S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ደቂ ተስፋ ኢና [መበል 23 ሰንበት: ቊ.፴፩/31, 2023]

ንሕና፡ ኣሕዋተየ፡ ከም ይስሃቅ ደቂ ተስፋ ኢና።ገላ 428

ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ነዚ ዕለት ኻብ ዝተሰርዑ ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ እዚ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ ሓደዩ። ማእከላይ ሓሳብ ናይ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ኸኣ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝኣመንና ክርስትያን ደቂ ተስፋ ምዃንና ዜረጋግጽዩ። ኣብ ብዘሎ ንባብ ከኣ ኣብ መንጎቶም ደቂ ተስፋን ዘይደቂ ተስፋን ዘሎ ፍልልያት ተነጺሩ ኣሎ። ተስፋ፡ ኣብ ዓይነት መንነትናን ባህርይናን፡ ኣዝዩ ልዑል ጽልዋ ኣለዎ። ስለ ኸኣ እግዚአብሔር ንህዝቡ ተስፋ ዚህብን ብተስፋ ዚመርሕን። እምበኣር ተስፋ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትናን ኣብ ዘለኣለማዊ መጻኢናን ክሳዕ ክንድ ዓብዪ ተራ ኻብ ሃለዎ፡ ንሕናውን ብዛዕባ እግዚአብሔር ዝሃበና ተስፋ ኣጸቢቕና ኽንፈልጥ፡ ደቂ ተስፋ ምዃንናን ዘይምዃንናን ከነረጋግጽ ይግብኣናዩ። ዋላ ደቂ ተስፋ ምዃንና ድሕሪ ምርግጋጽናውን፡ ንተስፋና ዚምጥን (ዚበቅዕ) ህይወት ንነብር ምህላውናን ዘይምህላውናን ምርግጋጽ እቲ ዚስዕብ ዝዓበየ ሓላፍነትናዩ።

ደቂ ተስፋ ዚገብረና እንታይዩ፧ ይስሃቅ፡ ንምንታይወዲ-ተስፋተባሂሉ፧ ብዘይካ ኣብ ናይ ባህርይ ልደት ኣብ ካልእ ኵሉ ልደታት፡ ህላወ ናይ ወላዲ ንህላወ ናይ ውሉድ ይቕድምዩ። ስለ ንሕና ደቂ ተስፋ ኽንከውን እንተ ዄንና፡ ደቂ-ሰባት ቅድሚ ምፍጣርና እቲ ተስፋ ኺህልው ኣለዎ። ምኽንያቱ ኻብ ዘየለ ነገር ክንውለድ ኣይንኽእልን ኢና። ስለ ዅላትና ደቂ ተስፋ ምእንቲ ኽንከውን፡ እቲ ኣቦ ዅላትና ኣዳም ቅድሚ ምፍጣሩ፡ ተስፋ፡ ህላወ ነይርዎ ማለትዩ። እዚ ብክርስቶስ ዝተፈጸመን  ዝተዋህበናን ተስፋ ድማ ቅድሚ ምጅማር ዘመናትን ቅድሚ ምስራት ዓለምን ዝነበረዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ብኸም ዚስዕብ ጠቒስዎ ኣሎ።

እዚ እምነትዝን እዚ ፍልጠትዝን፡ እቲ ዘይሕስው ኣምላኽ ቅድሚ ምጅማር ዘመናት ዘተስፈዎ ናይ ዘለኣለም ህይወትዩ። ጊዜኡ ምስ በጽሐ ብትእዛዝ ናይ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ንኣይ ሕድሪ ዝሃበኒ ስብከት ገይሩ ገለጾ።ቲቶ 12,3 .

ስለ እቲ ተስፋ ብነብያትን ሃዋርያትን ኣብ ዝተነግረሉ እዋን ደኣ ንኣና ተገሊጹምበር፡ ሽዑ ጀሚሩ ወይ ተፈጢሩ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ምዱብ ጊዜኡ ብነብያት ገሊጽዎ፡ እቲ ንተስፋና ዝፈጸመ ክርስቶስ ድሕሪ ምግሃዱ ድማ፡ እታ ተስፋ ብብሩህ መገዲ ብሃዋርያት ተሰቢኻን ተተንቲንናን ማለትዩ። እምበኣር ተስፋ ድሕሪ ምፍጣር ዓለምን ሰባትን ከም ዝተዋህበት ጌርና እንተ ሓሲብናን ተዛሪብናን፡ ነታ ተስፋ ነንእሳን ነቕልላን ከም ዘለና ኺስቈረና ይግባእ። ካብ ተስፋዚኣ ዘይተወልደ፡ በዛ ተስፋዚኣ ንህይወቱ ዘየማእዘነ ሰብ ድማ፡ እቲ ዝኸፍአ ኣበሰኛዩ። ልክዕ ከም ንወላዲኡ፡ንስኻ እንታይ ትወልድ፧ኢሉ ዜስተናዕቕ ኣበሰኛ ውሉድ ዚቚጸር (ኢሳ 4510) ናይ ብመስዋእቲ ክርስቶስን ብስራሕ መንፈስ ቅዱስን እንረኽቦ ሰማያዊ ልደት መሰረት፡ ተስፋ ኣምላኽያ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፦

“. . . ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትንሳኡ (ብዝተረኽበ) ህያው ተስፋ ብብዝሒ ምሕረቱ ከም ብሓድሽ ወለደና። ነቲ ዘይበርስን ዘይበላሽውን ዘይጽምልውን ኣብ ሰማያት ኣንቢሩልና ዘሎ ርስቲ ኸም እንወርስ ገበረና።

ብምባል፡ እቲ ደቂ ተስፋ እንዀነሉ ምስጢር ገሊጹልና ኣሎ (1ጴጥ 13,4) ዕላማ ምፍጣርና ነዚ ተስፋ ምእንቲ ኽንወርስ፡ ደቂ ተስፋ ምእንቲ ኽንከውንዩ። እምበኣር እቲ ተስፋ ኻባና ኣዝዩ ዝዓበየዩ። ደቂ ተስፋ ዘይምዃን ማለት መንነት ዘይብልካ ምዃን፡ ካብኡ ብዝኸፍአ ድማ፡ ብዓል ክፉእ መንነት ምዃንዩ።

ይስሃቅ ቅድሚ ምውላዱ፡ ቅድሚ 25 ዓመታት ብዛዕባ ልደቱ ነቦና ኣብርሃም ተስፋ ተዋሂቡ ነበረ። ስለ ኸኣ ይስሃቅወዲ ተስፋዝተባህለ (ዘፍ 122,7 1315-17 152-21 1615-19) ኣብርሃምን ሳራን ውላድ ምስ ደንጐዮም ግና፡ ምኽሪ ስጋ መኺሮም፡ ውሉድ ተስፋ ዘይኰነ ቘልዓ ኻብ ባርያ፡ ካብ ኣጋር ወለዱ። እቲ ውሉድ ተስፋወዲ ጭዋኺበሃል ከሎ፡ እቲ ውሉድ ስጋ ግናወዲ ባርያተሰምየ። ውሉድ ተስፋ ዅሉ ጊዜ ወራሲ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ብዘይ ተስፋ ዝተወልደ ግና ኵሉ ጊዜ ባርያዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም ዚስዕብ ብርሃን ሂቡናሎ።

“....እቶም ካብ እስራኤል ዝተወልዱ ዅሎም፡ እስራኤላውያንዮም ማለት ኣይኰነን። ከምኡውን እቶም ካብ ኣብርሃም ዝተወልዱ ዘበሉ ደቂ ኣብርሃምዮም ማለት ኣይኰነን። እንተ ዀነካብ ይስሃቅ ዘርኢ ኺስመየልካኢልዎ ነበረ። እዚ ማለት ከኣ እቶም ከም ተስፋ ቓሉ ዝተወልዱዮም ደቂ ዚዀኑምበር፡ እቶም ብስጋ (ብፍቓድ ስጋ) ዝተወልዱስ ደቂ ኣምላኽ ኣይኰኑን  (እቶም ውሉድ-ተስፋዮም ንዘርኢ ዚቝጸሩምበር፡ እቶም ውሉድ ስጋስ ውሉድ ኣምላኽ ኣይኰኑን።) ሮሜ 96-8 .

ወዲ ባርያ ብባህርያዊ መገዲ ተወልደ፡ ወዲ ጭዋ ግና በቲ ተዋሂቡ ዝነበረ ተስፋ ተወልደ።. . . እቲ ጽሑፍ ግና፡ <ወዲ ባርያ ምስ ወዲ ጭዋ ኣይወርስንሞ፡ ነታ ባርያ ምስ ወዳ ስደዳ።ይብል። ስለ ኣሕዋተይ፡ ንሕና ደቂ ጭዋምበር፡ ደቂ ባርያ ኣይኰንናን።ገላ 423,30,31 .

ስለውሉድ ኣምላኽዚበሃል፡ እቲ ብባህያዊ መገዲ ኻብ ስጋ ዝተወልደ ዘይኰነስ፡ እቲ ብመንፈስ ብቓል ተስፋ ዝተወልደዩ። ጐይታናውን፦ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካለኹ፡ ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትው ዚኽእል የልቦን። እቲ ኻብ ስጋ እተወልደ ስጋ (ስጋዊ)’ዩ፡ እቲ ኻብ መንፈስ ዝተወልደ ኸኣ መንፈስ (መንፈሳዊ)’ዩ።” ኢሉና (ዮሃ 35,6) ስለ እቶም በቲ ቓል- ተስፋ ኣሚኖም ካብ ማይ ብምስጢረ ጥምቀት፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብምስጢረ ሜሮን ዚውለዱ ዅላቶም ደቂ ተስፋዮም። እዞም ደቂ ተስፋ ዝዀኑ ዅሎም፡ መንፈሳውያን ሰባትዮም። ስለ ኸኣ ፍረ-መንፈስ ይፈርዩ (ገላ 522) እቶም ካብ ስጋምበር ካብ መንፈስ ዘይተወልዱ፡ ወይ ከኣ ዝተዋህቦም መሰል-ውልድነት ዝደርበዩ ሰባት ከኣ ግብሪ-ስጋ (ፍረ-ስጋ) ጥራሕ ይፈርዩ (ገላ 519-21)

ኣቐዲምና ኣብ ዘንበብናዮ ሃዋርያዊ ቓል፡ ካብ እስራኤል ዝተወልዱ ዅሎም እስራኤላውያን ከም ዘይኰኑ፡ ካብ ኣብርሃም ዝተወልዱ ዅሎም ከኣ ደቂ ኣብርሃም ከም ዘይኰኑ ኣንቢብና ኣለና። እዚ ቓል ንኣና ዓብይ መጠንቀቕታዩ። ምኽንያቱ፡ ካብ ክርስትያን ዝተወልደ ዅሉ ድማ ክርስትያን ኣይኰነን። ብሓቂ ውሉድ ኣምላኽ (ደቂ ተስፋ) ምዃንና ርጉጽነት ዜውሕሰልና፡ ነቲ ውሉድነትና ንነብረሉን ነኽብሮን ምህላውናዩ። እቶም ምስ ጐይታ ብህልኽ ዚማጐቱ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ውሉድ ኣብርሃምን ውሉድ ኣምላኽን ምዃኖም ርግጸኛታትዮም ዝነበሩ። ጐይታ ግን እቲ ሓቂ ብኣንጻሩ ምዃኑ ዘርድኦም።

ንሳቶም ከኣ፡ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፡ ባሮት ኴንና እተገዛእናዮ ከቶ የብልናን። ....ኣቦናስ ኣብርሃም” .....ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ መለሰሎም፡ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ባርያ ሓጢኣትዩ። ባርያ ኸኣ ኣብ ቤት ንዅሉ ጊዜ ኣይነብርን፡ ውሉድ ግና ንዅሉ ጊዜ ይነብርዩ። ስለ (ወልድ) ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም፡ ብሓቂ ውጽኣት ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም። ንስኻትኩም (ብስጋ) ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምሲ እፈልጥ ኣለኹ ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይኣተወ ግና፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም። ኣነ ኣብ ኣቦይ ዝረኣኽዎ እዛረብ ኣለኹ። ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ኣቦኹም ዝረኣኹምዎ ትገብሩ ኣለኹም። ....ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡ ግብሪ ኣብርሃም ምገበረኩም ኔርኩም። ሕጂ ግን ንኣይ፡ ካብ ኣምላኽ ዝሰማዕክዎ ሓቂ ንዝነገርኩኹም ሰብኣይ፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም፡ ኣብርሃም ከም ኣይገበረን፡ ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ደኣ ትገብሩ ኣለኹም።በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ንሕናስ ካብ ምንዝርና ኣይተወለድናን፡ ሓደ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽበልዎ። ኢየሱስ ከኣ፡ኣነ ኻብ ኣምላኽ ዝወጻእኩን ዝመጻእኩንሞ፡ ...ስለ ኣቦኹም ኣምላኽ እንተ ዚኸውንሲ፡ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም። ...ንስኻትኩምሲ ካብ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ ኣለኹም። ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲዩ፡....ሓሳዊሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣበሎም።ዮሃ 833-44

እዚ ቕዱስ ጽሑፍዚ፡ ውሉድነት ካበይ ምዃኑ ዚረጋገጽ በቲ እትገብሮ ዓይነት ግብሪ ምዃኑ መግለጺ ብዘየድልዮ መገዲ ኣብሪሁልና ኣሎ። ካብ ድያብሎስ እተወልደ ዘበለ፡ ግብሪ ድያብሎስ ማለት ቅትለት፡ ሓሶት፡ ምንዝርና፡ ትዕቢት ወዘተ ይገብር። እቲ ብቓል ተስፋ ኻብ ኣምላኽ ዝተወልደ ዘበለ ኸኣ፡ ኵሉ ኣምላኽ ዚገብሮ ይገብር። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ካብ ወለዱ ዘይኰነስ፡ ብቐጥታ ካብ ክርስቶስ ክርስትና ዝተቐበለ ክሳዕ ሃዋርያነትውን ዝበጽሐ ብሉጽ ክርስትያን ዝነበረ። እናዞረ ወንጌል ዚሰብኽ፡ ዜጥምቕ፡ ኢዱ ኣንቢሩን ብቓሉ ገሲጹን ሕማማት ዚፍውስ፡ ኣጋንንቲ ዚነቅል፡ ሰማያዊ ውህበትን ሓይሊ ሰማያዊት ዓለምን ዝተቐበለ፡ ቅቡእ ሃዋርያ ዝነበረ። ደሓር ግን ብፍትወት-ስጋ ተጠቢሩ ውልድነቱ ለወጠ። ወዲ ጥፍኣት፡ ወዲ ድያብሎስ ኪኸውን መረጸ። ሰሚሩሉ ኸኣ ነቲ እተሻየጦ ጐይታ ኽሳዕ ምሻጥን ምኽሓድን በጽሐ። ንሕናኸ ነቲ ኣብ ኣርብዓን ሰማንያን ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ውልድነት ዓቂብና፡ ግብሪ ኣብርሃምን ግብሪ ኣምላኽን እናገበርናዶ ንነብር ኣለና፡ ወይስ ንውልድነትና መለሳን ለውጥን ደሊናሉስ፡ ካብ ውሉድ ኣምላኽ ናብ ውሉድ ድያብሎስ ቀዪርና ንኸውን፧ እዚ ሕቶ ኣብ ኣርብዓን ኣብ ሰማንያን ጥራሕ ዘይኰነ መዓልታዊ ኽንሓትቶ ዚግብኣና፡ መልሱ ድማ መዓልታዊ ኸነጣልሎን ከነረጋግጾን ዚግብኣና ሕቶዩ። ኣብ ግብርኻን ኣካይዳኻን ርጉጽ ለውጢ ጌርካ ኸተብቅዕ፡ ኣብ ውልድነት ግን ዝዀነ ለውጢ ኸም ዘይመጸ ጌርካ ኽትነብርን፡ ንኣምላኽ ኰነ ንርእስኻ ክትጥብርን ኣይግባእንዩ።

ደቂ ተስፋ ናይ ምዃን ረብሓ እንታይዩ፧ እግዚአብሔር ንምንታይ ቅድሚ ዘመናት ደቂ ተስፋ ኽንከውን መኺሩልና፧ ካብ ኣዝዩ ብዙሕ ረብሓታት ናይ ተስፋ፡ ነዞም ዚስዕቡ እንተ ጠቐስና ይኣኽለናዩ።

1. ድሕነት ተውሕሰልና፦ ብተስፋ ናብ እምነት ንበጽሕ፡ ብእምነት ድማ ናብ ድሕነት ንበቅዕ። ብድሕነት ከኣ ግብሪ (ፍረ ድሑናት) ክንፈርይ ንኽእል። ናይ ዅሉ መሰረት ግና እታ ተስፋያ። ነቲ ዚርእዮስ ተስፋ ዚገብሮኸ መን ኣሎ፧ ብተስፋ ኢና ድሒንና ዘለናሞ፡ ነቲ ዚርአ ተስፋ ምግባሩስ፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን።ሮሜ 824

2. ጽንዓት ተውሕሰልና፦ ማዕበላት ኣብ ዝበዝሓ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ስለ መርከብ-እምነትና ጽንዕቲ እንተ ዘይኰይና፡ እቲ ማዕበል ከም ዚውሕጠና ዝዀነ ጥርጥር የልቦን። ግእዝቲ መርከብ ብመልሕቕ (anchor) ከም እትጸንዕ፡ መርከብ እምነትና ድማ ብተስፋ እትጸንዕ። ተስፋ፡ መልሕቕ ነፍስናያ። ካብ ኢድ ተስፋ መንዚዑ ኺወስደና ዚኽእል ዝዀነ ሓይሊ የልቦን። ምስ ኣምላኽን ምስ እምነትን ኣሲራ (ጠሚራ) እትሕዘናን እተጽንዓናን ተስፋናያ።

“(ተስፋ) ድማ ከም መልሕቕ ነፍሲ፡ ድልድልትን ጽንዕትን ናብ ኢየሱስ ከም ማዕርግ መልከጸዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ካህናት ኰይኑ ኸም መራሒ ምእንታና ዝኣተዎ (ናብ) ውሽጢ መጋረጃ እተእትወና ተስፋ ኣላትና።እብ 619,20። ኣቱም ብተስፋ እተኣሰርኩም፡ ናብ ዕርዲ ተመለሱ። ኣነ ዕጽፊ ገይረ ኸም ዝመልሰልኩም፡ ሎሚውን እነግረኩም ኣለኹ።ዘካ 912

3. ናብ ኣምላኽ ተቕርበና፦ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኰይኑ ዜረሓሕቐና ሓጢኣትዩ። ነዚ ሓጢኣት ኣርሒቓ ናብ ኣምላኽ እተቕርበና ድማ ተስፋያ። ሕጊ ንሓደ ናብ ፍጻሜ ኣየብጽሖን፡ (ሕጂ ግና) ናብ ኣምላኽ እንቐርበላ እትሓይሽ ተስፋ ኣተወት (ሕጂ ግና ናብ እግዚአብሔር እንቐርበሉ ዝበለጸ ተስፋ መጺኢልና ኣሎ)እብ 719

በቲ ዘመን ካብ ክርስቶስ ዝረሓቕኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ ኺዳን ተስፋ ኣጋይሽ፡ ኣብ ዓለምዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ተስፋ ዘይብሎም ከም ዝነበርኩም ዘክሩ። ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዞም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣቢልኩም፡ ማለት ብምፍሳስ ደሙ፡ ቀረብኩም።ኤፌ 212,13 .

4. ወረስቲ ዘለኣለም ህይወት ትገብረና፦ ብመሰረቱ እቲ ተስፋ ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ህይወትዩ። እታ ተስፋቲኣ ዘይብሉን ብእኣ ህይወቱ ዘየማእዝንን ዘየመሓድርን ሰብ፡ ነታ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣይወርሳንዩ።

እዚ እምነትዝን እዚ ፍልጠትዝን፡ እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ቅድሚ ምጅማር ዘመናት ዘተስፈዎ ናይ ዘለኣለም ህይወትዩ።ቲቶ 12 .

ብጸጋኡ ጸዲቕና፡ ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብመድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ።ቲቶ 36,7

5. ካብ ምሕዛንን ምሕፋርን ዜደንግጹ ኻብ ምዃንን ተድሕነና፦ ርጉጽነት ዘለዋ ተስፋ ስለ ዝዀነት፡ ክንሕበን ትገብረናምበር፡ ኣይተሕፍረናንያ። ኣዝዩ ዜሐጉስን ዜኽብርን መጻኢ ስለ እተውርሰና፡ ብዝዀነ ዚገጥመና ዅነታት ክንሕጐስምበር ክንሓዝን ኣይትገብረናንያ። ሰብ ብሩህ መጻኢ ስለ እትገብረና፡ ዜደንግጹ ሰባት ክንከውን ኣሕሊፋ ኣይትህበናንያ።

ብእኡ (ብክርስቶስ) ናብ ሕጂ ዘለናዮ ጸጋ ብእምነት ኣተና። ብተስፋ ተኻፈልቲ ኽብሪ ኣምላኽ ስለ ዝዀንናውን ንምካሕ ኣለና።. . .በቲ ዝተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝመልአ ኸኣ፡ እታ ተስፋ ኣይተሕፍርንያ።ሮሜ 52,4 .

ኣብ ክርስቶስ ዘሎና ተስፋ ኣብ ህይወትዚኣ ጥራሕ እንተ (ዚኸውን) ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።” 1ቈረ 1519

ግናኸ ኣሕዋተይ፡ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሓዝኑ፡ ብዛዕባቶም ዝሞቱ ኽትፈልጡ እደልይ ኣለኹ። ብድሕሪ ንሕና ብሕይወት እንጸንሕ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፡ ምስኣቶም ሓቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና። ንሓዋሩ ድማ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። ደጊም በዘን ቃላትዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ።” 1ተሰ 413,17,18 .

6. ንጽህናን ቅድስናን ተጐናጽፈና፦ እቲ ናይ መወዳእታ ተስፋና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምውራስን በቲ ሰማያዊ ኽብሩ ንእኡ ምምሳልንዩ። ንህይወቱ ብንጽህናን ቅድስናን ዘይሓለወ ሰብ ግና ነዚ ተስፋ ኺወርሶ ኣይክእልንዩ። ስለ ደቂ ተስፋዚኣ ምዃንና፡ ኵሉ ጊዜ ብንጽህናን ቅድስናን ንጐይታና ኽንመስል ስለ ዜኽእለና፡ ረብሓ ናይ ተስፋዚኣ ኣዝዩ ዓብዪዩ።

እምበኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ተስፋታት ኻብ ዚህልወናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ፡ ርእስና ነንጽህ። 2ቈረ 71

ኣቱም ፍቁራተይ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና። እንታይ ከም እንኸውን ከኣ፡ ገና ኣይተገልጸን(ዘሎ) (ክርስቶስ) ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከም ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኣለና። እዛ ተስፋዚኣ ዘላቶ ዘበለ ዅሉ፡ ከም (ክርስቶስ) ንጹህ ዝዀነ፡ ንርእሱ የንጽህ ኣሎ።”  1ዮሃ 32,3

እምበኣር፡ እዛ ብኣምላኽ ዝተዋህበት ተስፋ ኽሳዕ ክንድ ዓበይቲ ረብሓታት  ካብ ሃለዋ፡ እዛ ተስፋዚኣ ኣባና ምህላዋ ጥራሕ ዘይኰነ፡ በዛ ተስፋዚኣ ኣዚና ሃብታማት ምዃንና ኸነረጋግጽ ይግባእ (1ጴጥ 315 ሮሜ 1513) ብክርስቶስ ዝተዋህበና ተስፋ-ጽውዓ ኣዝዩ ዓብዪዩ። ነዚ ተስፋ ኣጸቢቕና ምእንቲ ኽንፈልጦ እግዚአብሔር ኪገልጸልና ኽንጽልይ ይግብኣና (ኤፌ 118 44)

ንተስፋና ብኸመይ ኢና እንዕቅቦ፧ ንተስፋና ዚምንዝዓናን ከንቱ ዚገብሮንከ መንዩ፧ ንተስፋና ኸንቱ ዚገብሮ ሰይጣንዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ሓጢኣት ከም ንወድቕ ብምግባር ዚገብሮ። ካብ ሓጢኣቱ ብንስሓ ንዘይረሓቐ ሓጢኣተኛ፡ ዝዀነ ተስፋ የብሉን። ስለ ኢና ዅሉ ጊዜ ኻብ ሓጢኣት ክንሃድም ምኽርን ትእዛዝን ዚወሃበና። ካብ ምንዝርና፡ ካብ ፍቕሪ ገንዘብ፡ ካብ ትምኒት ጕብዝናን ካብ ኵሉ ኻልእ ሓጢኣትን ክንርሕቕ ክንሃድም ተነጊሩና (1ቈረ 618 1ጢሞ 68-11 2ጢሞ 222 መዝ 3414) እቲ ኻብ ሓጢኣት ዝሃደመ ጥራሕ ናብ ተስፋ ገጹ ኺበጽሕን ኪሕዛን ዚኽእል።

በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይከኣሎ ኽልተ ዘይልወጣ ነገር (ተስፋኡን ማሕላኡን) ጌርና፡ ንሕና፡ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሃዲምና ዝወጻእና (ስለ ዝዀንና) ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና።እብ 618

ካልእ ንተስፋና ኣጽኒዕና ኸይንሕዝ ዚዕንቅፈና ኸኣ፡ ተስፋ ኽንቈርጽ ዚገብረና ዅነታትዩ። ብመሰረቱ ተስፋ፡ ብዅነታት ኣይፍጠርንዩ። ደበና ኣብ ዘይብሉ ኢኻ እትትስፈውምበር፡ ደበና ስለ ዝረኣኻ ተስፋ ምግባር፡ እዚ ምስ ተስፋ ኣይቍጸርን (ሮሜ 824,25) ነቦና ኣብርሃምን ሳራን እርጋኖም ንተስፋኦም ኣጽኒዖም ከይሕዙ ብዙሕ ፈቲንዎምዩ። ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ተደጊፎም፡ ተስፋኦምን እምነቶምን ስለ ዝዓቀቡ ግን፡ ብኽብሪ ተመስከረሎም።

ከም ብሁል ድማ፡ዘርእኻ ኸም ኪኸውንዩ፡ተስፋ ኣብ ዘይብሉስ፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ኪኸውን ብተስፋ ኣመነ። ኣስታት ወዲ ሚእቲ ዓመት ክነሱ፡ ሙማት ስጋኡን ሙማት ማህጸን ሳራን እናረኣየ፡ ንምእማን ኣይደኸመን። ግናኸ ንኣምላኽ ክብሪ እናሃበ ንምእማን በርትዐምበር፡ ነታ ተስፋ ኣምላኽ ብዘይምእማኑ ኣይተወላወለን። ነታ ዝሃቦ ተስፋ ኺገብራ ኽእለት ከም ዘለዎ፡ ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ።  ስለ ድማ ንጽድቂ ተቘጽረትሉ።ሮሜ 418-22

ንሕናውን ከም ደቂ ተስፋ መጠን፡ ተስፋ ኣብ ዚሓትት ኵሉ ጕዳያትና ንተስፋ ኣብ ዘይህብ ኵነታትናን ተስፋና ኣጽኒዕና ብምሓዝ ንእግዚአብሔር ከነኽብር፡ ንርእስናውን ከነጽንዕ ይግብኣና። ብፍላይ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጕዳያትና፡ ተስፋና እናበረኸን እናሰፍሐን ኪኸይድ ይግባእ። ብዛዕባ ትንሳኤ ቤተ ክርስቲያንናን ህዝብናን ዘለና ተስፋ እናዓዘዘ ኪኸይድ፡ ብኹሉ ሓይልና ብእምነት ክንጋደል፡ መንፈሳዊ ሓላፍነትናዩ።

ብዛዕባ ተስፋ ኽንዲ ዚኣክል ካብ በልና፡ ህይወትና ንመርምርሞ፡ እታ እትወልድ ተስፋ ኣብ ውሽጥና ምህላዋ፡ ናይ ብሓቂ ውሉድ ተስፋ ምዃንና፡ ንዅሉ ረብሓታት ተስፋ ንረኽቦ ምህላውና፡ ካብ ተስፋ ዜስእነና ሓጢኣት ርእስና ብምንጻህ፡ ተስፋና ኣጽኒዕና ምህላውና ነረጋግጽ። ተስፋ ዘይብሉ ሰብ መጻኢ ስለ ዘይብሉ፡ ነታ መልሕቕ ነፍሲ ዝዀነት ጽንዕትን ድልድልትን ተስፋ ወኒንናያን ዓቂብናያን ነዕብያን ከም ዘለና ወርትግ ነረጋግጽ።

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

የካቲት 5, 2015 ግዕዝ (12 ለካቲት 2023 ፈ  [[መበል 23 ሰንበት: ቊ.፴፩/31, 2023]

ምስባክ

መዝ.146፡ 1-2

ትሴብሖ ኢየሩሳሌም ለእግዚአብሔር። ወሰብሕዮ ለአምላክኪ ጽዮን። እስመ አጽንዐ መናሥግተ ኆኃትኪ። 

ሃሌሉያ! ንኣምላኽና ብመዝሙር ምውዳስ ሰናይዩ፡ ጥዑምሞ፡ ምስጋና ይግባእ። እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም ይሃንጽ፡ ንስዱዳት እስራኤል ይእክብ ኣሎ።

ንባባት

ኣንባቢ

ገላ 4፡21-ፍጻመ

ዲያቆን

1 ጴጥ 2፡1-9

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 11፡20-26

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 2፡41-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦ ዘእግዚእነ

   

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div