S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብቕድስናን ብኽብርን ንበሩ [መበል 25 ሰንበት: ቊ.፴፫/33, 2023]

ፍቓድ ኣምላኽ ንስኻትኩም ክትቅደሱ፡ ካብ ምንዝርናውን ክትርሕቁዩ። ነፍሲ ወከፍኩም ምስ ብዓልቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ብኽብርን ምንባር (ምሕላይ) ይፍለጥ። ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ድማ ብፍትወት ስጋ ኣይትመርሑ።....ከመይ ኣምላኽ ብርኽሰት ዘይኰነ፡ ብቕድስና ኽንነብር ጸዊዑና።” 1ተሰ 43-5

እንሆ፡ ብረድኤት ኣምላኽ ናብ ካልኣይ ሰንበትን ሰሙንን ናይ ዓብይ ጾም በጺሕና ኣለና። እዚ ዘለናዮ ኻልኣይ ሰንበት፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንናቅድስትተባሂሉ ዚጽዋዕ። ኣርእስቲ ናይ ዕለት መዝሙር-ሰንበትግነዩ ለእግዚኣብሄር” (ንእግዚአብሔር ኣመስግንዎ) ዚብልዩ። መዝ 1051,2 መሰረት ዝገበረ ኸኣዩ። ካብ ዝተፈላለየ ኽፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝተወስደ ትሕዝቶ ዘለዎ መዝሙርዩ። ጽድቂ ኽንገብር፡ ሰራቒ ኣብ ዘይረኽቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ ኣብ ሰማያት መዝገብና (ሃብትና) ኸነቐምጥ፡ ድልዋት ኴንና ኽንነብር፡ ነቲ ክርስቶስ ተቐሚጥዎ ዘሎ ነቲ ናይ ላዕሊ ጥራይ ክንደልይን ክንሓስብን፡ ነታ ምእንቲ ሰብ ዝተፈጥረት ቅድስቲ ሰንበት ከነኽብራ ዜተሓሳስብ ናብ ቅድስና ዘድሃበ መልእኽቲ ዝሓዘዩ። እቲ ነዚ መዝሙር መሰረት ገይሩ ዝተሰርዐ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ድማ ናይ ቅድስና መልእኽቲ ዝሓዘለዩ።

እዛ ሰንበትን ሰሙንንዚኣቅድስትዝተባህለትሉ ምኽንያት ክልተዩ። ቀዳማይ ምኽንያት፡ እዛ ኣቲናያ ዘለና ጾመ-ኢየሱስቅድስቲጾም ስለ ዝዀነት፡ ንሕናውን ብደረጃ ቤተ ክርስትያን ኰነ ብደረጃ ውልቀ ሰብ እንጾማ ዘለና ጾም፡ ቅድስቲ ጾም ክትከውን ከም ዚግብኣ ንኼመልክተናዩ። ነብዪ ዮኤል ንጾም ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቓል፦ ጾም ቀድሱ፡ ኣኼባ ጸውዑ፡ ንዓበይትን ኣብ ሃገር ንዚነብሩ ዅላቶምን ናብ ቤት እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ኣክቡ፡ ናብ እግዚአብሔር ከኣ ተማህለሉ።” ኢሉ ኣሎ (ዮኤ 114 215-17) ካልኣይ መልእኽቱጾም ኣውጁማለት እንተ ዀነ፡ እቲ እንጾሞ ጾም ቅዱስ ኪኸውን ግን ቀዳማይ መልእኽቱዩ። ዘይተቐደሰ ጾም፡ በቲ ቕዱስ ኣምላኽ ተቐባልነት ኣይረክብንዩ። ሰብ ነነዌ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ተንጠልጢሉ ዝነበረ መዓት ኬዝብልዎ ዝኸኣሉ፡ ንኣምላኽ ዜዕግብ ቅዱስ ጾም ስለ ዝጾሙ (ዮና 35-10) ብኣንጻሩ እስራኤላውያን ብሓጢኣት ዝተመልአ ርኹስ ጾም ስለ ዝጾሙ እግዚአብሔር ንጾሞም ምቕባል ኣበዮም (ኢሳ 581-7 ዘካ 71-4 814-19) ስለ ነዚ ናይ ጐይታና ዓብዪ ጾም፡ በቲ ንሱ ዝጾመሉ ቅዱስ ኣገባብ ክንጾሞ ይግብኣና።

እዛ ሰንበትዚኣቅድስትዝተባህለትሉ ኻልኣይ ምኽንያት ድማ ሰንበት፡ እግዚአብሔር ባዕሉ ዝቐደሳን ዘኽበራን ዕለት ስለ ዝዀነት (ዘፍ 23 ዘጻ 2011) ስለ ኻብ ኵሉ መዓልታት ዝኸበረትያ። ንሕናውን ከነኽብራን በካይዳና ኽንቅድሳን ኣዚዙና (ዘጻ 208 ዘዳ 512) ብመሰረቱ ኸኣ፡ ሰንበት ምእንታና ምእንቲ ሰባት ከም ዝተፈጥረትን፡ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ንእግዚአብሔር ዜኽብርን ንሰብ ዚጠቅምን ጽቡቕ ግብሪ ኽንገብር ከም ዚግብኣና፡ እቲ ኻብ ሰንበት ዚዓብይንጐይታ ሰንበትዝዀነን ጐይታ ገሊጹልና (ማቴ 128,12 ማር 227) እዛ ኣብ ምድሪ እነኽብራ ሰንበት፡ ናይ ኣብ ሰማያት ተዳልዩልና ዘሎ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ-ሰንበት ትእምርቲ (ምልክት)’ያ። ናብ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ-ሰንበት ዚኣትው እቲ ብክርስቶስ ዝኣመነን፡ ብዅሉ ኣካይዳኡ ንእኡ ዝመሰለን ሰብ ጥራሕዩ። ቅድሚ ናብ ሰማያዊት ሰንበት ምእታዉ ግን፡ ኣብ ምድሪዚኣ ኣብ ዘለዋኦ ዕድመ፡ ናብራ-ሰንበት ኪነብር ይግብኦ። ኣብ ሰሙናዊት ሰንበት ንስጋና ኻብ ዜህልኽ ንጥፈታት ከም ንዓርፍ፡ እቲ ናብራ ሰንበት ዚነብር ሰብ ድማ፡ ንነፍሲ ኻብ ዜድክም ግብሪ ሓጢኣት ኬዕርፍ ይግባእ። ነቲ ንዓመታት ዕድሚኡ ብኸም ዝዓይነቱ ናበራ ሰንበት ዘኽበረ ሰብ፡ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ሰንበት ኣብ ሰማያት ተዳልዩሉ ኣሎ። ነዚ ምስጢር ሰንበት ኣብ መዓልቱ ኣስፊሕና ኽሳዕንመሃሮ፡ ነቲ ኣብ እብ 41-11 ዘሎ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ብምንባብ ጽቡቕ መረዳእታ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። እዛ ሰንበትዚኣ ንምንታይቅድስትከም ዝተባህለት ንምፍላጥ ግን እዚ ዝተገልጸ ሓሳብ እኹልዩ።

እቲ ኣብ ዕለት ዚንበብ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን መልእኽታት፡ ናብቅድስናዘተኰረ ትሕዝቶ ስለ ዘለዎዩ፡ ኣብቅድስትዝተሰምየት ሰንበት ኪንበብ ተሰሪዑልና ዘሎ። ቅድስና ኣዝዩ መሰረታውን ኣገዳስን ዚዀነሉ ቀንዲ ጕዳይ ድማ ናይ መውስቦን ሓዳርን ጕዳይዩ። ነዚ ዕለት ተዋሂቡና ዘሎ ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን ድማ፡ ኣብ ቕድስና ሰብ ኪዳን ዘተኰረዩ። እዚ ማለት ግን፡ቅድስናስ ንሰብ ኪዳን ጥራሕ ዚምልከቶምንምባል ኣይኰነን። ቅድስና ዘይምልከቶ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሓደ ሰብ የልቦን። ኣብ ውሽጢ ሒደት ናይ ስብከት ጊዜን ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጽሑፍን ንሓደ ኣርእስቲ ብምልኣት ክትድህስሶን ክትሽፍኖን ስለ ዘይከኣል ግን፡ ኣብ መዓልቲ ኣብ ቅድስና ሰብ-ኪዳን ኣተኵርና ኽንመሃር ኢና።

ቅድስና ኣብ መውስቦን ሓዳርን ኣዝዩ ልዑል ኣገዳስነት ዚወሃቦ ንምንታይዩ፧ ብመሰረት ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና መሰረተ እምነት (ዶክትሪን) ምስጢረ ተክሊል በዅሪ ኵሉ ምስጢራት ቤተ ክርስትያንያ። ሓጢኣት ከይተጀመረ ኸሎ፡ ወለድና ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ከይተሰጒጉ ኸለው፡ ኢድ ሰብ ከይተሓወሳ፡ ብኢድ እግዚአብሔር ዝተሰርዐትን ዝተፈጸመትን በዅሪ ምስጢርያ። ካልእ ኵሉ ምስጢራት፡ ሓጢኣት ድሕሪ ምትእትታዉ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት፡ ካብ ሓጢኣትን ሳዕቤናቱን ንኼድሕነና ዝተሰርዐ ምስጢራትዩ። ኵሉ ብእግዚአብሔር ዝተዋህበና ጾታዊ ቅርጽን ቍመናን ድማ፡ ነዛ ምስጢር መውስቦዚኣ ንምፍጻም ዝተሰርዐዩ። ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ጥራሕ ምፍጣሩ ንርእሱ፡ ብዛዕባ ቅድስና መውስቦ ንጹር መልእኽቲ ዜመሓላልፍዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ እግዚአብሔር ምስጢረ ተክሊል ዝሰርዓሉ ምኽንያት ቅድስና ምዃኑ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ።

ግናኸ ካብ ምንዝርና ምእንቲ ኺርሕቁ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰበይቲ ትሃልዎ። ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ናይ ገዛእ ርእሳ ሰብኣይ ይሃልዋ።” ዚብል ቃል፡ ኣገዳስነት ቅድስና ዜመልክተና (1ቈረ 72 .) ምኽንያቱ ንጾታዊ ጒዳያት ብዚምልከት፡ ቅድስና ማለት ካብ ምንዝርናን ዝሙትን ምርሓቕ ማለትዩ።ዝሙትዚበሃል፡ ብዓል ኪዳን ዝዀነ ሰብ ካብ ኪዳኑ ወጻኢ ምስ ካልእ ዘይመዋስብቱ ሰብ ዚፍጽሞ ጾታዊ ሓጢኣትዩ።ምንዝርናዚበሃል ከኣ ዘይምርዑው ሰብ ምስ ዘይመዋስብቱ ሰብ ዚፍጽሞ ጾታዊ ሓጢኣትዩ። ስለ ንዝሙትን ምንዝርናን ኣርሒቑ ቅድስና ኼንግስ ዝተሰርዐ ተክሊል እናሃለወካ፡ ካብ መውስቦ ወጻኢ ጾታዊ ጸወታ ምፍጻም ብዓብዩ ነቲ ቕዱስ እግዚአብሔር፡ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ንመዋስብትኻ ከቢድ በደል ምብዳልዩ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ዝኣተኻዮ ቓል ናይ ምፍራስ ጥልመታዊ ተግባርዩ። እግዚአብሔር ቃል ብቓሉ፦

ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዅሉ ሓጢኣት ካብ ሰብነቱ ወጻኢ ዚገብሮ ዚምንዝር (ሰብ) ግና ኣብ ገዛእ ሰብነቱ ዚሓጥእ።” ኢሉ ዚእዝዘና (1ቈረ 618 ምሳ 53-8,12-14 725-27) ስለ ብዝሙት ክንሓጥእ ከለና፡ ብገዛእ ፍትወትና ኣብ ገዛእ ሰብነትና ኸቢድ ዕንወት ንፍጽም ከም ዘለና ተነጊሩና ኣሎ። እዚ ኣበሳ ግን ኣብ ገዛእ ርእስና ጥራሕ ተደሪቱ ኣይተርፍንዩ።

1. እቲ መዋስብትናውን ብንጹሁ ግዳይ ርኽሰትና ዚኸውን። እቲ ብምስጢረ ተክሊል ናብ ቅዱስ መውስቦ ዝኣተወ መጻምድቲ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ናብ ርኹስ ጽምዶ ስለ ዝኣተወ፡ ነቲ ኺዳኑ ናብ ናይ ምንዝርና ኪዳን ለዊጥዎዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲ ቐዳማይ ኪዳኑ ብግብሪ ኣፍሪስዎዩ። ይፍለጥ ኣይፍለጥ፡ እቲ ሕጋዊ መጻምድቲ ተጠሊሙዩ። ስለ ኸኣ ቃል ኪዳን ብፍትሕ ኪፈርሰሉ ዚኽእል እንኮ ምኽንያት፡ ዝሙት ወይ ምንዝርና ዝዀነ።

ኣነ ግን፡እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእትው ይዝምው። እቲ ፍትሕቲ ዜእትው (ዚምርዓው)’ውን ይዝምው፡እብለኩም ኣለኹ።ማቴ 199

ስለ ኣብ ዝሙት ንዘይተረኽበ መጻምድትኻ ብዝዀነ ኻልእ ምኽንያት ምፍታሕ፡ ንርእሱ ናይ ዝሙት ተግባርዩ። ምኽንያቱ፡ ድሕሪ ዘይሕጋዊት ፍትሕ ምስ ካልእ ምውሳብካ ዘይተርፍዩ። እቲ ምሳኻ ምስ ፍቱሕ ሰብ ዚምርዖ ኻልእ ሰብውን፡ ዋላ ቅድሚ ሕጂ ዘይተመርዓወ ድንግል ይጽናሕ፡ ዘማዊዩ። እቲ ብግፍዒ ዝተፈትሐ ቀዳማይ መጻምዲውን፡ ካልእ ሰብ ኪምርዖ ምስ ዜእትው፡ ንሱውን ብዘይ ፍታዉ ዘማዊ ኪኸውን ይግደድዩ። ስለ ኸኣ ጐይታ

ኣነ ግና፡እቲ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ዘማዊት ገበራ እቲ ፍትሕቲ ዜእትው (ዚምርዖ) ድማ፡ዘመወ፡እብለኩም ኣለኹ።” ኢሉ ብወግዒ ኣፍለጠና (ማቴ 532) ስለ እቲ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት፡ ካልእ ማእለያ ዘይብሉ ምኽንያት ፈጢሩ መጻምድቱ ኺፈትሕ ዘንቀደ ሰብ፡ ብዛዕባ ገዛእ ቅድስናኡን ብዛዕባ ቕድስና ናይ ንቕድስት ስላሴ ምስክሩ ገይሩ ዝተዋሰቦ መጻምድቱን ዘይሓስብ፡ በዚ ርኹስ ምርጫኡ ድማ ንሰይጣን ኬገልግሎ ንኣምላኽ ድማ ኪዋግኦ ዝተዓጥቀ ዓሻ ሰብዩ። ገና ምስ ኪዳኑ ኸሎ ዚዝምው ሰብን፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንመጻምድቱ ዚፈትሕን ሰብንምበኣር፡ ነቲ መጻምድቱ ኣዝዩ ኸቢድን ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ዘለዎ በደልን ዚብድሎ።

2. እቲ ዝዓበየ በደል ናይ ብምንዝርናን ዝሙትን ዚረክስ ብዓል ኪዳን ግን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እግዚአብሔር ወልድ፡ ኣብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚፍጽሞ በደልዩ። ክርስቶስ ስጋና ድሕሪ ምልባሱሞ፡ ንሕና ድማ ክርስትያን ኴንና ኣብ ኵሉ ብእኡ ዝተሰርዐ ምስጢራት ቤተ ክርስትያን ድሕሪ ምክፋልና፡ ብዘሎ ሰብነትና ኣካል ሰብነቱ ዚኸውን።

እምብኣርከ ንስኻትኩም ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ኣካላቱ ኢኹም።” 1ቈረ 1227 .

እቲ ሰብነትኩም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እሞኸ ደኣ ንኣካል ክርስቶስ (ሰብነተይ) ወሲደ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮ ይግባእዩ፡ ያኣ ኣይፋለይን፡እቶም ክልተ ሓደ ኣካል ኪዀኑዮም።ከም ዚብል፡ ምስ ኣመንዝራ ዝዘመወ፡ ምስኣ ሓደ ኣካል ከም ዚኸውንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ......ካብ ምንዝርና ህደሙ። 1ቈረ 615-18 .

እዚ ጥቕስታት መግለጺ ኽሳዕ ዘየድልዮ ኣዝዩ ብሩህዩ። ስለ ነፍሲ ወከፍ ናይ ዝሙት ሃቐና፡ በዒንቲ፡ ብኣእምሮ ይኹን ብዝዀነ ይኹን ኣካል ሰብነትና ዚፍጸም፡ ነቲ ንጹህን ቅዱስን ሰብነት ክርስቶስ ኣብ ሰብነትካ ኸተርክስ ናይ ምግዳል እኩይን ሰይጣናውን ሃቐናዩ። ናይ ሓጢኣት ንእሽቶን ዓብይን እንተ ዘየልቦ፡ ትዕበይ ትንኣስ ብዘየገድስ እንፍጽሞ ዅሉ ሓጢኣት ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ዚፍረደሉ ምኽንያት፡ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ሰብነቱ ዝዀንና ዘለኣለማዊ ክርስቶስ ንፍጽሞ ስለ ዘለናዩ። ንሕና ግን ነቲ ብኣካል ኣብ ቅድሜና ዘሎ ሰብምበር፡ ነቲ ኣካላት ሰብነቱ ዝገበረና ጐይታ ስለ ዘይንርእይ፡ ኣብ ምብዛሕ ሓጢኣትና እምብዛ ንተግህን ንውሕልልን ኣለና። እዚ መንፈሳዊ ዑረት ድማ ነዚ ምድራዊ ናብራና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ዘለኣለማዊ መጻኢናን ተስፋናንውን፡ ሓለፋ ሲኦል የጸልምቶ ኣሎ።

ናይ ዜርዕድ ሳዕቤን ፍታሕ ደኣ እንታይዩ፧ ነዚ ሕቶ ናይ ዕለት ኣርእስትና ብብቕዓት ዚምልሶ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ፡ ብዛዕባ መዋስብቱ፡ ብዛዕባ ጐይታ ዀነ፡ ብዛዕባ ዝዀነ ኻልእ ሰብ ብቕድስና ዚሓልይ ሰብ፡ ንሱ ኻብ ዓብዪ ኣበሳን ካብ መሪር ሳዕቤናቱን ንርእሱ ዜድሕን። ብቕድስና ምሕሳብን ምሕላይን፡ ካብ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ናብ ርኽሰት ዚዕድምን ዜስድዕን ፈተናታት ከም ቀጽሪ ሓዊ ዀይኑ ዚሕልወካ። ናይ ቅድስና ሓሳብ ኣብ ኣእምሮና ዘይገዝእ እንተ ዀይኑ ግን ዋላ ዅነታት ስለ ዘይፈቐዱልካ ብኣካል ናብ ዝሙት እንተ ዘይኣተኻኳ፡ ነቲ ናይ ፍትወት ስምዒታትካ ንምእንጋድ ኣብ ዝሙት ናይ ኣዒንቲ ኢኻ ትጽመድ። ፍትወት ኣብ ዜለዓዕሉ ክፍልታት ሰብነት ኣዒንትኻ ትተክል። ነዚ ዘመን-ኣምጽኦ ግዕዙይ ቴክኖሎጂ ተጠቒምካ፡ ኣብ ባሕሪ ፍትወትን ርኽሰትን ጥሒልካ ትውዕል ትሓድር። እቲ ቕዱስ ጴጥሮስ፦

ዝሙት ዝመልኣ፡ ካብ ሓጢኣት ዘየቋርጻ ኣዒንቲ ኣለዋኦም።...... ደቂ መርገምዮም፡ ......ንኣታቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም ተኣኪቡሎም ኣሎ።” ዝበሎ ቓል ድማ ኣባኻ ይፍጸም ማለት (2ጴጥ 214,17) እቲ ኣብ መዓልቲ ምጽኣቱ ኣብ ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋን ተቐሚጡ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ዚፈርድ ጐይታ ድማ፦

ነቶም ቀዳሞት፡ኣይትዘምውከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም ኣለኹም፡ ኣነ ግና፡ <እቲ ንሰበይቲ (ምእንቲ) ኺብህጋ (ኢሉ) ዚጥምታ ዅሉ፡ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ> እብለኩም ኣለኹ።” ብምባል ብንጹር ኣፍሊጡና (ማቴ 527,28) ካብ ርእሰ ቕትለታዊ ሓጢኣት ዜድሕነና፡ ብቕድስና ምሕሳብን ምሕላይን ጥራሕዩ። ናይ ቅድስና ኣርእስቲ፡ ኪስበኽ ምስ ሰማዕናዮ ወይ ብጽሑፍ ምስ ኣንበብናዮ ጥራሕ ትዝ ዚብለና እንተ ዀይኑ ግን፡ ንጊዜኡ ስክፍታ ኻብ ምፍጣር ዚሓልፍ ካልእ ነባሪ ውጽኢት ኣይህልዎንዩ። ካብ ምንዝርና ምእንቲ ኽትርሕቕ ምስጢረ ተክሊል ተሰሪዑልካ፡ ንስኻውን ተሓጕስካን ፈቲኻን ፈጺምካዮ ኸተብቅዕ፡ ድሕሪ መውስቦውን ካብ ምንዝርናዊ ሓሳባትን ተግባራትን ዘይትፍለይ እንተ ዄንካ፡ ቀንዲ ውግእካ ምስ እግዚአብሔር ዚኸውን። ነቲ ቕዱስ ስምን ሰብነትን ናይ ክርስቶስ ከተርክስ ውራይካን ጕዳይካን ጌርካ ተዓጢቕካ ትተግሃሉ ኣለኻ ማለትዩ።

ረብሓ ቕድስና እንተ ዘየብሃገናኳ፡ እንተ ወሓደ መስጣን ፍዳን ናይ ምንዝርናዊ ርኽሰት ኣፍሪሁና ግን፡ ናብ ቕኑዕ ምርጫ ኺደፍኣና ዚግባእ። ኣብ መበገሲ ናይ ኣርእስትናን ትምህርትናን ዝዀነ ናይ 1ተሰ 41-12 ንባብ፡ እዚ ሓሳብ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ።

ከም ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ዘሰማዕናልኩምን፡ ናይ ዅሉ ነገራት ፈዳይ ሕነ ኣምላኽዩ። ከመይ ኣምላኽ ብርኽሰት ዘይኰነ፡ ብቕድስና ኽንነብር ጸዊዑና። እምበኣር እቲ ነዚ ዘይቅበል፡ ነቲ ቕዱስ መንፈሱ ዚህበኩም ኣምላኽምበር ንሰብ ኣይኰነን ምቕባል ዚኣብይ ዘሎ።” 1ተሰ 46-8 .

ፍልጠት ሓቂ ምስ ተቐበልና ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ደጊም ምእንቲ ሓጢኣት ዚቐርብ መስዋእቲ የልቦን። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ፍርድን ነቶም ንኣምላኽ ዚጻረሩ ዚበልዕ ብርቱዕ ሓውን ኢና ብራዕዲ እንጽበይ፡ ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ፡ ብቓል ክልተ ወይ ሰለስተ ምስክር ብዘይ ምሕረት ዚመውት። ንወዲ ኣምላኽ ዝነዓቐ፡ ነቲ ዝተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሰ፡ ነቲ ጸጋ ዚህብ መንፈስውን (ብግብሩ) ዝጸረፈ ግዳ፡ ክንደይ ዝገደደ ቕጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም፧ ከመይ ንሕና ነቲ፡ምፍዳይ ሕነ ናተይዩ፡ ኣነ ሕነ ኽፈድይዝበለ፡ ደጊሙ ኸኣእግዚአብሔር ንህዝቡ ኺፈርድዩ፡ዝበለ (ኣምላኽ) ንፈልጦ ኢና። ኣብ ኢድ ኣምላኽ ምውዳቕ ዜሰካሕክሕዩ።እብ 1026-31 .

ስለ ኣብ ምንዝርናዊ ርኽሰት ክንጽመድ ከለና፡ እቲ ኣብ ሕቝፍና ዘሎ መጻምድትና ዋላ ሓንቲ ዘይኪፈልጥን፡ ፈጺሙ ዘይኪጥርጥርን ይኽእልዩ። እቲ ዝዓበየን ዝኸበደን ጒዳይና ግን ምስ ገለ ዘይስወሮን ኵሉ ዚርእይን ዚፈልጥን ኣምላኽ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ሕነ ናይ ኣብ ሰብነትና ዘርከስናዮ ቕድስናኡ፡ ሕነ ናይ ዝፈረሰ ምስጢሩን ኪዳኑን፡ ከምኡውን ሕነ ናይ ዝተጠልመን ብንጹሁ ዝረኸሰን መጻምድትና በታ መሰክሕ ዝዀነት ኢዱ ንዘለኣለም ኪፈድየናዩ። ስለ ኸም ኣመንዝራ ሰበይቲ፡

ዘይለባም እንተ ናብ የግልስ፡ . . . ናይ ስርቂ ማይ ጥዑምዩ፡ ብሕቡእ ዚብላዕ እንጌራ ኸኣ ባህ የብል”  እናበልና መዋጽኦ ናብ ዘይብሉ መጻወድያ እንኣትው ዓያሱ ኣይንኹን (ምሳ 914-18)

ብኽብሪ ምሕላይእንታይ ማለትዩ፧ ምስ ብቕድስና ምሕላይስከ ብኸመይ ዚዛመድ፧ ኣብ ምስጢረ ተክሊል  ከም እንመሃሮ፡ መውስቦ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ሓድሕዳዊ ምክብባር ዝመልኦ ቅዱስ ጽምዶዩ። ኣርኣያ ናይ ተክሊል፡ ብዓብዩ ምስጢረ ስላሴን ምስጢረ ስጋዌንዩ። ኣብ ሓዳር ይኹን ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘሎና ሓድነትና፡ ልክዕ ነቲ ናይ ስላሴ ሓድነት ኪመስል ከም ዚግባእ ጐይታና ኣብ ዮሃ 1711,21-23 ገሊጹልና ኣሎ። ቅዱስ ጳውሎስውን ሓድነትን ፍቕርን ናይ መውስቦ፡ በቲ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ቤተ ክርስትያን ዘሎ ሓድነትን ፍቕርን ጥራሕ ኪምሰልን ኪምዘንን ከም ዚግባእ ኣብ ኤፌ 531,32 . ገሊጹልና ኣሎ። ካብ ዚዓብይ ንሓድነት መውስቦ ዚገልጽ ዝዀነ ኻልእ ኣርኣያ የልቦን። ካብ ዚንእስ ኣብነት ጠቒስካ ንሓድነት መውስቦ ኽትገልጽ ምፍታን፡ ንኽብሪ ምስጢረ ተክሊል ምቅላል ዚኸውን። ንምስጢረ ስላሴ ፍሉይን ጽኑዕን ሓድነት ዚገብሮ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሰለስቲኦም ኣካላት ዘሎ ኣዝዩ ዜስተንክር ሓድሕዳዊ ምክብባር (ማቴ 316,17 ዮሃ 165-15 ግብ 18) እቲ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ቤተ ክርስትያንን ናይ ዘሎ ሓድነት ፍሉይ መለለዪ ሕላገትውን፡ ሓድሕዳዊ ምክብባርዩ። ክርስቶስ ነታ ስጋኡ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ቅድስትን ክብርትን ቤተ ክርስትያን ምእንቲ ኺገብራ ኢሉ ርእሱ በጃኣ ኽሳዕ ምሃብ ተወፈየ (ኤፌ 525-27) ኣብ መወዳእታ ብስልጣን መንግስቱ ናብ ዓለም ዚምለስ ድማ፡ ነቲ ዘዳለወላ ሰማያዊ ኽብሪ ምእንቲ ኺህባዩ። ቤተ ክርስትያን ድማ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ምእንቲ ኪኸብር ተወፍያ ተገልግል፡ ክሳዕ ሰማእትነትውን ዋጋ ትኸፍል።

ሰብ ኪዳንውን ነዚ ኣርኣያ ብምኽታል ነቲ ጾታዊ መሰላቶም ብዚምልከት ኰነ ብዅሉ ኻልእ ሓባራውን ውልቃውን ጒዳያቶም፡ ልዑል ዝዀነ ሓድሕዳዊ ምክብባር ኪህልዎም ይግባእ። ካልእ ናይ ስርቂ መጻምድቲ ስለ ዘይገበርካ ጥራሕ ንዅሉ ኸም ብዓል ኪዳን ንመጻምድትኻ ዚግብኦ ኽብሪ ሂብካ ወዲእካ ማለት ኣይኰነን። መብዛሕትኡ መውስቦኣዊ ሓድነት ብፍትሕ ዚፈርሰሉ ምኽንያት፡ ናይ ሓድሕድና ጾታዊ መሰላት ብኣኽብሮት ዘይንፍጽም ምዃንናዩ። ኣብ ሓደ ዝዀንናሉን ንሓድነትና ብዝያዳ ኸነጽንዓሉን ዚግብኣና መደቀሲ ኣሚን፡ ፍቕርናን ሓድነትናን ይነቅዕን ይፈርስን ኣሎ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ፦

ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግብኣ ይግበረላ፡ ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ (ዚግብኦ) ትግበረሉ። ሰበይቲ ኣብ ሰብነት ሰብኣያምበር ኣብ ገዛእ ሰብነታ ስልጣን የብላን። ከምኡውን ኸኣ ሰብኣይ ኣብ ሰብነት ሰበይቱምበር፡ ኣብ ገዛእ ሰብነቱ ስልጣን የብሉን። ንጸሎት ዚኸውን ጊዜ ኽትረኽቡ ንውሱን እዋን ብስምምዕ ክልቴኹም ዝገበርኩምዎ እንተ ዘይኰይኑ፡ ሓደ ነቲ ሓደ ናይ መውስቦ ግቡኡ ኣይኽልኣዮ፡ . . .”

ኢሉና ኣሎ (1ቈረ 73-5 .) ዋላ ምክልላእ ኣብ ዘይብሉ፡ ፈቲኻን ተሓጕስካን ብጽቡቕ ፍቓድን ብምሉእ ኣኽብሮትን ዘይምሃብውን፡ ነቲ መጻምድትኻ፡ካልእ ምንዝርናዊ ኣማራጺታት ሃሰው በልዚብል ሰይጣናዊ መልእኽትን ድርኺትን ምሃብ ዚኸውን። በዝን ዝኸምዝን ብዝተፈጥረ ነቓዕ፡ እቲ ህንጻ-መውስቦ ምስ ዚፈርስ፡ብቅድስናን ብኽብርን ዘይምሕላይከመይ ዝበለ ኸቢድ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ሽዑ ዚረኣየና። ኣብ ኵሉ ኻልእ ገጻት ናይ ሓዳርና ኵለንተናዊ ምክብባር ዘይብልናስ፡ ኣብ መደቀሲት ኣሚን ብምክብባር ጥራሕ ከነሕውዮ ኣይከኣልንዩ። ኣብ ካልእ ጒዳያት ዘዋረድካዮ መጻምድትኻ፡ ዝባኑ ኺህበካምበር፡ ገጹ ናባኻ ኪመልስ ክትጽበዮ፡ ፍጹም ዘይክዉንነታዊዩ። ስለ ኻብ ቈላሕታ ኣዒንትና ጀሚሩ ዅሉ ዘረባና፡ ወስታታትና (Gestures) ንጥፈታትና፡ ኣለባብሳና፡ ንጽህናናን ወዘተ ወጊሑ ኽሳዕ ዚዓርብ ብናይ ቅድስናን ኣኽብሮትን ሓልዮት ዝተማእዘነ ኪኸውን ይግባእ። ካብ እንተ ጐደለ ግን፡ ንርእስና ዀነ ንመጻምድትና፡ ንጊዝያዊ ይኹን ንነባሪ፡ ንግብራዊ ይኹን ስምዒታዊ ምንዝርና ዚድርኽን መገዲ ዚጸርግን፡ ዘለኣለማዊ መዘዝ ዘለዎ ዓሻን እኩይን ስጕምቲ ዚኸውን።

እቶም ሰብ ኪዳን ዝዀንና ዅልና፡ ብዛዕባ ሓዳርና መዋስብትናን ናይ ብሓቂ ብቕድስናን ብኽብርን ንሓልይ ከም ዘለና ነረጋግጽ። እቶም ናብ መውስቦ ነማዕድው ዘለና ድማ፡ ንሓዳርና ብቕድስናን ብኽብርን ብምሕላይ ናይ ጽድቂ ሓዳር ክንገብሮ ንወስን። ንኣምላኽ ኣብ ሓዳርና ኣኽቢርና ደኣ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ንቀበልምበር፡ ብጽድቂ ንዝተሰርዐ ኺዳን መፍረዪ ምንዝርናን ዓመጽን ኣይንግበሮ።

 ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

የካቲት 19, 2015 ግዕዝ (26 ለካቲት 2023 ፈ  [መበል 25 ሰንበት: ቊ.፴፫/33, 2023]]

ምስባክ

መዝ.95(96):5-6

“እግዚአብሔርሰ ሰማያተ ገብረ።አሚን ወሠናይት ቅድሜሁ።ቅድሳት ወዕበየ ስብሐት ውስተ መቅደሱ።”

ወይ ከኣ መዝ.104(105)፡1-2

“ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ።ወንግርዎሙ ለአሕዛብ ምግባሮ።ሰብሑ ወዘምሩ ሎቱ።”

ንባባት

ኣንባቢ

1ተሰ 4፡1-12

ዲያቆን

1ጴጥ 1፡13-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 3፡17-29

ንፍቅ ካህን

ማቴ 6፡16-24

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div