S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዘመን ድንቍርና [መበል 22 ሰንበት: ቊ.፴/30, 2023]

ከም እዙዛት ውሉድምበር፡ ከም ኣብ ዘመን ድንቍርና ኸለኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም (ክፉእ) ትምኒት ኣይትግበሩ።ኣነ ቅዱስ ቅዱሳት ኩኑ፡ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከም እቲ ዝጸውዓኩም (ኣምላኽ) ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ (ናብራኹም) ቅዱሳት ኩኑ።” 1ጴጥ 114-16

እዚ ሰንበትዚ፡ ናይ ዘለናዮ ዘመነ ኣስተርእዮ ሳልሳይ ሰንበትዩ። ናይ ሎሚ ዓመት ናይ ጐይታና ዘመን ኣስተርእዮ፡ ካብ በዓለ ጥምቀት ጥሪ 11 ኽሳዕ ምእታው ዓብይ ጾም ለካቲት 13 ዚዝርጋሕ ናይ 33 መዓልታት ዘመንዩ። እቲ ነዚ ዕለት ዝተመደበ መዝሙርን ክልተ ኣማራጺ ምስባካትንውን ነዚ ዘመነ ኣስተርእዮ ዘማእከለ ትሕዝቶ ዘለዎዩ። ኣርእስቲ ናይ መዝሙር-ሰንበትተወልደ ኢየሱስዚብል ኰይኑ፡ንትፌሣሕ በልደቱ፡ ወንትኃሠይ በአስተርእዮቱ” (ብልደቱ ንተሓጐስ፡ ብኣስተርእዮኡውን ባህ ይበለና) ኢሉ ዚዕድም ትሕዝቶ ዘለዎዩ። እቲ ነዚ ዕለት ተሰሪዑ ዘሎ ክልተ ኣማራጺታት ምስባክውንአርአየ እግዚኣብሔር አድኅኖቶ” (እግዚአብሔር ምድሓኑ ኣርኣየ) ከምኡውንበከመ ሰማዕነ፡ ከማሁ ርኢነ” (ከም ዝሰማዕናዮ፡ ከምኡ ርኢና) ዚብል ትሕዝቶ ዘለዎዩ። ብርግጽ ከኣ እቲ ኣቐዲሙ ብልሳን ቅዱሳን ነብያት ዝተሰምዐ ናይ ምድሓን ተስፋ፡ ኣብ ናይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዘመነ ኣስተርእዮኡ ብግህዶ ተራእዩን ተጨቢጡንዩ። እቲ ሎሚ እተነብበ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ብዛዕባ ነብዪት ሃና ጓል ፋኑኤል ዚገልጽዩ። ንሳ ነቲ ገና ናይ 40 መዓልታት ናጽላ ዝዀነ ኢየሱስ በዒንታ ምስ ረኣየቶ፡ እቲ ንዓለም ዜድሕን መድሓን ዓለም ንሱ ምዃኑ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝገለጸላ፡ ነቶም ምድሓን እስራኤል ዚጽበዩ ኣብ ከባቢኣ ዝነበሩ ፈራህቲ ኣምላኽንሱ መድሓኒኢላ ብዛዕባኡ ብዛዕባ ህጻን ኢየሱስ ተዛረበቶም። እቲ ኣብ ለካቲት 8 እንዝክሮ ነብዪ ስምኦንውን፡ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዘተስፈዎ ተስፋ ረኺብዎ ንመድሓኒኡ ኺሓቍፍ ምስ ተዓደለ፡ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብኻ ዘዳለኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ ሕጂ ኸም ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም (ኣፋንዎ)” ብምባል እግዚአብሔር ምድሓኑ ዜርእየሉ ዘመነ ኣስተርእዮ ኸም ዝኣኸለ ኣበሲሩ (ሉቃ 225-32) እምበኣር ንሕናውን ከምዞም ዝተጠቕሱ ቅዱሳን ነብያት፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ ዘመነ ኣስተርእዮኡ ዘግሃዶ ምድሓን ርኢናዮን ፈሊጥናዮን፡ ካብኡ ሓሊፍናውን ረኺብናዮስ ኣብ መገዲ ድሑናት ምቛምናን ምህላውናን እነረጋግጸሉ ቕንያትዩ። ኣብ መገዲ ጥፉኣት ኴንካ ዘመን ኣስተርእዮ ምሕሳብ፡ ኣብ ዘይውራይካ ብዓል ጕዳይ ምምሳል ኪዀነናዩ። ከመይሲ ዘመን ኣስተርእዮ፡ ዘመን ድሕነትን ዘመን ድሑናትን ጥራሕዩ።

ነዚ ናይ ዕለት ናይ ኣስተርእዮ መዝሙር መሰረት ብምግባር ካብ ዝተሰርዑልና ንባባት ሓደ፡ እዚ ናይ 1ጴጥ 113-22 ንባብዩ። ኣብ ንባብዚ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዘመን ድንቍርና ኸነምልጥምበር፡ ደጊምና ናብኡ ኽንምለስ ከም ዘይግብኣና ምዒዱና ኣሎ። ነዚ መሪሕ ጥቕስና ብዕምቈት እንተ ኣስተብሂልናሉ፡ዘመን ድንቍርናተባሂሉ ዘሎ፡ ነቲ ኽፉእ ስጋዊ ትምኒትና እናተኣዘዝና እንነብረሉ ናይ ጥፍኣት ዘመንዩ። ንስጋዊ ትምኒትካ ናይ ምእዛዝ ናይ መወዳእታ ፍረ፡ርኽሰት”’ዩ። ነቶም ናይ ዘመን ለውጢ ዝገበሩ ሰባት፡ ቅዱስ ጴጥሮስ፡እዙዛትን ቅዱሳትን ውሉድብምባል ገሊጽዎም ኣሎ።ውሉድካብ ተሰምዩ፡ ናይ ግድን ንኣታቶም ዝወለደወላዲኣሎ ማለትዩ። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ኣሚቱልና ኸም ዘሎ፡ እዚ ወላዲዚ፡ እቲ ቅዱስ ኣምላኽ ባዕሉዩ። እዚ ቅዱስ ኣምላኽ ዝሃቦም ትእዛዝን ዘቕረበሎም ጽውዓን፡ቅዱሳት ኩኑእትብልያ። እቶም ነዛ ትእዛዝን ጽውዓንዚኣ ዘኽበሩ፡እዙዛትን ቅዱሳትን ውሉድይዀኑ፡ ካብ ዘመን ድንቍርና ኣምሊጦም ከኣ፡ ንዘመኖም ዘመን ምስትውዓልን ፍልጠትን፡ ዘመን ቅድስናን ድሕነትን ይገብርዎ። እቶም ቅድስናስ ነውርን ዕሽነትን ኰይኑ ዝተራእዮም ድማ ነቲ ትእዛዝ የፍርስዎ፡ ነቲ ጽውዓ ድማ ይሕሰምዎ። ውሉድ ናይ ቅዱስ ኣምላኽ ምዃን የጽልኦምን የፈንፍኖምን። ደቂ ኻልእ ወላዲ ምዃን ይመርጹ። ናይ ሕሱም ወላዲ (ናይ ድያብሎስ) ትእዛዝ ከኣ፡ንትምኒት ስጋኹም ጥራሕ ተኣዘዙዚብልዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ኣእምሮን ምስትውዓልን ይትረፍኩም፡ ድንቍርናን ጸልማትን ይበልጸኩምማለትዩ።

ንኣምላኽ ምእዛዝ ገዲፍካ ንትምንት ስጋኻ ምእዛዝ ድንቍርና ዚዀነሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ ንምዃኑ ድንቍርና እንታይ ዓይነት ድንቍርናዩ፧ ብርግጽ ብዛዕባ መንፈሳዊ ጒዳያት ንዛረብ ስለ ዘለና፡ እቲንዛረበሉ ዘለና ድንቍርናውን መንፈሳዊ ድንቍርና ምዃኑ ግሁድ ምስጢርዩ። ብምህሮ ዓለም ናብ ደረጃ ሊቅነት ዝበጽሑ ሰባት፡ ብዛዕባ ህይወቶም ኣብ ህልም ዝበለ ሕሱም መንፈሳዊ ድንቍርና ዝጠሓሉ ኪዀኑ ይኽእሉዮም። ብዓለማዊ መለክዒ ኣብ ደረጃ መሃይምነት ዘለው ሰባት ድማ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ህይወት ኪግለጽን ኪልካዕን ብዘይክእል መጠን ጠቢባንን ሊቃውንትን ኪዀኑ ይኽእሉዮም። ንኣብነት ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ብዓለማዊ መለክዒ መብዛሕትኦም ብምግፋፍ ዓሳ ዚናበሩ መሃይማንዮም ዝነበሩ። በቲ መንፈስ ቅዱስ ዝጸገዎም መንፈሳዊ ፍልጠት ግን፡ ኣፍ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ሊቃውንቲ ዚዓብሱ፡ እምብዛ ፈላጣትን ሊቃውንትን ነበሩ። ኣብ ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ኰነ ብሉይ ኪዳን እዚ ሓቂ ብተደጋጋሚ ተገሊጹዩ።

ትብዓት ጴጥሮስ ዮሃንስን ምስ ረኣዩ፡ ዘይተማህሩ ጭዋታት ሰባት ምዃኖም ምስ ተረድኡ፡ ገረሞም፡ ምስ ኢየሱስ ከም ዝነበሩ ድማ ኣለለይዎም። ግብ 413

“......ንእስጢፋኖስ ከኣ ተንስእዎ፡ ይከራኸርዎ ኸኣ ነበሩ። ነዚ ዚዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ግና ኪማጐትዎ ኣይተኻእሎምን።ግብ 69,10

ሳውል ግና እናበርትዐ ኸደ፡ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዚነብሩ ኣይሁድ ከኣ ኢየሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ብምግሃዱ ኣፎም የትሕዞም ነበረ።ግብ 922 (1928)

ኣይሁድ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስውን፡እዝስ ከይተማህረ ኸመይ ገይሩ ጽሑፋት ይፈልጥ፧ኢሎም ይግረሙ ነበሩ (ዮሃ 715) ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳንውን ቅዱሳን ነብያት መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸሎም ፍልጠት ካብቶም ናይ ፊደል ሊቃውንቲ ኣዝዮም ጸብለል ይብሉ ነበሩ።

እግዚአብሔር ነቶም ብፍልጠቶም ዚምክሑ ሊቃውንቲ ዓለም ኬሕፍር ስለ ዚመርጽ፡ ዝዀነ ትምህርቲ ቐለም ንዘይነበሮም ሰባት ካብ ሓመድ ኣልዒሉ ሊቃውንትን ጠቢባንን ኪገብሮም ዚመርጽ። ነዚ ኸኣ በቲ ቕዱስ መንፈሱ ገይሩ ዚፍጽሞ (ማቴ 1125-27 1019,20 ሉቃ 1021 1211,12 2114,15 1ቈረ 120,26,27 210 128)

እዚ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ንመንፈሳዊ ፍልጠት ዚምልከት ጥራሕዩ። መንፈሳዊ ሊቅነት ግን ኣብ ግብራውነት ድማምበር ኣብ ፍልጠት ጥራሕ ኣይምርኰስንዩ። ዋላ ኣእምሮኻ ካብ መንፈስ ቅዱስ ብዝዀነ ፍልጠት እንተዕለቕለቐ፡ ኣብ ዕለታዊ ናብራኻ ግን ብግብሪ ዘይፍጸም እንተ ዀይኑ፡ ናይ ፈላጥ ደንቈሮ ኢኻትኸውን። ምኽንያቱ ኣብ መንፈሳዊ ህይወት እቲ ዝለዓለ ጥበብን ፍልጠትን፡ ምእዛዝ ወይ ከኣ ግብራውነትዩ። ናይ ፍልጠት ረብሓ ድማ ነተሓሳስባኻ፡ ንምርጫኻ፡ ነካይዳኻ ኬጸብቕን ኬማኣዝንን ምኽኣሉዩ። ከም ቅዱሳን ነብያት ዝገለጽዎ፡ ውልቀ ሰብ ኰነ ህዝቢ ሰኣን ፍልጠት ዚጠፍእ (ሆሴ 46 ኢሳ 513) ሰኣን ፍልጠት ንጠፍእ እንተ ዄንና፡ ሳላ ፍልጠት ድማ ኽንድሕን ኣለና ማለትዩ። ፍልጠት ድማ ኣብ ከብሕታት (shelves) ሓንጐልና እንተ ተደርደረ ዘይኰነስ፡ እንተ ተተግበረ ጥራሕ ዜድሕነና። ስለ ደናቍር ዲና ፈላጣት ዚልለይ፡ ብመጠን ፍልጠትና ዘይኰነስ ብዓይነት ምርጫናን ኣካይዳናን ጥራሕዩ።

ቃል እግዚአብሔር፡ ዓስቢ ሓጢኣት ዘለኣለማዊ ሞትን ጥፍኣትን ምዃኑ ገና ኻብ ኦሪት ዘፍጥረት ጀሚሩ ኣፍሊጡና (ዘፍ 217 ሮሜ 623 ዮሃ 821,24) ንኣዳምን ሄዋንን እዛ ሓቂዚኣ ብቐጥታ ብልሳን ኣምላኽ ተነጊራቶም። ካብ ነቲ ሓቂ ናይ ኣምላኽ ግና ነቲ ሓሶት ናይ ሰይጣን ኪኣምንዎን ኪእዘዝዎን መረጹ። ከም እትመውት እናተነግረካ ናብ ሞት ዘሊልካ ምእታው፡ ድንቍርና እንተ ዘይኰይኑ ደኣ እንታይ ካልእ ኪኸውንዩ፧ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብዶ ዓይኑ እናረኣየ ንጒድኣቱን ንጥፍኣቱን ይተግህዩ፧ ንኸም ዝበለ ዓሻ ምርጫን ተግባርን ዚደፍኣና ዘሎምበኣር እቲ ንኣእምሮና ኣጸልሚቱ ዘሎ መንፈሳዊ ድንቍርናዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ዜብርህ ግሩም መልእኽቲ ጽሑፉልና ኣሎ። ሓጢኣትን መንፈሳዊ ድንቍርናን ብኸመይ ከም ዚዛመድ ዜርእየና ኸኣዩ።

እምበኣርሲ ኸም ኣህዛብ ብኸንቱ ሓሳብ ዚመላለስዎ ኸይትመላለሱ፡ እዚ እብል ብጐይታውን እምዕድ ኣለኹ። (ኣህዛብ) ብሰሪ ትርሪ ልቦምን ብሰሪ ኣባታቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም፡ ድንዙዛት ኰይኖምውን፡ ብስሰዐ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቅቁ (ንሳቶም ደንዚዞምዮም፡ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ስለ ዝሰስዑ ኸኣ፡ ገዛእ ርእሶም ንዝርጋን ኣግዚኦምዮም)ኤፌ 417-19 (. + .)

ካብ ቓል ኸም እንርድኦ፡ ንሰብ ናብ ፍኑው ዕብዳንን ዝርጋንን ኣሕሊፉ ዚህቦ፡ ትርሪ ልብን መንፈሳዊ ድንቍርናንዩ። መንፈሳዊ ድንቍርና ነእምሮና ምስ ኣጸልመቶ፡ ብድሕሪኡ ሓጢኣት ወይ ርኽሰት ናይ ምዝውታር ልዑልን ኪዕገት ዘይክእልን ባህጊ ይለዓለና። ርኽሰት ብምግባር ዘይንዓግብ ሰባት ንኸውን ከም ወልፊ ኣልኮል ወይ ወልፊ ሓሽሽ ዘለዎ ሰብ፡ ነቲ ባህጉ ደረት ኪገብረሉን ኪዓግቶን ስለ ዘይክእል ብዘይ ምቍራጽን ብብዝሕን ዚወስዶ፡ እቲ ብሰሪ ድንቍርና ርኽሰት ዝተወለፈ ሰብ ድማ ከምኡ ይኸውን። ንሓጢኣት እቲ ዝበለጸን ብልክዕ ዚምጥኖን መግለጺኡ ድንቍርናዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ሊቀ ካህናት ኬስተምህር ከሎ፡ነቶም ደናቝርትን እተጋገዩን ኪድንግጸሎም ይኽእልኢሉ ኣሎ (እብ 512) ጐይታና ንፈሪሳውያን ብዛዕባ ግብዝነቶም ኪነቕፎም ከሎ፡ኣቱም ዕውራትን ደናቝርትንኢሉ ይጽውዖም ነበረ (ማቴ 2317,19) ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ብዛዕባቶም ሓሰውቲ መምህራን፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ምጥዋይ ዝሓጢኣቶም ሰባት፡ደናቝርቲኢሉ ጸዊዕዎም ኣሎ (2ጴጥ 316) ቅዱስ ጳውሎስውንሓቂ ዝሰኣኑ፡ ሓሳቦም ዝጠፍአ፡ ኣእምሮኦም ዝጠፍአእናበለ ገሊጽዎም ይርከብ (1ጢሞ 64,5 2ጢሞ 38)

ፍረ ህይወትና ሓጢኣት ጥራይ ክሳዕ ዚኸውን ንኣእምሮና ዜጸልምቶን ዜደንቍሮን እንታይዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶ ብንጹር ዚምልሶ። ናይ ወዲ ሰብ ናይ ውድቀት ጠንቂትምኒት ስጋ”’ዩ።ፍትወት ስጋ፡ ስሰዐተባሂሉውን ይጽዋዕዩ። ትምኒት ስጋ፡ ስጋ ኣብ ዝለበሰ ዅሉ ፍጡር ዚርከብ ተፈጥራዊ ባህርይዩ። ትምኒት ስጋ፡ እግዚአብሔርምበር፡ ሰብ ዝፈጠሮ ወይ ሰይጣን ዝፈጠሮን ዘስረጸልናን ባህርይ ኣይኰነን። ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ኣብ ገነት ዝነበሮም ናይ ቅድመ-ውድቀት ዘመኖም፡ ምስናይ ምሉእ ትምኒቶምዮም ዝነበሩ። ክትበልዕ፡ ክትሰትይ፡ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም፡ ወዘተ ምድላይ፡ ሰይጣን ኪፍትኖም ቅድሚ ምምጽኡውን ኣብ ሰብነቶም ዝነበረ ትምኒት ስጋዩ።

ሰይጣን ንሰብ ናብ ሓጢኣት ንኼውድቖ ከም መእቶ (access) ኪጥቀመላ ዝመረጸ፡ ንትምኒት ስጋዩ። እግዚአብሔር ንስጋና ምስናይ ትምኒቱ ኺፈጥሮ ኸሎ፡ ንኽንገዝኦምበር፡ ንኽንግዝኦ ኣይኰነን። ስለ ሰይጣን፡ ባሮት ትምኒትና ናብ ምዃን እንተ ኣውዲቑና ጥራሕ ከም ዚዕወተልናን፡ ብድንቍርና ኺገዝኣናን ካብ ኣምላኽ ኪፈልየናን ከም ዚኽእል፡ ካብ ገዛእ ተመክሮኡን ካብ ኣብ ሰብ ዝነበሮ ትዕዝብትን ስለ ዚፈልጥ፡ ንትምኒትና መዝሚዙ ተዓወተልና። ቅዱስ ጳውሎስ ድያብሎስ ነቲ ኣብ ስጋና ዘሎ ትምኒትን ነቲ ብኣምላኽ ዝተዋህበና ትእዛዝን መዝሚዙ ብኸመይ ናብ ሓጢኣት ከም ዜውድቐና፡ ኣብቲ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ኣብ ምዕራፍ 7 ግሩም ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ።

ኣብ (ብስጋዊ ኣተሓሳስባ) ‘ንምርሓሉ ዝነበርና ጊዜ፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ (ምእንቲ) ኺፈርይ፡ ብሕጊ ተለዓዒሉ፡ ኣብ ስጋና ትምኒት ሓጢኣት ይዓይዪ ነበረ። ........እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ እቲ ሕጊዶ ሓጢኣትዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ብዘይ ሕጊ ግና ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሕጊዘይገንዘብካ ኣይትተምነይእንተ ዘይብል፡ ንትምኒት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሓጢኣት ብዘይ ሕጊ ምዉትዩ። ሓጢኣት ግና ነቲ ትእዛዝ (ከም ምኽንያት ተጠቒሙ) ክፉእ ትምኒት ዘበለ ኣለዓዓለለይ። ቀደም (ሕጊ ኸይተዋህበ ኸሎ) ኣነ ህያው ነበርኩ፡ ትእዛዝ (ሕጊ) ምስ መጸ ግና፡ ሓጢኣት ህያው ኰነ ኣነ ኸኣ ሞትኩ። እቲ ህይወት ኬምጽእ ዝተዋህበ ትእዛዝ፡ ንኣይ (ጠንቂ ናይ) ሞት ኰነኒ። (ምኽንያቱ) ሓጢኣት ምኽንያት ረኺቡ ብትእዛዝ ኣስሓተኒ፡ ብእኡውን ቀተለኒ።ሮሜ 75,7-11 .

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሰይጣን ነቲኣይትብላዕዚብል ሰናይ ትእዛዝ፡ ኣብ ስጋና ንዘሎ ናይ ምብላዕ ትምኒት ክንዓግቶ ናብ ዘይንኽእል ደረጃ ኣለዓዓሎ፡ ኣዕፈሮ፡ ኣፍልሖ!! “ካብ ነቲኣይትብላዕዚብል ትእዛዝ ኣምላኽ፡ ነቲብላዕዚብለካ ዘሎ ትምኒት ስጋኻ ተኣዘዝ።ኢሉ ኣስሓተና። ነቲ ንትምኒትና ንኽንገዝኦ ኺሕግዘና ዝተዋህበና ቅዱስ ትእዛዝ፡ ካብ ባህግና ኺዕንቅፈና ኸም ዝተዋህበና ኽፉእ ትእዛዝ ገይሩ ኣብ ሓንጎልና ሰኣለልና። ብኸም ኸኣ ንኣእምሮና ኣደንቈሮ። ኣብ መንጎ ጊዝያዊ ብልዕን ጽጋብን ኣብ መንጎ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን ዘሎ ዘይቀራረብን ዘይዕረቕን ፍልልይ ኬስተውዕል ዘይክእል ኣእምሮ፡ ካብ ድንቍርና ኽትብሎስ፡ ጕልባቡ ዝቐልዐ ጽላለ ወይ ዕብዳን ክትብሎዶ ኣይምተመርጸን፡ ኣይምተገብአንዶኸ፧ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ንትምኒት ነብዪ በልዓም ብኸምኡ ገሊጽዎ። ታሪኽ በልዓም ኣብ ኦሪት ዘሁልቍ ካብ ምዕራፍ 22-24 ተተሪኹልና ኣሎ። እቲ ንጉስ ብብሩርን ወርቅን ንናይ በልዓም ትምኒት-ስጋ የፍልሖ ነበረ። እግዚአብሔር ከኣ ባዕሉ፡ ብመልኣኹ፡ ካብኡ ሓሊፉውን ብበሃም ኣድጊ እናተዛረበ፡ ካብ ተጻዊዱሉ ዘሎ መፈንጠራ ኼድሕኖ ተጋደለ። ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ ኪገልጽ ከሎ፦

ዝሙት ዝመልኣ ኻብ ሓጢኣት ዘየቋርጻ ኣዒንቲ ኣለዋኦም። . . . ስሰዐ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም፡ ደቂ መርገምዮም። ነታ ቕንዕቲ መገዲ ሓዲጎም ንመገዲ ናይ ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ በልኣም ወዲ ቦሶር ሰዓቡ። (በልኣም ግና) ስለ ኣበሳኡ መግናሕቲ ተቐበለ፡ በሃም ኣድጊ ጽዕነት ብድምጺ ሰብ ተዛረበት። ንጽላለ ናይ ነብዪ ኸኣ ዓገተት።” 2ጴጥ 214-16

ነቲ ኣቐዲምና ኣብ ኤፌ 417-19 ዘንበብናዮ፡ናብ ዕብዳን ተለቅቁዚብል ቃልውን ኣይንረስዓዮ። ኣብ መንጎ ብክርስቶስ ዝኣመነ ክርስትያንን፡ ኣብ መንጎ ንትምኒቱ ዚግዛእ ውሉድ ዲያብሎስን ዘሎ፡ ቃላት ኪገልጾ ዜሸግር ፍልልይ እምብዛ ኸቢድዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ናብ እምነት ክርስቶስ ከይመጸ ኸሎ ዝነበሮ ህይወት ምስ ናይ ካልኦት ሰባት ኣሕቢሩ ገሊጽዎ ኣሎ።

ቀደም፡ ንሕና ዅላትናውን ከምኣቶም (ከምቶም ብበደሎም ምዉታት ዝነበሩ ሰባት) ትምኒት ስጋና እናፈጸምና ከም ድልየትናን ሓሳባትና ንነብር ነበርና። ብባህርይና ከምቶም ካልኦት ቍጥዓ ኣምላኽ ዚግብኣና (ደቂ ቝጥዓ) ነበርና። . . . ንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱ፡ ዘይእዙዛት፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእን ነበርና።” ኤፌ 23 .ት፣ ቲቶ 33

እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ግና፡ ክርስትያን ህዝቢ ኽነስና፡ ባሮት ትምኒት ስጋ ምዃን ናይ ቀደም ታሪኽና ዘይኰነስ፡ ናይ ሕጂ ህልዊ ታሪኽና ምዃኑዩ። ነዚ ኸም ዝበለ ዜሕፍር ሃለዋትና ድማ፡ ቅዱሳን ሃዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም፡ዘመን ድንቝርና፡ ዘመን ዕብዳን፡ ዘመን ጽላለብምባል ሰምዮምዎ ኣለዉ።

ንምንታይዮም ግንዘመን ድንቍርናዚብል ቃል መሪጾም፧ህይወት ድንቍርና፡ ናብራ ድንቍርናእንተ ዚብልዎዶ ኣይምተመርጸን፧ ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ረኣና፡ እግዚአብሔር ንዅሉ ነገር ብጊዜ ማለት፡ ብዘመን ዚሰርዖን ዚገልጾን። ንዅሉ ተግባሩ ኣብ ምዱብ ጊዜ የቝሞን ይፍጽሞን። ሰባት ኰኑ መላእኽቲ ኺፈልጥዋ ዘይተዋህበቶም ፍቓድ ኣምላኽ፡ ጊዜ ጥራሕ (ማቴ 2436 ግብ 16) እንተ ብድንቍርና እንተ ብኣስተውዕሎ ኽንነብሮ፡ ንነፍሲ ወከፍና ኣብ ምድሪ እንነብረሉ ፈጺምና ዘይንፈልጦ ውሱን ዘመን ሰሪዑልና ኣሎ (ግብ 1726-28) ነዛ ተሰሊዓትልና ዘላ ዘመን፡ ናይ ምንታይ ዘመን ከምንገብራ፡ ናትና ናይ በይንና ምርጫን ስልጣንንዩ። እግዚአብሔር ኣብ ዝመደበልና ዘመን ካብ ምምዓድን ብዝተፈላለየ መገድታት ካብ ምሕጋዝን ሓሊፉ ዚገብሮ ምትእትታው የልቦን። ነቲ  ዝተዋህቦም ሓጺርን ክቡርን ዘመን ንዝለበሙሉን ንዝደንቈሩሉን ሰባት፡ ከም ዓስቢ ዝሰርዓሎም ንሱ ጥራሕ ዜመሓድሮ፡ክሳዕ ኣብዘይበሃሎ ዘለኣለማዊ ዘመን ግን ኣዳልዩ ኣሎ። ነቶም ብሕያውነቱ ንዝተመደበትሎምን ዝተዋህበቶምን ሓጻርን ክብርትን ዘመን፡ ብድንቍርና ንዘጸልመትዋ ብርኽሰት ንዘጋዕዘይዋ፡ መለሳን ዕረፍትን ዘይርከበላ ናይ ስቓይ ዘመን-ዘለኣለም መዲቡሎም ኣሎ። ነታ ዝርካባ ሓጻር ዕምሮም ብጽድቂ ብቕድስና ዝሰለምዋን ዘኽበርዋን ብኣስተውዕሎ ብርሃናዊ ህይወት ዝነበሩላ ድማ፡ መለክዒ ዀነ መግለጺ ብዘይርከቦ፡ ከቶ ብዘይምጥኖምን ብዘይበቕዕዎን መለኮታዊ ኽብሪ ዚኸብሩሉ ዘለኣለማዊ ዘመን ሰሪዑሎም ኣሎ።

እምብኣር ነስተውዕል፡ ህይወት፡ ምርጫ፡ ኵነታት፡ ዝምድናታት፡ ፍጻመታት፡ ብዘመን ብጊዜ እንተ ተመዚኖም ጥራሕዮም ሓቀኛ ትርጕምን ምሕደራን ዚረኽቡ። እቲ ብትምኒት ስጋን ብርኽሰትን ነእምሮኡ ዘደንቈረ ሰብ፡ ነዛ ናይ ቋሕ-ሰም ሓጻር ዘመን፡ በቲ ዝምቡዕ ኣእምሮኡ ክንዲ ዘለኣለም ገይሩ ኣግዚፉ ይርእያሞ፡ ዕንደራን ዕብዳንን የወናውኖ። ጽድቅን ቅድስናን ድማ ዕሽነትን ነውርን ወጽዓን ኰይኑ ይረኣዮ። እቲ ንምድሓን ዝለበመ፡ ነእምሮኡ ኻብ ድንቍርና ዝተበጀወ ውሉድ ጥበብ ከኣ፡ ነዛ ሓጻር ዘመኑ፡ ብመንጽር ዘይውዳእ ዘለኣለም ይጥምታሞ፡ ይጥንቀቐላ። ናይ ትዕዝብቲ ናይ ምዘና (ምምዛን) ዘመን ምዃና፡ ብሰንካ ኺጠፍእ ወይውን ብሳላኣ ኺለምዕ ምዃኑ ኣስተውዒሉ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ይሕዛን የመሓድራን፡ ብጽድቂ ይስልማ፡ ብቕድስና የጊጻ። ነቲ ናይ ዘለኣለም ረብሓኡ ምእንቲ ኼውሕስ፡ ነቲ ናይ ሓጻር ዘመን ጊዝያዊ ረብሓ ይፍንፍን ይስውኦ ድማ። ኣብ ሓጻር ዘመን እሙን ብዓል ሕድሪ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ናይ ዘለኣለም ኪሽየምን ኪኸብርን ምዃኑ ስለ ዚፈልጥ፡ ናብራ ሰማይ ይነብረላ።

ድሕሪ ዅሉ፡ ርእስኻ ምምርማርን ዘመንካ ምልላይን ዚተርፈና። ኣብ ሓጻር ዘመን እንታይ ዓይነት ናብራ ዀን ንነብር ንህልው፧ ዘመን ድንቍርና፡ ዘመን ርኽሰት፡ ዘመን ጽላለን ዕብዳንንዶ ዘመን ጥበብ፡ ዘመን ኣስተውዕሎ፡ ዘመን ጽድቅን ቅድስናን፧ ንትምኒት ስጋናዶ ንግዛእ ኣለና ንፍቓድ ኣምላኽ፧ ነዚ ሓጺር መዋእልና፡ ነዚ ናይ ቋሕ-ሰም ዘመንና፡ ነዚ ዘመን ግሽነትና ብኸመይ ነመሓድሮ ዀን ንህልው፧ እቲ ልዑል ፈጣሪ፡ እቲ ዓዳል ዘመናት፡ እቲ መዛን ኵሉ ግብርታት፡ ነቲ ዝሃበና ስጋን ህይወትን ዘመንን ብኸመይ ነመሓድሮ ኸም ዘለና ብኣትኵሮት ይዕዘበና ኣሎ ንዘመንና ንጠንቀቐሉ፡ ብድንቍርና ኣይነጸልምቶ!!

ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ጥር 28, 2015 ግዕዝ (5 የ(ለ)ካቲት 2023 ፈ  [መበል 22 ሰንበት: ቊ.፴/30, 2023]

ምስባክ

መዝ.97(98)፡ 2-3

“አርአየ እግዚአብሔር አድኅኖቶ። ወበቅድመ አሕዛብ ከሠተ ኪዳኖ። ወተዘከረ ሣህሎ ለያዕቆብ።”

ወይ ከኣ

መዝ.47(48)፡8

“በከመ ሰማዕነ ከማሁ ርኢነ። በሀገረ እግዚአ ኃያላን በሀገረ አምላክነ። እግዚአብሔር ሣረራ ለዓለም።”

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 1፡1-12

ዲያቆን

1ጴጥ 1፡13-22

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 19፡1-10

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 2፡36-40

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ፦ ዘዲዮስቆሮስ

   

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div