S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንሓድሕድኩም ኣይትተሓማመዩ [መበል 26 ሰንበት: ቊ.፴፬/34, 2023]

ኣቱም ኣሕወተየ፡ ንሓድሕድኩም ኣይተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዚሓምይ፡ ወይስ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ፡ ነቲ ሕጊ ይሓምዮ፡ ኣብ ሕጊውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርድ ግና ፈራዲምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን።ያእ 411

እዚ ዘለናዮ መበል 26 ሰንበት ናይ ዓመትዚ፡ ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዓብይ ጾም ኰይኑ፡ ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናዘምኵራብተባሂሉ ዚጽዋዕዩ። ከምኡ ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ኣብ ናይ ኣይሁድ ፋሲካ ዚበዓለሉ ቕንያት፡ ጐይታና፡ ከም ኵሉ እስራኤላዊ፡ፋሲካኼብዕል ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝኸደሞ፡ ናብ ቤት መቕደስ ኣትዩ፡ ነቲ ከም ዕዳጋ ጋዕዝዩ ዝጸንሖ ቤት ኣቦኡ ኸም ዘጽረዮ ንምዝካር ዝተሰርዐ ዕለት ስለ ዝዀነዩ። ነዚ ዕለትዝን ነቲ ተግባር ጐይታናን ኽንዝክር ዘድለየሉ ዕላማ ግን ኣሎ። ናይ ሓድሽ ኪዳን ህያዋን ቤት መቕደስ፡ ንሕና ህዝበ ክርስትያን ምዃንና፡ ቅዱስ ወንጌል ደጋጊሙ ኣረጋጊጹልና (1ቈረ 316,17 1ቈረ 619,20 2ቈረ 616 እብ 36 1ጴጥ 24) ስለ መቕደስ ስጋና፡ ከም መቕደስ ኣይሁድ፡ ብሓጢኣት ኣጋዕዚናዮን ኣርኪስናዮን ከይንህልው፡ ርእስና ኽንምርምረሉ ዝተሰርዓልና ዕለትን ሰሙንንዩ። ንመቕደስ ስጋና ኣርኪስናዮን ኣማሲንናዮን እንተ ጸኒሕና፡ ምሕረት ብዘይብሉ ቝጥዓ ኺመዓተና ምዃኑ ኽንፈልጥን ከነስተንትንን ዝተሰርዓልና ዝተባረኸ ቅንያትዩ።

ካብቶም ነዛ ቕድስቲ ዕለት ተመዲቦምልና ዘለዉ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ መልእኽቲ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ሓደዩ። ኣብ ንባብ ተጠቒሶም ካብ ዘለዉ ብዙሓትን ኣገደስትን ኣርእስቲ ሓደ ኸኣ፡ እዚ ንሕምየት ዚምልከት ትምህርቲዩ። ንዅላትና፡ ዳርጋ መዓልታዊ ዜጥቅዓና ኣበሳ ብምዃኑ ኸኣ ብዕቱብ ኣስተብህሎ ኽንመሃሮ ዚግብኣና ኣርእስቲዩ። መብዛሕትና፡ እቲ ሓቀኛ መልክዕን ትርጕምን ናይ ሕምየት እንታይ ምዃኑ ኸይፈለጥና ኢና እነዘውትሮ። ክፋእ ናይ ኣበሳ ከም ቓል እግዚአብሔር ገይሩ ዚገልጾ እንተ ዚርድኣና፡ በቲ እግዚአብሔር ዚርእየሉ ኣዒንቲ ኽንርእዮ እንተ ንኽእል ግን ኣሽንኳይ ከነዘውትሮ፡ ብዛዕባ ህላውኡ ኽንሓስብን ክንዝክርን ኣይምደለናን። እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ካብ መርዛም ኣበሳ ኼንጽሃና ስለ ዝደለየ ኸኣ፡ ሓቀኛ ትርጒም ሕምየት፡ በዚ ቕዱስ ሃዋርያኡ ገይሩ ገለጸልና። ንሕና ንሰብ ክንሓምይ ከለና፡ ነቲ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብ ጥራሕ ንሓምይ ዘለና ዚመስለና። እግዚአብሔር ግን ንሕጊ ንሓምዮ ኸም ዘለና ሓቢሩና ኣሎ። ንሕጊ ድማ ሓጋጊኡ ኣለዎምበር፡ ባዕሉ ኣይመጻን። ስለ ውዒላ ሓዲራ እታ ሕምየት ናብ እግዚአብሔር እትወድቕ። ነቲ በይኑ ሓጋግን ፈራድን ዝዀነ ኣምላኽ ናብ ምሕማይን ምፍራድን እንተ በጺሕና ድማ ክብደትን መዘዝን ናይ ኣበሳና ማዕረ ኽንደይ ዓብዪ ኸም ዚኸውን ከይተሓልመ ዝተፈትሐዩ።

ሕምየት እንታይዩ፧ ንምንታይዩኸ ሓጢኣት ዚኸውን፧ ሕምየት፡ ምስ ሓደ ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ ዝዀኑ ሰባት ኴንካ ብዛዕባ ሓደ ውልቀ ሰብ ወይ ሓደ ጕጅለ ኽፉእ ምዝራብ ማለትዩ። እቲ እንዛረቦ ኽፉእ ዘረባ (ዛዕባ) ብርግጽ ዝተፈጾመ ኽዉን ነገር፡ ወይውን ብሓሶት ዝተማህዘ ፈጠራዊ ነገር ኪኸውን ይኽእልዩ። እቲ ፈጠራዊ ሓሶት፡ ናብ ሕምየት ከይበጽሐውን ርእሱ ዝኸኣለ ሓጢኣት ስለ ዝዀነ ኣስፊሕካ ኽትዛረበሉውን ኣየድልንዩ። ሓደ ሰብ ብዘይ ገበሮን ብዘይ ኰኖን፡ ኣልዕል ኣቢላካከም ገበረ፡ ከምውን ኰነኢልካ ምሕማይ፡ ካብ ሕምየት ሕልፍ ዝበለ ኣጋንንታዊ ድርሰትዩ። ከም ዝበለ ድርሰታዊ ሕምየት ዜዘውትር ሰብ፡ ጭራሽ ሰይጣናዊ ባህርይ ዝተላበሰ፡ ዝሰይጠነ ሰብዩ። ምኽንያቱ ሰይጣን ባዕሉ ምሂዙን ደሪሱን ከም ዚሕስው፡ ጐይታና፦

ንስኻትኩም ካብ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ ኣለኹም።......ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን። ሓሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ ዚዛረብ። ንሓሶትውን ኣቦኣዩ።” ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 844) ስለ እቲ ባዕሉ ኻብ ርእሱ ብዝመሃዞ ሓሶት ገይሩ ንሰባት ብዘይወዓልዎ ዚሓምይ ሰብ፡ ልክዕ ከም ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝተባህለ; ንሱውን ስጋ ዝለበሰ ድያብሎስ (ዮሃ 670) እዚ ሰብ ካብ ድያብሎስ ዝዀነ ሰብዩ። ስለ ድማ ትምኒት ኣቦኡን ግብሪ ኣቦኡን ዜዘውትር።

እቲ ኻልኣይ ዓይነት ሕምየት ድማ፡ ኣብ ክዉንን ዝተፈጸመን ተግባር ወይ ባህርይ ተመርኲስካ ዚግበር ዓይነትዩ። እቲ ዘረባ ንበይኑ እንተ ተመርሚሩ፡ እንታ ዘይወጾ ሓቂ ዘረባ ኪኸውን ይኽእልዩ። ዕላማ ናይ ዝርርብ ግን እኩይዩ። ነቲ ሰብ ንምኽፋእ ዝዓለመዩ። ንናይ ሰብ ጽቡቕ ሓሲብካን፡ ብዛዕባ ኽፋኡ ኽትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንጽቡቑ ንሰናዩ እንተ ሓሲብካ፡ ብዛዕባ ጽቡቕ ባህርዩን ግብሩን ኢኻ እትዛረብ። ብዛዕባ ድኻሙን ጕድለቱን ጽቡቕ ሓሳብ እንተልዩካ ድማ ንእኡ ብቐጥታ ኢኻ እትዛረቦምበር፡ ብዛዕባኡ ንኻልእ ሰብ ኣይትዛረብን ኢኻ። ናይ ሕምየት ክፉእ ነገሩ፡ ነቲ እትዛረበሉ ዘለኻ ድርኺት፡ ብነጻ ኣእምሮን ብቕንዕናን ኽትምርምር ዘየኽእለካ ምዃኑዩ። ምኽንያቱ ንሕና ዘይንርእዮን ዘይነስተውዕሎን ኣካል ምሳና ኣሎ። ንሱ ኸኣ እቲ ኸሳስ ኣሕዋትን ሓሳውን ዝዀነ ርኹስ መንፈስ፡ ድያብሎስዩ። ከይተረድኣና ንኣምላኽን ንሕግታቱን ንሓምየሉ ስለ ዘለና፡እንታይ ግብሩ ዝገበር ዘለኹኢልና ምልስ ኢልና ቓላትናን ድርኺትናን ክንምርምር ኣየኽእለናንዩ። ብኣንጻሩ፡ ከም ንጉስ ሰለሞን፡ ዘረባ ሓማዪ ኸም ጥዑም ኵላሶሞ፡ ክሳዕ ውሽጢ መዓንጣ ይወርድ።ዝበሎ፡ መመሊሱ ኸም ዚጥዕመካ እናወሰኽካ ኸም ትኸይድ ኪገብረካ ዚጋደል (ምሳ 26 22) ስለ እቲ እንዛረቦ ዘለና ዘረባ ብርግጽ ዝተፈጸመን ዝተረጋገጸን ሓቂ ምዃኑ ኣይኰነን ዜገድስ። እቲ ሃቐና ወይ ድርኺት (Motive) ብዝያዳ ዜገድስ። ዋላ ኽንዲ ዝደለና ነጸባብቆ ናይ ሕምየት ድርኺት ኵሉ ጊዜ ኽፉእን ሰይጣናውንዩ። ድያብሎስ ካብ ዚጽውዓሎም ስማት (ወይ ቅጽላት) ሓደከሳስ ኣሕዋትናዚብል (ራእ 1210)ኣበይን ናብ መንን ዚኸስስ፧ኢልና ኽንሓትት ድማ ግቡእዩ። ኣብ ሰማያት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ቈይሙ ዚኸስስ (እዮ 16-12  ዘካ 31-3) በቶም ሰዓብቱ ገይሩ ድማ ንሰባት፡ ብፍላይ ንናይ ኣምላኽ ሰባት፡ ኣብ መጋባእያ ሰባት ይኸስስ። እቲ ዝሰፍሐን ዝኸፍአን ንሰባት ኣብ ቅድሚ ሰባት ዚኸስሰሉ መድረኽ ግን፡ ኣብ መጋባእያታት ሕምየትዩ። ኣብ መጋባእያታት ሕምየት ነርባዕተ ኣካላት ብሓንሳእ ዚወቕዖም።

1. እቲ ንብጻዩ ዜኽፍእ ዘሎ ሓማዪ ሰብ፡ ከይተረድኦ ንኣምላኽን ንሕጉን ከም ዚሓምይ ይገብሮ። ነቲ ሓማዪ ድማ እታ ናቱከሳስ ኣሕዋትናይ ምዃን ተልእኾ የጥብቐሉን የሰክሞን።

2. እቲ ንሕምየት ብተመስጦ ዚሰምዕን ዜአንግድን ሰብ ከኣ ነቲ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ኴንካ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጥካ ንሰባት ናይ ምፍራድ ናይ ዓመጽ ድራማ ብሓጐስ ተቐቢሉ፡ ብተመስጦ እናሰምዐ፡ እቲ ሕምየት ብብዝሒ ኸም ዚውሕዘሉ ይገብር።እንታይ ትብል ወደይ!! እምበኣር ከም ዓይነት ሰብዩ፧እናበለወስኽ፡ እዚ ኣርእስቲ የገድሰኒ!! እዚ ድርሰትካ መቂሩኒዝዓይነቱን ዝመልእኽቱን ኣሰማምዓ እናተጠቕመ፡ ነቲ መጋባእያ ሕምየት ፉሕፉሕ ኢሉ ኸም ዚመውቕ ይገብሮ። ኣብ ሰይጣናዊ ድራማ፡ ናይ ኣምላኽ ገጸ ባህርይ (Character) ሒዝካ ብተመስጦን ብኽእለትን ምውሳእ ከም ዚውለፍን ከም ዜሐጒሶን ይገብሮ።

3. ነቲ ተሓማዪ ሰብ ድማ፡ ስሙ ኣዝዩ ኸም ዚድወን፡ ክብሩ ኸም ዚቐልል፡ ከም ዚነዓቕን ከም ዚጽላእን ይገብሮ። እቲ ዝተዘርበ ሕምየት ዝገበረ ገይሩ ናብ እዝኑ ኸም ዚልሕዅን ከም ዚበጽሕን ብምግባር፡ ከም ዚሓዝን፡ ከም ዚቕየም፡ ከም ዚጸልእ፡ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ዝኸፍአ ሕምየት ከም ዚጽመድ ይገብሮ።

4. ነቲ ቐንዲ ተሓማዪ፡ ንኣምላኽ ከኣ፡ እቲኣይትሕመይዚብል ትእዛዛቱ ተጣሒሱ ኸም ዚጕህይ ይገብሮ። ንበዳሊ ኸም ንጹህ ኪርእይ ስለ ዘይኰነሉ፡ በቲ ጻድቕን ፍትሓውን ባህርዩ ተደሪኹ ኣብቶም ዚፍቅሮም ከም ዚፈርድ ይገብሮ። ብኽብሩን ኣምላኽነቱን ቀናእ ኣምላኽ ምዃኑ ስለ ዚፈልጥ በቶም ኣብ ዘይመንበሮም ተቐሚጦም፡ ንኽብሩ ዝደፈሩን ዝሰረቑን ሰባት ከም ዚሓዝንን ከም ዚፈርድን ይገብሮ። እምበኣር፡ ጨንፈርን መዘዝን ናይ ሕምየት ብዙሕን ረቂቕንዩ።

ብዛዕባ ናይ ሰብ ድኻምን ጕድለትን ምዝራብ ሕምየት ዘይኰነሉ ኣጋጣሚ ኣሎዶ፧ ብርግጽ ኣሎ። ንሱ ኸኣ ነቲ ንሕምየት ዜቃልዖ ተግባሩን ባህርዩን ንምእራም ዝዓለመ ዝርርብ ምስ ዚኸውንዩ። ሰባት ካብ ዜሕምዮምን ዜፍርዶምን ባህርያትን ተግባራትን ንኺናገፉ ብኽልተ መገዲ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። እቲ ቐዳማይኣገልግሎት ቃልኪኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ከኣኣገልግሎት ጸሎት”’ዩ። ብኣገልግሎት ቃል፡ ትምህርቲ፡ ምዕዶ፡ ተግሳጽ፡ ስልጠና ብምሃብ ካብ ድኻሞም ከም ዚናገፉ ምግባር ይከኣል (2ጢሞ 316,17) ነዚ ኣገልግሎት ግን ኵሉ ሰብ ዚፍጽሞ ኣይኰነን። እዚ ናይ ምግባር ውህበት፡ ክእለት፡ ስልጣን፡ ተሰማዕነት (መጎስ) ዘለዎ ሰብ ጥራሕ ዚገብሮ። ናይ ምኽሪ (ምዕዶ) ህያብ ዘይብሉ ሰብ፡ ኪምዕድ እንተ ፈተነ፡ ኬበላሽውምበር ኬቕንዕ ኣይክእልን (ሮሜ 127,8) ስለ ብናይ ምምካር ጸጋኡ ዝተመስከረሉ ሕፉር መኻሪ ንዘይኰነ ሰብ ምንጋር፡ ካብ ተራ ሕምየት ዝኸፍአ ውጽኢትውን ኪህልዎ ይኽእልዩ። እቲ መኻሪ ድማ በዚ ኣገልግሎት ኼገልግል ስልጠናን ስልጣንን ዝተዋህቦ ኪኸውን ኣድላዪዩ። ብቤተ ክርስቲያንን ስልጣን ዝተዋህቦ ኣበ-ነፍሲ፡ ንሰባት ናይ ምምካርን ምቕናዕን ግቡእ ስልጠና እንተ ዘይብሉ ብስልጣኑ ጥራሕ ኬቕንዕ ኣይክእልንዩ። ስለ ቤተ ክርስቲያን ንዅሎም ኣገልገልታን ብጽቡቕ ንዝተመስከረሎም ሕፉራት ምእመናናን እቲ ዚግባእ ስልጠናን ስልጣንን ብምሃብ፡ ነቶም ጸገም ዘለዎም ጸገሞም ከም ዚፍታሕ ብምግባር፡ ሕምየት ዜስፋሕፍሓሉ ተኽእሎታት ከተጽብብ ይግባእዩ። ባዕላትና ኸነቕንዖ ዘይንኽእል ጸገማት፡ ነቶም ኪፈትሕዎ ብቕዓትን ሓላፍነትን ዘለዎም ሰባት ምስ እንነግር፡ ከም ሕምየት ኪቝጸረልና ኣይክእልንዩ።

እቲ ኻልኣይ ከኣ ኣገልግሎት ጸሎትዩ።

ድኻም ሰብ ብምዕዶን ብትምህርትን ጥራሕ ከተወግዶ ኣጸጋሚዩ። መለኮታዊ ግደ ዘይተሓወሶ ዅሉ ተግባር፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዳርጋ ዅሉ ጊዜ ፍሹልዩ። ሰብ ንስጕምቱ ኼስተውዕል ኰነ ኬቕንዕ ዜኽእሎ ዓቕሚ ይጐድሎዩ።

ልቢ ሰብ መገዱ ይምድብ፡ ንስጕምቱ ግና እግዚአብሔር ዜቃንዓ። ....ስጕምቲ ሰብ ብእግዚአብሔር ዚምራሕ፡ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ንመገዱ ዜስተውዕላ፧ምሳ 169 2024

ጐይታየ፡ መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስውን ስጒምቱ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዘይብሉ እፈልጥ ኣለኹ።ኤር 1023

ጐይታውን፡ብጀካይ ሓንቲ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም ኢሉና (ዮሃ 155) እዚ ሓቂ ድማ ረድኤት ናይ ኣምላኽ ብጸሎት ናብ ምልማን ዚድርኸና። ብውልቅና እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ጸሎት እናገበርና ኸለና፡ ናይ ጸሎት ጸጋ ንዘለዎም ዚምልከቶም ሰባት፡ ብጸሎት ኪጋደሉ ኢልካ ምንጋርውን ምስ ሕምየት ኪቝጸር ኣይክእልንዩ። ነዚ ቕዱስ ናይ ምኽርን ጸሎትን ጸጋ ኸም መጐልበቢ ኽፍኣትካ ተጠቒምካ ናይ ሕምየት ወልፍኻ ምእንጋድ ግን፡ ዝበኣሰ ሓጢኣት ምዃኑ ኺዝንጋዕ ኣይግባእን። ዚበዝሕ ጊዜ፡ ብጽቡቕ ዕላማ ዝጀመረ ዝርርብ መገዱ ስሒቱ ናብ ዲቕ ዝበለ ሕምየት ዚቕየረሉ ጊዜ ውሑድ ኣይኰነን። እቲ ናይ ኵላትና ጽቡቕ ዘይደልይ፡ ናይ ምስሓትን ምትላልን ወሓለ ዝዀነ ድያብሎስ ምስናይ ኣጋንንቱ ኣብ ዙርያና ብንቕሓት ይነጥፍ ከም ዘሎ ኺዝንጋዕ ኣይግባእንዩ። ስለዚ፡ ነቲ ብጽቡቕን ጻድቕን ዕላማ ዝጀመርናዮ ዝርርብ፡ ኣንፈቱ ለዊጡ ናብ ዘይሓሰብናዮ ኣበሳ ኸየውድቐና፡ ንልሳንናን ንልብናን ብንቕሓት ክንሕልውን፡ ንሓድሕድና ኽንተሓላለውን ይግብኣና። ኣቦታትና፡ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ፡ ንሓመድ ዱግሪ የውጽኦኸም ዚብሉ፡ ብሓንቲ ንእሽቶ ሓሳብ ዝጀመረ ዘረባ፡ ኣርእስቱን ትሕዝቶኡን እናተለወጠ ኸይዱ፡ ምስ ናይ መጀመርታ ዕላማን ዘረባን ፈጺሙ ዘይቀራረብን ርክብ ዘይብሉን ኣርእስቲ ገጹ ይምዕብልዩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ብኸመይ ኢና ናብ ኣርእስቲ መጺእና፡ ብምንታይ ኢናኸ ጀሚርናዮ፧ኢልና መበገሲና ኽሳዕ ዚጠፍኣና፡ ኣብ ናይ ሕምየትን ናይ ከንቱ ዘረባን ጫካ ጠፊእና እንተርፈሉ እዋን ብዙሕዩ። እግዚአብሔር ሃብቲ ኣእምሮ ዓዲሉ ብመልክዑ ዝፈጠሮ ወዲ ሰብ፡ ናብ ከም ዝበለ ህውተታ ኣትዩ ኺጠፍእ ከኣ ኣዝዩ ዜሕዝንዩ።

ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ብሰፊሕን ብስእላዊ መገድን ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ካብ ኵሉ ኣካላት ሰብነትና ንምቍጽጻራ ኣዝያ እተሸግር ልሳንያ። ምስ ዓበይቲ መራኽብን ምስ ሓያላት ኣፍራስን ብምንጽጻርውን፡ ግደ ልሳን ኣብ ግዙፍ ሰብነትና ኸም ዚግባእ ገሊጽዎ ኣሎ።

ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና። ሓደ ብቓል ዘይስሕት ሰብ እንተ ግና፡ ንሱ ንዅለንተናኡ ኺገትእ ዚኽእል ብቑዕ ሰብኣይዩ። ......እንሆ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብይ ዱር ዘይተንደድ! ልሳን ሓዊያ፡ (ልሳን) ናይ ክፍኣት ዓለምያ። እታ ንምሉእ ሰብነት እትምርዝ ክፍሊ ኣካላት፡ ንምሉእ ጕዕዞ ናይ ህይወትውን እተቃጽልያ። ንገዛእ ርእሳ ድማ ብገሃነም እሳት ዝሓረረትያ። ......ልሳን ዘይትዓርፍ እክይቲያ፡ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልአትያ።ያእ 32,5,6,8 .

ከምዚኣ ዝበለት ሓደገኛ ኣካል ሒዝካ፡ ብዝመጸልካ ስቕ ኢልካ ኣፍካ ምኽፋት ከቢድ ዕሽነትዩ። ስለ ኣብ ልሳንና ዓብይ ምልኪ ኺህልወና እንተ ዘይክኢሉ፡ ብኣንጻሩ ልሳንና እትመልከና ሰባት እንተ ዄንና፡ሓዊ ገሃነም ገና ኣብ ምድሪ ኸለና ጀሚሩናምባል ዚቐልል። ሕምየት ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ዜትርፍ፡ ናብ ገሃነም ዜእትው ከቢድ ኣበሳ ምዃኑ ብግልጺ ተነጊሩናዩ። ቅዱስ ዳዊት፦

እግዚአብሔር፡ ኣብ ድንኳንካ ዚሓድር መንዩ፧ ኣብ ከረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መንዩ፧ እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን፡ ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን ብልሳኑ ዘይሓምይ፡ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፡ ንብጻዩ ዘይጸርፎ . . .” ብምባል፡ ሓደጋ ሕምየት እንታይ ምዃኑ ኣብሪሁልና (መዝ 151-3) እግዚአብሔር ከኣ ንዅሉ ዝርርባትና ኸም ዚሰምዖን ብዝርዝር ከም ዚፈልጦን ኪስወረና ኣይግባእን። ነብዪ ሚልክያስ ብዛዕባ ሓቂ ገሊጹልና ኣሎ፡፡

ሽዑ እቶም ንእግዚአብሔር ዚፈርሁ ብሓድሕዶም ተዘራረቡ። እግዚአብሔር ከኣ ጽን በለ፡ ስምዐውን። ነቶም ንእግዚአብሔር ዚፈርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሓስቡን ዚኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ። በታ ኣነ (እግዚአብሔር) ዝገብረላ መዓልቲ ንሳቶም ገንዘበይ ኪዀኑኒዮም። ኣነ ኸኣ፡ ከም ወላዲ ነቲ ዜገልግሎ ውሉዱ ዚንሕፎ፡ ክንሕፎምየ። ንስኻትኩም ድማ ከም ብሓድሽ ነቲ መንጎ ጻድቕን ረሲእን፡ ኣብ መንጎ ንኣምላኽ ዚግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ ክትርእዩ ኢኹም።ሚል 316-18

ሕምየት፡ ንእግዚአብሔር ናይ ዘይፈርሁ ሰባት ተግባርዩ። ናይ ፈራህቲ ኣምላኽ ዝርርብ ክቡር ስለ ዝዀነ፡ እግዚአብሔር ብኣኽብሮት ጽን ኢሉ ዝሰምዖም። ገንዘቡን ጥሪቱን ስለ ዝዀኑ ድማ፡ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ይንሕፎምን የድሕኖምንዩ። ጥዑምን ጥዑይን ቃላት እናተዘራረቡ፡ ንፍቓዱ ስለ ዜገልግሉ፡ ከም እሙናት ደቁን ኣገልገልቱን ዚርእዮም። ኣብ መንጎ ልሳኑ ንኣምላኽ ዘግዝአ ጻድቕን ዘየግዝአ ረሲእን ዘሎ ፍልልይ፡ ኣብ እግዚአብሔር ግብሩ ዚገብረላ መዓልቲ ፍርዲ ብግልጺ ኺገሃድዩ። ጐይታና ኢየሱስውን ብዛዕባ ኻብ ልሳንና ዚወጽእ ኵሉ ቓላት ነዚ ዚስዕብ መጠንቀቕታ ሂቡናዩ።

ኣነ ግና፡ብዘረባኻ ኢኻ እትጸጽቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነንሞ፡ ሰባት ንዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉዮም።እብለኩም ኣለኹ።ማቴ 1236,37

ሕምየት ግን ኣዕናዊ ቓልምበር፡ ዘይጠቅም ቃል ጥራሕ ኣይኰነን። ነቲ ዘይጠቅም ቃል ጸብጻብ ዚወሃበሉ ፍርዲ ድማ ዚብየነሉ እንተ ዀይኑ ደኣ፡ ነቲ ኣዕናዊ ቓልከ እንታይ ኺብየኖ፧ ንሕና ግን ንሕምየት ከም መማቕርቲ ህይወት፡ ከም ጨው ምሕዝነት፡ ከም መሕለፍ ጊዜ ንወስዶ፡ ሕሉፍ ሓሊፉና ብዘይ ሕምየት ኪንበር ዘይከኣል፡ ንሰብ ከየልዓልካ ፈጺምካ ዝርርብ ኪግበር ከም ዘይከኣል ጌርና ናብ ምድምዳም በጺሕና ኣለና። ከም ሓጢኣት ስለ ዘይንቘጽሮ ድማ፡ ንሰብ ብሕምየት ክንሕይኽ ከለና ናይ ሕልና ወቐሳ ፈጺሙ ኣይስምዓናን፡ ብዛዕባ ሕምየት ክንንሳሕ ከኣ ፈጺምካ ዘይሕሰብ ኰይኑና ኣሎ። እዚ ድማ መንፈስ ቅዱስ ቀቢጹናን ተፈልዩናን ከም ዘሎ ዜምልክትዩ። እግዚአብሔር ግና ንሓመይቲ ኺጸባጸቦምን ሕነ ኺፈድዮምን ምዃኑ ብግልጺ ነጊሩናዩ። ስለ ንዘይነዓቕ ኣበሳ ንዒቕና፡ ብሓዊ ንጻወት ከም ዘለና ንፍለጥ። እቲ ኣብ ሒደት ምድራዊ ዓመታትና ዝተፋእናዮ ሓዊ ሕምየት፡ ጽባሕ ንግሆ ናብ ገሃንም ሓሊፉ ኺጽበየና፡ ግርም ገይሩ ኸአንግደናን ምዃኑ ነስተውዕል። ስለ ምስ ሰባት ወግዓዊ ይኹን ዘይወግዓዊ ዝርርብ ኽንገብር ከለና፡ ናብ ናይ ዘረባ ዓለም ቅድሚ ምእታውና፡ ሕምየት-ኣልቦ ዝርርብ ኪህልወናን ንሓድሕድና ኽንተሓላለውን ክንሰማማዕ ዝበለጸን ሓጋዝንዩ።

ሕምየት፡ ማዕረ ኽንድ ኣዕናዊ ምዃኑ ድሕሪ ምፍላጥና ኽንወስዶ ዚግብኣና ቐዳማይ ስጒምቲ፡ ሓቀኛ ንስሓ ምእታውዩ። ብዛዕባ እንዝክሮን ዘይንዝክሮን ሕምየትና ንስሓ ኽንኣትው ናይ ግድንዩ። ምኽንያቱ ጐይታና፡እንተ ዘይተነሳሕኩም ክትጠፍኡ ኢኹምኢሉና (ሉቃ 133,5 ማቴ 1120) ብሰሪ ሕምየትና ዝሻሕከረ፡ ዝተበትኩ፡ ዝዓነዉ ዝምድናታትን ምሕዝነታት፡ ኪዳናትን እንተልዮም፡ ነቶም ብሕምየትና ዝጐዳእናዮም ኣካላት ረኺብና ወግዓዊ ይቕሬታ ኽንሓትት፡ እንተ ተኻኢሉ ድማ ነቲ ዝተሃስየን ዝተበትከን ዝምድናታት ሓላፍነት ወሲድና ኽንጽግኖ ይግባእ (ምሳ 1113 1628 2523 2620)

ንመጻኢ ድማ ብሕምየት ንዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ብዓብዩ ኸኣ ንኣምላኽ ንዘይምብዳል፡ ዘይዕጸፍ ቃል ክንኣትው ይግባእ። ከም ቅዱስ እዮብ፡እስትንፋስይ ኣብ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ (ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ) ከናፍረይ ሕሰምን (ሕምየትን) ከቶ ኣይኪዛረባን፡ ልሳነይውን ሓሶት ኣከተውስእን” ኢልና ቓል ክንኣትው የድልይ (እዮ 273,4) ብዓቕሚ ስጋና ኸይተወከልና ድማ እግዚአብሔር ብመንፈሱ ኺረድኣና ብዕቱብን ዘየቋርጽን ጸሎት ክንምሕጻኖ ይግባእ። ነገር ስጋ ዀይኑ፡ ዝኣተናዮ ቓል ኣፍሪስና ናብ ሕምየት እንተ ወደቕና፡ ጊዜ ኸይወስድና ብንስሓ ርእስና ኸነሕውይ ይግብኣና። እግዚአብሔር ፍጥረትና ዚፈልጥ ዓቕምና ዚርዳእ መሓሪ ኣምላኽዩ። ክንሕመይ ከለና ኸም ዚጐድኣና ስለ እንፈልጥ፡ ነቲከም ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎምዚብል ወርቃዊ ሕጊ፡ መምርሒና ንግበሮ (ማቴ 712) መዓልቲ መጸ፡ ብሰብ ኣመኽኒና ንኣምላኽን ንሕጉን ከም ዘይሓመናን ከም ዘይፈረድናን ብምርግጋጽ፡ ካብ ለካሚ ኣበሳ ርእስና ብንጽህና ንሓልው።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

የካቲት 26, 2015 ግዕዝ (5 መጋቢት 2023   [መበል 26 ሰንበት: .፴፬/34, 2023]]

ምስባክ

መዝ.68(69):9-10

እስመ ቅንአተ ቤትከ በልዐኒ። ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ። ወቀፃእክዋ በጾም ለነፍስየ።

ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፡ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑሞ፡ ነሕዋተይ ጓና፡ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀንኩ። እናበኸኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፡ እዚ መጽረፊ ዀነኒ።

ንባብ

ኣንባቢ

ቈሎ 216-ፍጻመ

ዲያቆን

ያእ 41-12

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 517-30

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 212-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ዘእግዚእነ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div