሕ ምጕያይ፡ ክሕደታዊ ምርጫ ምዃኑ ኺዝንጋዕ ኣይግባእንዩ። እግዚአብሔር ነቲ ዝለመንካዮ ሕውየት በቲ ካህን ድዩ ኺህበካ በቲ ሓኪም፡ ናቱ ልኡላዊ ፍቓድ ዚውስኖ። ትሕትናን እምነትን ብዝመልኦ ጸሎት ንኣምላኽ ከይተማሕጸንካ፡ ልክዕ ኣብ ድኳን ከም ዚዕደግ ኣቕሓ ብገንዘብካ ኻብ ሰብ ክትዕድጎ ምጕያይ ግን፡ ንኸኣልነቱ ምንዓቕ ንልኡላውነቱ ድማ ምድፋር ዚኸውን። ብዓብዩ ድማ እምነትካን ሃይማኖትካን ዚጠልበካ ኸይፈጸምካ፡ ካልእ ኣማራጺታት ሃሰው ምባል፡ ናይ ከንፈርምበር ናይ ልቢ ሰዓቢ ዘይምዃንካ ዜቃልዕዩ።

ብዛዕባ ኸኣልነት ናይ እግዚአብሔር ዝዀነ ዜጠራጥር ነገር የልቦን። ተኣምራታዊ ሕውየት ግን ኣብ ከኣልነት ናይ ኣምላኽ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ እምነት ናይ ደላይ ፈውሲ ውልቀ ሰብን ስድራ ቤትንውን ከም ዚምርኰስ ኪዝንጋዕ ኣይግባእንዩ። ቅዱስ ያእቆብ፡ስለ ዘይለመንኩም የብልኩምንከም ዝበለ፡ እግዚአብሔር ኣብ ቤተ ክርስትያንናን ኣገልገልትናን ናይ ፈውሲ ጸጋ ኼዕዝዝ እንተ ዘይለሚንና፡ እቲ ጸገም ናትናምበር፡ ናይ ወሃቢ ኣምላኽ ኣይኰነን። ጐይታና እንተ ዀነ፦ ለምኑ ኺወሃበኩምዩ፡ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾ ኳሕኵሑ ኺረሓወልኩምዩ። (ምኽንያቱ) ዝለመነ ዅሉ ይቕበል፡ ዝደለየ ይረክብ፡ ማዕጾ ንዝዃሕኵሐ ድማ ይረሓወሉዩ።” ኢሉና (ማቴ 77,8 .) ንዅሎምቶም ዝፈወሶም ድማእምነትካ ኣሕወየትካ፡ እምነትኪ ኣድሓነትኪእናበለ ይምስክረሎም ነበረ (ማር 1052 ሉቃ 1719) ብዛዕባቶም ዘይኣመኑ ድማ፦ ኣብኡ ኸኣ፡ ብዘይካ ንሒደት ሕሙማት ኢዱ ኣንቢሩ ዘሕወዮምምበር፡ ሓይሊ (ተኣምራት) ኪገብር ኣይኰነሉን። በቲ ዘይምእማኖም ድማ ገረሞ። ....ብሰሪ ዘይምእማኖም ከኣ ኣብኡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበረን።

ተባሂሉ ዜሕዝን ምስክርነት ተዋህበ (ማር 61-6 ማቴ 1357,58) ስለ እቲ ንዚኣምን ዘበለ ዅሉ ዝተዋህበ መንፈሳዊ ጸጋታት ኣባናን ኣብ ቤተ ክርስትያንናን እንተ ዘየልዩ፡ ዘይምእማንና ዝወለዶ ወጽዓምበር፡ ኣምላኽ ስለ ዝሓሰመ ወይ ስለ ዝደኸመ ዝተኸስተ ኣይኰነን። ስለ ብዛዕባ ሕማማትና ዀነ ብዛዕባ ኻልእ ኵሉ ጸገማትና ብምሉእ እምነት ብምቛምን ብምልማንን ነቲ ዘጥፋእናዮ ጸጋ ኽንመልሶ ይግብኣና።

ግደ ናይቶም ብሕሙማት ዚጽውዑ ኣገልገልትን መራሕትን ቤተ ክርስትያንከ እንታይዩ፧ እቲ ቐዳማይ ሓላፍነት ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣገልግሎቶም ዘሎ ምእመን፡ ቃል ወንጌልን ምስጢረ ቀንዲልን ብዕምቈት ብምስትምሃር ፍልጠቱ ኺሰፍሕ እምነቱ ኺዓብይ ምግባርዩ። እቲ ኻልኣይ ሓላፍነት ድማ ኣገልግሎት ምፍዋስ ሕሙማት ካብ ስብከተ ወንጌል ኰነ ካብ ካልኦት ምስጢራት ብዘይንእስ መገዲ ኣብ መጓሰኦም ኪተግሁሉ ይግባእ። ጐይታናን ሃዋርያቱን ንስብከትን ንፍወሳን ማዕረ ማዕረ የኺድዎ እንተ ነይሮም፡ ኣብ ሎሚ በጺሑ ዝተፈልየ ዚዀነሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን። ምኽንያቱ፡ እግዚአብሔር ፈጺሙ ኣይተለወጠን። በዚ ኣገልግሎት ናይ ድኻም ለውጢ ተራእዩ እንተልዩ፡ ካባና ኻብ ኣገልገልቲ ጥራሕ ኪኸውን ዚኽእል። ኣምባሳደራት ክርስቶስ ኴንና ኣብ መንበር ሃዋርያት ተቐሚጥና እንተሊና፡ እቲ ንሃዋርያት ኣብ ልዕሊ ሕማምን ኣጋንንትን ዝነበሮም ስልጣንውን ኪህልወና ይግባእ። ባዕላትና ኸነምጽኦ ኸም ዘይንኽእል ርዱእዩ። ከም ናይ ሃዋርያት ዝበለ ዕላማን ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ኣሰራርሓን እንተልዩና ግን፡ ከም ንሃዋርያት ከይለመንዎ ብኸምኡ ብሕያውነቱ ኣዕዚዙ ብዘይ ስፍሪ ዝሃቦም፡ ንኣናውን ኣብ ጸሎት ከየብጽሐ ኺዕድለናዩ። ግን ከኣ፡ ዋላ ተዋሂቡና ኸሎውን፡ እዚ ጸጋ መመሊሱ ኺዓዝዝምበር ከይጐድል፡ ልክዕ ከም ሃዋርያት፦ “. . . ሕጂ ድማ ጐይታይ ናብ ምፍርራሆም ርአ፡ ብስም ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን ኢድካ ዘርግሕ፡ ንባሮትካ ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሃቦም።ኢልና ኽንጽልይ ዚግባእ (ግብ 429,30) ንሳቶም ከምኡ ኢሎም ስለ ዝለመንዎ፡ብኢድ ሃዋርያት ድማ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል ህዝቢ ተገብረ።ኽሳዕ ዚበሃለሎም እቲ ናይ ፈውሲ ጸጋ እምብዛ ዓዘዘ (ግብ 512 243 68 86,7 143 2ቈረ 1212 1ተሰ 15 እብ 23,4) ስለ ኣገዳስነት ናይ ናይ ፈውሲ ጸጋ ባዕላትና ኣዚና ኽንኣምነሉ፡ ንህዝብና ኸነእምነሉ፡ ሓቢርና ድማነቲ ኣብ ቅዱሳት ሃዋርያት ዘዕዘዝካዮ ጸጋ፡ ኣባናን ኣብ ቤተ ክርስትያንናንውን ግለጾኢልና ብልዑል እምነት፡ ብጾምን ብጸሎትን ብኣጽንዖት ክንምሕጸኖ ይግብኣና። እዚ ጸጋ ኣባና ንኸይግለጽ ዚዕንቅፈና ዅሉ ሓጢኣትን መንፈሳዊ ድኻምን ከነርሕቖ ይግባእ። እግዚአብሔር ምስናይ ዜሰክፍ ሓጢኣትና ኸለና፡ ናይ ፈውሲ ጸጋ ብምሃብ ንሓጢኣትና ኼጽንዓልናን ኬጽድቐልናን ክንጽበይ ግቡእ ኣይኰነን። ስለ እቲ ንእግዚአብሔር ዜኽብርን ንህዝቢ ድማ ድሙቕ ኣርኣያ ዚኸውንን ክህነታዊ ረቛሒታት ዘማልአ ኣገልግሎት ምስ እነገልግል፡ እዚ ናይ ፈውሲ ጸጋ ናይ ግድን ኪገሃድዩ። ንርእስና ዀነ ንህዝብና ኻብ ማእሰር ሕማማትን ሞትን ከነናግፎ፡ ከነወንዝፎን ከነመኻንየሉን ዘይግባእ ሃዋርያዊ ተልእኾናን ሓላፍነትናን ስለ ዝዀነ፡ ማዕረ ዅሉ ኻልእ ምስጢራት ክንውፈየሉን ክንዕጠቐሉን ይግባእ።

ዕላማ ናይ ክልተ ጊዜ ኣብ ዓመት ተሰሪዑልና ዘሎ ናይመጻጕዕቅንያት፡ እዚ ብሰፊሕ ዝተገልጸ ሓሳብዩ። ስለ ውሉደ ክህነትን ማሕበረ ምእመናንን ሓቢርና፡ ናብ ብቕድስት ስላሴ ዝተመደበልና ሃዋርያዊ ጸጋን በረኸትን ንዕበይ። ነቲ ዘይምእማንና ብምእማን፡ ነቲ ሸለልትነትና ብዕቱብነት ንተክኣዮ። ተሓጋጊዝናን ተመላሊእናን ድማ፡ ኣብ ብኽሕደትን ብዓመጻን ተመሊኣ ዘላ እክይቲ ዓለም፡ ክብርን ጸጋን ናይ እግዚአብሔር ኪዓዝዝን ኪገንንን ንግበር። ነፍስ ወከፍ ዝተኸስተ ሕማም፡ ናይ ስቓይን ሓዘንን ሓድጊ ዘይኰነስ፡ ናይ ክብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን ታሪኽ ገዲፉልና ኪኸይድ፡ ኣብ ሃዋርያዊ መሰረትና ኣደልዲልና ንቑም!!

 ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

መጋቢት 3, 2015 ግዕዝ (12 መጋቢት 2023   [መበል 27 ሰንበት.፴፭/35, 2023]]

ምስባክ

መዝ.6(6):2-3

ተሣሃለኒ እግዚኦ እስመ ድውይ አነ። ወፈውሰኒ እስመ ተሀውካ አዕፅምትየ። ነፍስየኒ ተሀውከት ፈድፋደ።

ወይ ከኣ መዝ 40(41)3,4

 

እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዓራተ ሕማሙ። ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቤሁ እምደዌሁ። አንስ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ።

ንባብ

ኣንባቢ

እብ 12፡11-17 

ዲያቆን

ያእ 5፡14-ፍጻ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 3፡1-12

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 5፡1-18

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ዘወልደ ነጐድጓድ

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div