S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብፍቕሪ ተገዛዝኡ [መበል 24 ሰንበት: ቊ.፴፪/32, 2023]

ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽዉዓት ኢኹምሞ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡምበር፡ ነቲ ሓርነትሲ (ንሓጢኣት) ምኽንያት ኣይትግበርዎ። ማለት ኵሉ ሕጊ በታ፡ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር፡እትብል ሓንቲ ቓል ዚፍጸም። ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን (እንተ) ተባላዕኩምን ግና፡ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ።ገላ 513-15

እዚ ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ ሓምሻይን ናይ መወዳእታን ሰንበት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዋዜማ ናይ ምእታው ዓብይ ጾም (በአተ ዓቢይ ጾም) ድማዩ። ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና እዚ ሰንበትዘወረደተባሂሉ ዚጽዋዕ ኰይኑ፡ መላግቦ ኽልተ ዘመናትዩ። ደጊም ካብ ዘመነ ኣስተርእዮ ናብ ዘመነ ጾም ንሰግር ኣለና። እዚ ንኣትዎ ዘለና ጾም፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናዓብይ ጾም፡ ርእሰ ኣጽዋማት፡ ጾመርብዓ፡ ጾመ ኢየሱስኢላ ብዝተፈላለየ ስማት ትጽውዖ።ዓብይ ጾምን ርእሰ ኣጽዋማትንዚብል ስያመ፡ በቲ ዓብዪ ጐይታ ዝተጾመ ጾም ስለ ዝዀነ፡ ርእሲ ዅሉ ኣጽዋማት ከም ዝዀነ ዜመልክተናዩ። ጾመርብዓ (ጾመ ኣርብዓ) ዚበሃለሉ ምኽንያት ከኣ፡ ካብተን 55 ናይ ዓብይ ጾም መዓልታት፡ ነተን 40 መዓልታት ጥራሕ ክሳዕ ቅዳሴ ዚውዳእ ምግቢ ኸይለኸፍና ስለ ንጾመን፡ ነተን ዝተረፋ 15 መዓልታት (7  ሰናብትን 8 ቀዳማትን) ግና፡ ናይ ጥልላት ወይ ብልዖት ምግቢ ካብ ምምጋብ ደኣ ንጸውምምበር፡ ከይበላዕና ጾምና ስለ ዘይንውዕልዩ።

እዚ ጾም ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጾምዩ። ከም ብዛዕባ ጾመ-ነብያት ክንመሃር ከለና ዝረኣናዮ፡ ጾመ ነብያት ብምጻም ኣብ ናይ ቅዱሳን ነብያት ናይ ጾም ገድሊ ንሓብር። ጾመ-ኢየሱስ ብምጻም ድማ ኣብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነትናን ኣርኣያናን ዘካየዶ ናይ ጾም ገድሊ ንሓብር ማለትዩ። ጐይታና ተጠሚቑ ኻብ ርባ ዮርዳኖስ ምስ ወጸ፡ ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማሩ ብናይ መንፈስ ቅዱስ መሪሕነት ብዲያብሎስ ኪፍተን ናብ በረኻ ወጸ። ዘይከማና 40 መዓልትን ለይትን ዚስተይ ይኹን ዚብላዕ ከይለኸፈ፡ ብጾምን ብጸሎትን ምስ ድያብሎስ ከቢድ ገድሊ ተጋደለ። ከም ፍጹም ሰብ መጠን፡ ብዘይካ ሓጢኣት፡ ኵሉ ኻልእ ናይ ስጋ ባህርያት ስለ ዝነበሮ፡ እቲ ዘይምምጋብ ኣብ ሰብነት ዚፈጥሮ ዅሉ ናይ ጥምየት፡ ጽምኣት፡ ድኻም ወዘተ ስምዒታት ተሰሚዕዎዩ። ምስ መለኮት ዝተዋህደ ስጋ ስለ ዝዀነስ፡ ነቲ ድኻም ስጋ ብሓይሊ መለኮት ከም ዘይስምዖ ኣይገበረን። ስለ ድማ ኢናፍጹም ሰብምዃኑ እንኣምን። ናይ 40 መዓልቲ ጾም፡ ኣዝዩ ኸቢድ እንተ ዀነ፡ ሰብ ዘይክእሎ ጾም ግን ኣይኰነን። እቲ ሰብ ጥራሕ ዝዀነ ነብዪ ሙሴውን ጸይምዎዩ። ከም ዝጾሙ ባሕታውያንን ገዳማውያንን ከም ዘለዉ ታሪኽ ቤተ ክርስትያንውን የረጋግጸልናዩ። ኣብ ነዊሕ ናይ ጾም ጊዜኡ፡ ጐይታና ብድያብሎስ ብዙሕ ተፈቲኑዩ። እተን ኣብ ወንጌላት ዝተጠቕሳልና ሰለስተ ፈተናታት ጥራሕ ኣይኰነን። ንሳተን ኣብ ሓንቲ ረፍዲ ጥራሕ ተፈቲኑ ኺውድአን ዚኽእልዩ። እቲ ዝተረፈ 39 መዓልታት ዚኣክል ጊዜ ግን፡ ከይተፈተነ ሓሊፍዎ ኺበሃል ኣይግባእን። ከም ወካሊ ኣብነት ግና፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ነተን ሰለስተ ፈተናታት ብወንጌላውያን ኣገልገልቱ ገይሩ ጸሓፈልና። ነዘን ፈተናታትዚኣተን ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንናሠለስቱ አርእስተ ኃጣውእ” (ሰለስተ ኣርእስቲ-ሓጢኣት) ኢላ ትሰምየን። ንሳተን ከኣ፡

1. ስሰዐ 2. ትዕቢት 3. ፍቕረ-ንዋይ (ፍቕሪ ገንዘብ) እየን።

ካብ ናይ ጐይታና ጾም እንመሃሮ ዝዓበየ ትምህርቲ፡ እቲ ቕኑዕን ሓቀኛን ጾም፡ ነቲ ብዙሕ ዘርእስቱ ፈተናታት ድያብሎስ እንስዕረሉ ሓይሊ ከም ዜዕጥቐናዩ። ኣብፍኖተ ህይወትዘርእስቱ ናይ ቤተ ክርስትያንና መሰረተ እምነት ዜስተምህር መጽሓፍ፡ ኣብስነ-ምግባርዘርእስቱ 3 ክፋል፡ ኣብ ትሕቲግብረ ኣምልኾዚብል ምዕራፍ ብስፍሓትን ብዕምቘትን ተገሊጹልና ስለ ዘሎ፡ ናይ ሰበኻ ኣብያተ ክርስትያን ናይ ትምህርቲ መደብ ሰሪዐን ህዝበን ብዛዕባ ጾም ኬስተምህራን፡ ኵሉ ኣገልጋልን ምእመንን ቅቡልን ዕዉትን ዘመነ ጾም ኪፍጽም ኪረድኣኦን ይግባእ።

እዚ ሰንበትዝን ድሕሪኡ ዘሎ ሰሙንንዘወረደዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣና ምእንቲ ኼድሕን ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምላዱ ንኼመልክትዩ። ኣብ ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል ኣብ ዮሃ 313-15 ብንጹር ተጠቒሱ ኣሎ። ከይወረደን መዋቲ ስጋና ኸይለበሰን ምእንታና ተሰቒሉ ኼድሕነና ስለ ዘይክእል፡ እዚ ዓብይ ጾምዘወረደኢሉ ኺጅምር ግቡእዩ። እዛ ናይ ዓብይ ጾም ቀዳመይቲ ሰሙንጾመ ህርቃልተባሂላውን ትጽዋዕያ። ህርቃል (ኤራቅሊዮስ) ኣብ ዘመነ ቢዛንታይ ናይ ቍስጥንጥንያ (ግዝኣት ሮማ) ንጉስ ዝነበረዩ። ኣብ ዘመኑ ፋርሳውያን (Persions) ንኢየሩሳሌም ወሪሮም ሒዞምዋ ስለ ዝነበሩ ንእኣ ሓራ ኼውጽእ ንውግእ ይኸደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ቤተ ክርስትያን እግዚአብሔር ዓወት ምእንቲ ኺህቦ ምእንትኡ ዝጾመትሉ ጊዜ ዜመልክትዩ። እዚ ታሪኽ ኣብ መጽሓፈ ስንክሳር ኣብ መጋቢት 10 ተተሪኹልና ኣሎ። እቲ ታሪኽ ሽዑ ኣብቂዑ ኽነሱ፡ እቲ ጾም ግን ክሳዕ ሕጂ ዚቕጽለሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ሕጂውን ምእንቲ መራሕትና ብጾምን ጸሎትን ናብ እግዚአብሔር ምእንቲ ኽንቀርብዩ። ምእንቲቶም ኣብ ዘመንና ዘለዉ መራሕትና ኽንጽልይ ከም ዚግብኣና፡ ቅዱስ ጳውሎስ ብኣጽንዖት ምዒዱናን ኣዚዙናን ኣሎ (1ጢሞ 21-4)

ነዚዘወረደዝተሰምየ ቀዳማይ ሰንበት ዝተሰርዐ መዝሙር፡ተቀነዩ ለእግዚአብሔርዘርእስቱዩ። እዚ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙርዚ፡ ነቲ ናይ ዕለት ኽልተ ኣማራጺ ምስባካት (ጥቕስታት) መሰረት ብምግባር ዝተደርሰ (መዝ 210-12 መዝ 1003-5) ከምኡውን ካብ መዝ 957 ማቴ 913 ማር 227 ዝተጠቕሰ ትሕዝቶ ኣለዎ። እቲ ነዚ ናይ ዕለት ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን ዝወለደ ትሕዝቶ ናይ መዝሙር ግንንጹም ጾመ፡ ወናፍቅር ቢጸነ፡ ወንትፋቀር በበይናቲነ” (ጾም ንጹም፡ ብጻይና ነፍቅር፡ ንሓድሕድና ንፋቐር) ዚብልዩ። እቲ በዚ መዝሙር መሰረት ዝተሰርዐ ንባብ ናይ ገላ 513-ፍጻመ ድማ፡ ነዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ዝሓዘዩ።

ኣብ መባእታ ናይ ጾም፡ ብዛዕባ ብፍቕሪ ምግዝዛእ ክንመሃር ዘድልየሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ጾምኪበሃል ከሎ ወይ ቤተ ክርስትያን ዝሰርዓቶ ዘመነ-ጾም ኪቐርብ ከሎ ቀዳማይ ናብ ኣእምሮና ኺመጽእ ዚግብኦ ኣርእስቲ፡ ፍቕሪዩ። ምኽንያቱ ጾም፡ ሓደ ሰብ ኪፍጸሞም ካብ ዚኽእል ኪቢድ ዋጋንን ትዕግስትን ካብ ዚጠልቡ ስነ ምግባራት ሓደዩ። እዚ ኸቢድ ስነ-ምግባር ፈጺምካ ኸተብቅዕ፡ እግዚአብሔር ዘይቅበሎ ምስ ዚኸውን፡ መንፈሳዊ ወጽዓ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ከቢድ ስጋዊ ወጽዓን ክሳራንውንዩ። እስራኤላውያን እግዚአብሔር ንጾሞም ከም ዘይተቐበሎ ምስ ፈለጡ፡ስለምንታይ ደኣ ጾምና፡ ንስኻ ድማ ዘይረኣኻና፡ ስለምንታይከ ነፍስና ኣሕሳእና ንስኻውን ግዲ ዘይገበርካ፧ኢሎም ሓተቱ (ኢሳ 583) ንጾም ጾም ዚገብሮ ተቐባልነቱምበር፡ ክብደት ስቓዩ ኣይኰነን። ንዅሉ ስነ ምግባርን ውህበታትን ኣገልግሎታትን፡ ትርጕምን ተቐባልነት እተጐናጽፎ ድማ ፍቕሪ (1ቈረ 131-3) ብዘይ ፍቕሪ ዚግበር ጾም ተቐባልነት ጥራሕ ኣይኰነን ዜስእን። ከቢድ ቍጥዓን ፍርድንውን የውርድዩ። ኣብ ናይ መበል 19 ሰንበትኣብ ፍቕሪ ዚነብር ሰብዚብል ትምህርትና ነዚ ሓቂ ብስፍሓት ርኢናዮ ኢና። ብፍቕሪ ዘይተሰነየን ዘይማዕረገን ጾም፡ ዕርቃኑ ዝወጸን ዜነውርን ከንቱን ጾምዩ።

ፍቕሪ እንተ ዘይብልና፡ ንበይና ፍቕሪ ጥራሕ ኣይኰነትን ዘይትህልወና። ኵሉ ብናይ ፍቕሪ ደራኽነትን ኣኽኣልነትን ዚትግበር ስነ ምግባራትውን የብልናን ማለትዩ። ምኽንያቱ ፍቕሪ ንዅሉ ትእዛዛት ዝሓቘፈት ርእሲ ዅሉ ስነ- ምግባራትያ። ነዚ ድማ ጐይታና ዀነ ኵሎም ሃዋርያት ኣረጋጊጾምልናዮም (ማቴ 2234-40 ሮሜ 138-10 1ቈረ 134-7) ፍቕሪ፡ መፍትሕ-ኵሉ (Masterkey) እያ። ፍቕሪ ዘይብሉ ጾም፡ ልክዕ ፋስ ዘይብሉ ልዓት (Handle ወይ ማኒኮ)  ሒዝካ ኽትቈርጽ ወይ ክትፍልጽ ከም ምፍታንዩ። ሰይጣን ድማ ኪጸውም ንዘንቀደ ሰብ ኣይቃወምንዩ። ብስጋን ብመንፈስን ኪውጻዕ ስለ ዚደልዮ እቲ ንጾሙ ትርጒም ዜልብሶ ፍቕርን ንእኡ ዜሰንይ ግብርታትን ከይህልዎ ጥራሕ ዚጋደል። ከም ኣብ ኢሳ 583-5 ተጠቒሱ ዘሎ፡ እናተጓሰጥካ፡ እናተናጸኻ፡ እናተጻረፍካ ወዘተ እንተ ጾምካሉ፡ ብጾምካ ንርእስኻን ንኣምላኽካን ዘይኰነስ ንእኡ ተገልግሎ ስለ ዘለኻ፡ ብጾምካ ዕጉብዩ፡ ከተቋርጾውን ኣይደልየካንዩ። ምኽንያቱ በቲ ጾምካ ስለትጥበር፡ ንስሓን ኣካይዳኻ ምቕናዕን ዚበሃል ፈጺሙ ኣይረኣየካንዩ። ስለ ገሃነም ክሳዕትኣትው፡ ኣብ ልዕለኻ ዋንነቱ ኣውሒሱዩ።

እዚ መሪሕ ጥቕስና፡ ንምንታይ ንፍቕርን ምግዝዛእን ዜዛምዶም ዘሎ፧ ብኸመይዮምከ ዚዛመዱ፧ እዚ ሕቶ ናብ ሕመረት (ቀንዲ ፍረ-ነገር) (Essence) ናይ ኣርእስትና ዚመርሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶዩ። ናይ ፍቕሪ ዝለዓለ መለክዒ፡ ነቲ ዘፍቀርካዮ ኣካል ክትግዛእን በጃኡ ኽትከውንን ምፍቃድዩ። ንኣምላኽን ንሰብን ምፍቃር፡ ንወዲ ሰብ ዝተዋህበ ናይ ህይወት ተልእኾዩ። ንኣምላኽ ምፍቃር፡ ከም ጐይታና ዝበሎ፡ ቀዳመይትን ዓባይን ትእዛዝያ። ንብጻይካ ብኣርኣያ ስላሴ ንዝተፈጥረ ዅሉ ሓውካ/ሓብትኻ ምፍቃር ድማ፡ ካልኣይቲ ዓባይ ትእዛዝ (ማቴ 2234-40) ንፍቕሪ ኽልተ ገጻት ዘለዋ። እቲ ቐዳማይ ስምዒታዊ (Emotional) ገጽ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ እቲ ግብራዊ ገጽዩ። ነዚ ክልቲኡ ገጻት ፈጺምካ ኽትፈላልዮ ኣይከኣልንዩ። ንሓንቲ ገጽ ናይ ፍቕሪ ጥራሕ ዚመርጽ ሰብ፡ ካልኣይ ገጽ ዘይብላ ሳንቲም ኬርእይ ዚጋደል ሰብ ዚመስል። ይትረፍ ኪትግበር ኪሕሰብውን ዘይክእልዩ። ሓንቲ ሳንቲም፡ ሓንቲ ገጽ ጥራሕ ክትህልዋ ኣይትኽእልንያ። ኣላ ኽንብል እንተ ዄንና ኣብ ወረቐት ዝተሳእለት ሳንቲም ጥራሕ ኽትከውን እትኽእል። ነታ ስእሊ ገልቢጥካ ነቲ ኻልኣይ ገጽ ናይ ሳንቲም ክትርእይ እንተ ፈተንካ፡ ናይ ወረቐትምበር፡ ናይ ሳንቲም ገጽ ኣይኰንካንትርእይ።

ፍቕሪውን ልክዕ ከምኡያ። ስምዒታዊ ገጽ ዘለዋምበር ግብራዊ ገጽ ዘይብላ ፍቕሪ ሒዝካ፡አፍቅርኽትብል ኣይከኣልን እንተ ዘይተባህለ፡ ኣይግባእንዩ። ንእተፍቅሮ ሰብ ክትርእይ ወይ ክትረክብ፡ ወይውን ምስኡ ኽትከውን ከለኻ ዚስምዓካ ስምዒታት ኣሎ። ንጊዜኡ ይኹን ንሓዋሩ ኽትፍለዮን ክትስእኖን ከለኻ ዚስምዓካ ዘይጥዑም ስምዒታትውን ኣሎ። ከም ዘመሰለ ባህርያዊ ፍቕሪ ዋላ ኣብ እንስሳ ዘቤትን፡ ኣብ ዝተገርሐ እንስሳ መሮርንውን ዚርከብዩ።

እቲ ብምስሊ ኣምላኽ ብምፍጣርና ዝወረስናዮ መንፈሳዊ ፍቕሪ ግን ከም ባህርያዊ ፍቕሪ ብስምዒታዊ መልክዑ ጥራሕ ዘይኰነ ብግብራዊ መልክዑውን ዚፍጸም ፍቕሪዩ። ሓደ ኻብ ግብራዊ መልክዑ ድማ ነቲ እተፍቅሮ ፈቲኻን ተሓጒስካን ተገዛኢ ምዃንን ምግልጋልንዩ። ተገዛኢ ምዃን ማለት ንፍቓድካ ንጐኒ ገዲፍካን መስዋእቲ ጌርካን፡ ንፍቓድ ናይ እተፍቅሮ ሰብ ከተገልግልን ከተማልእን ፍቓደኛ ምዃንን ተሓጒስካ ምፍጻሙንዩ። ተገዛኢ ምዃን ማለት ኣገልጋሊ ምዃን ማለትዩ። ሰባት ድማ ካብ ናይ ሰይጣን ናይ ትዕቢት ማይ ብሑቕ ስለ ዝለኸፍና፡ ተገዛእነትን ኣገልጋልነትን ከም ዕረ ይመርረናዩ። ይትረፍ ንኸም ኸማና ሰብ፡ ዋላ ነቲ ፈጣሪና ኣምላኽ ተገዛእቲ ምዃንን ምግልጋልን ኣይንፈትውን ኢና። ንትእዛዛቱ ከይንእዘዝ ንፍቓዱ ኸይንፍጽም ዚዓግተና ኸኣ ንሱዩ። ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ፡ ሓደ ዝገጹ ኣፋዊ ወይ ስምዒታዊ ፍቕሪ ጥራሕ ስለ ዝዀነ፡ ብኣፍና ኽንቀርብ፡ ብኣፍና ፍቕሪ ኸነርእዮ ጥራሕ ኢና ንደልይ (ኢሳ 2913,14 581-2 ህዝ 3330-32 ኤር 34,5) እቲ ምስ ሰብ ዘሎና ፍቕሪውን ካብ ዝተፈልየ ኣይኰነን። ንሰብ ክንገዝእምበር፡ ንሰብ ክንግዛእ ኣይንደልን ኢና። ንኸም ዝበለ ናይ ጽቡቕ ፍቓድ ድኽነት ኣሕሊፉ ዚህበና ኸኣ፡ እቲ ዘሎና ናይ ግብራዊ ፍቕሪ ድኽነትዩ። እታ እተኽእል ፍቕሪ እንተ ዘይብልና፡ ነቲ ንኸማና ሰብ ተገዛእቲ ዚገብረና መንፈሳዊ ባህርያት ክንውንኖን ከነንጸባርቖን ኣይንኽእል ኢና።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመለኮቱ ዀነ ብስጋኡ ነዚ ናይ ፍቕሪ ተገዛእነት ብግብሪ ኣርእዩናዩ። ብመለኮቱ ካብ ኣቦ ብገለ ዘይንእስ ብዅለንተናኡ ሓደን ማዕረን ክነሱ፡ ንእግዚአብሔር ኣቦኡ ዘርኣዮ ተገዛእነት ብቓላት ኪግለጽ ዚኽእልውን ኣይኰነን። ብፍቓድ ኣቦኡ ንዅሉ ፍጥረታት ካብ ምፍጣር ኣትሒዙ ኽሳዕ ሞት መስቀል ተኣዘዘ (ቈሎ 115,16 እብ 12 55-10 ፊል 25-8) ካብ ናይ ኣቦኡ ዝተፈልየ ሕማቕ ፍቓድ ሃልይዎ ዘይኰነስ፡ ነቦኡ ኬኽብር ስለ ዝመረጸ ጥራሕ፡ ፍቓድ ርእሱ ዘይኰነ ፍቓድ ኣቦኡ ኺገብር ከም ዝመጸ፡ ንፍቓድ ኣቦኡ ምፍጻም ልክዕ ከም ምግቢ ምምጋብ፡ ከም መሰረታዊ ድልየት (Basic Necessity) ይርእዮ ነበረ (ማቴ 2639 ዮሃ 434 530 638) ብኣቦ ተላኢኹምበር፡ ባዕሉ ኸም ዘይመጸ፣ ኵሉ ዚዛረቦን ዚገብሮን ድማ ካብ ኣቦ ኸም ዝወሰዶምበር፡ ናቱ ኸም ዘይኰነ፣ ነቦኡ ኬኽብርምበር፡ ርእሱ ኬኽብር ከም ዘይደልይ፡ ኣዝዩ መሃሪ ብዝዀነ ኣገባብ፡ ብተደጋጋሚ ይእመን ነበረ (ዮሃ 842 ዮሃ 519,20,30-32,36 716,18,28,29,33 816,26,28,29,40,50,54 103611,42 1248-50 1410,24) ሕሉፍ ሓሊፍዎ፡ ብእግዚአብሔር ኣቦኡ ከምባርያኡዝተገልጸሉ ኣጋጣሚታትውን ውሑድ ኣይኰነን። እዚ ሓቂ ብቕዱሳን ነብያት ብተደጋጋሚ ዝተገልጸዩ። ብኣካለ ስጋ ምስ ተጋህደ ድማ ኣብ ዘመን ሓድሽ ኪዳን ብግብሪ ፈጸሞ (ኢሳ 493,6,7 5310,11421-4 ማቴ 1217-21) እዚ ዅሉ ናይ ወልድ ተገዛእነት ድማ ካብ ነቦኡ ዘለዎ ፍቕሪ ዝተላዕለ ኸም ዝዀነ ጐይታና ባዕሉ፦

ግናኸ ኣነ ነቦ ኸም ዘፍቅሮን፡ ከም ኣቦ ዝኣዘዘኒውን ከም ዝገብርን፡ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከም ይኸውን ኣሎ። ...... “ ብምባል ተኣሚኑ ኣሎ (ዮሃ 1431)

ናይ ወልድ ተገዛእነት ወይ ኣገልጋልነት ግን፡ ነቲ ብዅሉ ነገር ማዕሪኡ ዝዀነ እግዚአብሔር ኣቦኡ ጥራሕ ኣይነበረን። ዋላ ነቶም ብመለኮት ኰነ ብስጋ ኣዝዩ ዚዓብዮም ደቀ መዛሙርቱውን ብምኽንያት ፍቕሩ ኸም ዝተገዝኦምን ከም ዘገልግሎምን ጐይታና ባዕሉ ገሊጹልናዩ። ከም ስጋ ለበስ ሰብ መጠን፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡መንና ዀን ይበልጽ፧ መንና ዀን ይዓብይ፧ዚብል ሓሳብ ኣብ ልቦም ይለዓሎም፡ ኣፎም ከፊቶምውን ይከራኸሩሉ ነበሩ። እዚ ኣተሓሳስባ ምስ ናይ ክርስቶስ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ኣዝዩ ተጻራርን፡ ከምኡውን ስጋውን ሰይጣናውን ኣተሓሳስባ ስለ ዝነበረ፡ ጐይታና ኺእርሞም ወሰነሞ፡ ነታ ናቱ ኣርኣያን መምርሕን ብኸም ዚስዕብ ገለጸሎም።

ነህዛብ እቶም ከም ሹማምንቶም ዚቝጸሩ ኸም ዚመልክዎም። እቶም ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዚስልጥኑ (ከም ዚመልክዎም) ትፈልጡ ኢኹም። ኣባኻትኩም (ኣብ ሰዓብተይ) ግና ከምኡ ኣይኰነን። እቲ ዓብዪ ኪኸውን ዚደልይ ኣገልጋሊኹም (ግዙእኩም) ደኣ ይኹን። እቲ ኻባኻትኩም ጐይታ (ምርኡይ) ኪኸውን ዚደልይ ከኣ፡ ንሱ ልኡኽ ኵልኹም (ባርያ ዅልኹም) ይኹን። ምኽንያቱ ኸኣ፡ ወዲ ሰብ (ንኻልኦት) ኬገልግልን ህይወቱ በጃ ብዙሓት ኪህብንምበር፡ ኬገልግልዎ (ኢሉ) ኣይመጸን። ማር 1042-45 .

እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኻብኣቶም መን ከም ዚዓብይ ኣብ ማእከሎም ክትዕ ተላዕለ። ኢየሱስ ድማ ሓሳብ ልቦም ፈሊጡ፡ ሓደ ህጻን ወሲዱ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣበሎ። (ንኣታቶም ድማ) “.....እቲ ዓብይ ዚኸውን፡ እቲ ኣብ ማእከል ኵሉኹም ዚንእስዩ፡በሎም።ሉቃ 946-48 .

እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ካባና ዓብዪ ዀይኑ ዚረኣይ መንዩ፧እናበሉ ንሓድሕዶም ተኸራኸሩ። ሽዑ ኢየሱስ ከም በሎም፦ነህዛብ ነገስታቶምዮም ዚገዝእዎም፡ እቶም ስልጣን (ምልኪ) ዘለዎም ድማገበርቲ ሰናይ (ሕያዎት)” ይብሃሉ። ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ። እቲ ዓብይስ ከም ንእሽቶ፡ እቲ ጐይታውን ከም ጊልያ (ከም ግዙእ) ደኣ ይኹን። ካብ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥን ካብ ዜገልግልን ኣየናዮም ይዓብይ፧ እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥዶይኰነን፡ ኣነ ግና ኣብ ማእከልኩም ከም ኣገልጋሊየ።ሉቃ 2224-27 .

ኣብ ተደጋጋሚ ዚመስል ግን ከኣ ነናቱ ፍሉይነት ናይ ኣገላልጻ ዘለዎ ኽፍልታት ወንጌል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ እግዚአብሔር ኣቦኡ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ናይቶም ብመለኮቱ ጥራሕ ዘይኰነስ ብስጋውን ኣዝዮም ዚንእስዎ ደቀ መዛሙርቱ ኸይተረፈ ኣገልጋልን ግዙእን ከይኑ ይነብር ከም ዝነበረ፡ ብልሳኑ ተኣሚኑ ኣሎ። ኣብ እግሮም ዝሓጸበሉን ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓሉን ምሸትውን፡ ልክዕ ከም ባርያ ጨርቂ ተዓጢቑ ተደቢሩ እግሪ ባሮቱ ብምሕጻብ ነቲኣብ ማእከልኩም ከም ኣገልጋሊዝበሎ ቓል ደጊሙ ብግብሪ ኣረጋገጾ (ዮሃ 134-17) ናይ ተገዛእነት፡ ኣገልጋልነት፡ ተበጃውነት ቀዳማይን ቀንድን መሰረቱ፡ እቲ ንደቂ ኣዳም ዝነበሮ ፍቕሪዩ። ምእንቲ ሰብ ህይወቱ በጃ ኽሳዕ ምሕላፍ ስለ ዘፍቀረና፡ ነቲ ኻልእ ኵሉ ፍቕሪ ዚጠልቦ ተገዛእነትውን ከይተጨነቐ ብቐሊሉ ዚፍጽሞ። እዚ ሓቂ ድማ ኣብ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ብስፍሓት ዝተገልጸ ሓቂ (ዮሃ 316 1513 ሮሜ 832,35,36 1ዮሃ 316 49,10,19)

ፍቕሪ ብኸመይ ሓድሕዳዊ ምግዝዛእ እተስፍን፧ ብመሰረቱ ፍቕሪ ኣብ ምግዝዛእ ዘለዋ ግደ፡ መሪሕ ጥቕስና ኣነጺሩ ኣብሪሁልናዩ። ኣብ ህይወት ናይ ዝለዓለ ኣርኣያና ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስውን ብግብርን ብቓልን ተጋሂዳ ርኢናያ ኣለና። ፍቕሪ፡ ምግዝዛእ እተስፍነሉ መገዲ፡ ውድድርን ህልኽን ብምውጋድዩ። እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ኣብ ዘይብሉ፡ እቲ ዝለዓለ ባህግን ጥሙሕን ናይ ወዲ ሰብ ኣብ ከባቢኻ ካብ ዘለዉ ዅሎም ሰባት፡ ኣብ ልዕሊቶም ዘይተፍቅሮም ሰባት በሊጽካ ኽትረኣይ ምድላይዩ። እቲ ናይ ምብልላጽ ዛዕባ (ኣጀንዳ) ዘረባ ወይ ፍልጠት እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ርሱን ክትዕ ትጽመድ። ናይ ገንዘብ ጒዳይ እንተ ዀይኑ ዝያዳ ብጽሒት ንምርካብ ብግሁድ ስሰዐ ትመናጠል። ናይ ምሕዝነት ጒዳይ እንተ ዀይኑ ብሻራን ብሕምየትን ነቶም ዝበዝሑን ዝበለጹን ሰባት ናትካ ወገን ክትገብሮም ትጋደል። እቲ ኺጥቀስ ዚኽእል ኣብነት እምብዛ ብዙሕዩ።

ኣብ ፍቕሪ እንተሊኻ ግን ናይ ረብሓን መሰልን ጒዳይ ኣይዓጥጠካንዩ። ይትረፍ ዘይናትካ ኽትምንጥል፡ ነቲ ናትካውን ትሓድገሉ ወይውን ለሚንካ ትህቦ። ክትከራኸሮ ዘይኰነስ፡ ክትሰምዖ ብዝያዳ ንእኡ ኸተዛርቦ ትጋደል። ውድድርን ህልኽን ናይ ዝምድናታት ቍንቍነ ወይ ፍልሖዩ። ፍቕሪ ግና ናይ ፍልሖ-ዝምድናታት ፍቱን መድሃኒትያ። ፍቕሪ ንዅሉ ኸተሐጕስምበር፡ ንሓደ ኽትዕንቅፍ ኣይትመርጽንያ። ስለ እቲ ብፍቕሪ ሃብታም ዝዀነ ሰብ፡ ናይ መሰል ሕቶ ፈጺሙ ኣየጨንቖን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣዝዩ ዚንዕቆ ጕዳይዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ዘገልግሎ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን ከተማታትን ዘሎ ክርስትያን ህዝቢ ነፍሱ መስዋእቲ ኽሳዕ ምግባር የፍቅሮ ነበረ (2ቈረ 1215 1ተሰ 28) ስለ ነቲ ክርስትያናዊ ዀነ ሰብኣዊ መሰላቱ መስዋእቲ ኺገብር ሰገጥ ዘይብል ሰብ ኰነ። እቶም ድኹማት ሰባት ምእንቲ ከይዕንቀፍዎ፡ ዋላ ንሳቶም ኣብ ዘየለውሉ ንሓዋሩ ስጋ ኸይበልዕ፡ ከም ዋዛ ከም ቀሊል ነገር ወሰነ (1ቈረ 813) ንርእሱ ነዚ ናይ ፍቕሪ ተገዛእነቱ ንምግላጽ ዝተጠቕመሉ ቓላት ኣዝዩ ዜገርምዩ።

1).ንርእሰይ ባርያ ኵላቶም ገበርክዋ 1ቈረ 919

2).ንዅላቶም ኵሉ ዀንኩ 1ቈረ 922

3).ኣነ ብዅሉ ነገር ንዅሉ ሰብ አሐጕስ ኣለኹ 1ቈረ 1033

4).ንርእሰይ ግና ምእንቲ ኢየሱስ ከም ግዙኣትኩም ጌርና (ንርእያ)2ቈረ 45

5).ንሕና ዓያሱ ንስኻትኩም ለባማት፡ ንሕና ሕማቓት ንስኻትኩም ሓያላት፡ ንሕና ሕሱራት ንስኻትኩም ግና ክቡራት 1ቈረ 410

6).ንሕና እንተ ደኸምና፡ ንስኻትኩም እንተ በርታዕኩም ኢና እንሕጐስ 2ቈረ 139

ነዚ ሃዋርያዊ ቓላት ይትረፍ ብግብሪ ኽንነብሮ፡ ደድሕሪ በሃሊኡ ምድጋሙኳ፡ ንመብዛሕትና ዓቕልና ኸም ዜጽብበልና ኣሉ ዘይበሃል ሓቂዩ። እቶም ኺብልዎን ኪገብርዎን ዝኸኣሉ፡ ከማና ዝድኻሞም ሰባትምበር፡ ስጋ -ለበስ መላእኽቲ ኣይነበሩን። ነዚ ዓብይ ፍልልይ ተምጽእ ዘላ፡ እዛ ፍቕሪ ዚብልዋ ሓይሊ ህይወትያ። እቲ ልቢ ደኺሙምበር፡ እቲ ምግዝዛእ ስለ ዝኸበደ ኣይኰነን። ነዳዲ ንመኪና ኣብ ጐደናታት ከም ዜኽይዳ፡ ንክርስትያን ኣብ ጐደና ጽድቂ እተኺዶ ድማ ፍቕሪያ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ፍቕሪ ኣብ ልብና ንዚገብሮ ተኣምር፡ ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

ሓንቲ 'ንርእሰይ ይጥዓመኒ' ብምባል ወይ ንውዳሰ ኸንቱ (ኢልኩም) ኣይትግበሩ። ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩምበር፡ ንርእሱ ዜሕሾ ኣይጠምት። እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም።ፊል 23-5

ደጊም ኣነ (ምእንቲ ጐይታ እተኣሰርኩ) ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እምዕደኩም ኣለኹ።ብትሕትና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡ (ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝረኸብኩምዎ ሕብረት) ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ ተጋደሉ።  41-3

እምበኣር ኣብ ኣፈፌት ዘመነ ጾም ኢና ዘለናሞ፡ በዛ ንጾምና ትርጕምን ተቐባልነትን እተልብሶ ፍቕሪ ኸመይ ከም ዘለና ርእስና ንመርምር። ንክርስትያናዊ ጽውዓና ብቑዓት እትገብረና፡ ኣብ ሃዋርያዊ መሰረትና እተጽንዓና ፍቕሪሞ፡ ነዛ ንሓድሕድና ብምግዝዛእ እትግለጽ ግብራዊት ፍቕሪ ኸም ዘጥረናያ ነረጋግጽ። ካብ በለጻውን ጐደሎን ትምዩንን ፍቕሪ ርእስና ነድሕን። ብክርስቶሳዊትን ሃዋርያዊትን ፍቕሪ፡ ርእስና ንዅሉ ሰብ ነግዝእ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

የካቲት 12, 2015 ግዕዝ (19 ለካቲት 2023 ፈ  [መበል 24 ሰንበት: ቊ.፴፪/32, 2023]]

ምስባክ

መዝ.2:10-12

“ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት። ወተኃሠዩ ሎቱ በረዓድ። አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዓዕ እግዚአብሔር።”

ወይ ከኣ

መዝ.99(100)፡3-5: “ንሕነሰ ሕዝቡ ወአባግዐ መርዔቱ። ባኡ ውስተ አናቅጺሁ በተጋንዮ።ወውስተ አዕፃዲሁ በስብሐት እመንዎ።”

ንባባት

ኣንባቢ

ገላ 5፡13-ፍጻመ

ዲያቆን

1ጴጥ 4፡1-11

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 15፡25-35

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 3፡10-21

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div